Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውዕሎ ጀነቫ ዘነጸሮ ፖለቲካዊ ሃጓፍ

ታደሰ ኪዳነ        በርሚንግሃም      07/07/2016 ህዝቢ ኤርትራ ብሀራዊ፡ ሃይማኖታዊ ይኹን ከባቢያዊ ድሕረ ባይትኡ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሓደ ድምጺ ንለውጢ ተበጊሱ ከም ዘሎ፡ 23 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ጀነቫ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚኡ`ውን ኣብ እስራኤል

ታደሰ ኪዳነ        በርሚንግሃም      07/07/2016

Tadesseህዝቢ ኤርትራ ብሀራዊ፡ ሃይማኖታዊ ይኹን ከባቢያዊ ድሕረ ባይትኡ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሓደ ድምጺ ንለውጢ ተበጊሱ ከም ዘሎ፡ 23 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ጀነቫ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚኡ`ውን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣመስኪሩ ኢዩ። ነቲ ሰልፊ ክዉን ንምግባር፡ ገንዘቡ ዝሃበ ድማ ዕጽፍጻፍ ናይቲ ኣብቲ ሰልፊ ዝተራእየ ህዝቢ ኢዩ። ምስ ህግደፍ ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ ቁንጣሮ ገዲፍካ፡ ኤርትራዊ ኩሉ ንውዕሎ ጀነቫ 23 ሰነ ኮነ ንጸብጻብ ናይታ ኮሚሽን ምሉእ ደገፉ ሂቡዎም ኢዩ። ውዕሎ ጀነቫ እምበኣር፡ ህዝቢ ንለውጢ ተበጊሱ ከም ዘሎ ኣመስኪራ ኢያ። ከምዚ ዝበለ ህዝባዊ ምልዕዓላት ክቅጽልን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንስለ መሰሉን ህዝባዊ ሓርነቱን ዝገብሮ ተቓዎሞ ብሓደ ድምጺ ከስምዕን ግብእ ኢዩ። ጀነቫ ግን መልእኽቲ ጽቡቕ ጥራይ ኣይኮነትን ነጊራ። እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ብዙሕ ሃጓፋት ከም ዘለዎ`ውን ኣነጺራ ኢያ። ገለ ካብቲ ሃጓፋት ድማ፡ –

  1. ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝተራእየ ሃጓፍ፡ – እዞም ንህግደፍ ዘቖሙ ውልቀ-ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብቐጻሊ ዝሰርሕሉን፡ ዳርጋ ኩሉ ሃገራዊ ባጀት ዘፍሰስሉን ጉዳይ እንተልዩ፡ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኣትው – መተካእታ ዝኸውን፡ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘይህሉ ምግባር ኢዩ። እቲ ኩሉ ሃገራዊ ባጀትን፡ ገንዘብ ሃገርን ኣብ ጅቡኡ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ፡ ካብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለምና፡ ጽልዋን ተሰማዕነትን ዘጥሪ ሰብ እንተ ተቐልቂሉ፡ ካብቲ ኣብ ጅቦኦም ዝሓዝዎ ቢልዮናት ገንዘብ እናውጽኡ ኣንጻሩ ኣሎ ዝበሃል ፖለቲካዊ ቅንጸላ የካይዱ፡ ፈተውቲ ዝመስሉ ሃሱሳት ኣዋፊሮም ሰባት ይስምሙ፡ ኣብ ጽምዋን ጸልማትን ሃገራውያን ይቐትሉ። ኣብ ገለ`ውን ባዕሎም ንዝፈጠሩዎም ውልቀ-ሰባት፡ ህቡብነት ከም ዘጥርዩ ብምግባር፡ ፖለቲካዊ ዕልዋ ከካይዱን፡ ውዳቤ ብምብታን ድማ ባዶነት ከም ዝፍጠር ክገብሩን ጸኒሖም ኢዮም። እቶም ናብ ከምዚ ዝበለ ገበን ዝለኣኹ ውልቀ-ሰባት፡ ንሕጊ ናይተን ዑቕባ ዝሃብኦም ሃገራት ከውሊ ገይሮም ክንቀሳቐሱ ኣይጸገሞምን። መርበብ ሓበሬታ ባዶ ሰለስተን (03) ዕላል “ውሽጢ-ውሽጢን” ድማ ጉልባብ ናይ ኩሉ እኩይ ገበናት ህግደፍ ኮይነን ጸኒሐን ኢየን።

እዚ “ዕላል ውሽጢ ውሽጢ” ኢለዮ ዘለኹ፡ ንብዙሓት ሰባት ሓድሽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብጭቡጥ ክንከታተሎ ከም ዝጸናሕና ግን፡ ካድረታት ህግደፍ፡ ነቶም `ናትና ኢዮም` ዝብልዎም ፖለቲካውን ኣካዳምያውን ድሕረ-ባይትኦም ትሕት ዝበሉ ሰባት፡ “ነዚ ኣብ ውሽጥና ጥራይ ኢና ንዛረበሉ . .” ከከም ኩነታቱ ስም ኣውራጃ፡ ብሀር፡ ሃይማኖት ወዘተ እናጠቐሱ ድማ “ንሳቶም ከይሰምዑዎ ተጠንቀቑ!! . .” እናበሉ፡ ኣዝዩ እኩይን ፈላላይን ምህዞ ዘረባታት እናዘርግሑ፡ ህዝቢ ከፈላልዩን `ጥርጡራት ማሕበረ-ኮማት` ክፈጥሩን፡ ኣንጻርቶም “ተቓውሞ ክመርሑ ይኽእሉ ኢዮም” ዝበሉዎም ሰባት፡ ፖለቲካዊ ቅንጸላን ጎስጓስን ከካይዱ ከም ዝጸንሑ ብዙሕ ሰብ፡ ብፍላይ እቲ ናብኦም ዝቐረበ ዝፈልጦ ኢዩ።

ከም ሳዕቤኑ ኣብቲ ልዕሊ 16000 ህዝቢ ዝተረኽበሉ ሰልፊ ከተማ ጀነቭ፡ ኣብ ቅድሚ ሰልፈኛታት ቀሪቡ፡ መተካእታ ዝኸውን ሰልፊ ይኹን ውልቀ-ሰብ ወይ ብጥምሮ፡ ልቢ ዝሰልብ መደረ ዘስመዐ ኣይነበረን። ኩሎም`ቶም ውድባት ኮኑ `ሰልፍታት ንመርሕ ኢና` ዝብሉ ሰባት ካብቲ ህዝቢ ክሕብኡ እምበር፡ ነቲ ሰልፊ ክመርሑን ኣፍ ልቦም ነፊሖም፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክጭርሑን ኣይረኣናዮምን። እነሆ ድማ እቶም በብውልቂ ኣብ ጀነቫ ዝወዓልና ኣእላፍ ሰልፊኛታት “መራሒ ክኾነና ይኽእል`ዩ” ዝበልናዮ ሰብ፡ ሰልፊ ወይ ምትእኽኻብ ኣብ ሓንጎልና ከይሓጸና ተመሊስና።

  1. ኣብቲ ናይ ሰምዒ (hearing) መጋባእያ ዝተራእየ ሃጓፍ፡ – ዕለት 21 ስነ 2016፡ ክልተ መዓልታት ቅድሚ ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ፡ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ሰሚዑ። ኣብቲ ኣኼባ ብየማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን ንህግደፍ ወኪሎም ከም ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ተኻፊሎም። ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ ወኪሎም ዝተሳተፉ`ውን ሓያሎ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ካብቶም መደረ ዘስምዑ ኣስማቶም ዝፈለጥኩዎም ንኣብነት፡ ናይ ሕጊ ምሁር ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ፡ ኤልሳ ጭሩም፡ ሰላም ኢዳነን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣለልየ። እዚኣቶም ንስለ ሕግን ሰብኣዊ ክብርን በብውልቆም ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሱን ዝደኸሙን ምንባሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። ንሳቶምን ካልኦት ከምኦም ዝበሉ ሓሪኖም ዝተቓለሱን ምስታ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጉጅለ ኢድ ንኢድ ኮይኖም ስለ ዝሰርሑን ከኣ ኢዩ፡ ህግደፍ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ናብ ዝኹነነሉ ደረጃ ዝበጻሕና። ንዓኣቶምን ንኩሎም`ቶም ነቲ ህግደፍ ባዕሉን ብወከልቱን ኣብ ልዕሊኦም ክገብሮ ዝጸንሐ ተነጽሎ፡ ታህዲድን ጸለመን ፈንጦሶም፡ ኣብቲ ዓውዲ ክነጥፉ ዝጸንሑ ሰባት፡ ንስለ`ቲ ልዑል ኣበርክቶኦምን ሞያኦምን ክብ ዝበለ ምስጋና ዝግበኦም ኢዩ። መሰል ሰብ ዝኽበር ግን፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ንሕጊ ተማእዚዙ ዝኸይድ ስርዓትን ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ።

ኣብዛ ልዕሊ ሕራነን ትብዓትን፡ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን፡ ፖለቲካዊ ረብሓን ዲፕሎማስን ቀዳምነት ሂባ እትሰርሕ ዓለምና ድማ፡ ተራ ናይቶም ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ዝተሳተፉ ሕግን ዲፕሎማስን ዝፈልጡ ምሁራት፡ ተራ ናይቶም ኣብ ብዙሓት ዩኒቨርሲታት ዓለም፡ ከም ናይ ሕጊ መማህራን ኮይኖም ዝሰርሑ ፕሮፈሰራት፡ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሜዳ “እንታይ ተባሂሉ!” ዘይኮነስ “መን ኢዩ ኢሉዎ!!“ ዝብል ኢዩ ዝለዓለ ሚዛን ዝወስድ። መንግስቲ ህግደፍ`ውን ገበናቱ ንምኽዋል፡ ኣብ የማነን ኣምባሳደር ተፋሚካኤልን ኣይተወሰነን። ሚልዮናት ገንዘብ ከፊሉ፡ ብዙሓት ናይ ሕግን ዲፕሎማስን ምሁራት ደቂ ወጻኢ ኣዋፊሩ ምንባሩ ሰሚዐ ኣለኹ።

ኣብቲ ገበናት ህግደፍ ዝተሰምዓሉ መጋባእያ እምበኣር፡ ተራ ናይቶም ሕግን ዲፕሎማስን ዝተማህሩ ፕሮፈሰራት (ብፍላይ ከኣ ናይቶም ገዳይምን ፍሉጣትን ሰባት) ዘይምንባሩ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ሃጓፍ ምንባሩ ዘካትዕ ኣይመስለንን።  እዚ ድማ ሓደ ካብቲ `ዕዮ ገዛ ደለይቲ ፍትሒ ኢዩ` በሃላይ ኢየ።

ኣብዚ ብንጹር ከስምረሉ ዝደሊ፡ እዚ በዛ መርማሪት ሽማግለ ዝቐረበ ንገበናት ህግደፍ ዘቃልዕ ጸብጻብ፡ ህልቂት ናይቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ኣብ ምድረ-በዳ ዝሓረሩን ኣሕዋትና፡ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝፈጠሮ ስንባደ እምበር፡ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ናይቶም “ንለውጢ ንሰርሕ ኣለንና” ንብል ሰባት ጥራይ ዘይምዃኑ`ውን ክንፈልጥ ይግባእ።

  1. ፖለቲካዊ ባዶነት ኣብ ውሽጢ ስርዓት ህግደፍ፡ – ብዛዕባ ፖለቲካ ኤርትራ ክንዛረብ ከለና፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ህግደፍ`ውን ዝድህስስ ምዃኑ ርዱእ እመስለኒ። ብዛዕባ ለውጢ ኣብ እንዛረበሉ እዋን፡ እቲ ስርዓት ካብ ውሽጡ ንዝግበር ለውጢ ምድህሳሱ`ውን ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ። ብዙሕ እዋን`ውን “ነቲ ስርዓት ሓሊኾም ሒዞም ዘለዉ ቁንጣሮ ሰባት ኢዮም” ክበሃል ይስማዕ ኢዩ። እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጡ`ውን ብዘይካ ኢሰያስ ብውልቂ፡ ዝኾነ ንስልጣን ኮነ ንለውጢ ንዝጥምቱ ሰባት ኣቐዲሙ ብምጽናት ፖለቲካዊ ባዶነት ከም ዝፍጠር ገይሩ ኢዩ። ንኣብነት ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግምባርን መንግስትን ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ፡ ዳን ኮነል ዝበሃል ኣመሪካዊ፡ ኣብታ “ትዕቢት ጎልያድ” እትብል ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመት መጽሓፉ “ብፍላይ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ፖሊሲ ዘርቅቓ ምስ ካቢነ ሚኒስተራት ርክብ ዘይብለን ተመዓደውቲ ክፍልታት ኣለውኦ። ኩሎም እዚኣቶም ጸብጻቦም ብቐጥታ ናብ ፕረዚደንት ኢዮም ዘቕርቡ” ይብል`ሞ “. . . ኢሰያስ እዘን ጉጅለታት ንሓድሕደን ከም ዝተፋነና ብምግባር ስልጣኑ ብዘይ ሓታቲ ይቕጽል ኣሎ።” ክብል ይገልጽ። (ገጽ 172)

እቲ ፖለቲካዊ ሃጓፍ እምበኣር፡ ኣብቶም መተካእታ ክፈጥሩ ዝግበኦም ተቓወምቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጡ`ውን ህግደፍ ንኢሰያስን ውሑዳት መሻርኽቱን ኣልዩ ክቕጽለሉ ዝኽእል ፖለቲካዊ ውዳቤ ይኹን ትካላዊ ኣሰራርሓ የብሉን።

  1. ባዶነት ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቖመ ባይቶ፡ – ቁሩብ ዓመታት ይገብር፡ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝነበሩ ሰባት ዝዕብለል ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ፡ ናይ ተቓወምቲ ባይቶ ቆይሙ ነይሩ። እዚ ባይቶ`ዚ ነቲ ፖለቲካዊ ሃጓፋት ክትክእ ዝኽእል እንተ ኾይኑ`ውን፡ ኣብ ትዕብቲ ኣትዩ፡ ብዙሕ ሰብ ይከታተሎ ነይሩ ኢዩ። ኣባላቱ ግን ብዙሕ ከይሰጎሙ ግዳይ ናይቲ ዝቐደመ ቅርሕንትታቶም ብምዃን ንሓድሕዶም ክካሰሱን ክወናጀሉን ኢዮም ተራእዮም።

ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ኣብ ሕቶ ቅዋምን ሕቶ ምሕደራ ሃገርን ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕቶ ታሪኽ ዓዋተ ኣብ ዝተዋህበ ርእይቶ ጥራይ ክብተኑ ምርኣይ መረጋገጺ ፖለቲካዊ ባዶነቶም ኢዩ።

ተራ ናይ ሚድያ ማዕከናት፡ – እዘን ዘለዋና፡ ብውልቅን ብማሕበርን ዝውነና ናይ ዜና ማዕከናት፡ ንሃጓፋት ፖለቲካዊ መሪሕነት ተኪአን ሰሪሐን ኢየን። ራድዮ ኣሰና፡ ራድዮ ኤረና፡ ራድዮ መድረኽን እቲ ካብ ኢትዮጵያ (ትግራይ) ዝዝርጋሕ ራድዮ ወጋሕታን፡ ኩሎም ብሓደ ድምጺ ልዑል ኣተኩሮ ሂቦም ነቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ስለ ዘቃልሕዎ፡ ኣብቲ ዝግበር ፖለቲካዊ ጎስጓስ ብዙሕ ሃጓፋት ሸፊኖምን፡ ነቲ ውዕሎታት ኣቃሊሖሞን ኢዮም። እዚኣቶምን ንኩሎም መርበባት ሓበሬታ ኢንተርነትን  ክብ ዝበለ ምስጋና ዝግበኦም ኢዩ። ንኹሉ ብልጫታት እናመዝመዘ፡ መተካእታ ኮይኑ ስልጣን ዝርከብ መሪሕነት እንተዝህልወና ድማ፡ ሽግር ህዝብና ኣብ ዓመታት ዘይኮነስ፡ ኣብ መዓልታት ምተፈትሐ ነይሩ።

*              *              *             *              *               *

እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽክዎ ንፖለቲካዊ ውዳቤን መሪሕነትን ዝምልከት ሃጓፋት እምበኣር፡ ኣብቲ ንፖለቲካዊ ለውጢ እነካይዶ ዘሎና ጉዕዞ፡ ዓቢ ብኩራት ከም ዘሎ ከነጽር ኢየ ፈቲነ ። ፖለቲካዊ ለውጢ ድማ ብዘይ ንጹር ራኢይ ዝውንን፡ ሕጊ ዝማእከሉ ተሪር ዲሲፕሊን ዘለዎ፡ ተባዕን ብሱልን መሪሕነት ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ከምዚ ዝበለ መሪሕነት ድማ፡ ኣብ  መሬት ካልኦት ኮንካ፡ ባዕልኻ ብዝተሰማማዕካሉ ሕጊ ዘይኮነስ፡ ብሕጊ ናይ ካልኦት ሃገራት እናተዳነኻ ዝፍጠር ኣይኮነን። እኳ`ድኣ ፖለቲካ ስደት ንስሱዓትን ተበለጽትን ከም ዘርብሕ ዝሓለፈ ተመክሮና ምሂሩና ኢዩ። ብዝለዓለ ደረጃ ከኣ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ መተካእታ ዝኸውን ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይምጽንሑ ዝህልዎ ሳዕቤናት ብንጹር ተራእዩ ኢዩ። መተካእታ ዝኸውን፡ ድልዱል ፖለቲካዊ መሪሕ ጸኒሑና እንተዝነብር፡ ነቲ ዝተረኽበ ብልጫታት ክጥቀመሉን፡ ንፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ተነጽሎ ህግደፍ መዝሚዙ፡ ነቲ ቃልሲ ንቕድሚት ከሰጉሞን ምኸኣለ። ካብ ሕሉፍና ተማሂርና፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣቐዲምና ውዳቤና ኣሐይልና፡ መተካእታ ንፈጥረሉ እዋን ድማ ሕጂ ኢዩ። ብኸመይ ግን?

ውዕሎ ጀነቫ ዘነጸሮ ጉዳይ እንተልዩ፡ ክሳብ ሕጂ ክንከዶ ዝጸናሕና ሓድሕድ ናይ ምክሳስ ጉዕዞ፡ ንጹር ዝኾነ ፖለቲካዊ መስመር ዝሓዘ ዘይምንባሩ ኢዩ። ኣብቲ ዝነበረ ናይ ቃላት ዳርባ`ውን፡ ከከም ናይ ገድሊ ዕድመና – ንነዊሕ እዋን ክንዛረበሉ ዘይከኣልና፡ ኣብ ውሽጥና ተወጢሩ ዝጸንሐ “ሓቂ ኢዩ” ዝበልናዮ ሓሳባት ኢና ከነውጽእ ጸኒሕና። እቶም ተጋደልቲ ዝነበርና፡ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይ መሪሕነት ዝነበሩ ሰባት “ብሰንክኹም ኢና ኣብዚ በጺሕና . .” ብምባል፡ ኣብ ጥራይ ባይታ ብቕትለትን ገበንን ብምኽሳስ ክንጽሎም ጸኒሕና። እቶም ኣገልግሎት ዝነበሩን ሳዋ ዘይወረዱን መንእሰያት ድማ `ኣሕፍስ` ኣቢሎም “ኩሉ ተጋዳላይ ገበነኛ ኢዩ፡ ህዝባዊ ግምባር ሽፍታ ኢዩ ነይሩ . .” ክሳብ ምባል በጺሖም። ውጽኢቱ ድማ እነሆ መእሰሪ ዘይብሉ መኣዶ ኮይንና፡ ጠርነፍቲ ተሳኢኖም፡ ውዳቤ ሃሲሱ፡ በብዝመስለካን በብውልቅኻን ጉዕዞ ኮይኑ። ካብዚ ዝረብሐ ድማ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ።

ብዘይ ሕብእብእ፡ ኩሉ ዝተባህለ ሓሶት ኢዩ እብል የለኹን። ኩሉ ሓቂ ክኸውን`ውን ግድን ኣይኮነን። መስመር ፕለቲካ ዝተኸተለን፡ ኣብ ፖለቲካ ንዝረኣዩ ፖለቲካዊ ግርጭታት ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዝ ግን ኣይነበረን። ሎሚ (ድሕሪ ጉዕዞ ጀነቫ) ድማ ንድሕሪት ተመሊስና ፖለቲካዊ ቃልስና እንግምግመሉን ዳግማይ እንቕይሰሉን እዋን ኢዩ። ንህግደፍ ዝመስል፡ ዳግማይ ውልቀ-ምልኪ ከይነግስ፡ ኣብ ኣመራርጻን ኣቃውማን መሪሕነት ክንጥንቀቕ ግቡእ ኢዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ንኹሎም ኣንጻር ህግደፍ ደው ዝበሉ ውልቀ ሰባትን ባእታታትን፡ ከከም ዓቕሞምን ኣብቲ ቃልሲ ከበርክትዎን ክጻወትዎን ዝኽእሉ ተራን፡ ክንቅበሎም ግቡእ ኢዩ። ካብ ሕሉፍ እምነትን ፍርሕን ወጺእና፡ የማነ ጸጋም እናጠመትና ክንከይድ ግድን እኳ እንተኾነ፡ ሕጂ ዘለናዮ ምድረኽ፡ ኣንጻር ህግደፍ ኩሉ ዓቕምታትና ከነወሃህድ እምበር፡ ንሓድሕድና ምንኽኻስን ምንጽጻልን ዘፍቅድ ኣይኮነን። ለባም ፖለቲካ ክንክተል መድረኽ ይሓተና ኣሎ። ውዕሎ ጀነቫ 23 ሰነ ድማ ነዚ ሓቂ`ዚ ኢያ ኣነጺራ።

እዚ ግን ብጽቡቕ ድሌት ጥራይ ወይ ብምህለላን ጸሎትን ዝፍጸም ኣይኮነን። እቶም ናይ ምምራሕን ምውህሃድን ዓቕሚ ጥራይ ዘይኮነ ስም`ውን ዘጥረዩ ሰባት፡ ሕሉፍ ጽልእን ቅርሕንትን ኣወጊዶም፡ ብሓባር ክሰርሑ ቅሩባት ክኾኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ በብውልቆም ተበግሶ ክወስዱ ይግባእ። እቲ ብሓባር ንምስራሕ ዝውሰድ ተበግሶ ግን ኣብ ውሑዳት ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይተሓጽረ፡ ንኹሎም ኣብቲ ቃልሲ ዘለዉ ሰባት ክፉት ኮይኑ ምስኣቶም እናተማኸርካን ጥራይ ምስ ዝግበር ኢዩ ኣድማዒ ዝኸውን። ቀሊል ሓገዝ ስለ ዘየለ ኩሉ ከበርክት ዝኽእል ክሕቆፍ ይግባእ።

እቲ እንገብሮ ምጥርናፍ ተመሊሱ ከይሃስየናን፡ ብሃሱሳትን ተበለጽትን መታን ከይጭወ ግን፡ ኩሎም ኣብቲ ጥርናፈ ዝኣትዉ ኣካላት ዝሳተፍዎ፡ ንኹሎም ርዱእ ዝኾነን ፕሮግራም ክሕንጸድ ይግባእ። እቲ ዝሕንጸጽ ፕሮግራም፡ ህዝቢ ክሕልዎን ክጣበቐሉን፡ ዋንኡ ክኸውንን እንተኾይኑ ግን ብናይ ገዛእ ርእሱ ክትዕን ተሳትፎን ምስ ዝጸድቕ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ደላይ ፍትሒ ኢየ ዝብል ብዕቱብ ክሓስበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ። ኣብ ቦታ ምልኪ – ሕጊ፡ ኣብ ቦታ ስደት – ርግኣት፡ ኣብ ቦታ ምጥርጣር – ምትእምማን፡ ኣብ ቦታ ድኽነትን ሸቐልቀልን – ዕረፍትን ርግኣትን  ክመጽእ እንተኾይኑ ድልዱል ውዳቤ ምግባር ከድሊ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ንለውጢ ተበጊሱ ከም ዘሎ ኣብ ጀነቭ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣመስኪሩ ኢዩ። እንተኾነ ኣሽሓት ተኣኪብና ንጨርሕ፡ ብዙሕ ኣኼባታት`ውን እንተ ተኻየደ፡ ንህግደፍ ዝትክእ ፖለቲካዊ ውዳቤ ክሳብ ዘይሃለወ መሰረታዊ ሽግር ኤርትራ ዝፍታሕ ኣይኮነን።

ጓኖት ኮኑ ወጻእተኛታት፡ ሽግርካ ፈሊጦም `ዓገብ` ክብሉን ምድንጋጽ ከርእዩን ሓጋዚ ኢዩ። ወጻእተኛታት ኣዕሩኽ ክህሉዉና፡ ብፍላይ ፍሉጣትን ጸለውትን ሰባት`ውን ብልጫ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ውዳቤኻ ተዘሪጉ፡ ትጽቢትካ ካብ ናይ ካልኦት ምድንጋጽ ጥራይ እንተኾይኑ ግን፡ እቶም ተደናገጽቲ ዝነበሩ እንዳኻ ምስ ኣተዉ፡ ጉዳይካ ካብ ኢድካ ምስ ወጸ፡ ኣፍካ ዓቢሶም – ንባዕሎም ናብ ዘረፍቲ ተቐይሮም፡ ዝደለይዎ መደባት ከተግብሩ ዝኽልክሎም የለን።

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Good luck to you Eritrea! July 9, 2016

    Well said Mr Kidan,I couldn’t have said it better. Our work now as well as the heavy lifting begins now. We must look forward while we pay close attention to our unfortunate history, with any luck, we will build an out come that is built on strong dimocratic governanse and foundation. Good luck Eritrea!

  • Nogoda July 9, 2016

    Mr Tadesse Kidane,
    Your ghedli and PFDJ’s dream of achieving Singapore or Israel on the back of others has been shattered beyond repairs. For an entity that found itself on the bases of imaginary “supermacy” going underground is the only way it can save its face since normality that comes with responsibility and accountability would expose all the fallacies it has built it’s identity on. Higdef and your former corrupt tegadelti know full well, they benefit more by being a mafia than a government they can never be. Sadly, it seems you all perfected and mastered it in your shifta past revolution.

  • Isaac Tekle July 11, 2016

    I couldn’t agree more brother Tadese. . On God will we will have A democratic Eritrea. We just need to be vigilant, also committed to make a difference and we will.
    God bless Eritrea.

    Isaac.

  • Desalegn July 11, 2016

    ሰላም፤

    ኣፍሪካን ዩኔን ገበናት ህግደፍ ንኽርኢ ትካላዊ ብቕዓት ይሓሮ እዩ!

    ኣፍሪካን ዩኔን [African Union] ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብዛዕባ ገበን ሰብኣዊ መሰላት ንኽሪኢ ይኹን ዉሳኔ ንኽገብር “እኹል ተመክሮ” ኣብርእሲ ዘይምሕላዉ ከምኡዉን “ዲሞክራሲያዊ” ኣገባብ ኣሰራርሓ ስለ ዘይኽተል ነዚ ጉዳይዚ ርእዩ ዉሳኔ ንኽበሉ “ትካላዊ ብቕዓት” የብሉን እዩ። እዚ ጉዳይዚ ዉዒሉ ሓዲሩ፥ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅልኡን ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ገበናት [ብምዕራባዊያን] መዕለቢ ከምዝግበረሉ ርዱእ እዩ።

    እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ኣባላት African Union ብኣግኡ ካብዚ ጉዳይዚ እንተዝለቑ ወይ ነብሶም እንተገትኡ ተመራጺ ክኸዉን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ዘለካ ድኽመት ኣብ ግምት የእቲኻ እትወስዶ ስጉምትታት ዝበለጸ ውጺኢት ኣለዎ ኢለ ስለዘኣምን ጥራሕ ዘይኮነ መዓቀኒ ብቕዓት እዉን ምኻኑ ከስምረሉ መሪጸ ኣለኹ።

  • k.tewolde July 12, 2016

    We are dwellers of the past,stay in the rut for to long,we drag things far to slow,argue on untimely and insignificant things as brother Tadese mentioned,it is our nature,and our adversaries feed on that.The potential to bring about change is there,the need and desire is there,but what is missing is leadership and organization,that vacuum should be filled with urgency,like I mentioned before those prolific human right activists should transition themselves to political leading role,capable new ones should step up to the plate regardless of their past and be vulnerable to people’s scrutiny,it is part of the democratic process,unless you have something to hide bare it all and dare to lead,the people are hungry for somebody to show them the way,for those who are capable and are hesitating to jump in,the time has never been ripe,opportunities like this only come once in a life time.We don’t want to look back and say,the one that got away.Lets listen more,learn and act.The road map is laid down,lets follow it.Lets start moving with a sense of purpose,and lets not forget to pray.

  • DESALEGN BERHE July 12, 2016

    ሰላም፤

    ኣፍሪካን ዩኔን ገበናት ህግደፍ ንኽርኢ ትካላዊ ብቕዓት ይሓጽሮ እዩ፦

    ኣፍሪካን ዩኔን [African Union] ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብዛዕባ ገበን ሰብኣዊ መሰላት ንኽርኢ ይኹን ዉሳኔ ንኽገብር “እኹል ተመክሮ” ኣብርእሲ ዘይምህላዉ ከምኡዉን “ዲሞክራሲያዊ” ኣገባብ ኣሰራርሓ ስለ ዘይኽተል ነዚ ጉዳይዚ ርእዩ ዉሳኔ ንኽበሉ “ትካላዊ ብቕዓት” የብሉን እዩ። እዚ ጉዳይዚ ዉዒሉ ሓዲሩ፥ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅልኡን ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ገበናት [ብምዕራባዊያን] መዕለቢ ከምዝግበረሉ ርዱእ እዩ።

    እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ኣባላት African Union ብኣግኡ ካብዚ ጉዳይዚ እንተዝለቑ ወይ ነብሶም እንተገትኡ ተመራጺ ክኸዉን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ዘለካ ድኽመት ኣብ ግምት የእቲኻ እትወስዶ ስጉምትታት ዝበለጸ ውጺኢት ኣለዎ ኢለ ስለዘኣምን ጥራሕ ዘይኮነ መዓቀኒ ብቕዓት እዉን ምኻኑ ከስምረሉ መሪጸ ኣለኹ።

  • Desalegn July 12, 2016

    ሰላም፤

    Edited

    ኣፍሪካን ዩኔን ገበናት ህግደፍ ንኽርኢ ትካላዊ ብቕዓት ይሓጽሮ እዩ፦

    ኣፍሪካን ዩኔን [African Union] ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብዛዕባ ገበን ሰብኣዊ መሰላት ንኽርኢ ይኹን ዉሳኔ ንኽገብር “እኹል ተመክሮ” ኣብርእሲ ዘይምህላዉ ከምኡዉን “ዲሞክራሲያዊ” ኣገባብ ኣሰራርሓ ስለ ዘይኽተል ነዚ ጉዳይዚ ርእዩ ዉሳኔ ንኽበሉ “ትካላዊ ብቕዓት” የብሉን እዩ። እዚ ጉዳይዚ ዉዒሉ ሓዲሩ፥ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅልኡን ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ገበናት [ብምዕራባዊያን] መዕለቢ ከምዝግበረሉ ርዱእ እዩ።

    እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ኣባላት African Union ብኣግኡ ካብዚ ጉዳይዚ እንተዝለቑ ወይ ነብሶም እንተገትኡ ተመራጺ ክኸዉን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ዘለካ ድኽመት ኣብ ግምት የእቲኻ እትወስዶ ስጉምትታት ዝበለጸ ውጺኢት ኣለዎ ኢለ ስለዘኣምን ጥራሕ ዘይኮነ መዓቀኒ ብቕዓት እዉን ምኻኑ ከስምረሉ መሪጸ ኣለኹ።

  • DESALEGN BERHE July 13, 2016

    ሰላም

    ዕለት: 13/07/2016

    ሽግር ኤርትራዊያን ብምንታይ (ከመይ) ክፍታሕ ይግባእ?

    ንልዕሊ 25 ዓመታት ሰረት ሒዙ ዘሎ ሽግርን ጸገምን ኤርትራዊያን ብሰንኪ “ጉድለት ሕጋዊ ምሕደራ” ዓብይ ሃጓፍ ብኸመይ ይፈታሕ?

    ጸገምና ጉድለት ሕጋዊ ምሕደራ ካብ ኮነ

    * ኤርትራዊያን ሓበራዊ ዕላማና ንዘሎ “ግዕዙይን ዘይሕጋዉን ምሕደራ” ኣሊና ብቑዕ ዝኾነ ሕጋዊ ምሕደራ ብምቓም ሃገር ምህናጽን መነባብሮ ሕብረተሰብና ምምሕያሽን ክኸዉን ይግባእ።

    እዚ ዕላማዚ ንምትባር ኤርትራዊያን ኣብ ሓደ ተጠርኒፍና ዲና ክንሰርሕ ዝግባኣናስ?

    ወይስ

    ዝተፈላለያ ዉድባትን ዝተፈላለየ ዕላማታትን ሒዝና “ስልጣን” ንምሓዝ እዩ ክንሰርሕ ዝግባእ?

    *ነዚ ሕቶዚ ግቡእ መልሲ ምስ እንህበሉ ጥራሕ እዩ መፍትሒ ወሪዱና ንዘሎ ሽግርን ጸገምን ክንረኽበሉ ንኽእል። ስለዚ ኩላትና ኤርትራዊያን ነዚ ገዳይዚ መልስና ክንህበሉ ይግባእ።

    ናተይ መልሲ ንጹር እዩ * ኤርትራዊያን ሓበራዊ ዕላማና ንዘሎ “ግዕዙይን ዘይሕጋዉን ምሕደራ” ኣሊና ብቑዕ ዝኾነ ሕጋዊ ምሕደራ ብምቓም ሃገር ምህናጽን መነባብሮ ሕብረተሰብና ምምሕያሽን ክኸዉን ይግባእ። እዚ ዕላማዚ ንምትባር ኤርትራዊያን ኣብ “ሓደ ተጠርኒፍና ንሓደ ዕላማ” ክንሰርሕ ይግባኣና ስለዚ ኣብ ሓደ መኣዲ ብምቕራብ ንህዝብና ወሪድዎ ዘሎ ኣዚዩ ሕሱም ዝኾነ ጸገም ሕብረተስብና ሽግርን ጸገማትን ንፍታሕ!

Post a Reply to Nogoda Cancel Reply