Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለቅትን መንዳዓትን ህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ መነጸር (ካልኣይ ክፋል) – ተንኮላትን ኣዕናዊ ሜላታትን የማነ ገብረኣብ

ካልኣይ ክፋል ተንኮላትን ኣዕናዊ ሜላታትን የማነ ገብረኣብ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ውልቀመላኺ ኢሳያስን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)፡ ብዘይካ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ትልኽ እናበለ ክቅጽል ዝዋስኦ ወሳኒ ተራ፡ ኢሳያስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስልጣኑ እንተዘይቀጺሉን ወይ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ንምትላልን ንኸምስልን፡ “ካብ

ካልኣይ ክፋል

ተንኮላትን ኣዕናዊ ሜላታትን የማነ ገብረኣብ

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ውልቀመላኺ ኢሳያስን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)፡ ብዘይካ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ትልኽ እናበለ ክቅጽል ዝዋስኦ ወሳኒ ተራ፡ ኢሳያስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስልጣኑ እንተዘይቀጺሉን ወይ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ንምትላልን ንኸምስልን፡ ካብ ስልጣነይ ተኣልየ ኢሉ ንየማነ ገብረኣብ ኣብ ቦታኡ ኣቀሚጡ ብድሕሪ መጋረጃ ንግስነቱ ምቅጻል’ዩ። ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ከምዝእምትዎ ድማ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ረብሓታቶም ንምሕላው፡ ነቲ ዜግነት ካልእ ሃገር ከምዘለዎ ዝእመን (ምናልባት’ውን ናይ ኣመሪካ) መተካእታ ኢሳያስ፡ የማነ ገብረኣብ ክኽውን ድሌት ከምዘለዎም ዝናፈስ ወረ’ሎ። ድሌታት ግዳምን የማነ ገብረኣብ ክሳብ መኣስ’ዩ የማናይ ኢድ ኢሳያስ ኮይኑ ክቅጽልን ብዘየገድስ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃንዳስን ጠጃእን እከይ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ’ዩ። ሚኒስተራት፡ ኣምባሰደራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ንምእሳር፡ ንምብራር ወይ ንምሻም፡ ቅርጺ መንግስቲ ኣብ ምቅያስ፡ ምስ ሃገራት ዝግበር ዝምድናታት ኣብ ምውሳን፡ ኣሰራርሓ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ኣብ ምንዳፍ፡ ዘርቅቅን ምስ ኢሳያስ ዝማኸርን እሙንን የማነ ገብረኣብ’ዩ።  ገለ ጠባያትን ብልሕን የማነ ገብረኣብ ንኢሳይስ ይሓልፎ’ዩ ንምባል ዘየድፍር’ኳ እንተኾነ፡ ሰባት ኣብ ምሽሓጥ፡ ምትላልን ዓሻ ተመሲልካ ድራሮም ወድኣሎምን ግን ተመን’ዩ። ኣካይዳ የማነ ገብረኣብ፡ ከም በዓል ጀነራል ፍሊጶስ ሰኺሩ ሰባት ኣይዝልፍን’ዩ፡ ዓጀውጅው ኣይብልን’ዩ። ሰላሕታዊ ኣሰራርሕኡ ግን ንኤርትራ፡ ዓቅሚ ሰባ፡ ንብረታን ክብራን ካብ ዘዕንዉ ዘለዉ ውሑዳት ሓደ’ዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ፍኒሕኒሕ ዝብል ሰብ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ከምዝስወርን ከምዝለምስን ዝገብር ሜላታት ህግደፍ ወጣኒኡ የማነ ገብረኣብ’ዩ።

የማነ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ እሙን ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ በዓልቲ ቤቱ ወይኒ ገረዝጊሄር፡ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ከጋጥም ጸኒሑ’ዩ። ወይኒ ከም ሰብ፡ ልዕሊ ኣብ በዓል ቤታ የማነ ዘሎዋ እምነት፡ አብ ልዕሊ ኢሳያስ ዝዛየደ እምነትን አክብሮትን ዘለዋ ፍጥርቲ ኢያ፡፡ ጠንቂ ናይዚ ድማ አብ ሐደ እዋን ኢሳያስ ብጾታዊ ስምዒት ተወሺምዋ ስለዝነበረ፡ አብ ሐዳር የማነን ወይኒን ክሳብ ፍትሕ ኣጋጢሙ ነይሩ። አብ መጨረሽታ ድማ ብባርኾት ኢሳያስ ድላያ ክትገብር ካብ ዝነበራ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን መስተን ንምግልጋል ተባሂሉ፡ ኢሳያስ ናብ ስዑድያ ኣብ ዝገሸሉ ተቀባሊቱ ክትከውንን፡ ንጅዳ ስዑድ ዓረብያ፡ ንሽሙ ብደረጃ ቆንስል ተመዲባ። መቀጸልታ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዞባታት ኤርትራን ወጻኢ ሃገራትን ወከልቲ ህግደፍን ኣባላት ሓዳስ ሰልፍን ብምምዳብ ንኻልኦት ምጽንጻን፡ ተቃወምቲ ንምህዳን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዝመትን ዝሕባእን ንምብረት ንምቅማጥን ዘካይዶ ውጥናት፡ ወይኒ ድማ ፈታዊትን እምንትን ኢሳያስ ብምዃን፡ ልዕሊ አምባሳደር ገባሪትን ሓዳጊትን ኮነት። ወይኒ ካብ ተቀማጦ ጅዳን ከባቢኡን፡ ብስም 2 ካብ ሚእቲ፡ መጠወሪ ስድራ ስውኣትን ካልእን ዝእከብ ገንዘብን ወርቅን ሐታቲ የብላን። ወይኒ ብዘይካ ምዱብ ወርሓዊ ደሞዝ፡ ብመንገዲ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ኢሳያስን፡ በዓልቤታ ዘይፈልጦ ማለት’ዩ፡ ንመወደቢ ሃሱሳትን መህደኒ ደለይቲ ፍትሕን ተባሂሉ’ውን ልዑል ዶላር’ዩ ዝምጠወላ።

ገባቲ ሃብቲ ኤርትራ ሓጎስ ገብረሂወት (ኽሻ)

ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ፡ ምንጪ እቶት ናይዞም ንህዝቢ ኤርትራ ዝጭፍጭፉ ዘለዉ፡ ካድራት ህግደፍ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ትካላት ጸጥታን ካልኦት ዕሱባትን ጥራይ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ከም ስርዓት ብኽልተ እግሩ ጠጠው ክብል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ራዕድን መቅዘፍትን ከካይድ፡ ኣብ ኤርትራን ወጻእን፡ ኣብ ስለያዊ ስራሓት ዝነጥፉ ሰለይቲ ክቆጽር፡ ኣበራት ህግደፍ ዝሓብኡን ኣወንታዊ መዳያት ጥራይ ዝገልጹን ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ክዕድግን ዘኽእሎ ዘሎ፡ እቲ ተቆጻጻርን ተወዳዳርን ዘይብሉ እቶት ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ’ዩ። ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ፡ ብስም ነብስኻ ምኽኣል ክጉልብት ዝጸንሐ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውንሓንሳብ ቀረብ ህዝቢ ንምምላእ ካልእ እዋን ድማ ስስዐ ነጋዶ ንምቁጽጽጻር ብዝብል ጉልባብ፡ ብነጻ ቀረጽ፡ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን መኽሰባቱን ክሳራራቱን ንህዝቢ ኤርትራ ከይተገልጸ፡ ንኻልኦት ኤርትራውያን ነጋዶ ዓብሊሉ ዕድላት ሓሪሙን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ይነጥፍን ቢልዮናት ዶላር እቶት ይረክብን። ኣብዚ ክክሓድ ዘይግብኦ፡ ህግደፍ ዝውንኖ ትካላት፡ ኣብ ምፍታሕ ማሕበራዊ ጸገማትን ምስልሳል ልምዓታዊ መደባትን ኣበርክቶ ኣይገበረን ማለት ኣይኮነን። እቲ ክምለስን ክስትብሃለሉን ዘለዎ ነጥቢ ግን፡ እቲ ካብ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ዝርከብ ደርማስ እቶት ክንደይ ካብ ሚእቲ’ዩ ኣብ መዓላ ህዝቢ ዝዋፈርን ኣብ ጁባታት ውልቀሰባት ዝኣቱን’ዩ። ብተወሳኺ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ንብረትን ገንዘብን ህዝቢ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ዕላማታትቱ’ዩ ዝጥቀመሉ። ንኣብነት ኣብ ኣስመራ ካብተን ህግደፍ ዝምውለንን ዝቆጻጸረንን፡ ብዱኳን ሕድሪ/ርትዒ ዝፍለጣ፡ መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣቁሑት ብንጽልን ብጅምላን ዘከፋፍላን ዝሸጣን ትካላት፡ንመግዝኢ ሃለኽቲ ኣቁሑት፡ ኩፖን ክትረክብ እንተኾይንካ፡ ቅድመ ኩነት፡ ህግደፍ ኣብ ዝዓደሞ ኣኼባታት፡ ጽምብላትን ጓይላታትን ከምዝተሳተፍካ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዘይምልከተካ ከተረጋግጽ ኣለካ፡፡ ስለዚ ፈቲኻ ጸሊእካ ብኣፍካን ብኢድካን ከይትታሓዝን ዝብላዕን ዝስተን ከይትሕረምን፡ ህግደፍ ዝበለካ ክትፍጽም ኣለካ። እታ ገንዘቡን ጉልበቱን ብዓቢኡ ድማ ክብርቲ ሂወቱ ዝበጀወላ ሃገር፡ ሎሚ ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ከም ጓና ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎምሂወት’ዩ ዘሕልፍ ዘሎ።  

ህግደፍ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ስለዝኾነ፡ ብቅዋም ዘይምእዘዝን ብህዝቢ ኤርትራ ስለዘይሕተትን፡ ዲጋታት ይተሃነጽ ወርቂ ይተሓፈስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይንታዩን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገርና ኣሎ ዝብሃል ዘሎ ጸጋታትን ሰላምን፡ ካብ ስደትን ጥሜትን ማእሰርትን ኣየድሕኖን’ዩ። ብዙሓት ናይ ቁጠባ ክኢላታት፡ ኤርትራ ጀሚራቶ ዘላ ኩዕታ ዕደና ቁጠባኣ ክዓቢ ዓቢ ዕድል ኣለዋ ኢሎም ትንተና ይህቡ ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ ብግዲኡ፡ ኣይበልናኩምን ተጻብኦ ስርዓት ወያነን ማሕበረሰብ ዓለምን መኪትና ናብ ጎደና ልምዓት ንምርሽ ኣሎናክብል ለይትን መዓልትን ይጀሃር ኣሎ። እቲ ቁምነገር ግን ኣብ ኤርትራ ክቡር መዓድናት ምርካቡን ቢልዮናት እቶት ክሕፈስ ምኽኣሉን ዘይኮነ፡ ኣብ ጁባ መን ይኣቱ’ሎ’ዩ። ይዕበ ይንኣስ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝብሃል ትካላት መንግስትን ደርማስ እቶት ዘለዎ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ዘካይድ ቀንዲ የማናይ ኢድ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኣቶ ሐጎስ ገብረሂወት(ክሻ)ኢዩ። ሓጎስ ክሻ ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ፡ ካብ ስሩዓትን ዘይስሩዓትን ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራን ዝልገስ ዝነበረ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ምቅራምን ምእካብን ንጡፍ ተራ ስለዝነበሮን ብኢሳያስ ገባርን ሓዳግን ክኸውን ስልጣን ስለዝተዋሃቦን፡ ልዕሊ’ቲ ዝተዓጻጸፈ ገድላዊ ተሞኩሮን ኣበርክቶን ዝነበሮ ሚኒስተር፡ ጀነራልን ተጋዳላይን ይውደስን ይእመንን። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሓጎስ ክሻን ብዓልቲ ቤቱን ኩሉ ወርቅን ዶላርን ናይ ህዝቢ ኤርትራ አብ ናይ ደገ ባንክታት ዘእትውን ዘውጹኡን ክልቲኦም’ዮም፡፡ በዓልቲ ቤት ሓጎስ ክሻ፡ ብዛዕባ ናይ ወርቂ መሸጣ ውዕል አብ ዕዳጋ ቀንዲ ተዋሳኢት። ፡ ብሓጺሩ፡ንሳ ዘይወግዓዊት ሚኒስተር ኮይና፡ ልዕሊ’ቶም ስማውያን ሚኒስተራት ኢያ ትነጥፍ። ሓለፍቲ መሸጣ ወርቂ፡ ሓጎስ ክሻ፡ በዓልቲ ቤቱን ኣእዳዉ ዘእቱ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን’ዮም። ሓጎስ ክሻ ኣብ ንጥፈታት ጸሊም ዕዳጋ’ውን ምኩርን ጉሒላን’ዩ። ብመንገዲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ኣብያተ ጽሕፈታት ኤምባሲን ቆንስላዊ ጉዳያትን ኤርትራ ኣቢሉ፡ ዘሕጋዊ ኣጽዋርን ካልእን መሳርሒ ስለያን ኣብ ምሽማትን ካብ ኤርትራ ዝኳዓት ዘሎ ማዕድናት ኣብ ምሻጥን ብደረጃ መንግስቲ ሚኒስተራት መሪሑ ዝገይሽን ውዕላት ዝፍርምን እንኮ እሙን ኢሳያስ፡ ሓጎስ ክሻ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈ፡ ብሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እናተሳቀየን ግዳይ ስደት እናኾነን እንከሎ፡ ንንጡፋትን ደገፍትን ህግደፍ፡ ጀነራላትን ሰለይትን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ጥረ ገንዘብ ዘሕቁፍ፡ ብምስጢራዊ ኣስማት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንግዳዊ ትካላት ዝኸፍት፡ ቤተሰቦም ናብ ወጻኢ ሃገራት ንትምህርትን ሕክምናን ዝልእኽ፡ ዜግነት ወጻኢ ኣብ ምርካብ ዝሕግዝ ዲታ ሓጎስ ኽሻ’ዩ። ከም ወቀጸልታ ምብሓትን ምጥፍፋእን ቁጠባውን ገንዘባውን ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ወዲ ሓጎስ ክሻ’ውን፡ አብ ቀንዲ ቁልፊ ዝኾነ ቦታ ስራሕ ባንኪ ምምዳቡ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን።

ሰላሕታን ብስልጣን ዝዓወረ ስምኦን ገብረድንግል

ስምኦን ገብረድንግል ኣዝዩ ናይ ስልጣን ህርፋንን ዝንባሌን ዘሎዎ ኮይኑ፡ ገንዘብ’ውን ኣመና ስሱዕ’ዩ። ኣከያይዳኡ ግን ብሰላሕታን ኩሉ ስርሑ ብምስጢርን ኮይኑ፡ ከም’ቶም ካልኦት ሰበ ስልጣናት አብ ሆሆ ዘይርኤ ንቁሕ ተበላጺ ኢዩ።  ካብ ናይ ወርቂ አታዊ ድማ ብመንገዲ እሙን ዓርኩ፡ ማለት ቀንዲ ኣማኻርን ሓላውን ኢሳያስ፡ ኮለኔል ተስፋልደት ሃብተስላሴ እጃሙ ይረክብ’ዩ። ተስፋልደትን ስምኦንን ክልተ ገጽ ናይ ሐደ ሳንቲም’ዮም። ይኹን እምበር፡ ክልቲኦም፡ ስምኦንን ተስፋልደትን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ናይ ልቦም ኣይወሃሃቡን’ዮም። ክልተ ጎራሓት ሓሙኹሽቲ ስንቆም ከምዝብሃል፡ እንተ ብገንዘብ እንተ ብህርፋን ስልጣን፡ ምናልባት’ው’ን ብሱልኳ ኢሳያስ፡ ምኽንያቱ ኢሳያስ ስምረት ስምኦንን ተስፋልደትን ንስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ስለዝእቱ፡ አዝዮም ጎራሐት አብ ቅድሚ ተጋደልትን ህዝብን ዝዓመረ ጓይላን ዋዕዋዕ ዘይብሉ ኣትማን’ዮም። ይኹን እምበር፡ አብ ኩሉ ንብረትን ገንዘብን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምስራቅን ምምዝማዝን ኣብ ዝካየድ ወፈራን ብምስጢር ተቀናቀንቶም ኣብ ምቅንጻል፡ ኣብ ምእሳርን ምብራርን ቀዳሞት’ዮም። ስምኦን ስልጣን ክሕዝ ዝህቅን፡ ተሃላላኻይን ሕነ ክፈዲ ከይደቀሰ ዝሓድርን ጠባይ ኣለዎ፡፡ ንኣብነት ድሕሪ ናጽነት፡ ስምኦን፡ ብጴጥሮስ ሰሎሞን ክምራሕን ክእዘዘን ይወሓጠሉ ስለዘይነበረ፡ ወዲ ሰሎሞን ንስምኦን ንዓሰብ ምስመደቦ ኣብ ርእሲ ጴጥሮስ ሰሎሞን ተንኮል ኣብ ምፍሓስ ኣትዩ ነይሩ። ካብዛ ቅርሕንቲ’ዚኣን ብምትብባዕ ኢሳያስን ተበጊሱ ድማ፡ ምስ ኢሳያስ ሰሚሩ ንጴጥሮስ ሰሎሞን ክጥቅዑን ክኣስሩን በቂዖም’ዮም። ስምኦን ብገድላዊ ተሞኩሮን ልቦናን መዘና ወዲ ሰሎሞን አይኮነን። ክንዲ ሕጻብ እግሩ’ውን አይበቅዕን’ዩ። ብዓልቲ ቤቱ ንስምኦን ንሐደ ወናኒ ትካል ሬድዮ ጉርንዲንግ ዝኾነ ተስፋይ ጉርንዲንግ ዝብሃል ሐብቱ ኢያ፡፡ ተስፋይ ጉርንዲንግ ቅድሚ ናጽነት አብ አስመራ ሕማቅ ታሪኽ ዘሎዎን ምስ ጀነራል ተስፋይ ገብረኪዳን ናይ ስርዓት ደርጊ ጽቡቅ ዝምድና ዝነበሮን ሰብ’ዩ። ተስፋይ ጉርንዲንግ፡ ንጀነራል ተስፋይ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብዘይ ድሌተን እንዳኣፈራርሔ ዝቅርበሉ ዝነበረ ደላሊ ስለዝነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ክእሰር’ኳ እንተጠለበ፡ ሳላ ስምኦን ካብ ማእሰርቲ ድሒኑ። ተስፋይ ጉርንዲንግ አብዚ ከየብቅዐ ከም ነጋዳይ ኮይኑ ክቅጽል ብስምኦን ገብረድንግል መገዲ ተኸፊትሉን ንኻልኦት ነጋዶ ክደቁስን ጀመረ። ንኣብነት ገረአምላኽ ኦሎምፒክ ዝተባህለ ሃብታም ኤርትራዊ ነጋዳይ፡ ንተስፋይ ጉርንዲንግ ዶላር ከለቅሖ ፍቃደኛ ስለዘይነበረ፡ ዘሕጋዊ ዶላር ተሽርፍ አለኻ ብዝብል ምስምስ፡ ስምኦን ንገረአምላኽ ንነዊሕ አዋርሕ አብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ። እዚ ማለት ስምኦን ምስ ተስፋይ ጉርዲንግ ማለት ዘምኡ ናይ ንግዲ ርክብ ስለዘለዎን፡ ሰበይቲ ስምኦን እውን አብቲ ትካል ናይ ሐዋ ዓቢ ኢድን ምቅሊትን ስለዘለዋን፡ ከምኡ’ውን በዓልቲ ቤት ስምኦን እምንቲ መሐዛ በዓልቲ ቤት ሐጎስ ክሻን በዓልቲ ቤት ተስፋልደትን ስለዝኾነት፡ ቀንዲ ምኽንያት ጥቡቅ ምትእስሳሮም ድማ፡ ናይ ገንዘብ፡ ረብሓን ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝምድና እምበር ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ከምዘይኮነ ነዚ ጉዳይ ብቀረባ ዝፈልጡ ሰባት ይገልጹ። ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ዝተኻየደ ፈተን ቅትለትን ድሕሪኡ ዝስዓበ ምእሳር፡ ምቅታን ምህዳንን ኣብቲ ፈተን ቅትለት ኢድ ነይሩዎም ዝተባህሉ ተጋደንትን ነጋዶን ድማ፡ እቲ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ድዑላት ብህርፋን ሽመት፡ ብስስዐ ገንዘብን ውልቃዊ ቅርሕንትን ዘንቀሎ ተርእዮ’ምበር፡ ፖለቲካዊ ዕላማን ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራን ፍትሒ ንምንጋስን ኣይነበረን።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde July 7, 2017

    It is a nation full ticks and lice and is being eaten alive.Not familiar with most of the shrewd characters but it is good to know.Bring on the benzine.Thanks again Tsilal.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply