Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓመጻት ህግደፍ አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ – ብቀሲስ ፕሮፈሰር አትናቴዎስ ገብረአብ

ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ። ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ። ኦርቶዶክሳዊት

ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ

ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ።

ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡

ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ማለት እታ ብ330 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ስብከት ቅዱስ ፍሬምናጦስ (ኣቡነ ሰላማ፡ ኣባ ከሳቴ ብርሃን) ብወግዒ ዝተመስረተት፡ በጃካ እግዚኣብሔር ካልእ ናይ ደገ ምድራዊ ረዳእን ተጣባቕን ዘይብላ፡ ጥንታዊትን፡ ሉዓላዊትን ዝኾነት በዅሪ እምነት ህዝቢ ኤርትራ እያ።

ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናታ ፍሉይ ናይ ዘመን ኣቆጻጽራን ናይ ገዛእ ርእሳ ፊደላትን ዘለዋ ሃብታም ታሪኽ፥ ዘደንቑ ገዳማትን ኣድባራትን፥ ብዋጋ ዘይሽነን ቅርስታት፥ ማእለያ ዘይብሎም ብራናዊ ጽሑፋትን ዓቂባ ዝጸንሐት ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ መንፈሳዊ፥ ባህላዊ፥ ማሕበራዊ፥ ቁጠባዊ፥ ሥነ ፍልጠታውን ሃብታም ኣበርክቶን ሰፊሕ ተሳትፎን ጸኒሑዋን ኣለዋን።

ብተወሳኺ፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስቲ ኣብ ብመበል ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ብሰላም ናብ ኤርትራ ዝኣተወ እምነት እስልምና፥ ከምኡውን ምስታ ብመጀመርታ ብ1853 ዓ.ም. ኣብ ሔቦ ዝተመስረተት ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ከምኡውን ምስታ ብ1873 ኣ.ፈ ኣብ ጸዓዘጋ ዝተመስረተት ቀዳመይቲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብሓባራዊ ምክብባር፡ ብፍቕርን ስምምዕን ተላዚባ ትነብር ዘላ ኣደ እምነት ህዝቢ ኤርትራ እያ። ብአደነታውን ናይ አደ ክብራ፡ ብጀካ እዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት፡ ብህዝቢ ኤርትራ እናተኸብረት ከምዝጸንሔት ዝስሕቶ ሰብ ዘሎ አይመስለንን።

እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ብሐፈሻዊ አገላልጻ ናይ ኩሎም መግዛእትታት ተጽዕኖን ግዳይን ኮይና ኣይትፈልጥን ንምባል ኣይኮነን። ንአብነት፡ መግዛእቲ ጥልያን ንዓኣ ናይ መግዛእታዊ ዕላምኡ መሳርሒ ንምግባር ዘይፈንቀሎ እምኒ ከምዘይነበረ ከም አብነት ምጥቃስ አኻሊ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ዳርጋ ከም ፍርቂ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ መጠን፡ ኣመንታን ሰዓብታን ዘይተሳተፍዎ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ታሪኽ ሃገረ ኤርትራ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።ዋላኳ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ገለ ውሑዳት መራሕቲ ብናይ ውልቆም ውሳኔ ስማን ታሪኻን ዘንቅፍ ፍጻመ እንተ ገበሩ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቶም ዓገብ ዝበሉን ብሰፊሑ ዝተቓወሙን ሰዓብታ ቃል ውጹዕ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ምዃኖም ዝካሓድ ኣይኮነን።

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተረኤናውን፡ ከምቲ ኹሉ ካልእ ክፋላት ሕዝቢ፡ ብዓሰርተታ አሽሓት ዝቑጸሩ ክቡራት ደቃን ብአማእት ዝቑጸሩ ውሉደ ክህነትን ስለ ናጽነት በጃ ሓሊፎም እዮም።  ክልቲኤን ውድባት ክሰምራን ክፋቐራን መራሕታ መዚዛ ክሳብ ሜዳ ብምኻድ ኣብ ጉባኤ ዕርቂ ኳዜንን ካልእ ቦታታት ከበሳን ብምኹላል ዘይሕለል ጻዕሪ አካይዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለ ሓድነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ከፊላ እያ።

ነቲ ኣብ ሽዕብን ካልእ ቦታታት ሃገርናን ብወተሃደራት ደርጊ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ግፍዒ ርእያ ክምዘይረአየት ስቕ አይበለትን። ኣፋ ከፊታ ኣብ ኣድባባይ ንመራሕቲ ደርጊ ብምድሪ ፍርዲ፡ ብሰማይ ኵነኔ ኣሎኩም ! ኢላ ከም ዘውገዘት ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

እንተኾነ ግን፡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ኵለን ሃይማኖታትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ዘለዎ ኣረኣእያ ግጉይን ኣዕናውን ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። መሰረት ናይዚ ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባ ድማ ካብቲ “አምላኽ ዝበሃል ብፍጹም የሎን! ዝብል ጓና ፍልስፍና ክሕደት ዝተበገስ እዩ። ሱሩ ድማ ካብቲ “ሃይማኖት ንሰፊሕ ህዝቢ ዘልምስ ሓሽሽ እዩ! ዝብል ናይ ማርክሳዊ ኣረሜናዊ ፍልስፍና ዝቐድሖ ኮይኑ፡  ኣብ ኤርትራ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ንምትካል ነዊሕ ጸረ-ሃይማኖት መገዲ ሒዙ ተጓዒዙ እዩ።

እዚ ውድብዚ፡ ነቲ ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻ ሕብረተ-ሰብና ጨሪሱ ንምሕካኽን፡ ብባዕዳዊ ፍልስፋና ክሕደት ንምቕያርን ዘካየዶ ናይ ነዊሕ ጊዜ አዕናዊ ምንቅስቓስ መሪር ዝኾነ ፍሬታቱ ሎሚ ብጋህዲ ዝረአ ሓቂ ኮይኑ አሎ። አብ ኤርትራ ሃይማኖተ-አልቦ  ሕብረተ-ሰብ ንምትካል ካብ ዝገበሮ ዘመተታት ንምጥቃስ፡ ንኹሎም ተጋደልቲ፡ ክርስቲያንን አስላምን ብዘይ አፈላላይ ፡ሃይማኖታዊ እምነቶምን ክብረቶምን ብምግሃስ ብመገዲ ፖለቲካዊ ትምህርትን ናይ ካድር ስልጠናታትን ሕማቕ ኣተሓሳስባ ንምስራጽ ዘካየዶ ናይ ነዊሕ እዋን ዘመተ ሓደ መርኣያ እዩ።

ኦርቶዶክስ  ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ግን “ምስ እግዚኣብሔር ተቓሊሱ ዝተሳዕረ እምበር ዝሰዓረስ የልቦን! ካብ ዝብል መሰረታዊ ሓቂ ተበጊሳ እዚ ጸረ-ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ምስ ጊዜ ዝልወጥን ዘይብሱል ዕሸላዊ ሓሳብ እዩ ብማለት ብትዕግስትን ትዕዝብትን ትከታተሎ ነበረት። እዚ አተሓሳስባ ካብ ዊንታ ዘነቐለ ዘይኮነስ፡ አብ ዘመንና ዝተፈጸመ ታሪኽ ከይተረፈውን ዘረጋገጾ ትዕዝብቲ እዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ እቶም ንኣምልኾ እግዚኣብሔር ዝተጻረሩ መንግስታትን ስርዓታትን ኩሎም ሓፊሮምን ተሳዒሮምን እዮም። ንኣብነት ነቲ ብጸረ-ሃይማኖትነቱ ዝልለ ሰውራ ጥቅምቲ 1917 ሶቭየት ሕብረት እንተረአና፤ ካብ አበጋግሶኡ ጀሚሩ፡ ንሃይማኖታዊን መንፈሳዊ ውርሻ ሩስያ ንምድምሳስ ዋና ዕላማኡ ነይሩ። ነዚ አብ ግብሪ ንምትርጓም ከአ፡ ብፍላይ ንምጽናት ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስያትያን፡ ከም ቀንዲ ዕማሙ ጌሩ ተንቀሳቐሰ። አብተን ናይ 70 ዓመታት ሓጸርቲ  ዕድሜኡ፡ 600 ጳጳሳት፡ 40 ሽሕ ዝኾኑ ካህናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ አመንቲ ከምዘሕቀቐ ናይ ትማሊ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። አሰር እምነት ንምጥፋእ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ አብያተ ክርስትያናት ከምዘፍረሰን፡ ናይ እንዳማቱ ንብረት መንዚዑ  ንጥቕሙ ከምዘውዓሎን ይፍለጥ። ግን አብ መወዳእታ፡ መኒኦም ጠጠው  ኢሎም? ሶቭየት ሕብረት ምስቲ ዝመሽመሸ አዕናዊ ፍልስፍናኡ ናብ ጎሓፍ ታሪኽ ክድርበ እንከሎ፡ እምነት ግን ከምዚ ናይ ሎሚ ክሳብ መወዳእታ ዓለምውን ክዕምብብ እዩ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ወግዓዊ መርገጺኣ፡ ነጻነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኾነ፡ ብደገፍ ሓይሊ እግዚኣብሔር፥ ብጸሎት ኩሎም ሃይማኖታት፥ ብንብዓት ኣዴታት፥ ብግፍዒ ውጹዓት፥ ብጉልበት መንእሰያት፡ ብተወፋይነት ስዉኣት፡ ብምትሕብባር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነበረ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ትርዳእ።

ብድሕሪ ነጻነት፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ ነዊሕ ጊዜያት ብሃጼ ሃይለ ሥላሴ ዝተአወጀ “ሃገር ናይ ኩሉ ፡ሃይማኖት ናይ ግሊ! ዝብል፡ ማሕበራውነት ትሕዝቶ እምነታት ዝጻረር ጭርሖ ከም ናቱ ሓሳብ ገይሩ ምስ ዘርግሐ፡ ንማሕበራዊን ሃገራውን ረብሓን ሕድሕዳዊ ምክብባር ዝዕድም አፋፍኖት ስለዘምሰለ፡ ዕቃቤታት እንዳሃለዋ ግን ኣይተቓወመቶን።

እንተኾነ ግና መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ሜላን ተንኮልን ናብ  ኦርቶዶክስ  ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ኢዱ ከእቱ ጊዜ አይወሰደሉን። ነዚ ከም ቅዉም ፖሊሲኡ ገይሩ ክሰርሓሉውን ድሕር ኣይበለን። ከም ውጽኢት ናይዚ ሓደገኛ ፖሊሲ ድማ ነዚ ዘሎናዮን ብዓይንታትና እንርእዮን ሕሱም ኩነታት ወለደ።

ኣብ 1997 ዓ.ም. ጊዜ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋምውን መራሒ ሃገር (ፕረዚደንት) ነቲ አቀዋውማ ሕብረተ-ሰብና፡ ባህልናን፡ ሃይማኖታዊ ስርዓትናን ድሕሪ ደጊም ቦታ ከምዘይህልዎ ንምሕባር፡ ብድፍረት፡ “ብስም ስዉኣት ክምሕል! ንዝብል ሓረግ ብምእታዉ፡ እዚ ባዕዲ ቃለ-መሓላ መሰል ሃይማኖትን ሃገራዊ ክብረትን ዝጻረር ብምዃኑ ኣይተሓጎሰትሉን።

ካብ 1996 ንነዊሕ ጊዜያት አብ ዝተፈላለያ ቀጽሪ አብያተ ክርስትያናት ብገለ ባእታታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ንብረታት አብያተ ክርስትያናት ምንዳድ ዘመተታት አብ ዝተካየደሉ እዋናት፡ መንግሥቲ እዚ ጉዳይ ከምዘይምልከቶ ገጹ ጠውዩ ይርኢን የተባብዖን ነበረ።   አብ መወዳእታ ናይዚ ዘመተ ብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ብድፍኢት ሃይማኖታዊ ጉዳያት አብ አስመራ ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ማርያምን ቅድስት ሥላሴን ዘጋጠመ ምንዳድ መጽሓፍ ቅዱስን ምዕናው ንብረት ቤተ ክርስቲያንን ክጥቀስ ይከአል።

ደድሕሪ ናጻነት ኤርትራ፡ ካብ መጀመርያ ዕድሜኡ ጀሚሩ አንጻር ሃይማኖት ምስልምና፡ “ጸረ ግብረ-ሽበራውያን ዝብል ስም ብምጥቃን ሰፊሕ ናይ ምእሳር ዘመተ አካይዱ። ቑጽሮም ኣዝዩ ብዙሓት አመንቲ ሃይማኖት ድማ ኣሰሮም ክሳብዛ መዓልቲ እዚአ አበይ ከምዝአተዉ አይተፈልጠን።

ብዕለት 17 ወርሒ 5፡ 2002 ዓ.ም. ዝባኑ ቀሊዑ፡ ነተን “ብንኡሳን ሃይማኖታት” ዝፍለጣ  ኩለን እምነታት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ንመብዛሕትኦም መራሕተንን አመንተንን ከም አራዊት እናሃደነ በማእት ናብ ዘሰክሕን ብኢሰብኣዊ ኣተሕሕዛ ዝፍለጣ ወተሃደራውያን ኣብያተ ማእሰርቲ ደርቢይዎም ይርከብ።

ከምኡውን አብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን፡ ሰብ ብገርሁ ኣዳሂልሉ ዝፈጸሞ ዓመጽ፡ ካብ ሕዳር 2004 ዓ.ም.  ጀሚሩ ኸኣ ብቅሉዕ ጸረ እቲ ጥንታዊ ኃይማኖት ወጢንዎ ዝጸንሐ ናይ ዕንወት መደብ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ነቶም ንዝግበር ዓመጽ ዓገብ ኪብሉ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ኣዕይንቲ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ምሁራት አቦታት ካህናት አርዩ ናብ ማሕዩር ምስ ኣእተዎም፡ እኔሄ በዛ ወርሒ እዚኣ ሻሙናይ ዓመቶም አበይ ከምዘለዉን ገበኖም እንታይ ምዃኑ ከይተነግሮምን ሃለዋቶም ጠፊኡ ይርከብ።

አብ መወዳእታ መበል 2005 ዓ.ም. ን3ይ ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንፈሳዊ ማዕርጎም ብጎነጽ ድሕሪ ምውራድ፡  አብ መጀመርታ አዋርሕ 2006 ዓ.ም. አብ ማሕይሩ አእትዮዎም። እዞም ሎሚ ሻድሻይ ዓመቶም  ተሓይሮም ለይትን ቀትርን ዝሕለዉ ዘሎዉ ኣቦ፡ አብ ልዕሊ ወዲ 86 ዓመት ምዃኖም፡ ምንም ናይ ጥዕና ክንክን ተሓሪሞም ብረድኤት እግዚኣብሔር ድኣ ብህይወት ይነብሩ ኣለዉ እምበር ብምኽሪ’ዚ ማንም ቆጽሊ ዘይንበረሉ ስልጣን ብሓይሉ ዝመንዝዐ ስርዓት ንሞት ኣሕሊፎም ሂቦሞም እዮም እንተተባህለ ጨሪሱ ምግናን አይኮነን። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ አንጦንዮስ ኣሰር ኣቦታቶም ቅዱሳን ሰማእታት ቤተክርስትያን ብምስዓብ ክሳብ ሞት እሙን ብምዃኖም ኣብ ርእሲ እቲ ሰማያዊ ኣኽሊል ብሕዝቢ ኤርትራ’ውን ንወለዶታት ኪዝከር ዝነብር ታሪኽ ይገድፉልና ኣሎዉ።

መዘካኸሪ ንክኸውንውን እዚ ገበን እዚ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ሓበሻ ኣብዚ ሓጺር ዘመን ንኻልኣይ ጊዜ ዝተፈጸመ ገበን እዩ።

ኣቡነ ቴዎፍሎስ ፡ ካልኣይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ከመይ ብደርግ ከም ዝተቐትሉ ንሕሰብ። ብ1976 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ካብ ስልጣን ኣውሪዱ መቝሑዎም። ድሕሪ ብኣረሜናዊ መንገዲ ንእቡነ ቴዎፍሎስ ምቕታሉ ኸኣ ንሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሓዲሽ ፓትርያርክ ንክሓርዩ ኣገዲዱ ንኣባ ተኸለ ሃይማኖት “ሳልሳይ ፓትርያርክ ንኽኮኑ ኣገዲዱ ኣቕቢኡዎም ። ኣብዚ ክሕተታ ዝግብኤን ክልተ ዓበይቲ ሕቶታት ኣለዋ። ገበን ኣቡነ ቴዎፍሎስ እንታይ እዩ ነይሩ?

እምበኣርከስ፡ ብዓይኒ ደርጋውያን ከም ገበን ዝተራእያ እዘን ዝስዕባ ተባዕ ስጉምትታትትን መርገጺታትን ኣቡነ ቴዎፍሎስ ነበራ።

ቀዳማይ፡ ነቶም ብግፍዒ፡ ብዘይ ፍርዲን ብጃምላን ዝተቐትሉ 60 ሰብ-ስልጣናት ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ “ዓገብ ማለቶም እዩ።

ካልአይ፡ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ብደርግ ምስተቐትሉ ካብ ደርጋውያን ፍቓድ ከይሓተቱ ፍትሓት ገይሮምሎም።

ሳልሳይ፡ ቤተ ክርስትያን ካብ መንግስቲ ክትፍለይ ኣለዋ ንዝብል እምነት ደርጋውያን ተጠቒሞም፡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሓሙሽተ ጳጳሳት ሸይሞም።

ራብዓይ፡ ነቲ ጸረ-ሃይማኖታዊ ዝኾነ ስርዓት መሳርሒ ክገብርዎም ከምዘይክእሉ ስለዝተረድኦም ከሕቅቕዎም ወሲኖም።

ሕቶ፡  ኤረ ንምዃኑ ንኣቦናን ፓትርያርክናን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ  ካብ ሃዋርያዊ ስልጣኖም ከልግሶምን ከእስሮምን ይኽእላ እየን ተባሂለን ዝተኣልማ ክስታት እንታይ እየን?

ቀዳማይ፡ ንአቶ ኢሳይያስ አፈወርቂ እቶም ኣዕይንቲ ቤተ ክርስትያን ዝኾኑ ምሁራት ካህናት ኣብ 2004 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ትሃዲኖም  ብዘይ ናይ ዝኾነ ገበን ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲን ክእሰሩ ከለዉ፡  ኣቦና ስለቶም ካህናት ንመራሕ ሓገር ዓገብ ስለዝበሉ እዩ። እታ ዝተዛረብዋ ቃሎም ከኣ እዚኣ እያ፡ “እዞም ብመንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ካህናት ዝተኣሰሩሉ ገበን እንተልዩሞ ገበኖም ንመንግስትን ሕጊ ሃገርን ዝምልከት እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክፍረዱ ይግባእ። ገቢሮሞ ዝበሃል ገበን እንተ ሃልዩ፡ እሞ ኸእ እቲ ጉዳይ ንቤተ ክርስትያን ዝምልከት እንተ ኾዩኑ፡  ግን ይፈትሑ። ቤተ ክርስትያን ባዕላ ድማ ነቲ ጉዳይ ትርኣዮ ስለዝበሉ እዩ።

ካልአይ፡ እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ትሕቲ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ዝውሕዙሞ ኣብ መንፈሳዊ ማእዲ ቤተ ክርስትያኖም ስለዝተሳተፉ፡ ብመንግስቲ ተስጕጎም ሽሞምን ዘይሽሞምን ንዘተውሃቦም መንእሰያት ኣውጊዝኩም ነቲ ቤተ ክርስትያን ዕጽዉዎ ዝብል ትእዛዝ ምስተዋህቦም፡ ኣቦና ዝሃቡዎ መልሲ ስለ ዘቖጥዖም እዩ። እቲ ዝሃቡዎ መልሲኸ እንታይ ዝብል እዩ ነይሩ? “ኣነ ቤተ ክርስትያን ክኸፍት እምበር ንክዓጽው ኣይምሓልኩን። ሎም ኣይዓጽው፡ ጽባሕ ኣይዓጽው። ቤተ ክርስትያን መማህራን ሂባ ደኣ ትሕግዞም እምበር፡ ደቃስ ኣይትሰጕግን ዝብል መልሲ ስለ ዝሃቡ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣነ ኣግልጋሊ ቤተ ክርስትያን እምበር ተለኣኣኺ መንግስቲ ኣይኮንኩን ኢዮም ኢሎም።

ሳልሳይ፡ ስልጣን ኣቶ ዮፍታሄ  ወዲ ቐሺ ዲሜጥሮስ  ዘይሕጋዊን ንምዕምጻጽ/ንምቍጽጻር ቤተ ክርስትያን ዝተመዘዘ ፖለቲካዊ ብዓል-ስልጣን ከምዝኾነን፡ ብዘይ ድልየት ቤተክርስትያን መንግስቲ ዘምጽኦ ሰብ ስለዝኾነ  ካብ ሕንትሽትሽ ቤተ ክርስትያን ከወጽእ ኣለዎ ስለዝበሉ እዩ።። እዚ ድማ ብኣግኡ ብጹእ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሩሉ እውን፡ መንግስቲ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ከእትው ምስረኣይዎ  ንመራሕ ሃገር ኤርትራ ዝተዛረቡዎ  ስክፍታን ትንቢታዊ ዝኾነ ቃልን ዘቃልሕ፡ “ኣታትየና እምበር ኣይትተሓንገረና ዝብል ቃል እዩ ነይሩ። ብትብዓት ንዝተዛረቡዎ ቃል ድማ ብጹእ ኣቦና ቅድመ 16 ዓመት ዋጋ ከፊሎምሉ እዮም። ናብ ስደቶም ድማ ከምርሑ ተገዲዶም።  ብጹእ ኣቡነ ኣንጦንዮስውን ዝበሉዎ ንሱ እዩ። 

ራብዓይ፡ አብ ኤርትራ ፍትሒ ንኽህልው ስለዝተዛረቡ እዩ።

ሎሚ እምበኣርከስ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ካህናትን መነኮሳትን ኣብ ትሕቲ ቀይድን ማእሰርትን መንግስቲ ኤርትራ ይሳቐዩ ኣለዉ።

ልዕሊ 3000 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ብሓይሊ አብ ግዱድ ውትህድርና ተዓስኪሮም ይጭነቑ ኣለዉ። አማእትውን ካብዚስ ስደት ይሕሸና ብምባል ናብ ስደቶም አምሪሖም እዮም። እዚ ኸአ ኮነ ኢልካ ነቲ ንኣማእቲ ዓመታት ብገዛእቲ ባዕዳውያን መንግስታት’ኳ ክሳዕ ክንድዚ ዝይተደፍረ ጥንታዊ ኃይማኖት ንምብራስ ዓሊሙ ዝትግበር ዘሎ አዕናዊ ፕሊሲኡ እዩ።

ሞባእ (ሙዳየ-ምጽዋት) ናይ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብፍላይ ካብ 2009 ጀሚሩ፡ ብልኡኻቱን ብሓለዋ ወተሃደራትን ተኣኪቡ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ይእከብ አሎ።

ቅርሲታት ገዳማት ኤርትራ ተዘሚቱ እዩ።

ኣብ ወጻኢ ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብኤምባሲ ሃገረ ኤርትራን ዕሱባት ልኡኻትን ጌሩ ካብ 2005 ጀሚሩ ዝገበሮን ገና ዝገብሮ ዘሎን ጸለመን ክስታትን ምብትታን ምእመናንን ኣየቋረጸን። ነዚ ዘመተዚ አብ ምሉእ አውሮጳን ካልእ ክፍልታት ዓለምን ይቕጽል አሎ።

ኣብ ልዕሊ ውፉይ ናይ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ መራሒና ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ስዉርን ግሁድን ተጻብኦታት ብምዝርጋሕ ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ መንጎ ምእመናን ባእስን ሕንፍሽፍሽን ከእቱ ለይትን መዓልትን ይጽዕር አሎ።

ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ምእመናን ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ትውልዲ ዓዶም ኤርትራ ከይዶም ከይቅበሩን ጸሎተ ፍትሓት ከይግበረሎምን ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተኸታቲሉ ይኽልክሎም።

ንካህናትን ዲያቆናትን ድማ ምስ ስድራ ቤቶምን ደቆምን ከይተኣኻኸቡን ንሃገሮም ከይኣትዉን ኣጽኒዑ ሃገራዊ መሰሎም ክኸልኦም ይርከብ።

እዚ ክብል እንከሎኹ ሓደ ዓቢ ሓቂ ነስተውዕል፡፡ ኩለን  እምነታት ኤርትራ – ኦርቶዶክስ፡ ሃይማኖት ምስልምና፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ኩለን ከኒሻዊን፡ ካልኦት እምነታትን – ብዘይ አፈላላይ ንነዊሕ እዋን ናይዚ ስርዓት ግዳያት ኮይነን ጸኒሔን እየን። እዚ አብ ሥልጣን ዝርከብ ወንጀለኛ ስርዓት፡ ብዝኾነ መምዘኒ፡ ንዝኾነት እምነት ዘይሓድግ፡ ናይ ኩለን እምነታት ዋና ጸላኢ ምዃኑ ንማንም ዝተስወረውን አይኮነን።

ግን ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህረና፡ (2 ቆሮ. 4፡9-18) “ብኹሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጎግ፡ ድርቡያት ግና ኣይኮንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።

እምበኣርከስ፡ ዝኸበርኩም ስለ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዓጢቕኩም ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም፡ ብዘይ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታውን፡ ጾታውን  ፍልልያት አብዚ ቦታ እዚ ተአኪብኩም ዘለኹም ወኪላት ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሓብራትን፡ ናይ ሃይሞኖት መራሕቲን፡ ምሁራትን፡  ከም ካህን ኦርቶዶክስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣገደስቲ ዝብለን ነጥብታት የቕርብ።

መሰል እምነት ቀዳመይቲ መሰል ተባሂላ ትጽዋዕ። ንምንታይከ ከምዚ ትጽዋዕ? እምነት ናይ ሕሊና ጉዳይ ስለዝኾነት። ኩለን ካልኦት መሰላት – ናይ ምዝራብ፡ ናይ ምጽሓፍ፡ ናይ ምእካብ…  ወዘተ – ካብ ሕሊና ወጻኢ ዝፍጸማ፡ ብዓይኒውን ዝረአያ ግሁዳት መሰላት እየን።  ሕልና ደቅ ሰብ ዝመሕደሪኣ መሰል እምነት ግን ብቐዳምነት ስትርቲ፡ ድሒራ ግን ግህድቲ ትኸውን። መሰል እምነት ከይሃለወ እምበኣርከስ፡ ዝኾነ ካልእ መሰል ክህልው አይክእልን። እዛ መሰል እዚኣ ማንም ሰብ ወይ ሓይሊ ከም ትኳቦ ዘይህበካ፡ ማንም ሰብ ወይ ሓይሊ ኽአ ከሕድገካ  ዘይክእል፡ ምስ ምስትንፋስ  እትመሳሰል ተፈጥሮአዊ መሰል ከምዝኾነ  ቤተ ክርስትያን ትአምን።

  1. እምበኣርከስ፡ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ዘኽብር ህዝብን ሃገርን፡ ወትሩ ብሰላምን ቅሳነትን በረኸትን እዩ ዝነብር እሞ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ክብሪ ኣምላኽ፥ ነጻ መሰል ሃይማኖታትን፥ መሰል ደቂ ሰባትን ክኽበር ይጽውዕ።
  2. በብጊዜኡ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓቅን ፍትሕን እንተ ሰሚሩን ተፋቒሩን ጊዜ ዘምጽኦ ጊዜ ከም ዝወስዶ ምንም ዘጠራጥር ከም ዘይኮነ የረጋግጽ።
  3.  ሕብረት፡ መሰረት ናይ ኩሉ ዓወት ብምዃኑ፡ ኩሉ ኣብዚ ጉባኤዚ ዝግበር ምርድዳኣትን ውሳኔታትን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም፡ ምፍልላይ ናይ ሃይማኖት፥ ዓሌት፥ ሕብሪ፥ ጾታን ቦታን ዘይብሉ፥ ፍቕርን ሰላምን ዘስፍን ንዕቤትን ምዕባለን ዘውሕስ ክኸውን እላቦ።
  4. ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጂውን እግዚኣብሔር ኣብ ዝመደቦ ጊዜን ሰዓትን ንኣምላኽ ዝፈርሑ፥ ብሕግን ፍትሕን ዝመርሑ፥መሰል ሃይማኖትን መሰል ደቂ ሰባትን ዘኽብሩ፥ ዕርቅን ሓቅን ዘቐድሙ፡ ክቡራትን ለባማትን መራሕቲ፡ እግዚኣብሔር ከም ዘተንስእ እምነትን ናይ መዓልታዊ  ጸሎት ቤተክርስትያን ምዃኑ አዘኻኽር።

እግዚአብሔር ናይ ተስፋ ጊዜ የርእየና።

እግዚኣብሔር ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም፡ ራሕዋን ቅሳነትን የምጽአሉ።
እግዚአብሔር ነዚ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ አደራዕ ይቐንጥጠሉ።
አብዚ ተጋቢእኩም ንዘሎኹም አቦታትን፡ አዴታትን፡ ኣሕዋትን፡ አሓትን፡ መንእሰያት ደቅናን ከአ፡ ልዝብነት፡ ልቦና፡ ምስትውዓልን፡ ምክእአልን ይሃብኩም።

እግዚኣብሔር ንኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ይባርኽ!
ምስ ኩለን ጎረባብታ ድማ ብስኒትን ብፍቕርን የንብራ። አሜን።
___________________________________________________________________________
እዚ መደረ’ዚ ብካህን ፕሮፈሰር አትናቴዎስ ገብረአብ ኣብ ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክኸውን ከሎ፡ ከም’ቲ አብ ቅድሚ’ቲ ጉባኤን ኣብ መድረኽን ዘብርሁዎ፡ ናይ ውልቆም ርእይቶታት እምበር ንዝኾነ ባእታ ዝውክል አይኮነን።
________________________________________________________________________

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • The Bee December 15, 2011

    I respect the honorable writer and more I respect all those Eritreans like the Orthodox Bishop who made a stand even if it means imprisonment or loss of life. These are the courageous Eritreans like the many who are in jail or who sacrificed their lives for the sake of Truth.

    We must address the weakness though if there is going to be a change or correction. The Orthodox church’s weakness is one of the major reasons of our current mess. Many times they refused to stand up for the truth and weakened themselves and became the PFDJ comedy house. Let me qualify it. First, when the Jehovas were persecuted they participated. Little did they know that was “persecution of faith” and that some day they will be the victims. Okay you might say the Jehovas were hated socially. Well following that the Pentecostal Christians who fought and sacrificed for their country like any other Eritreans were also persecuted and the Orthodox Church participated in this. Then when PFDJ acted like God and selected only four religions, the Orthodox church was passive. Guess what, they came to the Holy house and abused the head bishop. Then some cried fowl, and many are still silent or supportive. The diaspora churches are divided, in other words the people are all divided. And that is exactly PFDJ wanted and they got it.

    Fear and passiveness gave us loss of our freedom. Stand-up for the truth people!!!! Don’t deny history, accept the good and learn from the ugly.

  • The Bee December 15, 2011

    Continuation….
    Yes, it is good to bring about the proud moments and only celebrate how great you are, and feels better not even to bring up the embarrassing moments. But how can you reconcile with your people if you don’t admit your wrong doings.

    There is another history of the Orthodox that we need to recognize. The Orthodox Church is responsible for persecuting Protestant Christians during the reign of Haile Selassie, especially in the 1930’s and 40’s. Geza Kenisha pioneers were hiding in the mountains of Ghindai (the city on the road to Massawa) fearing for their lives from the Orthodox church.

    I am bringing these to make a point. Freedom starts within you. You have to be a free thinker and liberated, before you can give freedom to your fellow brothers and sisters. The Orthodox church needs to get out from the old archaic mentality and begin to accept and teach its own youth to be modern by incorporating their faith, not persecute them. Reformation is needed.

    • turana December 15, 2011

      I’m an orthodox follower and I cannot agree more with you

POST A COMMENT