Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ! (ዓለምለኻዊ ተበግሶ)

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ! (ዓለምለኻዊ ተበግሶ)   መደብ ትግባረ ንምክያድ ምርጫታት ኣካባቢያዊ ባይቶ   ነሓሰ 17፡ 2016 መለለዪ ቁ.፡ 08/2016/04/001   ተልእኾ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ፡-   ቀንዲ ተልእኾ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ  ህዝባዊ ምንቅስቓስ  (ካብዚ ንደሓር ዓለምለኻዊ ተበግሶ ተባሂሉ ይጸሓፍ) ንኹሎም ኤርትራውያን

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ!

(ዓለምለኻዊ ተበግሶ)

 

መደብ ትግባረ ንምክያድ ምርጫታት ኣካባቢያዊ ባይቶ

 

ነሓሰ 17፡ 2016

መለለዪ ቁ.፡ 08/2016/04/001

 

ተልእኾ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ፡-  

ቀንዲ ተልእኾ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ  ህዝባዊ ምንቅስቓስ  (ካብዚ ንደሓር ዓለምለኻዊ ተበግሶ ተባሂሉ ይጸሓፍ) ንኹሎም ኤርትራውያን ተሓታትን ነባርን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ንጡፍ ተሳፎ ዘበርክቱሉ መንገዲ ንምጽራግ ኢዩ።

መዝነትን ደረትን ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡-

መዝነት ዓለምለኻዊ ተበግሶ: ዳያስፖራ (ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ) ኤርትራውያን፡ ኣካባቢያዊ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን ባይቶታት ከቑሙን፣ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ህዝባዊ መንገዲ ብምጥቃም፡  ሕጋውያን ዓለምለኻዊ መራሕቲ ክመርጹ ንኽኽእሉ ምስራሕ ኢዩ።  ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናብ ንቑሕን ስሙርን ዓለምለኻዊ መሪሕነት ዘተኰረ ተራድኦኣዊ ኣሳላጢ ድኣ`ምበር፡ ንስልጣን ዝወዳደር ኣካል ኣይኮነን። ዓለምለኻዊ ተበግሶ ዛጊት ንህዝቢ ይጥርንፉ ናይ ዘለዉ ካልኦት ጻዕሪ ምድጋም ኣይህቅንን፣ ወይ ኣባላት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ዝኾነ ናይ መሪሕነት ቦታ ንምሓዝ ባህጊ የብሎምን።

መእተዊ

ኣብ ሃገርና እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዝኸይድ ዘሎ ብርግጽ ዘይሳቐ ኤርትራዊ የለን ክበሃል ዝከኣል`ዩ። እንተ ኾነ ግን፡ ነቲ ኹሉ  ነድርን ብስጭትን፡ ኣብ ሃገርና ንእወንታዊ ለውጢ ሓይሊ ንኽኸውን ነትርበሉ ኣጋባብ ገና ኣይረኸብናን።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ  ኩሎም ኤርትራውያን ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተኻእለ ኣብ ዝሓጸረ  ጊዜ ዘኸትመሉ፡ ብንጥፈት ንኺኣትዉ መንገዲ ምጽራግ ኢዩ።

እቲ ክንእመኖ ዘለና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና እወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ነጢፎም ካብ ምስታፍ ዓጊቱዎም ዘሎ፡ ሃገርና ንምድሓን፡ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ወኪሉ ንጥፈታት ዘወሃህድ፡ ስሙር ህዝብን/ናይ ዜጋ ትካላትን፡ ብድሞክራሲያዊ ኣጋባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነትን ብዘይምህላው ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተባታቲንና ናይ ዘሎና ኤርትራውያን ሓይልን ጸጋታትን ናጻ ዝፈትሑን ዝውልዑን ሰረታት ትካላትን መራሕትን የድልዩና።

 

ህዝቢ ኤርትራ/ህዝባዊ ምንቅስቓስ

እዚ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ (ካብዚ ንደሓር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተባሂሉ ይጸሓፍ) ንነፍስ ወከፍን ንኹሉን ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ፡ ኣብ ድሕነትን ህዱእ ምስግጋርን ኤርትራ ናብ ደሞክራሲያውን ቅዋማውን ምምሕዳር ንጡፍ ተራ ንኺጻቱ ንምግባር ካብ ታሕቲ ንላዕሊ መንገዲ ዝተወደበ፡ ዜጋ ዝመሰረቱ፡ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኢዩ። ኣብ ነናይ ኣካባቢኦም ወይ ከተማታት ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዜጋታት`ዮም መሰረት ህዝባዊ ምንቅስቓስ። ስለዚ፡ እቲ መሰረታዊ ኣቃዋውማ ህዝባዊ ምንቅስቓስ  ኣብ ኣካባቢ/ከተማታት ናይ ዝነብሩ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣካባቢያዊ ባይቶ – ባይቶ ዓዲ ኢዩ።  ኣብ ዞባ/ሃገር፡ ኣካባቢያዊ ባይቶ ዓዲ ብደረጃ ዞባ ተኣሳሲሮም ዞባዊ ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ የቝሙ። ኩለን ዞባታት ዓለምለኻዊ ባይቶ ሃገራዊ ህዝብዊ ባይቶ ብምቛም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ይሰምራን ይተኣሳሰራን። ዓለምለኻዊ ባይቶ፡ ናብ ድሕነትን ደሞክራሲያዊ ምሕደራን ዘሰጋግር ዕዉት ቅርጸ መንገዲ መሪሕ ዝትራተጂ ይስእል፣ ነቲ መሪሕ ስትራተጂ ብምሉእ  ስልጣናት  ዝፍጽምን  ኣብ ግብሪ ዝትርጉምን ፈጻሚ ኣካል ይመርጽ።

ተራ ዓለምለኻዊ መሪሕነት

እቲ ቀንዲ ተራ ዓለምለኻዊ  መሪሕነት፡ ምስ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ንመላኺ ስርዓት ንምእላይን፡ ንሃገር ናብ ደሞክራሲ ዘሰጋግር  መሰረትን መደብን፡ ውጽኢታዊ ናይ ኣሰራርሓ ስትራተጂ ምስኣል`ዩ። እቲ ሓላፍነት ዓለምለኻዊ  መሪሕነት ናይ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን፡ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብሩን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑን ኤርትራውያን፡ ተፈላጥነትን ረዲአትን ንምርካብ`ዩ። ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ንምውካል ዝተመርጸ ኾይኑ፡ ብስም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተባታተኑ ኤርትራውያን ብዝኾነ መልክዕ ንኺዛረብን፡ ንኺሰርሕን ምሉእ ውክልናን ሕጋውነትን ኪህልዎ ኢዩ። ብመንገዲ ውጽኢታዊ ዝኾነ ጽዑቕን፡ ዲፕሎማስያዊ ጐስጓስን፡ እዚ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ  ንምልካዊ ስርዓት  ዘልምስ ጽዑቕ  ጸቕጢ ንኺገብሩን፣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎዉ ናይ ለውጢ ኣካላት መሰረታዊ ለውጢታት ንኸምጽኡ ሞራላውን ንዋታውን ሓገዝ የበርክት።

መስርሕ ምቛም ባይቶታትን ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነታትን፡-

እቲ መስርሕ ምቛም ናይ ሰለስተ ጽፍሒ ባይቶታትን ምምራጽ ፈጻሚ ዓለምለኻዊ መሪሕነታትን ክልተ ኣገደስቲ ገጻት ዝሓዘ`ዩ፡- ምልዕዓልን ምውዳብን።

1ይ ገጽ፡- ምልዕዓል ኩሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተበታተኑ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡-

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምስ ኩሎም ህዝቢ – ብካብ ታሕቲ-ንላዕሊ መንገዲ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ንዝርከቡ  ኤርትራውያን ንኽልዓሉን ኣካል ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኪኾኑ ይጥርንፍ። ውጽኢታዊ መደብ ትግባረ ብምጥቃምን ተግባራውያን ጋንታታት ብምውፋርን፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኣውስትራሊያ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣመሪካን፡ ደቡብ ኣመሪካን ንኤርትራውያን ክጥርንፍ ኢዩ። እቲ ናይ ምጥርናፍ ንጥፈታት ንህዝባዊ መምሃሪ ሰረታት ዝኸውን ብዝተወሃሃደ ጻዕሪ ምድላውን ምሕታምን ሰነዳትን ዓንቀጻትን፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣስተምህሮታትን ኣኼባታትን ምክያድ፣ አለክትሮኒካዊ ህዝባዊ ርክብ ብምጥቃም፡ ብዘሎ ማዕከን ህዝባዊ ርክባት፡ ውጽኢታዊ ናይ ማዕከን ስትራተጂ ምስርጫው ሓበሬታን ርክብን የጠቓልል።

2ይ ገጽ፡- ምውዳብ ህዝባዊ ባይቶታትን ምምራጽ ዓለምለኻዊ ፈጻሚ መሪሕነታትን፡-

ሀ. እቲ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቕስ መባእታውን መሰረታውን ባይቶ – ባይቶ ዓዲ ኢዩ። ኣምር ባይቶ ዓዲ ካብቲ ውርሻና ዝኾነ ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዓዲ ዝተወስደ ኢዩ። ናይ ነፍስ ወከፍ ኣካባቢ/ከተማ ዓቕሚ ኣዳምን ሀዋንን ዝበጽሑ ኤትራውያን ደለይቲ ፍትሒ  ኣባላት ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ ኪኾኑ ብቑዓት ኢዮም። ባይቶ ዓዲ ኣብ ኣካባቢ/ከተማ ንዝርከቡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብምምጻእ፡ ኣብ ናይ ፍትሕን፡ ደሞክራስን ሓርነትን ሓባር ዕላማ የስምሮም። ብተውሳኺ፡ ናይ ዕድሎም ንጡፋት ወነንቲ ዝኾኑሉን፣ ኣብ ምውሳንን ምትግባርን ጉዳያት ሃገር ንጡፋት ተሳተፍቲ ዝኾኑሉን መድረኽ ይፈጥረሎም። እቲ ነዊሕ ዕላማ ባይቶ ዓዲ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ  ጐድኒ ህዝቢ ንምምጻእን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምስዓርን ኢዩ። ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ ኣብቲ ሰፊሕ ቅጥዒ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝተመስረተ፡ ንከባቢኡ መደብ ንጥፈትን ውሽጣዊ ዓንዲ ሕግን የጽድቕ፣ ነዞም ዝስዕቡ ኽኣ ይመርጽ፡-

  1. ኣፈኛ ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ፣ ኣባላት ፈጻሚ ቦርድን ኣባላት ተቛጻጻሪ ቦርድን። ቍጽሪ ኣባላት ፈጻሚ ቦርድን፡ ኣባላት ተቛጻጻሪ ቦርድን ብነፍስ ወከፍ ኣካባቢ ይውሰን።
  2. ወከልቲ ናይ ኣካባቢ/ከተማ (ወከልቲ ባይቶ ዓዲ) ናብ ዞባዊ ባይቶን ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስን።

ለ. ዞባዊ ባይቶ፡-  ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ዘሎዉ ኤርትራውያን ናይ ከባቢ ወከልቶም ምስ መረጹ፡ እቲ ዝስዕብ ስጉምቲ እዞም ዝተመረጹ ወከልቲ ተራኺቦም ናይ ሃገሮም ወከልቲ ይመርጹ፤ እንደገና  ብኽፍሊ ዓለም ደረጃ፡  ናይ ዞባኦም ወከልቲ ይመርጹ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዞባዊ ባይቶ ነተን ኣብ ዞባኣ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ከባቢ ባይቶታት ዓዲ ንምውህሃድ ኢዩ። ናይ ዞባ ባይቶታት ኣብ ደረጃ ዞባ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንጥፈታት የወሃህድ፣ኣብቲ ዞባ ኽኣ ንናይ ህግደፍ ንጥፈታት ንምስዓር ይሰርሕ።

ሐ. ዓለምለኻዊ ባይቶ፡- እቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም – ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኣውስትራሊያ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣመሪካን ካልኦትን፡ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስ  ናይ ኤርትራውያን ወከልቲ ብምክያድ፡ ፈጻሚ ኣካል ዝምዝዝ ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራውያን ምምራጽ ኢዩ። ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራዊያን፡ ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ/ዜጋታት ኣብ ወጻኢ ዝተበታተኑ ኤርትራውያን፡ ዝልመትን (ምስርጣይን) ህዝብና ንኸብቅዕ፡ ንግፍዐይና ምልካዊ ስርዓት ንምስዓር፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምትካል ድምጾምን ጸጋታቶምን ዘስምሩሉ ዓለምለኻዊ ኣካል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። እቲ ዝተመረጸ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንድሕነትን ስሉጥ ምስግጋር ኤርትራ ናብ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዘረጋግጽ መሪሕ ናይ ዓወት ስትራተጅን ስእለ-መንገድን ኪነድፍ`ዩ፤ ናይቲ መሪሕ ስትራተጂ ናይ ምፍጻምን ምትግባርን ምሉእ ስልጣን ዝህልዎ ፈጻሚ መሪሕነት ክኣ ይመርጽ።

ኪነታዊ (ተክኒካዊ) ዝርዝራት ምልዕዓልን ምምራጽ መራሕቲ ናይ ኣካባቢ ባይቶን፡-

  1. ኣብ ዝኾነ ዓለም ብውሑዱ ኤርትራውያን ኣብ ዘለዉሉ፡ ልዑል ምልላይ ዝተገብረሉ ናይ ኩሎም ኣብ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓፈሻዊ ኣኼባ ኪጽዋዕ ኣሎዎ። እዚ ኣብ ነፍስ ወከፍ ከባቢ ንዘሎዉ ኩሎም ኤርትራውያን ንምብጻሕ ጽዑቕ ጐስጓስ የድልዮ። ንኹሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ነቶም ናይ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት) ወይ ናይ ኤርትራ ረድዮ ፕሮግራማት ባብ ዘይብሎም ውሑዳን ጕጅለ ንምዕዳሞም ዕቱብ ጻዕሪ ኪግበር ኢዩ። እቲ ናይ ኣብ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንሓፈሻዊ ኣኼባን ኣስተምህሮታትን (ሰሚናራት) መጸዋዕታ ብዓረብኛን፡ እንግሊዝኛን፡ ትግርኛን፡ ትግረን፡ ወይ ዝኾነ ካልእ ኣብ ከባብቢ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ብሰፊሕ ዝዝረበሉ ብቑዕ ቋንቋ ኪጸሓፍ ኢዩ። እቲ መግለጺ (ኣዋጅ) ብጽሑፍ፡ ብመልክዕ ናይ ተለፎን መልእኽታት፣ ወብሳይታት፣ መዳባት ራዲዮ፣ ኣስተምህሮታትን (ሰሚናራት) መደብ መጽናዕትታትን ኪሰራጮ ኢዩ፤ ከምኡ ኽኣ፡ ኤርትራውያን ብተድጋጋሚ ኣብ ዝመላለሱሉ ቦታታት፡ ከም ቤት ክርስቲያናት፡ መስጊዳት፡ ማሕበረሰባዊ (ኮምዩኒቲ) ማእከላት፡ ቤት መግብታትን ባራትን ብሰፊሑ ኪዝርጋሕ ኢዩ።ሓፈሻዊ ኣኼባታት ምጽዋዕ ኣኻሊ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ሃገር ንምድሓን ተሳትፎኦም ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ኪርድኡዎ የድሊ።
  2. ዕድሚኦም 18 ዓመታትን ልዕሊኡን፡ ነቲ ተልእኾ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝኸተሙ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣባላት ባይቶ ዓዲ ኪኾኑ ብቑዓት ኢዮም። ሓደ ሰብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ነጢፉ ይመርሕ ወይ ይውክል እንተ ድኣ ኣሊዩ፡ ፖለቲካዊ ሰልፊ እናመርሐ ወይ እናወከለ ኸሎ ናይ ባይቶ ዓዲ በዓል-መዚ/ወካሊ ኪኸውን ቀጥታዊ ናይ ረብሓ ግርጭት ኪህሉ`ዩ። ሰብ መዝን ዝተመረጹ ወከልትን ባይቶ ዓዲ ካብ ናይ ረብሓ ግርጭት ሓራ ኪኾኑ ኣሎዎም።
  3. ነፍስ ወከፍ ናይ ኣካባቢ ባይቶ ክመርጾ ዘሎዎ፡- ኣብ ዞባዊ ባይቶን ዓለምለኻዊ ኣኼባን/ባይቶ ንኽሳተፉ ኣባላት ይመርጽ። ናይ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉባኤታት ሕጹያት ቍጽሪ ብመሰረት እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣካባቢ ናይ ዝተመዝገቡ ኣባላት ብዝሒ ብተመጣጣኒ ውክልና ኪውሰን ኢዩ።
  4. ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናይ ከባቢ ባይቶታት መስርሕ ምርጫ ሰብ መዚ፡ ዞባዊ ወከልትን፡ እቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ኣኼባ/ዓለምለኻዊ ባይቶ ንዝሳተፉ ቀንዲ ሓላፍነቶም ምስሳይ ዝኾነ ናይ ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ምርጫታት ሽማግለ ከቕውም ኢዩ። ናይ ምርጫ ሽማግለ በቶም ነቲ “ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን“ ዝፈረሙን፡ ናይ ምጥርናፍን ጋንታ ምርጫታትን ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣባላት ንምዃን ተገዳስነት ዘርኣዩን ውልቀሰባት ይቐውም።

 

  1. ተራ ናይ ምርጫ ሽማግለ፡-
  • ተልእኾ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምስ ዝድግፉ ናይ ካባቢ ነጠፍቲ ብምትሕብባር፡ ውሑዳት ኤርትራውያን ኣብ ዘለዉወን ከተማታት ኣብ ምውጣንን፡ ምውዳብን፡ ምርጫታት ኣብ ምክያድን ይሕግዝ።
  • ኣብ ናይ ኤርትራውያን ማዕከናት (ወብሳይታት)፡ መደባት ረዲዮ፡ ዝወጽእን፡ ኣብ ኤርትራውያን ብተደጋጋሚ ዝመላለሱሉ ቦታታት – ከም መስጊዳት፡ ቤት ክርስቲያናት፡ ማሕበረሰባዊ ማእከላት (ኮምዩኒቲ)፡ ቤት መግብታትን ባራትን ዝዝርጋሕ  ናይ ምልላይ ጽሑፋት ምድላው።
  • ናይ ዝተረቝሑ ወይ ኣብ ምርጫ ኪኣትዉ ፍቓደኛታት ናይ ዝኾኑ ውልቀሰባት ብቕዓት ምርግጋጽ።
  • ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን ኣኼባታት ናይ ዝሳተፉ ብዝሒ ዝተመረጹ ኣባላት ምውሳን።
  • ሓራን ቅኑዕን ምርጫታት ኪካየድ ምቍጽጻር።
  1. ምኽታም “ወግዓዊ ስምምዕ“፡-  ንርእሱ/ርእሳ ናብ ናይ ምርጫ ውድድር ዘቕረበ/ት  ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ/ትን  ነፍስ ወከፍ ዝመርጽን፡ ክልተ ቅዳሓት ናይቲ  “ወግዓዊ ስምምዕ“ ፡ ምስ ምሉእ ስሙ/ስማ፡ ኣድራሻ፡ ተለፎንን ናይ ኢ-መይል (e-mail) ኣድራሻን ኣብኡ  (ኣብ ታሕቲ ዘሎ መመላእታ ተመልከት/ቲ) የስፍር። ሓደ ቅዳሕ ምስቲ ናይ ኣካባቢ ናይ ምርጫ ሽማግለ ኪተሓዝ ኢዩ፤ እቲ ካልእ ቅዳሕ ኽኣ ናብቲ ንምርጫታት ዝቆጻጸር ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ብፋክስ፡  ኢ-መይል (e-mail) ወይ ብፖስጣ ኪለኣኽ ኢዩ።  
  2. ናይ ጊዜ ገደብ፡- ኣብ ከባብን ኣህጉራውን ጽፍሒታት ንዚግበር ምርጫታት ንምቅልጣፍ ኩሉ ነገር ቅድሚ ምውዳእ 2016 ኪፍጸም ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • PH August 18, 2016

    ኢዚ ተበጉሶዚ ንኩሉ ዘጋ ብፍላይ ነቶም ብማሕበር ወይ ውድብ ተጠርኒፎም ዘልዉ ንምስ ሳን ሓጋዚ ኢዩ።ሓንቲ ውድብ ሃገራውን ደሞክራስያውን ባይቶ ህዝቢ ኣሚና ደገፋ ምስ ትህብ ሕጋውን ውሑሱን ህዝባዊ መንግስቲ ክህልወና ግድን ኢዩ።ዝመረጽናዮ ሹም ይህልወና።ብውሑዱ ሕጊ ጫካ ዘይኮነ ሕጊ ኢንዳባ ክህልወና ኢዩ ንጽዓር በጃኹም ትብለና ኣላ ዳዕሮ ጽላል ሽም!

POST A COMMENT