Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለቅትን መንዳዓትን ህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ መነጸር – ቀዳማይ ክፋል

ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ኣብ ሰለስተ ክፋል ዝቀርብ ጽሑፍ፡ ነቶም ጠንቂ ስቃይ፡ ስደትን ድኽነትን ኮይኖም ዘለዉ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ጠላማትን መጸይትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓቀኛ ባህርያቶም፡ መንነቶምን ሰንካም ንጥፈታቶምን ንምቅላዕ’ዩ።  ብቀንዱ፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ሓበሬታ ከይፈልጥ ተዓፊኑን

ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ኣብ ሰለስተ ክፋል ዝቀርብ ጽሑፍ፡ ነቶም ጠንቂ ስቃይ፡ ስደትን ድኽነትን ኮይኖም ዘለዉ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ጠላማትን መጸይትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓቀኛ ባህርያቶም፡ መንነቶምን ሰንካም ንጥፈታቶምን ንምቅላዕ’ዩ።  ብቀንዱ፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ሓበሬታ ከይፈልጥ ተዓፊኑን ተኣሲሩን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓቂ ክሰንቅ፡ ዘሳቅይዎ ዘለዉ ኣረሜናት ኣለልዩ ክነቅሓሎምን ካብ ስምዒትን ቅርሕንትን ሓራ ኮይኑን ሰሚሩን ክብደሆምን ዝሕግዝ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ነቶም ብፍላጥን ብግርህናን ኣብ መጻወድያ ስርዓት ህግደፍ ኣትዮም ህዝቢ ኤርትራ ዘድምዩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ካብ ጉደና ጥፍኣትን ብገበን ተሓታትነትን ኢደ-እግሮም ክእክቡ ዘጠንቅቅ፡ ኣጸያፊ ተግባራቶም ብጽሞና ክግምግሙ፡ ክልብሙ፡ ሰብ ክኾኑ፡ ዝበደልዎ ህዝቦም ብንጽህና ይቅረ በለልና ኢሎም ክኽሕስዎ ዝምዕድን’ዩ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ኣስማት ውልቀሰባት ክጥቀስ እንከሎ፡ ሕነ ንምፍዳይ፡ ንምጽላምን ጽቡቅ ሞያ ሰባት ኢዶም ንምስባርን ኣይኮነን። ገለ ገለ ዕሉላትን ኣእዳዎም ብደም ዝተሓጽበን ማለት፡ ካልኦት ገበነኛታት ከምኦም ወይ ካብኦም ንላዕሊ እከያት የለውን ማለት ኣይኮነን። እኳ ድኣ ስሞም፡ ኣድራሻኦምን ሓላፍነቶም ዘይፍለጥ ሕቡኣን ብስም ነጋዶ፡ ዲፕሎማሰኛታት ወይ’ውን ካልእ ስም ተጠሚቆም ብድሕሪ መጋረጃ ደም ህዝቢ ኤርትራ ዝመጽዩ ከምዘለዉ ክዝንጋዕ ኣይግብኦን። በዚ ኣጋጣሚ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝለገሱ ዜጋታት ብምምስጋን፡ ዝፍጠር ሕጽረታት ወይ ጉድለታት ንምእራምን፡ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ዘሀብትሙ ሓደስቲ ነጥብታት ኣብ ምውሳኽን፡ ሃናጺ ኣበርክቶ ክገብሩን ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነት ከምዘለዎም ምዝኽኻር ኣገዳሲ ይኸውን። ንምንታይ’ሲ፡ እቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ዘሎ ጽቡቅን ኩፉእን መድረኽ፡ ብማዕረ ንመጻኢ ወለዶና ምስእነቅርቦ’ዩ ታሪኽና ዝያዳ ሚዛናውን ሓቀኛን ዝኸውን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ከምዚ ሎሚ ዝናኡን ጽቡቅ ስሙን መሬት ከይዘበጠ፡ ብህዝብና ከይተኻዕበን፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ንምሕግሓግ ዝተጠቅመሉ ኣፈ-ሙዝ ብረት፡ ስለያዊ ብልሓትን ካልእ ዝተፈላለየ ስዉርን ግሁድን መቅጻዕቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድቋስ ከየቅንዖን እንከሎ፡ ኣብ 1991፡ ህዝብና ኣእዳዉ ዘርጊሑን ልዑል እምነት ኣሕዲሩን’ዩ ተቀቢልዎ። እምንቶ ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ “እንቋዕ ድኣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ መሬትና ተጸርገምበር ደጊም ደቅና ሒዝና ሕማቅ ሞት ኣይንመውትን ኢና፡ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ነብስና ክንክእልን ብኩናት ዝዓነወት ሃገርና ብርሃጽና ክንሃንጻን ኢና ዝብል’ዩ ነይሩ። ጽቡቅ ሕልምን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ግን ውልዕ ኢሉ ስለዝቀሃመ፡ ኣብታ ብዙሓት ሰማእታት ዝወሓጠት መሬት ኤርትራ፡ ጎደና ፍልጠት፡ ሰላም፡ ልምዓትን ክብረት ሰባትን ተደምሲሱ ብጸልማት ተተኪኡ። ናይ ትማሊ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ፡ ብልዑል ተሳታፍነትን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክስዕር እንከሎ፡ ንኸምኡ ንስለ ሓርነት በረኻ ዝወጹ ተጋደልቲ እናበልዐን እናሓምተለን’ዩ ሰዊዱን ገቢሉን። እቲ ቅድሚ ናጽነት ነዊሕ ሱር ዝሰደደ፡ ንተቃወምትኻን ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዘለዎም ዜጋታት ናይ ምሕቃቕን ምህዳንን ስዉር ሓለንጊ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ብዝለዓለ ቀጺሉ። እቲ ኣብ’ዚ ዝለዓል መሰረታዊ ሕቶ እምበኣር፡ እቲ ናይ ቅንጸላ፡ ማእሰርቲ፡ ምርዓድን ምድስካልን እኩይ ተግባራት፡ ስለምንታይ ንነዊሕ ዓመታት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከም ሕዱር ሕማም ይቅጽል ኣሎ ዝብልዩ። ተጋደልቲ ብሓፈሻ እቶም ብደረጃ ላዕለዋይ ጽፍሒ ተመዲቦም ነቲ ሕማቅ ተግባራት ዘፈጽሙን ዝፈልጡን፡ ብልቢ ኣሚኖሙሉ፡ ናብ ነብሶም ከይመጾም ዝጃጀዉ፡ ይእረምን ለውጢ ይመጽእን ኢሎም ተስፋ ዝነበሮም ወይ’ውን ምስ 5 ህዋሳቶም ዝተዓንዱ’ዮም ነይሮም። ካብዚ ዝተጠቅሰ ነጥብታት ካልእ ምርጫ የለን።

ንምዃኑ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኣረሜናውን ኣዕናውን ተግባራት ሃንዳሲኡን ፈጻሚኡን መን’ዩ? ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንብሕቱ ወይስ እሙናትን መሰነይታን ገበነኛታት ኣለውዎ? መልሱ ርእሰ ግሉጽ’ዩ። ኢሳያስ፡ ብዘይ ንጡፋት ተለኣኣኽትን ንጡፋት ኣሳሰይትን፡ ኣብ ኤርትራን ወጻእን ንዝግበር ኣረሜናዊ ንጥፈታት ክትግብሮ ኣይክእልን’ዩ። ናይ ዝሓለፈስ ሓሊፉ ብዝመጽእ ኣይድገመናከምዝብሃል፡ ግዜ ንምቁጣብ፡ ናይ ትማሊ ገበናት ስርዓት ህግደፍ ንጎድኒ ኣጸጊዕና ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ጥፍኣትን ገበንን ኣርሑ ኮይኖም ብጽጋብን ብድዐን ተፈንጪሖም መሬት ኣይትጽርኒ ዝብሉ ዘለዉን መጻኢ ዕድሎም ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝተኣሳሰርን በዓል መን’ዮም? ብዛዕባ መንነትን ተግባራትን ኢሳያስ፡ ንዝኾነ ኤርትራዊ ሓበሬታ ዘድልዮ ኣይኮነን። ካብቲ ብዙሕ ሒደት እንታይነት ኢሳያስ ንምግላጽ፡ ርእሰ ኣጋንንቲ፡ ቂምተኛ፡ ህልኸኛ፡ ተንኮለኛ፡ በላዒ ሰብ፡ ብሕሰም ካልኦት ሰባት ዝድሰት፡ ነብሱ ዘይኣምን፡ ፍቅሪ ስድራቤት ዘይብሉ፡ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል፡ ብስልጣን ዝዓወረ፡ ዘማዊ፡ ትምክሕተኛ፡ ርእሰ ተኣማማንነት ዘይብሉ፡ ክፋእ ንምፍሓስ ከይደቀሰ ዝሓድር፡ ስድራቤታት ዝበታትን፡ ክብሪ ሰብ ዘይፈልጥ፡ ዝብሉ ቃላት እንተሂብናዮ እናንኣሶ’ዩ። ብሕጸር ዝበለ፡ ኢሳያስ እቲ ኣብ ስሳታት ኣብ ቻይና ዝቀሰሞ ማርክሰ-ለኒንነት፡ ኩሉ ስራሕ ሰይጣንን ኣረሜንነትን ንምፍጻም’ዩ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። መላኺ ኢሳያስ፡ ስልጣኑ ከይምንጥልዎ ንዘስግእዎ፡ ኣንጻሩ ዝኾነ ምውዳብን ምንቅስቃስን ከይፍጠር ምድቛስን ምክትታልን ቀዳምነታቱ ስለዝኾነ፡ ነቶም ምልዕዓል ክፍጽሙ ወይ መምርሒ ክህቡ’ዮም ኢሉ ዝጥርጥሮም ሰባት፡ ኣውራ ድማ ኣብ ወሳኒ ወይ ተኣፋፊ ቦታ ዘለዉ ጀነራላት፡ ላዕለዎት መኮነናት ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ስለያን ጸጥታን ሚኒስተራትን፡ ንሓድሕዶም ከምዘይሰማምዑ ምግምማዕ፡ ናይ ዝሓለፈን ህሉዉን ኣበራቶምን ድኽመታቶም መዝሚዝካ ተፈታውነቶም ምንካይን ሞራሎም ምውዳቅን፡ ዘይንጹርን ሓድሕድ ዘባእስን መደባት ስራሕ እናሃብካ ምንቛትን ምፍጣጥን ከምዝሰፍን ምግባር፡ ኣብ መስተ፡ ምንዝርና፡ ጉቦን ስርቅን ከምዝቆማጥዑን ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳቂ ዘሎ ስርዓት ጎስዮም ኣብ ውልቃዊ ጉዳያቶም ከምዘድህቡን፡ ሓቂ ክመዝኑ ኣእምሮኦም ከምዝድፈን ምግባርንር’ዩ። ጉዳይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክለዓል እንከሎ፡ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ኢሳያስ እንተብጽቡቕ እንተ ብሕማቅ ክትንከፉ ንቡር’ዩ። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ግን ውሱን ሓበሬታ ብዛዕባ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ጥራይ ዝምልከት ክኸውን’ዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ሳባ ሃይሉ ከም ሰበይቱ ብኢሳያስ ክብሪ ከምዘይብላ፡ ከም እስርቲ ከምትነብርን ኢሳያስ ይስከር ይዘሙ ክትቃውምን ክትፋታሕን መሰል ከምዘይብላ፡ ከም በዓልቲ ቤት መራሒ ሃገር ሓለፋ ከምዘይትረክብ ይገልጹ። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ንሳባ ሃይሉ ብቀረባ ዝፈልጥዋ ወገናት ከምዝሕብርዎ፡ ቅድሚ 2006; ሳባ ኩሉ አካይዳ ብዓል ቤታ ትቃወምን ብዓይኒ ነቀፌታ ትርእን’ያ ኔራ፡፡ ንማእሰርቲ ጉጅለ 15’ውን ብመትከል ትቃወም ኔራ፡፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ግን፡ ሳባ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ምልካዊ መስመር ናይ ኢሳያስ ተኸቲላ፡ “ጉጅለ 15 ሃገር ክሸጡ ፈቲኖም ክትብል ጀሚራ። ብኻልእ መዳይ’ውን፡ ምስካር፡ ዝምውናን ምስ ካልኦት ደቀንስትዮ ምዛርን ኢሳያስ ተቆጻጺረዮ’የ ስለ ትብል፡ አብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዝኾነ ግዜ ዝቀሰነት ትመስል ይብሉ እቶም ምንጭታት። ብዘይካ’ዚ፡ ወይዘሮ ሳባ፡ ወርቅን ገንዘብን አብ ምእካብን ንደገ ኣብ ምስጋርን’ውን፡ ብመንገዲ ቤተሰባን ኣመንታን ኣቢላ ብንጥፈት ኢያ ትዋሳእ ዘላ። እታ ከም ምስኪንን ሕውስትን ትግለጽ ሳባ፡ ሎሚ ከም ቀደማ ምስ ሐፋሽ ተጋደልቲ ስጡም ርክብ የብላን። ወይዘሮ ሳባ ካብ ምስ በዓል ቤታ ኢሳያስ፡ ምስ ቦኽሪ ወዳ ኣብርሃም፡ ጥቡቅ ዝምድና አሎዋ፡፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይዝ’ ድማ፡ ኣብርሃም ነቲ ኢሳያስ ዘርእዮ ዘይእሩም ጠባያትን ዕንደራን ከፈራርሖ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ስለዘለዋ’ዩ። ኣብርሃም ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከምዝብሃል፡ ብመስተ ሸገግ ምስበለን ምስሓረቀን፡ አቦይ ዘምጻአ ሃገር ከም ድላየይ ክዕንድረላ ኢየ፡ ጸላእቲ አቦይ ይፈልጥ ኢየ እንዳበለ ይፍክርን ሽጉጥ ኣውጺኡ ሰባት የፈራርሕን። ኣብርሃም፡ ኣብቲ ቀንዲ ኩርኩር ኢሳያስ ዝኾነ ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ዝእዝዞ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ኮይኑ’ዩ ዝሰርሕ። ኣብርሃም፡ ዝበዝሑ ቅድሚ ናጽነት ዝተወልዱ መዘናታቱን መታዓቢቱን ወለዶምን ብኢሳያስ፡ ግደ ማእሰርቲ ሞትን ስደትን ስለዝኾኑ፡ ስነ ኣእምራዊ ቅሳነት የብሉን፡፡ ብተወሳኺ፡ ኣብርሃም፡ ሃህ ኢሉ’ኳ እንተዘይተዛረበ፡ ኣቡኡ ኣብ ልዕሊ ወላዲቱ ዘርእዮ ብድዐን ዝምውናን ከምኡ’ውን መረረ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘየሕጉሶ፡ ምስ ኣቡኡ ኢሳያስ ዓይኒን ሓመድን ዝኾኑሉ እዋናት ብዙሕ ምዃኑ ይፍለጥ።

ዕንደራን ግፍዕታትን ጀነራል ፍሊጶስ ወልደሃንስ

ፍሊጶስ ወልደሃንስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ገለ እዋን ብብዙሓት ተጋደልቲ፡ ከም ህቡብ፡ መራሒ ኩናት፡ ሓርበኛን ሃገራውን ዝፍለጡ ዝነበሩ ሰባት’ዩ። ናይ ሎሚ ፍሊጶስ ወልደሃንስ ግን፡ ልዕሊ’ቶም ጀነራላትን ሰብ መዚ ስለያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ገበናት’ዩ ኣብ ልዕሊ ከምኡ ተጋደልቲ፡ ስድራቤት ስዉኣትን ንጹሃት ዜጋታትን ይቅረ ዘይብሃሎ ገበናት ዝፍጽም ዘሎ። ፍሊጶስ፡ ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብስ ነስርዓት ወተሃደር ዝቅየድ ጀነራል ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ሓርገጽ ወይ ከም መንደላይ ተምን’ዩ ዝፍራሕ። ብዙሓት ሰባት ንጠባያትን ተግባራትን ፍሊጶስ፡ ከምቶም ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ፡ ብዓፋኝ፡ ቀይ ሽብር፡ ድህንነት፡ ኢሰፓ ዝብል ኣስማት ዝፍለጡ ዝነበሩ ትካላት ገበንን ስቃይን’ዩም ዘወዳድርዎን ዝገልጽዎን። ብቅድሚኡ ክትሓልፍ፡ ማኪና ክትዝውር፡ ንሱ ኣብ ዘለዎ ቦታ ክትዘናጋዕ ንጋዳ’ዩ። ፍሊጶስ ዘለዎ ስልጣን ተጠቂሙ፡ ሰባት ክኣስር፡ ክፈትሕ፡ ከፈራርሕ፡ ክቅትቅጥ፡ ክቀትል፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ብጉቦን ገንዘብን ሰባት ክሰድድ፡ ንግዲ ፍቃድ ክህብን ክስርዝን፡ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክውርውር ወይ ጠጠው ከብል፡ መንበሪ ገዛ ወይ ንግዳዊ ትካል ክዕሽግን ክምንዝዕን፡ ሰባት ክዝልፍን ክሰክርን ገደብ ዘይብሉ ስልጣን ኣለዎ። ገለ ኤርትራውያን፡ ነቲ ፍሊጶስ ኣብ ምግሓጥ ገንዘብን ምግባት ንብረትን ዘካይዶ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝተዓዘቡ፡ ጀነራል ነጋዳይ ዝብል ቅጽል ስም ምጥማቆም ብዘይ ምኽንያት ኣይኮኑን። በዓልቲ ቤት ጀነራል ፍሊጶስ፡ ወይዘሮ ሩት፡ ብእትውንኖ ጥረ ገንዘብ፡ ወርቅን ቀዋሚ ንብረትን፡ ኣብ ኤርትራ እታ ዝሃብተመትን ንግስቲ ናይ ኤርትራ’ያ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ቀንዲ ዕማማት ወይዘሮ ሩት፡ እቲ ካብ ኤርትራውያን ዝተሃገረ ወርቅን ገንዘብን፡ ካብ እሱራት ነጋዶ፡ ካብ ስግረ ዶብ ክኸዱ ዝፈተኑ ዝተታሕዙ ዝተአከበ ሃብቲ ተማሓድሮን ናብ ዝተመደበሉ ቦታታት ትውዝዖን። ከም ዝዝከር መደብ ስራሕ ወይዘሮ ሩት፡ ቤት ፍርዲ’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ከም ንእሽቶ መንግስቲ ብበዓል ቤታ ዝውነን ንብረትን ዶላራትንን ንምምሕዳር፡ ካብ ስራሕ ቤት ፍርዲ ብኢደ ዋኒና’ያ ተሰናቢታ። ሩትን በዓል ቤታን፡ ድሕሪ መላኺ ኢሳያስ፡ ኤርትራ ናቶም ከምዝይኮነት ኣዳዕዲዖም ስለዝግንዘቡ፡ ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ ዝዓይነቱ ንጥፈታት’ዮም ዘሰላስሉ ዘለዉ። ንኣብነት አብዚ ቀረባ እዋናት ሩት ንጓላ ብመንገዲ ኡጋንዳ ገይራ ንዱባይ አብጺሐ አብኡ ትካል ከፊታትላ ከምዘላ እሙናት ምንጭታት ይገልጹ። ብዘይክኡ፡ ንጓሎም ናይ ኖርወይ መንበሪ ወረቀት ገይረሙላ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኢሳያስ ክሳብ ዘሎን ኢድ ኢሳያስ ክሳብ ዘየርከቦን፡ ህዝቢ ኤርትራ እናኣከላበተን ንብረቱ እናመንዘዐን ክነብር’ዩ። ጀነራል ፍሊጶስ፡ ንግስነቱን ስልጣኑን ኣብ ኤርትራ ከብቅዕ እንከሎ ግን፡ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስግር ባሕሪ ኣስፊርዎ ስለዘሎ፡ ስቃይን ደምን ህዝብና ኣብ መሬት ኤርትራ እንተዘይፈሪድዎ፡ መጻኢ ቦታኡ ከም በዓል ጀነራል ሑሰን ኣሕመድ፡ እዛዚ ናይ’ቲ “ብካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት” ዝፍለጥ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ግስጋሰ ተጋደልቲ ከምዘይዕገት ምስኣረጋገጸ፡ ሰራዊቱ ረጥሪጡ ሚልዮናት ገንዘብ ተሰኪሙ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ዝተመርቀፈ፡ ጀነራል ፍሊጶስ’ውን ደድሪ ‘ቲ ኣቀዲሞ ኣብ ሕቡእ ባንክታት ዘቀመጦ ዶላራትን ዝኸፈቶ ትካላትን ምስዓብ’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Nahon July 5, 2017

    “ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኢሳያስ ክሳብ ዘሎን ኢድ ኢሳያስ ክሳብ ዘየርከቦን፡ ህዝቢ ኤርትራ እናኣከላበተን ንብረቱ እናመንዘዐን ክነብር’ዩ። ጀነራል ፍሊጶስ፡ ንግስነቱን ስልጣኑን ኣብ ኤርትራ ከብቅዕ እንከሎ ግን፡ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስግር ባሕሪ ኣስፊርዎ ስለዘሎ፡ ስቃይን ደምን ህዝብና ኣብ መሬት ኤርትራ እንተዘይፈሪድዎ፡ መጻኢ ቦታኡ ከም በዓል ጀነራል ሑሰን ኣሕመድ፡ እዛዚ ናይ’ቲ “ብካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት” ”

    Gen. Filippos is the most dangerous as well as the most corrupt officer in the Army. Let’s also don’t forget that he is probably one of the most loyal to Iseyas. He is known to be arrogant, vindictive and a big ego like his master.
    He takes responsibility, along with a number of top officers in the Army and Intelligence, of keeping Iseyas in power at any cost, even when an entire generation left the country, because of them.
    The crimes committed by Filippos and others, one day, sooner or later, will be investigated, and when showed to the entire world, then they will be deported, to face justice.
    They know that is what is awaiting them.

  • k.tewolde July 5, 2017

    They are doing exactly what they set out to do like their colonial predecessors even much much worse by playing the liberators fake card,I call them conquerors,oppressors,subjugators. They fooled and are still fooling the gullible people.Bring them into focus under the magnifying glass and introduce them to the Eritrean people one by one Tsilal,thank you.

POST A COMMENT