Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለም ዘገረመ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ 2016

ኣብዚ ወርሒዚ ሕዳር 2016፡ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ ናይ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ክትዕ ካብ ልዙብ ናይ ሃገር እትምርሓሉ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን፡ ስነ-ሐሳባትን፡ ፖሊሲታትን ዝርሐቐ ዘይንቡርን ኣሰካፍን እዩ ኔሩ። ወ/ሮ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ ሓፈሻዊ ሃገርዊ ደረጃ ማለት፡ ኣብ

ኣብዚ ወርሒዚ ሕዳር 2016፡ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ ናይ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ክትዕ ካብ ልዙብ ናይ ሃገር እትምርሓሉ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን፡ ስነ-ሐሳባትን፡ ፖሊሲታትን ዝርሐቐ ዘይንቡርን ኣሰካፍን እዩ ኔሩ። ወ/ሮ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ ሓፈሻዊ ሃገርዊ ደረጃ ማለት፡ ኣብ ፖፕላር ምርጫ ብኽልተ ሚልዮን ቐዲመን ክንሰን፡ እቲ ቑጽሪ ግን ኣብ ክፍለ-መንግስታት ተመጣጠነ ዝርጋሒ ስለዘይነበሮ፡ ኣብ ኤለክቶራል ምርጫ ኣይተዓወታን። ይኹን እምበር፡ በቲ ኣወንታዊ ሸነኹ ክርኣ ከሎ፡ ዳርጋ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ደቒ ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ ሕጋዊ መሰለን ዝረጋገጻሉ እዋን፡ ንመጀመርያ ጊዜ ጋል-ኣንስተይቲ ብወገን ደሞክራት-ፓርቲ ንፕረዚደንትነት ተሐጽያን ክትወዳደር ምብቓዓ፡ ኣብ ፖሊቲካዊ ታሪኽ ናይ ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ ናይ መጀመርያ ጊዜ ምኻኑ ጽቡቕ ኣብነታዊ አርአያ እዩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ተመኩሮታት ወ/ሮ ሂለሪ ክሊንተን ንምጥቓስ፡ ከም ሰነተር (Senator)፡ ቐጺለን እውን ከም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር (Secretary of State)፡ ከምኡውን ከም ፈርስት ለይዲ (First Lady) ብምኻን ሃገረን ኣገልጊለን። ኣብ ኣህጉራዊ ተፈላጥነተን እንተኮነ እውን ሰፊሕ እዩ። ናብ ሃገርና ኤርትራ እውን ኣብ ሓምለ 1997 ዑደት ኣካይደን ኔረን፡ ሰለዚ ብዛዕባ ሃገርና ይኩን ባህልና  ጽቡቕ ኣፍልጦ ኣለወን።

ኣብዚ መላእ ዓለምን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣሜሪካን ዘይተጸበዮ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2016፡ ደሞክራት ወ/ሮ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ ፓለቲካዊ ፍልሰፍናን ስነ-ሓሳብ ኮነ ፖሊሲታት ከም መቐጸልታ፡ ናይቶም hilary
ደሞክራት ኣፍሪቓዊ-ኣሜሪካዊ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፡ ንክልተ ወቕቲ (Term) ሕጊ ዘፍቕደሎም ወዲኦም ስልጣን ዝገድፉ ዘለዉ ብምኻን፡ ሃገር እትምርሓሉ ካብ ናይ ደሞክራት-ፓርቲ ማእከላይ፡ ማለት ናይ ሰንትሪስት (centrist) ኣጀንዳ ሒዘን እየን ተወዳዲረን። መወዳድርተን ብወገን ረፑብሊካን-ፓርቲ ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ናይ ንግዲ-ውራይን ሃብትን ዝተታሓሓዘ ተፈላጥነት እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ተምኹሮ ምሕደራ-ህዝቢ ታሪኽ ዘይጸንሖም፡ ከምኡውን ንከም ናይ ሕ/መ/ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ብዝሐ-ዓልየታዊ ሕብረተ-ሰብ ክመርሑ፡ ቅጥዐ-ምግባር ማለት (ethic) ዝጎድሎም ኮይኖም፡ ካብ ናይ ረፕብሊካን ፓርቲ ሕሉፍ-ሃገራውነት ዘጥቅዖም፡ የማናዊ ማለት (ultra nationalist right wing) ስነ-ሐሳብ ወይ ኣጀንዳ ዝሓዙ እዮም። ኣብ መስርሕ ምርጫ፡ ሃገር እትምርሓሉ መትከላት ብዝርዝር ከየነጸሩ፡ ኣሜሪካ ብኻብ ዝተፈለለዩ ክፍለ-ዓለማት ዝመጹ ኣህዛብ ዝቆመት ሃገር ምኻና፡ ኣብ ግምት ዘየእቱ ጎስጋስ ብምክያድ፡ ነቲ መንግስትን ህዝብን ኣሜሪካ ዝሕበንሉ መሰረታዊ ኣምር ማለት ሃገርና ናይ ሐርነትን ዕድላትን ዝርከባ መሬየት እያ (Land of freedom & opportunity) ዝብል ራኢ ብጋህዲ ዝጻረር ርእይቶታት ከም ኣብነት፡ ወጻእተኛታት ክንሰጉግ ኢና ወጻእተኛታት ከይኣትውና መንደቕ ክንሰርሕ ኢና ወዘተ ዝብሉ፡ ዕሸላዊ ፖለቲካዊ ጎስጋሳት ዝገብሩ ኣቶ ትርምፕ፡ እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግን፡ እቶም በዚ መደረታት እዚ ዝተደራበሹ፡ ቀንዲ ዓበይቲን ጸለውቲን ማዕኸናት-ዜናታት-ዓለም ዝንቡዕን ዘይርትዓዊን ገምጋም መስርሕ ምርጫ ከመሓላልፉ ብምጽንሖም፡ ኣቶ ትርምፕ ከም መበል 45 ፕረዚደንት ሕ/መ/ኣሜሪካ ኮእይኖም ምምራጾም፡ ከኣ፡ ንመላእ ዓለም ኮነ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ዘይተጸበዮ ዘገርም ውጽኢት ኮይኑዎ።

ኣብ ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ትሕታይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ድርቢ ዝነብር ክፋል ሕብረተሰብ፡ ካብቶም ክልተ ቀንዲ ፓርትታት ደሞክራት ይኹን ረፓኣብሊካን፡ ኣብ ሂወቱ ለውጢ ንኸምጽእሉ ተስፋ ዝቖረጸ ኮይኑ፡ ነቲ ትሑት መነባብሮ ሂወቱ ተቐቢሉ ናይ ምምራጽ መሰሉ እውን ከም ብዝሑ ኣይጥቐመሉን እዩ። ኣብዚ ናይ 2016 ምርጫ፡ ካብቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዝነበሮም 231 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ 134 ሚልዮን ኣብ ምምራጽ ክካፈሉ ከለዉ፡ 97 ሚልዮን ግን ኣብ ምርጫ ኣይተሳተፉን። እቲ ናይ ምምራጽ መሰሉ ብብዝሒ ዝጥቐመሉ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ፡ እቲ ላዕለዋይን ማእከላይን ማሕበረ-ቁጠባዊ ደርቢ እዩ። ኣብዞም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብሰንኪ ቁጠባዊ ዝሕታለ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደርቢ፡ መብዛሕትኡ ጻዓዳ፡ ብትምህርቲ ብዙሕ ዘይደፍአ ሰራሕተኛ ክፍል ሕብረተ ሰብ፡ እቲ ዝነብሮ ጥጡሕ ቁጠባዊ-መናባብሮ ስለ ዝሰኣነ፡ ከምኡውን ኣብ ዓለምለከ ናይ ኣሜሪካ ልዕልነት እንዳተዳኸመ ይመጽእ ኣሎ ዝብል ናይ ስግኣትን ተነጽሎን ስሚዒት ዘሕደረ እዩ። እዚ ክፋል ሕብረተ-ሰብ እዚ፡ ካብቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ናይ ደሞክራት ይኹኑ ረፑሊካን ማለት (establishment) ጽልኣት ኣሕዲሩን ለውጢ ከናዲ ዝጸንሐ ክፋል ሕብረተ-ሰብ እውን እዩ። ነዚ ክውንነት እዚ ከኣ፡ ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዘይሐትት ዘመናዊ ተክኖሎጂ መራኸቢ-ብዙሃን ተጠቂሞም ከም ስትራተጂ ምርጭኦም ተጠቒሞምሉ እዮም።

ኣብ መስርሕ ምርጫ: ናይ ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ትርምፕ፡ ኣብ ዘረብኦም ሰነ ስርዓት ዝጎደሎ ካብ ዝኾነ መራሒ ዘይትጽበዮ ዘይተኣደነ ንዕቐት ኣብ ልዕሊ ደቒ-ኣንስትዮ፡ ኣካለ-ጽጉማን፡ ውጻእተኛታት ከምኡውን ብተደጋጋሚ ኣሜሪካ እንድገና ሓያል ክንገብራ ኢና፡ በዓልፕረዚደንት ባራክ-ኦባማን ሂለሪ ክሊንተንን ኣብ ዓለም-ለኸ ንኣሜሪካ ኣዳኺሞማ፡ ከምኡውን ጸረ ወጻእተኛ ህዝቢ ዝፈለሊ ሐፈሻዊ ሐረጋት ብምቕላሕ፡ ከብቲ ብዝኾነ ለውጢ ከናዲ ዝጸንሐ ማእከላይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደርቢ ጥጡሕ ናብርኡ ዝሰኣነ ሰረሕተኛ ክፋል ሕብርተ ሰብ፡ ከምኡውን ካብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ራዲካል ናሽናሊስት፡ ብናይ ጻዕዳ ልዕለና ዝኣምኑ፡ ዓቢ ደገፍ ብምርካብ፡ ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ትርምፕ ክዕወቱ ኪኢሎም። ነዚ ክውንነት እዚ ኣብ ገምጋም ዘየእተዉ ዓበይቲ ናይ ዓለም ማዕከናት ዜና ግን፡ ነቲ ሓቐኛ ስእሊ ከቓልሑ ዘይምብቅዖም፡ ውጽኢት ምርጫ ሃንደበትን ዘገርምን ኮይኑ።

ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኣሜሪካ፡ ከም ውጽኢት ምርጫ ዝርአ ዘሎ ተቓውሞታትን ናይ ፖለቲካ ክትዓትን ብፍላይ ብወገን መንእሰያት፡ ንቐጻሊ ህዝባዊ-ምንቅስቓስ ዘሕይል ይመስል። ገለ ካብቶም መሰረታዊ  ፍትሓት ዘድልዮም ፖሊቲካውን ማሕበራውን ሽግራት፡ ብመጀመርያ ናይ ኮርፖረሽናት ገንዘብባዊ-ምወላ ካብ መስርሕ ፖለቲካዊ-ምርጫ ክእለ ክኽእል ኣለዎ፡ ስለምንታይ ብገንዘቦም ዝተመርጸ መራሒ ንሐቐኛ ረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ክሰርሕ፡ ዘይሕሰብ እዩ። ከምኡውን ገንዘባዊ ምህርቲ-እቶት ከምኡውን ምኽዕባት ሃብታን፡ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ማለት (income and wealth gap) ኣዝዩ ገፊሕን ዘይ-ፍትሓዊን ስለዝኾነ ቅጥዒ ክግበረሉ ይግባእ። ኣብ ሐደ ሃረር፡ ውሑዳት ሐደ ወይ ክልተ ሚእታዊት ናይ ሕብረተ-ሰብ ከም በዓል ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዘይተኣደነ እቶት ከኻዕብቱ ከለዉ፡ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ክፋል ኣብ ታሕተዋይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደርቢ ዝነብር ግን፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብኽብሪ ናብራ እንዳተሸገረ ክነብር ፍትሓዊ ኣይኮነን። ኣብ ከም ሕ/መ/ ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ሃብታም ሃገር፡ ንኹሉ ዝባጻሕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዘይምህላዉ ህዝቢ ክሽገር፡ ክምኡውን በቲ እንዳኽበረ ዝኸይድ ዘሎ ናይ  ለዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክፍሊት ማለት ትውሽን፡ ነቲ ናይ ድኻን ሃብታምን ጋግ መሊሱ ዘስፍሕ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ሃገር ማሕበራዊ-ፍትሒ ኣሎ ክብሃል እንተኾይኑ፡ ንበይኑ ውልቓዊ-ሐርነት ብዘይ ቑጠባዊ-ሐርነት ምሉእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ክውን ንምግባር ግን፡ ናይ ብሐቒ ሐልዮት ህዝቢ ዘለዎም ንቐንዲ መሰረታው ጸገማት ህዝቢ ብዕላማ ዝሰርሑ፡ ካብ ደሞክራት ኣብ ጸጋማዊ ክንፊ ዝርከቡ ከም ብዓል ሰነተር በርኒ-ሳንደርስ ዝኣመሰሉ ፖለቲካዊ መራሕቲ ምስዝምረጹ፡ በቲ ካልእ ሸንኽ ከኣ፡ ህዝቢ መሰሉ ተጠቒሙ ኣብ ምርጫ ዜግነታዊ ግብኡ ምስ ዝገብር እዩ።

ተኽኣ ጸጋይ                                                                                                                     በርክሊካሊፎርንያ ሕ/መ/ኣሜሪካ                                                                                  ሕዳር 24 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde November 26, 2016

    My mother’s traditional dress fits her very well. Impeccably written article Teka’a.Does Trump’s demeanor and rhetoric remind you of someone familiar? I recall of a Washington political insider saying,’it is the middle to democracy.’However, this is the U.S of A. where the instruments of checks and balances are intact unlike adi halo where the light switch and water faucet of the nation is located in the tyrants bathroom.

  • Eritreawit November 26, 2016

    Kindey ke yexebiqla u , tilfi , Anes nea ye merixe nere, gin mebzhatom hizbnna , Kabta neza kidan tekhedinna zitemelsitla 1998, 2 werhi keman aygebrin , Hagernna nab dxelmat zishmeme kunat telailu. 60 alata Hilary Mestana yihabki dimm ailuwa hizbnna , Silezia khea tesira , LOL may be. Karma will get you.

  • hidat November 26, 2016

    Tixelos tifetwo hibka afanwo Beal clinton si neza alem entay sile zigeberala eyu emo seb kimerxen???<hizbi aytazebka ..Neza tilfi endarayet tinasahla mealti yemixeala.

POST A COMMENT