Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለቅትን መንዳዓትን ህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ መነጸር: ዓምጻጺ ሓቂ የማነ ገብረመስቀል(ቻርሊ) – ኢሳያስ ወይ ሞት ዝኣምን ኣብርሃ ካሳ (ሳልሳይ ክፋል)

ዓምጻጺ ሓቂ የማነ ገብረመስቀል(ቻርሊ) ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ተራን ንጥፈታትን የማነ ገብረመስቀል(ቻርሊ)፡ ዕዙዝን ኣብ ምኽራር ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ብገበን ዝሕተቱ ሰብ’ዩ። የማነ ቻርሊ ቅድሚ ሚኒስተር ዜና ምዃኑ ንስሙ’ኳ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝብል መዓርግ እንተነበሮ፡ ብግብሪ

ዓምጻጺ ሓቂ የማነ ገብረመስቀል(ቻርሊ)

ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ተራን ንጥፈታትን የማነ ገብረመስቀል(ቻርሊ)፡ ዕዙዝን ኣብ ምኽራር ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ብገበን ዝሕተቱ ሰብ’ዩ። የማነ ቻርሊ ቅድሚ ሚኒስተር ዜና ምዃኑ ንስሙ’ኳ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝብል መዓርግ እንተነበሮ፡ ብግብሪ ግን ኢዱ ዘየትወሉ ሚኒስትሪ ኣይነበረን። ሓደ ካብቲ ግዳይን ኣደራዕን የማነ ቻርሊ ዝወርዶ ዝነበረ ትካል ድማ፡ ሚኒስትሪ ዜናን ሞያ ጋዜጠኝነትን’ዩ። ቻርሊ፡ ዋላ’ኳ ዝበዝሐ ህይወቱ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ከምዘሕለፈ መጠን፡ ንተራ፡ ኣሰራርሓን ክብርን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሕብረተሰብ ልዕሊ ሰቡ ይፈልጥ’ዩ ዝብል ትጽቢት ዝግበረሉ እንተኾነ፡ ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ስለዝኾነ ግን፡ ንሞያን ስነምግባርን ጋዜጠኝነት ዘነኣእስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ከይፈልጥን ብነጻ ሓሳቡ ከይገልጽ ዝዕፍንን እኩይ ሰብ’ዩ። የማነ ቻርሊ፡ ንክብሪ ሚኒስተር ዜና ነበር፡ ገዲም ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ ዝጎሓፈ፡ ንመዝነቱ ዘልመሰ፡ ኣብ ዝካየድ ስማዊ ኣኼባ ሚኒስተራት፡ ብተደጋጋሚ ዝዘለፈን ዘናሸወን’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ የማነ ቻርሊ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን መጽሄታትን ዘዕጸወ፡ ጋዜጠኛታት ዘእሰረን ናብ ስደት ከምርሑ ዝቀሰበን’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 1998-2000 ኣብ እዋን ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካልእ እዋንን፡ ነቶም ሞያዊ ግቡኦም ንምምላእን ንህዝቢ ኤርትራ ዝተማልአ ሓበሬታ ከስንቁን ለይትን መዓልትን ብዘይ እኹል መሳለጥያ ዝነጥፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና፡ ከም ለማኖን ከም ከልብን፡ ዜና ባዕለይ ክሰድድልኩም ናብ ቦታኹም ተመለሱእናበለ ይሰጎም ከምዝነበረ ናይ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ናይ ትማሊ ትዝታ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ የማነ ቻርሊ፡ ኣብ እንዳ ባራትን ኣብያተ ሻህን ኮይኑ ሓድሽን ኣገዳስን ዜና ስለዘሎ ተጸበዩ ኢሉ ኣብ ዜናዊ ስራሓት ዝተመደቡ ኣዳለውትን ኣንበብትን ዜና፡ ኣባላት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ተለቪቭንን ሚኒስትሪ ዜና፡ የማነ ቻርሊ ክሳብ ዝድወለሎም ምሉእ ምሸት ሐደሓደ እዋን’ውን ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ዝሓልፍ ቀንፈዞው ክብሉ የገድድ ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት ምጽባይ ድማ፡ ስርዓት ወያነ ኣብ ኩሉ ግንባራት ውግእ ከፊቱ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስ መራሒ እገለ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተራኪቡ ንኽልቲኦም ወገናት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ዘትዩ ዝብል ዘይምሉእ፡ ዕጹውን ኣብ ክንዲ ሕቶ ዝምልስ ሕቶ ዘልዕንል ሓበሬታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ክዝርጋሕ ይእዝዝ። እዚ ምልካውን ዘይሞያውን ኣሰራርሓ’ዚ፡ የማነ ቻርሊ ሚስተር ዜና ምስኮነ፡ ንዜናዊ ንጥፈታት ከምውልቃዊ ንብረቱ ቆጺሩ ከምድሌቱ ይዕንድረሉ’ሎ። የማነ ቻርሊ ምስ ስድራቤቱ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዜግነት ስለዘለዎ፡ ደምን ሃብትን ህዝቢ ኤርትራ መጽዩ ምስወድአ ስንቁ ጥሑን ዓራቱ ንጹፍ ስለዝኾነ፡ መጻኢት ኤርትራ ኣይናቱን’ያ። አብዚ ቀረባ እዋን ብዓልቲ ቤት የማነ ቻርሊ፡ ወይዘሮ አልማዝ (ቼዝ)፡ ወዳ ሒዛ ብወግዓዊ ማለት ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንደገ ኣወጺአ፡ ወዳ አብጺሓ ድማ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሰት እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። አብ 2015፡ እንዳ የማነ ቻርሊ፡ብመንገዲ ክፍሊ ኢመግረሽን ኤርትራ ኣቢሎም ንወዶም ንደገ ከውጽእዎ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ ዝገበርዎ ፈተነ ከምዘይቀንዖን ይፍለጥ። ድኻን ኣያ ዘይብሉን ኤርትራዊ ግን፡ ገንዘብ ረኺቡ ክሕከም፡ ሕሙም ክበጽሕ፡ ምዉት ክቀብርን ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ክሳተፍን፡ ኣዝዩ ከቢድን ሸንኮለል ዝመልኦን መስርሕ ስለዝኾነን ዓቅሚ ስለዘይብሉን ኣብ ኩሉ ከይበጽሐ ይተርፍ። የማነ ቻርሊ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓበሬታ ከይፈልጥ ኣብ ምዕፋን ከይተሓረ፡ አብ ምስራቅ ገንዘብ ምስ ብዓል ሓጎስ ክሻ ቀንዲ ተዋሳኢ ኢዩ። በዓልቲ ቤት የማነ ቻርሊ ኣልማዝ’ውን፡ ካብ ሰብኣያ ዝከፍአት፡ ኣብ ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ማፍያ ንጥፈታት ተዋፊራ ዘላ።

 ኢሳያስ ወይ ሞት ዝኣምን ኣብርሃ ካሳ

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ (ወዲ ካሳ) ኣብ ወተሃደራዊ ቤትጽሕፈትን ኣብ ከባቢ ኢሳያስን እንከሎ፡ ጽቡቅ ዝናን ተፈታውነትን’ዩ ነይሩዎ። ድሕሪ ናጽነት፡ ከም ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ምስተሸመን ብቀጥታ ካብ ኢሳያስ እኩይ መምርሒታት ተቀቢሉ፡ ሚኒስተራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጋዜጠኛታት፡ ነጋዶ፡ መምሃራን፡ ተጋደልቲ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ተራ ዜጋታትን እንተላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሰባት ክእሰሩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ክሳቀዩ፡ ክፈራርሑ፡ ክጨወዩ፡ ክቅንጸሉ፡ ንብረቶም ክዝረፍ ሚልዮናት ዶላር ክግሕጥ ምሉእ ስልጣን ምስተዋህቦ ግን፡ ስሙ ተበሊሉ ብስስዕ ዓዊሩ። ወዲ ካሳ ሓለፈ ወይ ትእዛዝ ሃበ ማለት፡ ህይወትካ ኣብ ቀለቤት ቀጭ ሕርሙ ወይ ኣብ መንጣሊት ብረት ከምዝኣተኻ ኢኻ ትሓስባ። ኣብዚ እዋን’ዚ ወዲ ካሳ፡ ከም ኣስሓይታ ቁሪ’ዩ ዝፍራሕ። ንወዲ ካሳ ብቀረባ ዝፈልጥዎ ሰባት፡ ብዓይኒ ቁጠባዊ ረብሓ፡ ምስ በዓል ሓጎስ ክሻን ጀነራል ፍሊጶስን ብምንጽጻር ካብ ህግደፍ ዝረኽቦ መኽሰብ ብዙሕ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ወዲ ካሳ ሐንሳብ ናይ ኢሳያስ ፖለቲካ አብ ሐንጎሉ ምስ አተወ ምስ ኢሳያስ ክጠፍእ ኢዩ ወሲኑ።  ምስ ኣይኡ ኢሳያስ ክዓብድን ክሽርሙጥን ኢዩ ዝሐድር። ዓጽመ ስጋኡ ተውዲኡን ገጹ ተደዊኑን ስለዘሎ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ብሕማም ኤይድስ ተለኺፉ ከይከውን ይጥርጥርዎ። ብዓልቲ ቤቱ ሌያ ገብረአብ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ማእከል ንስሙ ሓላፊት ጨንፈር ቱሪዝም’ኳ እንተላ፡ ቅድሚ ናጽነት አብ ሳሕል እንከላ ዝነበራ ስልጣንን ህቡብነትን ይዓቢ።

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዘጋድዱን ንብረቱ ዝዘምቱን፡ እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቅሱ ውልቀሰባት ጥራይ ኣይኮኑን። ብዙሓት ኣስማቶም ኣመና ግኑን ዘይይኮነ ሕቡኣን ፈጸምቲ እከይን ቀንዲ እሙናት ስርዓት ህግደፍን ኣለዉ። ከምኒ ጀነራል ተኽላይ ሃብተሰላሰ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም(ዓፋን)፡ ተኽለ ማንጁስ ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መርመርትን ሓለፍትን ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስለያን ጸጥታን፡ ሓለፍቲ ዞባታት ኤርትራ፡ ኣምባሳደራትን ኣብኡ ዝተቆጽሩ ሃሱሳትን፡ ጸሓፍቲ ህግደፍ ኣብ ዞባታት ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት፡ ኮሚሽን ስፖርት፡ ሃገራውያን ማሕበራትን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል። ብፍላይ መርመርቲ ኤርትራውያን እሱራት፡ ካብቶም ኣብ መዋእልና ብኣይስስ፡ ኣልቃዒዳ፡ በደዌ፡ ዝብል ቅጽላት ኣስማት ዘለዎም ጉጅለታት ፈጠርቲ ራዕድን ግብረሽበራን ንላዕሊ’ዮም ገበናት ዝፍጽሙ ዘለዉ። ከምቲ ኣብ መዋእል ስርዓት ደርጊ ኣብ ማርያም ግንቢ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መደበራት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ኣሰቃቂ ተግባራት፡ ሕጂ’ውን ብኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይቅረ ዘይብሃሎ ገበን ይድገም ኣሎ። ይንዋሕ ይሕጸር፡ ሓደ መዓልቲ ምናልባት’ውን ጽባሕ፡ ዕርቅን ምጽብጻብን ደበኽ ክብል’ዩ። ሽዑ ኣንቱም ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሰላማውያን ሰባት ከም እንስሳ እንዳሃደንኩም ትቀትሉ፡ ትኣስሩ፡ ክብሪ ሰብ ተመራስሑ፡ ኣዴታትና ተንብዑ፡ ንብረት ህዝቢ ትግብቱ፡ ጠንቂ ስደትን ስቃይን ኤርትራዊ ትኾኑ ዘለኹም፡ ናብ ፍርዲ ከምትቀርቡ ኣይትዘንግዑ።

ፈጸምቲ ገበን፡ ምናልባት “ክሳብ ዘለና ንደሰት፡ ንከደን፡ ንሸለም፡ ንብረት ነጥሪ፡ እንተሓሰም ድማ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ክንቅመጥ ኣጣጢሕና ኣሎና” ዝብል ግምት ይህልወኩም ይኸውን። እንተኾነ፡ “መርገም ወላዲ እንተዘይቀተለ የዕነኒከምዝብሃል፡ ዝፈስስ ዘሎ ደምን ንብዓትን ኤርትራዊ ኣይሰደኩምን’ዩ፡፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ዝበደልኩሞም ወገናትኩም፡ ናይ እምነትን ክሕደትን ንስሓ ክትህቡ ኢኹም። ኣንቱም ሎሚ ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ትህደኑ፡ ከም ከድዓት ትጥቀኑ፡ ኣብ ሰብ ክነብሮ ዘይክእል ገሃነብ እሳት ዝኾነ ኣብያተ ማእሰርትን መዳጎኒ መዓስስከራትን ኣብ ከም በዓል ዒራዒሮ፡ ግላስ፡ ዓዲ ኣቤቶ፡ ገልዓሎ፡ ዊዓ፡ ዓዲዃላ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ክብርኹም ተመንዚዑ ሕሰም ተሕልፉ ዘለኹምን ካብ ሞትን ምንጋጋን ህግደፍ ኣምሊጥኩም ናብ ስደት ዘምራሕኩምን፡ ናብ ትፈትውዋ ትውልዲ ሃገርኩም ተመሊስኩም ናትኩምን ናይቶም ብህይወት ዘየለዉ መጓዓዝትኹምን መተዓብይትኹምን ዜጋታት፡ ታሪኽን መስገደልን ኣብ ቅድሚ’ቶም ዝበደልኹም ሓቂ ክትገልጹ ቃል ምስክርነትኩም ክትህቡ ኢኹም። ገበርቲ እከይ ኣብ መኣዲ ዕርቅን ኑዛዜን ክቀርቡ እንተኾይኖም ግን፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ኣብ ልዕሌና ዝተፈጸመን ገበናት፡ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ክንምዝግብን ንዝምልከቶ ክንሕብርን ኣሎና። ንምንታይሲ፡ ንገበነኛ ገበነኛ ኢልካ ክትከሶ እንተኾይንካ መርትዖ ከተቅርበሉ እምበር ብቅርሕንቲ ወይ ብዘይጭብጢ ብቤላበለው ክትፈርዶ ኣይክኣልን’ዩ። ልዕሊ’ቲ ንፈጽምቲ ገበናት ኣብ ፍርዲ ምቅራብ ድማ፡ ኩሉ ኣብ መጻወድያ ህግደፍ ኣትዮ ብግዝያዊ ረብሓ፡ ወገኑ ዘድሚ፡ ዘንብዕን ዘጉህን ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ድቃሱ ኮይኑ ክልተ ግዜ ክሓስብን ምስ ነብሱ ክመክርን፡ እቲ ግዜ ሕጂ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ንዘለኣለም ክነብር ኣይኮነን። ሓደ መዓልቲ ብማዕበል ህዝብን ከም ውጽኢት ኣዕናዊ ተግባራቱን ከኸትም’ዩ። ኣብ ክንዲ ምስ ዝምሽምሽን ነውራምን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ታሪኽ ጉሓፍ ምድርባይ ድማ፡ ብልቢ ተጣዒስካ ንዝበደልካዮ ህዝቢ ምኽሓስን ይቅረ ምባልን ሓላል’ዩ።

ፍትሒ፡ ብልጽግናን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን!!

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde July 11, 2017

    The blood of the innocent will never be spilled in vain,redemption is inevitable. If the roman empire,the Russian Czar,Qaddafi,Saddam………can fall,so is this little miserable clique called HGDEF which is nickel and diming it’s people to death.That fateful day is not far away.I hope you and I will be around to witness it.Thanks Tsilal.

POST A COMMENT