Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውፍይቲ ኤርትራዊት ተቓላሲት ተኽኣ ጸጋይ መኮነን ብዝሓደራ ሕማም ዓሪፋ፡ ስነስርዓት ቀብራ ሎሚ 11 ግንቦት 2018 ኣብ ኦክላንድ ተፈጺሙ።

ውፍይቲ ተቓላሲት ተኽኣ ጸጋይ መኮነን፡ ብዝሓደራ ሕማም ሰኑይ 7 ግንቦት 2018 ኣብ እትነብረሉ ከተማ ኦክላንድ/በርክሊ ካሊፎርንያ ኣብ ሕክምና ዓሪፋ። ስነ-ስርዓት ቀብራ ከኣ ሎሚ ዓርቢ 11 ግንቦት 2018 ኣብ ኦክላንድ/በርክሊ ተፈጺሙ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ተቓላሲት ተኽኣ

ውፍይቲ ተቓላሲት ተኽኣ ጸጋይ መኮነን፡ ብዝሓደራ ሕማም ሰኑይ 7 ግንቦት 2018 ኣብ እትነብረሉ ከተማ ኦክላንድ/በርክሊ ካሊፎርንያ ኣብ ሕክምና ዓሪፋ። ስነ-ስርዓት ቀብራ ከኣ ሎሚ ዓርቢ 11 ግንቦት 2018 ኣብ ኦክላንድ/በርክሊ ተፈጺሙ።

ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ተቓላሲት ተኽኣ ጸጋይ፡ ኣብ ፈለማ ሰብዓታት ኣብ ኤርትራ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ምኽንያት ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ኣቋሪጻ ተሰዲዳ ናብ ሮማ ዓዲ ጥልያን ኣትያ።

ተኽኣ ልዑል ናይ ትምህርቲ ባህግን ድሌትን ስለዝነበራ፡ ነቲ ከቢድ ናይ ስደት ህይወት ገጢማ ኣብ ሮማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶሾዮሎጂ ኣጽኒዓ። ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት፡ ስደት ቀጺላ ንኣመሪካ ብምእታው ድማ ትምህርታ ዛዚማቶ።

ውፍይቲ ኤርትራዊት ተኽኣ ጸጋይ፡ ብዝነበራ ዝድነቕ ፍልጠትን ክእለት ህዝባዊ ርክባትን ኣብ ዞባዊ ምምሕዳር ካሊፎርንያ ከም ሶሻል ዎርከር (Social worker) ተቖጺራ ዝተፈላለየ ሓገዝ ንዘድልዮም ጽጉማትን ስደተኛታትን ዝደገፈት ደላይትን ገባሪትን ጽቡቕ እያ።

ተኽኣ ምድረ ስደት ካብ ዝረገጸትሉ እዋን ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተወዲባ ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝገበራ ውፉያት ደቀንስትዮ ሓንቲ ክትከውን ከላ፡፡ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ኣኼባታት፡ እንተላይ ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ ከም ወኪል ሰሜን ኣመሪካ ብንጥፈት እጃማ ዘበርከተት ሓርበኛ ኤርትራዊት እያ።

እዛ ካብ ዕድመ ንእስነታ ክሳብ ዕለተ-ዕረፍታ ካብ ቃልሲ ዘይበኾረት ውፍይቲ፡፡ ኣብ ኤርትራ ምልኪ ነጊሱ ፍትሒ ምስተረግጸ `ውን ግዝኣተ ሕጊ ክሰፍን፡፡ ሃገር በቲ ስውኣት ኤርትራን ህዝባን ኣሚኖም ዝተቓለሱሉ ዕላማታትን መትከላትን ክትምራሕን፡፡ ቅዋማዊ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከልን፡ክሳብ ዕለተ ዕረፍታ ኣበርቲዓ ክትቃለስ ዝጸንሐት ሃገራዊት እያ።

ተኽኣ “መንእሰያት ዘይብላ ሃገር – ተስፋ የብላን!” ብምባል ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንእተሰዱ ኤርትራውያን መንእሰያት ብምእካብ፡ ኣብ ሃገረ-ስደት ዘሎ ዕድላት ተጠቒሞም ክመሃሩን ነብሶም ከማዕብሉን ዘተባብዐት ኣደ-ኩሉ `ውን እያ ነይራ።

እታ ከም ኣካል ናይቲ እተካይዶ ዝነበረት ሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ፡ ሞራላዊ ምትብባዓን ገንዘባዊ ደገፋን ዘይተፈለያ ድምጺ ኣሰና ከኣ፡ ብሞት ተቓላሲት ተኽኣ ጸጋይ ዝተሰመዓ ሓዘን እናገለጸት፡ ነታ ክሳብ ዕለተ ሞታ ከይተሓለለት ሃገራዊ እጃማ ዘበርከተት ውፍይቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ ትብል፡ ንስድራቤታን መቕርባን፡ ንፈተውታን መቓልስታን `ውን ጽንዓት ትምነየሎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Wedi Hager May 12, 2018

    Like all those who spent much of their adult age working for freedom of their people, but were not fortunate enough even to be buried in the land they loved so much, she too died crying for justice away from Eritrea.
    May God accept her in his Heavens.
    May her soul rest in peace..

POST A COMMENT