Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውዕሎ ጀነቫ 26 ሰነ 2015 እቲ ፍሕሹው ገጽ ተጋዳላይ፡ ዳግማይ ኣብ ጀነቫ ርእየዮ

ውዕሎ ጀነቫ 26 ሰነ 2015 እቲ ፍሕሹው ገጽ ተጋዳላይ፡ ዳግማይ ኣብ ጀነቫ ርእየዮ ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም         29/06/2015 ድሕረ ባይታ፡ -  ዝኽትምና ዝብል ቃል ኣብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝውቱር ኢዩ። ኣቡኡን ኣዲኡን ወይ ሓዲኦም ዝሞቱዎ ቆልዓ፡ ግቡእ ሓልዮት ናይ ወለዲ

ውዕሎ ጀነቫ 26 ሰነ 2015

እቲ ፍሕሹው ገጽ ተጋዳላይ፡ ዳግማይ ኣብ ጀነቫ ርእየዮ

ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም         29/06/2015

ድሕረ ባይታ፡ –  ዝኽትምና ዝብል ቃል ኣብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝውቱር ኢዩ። ኣቡኡን ኣዲኡን ወይ ሓዲኦም ዝሞቱዎ ቆልዓ፡ ግቡእ ሓልዮት ናይ ወለዲ ስለ ዝጎድሎ ዘኽታም ይበሃል። ዝዘኽተመ ቆልዓ፡ ክሳብ ዓቕመ- ኣዳም ዝበጽሕ  ብዙሕ ጸገማት ኢዩ ዝሓልፍ። መዛንኡ ይድንድንዎ፡ ይንዕቅዎ፡ የናሽዉዎ። ሳሕቲ ግን ዝደናገጹን ጸገማቱ ዝገልጽሉን ሰባት ይረክብ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ`ውን ዘክቲሙ ኣሎ። ዝኣልዮን ዝከላከለሉን ስርዓት ይኹን መንግስቲ የብሉን። ብመዛንኡን ጎረባብቱን ተናዕቑ፡ ተናሽዩ፡ ተቐጥቂጡን ተዋሪዱን ኢዩ። ገዝኡ ገዲፉ ድማ ይስደድ ኣሎ። ብዙሕ ክፋል ናይቲ ዝተሰደ ህዝቢ፡ ኣብ ፈቖድኡ ሞይቱ ወይ ክብሪ ክደሊ ክብል ኣብ ባሕሪ ተዋሕጡ።

ነዚ ዝተዓዘበ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ንጠንቂ ስደቱን ሞቱን እተጻሪ ሓንቲ ኮሚሽን ኣዳልዩ። እታ ኮሚሽን ድማ “ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነስ፡ ብራዕዲ እትመሓደር ሃገር ኢያ ክትብል ደምዲማ። ውዕሎ ጀነቭ 26 ሰነ እምበኣር፡ ነዚ መደምደምታ`ዚ ደገፉ ንምግላጽ ዝተጸወዐ ሰልፊ ኢዩ። ኣነ`ውን ከም ተሳታፊ ናይቲ ሰልፊ ትዕብተይን ዕግበተይን ወስ ክብል ኢየ።

ናይ 26 ሰነ 2015 ውዕሎ ጀነቫ፡ ነቲ ኣብ ሳሕል ዝፈልጦ ፍሕሽውን ትስፉውን ገጽ ተጋዳላይ ኢዩ ኣዘኻኺሩኒ። ኣብታ `ኣታውን ወጻእን` እናበልካ ብዛዕባ ናብራ ጥራይ እትሓስበላ ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ሳሕል ዝፈልጦ፡ ብጻያዊ ሓልዮት ተጋዳላይ ብዓይነይ ርእየዮ። ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀነቫ፡ ነብሶምን መካይኖምን፡ ኣብ ምዕዋት`ቲ ሓባራዊ ስራሕ ተዋፊሮም። ናይ ኣርያ-ፖርቶ ቅጥዕታት ኣማሊእካ ውጽእ ምስ በልካ፡ “ናብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝመጻእኩም ድኹም?” ዝብል ኤርትራዊ ቋንቋ ኢዩ ዝቕበለካ። ብኡ ንብኡ ድማ መኪና ዝሓዘ ካልእ ሰብ፡ ናብታ ዘለኻያ ቦታ ደበኽ ይብል። ካብኡ ናብ መዕረፍን መመገብን ቦታ ትኸይድ። ድሕሪ መግቢ ናብቲ ኣቀዲሙ ዝተዳለወ መደቀሲ። ሓሙስ 25 ሰነ ዝነበረ ኩነታት ኢየ ዝዛረብ ዘለኹ።

ኩሉ`ዚ ነቲ `ፍሉይ ጉዳይ` ዝበሃል ኣብ ሳሕል፡ ኣብ ሓራ ቦታ ዝነበረ፡ ካብን ናብን ዝንቀሳቐሱ ተጋደልቲ ዝኸውን መግብን መደቀስን ዝዳለወሉ ቦታን፡ ኣብ ተጋደልቲ ዝነበረ ሓድሕድ ምትሕልላይን ኢዩ ኣዘኻኺሩኒ። ተቐማጦ ጀነቭ ኩሉ`ቲ `ክእቱ ኢዩ` ዝተባህለ ሰብ ክሳብ ዝመጽእ ክጽበዩን ነናብ ዝድቅሰሉ ቦታ ከመላልሱን፡ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ`ኳ እንተነበረ፡ እቲ ደኺሙ ዝነበረ ኣካላቶም፡ በቲ ትስፉውን ፍሕሹውን ገጾም ይሰዓር። በቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ብዝሒ ሰብ ምሉእ ዕግበት ዝነበሮም ኢዮም ዝመስሉ። `ይበል` ዘብል ኣቀባብላ።

ጀነቭ ምስዛ ዝነብረላ ከተማ በርሚንግሃም ከወዳድራ ከለኹ፡ ስሑው ህዝብን ፍንትት-ፍንትት ዝበለ ገዛውትን ዘለዋ ከተማ ኢያ። ኣብቲ ስሑው ህዝቢ ድማ እቲ ንሰልፊ ዝመጸ ኤርትራዊ ብጻዕቂ ይረአ። “ምሳና ድኻ?” ትብል ሕቶ፡ ምስታ ንሰላምታ እትዝርጋሕ ኢድ ኢያ ሓቢራ ትስማዕ። እቲ ክምስታ ዝተሓወሶ ፍሕሽው ገጽ ድማ መሰነይትኡ ኢዩ።

ዓርቢ ንጉሆ፡ ኩሉ ሰብ ከካብ ዝሓደሮ ናብ መበገሲ ቦታ ኢዩ ውሒዙ። ብክልተ ምርኩስ ዝከዱ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ብዘጋጠመን ጥልመት ዝነደዳ ስንኩላንን ገዳይምን ብጾትና፡ ኣብ ማእከል`ቲ ህዝቢ ሓሓሊፍካ ትረኽበን። ባንደራ ኢርትራን ነናይቲ ዝነብሩሉ ሃገር ባንደራታትን ዝሓዙ ኤርትራውያን፡ ከካብ ዘጽለልሉ ቦታ እናተንቀሳቐሱ ሰላምታ ክለዋወጡን ተሓናኒቆም ክሰዓዓሙን ትርኢ።  ሕልፍ ኢልካ`ውን ተጋደልቲ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ንዝሓለፍዎ ተመኩሮ እናልዓሉ ንሓድሕዶም ክጫረቑን ክዋዘዩን ትሰምዕ።

ዓረብ፡ ትግሪኛን እንግሊዝን ብብዝሒ ዝስማዕ ቋንቋታት ኢዩ። ጻዕዳ ባህላዊ ክዳን ዝተኸድኑን ኩፍየት ኣብ ርእሶም ዝገበሩን ሰባት ኣብ ማእከል`ቲ ህዝቢ ብጉሉሕ ይልለዩ። ኩሎም ኣብታ “ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነትስ፡ብራዕዲ እትመሓደር ሃገር ኢያ” እትብል ነጥቢ ዝሰማምዑ ኢዮም ዝመስሉ። ንኹሎም ከም ዜጋታት እትሓቁፍ፡ ሕጊ ዘመሓድራ ሃገር ክትህልዎም ይብህጉ። እቲ ብውሽጢ ውሽጢ ክተኣታቶ ዝጸንሐ ናይ ሃይማኖት፡ ብሀርን ኣውራጃን ፍልልያት፡ ድሕሪ ህግደፍ ዓለባ ሳሬት ምዃኑ፡ ካብኡ ንላዕሊ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይመስለንን።

 

ካልእ ኣብ ጀነቭ ዝተዓዘብኩዎ ፍሉይ ኩነታት፡ ተሳትፎ ናይቶም ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት ኢዩ። እዚ ዕድመ`ዚ በቲ ስርዓት ጥራይ ኢዩ ተባሒቱ ጸኒሑ። ንዓታቶም እታ ናብ ገሃነም ተቐይራ ዘላ ኤርትራ፡ ሽግር ሓወቦታቶምን ኣሞታቶምን፡ ኣኮታቶምን ሓትነታቶምን ወይ መዛንኦም፡ ዘሳቀዮም እምበር፡ ኣብኣ ኣይተወልዱን። ኣብ ምቕባልን ምጉዕዓዝን ኣጋይሽን ኣብ ምውዳብ እቲ ስልፍን ልዑል ተራ ከም ዝነበሮም ግን ብጉሉሕ ይረአ ነይሩ። ክተባባዕ ዝግበኦ ሰናይ ተግባር ድማ ኢዩ።

እቲ ከባቢ 7 ሽሕ  ዝተገምገመ፡ ኣብ ሰልፊ ዝነበረ ህዝቢ፡ ሓደ ድምጺ ኢዩ ነይሩዎ። ብቋንቋታት ዓረብ፡ ትግርኛን እንግሊዝን “ስርዓተ ራዕዲ ብስርዓተ ሕጊ ይተካእ!” ክብል ኢዩ ጨሪሑ። እታ ኣላዪ ስኢና፡ ዘኽቲማ ዘላ ኤርትራ፡ ክብራ ተመሊሱ፡ ደቃ ሓቚፋ፡ንሕጊ ተማእዚዛ፡ ሰላማዊ ህይወት ክህልዋ ኢዩ ጠሊቡ።

ሰልፊ ተወዲኡ፡ ሰልፈኛ ኣብ ዓቢ መኣከቢ ኣዳራሽ ምስ ተኣከበ፡ ኣቦ-ወንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ስልፊ ጀነቭ፡ ኣብ ቅድሚ`ቲ ህዝቢ፡ ኣዳለውቲ ኮሚቴ`ውን ኣብ ዘለዉዎ፡ ብዛዕባ`ቲ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ ከምዚ ክብል ገሊጹ፡ –

“ብመሰረት ዝተዋህበኒ ሓላፍነት፡ ነዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ሽማግለ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣርባዕተ ሽሕ ፓውንድ (£4000) ኣረኪበያ። ሎሚ ድማ ሸሞንተ ሽሕ ፓውንድ (£8000) ኣረኪበያ። ብጠቕላላ £12,000 ፓውንድ (ገንዘብ ዓዲ እንግሊዝ) ኣረኪበዮም ኣለኹ። እዚ ገንዘብ`ዚ ኣበይን ብኸመይን ከም ዝጠፍአ ድማ ካብኣቶም ጸብጻብ ክጽበ ኢዩ” ክብል፡ ነቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ገሊጹሉ።

እዚ መግለጺ`ዚ እውን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ጠፊኡ ዘሎ ሕጋዊ ተሓታትነትን ምጽብጻብን፡ ተኣታትዩ ዘሎ ምጥፍፋእን ብልሽዉ ኣሰራርሓን ዝብድህ ነይሩ።

ኩሉ`ቲ ኣብ ጀነቫ ዝወዓለ ህዝቢ፡ ብውዕሉኡ ዝሕጎስ፡ ብተሳትፎኡ ዝኾርዕ “እንቋዕ ካብዚ ውዕሎ`ዚ ኣይተረፍኩ” ክብል ብዕግበት ይዛረብ። ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰብ እትስማዕ ሓንቲ ነጥቢ`ውን ነይራ። “ቁሩብ ምድላው እንተንገብር፡ ዕጽፊ ሰብ ምወሰኽና። ብዙሓት ክንከይድ እናበሉና ኢና ገዲፍናዮም መጺእና” ዝብል ዘረባ ተደጋጊሙ ኢዩ ዝስማዕ። እዚ ድማ ሕራነ ህዝቢ ኤርትራ ይበጋገስ ምህላዉ፡ ስርዓት ህግደፍ ድማ ምስቲ ናይ ራዕዲ ምሕደርኡ ናብ ዕራርቦ ጸሓይ ገጹ ይቀራረብ ከም ዘሎ ኢዩ ዘነጽር።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብራዕዲ እትመሓደር ሃገር ከም ዘላትና ምፍላጡን ዓው ኢሉ ምዝራቡን ሓጋዚ ኢዩ። ነቲ ራዕዲ ናብ ሕጊ ናይ ምቕያር ዕማም ግን ናትና ኢዩ። ዘኽታም ተደንዳናይ ኢዩ። ዘኽታም ጓል ብዘይፍታዋ፡ ካብ በረኻ ተዘሪፋ ኢያ ትውሰድን ምስ ዘይደለየቶ ኣብ ሓዳር ትቑረንን። ንሕና`ውን ድኻምናን ዝኽትምናናን ተመሊሱ ክሃስየና የብሉን። ሕጂ`ውን እቲ ዕማም ናትና ኢዩ። ኢሰያስ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ዘይኮነስ፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃገርና፡ ኣብ ኣስመራ ኢዩ ናብ ሕጊ ክቐርብን፡ በቲ ረሚሱዎ ዘሎ ስርዓተ-ሕጊ ሃገርና ክፍረድን ዘለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Yohannes Tseggay Berhe July 1, 2015

    ብጻይ ታደሰ፥

    ብሓቂ ሓያል መልአኽቲ ዘለዋ አዋናዊት ትዕዝብቲን ለበዋን እቕሪብካልና።

    ንስኻ ሓደ ካብቶም ብከቢድ ዝሰንከሉ፥ ገለ ኣካላትካ ድማ ኣብታ በጃ ዝወደቕካላ ዓድኻ ዝቐበርካላሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኢኻ። ብውልቀ-መላኺን መጋበሪያታቱን አትመሓደር ኤርትራ ግን፥ ነቶም ዝተበጀዉላ ክትመዓቶም፥ ነታ ጀጋኑ ዝወለደት ማህጸን፥ ከተንብዕ፥ ንደቂ ስዉእትን ስንኩላንን ከተንፍጽ፥ ስርሐይ ኢላ ካብ ትሕዞ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኢዩ። ሕጂ ግን፥ አዚ መዓትዚ ዘብቃዓሉ መድርኽ በጺሕና ኣሎና።

    በትሪ ሓቂ ኩሉ ጊዜ ተዓዋቲት ኢያ። “ንመን ኣለዎ፥ አዝጊ ኣለዎ” ይበሃል። አወ፥ ነቲ ከይዛረብ ኣፉ ተለጊሙ ዘሎ ሓፋሽ ህዝብና፥ ኣፍ ዝኾኑዎ ደገፍቲ ረኺቡ። ምአንቲ’ዙይ፥ ንኹሎም ነዚ ናይ ጀነቫ ውዕሎ ደለይቲ-ፍትሒ ክዉን ንምግባር ዝጸዓቱ፥ ሰብ ሕልና ደቂ ኤርትራ፥ ኣመስጊነ ንእመስገንቲ ከሕልፈኩም ደስ ይብለኒ። መርማሪት ኮሚሽን ሰብእዊ መሰላት ኤርትራ ድማ፥ ንወጽዓን ጻውዒትን ህዝብና ብዝግባአ ምንጽብራቓ ዓቢ ናአዳ ክበጽሓ ይግባአ።

    አቲ ዘሕዝን፥ “ንሱ ንሕና፥ ንሕና ንሱ!” አናበሉ ዝጭርሑ፥ “መስቀል” ዝተሰከሙ፥ ንወጽዓ ህዝቦም ጠሊሞም፥ ንገፋዒ ስርዓት ክምርቑ ዝመረጹ “ካህናት” ምህላዎም ኢዩ። መራሕ ሃይማኖት፥ ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ወይ መሓመድ፥ ኣብ ጎኒ ውጹዓት ደው ዝበሉ፥ ከም ኡ ኢዩ ክኸውን ዝነበሮ። ግን’ከ፥ ኣይገበሩዎን። ብሰማይ ምሕረት የውርደሎም።

    አዚ ናይ ሓፋሽ ማዕበላዊ ናህሪ፥ ክዝሕል የብሉን። አዛ ናይ ጀነቫ ኮሚቴ፥ ን’ኣብ መላአ ዓለም ዘሎና ኢውርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፥ ከም ሕመረት ኮይና፥ ናታ ቀለቤታት ድማ በብ’ክፍለ-ዓለሙ ድሮ ቆይመን ዘለዋ ምትአኽኻባት ደለይቲ ፍትሒ ክሰምራኦ ኣለወን። ኣብ ዲያስፖራ አንርከብ ኢርትራውያን፥ በዚ ኣቢልና፥ ምስሊ ናይታ ክትኮነልና ንምነያ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሃንጽን ብሓደ ድምጽና ከነስምዕን ንኸአል ምካንና ክንግንዘብ ይግባአ። አሞ፥ ኣጆኹም ኣጆና!

    ካብ ሓውኹም ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ኢንግላንድ)

    • ERITRAWIT July 3, 2015

      Dear Tadese,
      Kulu Elkawo.N kulu ka matey alewo kbahal hakey eu kubur haw.
      Kemzey ksmaka kolo nay B hakey yhgos.
      Netom Beja hager Nsnetkewm zewefekum, zsenkelkewm,Beja zhalefkewm dekey hager kbren mogosen nzelalem nakatkewm.

      Yohannes,
      Etom yemanay zelew Nay Hgdef keshey 8 dekom hezom ab 80 nab Europe zhademew ewom Amlak ykre ybelom.

  • hara July 2, 2015

    Hayal tiEzibti. Haw tadesse darga kem zikedna tesemiUna thanks
    Dhri hgdef KUlU kem aaleba saret tbl hareg des abilatni YGBERELNA ke GOD bless u lebam seb

  • k.tewolde July 2, 2015

    yes, comrade wedi kidane , i remember those faces vividly like yesterday. you in sahel, me in bailul, and assab vicinity before the eventual torching of the refinery.yes i play those days like black and white movie in my mind every now and then. i wish i was there, it is a historical reunion. we fought for the same vision for our country in different venues and different organizations,but a handful of people had a hidden agenda all along , but we were naive young men and fought our brains off in the trenches while they were drinking blue label in the rear.that is history.now it is time to resurrect that vision for the sake of those heroes who we left behind in shallow graves, and hand the torch of freedom and justice to those young bright minds who you witnessed in that historical venue. eternal glory to our martyrs!

  • geneva warrior July 5, 2015

    what a pity.

Post a Reply to hara Cancel Reply