Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውጻእ መዓት ዓዲ ኣቤቶ

ውጻእ መዓት ዓዲ ኣቤቶ መእተዊ እዛ ሓጻር ዛንታ ናይ'ቲ ኣብ'ዚ ግዝያት ልክዕ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት፡ ብዕለት 4, 11, 2004 ዓ.ም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዘጋጠመ ፍጻመ ምርኲስ ብምግባር ብመልክዕ ሓጺር ዛንታ ዝተጻሕፈት ኢያ። እዛ ዛንታ ንገለ ገጽታ ናይ`ቲ

ውጻእ መዓት ዓዲ ኣቤቶ

መእተዊ

እዛ ሓጻር ዛንታ ናይ’ቲ ኣብ’ዚ ግዝያት ልክዕ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት፡ ብዕለት 4, 11, 2004 ዓ.ም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዘጋጠመ ፍጻመ ምርኲስ ብምግባር ብመልክዕ ሓጺር ዛንታ ዝተጻሕፈት ኢያ። እዛ ዛንታ ንገለ ገጽታ ናይ`ቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘዉረዶ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ ካብ ማይ-ባሕሪ ብጭልፋ ኢያ። ንንባብ ምእንቲ ክጥዕም ድማ ኣብ ክልተ ክፋላት ተደላያ ቀሪባ ኣላ።

ብዘመን ካብ ኖርወይ

የውሃንስ ነታ እንዳንቖልቖለት እትኸይድ ዝነበረት ናብራ ገዝኦም፡ ዕብይ ዝበሉ ንብረት እንዳሸጥካ ብሕስር ዝበሉ ካልኦት ምትካእ ዝብል ኣምር ምሕደራ ኣዲኡ ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉዎ ኢዩ። ሓደ እዋን ኣርማድዮኦም፡ ብዓረብያ ጺዕኑ ናብቲ ዝፈትዎ ነጋሽ ዝተባህለ ዓርኩ  ሸይጡ ናብ ቤቱ እንዳተመልሰ፡ ንየማነ-ጸጋም ቁሊሕ ኣብ ዝበለሉ፡ ብዙሓት ወታሃደራት ረኣየ እሞ “እንቋዕ እኳ መንቀሳቐሲ ሃለወኒ” ብምባል ነቶም ድሮ ሰብ ዝለቕሙ ዝነበሩ ወታሃደራት ጥሒስዎም ክኸይድ ፈተነ።

“ሀይ፡ ነዓኻ እንድየ፡ ነዓ” በሎ እቲ ሙሉእ ወታሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ዝነበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብቶም ብጾቱ ንየውሃንስ ከርክብ ፍንትት እንዳበለ። የውሃንስ ኣንፈት ጒዕዝኡ ብምቕያር፡ ናብቲ ወታሃደር ገጹ ቀረበ። እቲ ወተሃደር እንታይ ከምዝደለየ፡ የውሃንስ ኣይተጠራጠረን። ካብ ጅብኡ ብምውጻእ ድማ ነታ ብኽንደይ መከራ ዝረኸባ ወታሃደራዊት መንቀሳቐሲ ወረቐት ኣረከቦ።

“ያላ ሕለፍ!” በሎ እቲ ወታሃደር። የውሃንስ እታ መንቀሳቐሲ ብቕዕትን ዘይብቕዕትን ምዃና ኣቐዲሙ ብዘይምርግጋጹ ግን ሓዘነ።

“እንታይ ደኣ፣ ጸገም ኣሎ ዲዩ” ክብል ሓተቶ። ይኹን እምበር እቲ ወታሃደር፡ ሰባት ናይ ምልቃም ስራሕ ኣዚዩ ጽዒቑዎ ብምንባሩ፡ ንየውሃንስ ናብቶም ብዙሓት ብምሕዋስ መልሲ ከይሃቦ ናብ ዉራዩ ኣምረሐ።

እንተደኣ እታ መንቀሳቐሲ ጌጋ ኣጸሓሕፋ ኣለዋ ኮይኑ፡ እቲ ወረቐት ዝዓደለ ሰብ ብዘየገደስ፡ የውሃንስ ከም መደናገሪ ተቖጺሩ ተኣሲሩ ናብ ኣሃዱኡ ከም ዝምለስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኔሩ። ስለዚ’ዩ ድማ ኩነታታ ክሓትት ነቲ ወታሃደር ናብኡ ክሳብ ዝቐርብ ብተርባጽ ክጽበዮ ዝወሰነ።

እቲ ወታሃደር፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ሒዙ ናብቶም የውሃንስ ዝርከቦም ብዙሓት ሰባት ንኽጽንብሮም፡ ብድሕሪኦም ልክዕ ከም ኣባጊዕ እንዳኾብኮቦም መጸ። ነዛ ዕድል ክጥቀመላ ኣለኒ ብምባል፡ የውሃንስ ናብ`ቲ ወታሃደር ቅርብ ብምባል፣

“ናይ ወርሒ ኣለዋ እኳ እዛ መንቀሳቐሲ” በሎ። ኣጸቢቑ ዘይረኣያ ከይከውን ምናልባት ደጊሙ ክሪኣ እሞ ስክፍትኡ ከወግድ።

“እፈልጥ” መለሰ፡ እቲ ወታሃደር።

“ወይለይ፡ እንታይ ደኣ እሞ ወረቐተይ ትምንጥለኒ” በለ የውሃንስ ቁንቁኝኡ ዘይተረደኦ።

“ተጸጋዕ ኢለካ ኣለኹ፡ ነብስኻ ከይተሕስር” በለ እቲ ወታህደር በትሩ እንዳወጣወጠ።

ይኹን እምበር የውሃንስ ኩነታት ባህ ስለዘይበሎ፡ ናብቲ ወታሃደር ቀረበ። እቲ ወታሃደር ብበትሪ ክሃርሞ ኣብ ዝፈተነሉ፡ የውሃንስ ነታ በትሪ ዓትዒቱ ብምሓዝ፣

“ኣነ”ዉን እኮ ከማኻ ወታህደር ኢየ፡ ንዕረፍቲ ኢየ ድማ ትማሊ መጽየ።”

እናበሎ እንከሎ ታዕታዕ ተፈጥረ። ብዙሓት ወታሃደራት ናብ የውሃንስ ገጾሞ መጹ። ገለ ካብኦም ድማ እቲ ኩነታት እንታይ ምኻኑ ከይፈለጡ ንየውሃንስ ኣብ ዝባኑ ኣባትር ኣዝነብሉ። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘበ ሓደ ኣብ ጥቓ የውሃንስ ዝነበረ ወታሃደር፡ ንየውሃንስ ደፊኡ ናብቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ሲቭላት ሓወሶ። ብሓውሲ ሕሹኽታ ድማ ንሶም እውን ዝፈልጡዎ ነገር ከምዘይብሎም ኣረደኦ። ከም እንደገና ነቲ ንየዉሃንስ ክሃርም ዝገላገል ዝነበረ ወታሃደር ደፊኡ ካብቲ ቦታ ኣለዮ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ መንደቕ ተጸጊዐም ዝነበሩ ግፉፋት ብኩነታት የውሃንስ ብምስካፉ፡

“ነብሰይ ኩላትና እኮ ምስ መንቀሳቐሲና ኢና ዘለና፡ የግዳስ እንታይ ኢና እሞ ክንብል”

ብምባል ነታ ዘረባ ገለ ካልእ ዝምልኣላ እንተሎ ናብቶም ብዙሓት ቁሊሕ በለ። የውሃንስ ብወገኑ እቲ ነገር ኣስደመሞ። ተተታሒዞም ዝመጹ ድማ ቊጽሮም ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ እናበርከተ መጸ። እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዘይካ ናይ ምግራም ስምዒት ካልእ ዝውሰድ ስጉምቲ ኮነ፡ እቲ ጉዳይ እንታይ ምኻኑ ከጻርዩ እኳ ትኒዕ ኣይበሉን።

ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት፡ እቲ በቶም ወታሃደራት ተኣኪቡ ዝነበረ መንቀሳቐሲ ወረቐት፡ ናብ ነፍሲ-ወከፍ ዋናታቱ ተመልሰ። ጉዳይ ምጽራይ፡ በቶም ወታሃደራት ዘይኮነ ብዝምልከቶ ኣካል ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ክካየድ ምኻኑ ድማ፡ ካብቲ ሓላፊ ናይ’ቶም ወታሃደራት መልእኽቲ ተመሓላላፈሎም።

ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ድማ ነቲ ዘረባ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ደንጸዎ። ገለ ገለ ሰባት፡ ኲናት ምስ ወያነ ክጅመር ስለዝኾነ፡ ኩሉ መንእሰይ ይተኣከብ ተባሂሉ ዝብል ሓድሽ ወረ ከናፍሱ ጀመሩ። ኣብ ግዜ ኲናት፡ ተዛማዲ ህድኣት ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን፡ መንእሰያት ዕረፍቲ ተዋሂቡዎም ክንሱ፡ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ ብዘይ ዝኾነ ጻዊዒት ናብ ኣኣሃዱኦም ዝተመልስሉ እዋን ብምዝካር፡ የውሃንስ ነቲ ሓድሽ ዝናፈስ ዝነበረ ወረ እዝኒ ኣይሃቦን። ይኹን እምበር እዚ ምጽራይ ተባሂሉ ዘሎ ጉዳይ እንታይ ምኻኑ ንምእማት ግን ኣዝዩ ኣሸገሮ። ስለዚ ድማ’ዩ ነታ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ እትግበር ምጽራይ እንታይ ከምእትወልድ ንምርኣይ ብሃንቀውታ ዝተጸበያ።

ናብቲ የውሃንስ ዝነበሮ ቦታ ክልተ ኤነትረ መጻ። እቶም ወታሃደራት ድማ፡ በብሓደ ናብተን ኤነትረ ንኽስቀሉ ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላለፉ። ኮይኑ እውን እቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ካብተን ኤነትረ ክሕዝኦ ዝኽእላ ዓቕሚ ንላዕሊ ብምንባሮም፡ ኣብ ካልኣይ እግሪ ንዝኸዱ ክፈልዩዎም ጀመሩ። መብዛሕትኦም ግፉፋት ብእዋኑ ጉዳዮም ተጻርዩ ናብ ቤቶም ከምዝምለሱ ብምእማን፡ ናብተን ኤነትረ ክስቀሉ ተደፋፍኡ። የውሃንስ ሓደ ካብቶም ውዑያት ሓይሊ መንእሰያት ብምንባሩ፡ ተደፋፊኡ ምስቶም ቀዳሞት ተሰቕለ። ነቲ ርእሶም ንኸድንኑ ዝተዋህቦም መምርሒ ብምቕባል፡ ጉዕዝኦም በየን ምኻኑ እንከይፈለጡ ድሮ ዓዲ ኣቤቶ በጽሑ።

እቲ እዋን ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ዝነበረ። መብዛሕትኡ ሰብ ጉዳዮ ተጻርዩ ሰዓት ሽዱሽተ ነናብ ቤቱ ክምለስ ዓቢ እምንቶ ነበሮ። ኮይኑ’ውን እታ የውሃንስ ዝነበራ ኤነትረ ኣብ ቅርዓት ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ጠጠው በለት። እቲ ቤት ማእሰርቲ መሊኡ ብምንባሩ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ዝተዳለወ ግዝያዊ ቤት ማእሰርቲ ከተምርሕ፡ ኣዉቲስታ በቶም ሓለፍቲ ተኣዘዘ። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ድማ፡ ኣብ’ቲ ግዝያዊ ቤት-ማእሰርቲ በጽሑ።

የውሃንስ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ነጢሩ ካብታ ኤነትረ ወረደ። ኣፍደገ እቲ ካንሸሎ በቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ወታሃደራት ተራሕወ። ኩሎም እቶም ተጻዒኖም ዝመጹ ግፉፋት ድማ፡ ናብቲ ካንሸሎ ክኣትዉ ተሓበሮም። ኣብ ውሽጢ እቲ ቐጽሪ ምስ ኣተዉ ግና፡ ንተስፍኦም ዘማህምን ኩነታት ከምዝተፈጥረ ክግንዘቡ ጀመሩ። እቲ ምኽንያት፡ ካብቶም ኤነትረ ተጻዒኖም ዝመጹ ሓደሽቲ ሰባት፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ዝጸነሑ ቊጽሮም ብዓሰርተ ዕጽፊ ይዛይድ ብምንባሩ። ልክዕ ከም ናብ ዳስ ሓውያ፡ ዝኣቱ እምበር ዝወጽእ ሰብ ከቶ ኣይነበረን።

ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ ብዝሒ እቲ ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ ዝነበረ ሰብ ናብ ኣሽሓት ክብ በለ። የውሃንስ ነቲ ቐጽሪ ካብ ጫፍ ንጫፍ ብዝግባእ ተመልከቶ። ብኽልተ መኣዝን ዝርከብ መናድቑ ናይ ኣስታት ክልተ ሜትሮን ፈረቋን ብራኸ ዘለዎ ብቡሉኬቲ ዝተሃንጸ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገኑ ድማ ብኣዝዩ በሪኽ ጸሊም እምኒ ዝተሃንጸ ነበረ። ምናልባሽ እቲ ህንጻ ንመኽዘን ዝተሓስበ እሞ፡ ገና ኣብ ምጅማሩ ዝተቛረጸ ኢዩ ዝመስል። የውሃንስ ልክዕ ከም ብጾቱ ኮፍ መበሊ ክረክብ ስለ ዘይከኣለ፡ ጠጠው ኢሉ ነቲ ዘደንጹ ኩነታት ብኣንክሮ ክዕዘቦ ተቐሰበ።

ከባቢ ርብዒ ጎደል ንሰዓት ሹድሽተ፡ እቶም ብውሽጢ ዝነበሩ ሒደት ዝቑጽሮም ወታሃደራት፡ ተሰርዑ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላለፉ። ኩሉ እቲ ደንጽይዎ ዝነበረ ሰብ ድማ፡ ጉዳዩ ተራእዩ ገዝኡ ክምለስ መስርዕ ንምሓዝ ክደፋፍእ ጀመረ። እቶም ወታሃደራት፡ ኣብ ማእከል እቲ ሰብ ብምእታው ብኣባትር ከም ዊንትኦም እንዳሃረሙ መስርዕ የስተኻኽሉ ነበሩ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ድማ እታ ትርካቡ፡ ኣብ’ታ ሰዓት እቲኣ ከቢድ ርዝነት ዝነበራ መንቀሳቐሲ ወረቐት፡ ኣብ የእዳዉ ብምሓዝ ድሮ ጢል ጢል ከብሉ ጀመሩ። የውሃንስ እንዳተደፋፈአ ኣብ ቕድሚት ብጽሐ እሞ፡ እንተ ደኣ ምጽራይ ተጀሚሩ ብእኡ ከምዝጅመር ርግጸኛ ነበረ። ድሕሪ ናይ ርብዒ ሰዓት ሰሓቦ ጉተቶ፡ እቶም ከጻርዩ ዝመጹ ሰባት ንፈዉሲ ማሕላ ንሓደ ሰብ እኳ ከይለቐቑ፡ ወዲእና ብምባል ሓዲጎሞም ካብቲ ካንሸሎ ወጺኦም ተዓዝሩ።

የውሃንስ ካብታ ኣብሪኹላ ዝነበረ ከይተንሰአ ተዓኒዱ ስቕ በለ። እቲ ኩነታት ከመይ ምኻኑ ንምርዳእ ድማ ኣገሞ። ምጅማርን ምውዳእ ከመይ ከምዝኾነ ፍጹም ኣይተረደኦን። ስለዘይቀበጸ ድማ ነታ ገም ኢላ ዝተዓጽወት ማዕጾ ቀዉ’ሉ ከቋምታ ጀመረ። እንተኾነ እቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ዝነበሩ ሒደት ወታሃደራት፡ ከም ድላዮም ይሃርሙ ብምንባሮም ካብቲ ቦታ ክርሕቕ ግድነት ኮኖ። ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ሰዓቶም ዝምልከቱ ብዙሓት ነበሩ። ገለ ካልኦት ድማ በብጉጅለ ኮይኖም ከዉግዑ ይርኣዩ። የውሃንስ ወዲ ኣሃድኡ ብምርካቡ፡ ብዛዕባቲ ኣስደማሚ ኩነታት ብተመስጦ የዕልሉ። ሓንቲ ሓዳስ መልእኽቲ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ሰባት፡ ናብ ኩሉ ክትዘውር ጀመረት። መንቀሊ ናይ’ታ ሓሳብ መን ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ኩሉ ሰብ ኣቕባሕብሐ።

ሓደ ኩሉ ትርኢቱ ህጻን ዝመስል ቆልዓ “ያ ጀምዓ፡ እንታይ ኢና ንርኢ ዘለና፡ ኣባጊዕ ከማን ከምዚ ጌርካ ኣይትጭክነለንን። እንታይ ዝኣበስና ሰባት ኢና፡ ጠጠው ኢልና ኣብ’ዚ ቀዝሒ ክንሓድር ማለት ዲዩ። በዞም ኣብዚ ውሽጢ ዘለዉ ዘይንጅምር” ብምባል እምኒ ኣልዒሊ ናብቶም ወታሃደራት ገጹ ሰንደወ። ብኡ ንብኡ ድማ ብዙሕ ሰብ ኣሰሩ። ድሕሪ`ዚ ኣእማን ናብቶም ወታህደራት ክስንድዉ ጀመሩ። በዚ ድማ እቶም ወተሃደራት ነብሰይ ኣውጽእኒ ብምባል ካብቲ ካንሸሎ ወጺኦም ተዓዝሩ። ካብቲ ከባቢ ከርሕቕዎም ብምሕሳብ ድማ፡ ዳርባ እምኒ ካብ ውሽጢ ናብ ግዳም ምዉርዋር ቀጸለ።

እቶም ወታሃደራት እውን ብግዲኦም ከም ግብረ-መልሲ፡ እምኒ ብደገ ኮይኖም ናብ ዉሽጢ ክስንድዉ ጀመሩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ፡ ቊጽሪ ዘይብሉ ሰብ ብምንባሩ፡ ዝተደርበየት እምኒ መዕለቢኣ ኣራእስ ሰባት ኮነ። ሓደ  ድሕሪ እቲ ካልእ ርእሱ ተተርግአ። ብዙሕ ደም ፈሰሰ፡ ዋጭዋጭታ ገንፈለ። ኣብቲ ርሱን ህሞት፡ የውሃንስ ካብቶም ላዕልን-ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት ሓደ ኮነ። ነቶም ብደገ ኮይኖም እምኒ ዝዉርዉሩ ዝነበሩ ወታሃደራት ንምዕጋስ፡ ማተኔላ መሳሊ እምኒ ብምልዓል፡ ናብ’ቲ ማዕጾ ገጹ ቀረበ። እታ እምኒ ናብ ዝዓለበት ትዕለብ ብምባል ክኸስራ ኣይደለየን። ንሓደ ካብቶም ኣብታ ጥቓ ማዕጾ ዝነበሩ ሰባት ንኽሕንጉሮ ሓተቶ። የውሃንስ ናብ ላዕሊ ምስ ወጸ ብዙሓት ወታሃደራት ከምዘለዉ ተመልከተ። ነታ እምኒ ድማ ኣብ ዝግባእ መዓላ ስለዘብጽሓ፡ ሓጎሱ ንምግላጽ ከም ብተይ ዓንደረ።

ይቕጽል……

2ይ ክፋል

ኣብዚ ህሞት እንከሎ እቲ ወዲ ኣሃዱኡ ድሮ ተፈጊኡ ሰባት ክሕግዝዎ እንከለዉ ረኣየ። ኩነታቱ ድሕሪ ምሕታት፡ ናብቶም ብሸነኽ ማዕጾ ጎማ ትራክተር ከልዕሉ ሓኾት ዝብሉ ዝነበሩ ክጽንበሮም ወሰነ። ድሮ ምስኦም ብምሕዋስ ንምንታይ የልዕልዎ ከም ዘለዉ ተወከሶም። ምስ ሓሳቦም ብምስምማዕ ድማ ሳዕሪ ነቲ ጎማ መሊኦም፡ ናብቲ ኣፍደገ ኣቕሪቦም ከቃጽልዎ ወጠኑ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ኣፍደገ ናይ’ቲ ማዕጾ ዓሪዶም ዝነበሩ ወታሃደራት ንምቁጽጻር ኢዩ። እታ ማዕጾ መጀምርያ ክትራሓው ከም ዘለዋ ኩሎም ይፈልጡ ነበሩ። መልእኽቲ ከይተጸበየ የውሃንስ ድንን እንዳበለ ናብታ ማዕጾ ገጹ ብምቕራብ፡ ከርሕዋን ቶኽሲ ጠያይቲ ቶረግሮግ ክብልን ሓደ ኮነ። እንዳጎየየ ድማ ናብቶም ብጾቱ ተሓወሰ። ድሮ እታ ጎማ ቃል-ቃል ክትብል ስለዝጀመረት፡ ብሓባር ነቲ ከቢድ ርዝነት ዝነበሮ ጎማ ጠጠው ከም ዝብል ገበርዎ። “ሓደ፡ ክልተ፡ ሰልስተ” ብምባል ድማ እናተሽከርከረት ናብቲ ተኸፊቱ ዝንበረ ማዕጾ ደፍእዎ። ኮይኑ ግን ከምቲ ዝድለ ከተብርሃሎም ኣይከኣለትን።

ነቲ ቃጸሎ ንምቕሃም መጥፋእቲ ሓዊ ቢምቦሪ፡ ናብቲ ካንሸሎ ክትጸጋጋዕ ዝረኣዩ መንእሰያት፡ ብዳርባ እምኒ ተቐበሉዋ። ኣውቲስታ ነቲ ዝስበር ዝነበረ ቬትሮ ናይ ማኪና ክጻወሮ ስለዘይከኣለ፡ መብራህቲ ማኪንኡ ብምጥፋእ ቀልጢፉ ካብቲ ቦታ ተኣልየ።

ድሮ እውን በቲ ሓደ ሸነኸ፥ ነቲ ስንኩፍ ዝኾነ መንደቕ ክደፍኡ ይመያየጡ ብምንባሮም ኩሉ ክጽንበሮም ጻውዒት ገበሩ። እንተኾነ እዚ ኩሉ እንዳተፈጸመ እንከሎ፡ ገለ ሰባት ኣብቲ ኩርኳሕ መሬት ብጸግዒ ንኽትኣምኖ ብዘሸግር ተተዓምጺጾም ክድቅሱ ጀመሩ። እዚ ተግባር ነቶም ‘ስርሒት ፈንቅል ማእሰርቲ’ ንምፍጻም ዝጠማጠሙ ዝነበሩ መንእሰያት ግን፡ ክወሓጠሎም ኣይተኻእለን። ስለዚ ድማ ዳርባ እምኒ ናብኦም ኣውሓዙ። እቶም ነቲ ዝነበረ ርሱን ኩነታት ዕሽሽ ብምባል ክድቅሱ መዲቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ናብቶም ብዙሓት ክጽንበሩ ተገደዱ። ናብቲ መንደቕ ተወዳዲቦም ድማ ተጸግዑ።

የውሃንስ ኢዱ ናብ መንደቕ ብምምርካስ፡ ነቲ ናይ ሓባር ሓይሊ ዘዋሃህድ ዝነበረ መንእሰይ መልእኽቲ ክጽበይ ጀመረ።

“ሓደ፡ ክልተ ፡ ሰለስተ፡”

ብምባል፡ እቲ መንደቕ ናይቶም ዝደፍኡዎ ዝነበሩ ብዙሓት ሓይሊ ክጻወር ኣይከኣለን። ከባቢ ሰለስተ ሜትሮ ዝቑመቱ መንደቕ ራዕ ኢሉ ክወድቕ እንከሎ ድማ ፍሰሃ ፈጠረሎም። ልክዕ ከምቲ ናይ ሓጎስ መግለጺ ርቺ ናብ ላዕሊ ብምትኳስ እትጽንብሎ፡ ብዝሒ ዘለዎ ጠያይት ንላዕሊ ቶሮግሮግ ክብል ጀመረ። ተኵሲ ጠያይቲ ከይዓጀቦም ናብቲ ካልኣይ መንደቕ ድሮ ተጸግዑ። ሕጂ እውን ልክዕ ከምቲ ቀዳማይ፥ ነቲ ሓይሊ ክጻወር ዘይከኣለ ብቡሊኬቲ ዝተሃንጸ መንደቕ ራዕ ኢሉ ክወድቕ ተሰምዐ። እንተኾነ ግን፡ ጸላም ብምንባሩ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ሰብ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጠበ። ገለ ሰባት ናብቲ ፈራስ መንደቕ ኣብ ዝጽግዕሉ፡ ኣድራጋ ቶዅሲ ጠያይቲ ይርአ ብምንባሩ ደፊሩ ክቐርብ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን።

እቲ ዕላማ ነቲ መንደቕ እንዳፍረስካ፥ ካብ ቁጽጽር ናይቶም ወታሃደራት ናጻ ምግባር እሞ፡ ብድሕሪኡ ነናብ ቤቶም ክምለሱ ኢዩ ዝነበረ። ድሮ እውን ናብታ ሳልሰይቲ ክፋል ናይ’ቲ መንደቕ እቲ ሓዊ ሓዊ ዝጨኑ ዝነበረ መንእሰይ ተጸገዐ። እዛ መንደቕ እውን ካብተን ብጾታ ፍልይ ዘብላ ወላሓንቲ ተወሳኺ ነገር ብዘይምንባሩ ሃደሽ ኢላ ዕዝር በለት። እታ ስልሰይቲ መንደቕ ግን፡ ብቡዙሓት ወታሃደራት ኢያ እትሕሎ ዝነበረት። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ሰብ ድማ ነቶም ኣብ ፊቶም ተሰሪዖም ዝነበሩ ማስኬራ ኣብ ገጾም ዝወደዩ፡ ኣባትርን ጠበንጃን ዝዓጠቑ ወታሃደራት ምስ ረኣዩ፡ ነብሲ-ወከፍ ሰብ ተስፋ ቆረጸ።

ተስፋ ቆሪጾም ልክዕ ከምቶም ኣብቲ ኩርኳሕ ዝደቀሱ ሰባት ንኽድቅሱ ግን ዕድል ኣይረኸቡን። ማእለያ ዘይብሉ ተኵሲ ጠያይቲ ተሰምዐ። ሰብ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ክፋል ናይ’ቲ ካንሸሎ ክሃድም ጀመረ። የውሃንስ ልክዕ ከምቶም ካልኦት፡ መጽለሊ እንተረኽበ ላዕልን ታሕትን ክብል ጀመረ።

ብዙሓት ሰባት ግዳይ ጠያይቲ ኮኑ። እቲ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ናብቲ ፊቶም ዝነበረ ነዊሕ መንደቕ ተጸቓቒጡ ክጽጋዕ ጀመረ። እቲ ቶኽሲ ይቕጽል፡ እቶም ወተሃደራት ድማ እንዳተጸግዕዎም ይመጹ። ድምጺ ጠያይቲ በርትዐ። ብዝሒ እቲ ኣብ መሬት ዝወድቕ ሰብ ድማ ክብ በለ። በቶም ብጥይት ታሃሪሞም ዝወደቑ ሰባት ተዓንቂፉ ዝወድቕ ሰብ ማእለያ ኣይነበሮን። መዉደቒኡ ብዘየገድስ ብኣባትርን ጫማ እግሮምን እቶም ወታሃደራትን ከምሕሱም ደሃኽዎም።

የውሃንስ ነቶም ዝወደቑ እንዳ ነጠረ ኣብ ዝጎየሉ ዝንበረ ህሞት፡ ጥይት ብየምናይ ወገን ሕቖኡ በሲዓ፥ ደረቱ ቀዲዳ ወጸት። ሽዑ ንሹዑ ድማ ክምብል በለ፡ እንተኾነ ግን ብቕጽበት መሊሱ ተንሰአ። ብኣፍንጭኡ ደም ስለዝወሓዘ፡ ብየእዳዉ ሓንሰሶ። እቲ ደም ናይ’ቲ ዝወደቖ መሰሎ። ምስ ምሉእ ሓይሉ ድማ ተጸቓቒጡ ምስቶም ብፍርሒ ሪዒዶም ዝነበሩ ብጾቱ ተጸገዐ። ነብሱ ኣብ ዝተረጋግአሉ እዋን፡ ዛሕሊ ከምኡ’ውን ሽቕታ ኣብ የማናይ ጎኑ ስለዝተሰመዖ፡ ተቐላጢፉ ኢዱ ሰዲዱ ሃስስ በለ። ነቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ደም ንምዕጋት ድማ ማልይኡ ብምውጻ፡ ነቲ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ወዲ ክኣስረሉ ተወከሶ። ገጥ ኣቢሉ ድማ ኣሰረሉ። ምስቲ ዝነበረ ጽቕጥቅጥን ነብሰይ ኣውጽእኒ ዓቕለ-ጽበት ብምንባሩ ንየውሃንስ ከምቲ ዝድለ ክግደሰሉ ዝኻኣለ ሰብ ኣይነበረን።

ርእሶም ዝተፈግኡ፡ ጥይት ብሰለፎም ዝተብስዑ ብዙሓት ነበሩ። እቶም ወታሃደራት ድማ ብቕድሚት ኮይኖም ካብ ምቕጥቃጥ ዓዲ ኣይወዓሉን። እቲ ዝነበርዎ ቦታ ሽሕ ግዜ እኳ ከፋት ኣየር እንተ ነበሮ። ካብ እምብዛ ምጭቕጫቕ ዝተላዕለ ብዙሕ ሰብ ሕጽረት ኣየር ኣጋጢሙዎ ሃለዋቱ ንዘጥፍአ ተተሰኪሞም ንቕድሚት የሕልፍዎም ነበሩ። ኣብ ቅድሚት ምስ ሓለፉ ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ንምርግጋጽ ብኣባትር ወታሃደራት ኢዮም ዝፍተሹ ዝነበሩ። ዓቕሉ ጸቢቡዎ ካብቲ ተኾርምይሉ ዝነበረ ቦታ ዝተንስአ ሰብ ድማ፡ ብደንጎላ ይውቃዕ።

ሙሉእ ለይቲ ነቶም ኣብ ቅድሚት ወዲቖም ዝነበሩ ሰባት ናብ ሆስፒታል ንምብጻሕ ኣምቡላንሳ ክትመላለስ ሓደረት። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ማኪና ዝተሰቕለ 90 ዲግሪ ብዝዝወር መብራህቲ፡ ነቲ ተኾርሚዩ ዝነበረ ሰብ ይሕልውዎ ነበሩ።

ኣብቲ ህሞት የውሃንስ ሽሕ እኳ ክቱር ቃንዛ እንተነበሮ ክትንስእ እውን ዓቕሚ ስለዘይነበሮ፡ ነታ ተኾርሚዩላ ዝነበረ ኩርኳሕ መሬት ኢዩ መሪጹ። ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ኣርበዓን ሓሙሽተን ምሸት ብጥይት ዝተሃርመ፡ ሰዓት ሽዱሽተን ኣርበዓን ወጋሕታ ኢዩ ናብ ሕክምና ተወሲዱ። ናይቶም ሰብ ክለቕሙ ዝሓደሩ ዋርድያ እዛዚ ሽጉጡ ዓጢቑ፡ ልክዕ ከም ኣብ ኵናት ዝተዓወተ፡ የማነ ጸጋም ወዲቖም ዝነበሩ ሰባት በእጋሩ እንዳ ረገጸ ህልዋትን ምዉታንን ይፈሊ ነበረ። ኣብ ማእከል ኣትዩ ሃሰስ ኣብ ዝብለሉ ዝንበረ እዋን፡ ሓደ ሙሉእ ሚሊታሪ ዝገበረ ወታሃደር ህይወቱ ሓሊፋ ድሮ ነቂጹ ብምንባሩ፡ ካብቲ ቦታ ንኽኣልይዎ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ንየወሃንስ እውን ብየእጋሩ ህላዌኡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ተናኺፉ፡ “ያላ ኣልዕልዎ” ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።

የውሃንስ ሳንቦ ሳንቦ’ሎም ክወስድዎ እንከለዉ፡ ትልኽ’ዩ ዝብል ነይሩ። ናብታ ተዳልያ ዝነበረት ኣምቡላንሳ ክስቀል እንከሎ የዒንቲ የውሃንስ ክስነፋ ጀመራ።

የውሃንስ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ ተበራቢሩ። ንኽዛረብ እውን ዓቕሚ ኣይነበሮን። ነታ ደኺማ ዝነበረት ህይወቱ ብወታሃደራት ክትሕሎ ምስ ረኣያ፡ ጽውጽዋይ ኮይኑ ተሰመዖ። ከመይሲ ክዛረብ ኢሉ ክፍትን እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኣካላቱ ኮይኖም ንኸይዛረብ ዓጊቶሞ ዘለዉ ኮይኑ ስለ ዝተሰመዖ። ሳንብኡ ተተንክያ ብምንባራ፡ ብሓገዝ ሓካይም ብመሰናግልኡ ወገን ተቀዲዱ ብዝነበረ ቦታ የተንፍስ ምንባሩ ዲሒሩ ኢዩ ዝተገንዘበ። ነቶም ጻዕዳ ክዳን ለቢሶም ዝነበሩ ሓኻይም፥ ብውሽጢ ልቡ ጥራሕ ኣመስገኖም። ሓደ ካብቶም ሓካይም ግን፡ ንየውሃንስ ዝተረደኦ`ዩ ዝመስል። ከመይሲ፡ ንጨጉሪ ርእሱ እንዳደረዘ፥ “ኣጆኻ፥ ሓዊኻ ኢኻ” ስለ ዝበሎ።

ንየውሃንስ ተሰኪሞም ናብ ኣምቡላንሳ ክሰቕልዎ እንከለዉ ዝረኣየ ወዲ ገዛውቱ፡ ካብ ዓዲ ኣቤቶ ምስ ወጸ፡ ንኣደ የውሃንስ ተቐላጢፉ ሓበረን። ኣደ የውሃንስ ሃጽ እንበላ ደሃይ ወደን ክሓታ ሓሊበት በጽሓ። ይኹን እምበር ደሃይ ወደን ዘይኮነ፡ ነቲ ወደን ኣብ ሆስፒላል ከምዘሎ ዝነገረን ሰብ በፍንጭአን ከምጽእኦ ከምዘለወን ብምፍርራሕ፡ ካብ ኣፍደገ እቲ ሆስፒታል ከም ከልቢ ተባረራ።

ካብታ እዋን ኣትሒዞም የውሃንስን ኣዲኡን ኣይተራኸቡን። ወደን ብህይወት እንተደኣ ሃልዩ ንነብሰን ከም ዕድለኛ ቆጺረን ነዛ ንዓይነን ክሪየኦ ወትሩ ጸሎተን ምስ ኣዕረጋ ኢየን።

ኮይኑ’ውን የውሃንስ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ ብእግሪ ተጓዒዙ፡ ልክዕ ከም’ቶም ካልኦት ብጾቱ መሬት ሱዳን ረገጸ። እታ ፋልመይቲ ሩፍታ ዝፈጠረት ስልኪ ብምድዋል ክሳብ ቂም ኢላ እትዕጾ ምስ ኣዲኡ ኣዉግዐ። ኣደ የውሃንስ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ድምጺ ወደን ብምስምዐን ዝተሰምዐን ሓጎስ ደረት-ኣልቦ ነበረ። ነቲ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ኣሰቃቒ ህይወት ቤተ-ማእሰርቲ ምዕጢር፡ የውሃንስ ወደን ዝሰዓሮ ብሳላ ጸሎተን ምንባሩ ብእግዚኣቢሄር ኣምላኸን ስለ ዘይተጠራጠራ፡ “ተመስገን ፈጣሪ ኩሉ ዓለም፡ ከም’ቲ ጸሎተይ ዝሰማዕካኒ፡ ሕጅ’ውን ኣሕሊፍካ ከይትህቦ ናባኻ የማዕቑቦ ኣለኹ” ብምባል ገጸን ኣማዕቲበን፡ ነታ ዘረበአን እንከይወደኣ ዝኾለፈተን ተሌፎን ቀዉ ኢለን እንዳጠመታ።

ተፈጸመ!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • ahmed saleh October 28, 2013

    As it says ; YOU RIP WHAT YOU SOW , now we start to witness the result of its consequences . Unfortunately , our youngsters have been paying the price . Inte zey tedefani si men mis atzdefeni . They push them too far to the edge forced to take dangerous decisions out frustration to escape from their authority . Believe me , ISSAYAS have an
    agenda not to see the people enjoy the fruit of freedom . If the United Nation gave a second round of referendum ,
    I bet the outcome will be different because what the heck you have to choose between the past and the present evil
    inside the environment .
    The present one didn’t give them support , hope ………. nothing at all but only continuous deceptive promises
    which ruin their young age and their future .

    • ahmed saleh October 28, 2013

      The ones who are betrayed in here are our heroes MARTYRS , they didn’t gave their life for these !

  • ERITRAWIT October 28, 2013

    Tezareb Adi-abeto,Tezareb EraEro, Tezareb shella,Tezareb Container,Tezareb under,Tezareb Villa!!!!!!how many Eritrean people been killed? how many Eritrean they lost there mind?how many……………….??????for all this is it only Isaias responsible or our real brother(Eritreans) the devil mind they have serving the hidden Isaias ajenda?I will say all let’s keep all the information we have they will pay for the crime they committed.
    Brother Yohannes you could work and support u family but isaias he does’t want any one to work and support their family I feel u pain I hope you will see you mum soon thank you.

  • kilite mot October 28, 2013

    The truth is DIA is against the Eritrean people. He has worked for that starting joining the front.Now the delay to join to fight against thesr tyrant regime is because he worked hard to not see the out come of being a martyr by the following reasons
    1 He purposely made the families of martyr live in poverty. By only givinh them false promises.
    2 He purposely dumped, made them live in poverty and even killed our heroic disabled veterans by only giving them false promises.
    3 He dumped all demobized fighters and made sure live in poverty.
    So now looking to all these factors we all chose to be internet army while the people and the nation is fragmented and failed not to be the same victims of the above mentioned factors.

  • Abdu October 28, 2013

    Oh ! Thanx it’s a happy ending for Yiohannes & his mother. But; the root cause of all the interruption is still expanding by the evil dictator regime . So; unless otherwise uprooted and dismantle the corrupt system there will be still the suffering; so to shorten the totalitarian regime; the regime that is breathing in life support we have to unite all of us regardless of our political believe and we will disconnect the plug .

  • ahmed October 28, 2013

    እታ መምሸት እቲአ አዘኪርካኒ ፣ወቅቱ ጾም ሮመዳን እዩ ኔሩ ፣እቶም ጾምና ዝዋዓልና ፣ጠያይት እያ ኮይና ፎጡርና (ጾም መፍቶሕና)፣ጠያይት ምስተኮሱልና ዝተሃረሙ ኢልና እንተሐተትናዮም ጋሕ በሉ እያ መልሶም ፣ካብቲ ዘጉህየካ ድማ ሃገራዊ አገልጉሎት እዮም እቶም ጋሕ በሉ ዝብሉና ዝነበሩ ፣እንተ ኮነ ካብ ቡሱል ጥረ ከምዝባሃል ፣ሐደ ካብቶም ሓለውቲ ቅርብ ኢሉ ረኢና ፣ሐቆም እዮም ተሃሪሞም አለዎ ኢሉ ምስ ነገሮም እዮም ፣ነቶም ዝተሃርሙ አልዒሎሞም ፣12 ዝኮኑ ዝመቱ አልዒሎም ወሲዶሞም ።

    • zemen October 28, 2013

      እቲ እዋን ብርግጽ ጾም ኢዩ ነይሩ። ነቲ ዝነበረ ኩነታት ብዓቕመይ ክገልጾ ኢየ ፈቲነ። ብዙሕ ነገር ዝጎደሎ ከም ዘሎ ኣይዘንጋዕኩን። ግዜ ነዊሑ፡ ኣብ እእምሮይ ድማ ኩሉ ግዜ ይርብሸኒ ነይሩ። እዚ ጺሒፍካዮ ዘለካ ድማ መቕጸልታ ናይዚ ዛንታ ኢዩ እሞ ብጣዕሚ የመስግነካ።

POST A COMMENT