Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውሽጣዊ ተቓራኒ ሓይሊ (dialectics of growth) – ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ውሽጣዊ ተቓራኒ ሓይሊ (dialectics of growth) ብ ኣማኑኤል ሳህለ   ኩሉ ለውጢ ወይ ሰውራ፡ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ወይ ተቕዋም ወይ ኣተሓሳስባ ወይ ቅርጺ (structure) ብምንጻግን ብምቅዋምን፡ ብምእዳምን እዩ ንጥፈታቱ ዚጅምር። እቲ ዝነበረ ንዘልኣለም ኪቕጽል ኣይክእልን። ብቐደሙውን ንዘልኣለም ኣይነበረን።

ውሽጣዊ ተቓራኒ ሓይሊ (dialectics of growth)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኩሉ ለውጢ ወይ ሰውራ፡ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ወይ ተቕዋም ወይ ኣተሓሳስባ ወይ ቅርጺ (structure) ብምንጻግን ብምቅዋምን፡ ብምእዳምን እዩ ንጥፈታቱ ዚጅምር። እቲ ዝነበረ ንዘልኣለም ኪቕጽል ኣይክእልን። ብቐደሙውን ንዘልኣለም ኣይነበረን። ኩሉ ነገራት ይውለድ ወይ ይፍጠር ወይ ይድኰን፡ ብድሕርዚ ይዓቢ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ይመውት ወይ ይበታተን። ካብዚ ሕግዚ ዘምልጥ ግዙፍ ወይ ረቂቕ ነገር የልቦን።

 

እዚ ባህርያትዚ፡ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ነገራትን ኣብ ሰብን፡ ኣብቲ ሰብ ዘፍርዮ ሓሳባትን፡ ዚምስርቶ ማሕበራዊ ወይ ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይውን ሃይማኖታዊ ትካላት ይኽሰት። በዚ መሰረትዚ፡ ትካላት ይድኰናን ይዓብያን ይሞታን። መንግስቲ ይቐውም፡ ይዓቢ፡ ይበታተን። ሓሳባት ይፍጠሩን ይዓብዩን ይሞቱን፡ ብኻልእ ሓሳባት ድማ ይትክኡ። ሃገራት ይፍጠራን ይዓብያን ይበታተናን ወይ ይጠፍኣን። ትካላት እምነትውን ብወገነን ይውለዳን፡ ይዕምብባን ይቕምስላን ወይ ይብረዛን።

 

ዝኾነ ስርዓት ወይ ስነሓሳብ ወይ ቅርጺ፡ ኪዓቢ ኸሎ ምስቶም ኣብ ውሽጣውን ደጋውን ከባቢኡ ዚህልዉ ሓይልታት ይዋሳእ እዩ (interact)። ከምዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ስርዓት ወይ ቅርጺ፡ ኣብቲ ኪዋሳእ ከሎ ዚህቦ ወይ ዘቕርቦ ግብረመልስታት፡ ጌጋታትን ተገራጫውን ኣሰራት ስለ ዚፍጠሩ፡ ገሊኣቶም ብድሆታት ድማ ብቑዕ መልሲ ስለ ዘይረኽቡ፡ ኣብ ውሽጡ ዘዳኽሞ ኣበራትን ተቓረንቲ ሓይልታትን ኪኽሰቱ ይኽእሉ እዮም። እቶም በዚ መገድዚ ዚፍጠሩ ኣበራት (defects) ወይውን ተቓረንቲ ሓይልታት (destructive forces) ተኣኪቦም ኣብ መወዳእታ ነቲ ስርዓት ወይ ስነሓሳብ ወይ ነቲ ቕርጺ ኣብ ምፍራስ ወይ ኣብ ምዝራግ ወይ ኣብ ምውዳቕ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ እዮም።

 

እቲ ተቓራኒ ሓይሊ፡ ካብቲ ሃናጺ ወይ ጸጋኒ ሓይሊ እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ እቲ ቅርጺ ወይ ስርዓት ኪፈርስ ይጅምር። እቲ ነዚ ስርዓትዚ ተኪኡ ዚፍጠር ቅርጺ ወይ ስርዓትውን ብወገኑ ነዚ ባህርያትዚ ሓቚፉ እዩ ዚፍጠርን ዚጎዓዝን። እዚ፡ ሓደ ካብቶም ዘይልወጡ ናይ ፍጥረት ሕግታት እዩ።

 

ሃጸያዊት መንግስቲ ሮማ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ተቨረ ተደኵና፡ መግዛእታዊ ኣውታራታን ጽልዋታታን ኣብ ኩሉ ዓለም ብምዝርጋሕ ኣብቲ ወርቃዊ ናይ ምዕባለኣ ደረጃ ድማ ምስ በጽሐት፡ ከምኡ ኢላ ኣይቀጸለትን። በቲ ኣብ ውሽጣ እተኸሰተ ኣብ ዘይምፍታሕ መሰረታውያን ሕቶታትን ኣብ ምቕራብ ግጉይ ግብረመልስን፡ ከምኡውን ምስቲ ዚፍጠር ሓደስቲ ኩነታት ብዘይ ምስምማዕን ብዚምስረትን ዚእከብን ተቓራኒ ሓይልታት፡ ምስ ተነድቀት ድሕሪ ዳርጋ 400 ዓመታት፡ ገማዕማዕ ኢላ ፈሪሳ።

 

ሓደ ካብቶም ነዚ ኣብ ውሽጢ ነገራት ወይ ስርዓታት ወይ ቅርጽታት ዚፍጠሩ ናይ ተቓራንነት ሓይሊ ብመጠኑ ከዳኽሙዎ ግን ፈጺሞም ከልግሱዎ ዘይክእሉ ኣገባባት፡ እቲ ናይ ቅኑዕ ግብረመልሲ ምሃብ ወይ እቲ ምስቲ ግዜን ኩነታትን ተላዚብካ ኣብ ምኻድ ዚዝውተር ስልቲ እዩ። እቲ ነዚ ሜላዚ ዚኽተል ስነሓሳብ ወይ ስርዓት፡ ብተዛማዲ ናይ ምቕጻል ዕድላቱ ዓቢ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ነዚ ሜላዚ ዘይክተል ስርዓት ወይ ስነሓሳብ ወይ ቅርጺ ግን ዕምሩ ሓጺር አዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ናይ ዘገምታዊ ምርዓምን ምምስሳልን ዘይክተላን ንውሽጣዊ ብድሆታት ብቑዕ ግብርመልሲ ዘይህባን ሃገራትን መንግስታትን፡ እቲ ኣብ ውሽጠን ዚኽሰት ተቓራኒ ሓይሊ ይብርትዕ እሞ ወይ ይፈርሳን ይበታተናን ወይ ድማ ብኻልኦት ሃገራት ተዋሒጠን ይተርፋ።

 

ኤርትራ ሃገርና፡ ሽሕኳ ከም ሓውሲ ሃገር ኮይና ንገለ ዘመናት ትነብር እንተ ነበረት፡ ከም መንግስታዊት ሃገር ግን ብ 1891፡ ማለት ጣልያን ምስ ሓዙዋን ዶብ ምስ ሓንጸጹላን፡ ማእከላዊ መንግስቲ ድማ ምስ ተኸሉላን እያ ዘመናዊ ህላወኣ ዘረጋገጸት። እቲ ፖለቲካዊ ህይወት ዘመናዊት ኤርትራ ድማ ሽዑ እዩ እተጀመረ።

 

ኣብቲ ድሕሪ ምፍጣር ኤርትራ ዝነበረ መግዛእታዊ-ሃገራዊ ናይ ዕቤት ጕዕዞ ግን፡ ናይ ተቓራንነት ድጉል ሓይልታት እውን ጎድኒ ብጎድኒ ይጎዓዙ ነይሮም እዮም። እዞም ድጉላት ተቓረንቲ ሓይልታት አዚኣቶም፡ ኤርትራ ክትፍጠር ከላ ጀሚሮም ምስ ዕቤታ ዚጎዓዙ ዝነበሩን ነቲ መግዛእታዊ ስርዓት ንኺዳኸምን ነቲ መግዛእታዊ ቕርጺ ድማ ንኺፈርስን ኣፈናውን መሰረታውን ተራ ዝነበሮም ረቛሒታት እዮም ነይሮም።

 

ኢጣልያዊ  ገዛኢ፡ ንኤርትራ ኪሕዛ ኸሎ፡ እንታይ ዕላማን ራእይን እዩ ነይሩዎ? ነቲ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣቃውማ ህዝቢ፡ ነቲ ባህሊ ህዝቢ፡ ነቲ ታሪኹን መበቆሉን፡ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ምስ ከባቢኡ ዘለዎ ዝምድናን ምትእስሳርን ወዘተ. ብግቡእ ኣጽኒዑዎ ወይ መርሚሩዎ ዲዩ? እቲ ምምሕዳሩኸ ምስዚ እተጠቕሰ ዚሳነ ወይ ንኣኡ ኣብ ግምት ዘእተወ ድዩ ነይሩ? ኤርትራኸ እንታይ ድኽመታት ወይ ጸገማት ስለ  ዝነበራ እያ ግዳይ ጣልያን ኮይና? ኣብቲ ከባቢኣኸ እንታይ ይካየድ ነይሩ? ኣብቲ ከባቢ ዚካየድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለ፡ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ በዓል መን እዮም ነይሮም? ኣጀንዳታቶምከ እንታይ እዩ ነይሩ?

 

እታ ከም ግዝኣት ጣልያን ኮይና እተፈጥረት ኤርትራ፡ ኣብቲ መግዛእታዊ ጕዕዞኣ፡ ብዙሓት ዘይተመለሹ ሕቶታት ተሰኪማ እያ እትቕጽል ዝነበረት። ዘይተመለሹ ሕቶታት ድማ ኣብ ምፍጣር ተቓረንቲ ሓይልታት መሰረታዊ ተራ ኣለዎም፡ ማለት ውሽጣውያን ተቓረንቲ ሓይልታት ንኺፍጠሩ ቀንዲ ምኽንያታት እዮም።

 

እዚ ተቓራኒ ሓይሊዚ፡ ከም ሓሳባት ኮይኑ ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ዚጭቆኑ ዘለዉ ሰባት ምስ ሰፈረን ምስ ሰረጸን፡ ተቓውሞን ተቓወምትን ይፍጠሩ። እዚ ሓይልዚ እዩ ነቲ ስርዓት ዚጻብኦን ዚምክቶን ዚብድሆን። ኣብ ምውዳቕ ናይቲ ድጉል ተጻራሪኡ ሒዙ ዚጎዓዝ ዘሎ ስርዓት ወይ ስነሓሳብ ወይ ቅርጺ ድማ መሰረታውን ልዑልን ተራ ይጻወት።

 

ብጣልያንን ብሃጸያዊት ኢትዮጵያን ከምኡውን ብደርጋውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እተቐርጸ ስርዓት ኪነጥፍ ከሎን ኣብ ጕዕዞኡን፡ ኣብ ውሽጡ፡ ተቓረንቲ ዝኾኑ ሓይልታት ብድጉል ኪፍጠሩን ኪዕምብቡን ግድን እዩ ነይሩ። እዞም ተቓረንቲ ወይ ኣፍረስቲ ሓይልታት ድማ ኣብቲ ዚጻረር ኣካል ከም ሓሳባት ኮይኖም፡ ሓርነታዊ ውድብ ብምፍጣር፡ ኣብቲ ምውዳቕ ናይቲ ስርዓት ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም እዮም።

 

ኣብ ኤርትራ፡ እተን ናይ ናጽነትን ሓርነትን ምንቅስቓሳት ንጥፈታተን ኪጅምራ ኸለዋ፡ ነዚ ኣብቲ ስርዓት ዝሰረጸ ተቓራኒ ሓይሊ፡ ናብቲ ከቃልሰን ዚኽእል ሓሳባትን ትልምን መትከልን ራእይን ኪትርጉማኦ ግድን እዩ ነይሩ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ብመጀመርታ ብኣእምሮአን ኪቃወማን ኪእድማን ኣማራጺ ዘይነበሮ ተግባር እዩ ነይሩ። እቲ ተቓውሞ፡ ነቲ ዘሎ ቅርጺ ንምዕናው፡ ካብ ሓሳባትን መትከላትን ሓሊፉ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትዩ። ነቲ ዝነበረ ስርዓትን ቅርጽን ድማ በታቲኑዎ። ብድሕርዚ እቲ ነቲ ኣረጊት ስርዓት ዘውደቐ ኣካል ብወገኑ ናቱ ስርዓትን ቅርጽን ተኺሉ። ካብቲ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ከምልጥ ስለ ዘይክእል ግን፡ ኣብ ውሽጡ ተቓራኒ ወይ ኣፍራሲ ሓይሊ ኪፍጠር ግድን እዩ ነይሩ።

 

ኣብ ሓደ ስነሓሳብ ወይ ቅርጺ ዘለዉ መሰረታውያንን ባህርያውያንን ተቓረንቲ ወይ ኣፍረስቲ ሓይሊታት፡ ናብ ሓሳባትን መትከላትን ቀዪርካ ተቓውሞኻ ቅድሚ ምብጋስ፡ ናይ ኣእምሮ ኣድማ ወይ ኣእምሮኣዊ ሽፍትነት ክትርዕም ግድን እዩ። ኩሉ ተቓውሞ ድማ ብኣእምሮኣዊ ምእዳም እዩ ንጥፈታቱ ዚጅምሮ።

 

ኣብ ኤርትራ እንተ ተመልከትና፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓትን ቅርጹን በቶም ኣብ ጕዕዞኡ ኣብ ውሽጡ እተኸሰቱ ተቓረንቲ ሓይልታት ዘቕቢቡ እዩ። ከም ሓቂ ድማ ዛጊት ኪወድቕን ኪበታተንን ነይሩዎ። ይኹንምበር፡ እቲ ኣብቲ ውሽጢ ስርዓት ኮይኑ ብድጉል መገዲ ዝማዕበለ ተቓራኒ ሓይልታት በቶም ተቓወምቲ ደንበታት ከም ሓሳባት ወይ መትከላት ኮይኑ ናብ ሓያልን ወሳንን ተቓውሞ ኪትርጎም ኣይከኣለን። ስለዚ፡ እቲ ስርዓት ምስቶም ዝኣከቦምን ዕንወት ከስዕበሉ ዚኽእሉን ተቓራኒ ሓይልታት ኮይኑ ዋኒኑ ብምክያድ፡ ገለ ኸይኮነ ይቕጽል ኣሎ። ዚቕጽል ዘሎ ግን፡ ብናቱ ጥበብ ወይ ብናቱ ሓይሊ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ናይቶም ንተቓረንቲ ሓይልታት ናብ ሓሳባትን መትከላትን ለዊጦም ኪነጥፉን ኪቃለሱን ዘይከኣሉ ተቃወምቲ ውድባት እዩ።

 

እቲ ስርዓት፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምውዳቑ ኣይተርፎን እዩ። መን ምስ ተረፈ እዩሞ ዚተርፍ። ግን ቅድሚ ምውዳቑ ብዙሕ ነገር ኣበላሽዩ ኪሓልፍ ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ውሽጣዊ ተቓራንን ኣፍራስን ሓይሊ ሓቚፍካ ንዘልኣለም ክትጎዓዝ ኣይከኣልን። ኩሉ ዚሓልፍ እንተ ኾነውን፡ ቅድሚ ምሕላፉ ኣሰንኪሉ ይገድፈካ እዩ።

 

ንኤርትራ ሃገርና ዚምልከት፡ ሓደ ካብቲ ኪገሃድ ዚኽእል ዘሰንብድ ተኽእሎ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ባዕዳውያን ሃገራት፡ ነቲ ሃገራውያን ተቓወምቲ ኪጻወቱዎ ዝነበሮም ተራ ባዕላተን ኪጻወታኦ ኪጅምራ ኸለዋ እዩ። ንሳተን፡ ነቲ ኣብቲ ጕዕዞ ናይቲ ስርዓት ዝማዕበለ ተቓራኒ ሓይልታት ብምጥቃም ኣእዳወን ወስ ከብላ ይኽእላ እየን፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ኣብዚ ዞባዚ ስግኣትን ሕንፍሽፍሽን ንኺፈጥራ ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚዚ፡ ንሶማልያ ከም ኣብነት ክንወስዳ ንኽእል ኢና።

 

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ሶቬት ሩስያ፡ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ናይቲ ስርዓት ዝዓምበበ ተቓራኒ ሓይልታት ኣብ ናይ ተቓውሞ ሓሳባትን መትከልን ለዊጡ ኪጥቀመሉ ኣይከኣለን። ነዚ ዕድልዚ ብርሑቕ እተመልከተት ኣመሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ግን፡ ኣብቲ ጉዳይ ግርም ገይረን ተዋሲአን እየን። ኣብ ምፍራስን ምውዳቕን ሶቬታዊት ሩስያ ድማ ክብ ዝበለ ተራ ተጻዊተን እየን።

 

ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ሕሙም መንግስትን ድኹም ህዝብን ዘለዎ ሃገር፡ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ንኺፍጠር ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ ብምዃኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ድሕነት ሃገሩ ብምቕዳም፡ ንኸባቢኡ ብርሑቕን ብቐረባን ብንቕሓትን ብምስትውዓልን፡ ኪዕዘብን ኪሕሉን ይግባእ!

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • k.tewolde April 9, 2018

    Overdue beautiful article,too late,the intervention is already in the works.

  • Hagos April 10, 2018

    ክዝከራ ዝግበኤን ጥቕስታት፥ እስከ ቁሩብ ንሕሰበላ። እንታይ ዝብል ዘሎ?

    “እዚ ኸይኣክል፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ዚረአ ናይ ምፍልላይ ባህርያት፡ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣውራጃን፡ ቀቢላን፡ ሃይማኖትን፡ ፖለቲካዊ ዝንባሌን፡ ዘተኮረ እዩ። ገሊኣቶም ድማ ኣብ ድሑር ሃይማኖታዊ ሕልሚ ተኣሊኾም፡ ኣድሓርን ሕልና ዘዕርብን ድኹምን ትምህርቲ ኪዝርግሑ ይረኣዩ። ናይ ባዕዲ ሃገራት ኣጀንዳታት ዘጣጥሑ ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን።”

  • Hagos April 10, 2018

    “… ይኹንምበር፡ እቲ ኣብቲ ውሽጢ ስርዓት ኮይኑ ብድጉል መገዲ ዝማዕበለ ተቓራኒ ሓይልታት በቶም ተቓወምቲ ደንበታት ከም ሓሳባት ወይ መትከላት ኮይኑ ናብ ሓያልን ወሳንን ተቓውሞ ኪትርጎም ኣይከኣለን። ስለዚ፡ እቲ ስርዓት ምስቶም ዝኣከቦምን ዕንወት ከስዕበሉ ዚኽእሉን ተቓራኒ ሓይልታት ኮይኑ ዋኒኑ ብምክያድ፡ ገለ ኸይኮነ ይቕጽል ኣሎ። ዚቕጽል ዘሎ ግን፡ ብናቱ ጥበብ ወይ ብናቱ ሓይሊ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ናይቶም ንተቓረንቲ ሓይልታት ናብ ሓሳባትን መትከላትን ለዊጦም ኪነጥፉን ኪቃለሱን ዘይከኣሉ ተቃወምቲ ውድባት እዩ።”

    • k.tewolde April 10, 2018

      Mr. Sahle is not talking in Morris code,it is straight forward for those who can read tigrigna. for example in the last paragraph,he warns……”ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ሕሙም መንግስትን ድኹም ህዝብን ዘለዎ ሃገር፡ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ንኺፍጠር ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ ብምዃኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ድሕነት ሃገሩ ብምቕዳም፡ ንኸባቢኡ ብርሑቕን ብቐረባን ብንቕሓትን ብምስትውዓልን፡ ኪዕዘብን ኪሕሉን ይግባእ!” basically,the nation is a sitting duck for any intruder to play with for whatever motive their intrusion is,and this didn’t happen haphazardly,it is a well thought out,intricately weaved, protracted scheme against us the Eritrean people,that is why the tyrant cloned himself in us from inside out and got us reciting “nihna nisu” and vice versa.The nation has surrendered to one man,the democratic instruments have been shattered beyond repair,he became the facade of the nation and that’s a recipe for disaster.The outside intrusion has been underway a long time ago,that is why I said,too late.

      • k.tewolde April 10, 2018

        In other words,the regime blows the trumpet of integrity of sovereign Eritrean land while selling beach front prime real estate to the Arab oil tycoons and wastes tens of thousands of young Eritrean lives over a dusty farming border township.Las Vegas style Casinos coming soon to your neighborhood,but the natives are not allowed in the premises.

  • Hagos April 12, 2018

    ማሕሙድ ሳልሕ: “ … ኣንጻር ህግድፍ ደው ከም ዝበልካ ምእዋጅን ብሓቂ ኣንጻሩ ምዃንካ ዘረጋግጽ ስራሕ ምስራሕን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ንለውጢ ንምቅላስ ብቐዳምነት ዝጥለብ ርእሰምትእምማን እዩ። ኣብ መንነትካን ታሪኽካን ረጊጽካ ኢኻ ንዝሓሸ ደረጃ ምዕባለ ወይ ንለውጢ ትቃለስ። ማለትሲ፥ ንለውጢ ክትብገስ ዘገድድ ብምጀመርያ ክትልውጦ ዝግበኣካ ነገር ምስ እትውንን እዩ። ንህዝቡን መንነቱን ታሪኹን ዘይኣምን ተቓዋማይ ወገን ከቶ ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ደልዲሉ ዝረግጸሉ ባይታን ዝምግቦ ሰራውር የብሉን። እቲ ከም ሰራውር ኮይኑ ኣጽኒዑ ዝሕዞ መንነቱን ታሪኹን ስለዝኾነ፡ እቲ ንታሪኹን መንንነቱን ዘናሹ ወገን ይንዋሕ ይሕጸር ቆምሲሉ ይተርፍ ‘ሞ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ከንሳፍፍን፡ ብካልኦት ዘበገስዎ ህቦብላ ክጋፋዕን እዩ ዝተርፍ።”
    ” … ተቓውሞ ኤርትራ ግን ገና ሃናጺ ኣተሓሳስባ ‘ኳ ከዕኩኽን ክጭብጥን ንጋዶ። ተቓውሞ ኤርትራ፥ ስምረት ኣተሓሳስባኡስ ይትረፍ ርእሱን እግሩን ‘ኳ ክነለሊ እንተኸኣልና።”

    • k.tewolde April 12, 2018

      The Eritrean opposition has been unfairly targeted by everyone including the smart arbiters who have the best seat (clubhouse) in the political arena expecting to see a good game,however they seem to be disappointed because the game didn’t go their way- fumbles,turnovers,missed field goals….too bad,at least the players are playing(opposing) the best they know how,keep yelling from the stands,another gin and tonic please! make it on the rocks!!!

      • k.tewolde April 12, 2018

        It is a self fulfilling prophecy,defeatist.I wonder what they are trying to accomplish,just saying.

    • Hope April 18, 2018

      HELLO ALL:

      Warning:

      This is HOPE so that those allergic to his comments can stay away.

      My personal reaction to Ustaz Amanuel Sahle’s Article at Assenna.com.:

      -While respecting him as a Citizen and a Seasoned Intellectual and a big asset for Eritrea,and his opinion,I respectfully disagree with and even DISRESPECT his blanket accusation and generalization insulting us Eritreans that we are “ARROGANT and hateful” people.

      Here is the FACT:

      Not only Ustaz Amanuel Sahle knows it well and perfectly,but the people or Group he might be representing and/or defending, aka, Eritrea’s BLOODY enemies know it better that, Eritreans, in fact, are the most hospitable and peace-loving people, who deserve the best and appreciation, NOT an Insult.

      On the same token though, Eritreans are Human Beings, who can forgive but who CANNOT forget and who cannot tolerate the untold misery and torture they have gone through for a century, directly and indirectly /proxy.

      Jus a reminder to Amanuel Sahle et al:

      A)Pre-Independence Era:

      -It was the same group of people, who were mercenaries of torture and destruction of Eritrea and Eritreans during the Janhoy and Derghi Eras:

      a)who were poisoning our rivers and wells,which killed our livestock and Eritreans

      b)Who were Agents of Terror over all Eritrea….The Tseghaleuls of Asmera-known for the Youth Terror and killing,but only to be gunned down by the Gallant EPLF Fedayeen…that included the Top Red Card Holders of the Derghi Essepa members–I am a victim of such a Terror Group in the Heart of Keren along with my Colleagues(EPLF Fedayeen and Wudubat,who gave up their lives in an unheard of heroism)

      c)Who committed Untold and unheard of destruction and torture of Eritrea and Eritreans(Tex Books not enough to express it)

      B)Post Independence Era:

      -The same group or Janda and its followers and mercenaries:

      1)Sabotaged and betrayed Eritrea and Eritreans since 1990s

      2)Declared officially that they don’t like the color of our eyes,hence,80,000 Innocent Eritreans and Ethiopians of Eritrean origin were deported bare feet besides losing their life long earnings

      3)Who harassed and tortured Eritreans in the border in 1990s and provoked us for a destructive war in the name of—

      4)Declared publically that they will destroy Eritrea and Eritreans for once and for all besides breaking the spine/back bone of Eritrea–the Highlanders and the Christians..

      5)Conspired and acted in the worst “Devilish” /Evil way to isolate, contain,sanction and thereby destroy Eritrea and its economy overnight and to nullify the Eritrean ID for once and for all….using all kinds of evil tactics and approaches–Evil Axis(es0 and Coalitions(Sana Forum,IGAD,Ethio-Sudanese/Djibouti Defense and Security Agreement,etc—)

      6) openly declared to open Filthy Camps in Tigray so that the Eri Youth will flee the nation and drain its most productive segment of our society-The Youth–the EDF and The Eri Students by enforcing this through the No War No Peace Policy -fully backed by its Western Powers and Sponsors, which have opened the doors for an unfiltered an uncensored Asylum for any and every one,who claims to be an “Eritrean”..

      7)They “successfully”” abused our Eri ID to relocate their own people to the well selected an picked up Western Nations in the name of Eritrean Refugees in collaboration with the corrupted UNHCR;worst,they made the true Eri Refugees to be victims of torture,Human Trafficking,HIV,Poverty kidnapping and death

      8) Have tried their best to divide Eritrea and Eritreans through Religion, Ethnic and Region based Politics and Terrorism….(Kunama Liberation Front,Afar Liberation Front,Blen Liberation(Funny), Movement,Akaleguzay Liberation Movement,Saho Liberation,Eritrean Islamic Jihad Movement,etc….).

      So, considering the above Hard core FACTS,are we expected to be Fake Angels and sit down and be victims of the above evil Agenda?

      Being “hateful and arrogant”, if at all we are,is the least and the minimum way we Eritreans should have reacted in the real world…But we haven’t—-rather we just asked to live peacefully with our old enemies, if not to be left alone so as to move on.

      Speaking of ‘Blanket Accusation”,it is so funny and ridiculous and beyond hypocrisy to see people accusing those,who legitimately reacted to Amanuel Sahle’s ridiculous and blanket accusation of Eritreans and worst, advocating for and defending the guy,who have made a WORSE Blanket Accusation of Eritreans.

      Wed Abuye Andom comes to my mind,the expert of all Hypocrisies, when he boldly told us that those at PFDJ Prison Camps(Ela Eiro–what ever they called it) were Killers, which,by default imply/meant, that they deserve it and at the same time cursing the PFDJ for putting these “Killers’ in prison.

      In the world of Semere Andom et al ,Freedom of Speech is a privilege/a Unique Right for a few but a curse for/to others by defending the Keidi Albo Freedom of Speech of Amanuel Sahle (the “asmarino(mekelino).com and assenna(hassina).com style)to insult Eritreans as “Arrogant and Hateful” people; but on the contrary, to attack the right of others to do so Legitimately and in self-defense(Mahmuday–never kneel down except when praying to Allah and when shooting at the proper enemy and keep shooting nonstop with your S-500 along with the Machine-Gunner,Semere Tesfay!).

      Sem Andom et al dared to say that Amanuel sahle is a free Man and he is enjoying the Freedom of Speech in his Host country,which was denied to him by his home Country.

      This is a very treacherous logic but here is my question:

      if Ustaz Amanuel Sahle is given such a Freedom of Speech ,he has the Legal and Moral obligation to ask his Host people,who gave him such a Freedom the following questions:

      -Why are you abusing the Eri ID?

      -Why are you relocating your own people to the selected Western World in the name of Eritrean Refugees and rather than sending those real Eri Refugees?

      -Why cant you respect the International Law and the EEBC Verdict and leave the Illegally occupied Eri Sovereign Lands?

      -Why cant you improve the life or living conditions of the Eri Refugees?

      -Why are you involved directly or indirectly in the human trafficking and smuggling of Eritrean Refugees and looting their money?

      -Why are you torturing my Country, Eritrea, and my people through the No Peace No War Policy, Fake sanctions and by sabotaging and lobbying against the EU Fund for my poor Eritrean people, which contributed to the suffering of my Eritrean people in general and my Eritrean Youth in particular, that has led to the scary and destructive Exodus, while you are begging for three times as much from the same EU for your selves?

      -Why don’t you choose rather a peaceful way of resolving the Ethio-Eritrean impasse rather than using a destructive approach—so that both peoples can live peacefully and so that you shall not be “overwhelmed” with “huge Refugee Influx” from Eritrea?

      Finally,per my Logic 101 Course during my Philosophy 101 Course:

      “If MOST or all the Eritrean Opposition and Pseudo-Opposition Groups,”Activists”,Human Rights Groups and individuals, and Armed Groups are being paid covertly and openly (paid TPLF Agents),then it follows that, the remaining other Opposition Groups and Figures, who are hosted by the same TPLF Janda,are or could be considered as PAID AGENTS.

      And there is NO Fallacy here.I agree that is, at least, Politically incorrect to blindly call people TPLF Paid Agents.

      But let me borrow what the Russian Seasoned Diplomat and Foreign Minister said about the Syrian Mercenaries:

      “If you look like a quack and act like a quack, you are a quack; and on the same token, if you act like a Terrorist, you are a Terrorist”(simplified–).

      If I smell like a TPLF, say what the TPLF says and the way the TPLF says things;and act the way the TPLF acts, then I am a TPLF or its Agent.

      Speaking of the YPFDJ:

      The YPFDJ might be similar to the Nazi style Youth but, hey,it is doing its job- in a wrong or right way, but at least it is a group that teaches Eritreans about their Home Country….

      a well organized Eri Youth Get Together “party” and is BETTER than NOTHING as I alluded it to Mez in one of my previous threads.

      A “take home message” from the YPFDJ to the failed Opposition and its Youth:

      Learn from the YPFDJ as to how to organize better and come up with a better,stronger,united,organized and constructive/productive Eri Youth.

      I mean let us do something by learning form the YPFDJ and its Boss,the PFDJ..

      \Iif not, zip your “filthy” and inept mouths ad get a life….

  • Robieø Gebrehiwet April 12, 2018

    What a wonderful article from the wise man! This is the best nutrition for the mind, THANK YOU Memher Amauel

POST A COMMENT