Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓመጽ ሃገራዊ ሕጊ ኣብ ዝኾነሉ ሃገር ኣንጻር ዓመጽ ምቅላስ ሃገራዊ ግቡእ እዩ!

ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 21 ጥሪ፤ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" ታንክታትን ረሻሻትን ኣምሪሖም ብዝመጹ ኣስታት 200 ወተሃደራትን ኣዘዝቶምን ተኸቢቡ ከም ዝወዓለን  ንሓጺር እዋን ሕቶ ፖለቲካዊ ጽገናታት ዝሓዘ መግለጺ ኣብ ኤሪ ቲቪ ብኣስገዳድ ከም ዝተፈነወን ተኸታቲልና። ኣብዛ ከቢድ

ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 21 ጥሪ፤ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” ታንክታትን ረሻሻትን ኣምሪሖም ብዝመጹ ኣስታት 200 ወተሃደራትን ኣዘዝቶምን ተኸቢቡ ከም ዝወዓለን  ንሓጺር እዋን ሕቶ ፖለቲካዊ ጽገናታት ዝሓዘ መግለጺ ኣብ ኤሪ ቲቪ ብኣስገዳድ ከም ዝተፈነወን ተኸታቲልና። ኣብዛ ከቢድ ራዕዲ ዝሰፈናን ህዝባዊ ይኹን ወተሃደራዊ ምልዕዓል ኣይሕሰበላን እትበሃል ዝነበረት ሃገር ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ከጋጥም ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ ኣብታ ብዘይካ ሓሶት ሓቀኛ ምስሊ ሃገርና ነጊራትና ዘይትፈልጥ ኤሪ ቲቪ ፖለቲካዊ ለዉጢ ዝጠልብ ጽሑፍ ክመሓላለፍ ምብቅዑ ታሪኻዊ ክስተት እዩ ነይሩ። መላኺ ኢሳያስ ኣብ ነባሪ ኮረሻ ስልጣን ከም ዘይተቐመጠ ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ዝተመሓላለፈሉ ድማ እዩ ነይሩ።

ከምዚ ብሰኑይ ዘጋጠመ ዓይነት ተርእዮ ገና ክዉደብ ከሎ ቀዳማይ መደብ ናይቶም ወደብቱ ዝኸዉን፤ ናይ ሓበሬታ ትካል ምቁጽጻር እዩ። ምኽንያቱ ንዋሕዚ ሓበሬታ ክቆጻጸር ዝኽእል ወገን እዩ ነታ ሃገር እዉን ክቆጻጸር ዝኽእል። መራሕቲ ናይቲ ንሚኒስትሪ ዜና ዝተቖጻጸረ ሓይሊ ድማ ነዚ መሰረታዊ ሓቂ ዝተገንዘብዎ ይመስሉ። ስለዝኾነ ከኣ ተቐዳዲሞም ጠለባቶም ዝሓዘ ጽሑፍ ብኹሉ መራኸቢ ብዙሃን ዉሽጢ ሃገር ከም ዝመሓላለፍ ገበሩ። ኣብዚኣ ዝተጋገይዋ ነገር እንተነይራ ማዕረ ማዕረ ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ኣብ ቤት ገርጊሽን ሰላዕ ዳዕሮን ዝርከብ ትራንስሚተራት ኤሪ ቲቪን ድምጺ ሓፋሽን እዉን ብመደብ ከይተቖጻጸርዎ ምጽንሖም እዩ።

ሚኒስትሪ ዜና ማእከል ሳንሱራዊ ተግባራት ስርዓት “ህግደፍ” እዩ። እቲ ኣብ ጋዜጣ ዝሕተም ኮነ ኣብ ኤሪ ቲቪን ድምጺ ሓፋሽን ዝፍኖ ትሕዝቶታት ኣብዚ ትካል እዩ ዝሰናዳእ። ስለዚ ንህንጻ ናይዚ ትካል እዚ ዝቆጻጸር ሓይሊ ነቲ ሓበሬታ እዉን ክቆጻጸር ይኽእል ማለት እዩ። ሰኑይ ዕለት 21 ጥሪ እምበኣር ቁጽጽራዊ ዓቕሚ ስርዓት ኢሳያስ ዘይከም እቲ ዝበሃለሉ ሰንኮፍን ንሓደጋ ዝተቓልዐን ምዃኑ ኣርእያትና እያ። እቲ ወተሃደራዊ ምልዕዓል ካብ 12 ሰዓታት ዘይበዝሕን ቅጽበታዊ ሓደጋ ዘይፈጠረን እኳ እንተነበረ ማሕበረሰብ ዓለም ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ብድሕሪ መጋረጃ ፕሮፖጋንዳ “ህግደፍ” ንዘሎ ስዉር ሓቂ ክፈልጥ ግን ኣኽኢልዎ እዩ።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ንኸምዚ ዓይነት ስጉምቲ ዝወለደ ጠንቂ፤ እቲ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ኣይ ምስ ዓለም ኣይ ምስ ህዝቡ ዝኾነ ስርዓት ለዉጢ እንተዘየተኣታትዩ እታ ሃገር ብዘይ ለዉጢ ዉዒላ ክትሓድር ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ስለዝበጽሐት እዩ። እቶም ነቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣባላት ሰራዊት ድሌት ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ሕቶ ሒዞም እዮም ነቲ ስርዓት ብሓይሊ ብረት ክብድህዎ ፈቲኖም። ከምኡ ብምግባሮም ከኣ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ካብ መሰረቱ ተባሕጒጉ በይኑ ዝተረፈን፤ እቲ ብፕሮፖጋንዳዊ ሓይሊ ዝፈጠሮ ናይ ሓያልነት ምስሊ እዉን ባዶሽ ምዃኑን ብዘየወላዉል ኣገባብ ዘርኢ እዩ። ኩነታት ኤርትራ ኣጸቢቑ ከም ዝበሰለን ናይ ለዉጢ ቃልሲ ኣብ ወሳኒ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ዘመልክት እዉን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ኣገዳሲ ዝገብሮ ድማ ኣቓልቦ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሰሓበን ዝግባእ ሸፈነ ዝረኸበን ፍጻመ ምንባሩ እዩ።

ኩለን እተን ጸላዊ ተራ ዘለወን ማዕከናት ዜና ዓለም ከም ብዓል ኣልጀዚራ፤ ቢቢሲ፤ ሲ.ኤን.ኤን፤ ኒዉ ዮርክ ታይምስ፤ ኤ.ኤፍ.ፒ…..ወዘተ ነቲ ፍጻመ ኣብ ዘቃልሓሉ ዝነበራ እዋናት ንኩነታት ኤርትራ ዝገልጽ ሓቀኛ ድሕረ ባይታ እዉን የስፍራ ነይረን እየን። ገለ ካብቲ ብዛዕባ ሃገርና ዘስፈርኦ ሓቅታት፤ ኤርትራ ክሳብ 10 000 ዝበጽሑን ገጽ መጋብኣያ ዘይረኣዩን እሱራት ፖለቲካ ዘለዋ፤ ብዘይ ሕገ መንግስቲ እትመሓደር፤ ብመንጽር ብዝሒ ህዝባ ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ማለት ክሳብ 200 000 መንእሰያት ኣብ ግዱድ ዕስክርናን ግዱድ ጉልበታዊ ዕዮን እተጸምደላ፤ ብዲፕሎማሲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተነጸለትን ምስ ጎረባብታ ስኒት ዘይብላን፤ ብስግረ ዶብን ንግዲ ወዲ ሰብን ሸርፊ ወጻኢ ንምርካብ ሃነፍነፍ ዝብል ጉጅለ ዝመርሓ፤ ኣብ ዓለም ኣለዋ ካብ ዝበሃላ ግሉጽነት ዘይብለንን ብብልሽዉና ዝተበከላን ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት፤ ወዘተ ዝኣመሰሉ መግለጺታት ምስናይ ጭብጥታቱ ብምቕራብ እዛ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ዝተራእየላ ሃገር መን ምዃና ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ንዓለም ኣዘኻኺረናኣ እየን።

በዚ ናይ ሰኑይ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ፍጻመ እንርድኦ ነገር እንተሎ፤ ስርዓት ኢሳያስ ዋላ እኳ ማዕከናት ዜናኡ ብዝፈጠርኦ ዝተጋነነ ምስሊ ሓያልን ስጡምን እንተመሰለ ህዝቢ ክቃለሶ እንተፈቲኑ ብቐሊሉ ዝሩኽመሽን ነዉኒዉካዮ ዝፈርስን ኳና ስርዓት ምዃኑ እዩ። ይትረፍ ረብሓ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ሕቶ ሒዝካ ብተራ ናዕቢ’ኳ ክእለ ዝኽእል ስርዓት ምዃኑ ልቢ ንዘለዎ ዘረድእ እዩ። ቀዳማይ ነገር ኣበገስቲን ተሳተፍቲን ናይቲ ኣራሚ ምንቃስቓስ ከበድቲ ኣጽዋር ተኾልኲሎም ካብ ግንባር ጸሮና ክሳብ ኣስመራ ዝኣትዉ መን ኢኹም ዝበሎም ዘይምንባሩ፤ ኣብ ርእሱኡ ድማ ንሚኒስትሪ ዜና ን12 ሰዓታት ኣኽቢቦሞ ክዉዕሉ ከለዉ ዝኾነ ጎነጻዊ ግብረ መልሲ ብሸነኽ እቲ ስርዓት ዘይምምጽኡ ዘመልክቶ ነገር እንተሎ እቶም ምዑታት ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ብድሕሪኦም ሰፊሕ ደገፍ ዝነበሮ ተቓዉሞ ከም ዘልዓሉ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ስርዓት ንኸምኡ ዓይነት ተባዕ ተበግሶ ዝከላኸል ዓቕሚ ከም ዘይብሉ እዉን እዩ ዘርኢ።

እቶም ነቲ ኣራሚ ምንቅስቓስ ብከቢድ ብረት ተሰንዮም ዝጀመርዎ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሚድያ ክቐርበሎም ዘስገደድዎ ሕቶ፤ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝጠልብ ነበረ። ብሓፈሽኡ ኤርትራ ብሕገ መንግስቲ ክትምራሕን ናይ ኩሉን ንኹሉን ትኾነሉ ሃዋሁ ክፍጠርን  እዮም  ሓቲቶም። በዚ መንጽር ክንርእዮ ከለና እቲ ፈሺሉ ወይ ኣይተዓወተን ዝብል ኣበሃህላ ትርጉም ኣይህልዎን። ብመሰረቱ እዉን እቲ ጠለብ መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ስለዝኾነ ብምፍርራሕ ጥራይ ዝቕህም ኣይክኸዉንን እዩ። ክሳብ ናይ መወዳእታ መልሲ ዝርከብ ክቕጽል ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ።

እዚ ፍጻመ እዚ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ኣብ ዉሽጢ ስርዓት ኢሳያስ ንዘሎ ዘይርጉእነት ዘመልክቱ ዝተፈላለዩ ተርእዮታት ተኸሲቶም እዮም። ንዘስተብሃለሎም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጉም ነይርዎም እዩ። በዞም ፍጻመታት እዚኣቶም ኤርትራ ሃገርና ካብ ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ሓያለ ፍጻመታት ብምእንጋዳ ስማ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ክለዓል ወሪሑ እዩ። ዝበዝሕ ካብኡ ድማ ንህድማ ኣገደስቲ ሰባት ዝምልከት እዩ።

ኣብ ዉሽጢ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ዕምሪ ስልጣን “ህግደፍ” ንምንዋሕ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ዝነበረ በዓል ስልጣን ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ክሃድም ከሎ፤ ኣብ ስነ ጥበብ ሃገርና ህቡብ ዝነበረ ኣርቲስት ብስራሕ ኣብ ዝገሸሉ ሃገር ዑቕባ ክሓትት ከሎ፤ ኣብ ዓዉዲ ሕክምና ሃገርና ስሙይ ዝነበረ ሓኪም ነቲ ብገንዘብ ህዝቢ ዝረኸቦ ፍልጠት ኣብ ዓዱ ብሰላም ክሰርሓሉ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ዓዲ ጓና ምንባር ክመርጽ ከሎ፤ ኣብ ኣህጉራዊ ዉድድራት ክሳተፉ ዝተላእኩ ኣትሌታትን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪን ደጊም ናብታ ብዕምርናን ዕድልናን ዝተጣልዐ ስርዓት ዝርከበላ ሃገር ኣይንምለስን ኢሎም ብዝኸድዎ ክተርፉ ከለዉ፤ መጋበርያ ትካል ፕሮፖጋንዳ ምዃን ዒፍ ዝበሎም ጋዜጠኛታት ናብ ስደት ከምርሑ ከለዉ፤ ወዘተ ብዘይምኽንያት ከም ዘይኮነ ምንጋር ንቐባሪ ምርዳእ እዩ። ቅድሚ እዚ እዋን እዚ ዘጋጠመ ህድማ ክልተ እሙናት ፓይሎታት ኢሳያስ ከምኡ’ዉን ናይዚ ቀረባ እዋን ምምላስ ናይቶም ኢሳያስ ክሒድዎም ዝነበረ ልዕሊ ሱሳ ምሩኻት ኲናት ተወሳኺ መርትዖ ምልክት ዉድቀት እዚ ስርዓት እዚ እዩ ነይሩ። እዚ ኹሉ ፍጻመታት እምበኣር ዕምሪ ናይዚ ስርዓት ክንግምት ዘኽእለና ጥራይ ዘይኮነ ግብኣተ መሬት ናይዚ ሓንቲ ቅላዕ ጥራይ ተሪፋቶ ዘላ ጉጅለ ንምቅልጣፍ ብዕጽፊ ክንሰርሕ ዝድርኸና ኣጋጣሚ ይኽሰተልና ከም ዘሎ ዘብርህ ኢዩ ነይሩ!?

እዚ ስርዓት እዚ ካብቲ ብዕድመና፤ ዕድልናን ሃብትናን ዝተቛመሮ ንላዕሊ ትብዓት ህዝቢ ዘዳኽመሉን ሓሞት ህዝቢ ዘፍስሰሉን ሜላታት እናተጠቕመ ን21 ዓመታት ዝገዝኦ ይበዝሕ። ኢሳያስ ዝፈርሖ ነገር እንተልዩ ትብዓትን ብእኩብ ምሕሳብን እዩ። ስለዚ እዛ ተረኺባ ዘላ ዕድል ጠቕሊላ ከይቀሃመት ከላ ህዝቢ ክስዕባን ንምንብድባዳ ክተግህን ሓደራ ምባል ዘድልዮ ኣይኮነን። ድሮ’ኳ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ መንእሰያት ናብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ብምኻድ ደገፎም ንኣራሚ ምንቅስቓስ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ፍራንክፈርት እዉን ኣብ ኣፍደገ ቆንስል “ህግደፍ” ተመሳሳሊ ጻዉዒት ብኤርትራዉያን ደለይቲ ለዉጢ ቀሪቡ ኣሎ። ዓርቢ ሓርነት ብዝብል ስም ዝፍለጡ ደለይቲ ለዉጢ መንእሰያት እዉን ክሳብ 10 000 ዝበጽሕ ናይ ቴሌፎን መልእኽታት ናብ ዉሽጢ ሃገር ሰዲዶም ኣለዉ። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝርከቡ ደለይቲ ለዉጢ እዉን እቲ ኣራሚ ምንቅስቓስ ክቕጽል ብስቱር መገዲ ጻዉዒቶም የቕርቡ ከም ዘለዉ ዝገልጹ ምንጭታት ኣለዉ።

እዚ ሻድሻይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ኣራሚ ምንቅስቓስ ኣብ ጉዕዞኡ ከስተብህለሎም ዝግባእ ነጥብታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • ለዉጢ ብታሕቲ እንተመጸ ዝያዳ ዉሕስነት ስለዝህልዎ፤ ተበግሶ ናይቶም ኣረምቲ ዝተባባዕ እኳ እንተኾነ ሕቶ ህዝቢ ሒዞም ካብ ተበገሱ ኢድን ኣእምሮን ህዝቢ ተሓዊስዎ ክሰላሰል ይግባእ። እዚ ማለት እቶም ኣረምቲ ንወሳንነት ህዝቢ ተገዛእቲ ክኾኑ ይግባእ ማለት እዩ። ቅኒት ናይቲ ጠለብ ከኣ ከም ኣበጋግሳኡ ንህዝቢ ማእከል ዝገበረ ኮይኑ ክቕጽልን ዓወቱ ከዉሕስን።

 

  • ህዝቢ ናይ ግዳም ተዓዛቢ ከይኮነ ነቲ ተበግሶ ክጽንበሮን ንረብሕኡ ብዘዉሕስ መገዲ ክዋስኣሉን ከምኡ’ውን ናብ መላእ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ልሒሙ ዝርግሐኡ ከስፍሕ።

 

 

  • ካብቲ ክመጽእ ዝድለ ለዉጢ ዝረብሑ ወገናት ማለት ደሞክራሲ ዘርብሖም ደለይቲ ለዉጢ ተዋሳእቲ ክኾኑ ኣፍደገ ዝኸፍትን ዝሓቁፍን ክኸዉን።

 

  • ኣብ ዉሽጢ ኮነ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝቢ ብኾራኹር “ህግደፍ” ንዝንዛሕ መሰረት ኣልቦ ወረታት እዝኒ ከይሃበን ከይተሰናበደን ምሉእ ኣተኩሮኡ ናብቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ብምቕናዕ ጸኒዑ ክረባረብ።

 

  • ባህርይ ስርዓት ኢሳያስ ንጉዳያት ብመብጽዓን ዘተን ደጒልካ ምድቋስ ስለዝኾነ ካብ ተመኩሮ ናይ 1993 ኣድማ ተጋደልቲን ምንቅስቓስ ጉጅለ 15ን ኣገዳሲ ትምህርቱ ብምቕሳም ፍሉይ ጥንቃቐ ክግበር። እዚ ማለት በቲ ስርዓት ክመጽእ ንዝኽእል ናይ ዘተን መብጽዓን ዕድመታት ጠቕሊልካ ምንጻግ።

 

  • ስርዓት ኢሳያስ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ንኹሉ ነገር ኢድ ሲ.ኣይ.ኤ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ ክገልጾ እንተፈተነ እዝኒ ዘይምሃቡ። ሲ.ኣይ.ኤ ንኤርትራ ናይ ምብታን መደብ እንተሃልይዎ ካብ ኢሳያስ ዝበልጽ መሳርሒ ክረክብ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ነቲ ሃይለስላሰን ደርጊን ፈቲኖም ዘይከኣሉዎ ምብታን ህዝቢ ኤርትራ ንሱ መሊኽዎን ተዓዊቱሉን እዩ። ጸላኢና ኣብ ኣፍንጫና ዘሎ ኢሳያስ እምበር ኣብ ስግር ባሕሪ ዘሎ ላንግሊን ሲ.ኣይ.ኤ.ን ዘይምዃኖም ምግንዛብ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ቀሪቡ ዘሎ ምሕጽንታ ስለ ሓርነት ተባሂሉ ዝቐረበ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕቶ፤ ሕቶ ሓርነት እዩ። ሓርነት ንምርግጋጽ ከኣ ዉልቀሰብ ከም ፈጣሪ ዘይምለኸሉን ክብሪን መሰልን ዜጋታት ዝሕለወሉን ሃዋሁ ምፍጣር የድሊ። ኢሳያስ ብሓይሊ ኤሪ ቲቪ “ኣንጻር ኩሎም ጋኔናት ዝቃለስ ዘሎ መልኣኽ” ተባሂሉ ክምለኽ እዩ ዝደሊ ዘሎ። ብዛዕባ ሓርነት ካብ ኣልዓልኩ ኤሪ ኣፕ ካብ እትበሃል ናይ ሃብቶም ኪዳነ ብሎግ ካብ ዝረኸብኩዎ ቃል ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ነዚ ዝስዕብ ክጠቅስ፦ ሓርነት ናይ ፈጣሪ ህያብ እያ። ፈጣሪ ንነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ገይሩ እዩ ፈጢሩኩም ዘሎሞ፡  ፈቲኹም ወይስ ዓሺኹም ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቆረኑ።  እወ ሓራን ደቂ ሓርነትን ኢኹም እሞ፡  ጀካ ነታ ሃገርኩምን ኣምላኽኩምንሲ፡ ንዝኾነ ይኹን ካልእ እትህብዎ ጸብጻብ የብልኩምን።………..ልዑል! ልዑል! ልዑል! እምልዑላን! እቲ ቅቡእ! እቲ ኣድሓኒ! እቲ ጸጋዊ እናበልኩም እተቀባጥርሉ ሰብ፡ ኣይሃልኹም።እንሆልካ ገመድ ሕነቐኒ፥ እንሆልካ ካራ ሕረደኒ!” እናበልኩም፡  እትፈርሕዎን እትንቅጥቀጥሉን ሰብ፡ ኣይሃልኹም።

ኣብ መወዳእታ እዚ ጽሑፍ እዚ ነዛ ትስዕብ ግጥሚ ነፍስሄር ዶክተር ርእሶም ሃይለ ብስም ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ንኣንበብቲ ጆባእ እናበልኩ ጽሑፈይ ክዛዝም፦

ንዓ ሙሴ!

ንዓ ሙሴ ንዓ ኺድ ንግብጺ

ይኣኽለካ በሎ ንፈርዖን ዓማጺ

ህዝበይ ይደሊ ኣሎ ካብ ባርነት መዉጽኢ

ኣታ በትርኻ’ሞ ወስ ኣብላ

ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ምቐላ

ህዝበይ ክሳገር ብማእከላ

ወተሃደር ፈርዖን ክህገር ብታኼላ

ኣታ መን ክልእከላ! መን ክልእከላ!

ኣታ መን ክልእከላ ንኤርትራ

ትብል ኣላ! ትብል ኣላ!

ኣዉጽኣኒ ሓራ

ከምታ ካብ ኣምሓራ

ከም ድላያ እምበር ከም ድላዩ ዘይገብራ

ከም ድላያ እምበር ከም ድላዩ ዘየንብራ

ኣታ መን ክልእከላ

ይብል ኣሎ እዝግሄራ

ነፍስሄር ዶክተር ርእሶም ሃይለ

5  ጥቅምቲ  2001

 

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ahmed saleh January 26, 2013

    The action took by the army will have significant impact ,it is a warning for the government to open their eyes and to change from the way they handle the country’s affairs . And it won’t stop there
    in fact the movement will expand within our
    army forces to form enough supportive body
    among themselves .

  • Thomas January 26, 2013

    It is a fool to compromise with the dictator any more.

    He has to go without any condition and get punished for all the evil acts he he has been doing against the innocent brave citizens.

  • efrem/ wedi jani/ January 26, 2013

    nay bilibi hanatsi hasab. shim yimerh tiwaf yebirh.amanuel mahdere, mahder libina eti zibelkayo eyu.mis higdef hayli betri eyu zikarijena.

  • ኤርትራዊ ዜጋ January 26, 2013

    ኩቡር ኣማኑኤል !
    ናይ በሓቂ ዝድነቕን ዝምስገንን እዩ እዚ ተበርክቶ ዘለኻ። ኣነ ሓደ ካብቶም ነዓምድታትካ ብሃንቐውታ ዝጽበዩን ዘንብቡን ኢየ። ኩሉ ግዜ ሓቂ ዘውጽኡ,እቶም ሓቃኛታት ዜጋታትን ሃገራውን ህዝባዉን ሓላፍነት ዝስምዖም እዮም። ንስኻ ድማ ሓደ ካብኣቶም ኢኻ። ክሳብ ህንዝብና ካብ ባርነት ናይ ስርዓት ኢሳይያስ ዝወጽእ፣ ንሕና መንእሰያት ቀልስና ክንሕይሎን ክንቕጽሎን ይግበእ።
    ኣጆካ

  • MEHRETU HABTE / Yugoslavo Eritrean January 26, 2013

    ሓው ኣማኑኤል፣

    ኣነ ኳ ራብዓይ ክፍሊ ናይ እንዳ ሽወደን ትምህርቲ እምበር ካልእ የብለይን፣ግን እቲ ወትሃደር ነቲ ህዝቢ ዘይሓወሶ ፣ናይ ህዝቢዓመጽ ዘይኮነስ ወትሃደራዊ ሕቶ ስለ ዝኾነ ዶ ይኸውን ፧ኢሳያስ ከውርዱ ድሌት የብሎምን፣ቁርሻ ጥራይ ዮም ደልዮም |||

  • Semhar January 26, 2013

    Thanks God finally all our people young and old are armed at the present.
    We should all remember the old proverb “ Bret ab idka temen ab meretka” that means “Your rifle on your hand the snake on the ground”.
    “Your rifle on your hand the monkey (the ape) is near you”.
    “Your gun on your hand the dictator, the tyrant mad dog is by your side”.
    “Your weapon on your hand your #1 enemy is in front of you.”

  • Semhar January 26, 2013

    The solution is to finish the tyrant mad dog Isayas wedi Medhin Berad and his son just like the Libyans did to his friend Gadafi and his sons.
    As long as this dictator crazy dog Isayas Wedi Medhin Berad is alive and his blind followers HIGDEF are around the misery will continue because his blind followers his son, HGDEF and Rashaida are taking his orders.

    • Wedi Mohamed January 26, 2013

      The removal of Isayas and his peremptory government is the only chance Eritreans have to save their country from the gangrene of systemic destruction.

  • Semhar January 27, 2013

    Hold your Ground Saleh Osman and our courageous Eritrean armed forces; you will soon be overwhelmed with the support of all Eritrean armed forces and Eritrean people!! You are Eritrean heroes!
    You choose freedom instead of slavery. You stood for what you believe in.
    You represented Eritrean people. You stood against the mad dog, tyrant, dictator Isayas wedi Berad, his blind followers HIGDEF and his burned flag.

    We will liberate our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay, Adi keyih!
    Let freedom ring in Senhit, Keren!
    Let freedom ring in Denkel, Asseb!
    Let freedom ring in Barka, akurdet!
    Let freedom ring in Sahil Nakfa!
    Let freedom ring in Seraye, Adi Ugri!
    Let freedom ring in Hamassien, Asmera!
    Let freedom ring in Semhar, Massawa!

    Eritrea will be free soon.
    Our original Eritrean Liberation Flag, Semayawit Banderana will be allover Eritrea!

    Shighey abbey ala?
    Adikeyih besihala!

    Shighey abbey ala?
    Dekemhare besihala!

    Shighey abbey ala?
    Akeleguzay besihala!

POST A COMMENT