Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ን ዕለት 8ን 9ን መጋቢት ኣብ ናይሮቢ ተኣኪቡ ምስ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ብዝበለጸ መንገዲ ዝሰርሓሉ ኣገባብ ንምርኣይ መዲቡ ኣሎ።

  ነዚ መበገሲ ብምግባር Eritrea Focus ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ዳግመ ግምት ክገብረሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ነመሓላልፈልኩም።   ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ገምጋም ክገብረሉ ንጽውዕ።   ውድብ ሕቡራት ኣህገራት ካብ 8-9 መጋቢት 2020 ኣብ

 

ነዚ መበገሲ ብምግባር Eritrea Focus ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ዳግመ ግምት ክገብረሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ነመሓላልፈልኩም።

 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ገምጋም ክገብረሉ ንጽውዕ።

 

ውድብ ሕቡራት ኣህገራት ካብ 8-9 መጋቢት 2020 ኣብ ናይሮቢ ምስ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ክሰርሓሉ ዝኽእል ዝበለጸ ኣገባብ እንታይ ምዃኑ ንምድህሳስ ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ቤተሰብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅጥዑን ኣቀራርባኡን ንኸተዓራሪ ኣፍደገ ዝኸፍተሉ ዕድል ምዃኑ ይረኣየና።

 

ኩሎም ኤርትራውያን፡ እንተላይ እቶም ብዙሓት ዑቕባ ንምርካብ ኣብ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምርኮሱ ዜጋታትና፡ ንኣበርክቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ብዙሕ መልክዓቱ ይፈልጡዎን የመስግኑዎን እዮም።  እንተኾነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ባዕሉ ዘካየዶ ምርምርን ትንተናን ምኽርን ብዕቱብነት ክርእዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ መጽናዕቲ ብ መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ቀጺሉ ድማ  በቶም ናብ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስሩዕ ጸብጻብ ዘቕረቡ ፍሉያት ልኡኻት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዳለወ እዩ።

 

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ እንተላይ ኣብ ከም ብዓል ግዝኣተ ሕጊ፡ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ገስጋስ ኣብ ሲቪካዊ ሓርነታትን መሰል ደቂ ኣንስትዮን፡ ዝኣመሰሉ ዓውድታት፡ ኣብ ኤርትራ `ጭቡጥ ገስጋስ ኣይተራእየን`  ዝብል ጸብጻብ ተቐቢሉ እዩ። በንጻሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዋኒን፡ መራሕቲ ሃማኖትን ማሕበረሰብን ቀጻሊ ማእሰርቲ ከጋጥም ጸኒሑ። እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ `ውን፡ ገሊኦም ክሳብ ን 26 ዓመታት ገና ብዘይፍርዲ ኣብ ቤትማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ሰበስልጣን ኤርትራ `ውን፡ ነቲ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቐጻሊ ክጠልቡዎ ከምዝጸንሑ፡ ን ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ምትሕግጋዝ ኣይገበሩሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኤርትራ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዩ ክዕዘብ `ውን ኣይፈቐዱን።

 

ውጺኢት ስራሕ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ከም ኣሚኒስቲ ኢንተርናሽል (Amnesty International)፡ ሁማን ራይትስ ዎች (Human Rights Watch) ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ኣካላት `ውን ደገፍ ረኺቡ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ዘደንጹ ገምጋም ብፍላይ፡ `ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ምቅርራብ፡ ` ናይ ሰላም ምቅሊት` ከምዘይረኸበት ዝጠቅስ እዩ።

 

እዚ ናይ መወዳእታ ትንተና፡ በቲ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፕሮጀክት ጽገና-ጽርግያታት ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ወኪል ናይቲ UNOP ዝተባህለ ኣካል፡ Reinhard Frauenfeld (ረይንሃርድ ፍሮንፈልድ)፡ `ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ተደጊፉ እዩ። ንሱ ከምዝጠቐሶ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጻሊ ጽምዶ `ኳ እንተተገብረ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዛጊት ዝተራእየ ምምሕያሽ የልቦን።

 

ስለዚ እቲ ናይ ተግባር ሰዓት ከምዝእኸለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክግንዘቦ ኣለዎ።

 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኽብደት ናይቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ጭብጥታት መዚኑ ዝምድንኡ ምስ ኤርትራ ዳግም ዝግምግመሉ እዋን ሕጂ እዩ። ምስዚ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ኣፈናቒሉ ናብ ስደት ዘንፈጸ እኩይን ጨካንን ስርዓት ከም ልሙድ ልሙስን ዘይነቐፌታውን ርክባቱ ምቕጻል ገደብ ክገብረሉ ኣለዎ።

 

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ህላወ፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘቐድም ሓድሽ መኣዝን ክኸውን ከምዘለዎ ጻውዒትና ነቕርብ። ነቲ መሰል ዜጋታቱ ብዘይንሕስያ ዝግህስ ስርዓት ዝድግፍ ዝምድና ምቕጻል ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ስርዓት፡ በቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምኽባር ዝኣተዎ መብጽዓን ግዴታታትን ክምእዘዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ `ውን እቲ ስርዓት ካብ ዝፈጠሮ ናይ ዓመጽን ውጽዓን ህይወት ክገላገል ምእንቲ፡ ስሩዕ ምክትታል ዘለዎ ጸቕጢ ክግበረሉ እዋኑ እዩ።

 

እዚ መደብ`ዚ፡ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰንፈላል ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ ዝመጽእ ዘሎ። እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ቀይድታት ይግበረሎም ከምዘሎ ዘስግእ ምልክታት ይርአ `ሎ። ብፍላይ ኩነታት ናይቶም ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ናይ ውግእ ዞባ ጅሆ ኮይኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ንህጹጽ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ብዕቱብነት ክምልሱ ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጥቢቕና ንጽውዕ።

 

ሃብተ ሓጎስ

ኣቦ ወንበር Eritrea Focus

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Yohannes March 8, 2020

    እሳያስን መጨፍርቱን ኬይሞቱን ሰላምየለን
    ኣሰና ብጣዒሚ መደብኩም ፅብቅዩ ።

  • Yohannes March 8, 2020

    ኣማኑኤል እያሱ ኣብ ጎንካ ኣለና ዘሓዌይ

Post a Reply to Yohannes Cancel Reply