Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውርደትካን ሕስረትካን…!

ውርደትካን ሕስረትካን

ውርደትካን ሕስረትካን…!
ን23 ዓመታት ብዘይምስልካይን ምሕፋርን፡ ባዶ መብጽዓ እናሃበን ጻሕሉ እናቀርዓነ ከሎ፡ ጻሕሊ እንዳማቱ እናኣኾሰን፡ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ንኺምድር ልዑል ድፍረት፡ ክፍኣትን ተንኰልን ዚውንን፡ በላዕ ዓይኒ ጤል ዚኾነ፡ ካብ ባህልን ስነ ምግባርን ኤርትራዊ ቊሩብ ዘይተዓደለ ደማሒ (መላኺ) ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እንተ ብዕብዳን እንተ ብስኽራን፡ ብዝፈጸምካዮ ጉድለትን መወዳድርቲ ዘይብሉ በደልን፡ ዚገበርካ ጸይቂ ግበር፣ ብሰንክኻ ዝጠፍአ ህይወት ይጥፋእ፣ ዓቢ ፍሽለትን ውድቀትን የጋጥምካ፣ ህዝቢ ብሕሰም ምሕደራኻ ክሳዕ ዓንቀሩ ይጽላእካ፣ ቁጽሪ ኣልቦ ዝኾኑ ኣነወርቲ ስርሓት እናፈጸምካ፡ ምንም ከም ዘይፈጸምካን ከምዘይገበርካን፡ ዳግም ናብ ህዝቢ ክትረአን ክትምድርን፡ ንዘይምሕፋርን ዘይምሽቑራርን ሓደ ዓቢ ህያው ኣብነት ስለ ዚኾነና፡ ብምኽንያት’ዚ ሎሚ ምሸት ብኣቋጻጽራ ኤርትራ፡ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ዘካይዶ ልሙድ ህውተታ ምልኪ፡ በዛ ትማሊ ምሸት ነቲ ናይ ቃለ መሕትት ሓበሬታ ካብ ቲቪ ህግደፍ ምስ ሰማዕኩ ዝጸሓፍኩዋ፡ “ውርደትካን ሕስረትካን ኪኸውን’ዩ ዕጽፊ!” ዘርእስታ ናዕታ ኣቢለ እንቋዕ ናብ ዚለዓለ መድረኽ ውርደትን ሕስረትን ኣብጽሓካ ፋኖ (ቀይዲ በተኽ) ክብሎ ፍቑዱለይ?
ውርደትካን ሕስረትካን…!
ኣንታ ጨዋይ ፍትሒ ምስሉይ *ነፈኽ    *ጃህረኛ፡ ሓሳዊ፡ ዑብተኛ
ምሁር ይኹን ጅግና ብኣኻ ክንብርከኽ
ልዕሊ ብዓል በንዓሊ ልዕሊ’ቲ ሙባረኽ
ወትሩ ተቓሊስካ ከም እዝጊ ኪትምለኽ፡
ከምቲ ናይ ሳዳም ግን ልዕሊ ናይ ቀዛፊ
ውርደትካን ሕስረትካን ኪኸውን’ዩ ዕጽፊ!
ምሉእ መዋእልካ ምሁራት ኪትቕንጽል
ባይቶና ኣፍሪስካ ሽፍትነት ትተክል
መንግስቲ’የ ኢልካ ንዓለም ተታልል
ሞትካ ቀሪቡ’ሎ ኣንታ ገበል ሳሕል
ማሰኛን *ዶጋዕን ኣውሎ ንኽትብል        *መላቐሲን
ተዳሎ ዘያሚ ሓርነት ክትጽንብል!
ልዕሊ ኪምዮንግ ኢል ልዕሊ ስርዓት ደርጊ
ፍንፉን መንግስትኻ ቅዋሙ ሓለንጊ፡
ልዕሊ ስርዓት ማኦ ሓለፋ ስታሊን
ጨካን ፖሊሲኻ ኣብ ሕጊ ዘይኣምን
ብዘይዳኛን ፍርድን ፍጡራት ተማስን
ድሕሪ ሕልፈትካውን ኣበይ ከይትቐስን!
ኣንታ ውጹዕ ህዝቢ *እልበት ዝጸገበ       *ሓሳረ መከራ
ሓንቲ ክመኽረካ ዕድል ካብ ተረኽበ
ሬሳ እዚ ደማሒ ብደም ዝዘቕበበ
ኣኸዛ ከይክልክል ዝናብ ምስ ሰረበ
ኣብዛ ሓላል መሬት ሓመድ ከይድበ
ከም *በድኒ ቢን ላደን ናብ ባሕሪ ይደርበ!   *ሞይቱ ነዊሕ ዚገበረ ሬሳ
እዚ ኹሉ ገበን ተንኰል ክፉእ ግብሪ
ኣይትኽእሎ’ያ እወ ክትጸሮ እዛ ምድሪ
ኣብዚ ካብ ኣብቀዐ ናይ መላኺ ዕምሪ
ንቡር ከይረኸበ ሓመድ ድበ ቀብሪ
ጨው መታን ኪበልዖ ይደርበ ናብ ባሕሪ!
ኣይኮነን መላኺ እዚ መሕሰር ዓዱ
እቶም ግዳያቱ’ኳ ብሰንኩ እተሰዱ
ባሕሪ ዝወሓጦም ሓዊ እናነደዱ
ሬሳኦም ብኽብሪ ከይቅበር ኣጊዱ
ክሳዕ ሕጂ እኖሆ ብንዕቀት ሓንጊዱ
ሎሚ ግን ቀሪቡ’ዩ ኪረክብ ናይ ኢዱ
ፍትሒ ይጽበዮ ኣሎ *ዙይን ኣዋዲዱ!   *ናይ ሬሳ ዓራት
እዚ ርጉም *ደማሒ ምስ ተኣልየ   *መላኺ
ማሰኛን መላቐስን ክንብለሉ ወየ
ሓርነት ሰፊኑ መሬት ምስ ጸሓየ
ዘራጊ ጠፊኡ ማይና ምስ ጸረየ
ሽም ንህቢ መሪጽና ዘንበርናሉ ስየ
*ፌማ እናሓጸና ናብ ስራሕ ንጓየ!                  *ፈላጥ፡ ሊቅ፡ ለባም
ፋሕ ዝበልካ ውጹዕ ከምተን ደቂ ዛግራ
ድሕሪ ከቢድ ሕሰም ስቓይ ምስ መከራ
*ቅላ ካብ ረገጽካ ንኽትወጽእ ሓራ     *ድሮ ጾም
ዮሃና ኣታ ጅግና ህዝቢ ናይ ኤርትራ!
*ሃንአ’ወ ዮሃና እንቋዕ ኣሐጐሰካ         *ዮሃና
ጸላም ክቕንጠጣ እዛ ሓዳስ ሃገርካ
ድያብሎስ ነቒሉ መሕሰሪ ክብረትካ
ዝባደመት መሬት ብግቡእ ኣልሚዕካ
ገሌኻ ሓሪስካ ገሌኻ ነጊድካ
ጣይታ ዝሓረሞ ክትመልእ መሶብካ
ካብ ምልእቲ ዓለም እቶ ናብዛ ቤትካ!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 09-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
95 COMMENTS
  • mrs Eritrea February 11, 2014

    Bilen asha halay zidigif abiu keyidu iyo zidigif ilka imo ane netom ab hager koyinom inte bihimak inte biztibok lilawinet Eritra zihilow ziserihon zelow ayteztarefikon isika gin kabiu nilaili ykil iye nisatom diktatorat iyom tibil sile zeleka kid sebiay konka aligisom tebelazti isika ika isika ab sidetka kof ilka kitilik kaiot ka ab hawi kiatiwlka sebay ab meriyetu iyo ziswae wey ka kemti moshimosh wed Ali ab sireka shenka nebiska teketil be tv trah wedi Afom fetifet abilikum kkkkkkkkkkkk

1 3 4 5

POST A COMMENT