Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውድቀት ህግደፍ፡ ካብ ሰማይ ዝወርድ ማናን ህያብን ኣይኮነን

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘየለ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክፉእ ነገራትን ምዝርዛር፡ እቲ ዘሎ ቁንጣሮ ኣገልግሎትን ጽቡቅን ምጥቃስ ይቀልል። ንምንታይ’ሲ ኣብ ኤርትራ ሕሰም ህዝብና ዘጋድድ፡ ጋሕማጥን ምልካውን ኣሰራርሓ ቆጺርካ ስለዘይውዳእን እተን ንስርዓት ህግደፍ ሞሳን

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘየለ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክፉእ ነገራትን ምዝርዛር፡ እቲ ዘሎ ቁንጣሮ ኣገልግሎትን ጽቡቅን ምጥቃስ ይቀልል። ንምንታይ’ሲ ኣብ ኤርትራ ሕሰም ህዝብና ዘጋድድ፡ ጋሕማጥን ምልካውን ኣሰራርሓ ቆጺርካ ስለዘይውዳእን እተን ንስርዓት ህግደፍ ሞሳን ክብርን ዝወሃቦኦ ውሱናት ስለዝኾናን። ብ8 ነሓሰ 2017, ኣብቲ ብ “ብሃገራዊ ድሕነት” ዝፍለጥ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ስርዓት ህግደፍ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ “እስከ ብጀካ ኤርትራ መን ኣላ ንህዝባ ነጻ ሕክምናን ነጻ ትምህርቲ ካብ ዝተሓተ ስጋብ ዶክተሬት ሓሙሽተ ሳንቲም ከየኽፈለት ትቅርብ” ክብል ሓቲቱ። ዘይሓፍር ድሙስ ገረማርያም ስሙ ከምዝብሃል፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ኣሎ የለን፡ ብቅዓቱን ስሉጡነቱን መስካሪ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተገልጋሊ ህዝቢ’ዩ። እስኪ ድሓን ንዝጊ ይጥዓሞ ኢልና ኣብ ኤርትራ ናጻ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ከምዘሎ ጌርና ከም ሓቂ ንርዓሞ’ሞ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህይወቱ ዝተሓረሞን ዝበዝሐን መሰረታውን ጉዳያትን ንመልከት። “ዘዝርኣናዮ የዛርበና በለት ጉብጥሽ” ከምዝብሃል፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ናጻ ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዘኽዕበካ፡ ዘጽርፈካን ሓጥያትን ምዃኑ ስለዘይፈልጥ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ናጻን ብቁዕን ኣገልግሎት ጥዕና እንተዝህሉ፡ ብዙሓት ዜጋታት ናብ ሱዳንን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣሽሓት ገንዘብ ከፊሎም ክፍወሱ ኣይምተገደዱን። ዓቅምን ጠዋርን ስኢኖም ብሕዱር ሕማምን ጓህን ማሲኖም ኣብ ገዝኦም ዝሞቱን ዝተደነሱን ኣዲኦም ትቁጸሮም። እንተ ብዛዕባ ትምህርቲ ግን፡ ኣብ ኩሉ ከይበጽሐ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቂ ፈተና ንምውሳድ፡ ካብ ስድራቤቱን ብተዘማዲ ምቹእ ቤቱን ተነጺሉ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሕግታትን መዓስከርን ስለዝነብር፡ ትምህርቲ ወዲኡ ብዘይ ስራሕ ቀንፈዘው ዝብል ስለዝበዝሕ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ተማሂሩ ስራሕ ክረክብ ህይወቱ ክመርሕ ተስፋ ስለዘይብሉ ናብ ስደት ክመርሕ’ዩ እንኮ ምርጫኡ።

ብኻልእ ሸነኽ ስርዓት ህግደፍ፡ “በይኑ ዝማጎት ዝረትዖ የብሉን” ከምዝብሃል፡ ኣብ ኤርትራ ኣዋጅ እቶ-እቶ፡ ናይ ህዝቢ ናዕቢ፡ ወይ ተቃውሞ ኣንጻር መንግስቲ፡ ጥሜት የለን” ብምባል’ዩ ምስ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት ብምውድዳር ንነብሱ ዝውድሳን ናይ ጽቡቕ ኣብነት ኣምሲሉ ዘቅርባን። ኣብ ኤርትራ ብወግዒ ዘይተኣወጀን ንዓመታት ዝቀጸለን እዋን፡ እቶ-እቶ’ሎ። ሰባት ኣብ ኣኼባን ጓይላን ኣይተሳተፍኩምን ተባሂሎም፡ ካብ ምጋሽ ዝኽልከሉ፡ ባኒ ዝሕረሙን ዝእሰሩን እንተኾይኖም ካብዚ ዝኸፍእ እቶ-እቶ ኣሎ ድዩ? ስርዓት ህግደፍ መታን ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም መነባብሮኡ ከይመርሕ፡ ንኽህሉን ንኽቅጽልን ብቁዕ መመኽነይታ ዘይብሉ ግዱድ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትት ካብ ዝጅምር ቀሲኑ ኣይሓደረን። ወለዲ ዘዝዓበዩን ዘዝጎብለሉን ደቆም ከምትሕረድ ገንሸል ተወጢጦም ናብ ግንባር ኩናት ክጥበሱ፡ ኣብ ኣጻምእ፡ ቆራርን ዓሳውን ቦታታት ብዘይ ብቁዕ መሳለጥያን ካብ ስድራቤቱ ተነጺሉ መጻኢ ህይወቱ ተኾሊፉን፡ ካብ ቤቱ፡ ካብ ኣብያተ ጸሎት፡ ህዝባዊ በዓላት፡ መርዓን ቀብርን ብሃንደበት ስለዝግፈፍ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ሕብረተሰብ ንጹል’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዝነበረ ኣካል መንነትቱ ዝኾነ ባህልታትን ልምድታትን፡ እናሃሰሰን እናተሃድነን ይመጽእ ኣሎ። እስከ እቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓለም ከማይ ወረጃ የለን ኢሉ ዘቅርቦ ባዶ ዘመተ ገዲፍና፡ ብዛዕባ ኤርትራ ገለ ሓቅታት ወስ ነብል።

ኤርትራ ኣብ ዓለም ብሕግን ቅዋምን ዘይትምእዘዝ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘይብላን ብሓደ ሰብ ከም ውልቃዊ ንብረት እትውነን ሃገር’ያ፡፡ ኣብ ኤርትራ ሰብ ብዘይ ፍርድን ብዘይ ጠበቃን ንብዙሕ ዓመታት ክእሰር፡ ክቅጥቀጥ ህይወቱ ክትሓልፍ ንቡር’ዩ፡፡ ኤርትራ ሃገራዊ ባጀት ዘይብላን ህዝቢ እንታይ ኣትዩ እንታይ ወጺኡ ክፈልጥ መሰል ዘይብሉን፡ ዋላ ንይምሰል ህዝቢ ወከልቱ ንምሕራይ ምርጫ ዘይግበረላ፡ ደቂሉ ብወሰን ዝወልድ፡ ኣብ ኣብያተ መስተ ዝሰክርን ዝሓቶ ዘይብሉን መላኺ መራሒ መንግስቲ ዘለዋ፡ ህግደፍ ዝውንና ንዕኡ ትውድስ፡ ሓቂ ዘይተንጸባርቅ ሓንቲ መደበር ተለቪዥን ሓንቲ ራድዮን ሓንቲ ጋዜጣን ዘለዋን፡ መንግስቲ ንትካላት ሃይማኖትን ዓቅሚ ሰቡን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምምሕዳሩ ዘእተወን’ዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይዱን መሪር መስዋእትን ከፊሉ ከብቅዕ ድሕሪ ናጽነት ናብ ስደት’ዩ ዝበታተን ዘሎ፡፡ ኣበራት ስርዓት ህግደፍ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ትካላት ጸጥታ፡ መራኸቢ ብዙሓንን ቁጠባዊ ዓቅምን ስለዘለዎ’ዩ ንህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ ሒዝዎ ዘሎም’በር ህዝቢ ኤርትራ ስለዝፈተዎን ሰናይ ተግባራት ይፍጽም ስለዘሎን ኣይኮነን ዝነብር ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ ፉንፉንን ምስሉይን ተግባራቱ ዝኽሽሓሉን ኣብ ታሪኽ ጉሓፍ ዝድርበየሉን እዋን ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ። ውድቀት ህግደፍ ዝረጋገጽ ግን ዋጋ ከይተኸፍሎ ካብ ሰማይ ዝወርድ ማናን ህያብን ኣይኮነን። መቁሕ ህግደፍ ንምስባር፡ ክቡር መስዋእትን ጥምረትን እምበር ይሓትት።

      ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነሓሰ 2017

Subscribe ASSENNA to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Dawit August 26, 2017

    Gandhi’s great quote: “If a man wants to change the world, he should first start with himself”.
    Similarly, if the spineless, useless so-called Eritrean opposition want to change DIA, they should first start the change with themselves. Isaias will live and rule Eritrea while the oppositions eat and kill each others (politically).

  • Tesfaldet abraha August 26, 2017

    እሞ ወያነ ድአ እንታይኮይኖም ጠሊሞምኹም ሕጂ ድአ መን ኢዩ ለውጢ ከምጽአልኩም ዶ ሱቅ ኢልኩም ዳውን ዳውን ምባል እዩ

  • Tesfaldet abraha August 26, 2017

    አታ እዞም አመሪካኸ ክንደይ ይሐስሙ ንሊብያውያን ታንኪ ሰቂሎም ትሩፕሊ አእትዮሞሲ ንዓኻትኩም ቁልሕ ዘይብልኹም እዋይ እንታይ ድ አልኩም ትገብርዎ ኤርትራ ከይ ራአኹም አብ ዘለኹሞ ክትሞቱ ኢኹም ወያነ እኳ ድሕሪ ካብ ስልጣን ምውራዶም ናብ ኤርትራ ከይዶም ዑቅባ ክሐቱ እዮም መህደሚቶም ኤርትራ ኢያ ንስኻትኩምክ ሐስብክሙሉዶ ትፈልጡ

    • k.tewolde August 26, 2017

      Tesfaldet,despite your sleazy hegdefite sarcasm,inadvertently you spoke some truth that woyane eventually will run and take refuge with their cousins,perfect reunion like the old times.Yes indeed the true Eritreans got evicted a long time ago,whoever left is in dungeons and containers and the rest is quarantined with barbed wire and mine fields.You got the picture? Who is the winner here and who is the looser? Tesfaldet!, for you to come up with a prudent and objective answer,you have to be reincarnated as Kwame Nkrumah,in the mean time the poor camel will keep on marching dropping her precious cargo to rot in the desert sand looking for that elusive oasis.

      • Tesfaldet abraha August 27, 2017

        So what are you going to do abaut it keep craying to UN TRUM say we are not going to put our hand to any wars so that means your only hope your ,boss is abandoning you so are keep going to say dawn dawn hgdf

        • k.tewolde August 27, 2017

          Like I said,I didn’t expect a rational answer from you.Next time please try in tigrigna because you can.

    • Harerta August 26, 2017

      ክቡር ሓው ተስፋልደት፡
      ሓሳብካ ኣደናጊሩኒ’ሎ። ንመን ኢኻ መልሲ ትህብ ዘለኻ ንደለይቲ ፍትሒ ዋላ ንህግደፍ? ንስኻ ናይ ብሓቂ ደላይ ጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ እንተኾይንካ ሃየ ኣብ ጉድኒ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፍካ ዝከኣለካን ሃናጺ ርእይቶን ኣበርክት። ካብኡ ሓሊፉ ናይ ኣመሪካ፡ ሊብያን ወያነን ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን።

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply