Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዑዉር፡ ይመሰለለይ ተዓሊም (ብደብረ)

ዑዉር፡ ይመሰለለይ ተዓሊም (ብደብረ) ኣብ 1999፡ ምስ 'ቲ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ፡ ዕድሜና ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከተና፡ሊዕሊ ኣርብዓ ክሳብ ሓምሳ ዓመት ዝኾንና፡ ኣባላት ዑቁር ሰራዊት ተባሂልና ንሳዋ ወሪድና ነይርና። ኣብ ሳዋ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል ብወተሃደራዊ  ሳይንስ ተዓሊምና። ሽዑኡ ዝተዓለምና ብቕዓት

ዑዉር ይመሰለለይ ተዓሊም
(ብደብረ)

ኣብ 1999፡ ምስ ‘ቲ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ፡ ዕድሜና ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከተና፡ሊዕሊ ኣርብዓ ክሳብ ሓምሳ ዓመት ዝኾንና፡ ኣባላት ዑቁር ሰራዊት ተባሂልና ንሳዋ ወሪድና ነይርና። ኣብ ሳዋ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል ብወተሃደራዊ  ሳይንስ ተዓሊምና። ሽዑኡ ዝተዓለምና ብቕዓት እንተዘይነበረናውን ምስቲ ዝነበረ ኹነታት፡ ስሚዒትን ሃገራውነትን ነቲ ተዓሊም ብልቢ ዝተቐበልናዮ (ሕሙማት ገዲፍካ) ብዙሓት ኢና።

 

እዚ ናይ ትማሊ ተዓሊም ህዝባዊ ሰራዊት ግን ብዓይነቱ ይኹን ብብዝሑ ካብቲ ቀዳማይ ተዓሊም ዕቁር ሰራዊት ዝተፈለየ ‘ዩ። እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ሓደ ገደብ ዕድመ የብሉን። ሓገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከቶም ሊዕሊ ኣርብዓ ዓመት ክሳብ ሰብዓ ዓመት ዝኣተዉ ኣቦታትን ኣደታትን ኣብቲ ተዓሊም ከምዝሳተፉ ተገይሩ። እቲ ካልኣይ ፍሉይ ዝገብሮ ጥዑዩ ካብ ሑሙም ኣይፈልን ‘ዩ። ሕዱር ሕማይ (ከም ሕማም ሽኮር) ዘለዎም፡ ርኡይ ስንክልና ዘለዎም፡ ዋላ ወረቀት ሕክምና ይኹን ቦርድ ዘለዎም ንኽዕለሙ ወይ ኣብ ተዓሊም ቦታ ንኽመጹ ይግደዱ ስለዝነበሩ ‘ዩ። እቲ ሳልሳይ ፍሉይ ዝገብሮ ኩሉ ወጻኢታት ተዓሊም ካብ ተዓላማይ ይድለ ምንባሩ ‘ዩ። ናይ ሳዋ ተዓሊም እን ተወሓደ እኹል እንተ ዘይነብረም፡ ናይ መግብኻ፡ ሕክምና፡ ጽሬትካ፡ ወተሃዳራዊ ክዳውንቲ ዝበሃሉ ወጻኢታት ይሽፍን ነይሩ።  እዚ ተዓሊም ‘ዚ ግን ኩሉ ወጻኢታት ካብ ርእስኻ ኮይኑ ምስ ውርደቱ ‘ዩ። ሕጽረት ማይ ብፍላጥ ኣብዝሃለወሉ፡ ድሕሪ ተዓሊም ነፍስኻ ትሕጸበሉ ማይ ምርካብ ‘ውን እቲ ካልእ ጸገም እዩ። ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ማእከል ሕክምና ‘ውን ኣይነበረን።  እቲ ዝኸፍአ ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ ናይ ኩሉ ሰብ ልቢ ዘሕዘነን ዘጉሃየን፡ እቶም መራሖ (መራሕ መስርዕ፡……) ተባሂሎም ተመዚዞም ዘለዉ ‘ዮም። ሓደ ክልተ ንጣር ገዲፍካ ኩሎም ብሕማቅ ባህሪያትም ወይ ግብሮም ዝሕመዩ እዮም። ኣብ ከባቢኦም ብቅብባል ወረ ዝፍለጡ ወይ ኣብ ጊዜ ስርዓት ደርጊ ብሕማቕ ግብሪ ዝፍለጡ ወይ ኣብ ከባቢኦም ብዕውልናን ስኻርን ዝፍለጡ ‘ዮም መራሕቲ ክኾኑ ዝተገብረ።

 

ተዓሊም  ንጉሆ ምድሪ ቅድሚ ከብዲ ኣድጊ ምምሳሉ ‘ዩ ዝጅምር። ቅድሚ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ። ድሕሪ ተዓሊም ናይ ዕለት እንጌራ ንምእራይ ኣብ ምዱብ ስራሕኻ ነፍስኻ ከይተሓጸብኻ ትወፍር። ወዲ ሓምሳ፡ ሱሳ ሰብዓ ዓመት ኣቦታት ደቂኣንስትዮ ብግዲ ክዕለሙ ምርእይ ዘሕዝን ተርእዮ እዩ። ምስ ዝነበረና ጥሜት (መብዛሕቱ ሰብ መኣዛዊ መግቢ ኣይኮነን ከብዲ የዐንጊሉ ዘሕድር እኹል መግቢ ኣብ ገዝኡ ኣብዘይብሉ) ዘብ ዘቡን ኣይንኽእሎን ኢና ኔርና። ቀልጢፍና ንደክም። ሙሉእ መዓልቲ ከኣ ፈዚዝና ንውዕል።

ሓደ ኣብ ዓዲ ዓርበዓታት ዝርከብ ተዓላማይ ብዛዕባ ዕላማ እዚ ተዓሊም ምርዳእ ዝኣበዮ ‘ሞ ኣብ ሓደ ሕክያ ምስ ዓበይቲ ተዓለምቲ ኣቦታት የዕልል ነይሩ። ዕላሎም ብዛዕባ እዚ ተዓሊም እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ንሱ፡

“ኣንታ እንታይ ዝብልዎ ተዓሊም እዩ ‘ዚ?” ኢሉ ሓተተ ነቶም መተዓልልቱ።

ሓደ ዕብይ ዝበሉ ኣቦ ብሕትኡ ተገሪሞም “ዑዉር!” በልዎ። እታ ዑዉር ትብል ቃል ኣብ ጫፍ ምልሓሶም ዝጸንሐት ይመስል ድርብይ እዮም ኣቢሎማ።

“እንታይ ማለት ‘ካ ኢኻ?” ክብል ሓተቱ ካልኣይ ኣቦ።

እቶም ኣቦ ቁሩብ ሕስብ ኣቢሎም “ዑዉር ደኣ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ስለዘይርእዮ ብሃሰስ መሰስ ‘ዩ ዝኸይድ። ሜዳ ይጽንሓዮ ዓቐብ ኣይፈልዮን ‘ዩ፡ ብይመሰለለይ ‘ዩ ድስጉም። ሜዳ እንተጸንሆ ተዓዊተ ይብል፡ ኣብጸድፊ እንተጸደፈ ከኣ ብዑረቱ ኣመኽንዩ የጽቅጥ።” በልዎም።

“ዕዉር ዲኹም ዝበልኩምኒ?” ደጊሙ ሓተተ እቲ ሓታታይ ብመልሲ እዞም ኣቦ ተገሪሙ።

“ከምኡ ‘ዩ እቲ መልሲ ዝወደይ፡” በሉ እቶም ካልኣይ ኣቦ፡ ሓሳብ መዘነኦም ቀልጢፉ ተረዲእዎም። ቀጺሎም “ኣነ ንዓኻ እወልደካየ። ግን ከኣ እነሆ ምሳኻ እዕለም ኣለኹ። ደይ መፋቕድቲ ጥራይ ኢና ንኸውን። ካብኡ ሓሊፍና ደኣ እንታይ ኢና ክንገብር። እዞም ከምዚ ከማይ ዕድመ ዘለዎም ኣዛውንት ተዓሊምና እንታይ ኢና ከነፍሪ? ሓሊና ኣይነድምዕ ተዋጊእና ኣይነድምዕ። እኳ ደኣ ሸኽም ኢና ንኸውን።” በሉ። ቀሰይ ኢሎም ዝጀመርዎ ዘረባ ኣብ መወዳእቱስ ናብ ኣንጸርጽሮት ኣብጺሖሞ ነይሮም።

እቶም ቀዳማይ ኣቦ ትቅብል ኣቢሎም “ኣስተብህል ‘ሞ ዝወደይ፡ ‘እግረይ ፍልይሊይ ኢሉ ምጉያይ ሲኢነ’ ኢለ ነቲ ዓላማይ እንተነግርክዎ ‘ደሓን ኣቦ ናይ ዕቕሙኹም ፈትኑ ኢሉ ምኻድ ከሊኡኒ። እዚስ ምስምንታይ ትቆጽሮ!!” በሉዎ ነቲ ሓታታይ።

ክሊቲኦም መዛኑ ብሓሳብ ዝተረዳድኡ ‘ዮም ዝመስሉ። ነዚ ተዓሊም ብዑዉር መሲሎሞ። ናይ ዘበንና ዑዉራት ብዙሕ ተክኖሎጅይ ዘምጽኦ መሳርሒ እንዳተጠቀሙ ከባቢኦም ኣጸቢቆም እዮም ዝፈልጡ። እዚ ተዓሊም ግን ከም ዞም ኣቦታት ዝበልዎ ፍጹም ዑዉር ‘ዩ። ከባቢኡ ክፈሊ ዘይክእል፡ ብይመሰለለይ ዝምራሕ ተዓሊም።

ወዲ ጌረ ኢልና ኢና ንጽውዖ። ጎረቤተይ ‘ዩ። ኣከዳድናኡ ኤለጋንተ። ብፍላይ ሓኖይ ኤለጋንተ ኢሉ ‘ዩ ዝጽውዖ። ንጹህ ካምቻ ምስከራባትን ባድላን ሳእኑን መኻድንቱ ‘የን። ኣመራርጻ ሕብሪ ፍሉይ ‘ዩ። ሓደ ጊዜ እንዳ ተዓለምና ኮለና ወዲ ገረ ኣብስግርና ምስ ብዙሓት ኮይኑ ይዕዘበና ነበረ። እቶም ኣብ ተዓሊም ዝነበርና ዘብ-ዘብ ንብል ነበርና። ግን ንሱሙ እዩ ‘ምበር ተዳኺምና ኢና ነርና። ኣነ ‘ሞ ተዳኺመ ንይረ። ዓላሚየይ ነዚ ኣስተብሂሉ ይመስለኒ ከዕርፍ ኣፍቂድለይ። ኣነም ወዲ ጌረ ናብ ዝነበሮ ቦታ ከድኩ። ኣብ ጥቁኡ ምስ በጻሕኹ፡

“ኣንታ ቅሩብ ደይትሓፍር፡ በዓል ሓኖይ ‘ኤለጋንተ ኤለጋንተ’ እንተበሉኻስ ‘ኤለጋንተ’ ኮንካ ዲኻ ናብ ተዓሊም ትመጽእ፡ ወይስ ናይ ትዕዝብቲ ሽመት ረኽብካ ኢኻ ሸነን እንዳልካ ትዕዘበና ዘሎኻ?” በልክዎ እንዳቀለድኩ።

“ኣንታ ዓርከርይ፡ ደይ በዚኣ ገይረ ንስራሕ ክኸይድ ደልየ ’ምበር። ገዛ በጺሐ ክሳብ ዝቀያይርን ዝቆርስን ኣዝዩ ክረፍደኒ ‘ዩ። ዓርክኻ ከኣ ዋዛ ኣይኮነን ምኽንያት ከይረኽበለይ።” በለኒ ንሱም ብተርኡ እንዳተውዘየ። ካብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ወጺኡ ዘወን ዘወን ክብል ምስረኣኽዎ ኣብ ናይ ዓርከይ ትካል ከምዝቁጸር ጌረዮ። ደመወዙ ከኣ ሰለስተ ዕጽፊ ካብቲ ናይ መንግስቲ ኮይኑሉ።

ኣነም “ኤለጋንተ ምዃን ካብ ተዓሊም የድሕን ድዩ? ጽባሕ ንዓኻ ክንመስል። ናይ ዓቅምኻ ከምዚ ከማና ግዳ ደይትፍትን።” በልክዎ ፍሽኽ ክብል እንዳፈተንኩ። እታ ናይ ዓቅምኻ ደይትፍትን ዝበልክዎ ኸኣ ብናይ ዓለምትና ቛንቋ ምዃኑ እዩ። ዓለምትና “ኣይክእልን ‘የ፡ ደኪመ ‘የ፡ ሕሙም’ የ፡ ሰባር ‘የ፡ ” እንተልካዮም፡ “ደሓን ናይ ዓቕምኻ ፈትን” ኢዮም ዝብሉኻ።

ወዲ ገረ ” ሽመቱ ካበይ ክርከብ፡ በዓል ኣያኻ ቑርዲድ ቀዲሞምና ‘ዮም። እንተ እዛ ተዓሊም ኽዕለም ግን ኣይክእልን ‘የ።”  ኢሉኒ ህድእ ኢሉ። ኣነ ከኣ ኩሉ ሰብ ሰባር ‘የ፡ ሕሙም ‘የ፡ ተሸንጢረ፡ እንዳበለ እንድዩ ዘመኽንይ፣ ከምኡ መሲሉኒ፡

“እንታይ ኮንካ ደይትኽእል ክትልግም ደሊኻ ‘ምበር። ኣይ ኣያታትካ እንድዮም ዝደራገሙ ዘለዉ” ኢለ ከምዋዛ።

“እታ ምልጋምሲ ኣባኻ እያ ዘላ። ክዕዘበካ ‘ድየ ጸኒሐ። እንተ ዝኽእል ንዓይ ምሓሸኒ ዓርከይ!እንታይ እሞ ሰባር ኮይነ ‘ምበር መርኣኹኻ ነይረ።” በለኒ እህህታ ብዘለዎ ቃና።

ወዲ ገረ ክኸይድ ከሎ ጠለይ ጠለይ እንዳበለ ‘ዩ ዝስጉም። ከምሕንካስ። ነዚኣ ዘኪረ፡ ስንብድ ኢለ “እንታይ መስበርቱ!! ናይ መዓስ ድኣ ‘ዩ?” በልክዎ። ብውሽጠይ ገለ እንዳተሰማዓኒ።
” ሓጺን ኣብ እግረይ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ዑቁር ሰራዊት ክንነጥፍ ኮለና በዚ እንዳገርጊስ እየ ተወዚዐ ነይረ። ድፋዕና ከኣ ኣብ ሊዕሊ ጎቦ እዩ ነይሩ። ማይ ብጀሪካን ተሸኪመ ክድይብ ከለኹ ኣብ ስንኩፍ ረጊጸ እየ ይመስለኒ ሸተት ኢለ ድዋዕ ኢለ ወዲቀ። ድሕሪኡ ‘ሞ እንታይ ክብለካየ፡ ጸድፊ እዩ ነይሩ ተንከራሪወ ተንከራሪወ ክሳብ ታሓቲ በጺሐ” በለኒ ተዘክሮታቱ እንዳሓደሰን ከም ምስትንታን እንዳበለን። “ንዓ ‘ሞ ዓርከይ ነዚ ርአ፡ ነዚ እንዳረእዩስ ናይ ግድን ተዓለም ይብሉኒ!” ንስሪኡ ንላዕሊ ሲሒቡ እታ ሓጺን ኣበይ ከምዘላ እርኢኒ። ነፍሰይ ተዘዝ ኢሊኒ። ንወዲ ገረ ብኸምዚ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን ‘የ። ክዳን ዝሽፍኖ ብዙሕ ሕቡእ ነገራት ለካ ኣሎ፡ ከምዚ ናይ ወዲ ገረ። ሰብ ለካ ብውሽጣ ብዙሕ ጼራ እያ ትኸይድ ዘላ ኢለ ሓሰብኩ።
“እሞ ገለ ናይ ሕክምና ወረቀት የብልካን ዲኻ?”
“ንስኻ ከኣ ናይ ቦርድ ኣርኤዮም፡ ክሳብ ዝውሰነልካ ጽናሕ ኢሎምኒ። ክዕለም ኣይክእልንየ እንተበልክዎም ከኣ፡ ደሓን ኣብቲ ናይ ተዓሊም ቦታ ጥራይ ተረኸብሞ ኣቴንዳስ ኣመዝግብካ ኪድ ኢሎምኒ፡ እነሆልካ ንግሆ ንግሆ ንኣቴንዳስ እመጽእ ኣለኹ።” በለኒ ከም ምንጽርጻር እንዳበለ። ቀጺሉ “እዞም ኩሎም ኣብዚ ጻሕ ኢሎም ትርእዮም ዘሎኻ፡ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም እዮም። ከምዚ ከማይ ንኣቴንዳስ እዮም መጺኦም። ሎሚ ግዳ ኣብዚ ዕድመ እዚ መን ጸገም ዘይብሉ። ኩሉ ሰብ ጸገም ኣለዎ።  ኣብ ዕድመና ዝመጻና ናጤባ እዩ።” በለ።
እቶም ብጸግዒ ኮይኖም ዝዕዘቡ ዘለዉ ካብ ቶም ኣብ ተዓሊም ዘብ ዘብ ዝብሉ ይዛይዱ ‘ምበር ኣይውሕዱን እዮም።  ወዲ ገረ ዓርከይ ከምዝበሎ “ናጤባ ‘ዩ።”
ንቀልድ ኢለ ዘምጻእኽዎ ዕላል ኣንፈቱ ቀይሩ ንወዲ ገረ ዓርከይ ናብ ናይ ተዘክሮ ዓለም ኣጥሒሉ፡ ሒዚዎ ዕዝር ኢሉ ከይዱ።  በኻ ተሪፋትኒ፡ ኢለ ንነፍሰይ ወቀስክዋ። ግን ከኣ ዝበዝሐ ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋሁ እዩ ዝነብር ዘሎ። ኣብ ቅልውላው። ሓታቲ ተሳኢኑ ‘ምበር፡ ኩላ ሰብ እንተትሕተት ጉድ ዘብል ጸገማት ምተጻሕፈ ነይሩ። ሓታቲ የለን፡ ህዝቢ ከኣ ጸገሙ ዝፈልጠሉ የብሉን። ዘራይ ዘይብሉ ትውልዲ።

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ካብ ሓዉኹም

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • crystal clear February 25, 2015

    pfdj has no shame.

  • berhe February 26, 2015

    Hawey Adetat terifen alewa, n satenwun keysieba yikidenena HGDEF zeygebro yebilun, betekalie wegen kea xibuk eyu, ezi kulu seb hade mealti ab mihixar edimie nay HGDEF kiwafer eyu, nay mealti guday eyu ajoka

  • Felega February 26, 2015

    ግርም ሓሳብ ዘለዎ ታሪኽ።

  • Kbbrom medhanie March 8, 2015

    Essayass iertrawi aymeslenn ,ksae kndzi hzbu endategefea zeygdso jacet nay kalie tekedinu seb wedieu, seb ktnkek alewo, zeykrmtka husa hutsa kortmelu ybhale, ms ethiopia bselam kftah zkel ab dem yeetiwo, mhurat wediiewom, adetat zfelteo slezeyblen they clap their hands, menfesawyan wedieewom, hzbi eritrea kesent zmetse eyu, of course he is tembien grown up in tselot, habtamat akisiruwom, entay ygebr kem zelo yfelt dyu, msgorebetka keman ktredadae aleka, hgdef kulom keman kab ehiopia eyom zwledu,…
    ezi zgerm zeben eyu, eritreawian, tebit gedifom bselam knebru with international policy or national tezekielom hanti trgum zeyblu zegnet eyu,..God bless us all, sdetegna,…

POST A COMMENT