Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓምዲ እዙዛት!

 08.03.16፡                                                                                                                                        2ይ ክፋል ፍርዲ ገበነኛታት። “ኣብ ውግእ፡ ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ክእቶስ ብጌጋ ምስ ብጾትና ብጥይት ንቖሻመድን ብቡምባ ከኣ ንደራራዕን ክሳብ’ውን ብገዛእን ንገዛእን ብጾትና ንውጋእን ንስዋእን ከምዝነበርና እዝከረኒ። እቲ ከምኡ ጌጋታት ብቀትሩ እንከሎ’ውን የጓንፍ ነበረ። ኣብ ሕድሮ

 08.03.16፡                                                                                                                                        2ይ ክፋል ፍርዲ ገበነኛታት።

“ኣብ ውግእ፡ ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ክእቶስ ብጌጋ ምስ ብጾትና ብጥይት ንቖሻመድን ብቡምባ ከኣ ንደራራዕን ክሳብ’ውን ብገዛእን ንገዛእን ብጾትና ንውጋእን ንስዋእን ከምዝነበርና እዝከረኒ። እቲ ከምኡ ጌጋታት ብቀትሩ እንከሎ’ውን የጓንፍ ነበረ። ኣብ ሕድሮ ፓልቶክከ ከመይ ረኺብኩሞ? ኢሳይያስ ድማ ነዚ ጉድለት’ዚ ብከመይ ክጥቀመሉ ይዳሎ ኣሎ?” እልና ምቕናይና ዝዝከር ኢዩ። እስከ እዛ መእተዊትና ከምዘላታ ትጽናሕ’ሞ ንሎሚ በዛ ኣርእስትና ክንሓልፍ።

ተኣዚዘ!

ከምቲ ንቡር ዝኾነ ሰብ ክልተ ዓይነት ትእዛዛት ማለት ግዳማውን ውሽጣውን የተኣናግድ። ግዳማዊ ዝበሃል እቲ ካብ ዝም ልከቶ ናብ ፈጻሚ ኣካል ዝመሓላለፍ ትእዛዝ ክኸውን እንከሎ፡ ውሽጣዊ ድማ ፈጻሚ ናይ ባዕሉ ምዃኑ ይፍለጥ። ትእዛዝ ክፍጸም ከኣ ግድን ውህደትን ምቅብባልን ናይ ወሃብን ተቐባልን ትእዛዝ ክህሉ ኣለዎ። ማለት ፈጻሚ ሰብ ንርእሱ ንዝተኣ ዘዞ ይእመነሉ ኣይእመነሉ ግናስ ሕጋውነቱ ንዝምልከት ብሕልናኡ መምዩን ተቐቢሉን ክፍጽም እንከሎ’ዩ ቅቡል ዝኸውን።

ናይ ሎሚ ዛዕባና እምባኣር ብዛዕባ’ቲ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ብከውሊ “ተኣዛዚ” ከምዝገብርዎ ንዛረበሉ ገበን ንምድህሳስ ኢዩ። ማለት ብዱብዱቡ “ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ገበነኛታት’ዮም” እንተኢልና ዓይነቶምን ደረጃታቶምን፡ እንኮላይ ቀጥታ ውን ተዘዋዋርን በደላቶም ብሓደ፡ ሕመረቶምን ግዳያትን ድማ ብኻልእ ስለዘሎ፡ ንዘተ ዝኣክል ንምጥቃሱ’ምበር ኣብ’ቶም ፈጸምቲ ገበናት ኣተዂረ ክብሎ ዝኽእልን ዝደልን ኣዝዩ ውሱን ብምዃኑን ብተወሳኺ ኩሉ ግዜ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘለና “እከለ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ስለዝገበረ ፍርዱ ከምዚ ኢዩ” ክብል ዘለዎ ሕጋዊ ሰብ ጥራይ ምዃኑ ብምእማነይ ኢየ። ብመንጽሩ ብዛዕባ ዝጎደለካ ረብሓን ዝወረደካ ግፍዕን ምዝራብ መሰል ምሕታት ጥራይ ብምኳኑ ንኩሉ ዜጋ ከምዝምልከት፡ ብዛዕባ ምጽራይ ገበንን ፍርዱን ግና ንዝምልከቶ ኣካል ምግዳፉ ከምዝበልጽ ብምእማን፡ ንሕጋውነት ምቕላስ ከኣ ብቀንዱ ትእዛዝ ቅዋምን ሕጋውነትን ብምዃኑ ዓቕምናን ደረትናን ስሒትና ከይንለምስ ወይ ዶብ ከይንጥሕስ ንምዝኽኻር ክብል ኢየ።

ፈጣሪ መቸም ኣዝዩ ጎራሕ’ዩ። ብምዃኑ ንወዲ-ሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ኣቐዲሙ ክቱር ዘመዛዝን ኣኣምሮ (mind)ሂብዎ። ኣ ስዒቡ ክጠቕሞ ክብል ግዲ ኮይኑ ክልቲኡ ኣንጻራት ዓቕምታት ማለት ኣፍራስን ሃናጽን ገጢሙ ኢዩ ሰሪሕዎ። እቲ ዝዓበየ ውህብቶ ኣምላኽ ግዳ ዘመዛዝን ሕልና ብምዕዳሉ ኢዩ። ብተወሳኺ ንርእሱ ሰብ በበይኑ ዓይነት ሕብሪ፡ ዓቐሚ፡ መጠን፡ ብቕዓትን ትሕዝቶን ኮታ ሓዋዊሱ ከምዝፈጠሮ ንዕዘብ። ክምኡ ምግባሩ ወዲ-ሰብ ገና ዘይበጽሖ ካልእ ዝበርትዐ ምስጢር ዘ-ፍጥረት’ኳ እንተሎ ብመንጽር ዝተዋህበና ዕድሎት ኩሉ ነናቱ ብልጫን ኣድላይነትን ስለዘለዎ በዚ ድሩት ኣፍልጦናውን ተላፊንና ክንነብር ክብል ከምዝኸውን እንተኣሚንና ምኽንያት ዘይተጻባእነትን ዕብየትን ምኾነልና። ሓዳር ንርእሱ’ኮ ልፍን ቲ ኢዩ። ንሱ ምዃኑ ክንፈልጥ ድማ ትምህርቲ የድልየና። ካበይ ኢናኸ ነዚ ቁምነገር’ዚ ንመሃሮ?

ዝኾነ እንስሳ ምስ ብባህረት (Instinct) ዝተዓደሎ ፍልጠት’ዩ ዝፍጠር። ንበል ገና ምስ ተወልደ ክበልዕ ከምዘለዎ ፈሊጡ ኣፉ ይኸፍት። እቲ ዘየኾምስዕ ይውሕጥ፡ እቲ ዘኾምስዕ’ውን ሳዕሪ፡ ስጋ ወይ ቅጫ ክበልዕ ዘይኮነ ብልግዐ ክንሳዕ  ከምዘለዎ ስለዝፈልጥ ጡብ ወላዲቱ ክመጺ ትምህርቲ ኣየድልዮን። ቁሩብ ጸኒሑ ክስግእን ክቐስንን እንከሎ ስምዒቱ ብብኽያትን ሰሓቕን ይገልጾ። ከምኡ’ውን ጾታዊ ነገራት ከንጸባርቕ ይጅምር። እናበለ ሰብ ናብ ሰቡ፡ እንስሳ ናብ ገረቡ ዘመንዮ ባህርያት የርእን የማዕብልን። እቲ በረኻን ባሕርንሲ ዩኒቨሪሲቲ እንስሳታት ምበልናዮ። ናይ ወዲ-ሰብ ዩኒቨሪሲቲኸ?

ዝኾነ ፍጥረት-ሰብ፡ ብባህረት ጥራይ ዘይኮነ ኣውራ ካብ ባህሊ ናይቲ ዝተፈጥረሉ ሕ/ሰብ’ዩ ዝመሃር። ባህሊ (Culture) ነጸብራቕ ኩሉ እንትናዊ መልክዕ ናብራ ማለት ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ . . ብምዃኑ፡ ንርእሱ ከም ሓደ  ሕ/ሰባዊ  ዩኒቨሪሲቲ መጠን ንነብሱ ዝመስል ሓድሽ ወለዶ ይኹስኩስ። ውሉዳቱ ድማ ኩሉ’ቲ ንሰብ ሰብ ዘብሎ ነገራት ማለት ስነ-ሰብነት (Humanism) ይመሃሩ። ኣብ ባህሊ ኩሉ ዓይነት ዓውደ-ፍልጠት (Faculty) ‘ኳእንተሎ፡ ዝኾነ ሰብ ቀዳምነት ሰ ባዊ ባህርያት (Human behaviour) ከጽንዕ ግዱድ ኢዩ። ሰባዊ ባህርያት ዝባሃሉ ከም ንርእሱ ሰባውነት፡ (Humanity) ስነ-ስርዓት፡ (Condauct) ጠባይ፡ (Character) ሕያውነት፡ (Kindness) ስነ-ምግባር፡ (Moral) ኣኽብሮት፡ (respect) ዝኣመሰሉ ነገራት የጠቓልል። እናበለ ሰብ ካብቲ ብትምህርትን ተመኩሮን ዝቐስሞ ፍልጠት ሰባዊ ባህርያት ብመዓርግ  “ልቦና” (Wisdom) ይዛዝም። ልቦና እምባኣር ሰባት ካብ ባህሎም ብተመኩሮ ኮነ ትምህርቲ ተቐሲሙ ኣብ ኣእምሮኦም  ዝንደቕ ፍልጠት ኢዩ። እዚ ካብ ባህሊ ዝሕፈስ ፍልጠት’ዚ ብፍጹምን ተዛማድን እምነታት ወይ ሓቅታት(Belief or belie ve) ተሰንዩ ተመሊሱ ነቲ ባህሊ ክጸሉን ከማዕብልን ናብ ዝኽእል ነገራዊ ሓይሊ ይቕየር። ነገራዊ ሓይሊ ፍትሓውን ቅቡልን ክኸውን ከኣ ግድን ዘመዛዝን “ሕልና” ክህሉ ኣለዎ።

ሕልናኽ እንታይ ማለት ኢዩ? ሕልና ማለት’ሞ ንወዲ ሰብ ዝተዓደለ መቆጻጸሪ ስምዒት ወይ መንፊት ሓቅን ሓሶትን፡ ቅኑዕ ን ግጉይን ኢዩ። ሰብ ሕልና እንተዘይትፍጠሮ ብመዓርግ ልቦና ኣይምተመረቐን። ብተወሳኺ ወዮ ዘይምኽኑይ ጭካነኡ ደ ረት ተሳኢንዎ ብፍኑው ምተቓተለ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ዝኸፍአ እንስሳ ብምዃኑ’ውን ስጋ-ሰብ እናመጅረጠ ነንሕድሕዱ ምተባልዐ። ሕልና እንተሎ ነገራት ናይ ምምማይ ተኽእሎ ኣሎ። ከምኡ’ውን ስስዐ ትሰዓር፡ ምሳና ዘሎ ንህብ፡ ዘይብልና ነምጽእ። ዝብሎ ዘለኹ ብፖለቲካ ክትርጎም እንከሎ ክንዲ “ንሕና ንኣክል ዓባይ ሃገር ብዘይ ወደብ ስለዘይንነብር ዓሰብ ተድልየና ኢያ” ኢልካ ክትጎብጥ ትዋጠጥ፡ ክትላፈን ምምራጽ ይበልጽ። እንታይሲ ኣልይዎ፡ “ንሕና ብባጽዕ እናኣተንፈስና ትግራይ ትዕበጠሉ ምኽንያት ኣሎ ዲዩ?” ኢልና እንተኣሚንና ባጽዕ ምስ’ዚ ሓውና ህዝቢ ምኣኽለትና እንድያ። እቲ ዝሰፍ ሐ ክፋል ኢቲዮጲያ’ውን እንተኾነ ከምቲ ዝበሃልሲ ድሮ መእተዊ ረኺቡ ኣሎ። እንተዘይጠዓሞ ከምቲ ንሕና ካብኦም ንደ ልዮ ካልእ ዕዳጋ፡ ኣገልግሎት ዓሰብ’ውን ምስቲ ዝገፍሐ ኢቲዮጲያ ትኣክልና እንድያ። ንዕብለላን ግዝኣትን ምቁማት ግን ስንፈትን መግለጺ ገዛኢ መንነትን ኢዩ። ኣምላኽ ንኣምሓራ ይምሓራ’ምበር እንተዘይኣመንናያስ ጸገምና ኣይኮነን!!

ብካልእ ሸነኹ ወዲ-ሰብ ብመሰረት ኣፈጣጥራኡ ንክልቲኡ ውህብቶኡ ክጥቀመሉ ይርአ። ማለት በቲ ሃናጺ ክሃንጽ እንከሎ በቲ ኣዕናዊ ድማ የዕኑ። ንኣብነት በቲ ሃናጺ ጥበቡ ሓንቲ ትራክተር ንማሕረስን ዕብየትን ክሰርሕ እንከሎ በቲ ኣፍራሲ ጥ በቡ’ውን ሓንቲ መዕነዊት ታንኪ ይሰርሕ። ግናስ ንህንጸት ዝተሓስበ ነገር ሰሪ ጥዑይ ኣጠቓቕማ ከዕኑ፡ ንዕንወት ዝተሰርሐ ድማ ብውሕልነት ንህንጸት ከምዝጥቀመሎም ምፍላጥ ጠቓሚ ኢዩ። ንኣብነት ኒኩሌራዊ ጸዓት ንክልቲኡ ክጥቀመሉ ይኽ እል። ብተወሳኺ እቶም ፈልሰፍቲ ንምንታይ ዘዕኑ ከምዝመሃዙ ክሕተቱ እንከለዉ ምህዞኦም ንገሊኡ ዕንወት ክኸውን እን ከሎ ንገሊኡ ግና ሕውየት ምዃኑ ይሕብሩ። ከምቲ ብደም ዝርከብ፡ ብዕንወት ዝርከብ ሕውየት’ውን ኣሎ። እንኮላይ እቲ ኣዕናዊ ወይ ቀታሊ ምህዞ ከምቲ ነዊሕ ጭማራ ዋላ ኣይትጠቐመሉ ግናስ ከምተፈራራሃሉ’ውን ሓቢሮሙና ኢዮም። ዋና ነገር መዓስን ንመንን ከምትጥቀመሉ ንምሕደራ ይምልከት። ምሕደራ ማለት ድማ እቲ ኣብ ባይቶ ዓድን ሃገርን ዝእከብ ብ”ቁዋም” ዝምእዘዝ፡ ዝምእከልን ዝምእዘንን እኩብ ብሉጽ ልቦናን ሕልናን’ዩ።

ከምኡ ካብኮነ ቀንዲ ዛዕባና ብዛዕባ’ቲ ካብ ደብተር ብሉጽ ሕልናን ልቦናን (ቅዋም) ሓንጊዱ ዘዕኑ ምህዞታት ክኸውን ባህ ርያዊ ኢዩ ። ምኽንያቱ ኣዕናዊ ምህዞ ፈታውን ጸላእን የብሉን። ንበል ሓንቲ ህዝቢ ከተህልቕ ዝተሰርሐት ብሬን ሓደ ወሓ ለ ቀላዊ እንተሒዝዋን እንተተኣዚዛን ንሳ’ሞ ብልጸት ኣሰራርሓ’ኳ ዝፈላለ እንተኾነ ንመን ከየገደሳ ህዝቢ ከምትእርብድ ዝወዓልክሙላ ጥራይ ዘይኮነ ኩልና ንፈልጦ። ብረት ፈታዊ እንተዝህልዋ እቲ እኩይ ሰብ ንሰቡ ክትቀትል ክእዝዛ እንከሎ ሻንብቆኣ ዓጺፋ መኹረጠት። ግናስ ኣይከምኡን። ክትቀትል ክትእዘዝ እንከላ ሕልና መንቀኛታት ርዒማ ነቲ ጅግና ወዲ ህዝቢ ብዘይ ንሕስያን ኣሰሓኾን፡ ብዘይውልውልን ክሳዳ ከይጓዕጸጸትን ክሳብ’ውን ከይትስማዕሲ ብሕንከት ልኢማ ርእሱ ኣይምፈገጸቶን!

እዛ ብረት’ዚኣ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረት እንተትሕተትን ኣፍ ኣውጺኣ እንተትምልስን ብዘይጥርጥር “ተኣዚዘ” ምበለ ት። መልሲ ናይቲ ዝኣዘዛ ሰብ ድማ ንርእሱ “ተኣዚዘ” ምዃኑ’ዩ። እቲ ንኩሎም ዝኣዘዘ’ውን ከምኡ ምመለሰ። እቲ ዘሕዝን ኩሉ በዓል ግዜ በታ ብረት ወይ ብኩሉ ዝተዓደሎ ናይ ቅዝፈት መሳርሒ፡ ብዘይ ዝኾነ ኣስሓኾ ገዛእ ሰቡ ክቐዝፍን ሃገሩ ክደቁስን ክሸይጥን እንከሎ ኣብ እዋን ዕርበቱ ንገበናቱ ብ“ተኣዚዘ” ከመኽንየላ እንክርአስ ከይተሳዕረኸ ሕልናኡ ጠሊማቶዶ ውይስ ኣይተፈጥረቶን?

ተኣዚዘ!

ንቃልሲ ክንብገስ እንከለና ኩሉ’ቲ ንዓወት ዘድሊ ብልሕን ተወፋይነትን ኣኻዕቢትና ንጸላኢ ክንጽብልሎ ነበረና። ኣብዚ ኣስተዋጽኦ መራሕትና ብዝኾነ ተኣምር ዝድነቕ’ምበር ዝቃለል ኣይነበረን። ተመራሕቲ ድማ ንጸላኢ ብትሕዞን ብቃጻን፡ብ ተርግእን ስርሒት ከተማን፡ ኮታ ክቐትለና ንዝመጸ ገዛኢ ክንቀትል ብሕልናና ከም ንቡር ነብሰ-ምክልኻል’ኳ እንተተቐበልና ዮ፡ ንጸላኢ ብትሕቲ ሰባውነት ከይቅተልን ከይተሓዝን ጽኑዕ እምነት፡ ሕግን ትእዛዝን ነበረና። ሳግላ እንክቕላዕ እዚ ኩሉ ብጸላእትና ከይተረፈ ዝተመስገንናሉ ሰባውነት እናሓደረ’ሞ ወረና ኣይጠዓመን። ወዮ ክንዲ ጉድ ዘዐወተና ስርሒት ጸልማ ት ንብጻይነትና ክሒዱ ኣብ ውሽጥና’ውን ይፍጸም ከምዘሎ ዘርድእ ሓበሬታ ምስተዘርግሐ ምእማኑ’ኳ እንተሸገረ ብመንጽር’ ቲ ዝነበረ መሸፋፈኒ ድርዒ ኣዒንትና ኣጨምቲልና ክንቋመቶስ ሓቅነቱ ኣይደብዘዘ ኣይሃሰሰ!

ኮር ተገምጠል ከምዝበሃል ተጋዳላይከ ብሰውራኡን ብኢድ ብጾቱን ይቕተል ዲዩ? ንምንታይ’ዩ መራሒና ናይ ብሕቱ ሕቡኣን ፈዳይን ኣሰልጢኑ? ንገዛእ ብጾትና ኣብ ዓምዲ ጸላእቲ ኣእትዩ ዝቕርድድ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንርእሱኽ ብርግጽ ብጻይና ዲዩ? ምስ በዓልመን ስለዝተመሻጠረ ኢዩኸ ንደቂ ህዝቢ ብትሕዞ ዘዕኑ ዘሎ? ንምንታይከ እቶም ፈጸምቲ ብስም ‘ተኣዚዘ’ ንጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ብጾቶም ክለቕሙ ወሲኖም? እንተተኣዘዙኸ ዘመዛዝን ናይ እምቢታ ሕልናኦም ኣበይ ኣበለት? ንመግዛእቲ ኣቢናዶ ኣይኮናን ግዳም ዝሓደርና? እሞ ንዘጓነፎም መግዛእታዊ ኩነት ኣስተብሂሎም መለሳ ስኢኖሙሉ ዕጭ ዝነቖቱ ሕጹያት ከምዝነበሩ፡ ዝተኣሰሩን ዝተቐዝፉን መጠን፡ ወዮም ዳሕረዎት ‘ፈጸምቲ’ኸ ንምንታይ ነቲ ግሁድ ጸላኢኦ ምን ጸላእ ሃገሮምን ክምክትዎ ኣይሰዓቡዎምን? ኩሉ’ዚ ንምንታያት ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ’ዩ። ድሕሪ ናጽነትከ?

ከም ልምዲ ድሕሪ ስራሕ ናብታ ድሙድሙ ንምዑጎላ ምውቕቲ ቤት/ጽሕፈትና ምቕልቃል ግድን ነበረ። ኣብ ጣውላና ምስቲ ኩሉ ዘይግምቶ ትሕዝቶ ኩባያታትና፡ ኩሉ ዘይሪኦ መዛግብቲ ታሪኽድማ ንግንጽል ነበርና። ሸዑ ኢሳይያስ ንዝመርሓ ሓዳስ ናጻ መንግስቲ ሽንግላጣ ከነውጽኣ ንጅምረልኩም። መቸም እምንቶ መራሒና ካብ ኣእምሮና ካብዝበንን ነዊሕ ኮይኑ ነበረ። ምኽንያቱ ብሉጻት ሃገራውያን ምጽናት ካብ ቀንዲ ዓላማ ተልእኾኡ ምዃኑ ካብ ስርሒት ስርቖት ስለዝበጻሕናዮ’ዩ።

ከምቲ ደጋጊመ ዘዘንተኹልኩም ብሉጻትና ኣብ በረኻ’ውን ብስርሒት እዙዛት ዓሪቕና ኢና። እቲ ጥበብ ድሕሪ ቅዝፈት ስ

ዉእ ማርሻል ኢብራሂም ዓፋ ስለዝተቐልዐ ከምተቐየረ’ውን ኣይሰሓትናዮን። ድሕሪኡ ዳርጋ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ወተሃደራዊ ስርሒት ብክልቲኡ ግንባራት (ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን) መስዋእቲ እናኸፈልና ኢና ናብ ናጽነት ዝበጻሕና። ንምጥቃሱ ጥራይ ኣብ ዓወት ናደዉ፡ ናይ ስዉእ ጀነራል ዓሊ ኢብራሂም፣ ኣብ ሰላሕታ፡ ናይ ስዉእ ጀነራል ኢሳይያስ ተወልደ፣ ኣብ ኣሶሳ፡ ናይ ስዉእ ጀነራል መኮነን ጉብጣንን ካልኦት ብዙሓትን ክጥቀስ ይከኣል። ካብ ክልቲኡ ግንባራት፡ ሞት ዝፈንፈነቶም ማእለያ ዘይብሎም ብሂወት ዝተረፉ ግዳያት (ሰብ መዚ ይንበሩ ኣይንበሩ) ከምዘለዉና ድማ ዘይምዝንጋዕ።

ድሕሪ ናጽነት ናበይ ገጽና ከምነብል ዝውስን ከቢድ ናይ መንነት ቃልሲ ተገተረ። ሽዑ ሰውራ ኤርትራ ብሓቂ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብናጽነታዊ ምርጫ ስለዝተረጋገጸ ኢሳይያስ ዘደናግረሉ ብልሓት ኣይነበሮን። ምሳርሕቱ ዝነበሩ ኤርትራው ያን ላዕለዎት ሓለፍቲ’ውን ናብ ህዝቦም ተመለሱ። ኢሳይያስ ድማ ብዘይ ከውሊ ኣብ ቃልዕ ተሰንደወ። ሓንቲ ዝነበረቶ መጣልዒት ኩሉ’ቲ ብውግእ ዝተኸወለ ቅዝፈት ክቕጽል ምእንቲ ምኽንያት ዘይብሉ ውግኣት ክድገም ስለዝነበሮ ቀጸለ።ዝቐጸለ ታሪኽ ውግእ’ውን መዓልቱ በሊዑ ተዛዘመ። እንተኾነስ ኢሳይያስ ገና ስለዘይዓገበ እቲ ብዓንተቦኡ ኪኖ ዶብ ዝጥምቶ ዝነበረ ረብሓ ከምቲ መደቡ ክጭብጦስ ይትረፍ ኣብ ትሕቲ መራሕ መስርዑ (መለስ) ስለዝኣተወ ዝተኣተወሉ ሕዱር መብጽዓ ምፍሻሉ ኣጸሊልዎ ምስ ብጾቱ’ውን ኣየሰማምዖን። መሳርሕቱ ዝነበሩ ሓለፍቲ ድማ ጉርድን እኽልን ብዝ መስል ተፈለይዎ። እንተኾነስ ደለይቲ ለውጢ ነቲ ጉዕዞ ሓርነት ከምቲ ናይ ናጽነት ጎነጻዊ ዘይኮነስ ሰላማዊ ክኸውን ዝተወ ጠነ ጥልመት ናይ እኒ ናይ ሽዑ ሚኒስተር፡ ናይ ሎሚ ኣቶ መስፍን ሓገስን ካልኦት ሓያላትን ምእማኖም ከም ንዓይ ብሓቂ ተጋግዮም! መሰል ካብመዓስ ብሰላም ትትኮብ!!!!!!!!!!!!!

ኢሳይያስ ድሕሪ ናጽነት’ውን ተጋደልቱ ብሓሳዊ ምስምስ እናጥፍአ ካብ መሳርሕቱ ባሌህታ ኣይተሰምዐን። እናበለ ትንፋስ ብምርካቡን እንኮላይ ትእዛዝ ግዲ ስዒብዎን ክሳብ ንኩሎም መራሕቲ ነበር ብጅምላን ብሓንቲ ረፍድን ቅፍድፍድ ኣበሎ ም። ድሕሪ’ዚ እቲ ብእዙዛቱ ዝግበር ዝነበረ ስዉር ቅዝፈት ብጋህድን ጅምላን ስለዝግበር ክሕባእ ኣይተኻእለን።

መቸም ስርሒት እዙዛት እናሳዕ ይፈሽሎም ከምዝነበረስ ይዝረበሉ ነይሩ’ዩ። ንበል ኣብ ሜዳ ኣብቲ ቅዝፈት ዳርጋ ወግዓ ዊ ዝተቖጽረሉ ካብ ዝፈሸለ ኣብ ርእሲ ጀነራል ሳልሕ ሕሩይ ዝተፈጸመ ቅዝፈት ኣብ ጣውላ ምዕጎ ድሙድሙ ከም ኣብነ ት ይጥቀስ ምንባሩ እዝከረኒ። ሳልሕ ሕሩይ ኣብቲ ማእከላይ ግንባር (ከባቢ ታባ ዓሰርተ ይብልዎ) ብቶዮታ እናተጓዕዘ ኣ ብ ኢድ ጸላኢ ኣትዩስ መኪናኡን ምስኡ ዝነበሩ መሳርሕቱን ክጸንቱ እንከለዉ ንሱ ብከምቲ ጥረ-ካብ ብሱል ንበይኑ ብዘ ይ ኮንጎኡ ነፊጹ ከምዘምለጠ ሰሚዕና። ድሕሪ ውዕል-ሕድር ሳልሕ ብዘይ ድጋፍ ኣልኮል ክንቀሳቐስ ከምዘይከኣለ ተወር የ። ድሕሪ ናጽነት’ሞ ድማ ንሓደ ወርሒዃ እንተኾይና ኣብቲ እንዳ ሰበ-ስልጣናት ቲራ (ካምቦ) ቦሎ ኣብ ዝተዋህቦ ገዛ ቡን ከጻፍፍ ድሕሪ ምቕናይ ድሃዩ ከምዝሃጠመ እዝክር። ብዛዕባ’ቲ ዝተወርየሉ መእሰሪኡ ገበናት’ሞ እዝገ ነየፍለጠኒ።    ጀነራል ሳልሕ ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጸ’ኳ እንተተወርየ ድሒሩ ዝወሓጦ ዝብኢ ግዳ ድምጹ ኣይተሰምዐን!! እንተ’ቲ ናይ ቅድም’ሞ ክንብል-ክንብል ኣብቲ ዝተባህለ ጎቦን ዝነበረ ኩነታትን ብምንጽጻር እቲ ወረ ስለዘይተዋሕጠልና ከም ስርሒት ናይ ኩቡር መራሒና ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተወጠነ ናይ እዙዛት ተጻብኦ ጌርና ወሲድናዮ እብለኩም።

ድሕሪ ናጽነት ዝተገብረ ቕዝፈት ማእለያ’ዃ እንተዘይብሉ ሓንቲ ካብ ብጅምላ ዝተገብረት ክጠቅስ። ብምኽንያት ናይ ገ ለ ዓወት ኣብ ማይህሚመት ኣብ ዘተግረ በዓል ኢዩ መስለኒ፡ ክሳተፉ ኣብ ሓንቲ መኪና ኣብ ርእሲ ዝጓዓዙ ዘነበሩ ኣርባ ዕተ ሓለፍቲ ኣብ ዝተገብረ ደባይ እዙዛት ሰለስቲኦም ከምተቛሕሙ ተኣውየ። ከምታ ናይ ጀነራል ሳልሕ ድማ ሓደ ካብ ቶም ሰለስተ ሕሉፋት (ሓሊባይ) ብሂወት ከምዝተረፈ ይውረ ኣሎ። ሓሊባይ ብሓቂ ኣልዩ እንተኾይኑ ምስጢር ከውጽእ ከምዘይብሉ ተኣዚዙ’ኳ እንተሎ ብከመይ ይተኣመን? ስለዚ ንውሳነ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘበርዕን ክፈጥረሉ ክንምነየሉ ን ኽእል። ዘይተርፎ እንተኾይኑኸ እዙዛት ደጊሞም ዶኾን የድብይሉ ይኾኑ? ዶስ እቲ ካልእ መዘልሓጢ ብልሓት ይእዘዞ?

ከሎገና መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ ንጀነራል ሓሊባይ’ውን!!!

“ነዞም ብከምዝን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ሰብና ዘህለቐ ጥበብን ዘጽነቱና ዕሱባት እዙዛትሲ እንታይ ትፈርዱዎም” ኢዩ ዝ ነበረ መበገሲና። ንሳቶም መቸም ተሓቢኦም ከምዝህልዉ ይኣምኑ ይኾኑ። ኢሳይያስ ባዕሉ እናኣጋለጸ ምስኣትከኾም ድ ማ ሓንቲ “ተኣዚዘ” ትብል መመኽነይታ’ያ ዘላቶም። እንተወሰኹላ’ውን “ከምኡ ምዃኑስ ኣይፈለጥኩን፡ ኣይተረዳኣንን፡ ድሓር ድማ ኣምሒሎሙኒ!” ክብሉ ይኾኑ። ምናልባሽ’ውን ከምቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ምንክዕና ክናዘዝ እንከ ሎ “ኣጋግዮሙና” ዝበሎ ክብሉ ይኽእሉ። እንተኾነስ ብሕጋዊ መገዲኸ’ዚ ኩሉ መመኽነይታ እዙዛት ከመይ ትርእይዎ?

ኣብ ዝቕጽል ገለ ካብ ተመኩሮታት ዓለም ሒዘ ክቕልቀል ሓሲበ ኣለኹ።

ድሓን ቀንዩ።

ጎደፋ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • k.tewolde March 8, 2016

    Telling it like it is! bless your heart Godefa. The people that you referred as ‘AZEZTI’, these are the very people that used the deceptive name calling ‘AMMA HARADIT’,’AMMA KENTSALIT’, and incited brother against brother, and declared an all out war in collaboration with their cousins next door to eliminate a true and legitimate armed representative of the Eritrean people.Once they accomplished that goal, they kicked back and scanned the Eritrean landscape, and took a deep breath and said ‘it is party time!’.Since then our home has never been the same.

    • k.tewolde March 8, 2016

      Now,the gullible and not gullible “TEAZEZTI’ their children and grandchildren are paying a heavy price all over the world.It is a high time for soul searching,if there is any souls left.

  • mm March 9, 2016

    Thank you Godefa

    A day will come,the question is will we see him, alive, in the court? Will we ever receive the justice we deserve so much? One man Saturated by the blood of MILLIONS.

  • AHMED SALEH !!! March 9, 2016

    Dear Godefa
    I think we already agree not to associate those great martyred and
    imprisoned leaders with the rank and file Issayas’s yes men similar
    position . To call them Tegadalay sounds honorable enough in our ears
    because the so called Colonels – Generals became puppets of cowardice
    which is an insult on Eritrean heroism reputation .

  • gebar March 13, 2016

    Interesting article Godefa…. keep updating the awareness of this generation and keep exposing the secret lamination our so called GHEDLI…. Thanks….

Post a Reply to gebar Cancel Reply