Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓመታዊ ኣኼባ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

ዝኸበኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ኣካዪዳ። ኣብዚ ኣኼባዚ ካብ ዝተፈላላያ ከተማታት ሃገር ብሪጣንያ ዝርከቡ ኣባላት ኮሚቴ ተኻፊሎም። ኮሚቴና ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ተወሰኽቲ ኣባላት ብሕዝቢ ተመሪጾም ከምዝተጸምበሩዋ

ዝኸበኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ኣካዪዳ። ኣብዚ ኣኼባዚ ካብ ዝተፈላላያ ከተማታት ሃገር ብሪጣንያ ዝርከቡ ኣባላት ኮሚቴ ተኻፊሎም። ኮሚቴና ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ተወሰኽቲ ኣባላት ብሕዝቢ ተመሪጾም ከምዝተጸምበሩዋ ዝዝከር ኢዩ።

ኣባላት ኮሚቴ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝዓመመቶም ዕዮታት ብዕቱብ ገምጊምና፥ ነቶም እወታዊ ጎድንታትና ክነሔይል፡ ነቶም ዝጎድሉና መዳያት ድማ ክንምልእ ተሰማሚዕና፡ ዝተመሓየሸ መደብ ኣውጺኣ ኣላ። እዚ መደባት እዚ፡ ህልው ኩነታት ሃገርናን ሕዝብናን ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ።

በዚ መሠረት፥ ናብ ደቀንስዮን ናብ መንእሰያትን ዘአኮረ ጎስጓስ ወሲኽና ተበጊስና ኣለና። ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምስ ዝርከቡ፡ ንዓና ዝመስሉ ምንቅስቓሳት እንገብሮ ምትእስሳር ክብ ክነብልን ክነቀላጥፍን፡ ዝያኣ ሓይሊ ሰብ መዚዝናሉ ኣለና።

ነቲ እንገብሮ ኩለመዳዊ ጎስጓስ ክሕግዘና ብዝብል ሓሳብ፡ መራኸቢ ብዙኃን፡ ብዝተመሓየሸ ኣገባብ ክንጥቀም መዲብና ኣለና።

ደጋጊምና ከምዝበልናዮ፥ እዚ እንገብሮ ዘለና ሕዝባዊ ኣገግሎት፡ ምእንቲ ሕግን፡ ምእንቲ ፍትሕን፡ ምእንቲ ማዕርነትን፡ ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ ኢልና ኢና እንገብሮ። ዕላማና ንክወቅዕ ድማ፡ ብደሞራስያዊ ኣገባብ፣ ብሕጋዊ መገዲ እንዳ ኸድና፡ ብግሉጽን ሕዝባውን ኣሠራርሓ ክንቅጽል ኢና።

 

ንሕዝቢ ኬገልግል ዝደሊ ውልቀ-ሰብ ይኹን ኣካል፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኬማልኦ ዘለዎ ነገር፥ ብግሉጽነትን ብተኣማንነትን ምሥራሕ ኢዩ። ኮሚቴና፡ ድማ ኣብዚ መርገጽ እዚ ስለእትኣምን፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ብተኣማንነት ክንሠርሕ ምዃና ደጊምና ቃልና ነሔድስ ኣለና። እቲ ክንበጽሖ እንደሊ ፍትሓዊ ዕላማ ድማ፡ ብቕኑዕ ሕጋዊ ኣገባብ ክንከዶ ኢና እንደሊ። ነቲ ዝገጥመና መሰናኽላት ብቕንዕና ሠሪሕና ከም እንዕወት ከኣ ንኣምን።

 

ሕዝብና ይጸንት ኢዩ ዘሎ። መንእሰይ ይጠፍእ ኣሎ። ብዘይ ሕጊ ንዕሥራን ሸውዓተን ዓመታት ተኸላቢትና ኢና። ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ኣብ ማሕዩር ይበልዩ ኣለዉ፥ ብዙሓት ካብኣቶም ብግፍዒ ሞይቶም ኢዮም። እዚ ዘለናዮ ዘመን፥ ዘመን ኣፈርክቡ ኢዩ ክንብል ጸኒሕና ኢና።

 

ሕጂ ድማ፡ ነቲ ዝነበረና ጓሂን ሻቕሎትና ዘጋድድ ኣካዪዳ ንዕዘብ ኣለና። እዞም ኣብ ሃገርና ብዘይግባእ፡ ብዘይሕጊ፡ ዝገዝኡ ዘለዉ ጉጅለስ እምበርዶ ነዛ ሃገር ዝሓልዩሉ ኣእሙሮን ልቦናን ኣለዎም ኢዩ? እምበዶኸ ይድንግጹ ኢዮም? ዚብል ሕቶ ኣልዒልና እንተ ኣሰላሰልናዮ፡ ነዛ ሃገር ካብ ክሓልዩላ ኬጽንቱዋ ዝተላዕሉ ኴኖም ይረኣዩኻ።

 

ንሕዝቢ ኤርትራ ዝሓልዩሉ እንተዝኾኑ፥  ሰብ ተጓሕጒሑ ክጠፍእ ስቕ ኢሎም ኣይምረኣዩን። መንእሰይ ሃገር ኣብ ዕርድታት ኣይምሃገሩዎን ኔሮም። ኮላሊት ኤርትራውያን ክሽየጥ ከሎ ምረድኡዎ ኔሮም። ርህራኄ እንተዝህልዎም፥ ኤርትራውያን ክጭወዩ ከልዉ፡ ክቕተሉ ከለዉ፡ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ ከለዉ፡ ምረድኡዎም ኔሮም። ሬሳታት ደቂ ሃገር ብኽብሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ፡ ብኽብሪ ከምዝቕበር ምገበሩ ኔሮም። ብሓቂ ክብረት እንተ ዝህሉዎም፡ ንሓዘንተኛታት መጸናንዑ ኔሮም።

 

ቅንዕና እንተ ዝህሉዎም፡ ነዛ ሃገር ብሕጊ መመሓደሩዋ ኔሮም። ብሓቂ ሓልዮት ሃገር እንተ ዝህሉዎም፡ ጽባሕ-ጽባሕ ኩናት እንዳ ጻሕተሩ፡ ደቂ ሕዝቢ ኣይመጥፍኡን ኔሮም።

 

ምዕባሌ ደቂ ኤርትራ ዝግድሶም እንተ ዝነብር፡ ኣብ ሃገርና ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲ ምሰርሑ ኔሮም። ፍትሓውያን እንተ ዝኾኑ፡ ንዜጋታቶም ብዘይ ክስን ብዘይፍርድን፡ ብዓመጽ ኣብ ቤት ማሕዩር ኣይመብለዩዎምን ኔሮም። ብሓቂ ዝሓልዩልና እንተዝኾኑ፡ ኣብ ሞንጎና ኣትዮም፡ ናይ ተንኮል ጽውጽዋይ እናመሃዙ፡ ኣይምበተኑናን ኒሮም።

 

ብሓቂ ንሕዝቢ ኤርትራ ዝሓልዩ እንተዝኾኑ፡ ባይቶናን ቅዋምናን ሒዝና፡ ብሓባር ዘቲና፡ ምስ ጎረባብትና ብሕጋዊ ኣገባብን ብሰላምን ክንነብር ምሓገዙና ኔሮም። ጉዳይ ሃገርና፡ ምስ ደቂ ጓና ኮይኖም ኣይምመኸሩሉን፡ ኣይምወድኡዎን ነይሮም።

ሎሚ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብዛዕባ ሕሰምን ጉድልነት ሕግን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ህላዌ ሃገሩ ክሻቐል ተገዲዱ ኣሎ። እቶም ብሓይሎም ዝገዝኡዎ ዘለዉ ጉጅለ፡ ናበይ ገጾም ይመርሑዎ ከምዘለዉ ጠፊኡዎ፡ ተደናጊሩ ይርከብ። መገዲ ልምዓትዶ መገዲ ጥፍኣት? ኣብ መወዳእታ ግን፡ ሕዝብና፡ ኣናፍራ ቆቛሕ ዝፈልጥ ክንድዝኾነ፡ ኣይጠፍኦን ኢዩ።

 

ኮሚቴ ሓድነት፡ ንህልው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ብቐዳምነት ሰሪዓ፡ ምስ ኩላቶም ኤርትራውያን ዜጋታት ተሓባቢርና፡ ተሳኒና ክንሠርሕን፡ ሕዝብናን ሃገርናን ክነድሕን ክንጔዪን ብኹሉ ሓይልና ክንጽዕር ኢና። ኩላትኩም ደቂ ሃገርና፡ ብእኩብ ይኹን ብውልቂ፡ እንኮላይ እቶም ኣብ ጉጅለ ዓመጽቲ ተስፋ ጌርኩም ዝነበርኩም ኣሕዋትናን ሓትናን፥ ኣብዚ ናይ ኣፈርክቡ ህሞት እዚ፡ ምእንቲ ሃገርኩም ኢልኩም፡ ኣብ ጎድኒ ሕዝብኹም ክትስለፉ ብትሕትና ንሓትት። ሓቢርና፡ ብሓድነት እንተ ጎዪና፡ ሕዝብናን ሃገርናን ክነድሕን ንኽእል ኢና።

 

እቶም ክስዕ ሕጂ ካብ ደምበ ጨቆንቲ ተፈሊኹም፡ ናብ ጎድኒ ውጹዕ ሕዝብኹም ዝተሰለፍኩም ሃገራውያን፡ ግቡእኩም ስለዝገበርኩም ክነሞጉሰኩም ንደሊ። እቶም ዝተረፍኩም ድማ፡ ክተርክቡዎም ተስፋ ንገብር።

 

ሃገርና በዚ እትኸዶ ዘላ እንተቀጺላ፡ ካብ ዘመን ኣፈርክቡ ናብ ዘመን ሓመድ-ድበ ክንወርድ ንኽእል ኢና። ናብዚ ከይወደቕና ከለና፡ ዘሔብን ሃገራዊ ግቡእኩም ክትገብሩ ምሕጽንታና ነቕርብ።

 

ኤርትራ ሃገርና ናይ ኩላትና ኢያ። ሃገር ከኣ ብሕጊ እያ እትመሓደር። ቅዋማዊ መንግሥቲ የድልየና ኣሎ። ስለዚ ሓቢርና፥ “ምሁር ይምሃረና፡ ለባም የመሓድረና፡ ሕጊ ይግዝኣና ንበል።

 

ኣሕዋትኩም፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

 

ጥሪ 2019 ዓ.ም.ፈ.

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • መፍቀሬ ኢየሱስ January 29, 2019

    Unity, unity, unity!
    It is high time for all Eritreans to wise-up, unite and rise-up against fragmentation and dictatorship. Yes, all Eritreans should join hands. Let’s elect people with integrity. ንሕዝቢ ኬገልግል ዝደሊ ውልቀ-ሰብ ይኹን ኣካል፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኬማልኦ ዘለዎ ነገር፥ ብግሉጽነትን ብተኣማንነትን ምሥራሕ ኢዩ።
    ሃገርና በዚ እትኸዶ ዘላ እንተቀጺላ፡ ካብ ዘመን ኣፈርክቡ ናብ ዘመን ሓመድ-ድበ ክንወርድ ንኽእል ኢና። ናብዚ ከይወደቕና ከለና፡ ዘሔብን ሃገራዊ ግቡእኩም ክትገብሩ ምሕጽንታና ነቕርብ።
    ኤርትራ ሃገርና ናይ ኩላትና ኢያ። ሃገር ከኣ ብሕጊ እያ እትመሓደር። ቅዋማዊ መንግሥቲ የድልየና ኣሎ። ስለዚ ሓቢርና፥ “ምሁር ይምሃረና፡ ለባም የመሓድረና፡ ሕጊ ይግዝኣና” ንበል።
    Indeed! God bless all Eritreans

  • k.tewolde January 30, 2019

    Keep plugging,keep forging forward,don’t give up.The moonless night gets intensely darker before the break of the crisp down,I have watched it many many times from a top of a hill or foxhole in my watch rounds spitting tobacco that was neatly tucked in under my lip.It is about to come to an end.