Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓሻ ጥዒምዎ’ሎ ዘመድ ዓሻ ግን ሓሲምዎ’ሎ

ሎሚ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ቅልውላው፡ ሰላሕታዊ ምጽናት ዓቅሚ ሰብ፡ ምብሕጓግ ሃገራዊ መንነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ንብዙሓት ደለይቲ ፍትሕን ፈተውቲ ሃገርን ኤርትራውያን ድቃስ ከሊኡ’ሎ። ቀንዲ ጠንቂ ኩሉ ዓይነት ሕሰም ህዝቢ

ሎሚ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ቅልውላው፡ ሰላሕታዊ ምጽናት ዓቅሚ ሰብ፡ ምብሕጓግ ሃገራዊ መንነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ንብዙሓት ደለይቲ ፍትሕን ፈተውቲ ሃገርን ኤርትራውያን ድቃስ ከሊኡ’ሎ። ቀንዲ ጠንቂ ኩሉ ዓይነት ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝተኸተሎን ገና መልክዓቱ እናቀያየረ ዝቅጽሎ ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊሲታት ምዃኑ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ፍልልያቱ ወጊዱ ንዓቅምታቱ ወዲኑን ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢኡ ክምክት ዘይምኽኣሉ፡ ንዕንደራ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ሂብዎን ኣሻዲንዎን ኣሎ። ብዙሓት ዜጋታት፡ “ልዑል ናይ ስለያን ጸጥታን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘለዎ፡ ወተሃደራውን መራኸቢ ብሓሓንን፡ ቁጠባዊ ምንጭታትን ዝተቆጻጸረ ስርዓት፡ በትሪ ሒዝካን ብኣፍካ መዲርካን ዝመጽእ ፋይዳ የለን” ኢሎም ዝከራኸሩ ኣለዉ። ብሓደ ወገን ሓቆም ኣይተጋገዩን። ምኽንያቱ መሰለይ ኢሉ ንዝሓተተ ሰብ ብጥይት ዝምልስን ዝኣስርን ስርዓት፡ ናይ ሓይሊ ቋንቋ እምበር፡ ቋንቋ ኢሂን ምሂን ዝቅበል ሓንጎል የብሉን፡ ኣይስቆሮን’ዩ። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ዝኾነ ዓይነት መሰልን ክብርን ሰብ ስለዘየለ፡ ምእሳር፡ ምቅታል፡ ምዝማት ንብረትን ፍትሒ ምጉዕጻጽን’ዩ ከም ልሙድ ዝስርሓሉ ዘሎ። እቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝርገጽ ዘሎ ህዝብና ድማ ኣብ ምድራዊት ሲኦል’ዩ ዝነብር። እቲ ዝያዳ ዘገርምን ዘሕዝንን ተርእዮ ግን፡ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ኣፍ ሻምብቆ ብረትን ስለያን ስርዓት ህግደፍ ዝሳቀ ዘሎ ህዝብና ዘይኮነ፡ ናይቲ ኣብ ዓዲ ዲሞክራስን ፍትሕን ዘሎ ህዝብና፡ ኣብቲ ሓራድን ኣጽናትን ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ዘዳልዎ ጓይላ ከጣቅዑን ሕድሪ ስውኣት ጠሊሞም ህግደፍ ወይ ሞት ክብሉን ምዕዛብ’ዩ።

ናይ ቀረባ ፍጻመ፡ ገለ ኤርትራውያን “መንግስቲ ሆላንድ መሰል ኤርትራውያን ግሂሱ” ብምባል ብ13 መጋቢት 2018፡ ኣንጻር መንግስቲ ሆላንድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። “ዘበንያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቀብ” ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መዘና ዘይብሉ ገበን እናፈጸመ ብሒም ኢሎም ዘይተዛረቡን ንወገኖም ዘይተጣበቁን፡ መንግስቲ ሆላንድ መሰል ኤርትራውያን ኣየኽበረን ኢሎም ክወራዘዩን ንብዓት ሓርገጽ ክነብዑን ኣዝዩ ዘስደምም’ዩ። ሓወይ ዝብለካ ኣይህረምካ’ዩ ነገሩ። እዞም ብዛዕባ መሰል ሰብ ንግደስ ዝብሉ ዘለዉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክሉ ልሓስቲ ጫማ ስርዓት ህግደፍን ብስስዐ ዓይኖም ዝዓወሩን፡ ብዘይረብሕ ግዝያዊ ጥቅሚ ዝተሸመቱን’ዮም። ናይ ብሓቂ ትርጉም መሰል ሰብ ተሰዊጥዎም፡ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ዝሓልዩን እንተኾይኖም፡ ስለምንታይ ነዚ ንኣስታት 30 ዓመታት ብዘይ ቅዋም ዝገዝእ ዘሎ፡ ዓሰርተታ ኣሽሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘሳቂ ዘሎ፡ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ክስደድ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ብልሹው ስርዓት ህግደፍ ብጽጽ ኢሎም ዘይቃወሙ? ብርግጽ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም መነባብሮን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ነዞም ብደዎም ዝሞቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጠፊእዎም ኣይኮነን። ገለ ካብቶም ከበሮም ባንዴራን ሒዞም ኣብ ዝዓመረ ጓይላ ዝነጥሩ ረሳዕቲ ስውኣት፡ ናብ ኤርትራ ምጋሽ ከይክልኡ፡ ብቦንድ ዝሰርሕዎ ኣባይቶምን ምስ ሰበስልጣን ህግደፍ ተሻሪኾም ዘጥረይዎ ትካላቶም ከይውረሱ ስለዝፈርሑ’ዮም። ኣብ ርእሲኡ፡ ኤርትራ ደሴት ሰላም’ያ ኢሎም መታን ክጭርሑ፡ ከም ዓስቢ ጥልመቶም ብህግደፍ መቅሽሽ ዝተዋህቡን’ዮም። እቶም ዝተረፉ ውሑዳት ተረርቲ ልቢ ድማ ቀንዲ የማናይ ኢድ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ደቂ መዛሙርቱ፡ የማነ ማንኪ፡ ጀነራል ፍሊጶስን፡ ሓጎስ ክሻን’ዮም። ንሶም ሽያጥ ወርቂ ብሻን፡ ክራይ ወደባት ዓሰብን ባሕርናን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝምንጥልዎ ዶላራትን ኣይጉደሎም እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ እንተጸነተን ጸጋታታ እንተበረሰን ቅንጣብ ፋዕራ የብሎምን።

እቲ ዝያዳ ዝሕዝንን ዘገርምን ግን ናይቶም ረብሓ ዘይብሎም ብህግደፍ ተጎቲቶም ዝኸዱን፡ ኣብ መንጎ ጸላምን ብርሃንን ዘሎ ፍልልይ ክግንዘቡ ዘይክእሉ ኢደ ቤዛ ዝኾኑ ዘለው’ዩ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል የለን ኢሉ ንስርዓት ህግደፍ እናወንጀለን ጭቡጥ መርትዖታት እናኣቅረበን ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ እንዳጸዓን እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንስለሓቅን ፍትሕን ጠጠው ምባልን ንውጹዕ ወገንካ ምጥባቅን፡ ነቲ ለኽሞኛ ስርዓት፡ “ኣመሪካን ወያነን ሽርሕታት ይፍጽሙልና ኣለው፡ ኤርትራ ኣብ ጎደና ምዕባለን ሰላም ትርከብ ኣላ” ኢሉ ንዓለም ዘደናግሮ ምድጋም፡ ናይ ገበን ገበን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ; ዋላ’ኳ ወግሐ ጸብሐ ንመንግስታት ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ይኽሰስ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ዝጋፍዑን ዝቀተሉን፡ ንብረቶም ዝዝረፍን ናብ ስደት ዝጠፍኡን ዘለዉ፡ ንጹሃት ኤርትራውያን እምበር ኣመሪካውያን ወይ ኢትዮጵያውያን ኣይኮኑን። ስርዓት ህግደፍ፡ እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምድረበዳ ሳህራ ዝጠፍኡን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉን፡ ብሰንኪ ግፍዕታት ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተስፋ ስኢኖም ካብ ሃገሮም ሃጽ ዝበሉ ዘለዉን፡ ኤርትራውያን እምበር፡ ኣመሪካውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣይኮኑን። ኣብ እስራኤል ናይ ስደተኛን ዑቁባን መሰሎም ተነፊጎም፡ ሃገር ኣልቦ ኮይኖም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጥረዙ ወይ ክእሰሩ ዝግደዱ ዘለዉ፡ ህጻናትን ግዱዓትን ዝርከብዎም ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን እምበር፡ ዜጋታት ኣመሪካን ኢትዮጵያን ኣይኮኑን። ስርዓት ህግደፍ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዝኾነ ሓልዮትን ሓላፍነትን ስለዘይብሉ፡ ኤርትራዊ ኣብ ባሕሪ ይጥሓል፡ ብነጋዶ ሰብ ይተሓረድ፡ ብዘይፍትሒ ይተኣሰርን ይጠረዝን፡ “ጽቡቅ ኮኑ” ወይ ድማ ጸማም ሓደ ደርፉ ከምዝብሃል፡ “ብኣመሪካን ኢትዮጵያን ተታሊሎምን ጸጊቦምን” ጥራሕ’ዩ ዝብል፡ ወይ ድማ ዝኾነ መግለጺ ክህብ ኣይደልን፡፡ ኣብ 2013፡ ኣብ ላምፐዱሳ ኢጣልያ ዘጋጠመ ህልቂት ናይ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደ ጭቡጥ ኣብነትን ሓላፍነት ዝጎዶሎን ስቅታ ስርዓት ህግደፍ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ኣብ መሬቱ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ መንነቱን ክብሩን ክረጋገጽ እምበር፡ ረዲኤት ክትኮቦን ዝሕረስ መሬትን ኣይለመነን። እቲ ናተይ ዝብሎ ፍንጫሕ መሰንገሉ ክሕንግድን መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ክኸውንን፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ጸሊም ምዕራፍ ዝሕዝ ጥልመት’ዩ። ካብ ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ ንምምላጥ ኣብ ስደት እናተቀመጥካን ብምጽወታ እናነበርካን፡ ነቲ ሕቆኻ ዝሃብካዮ ስርዓት ክትጣበቀሉ ኣብ ታሪኽ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ገበን የብሉን ትብል እንተኾይንካ ድማ ኣብ ስደት ኮፍ ዘብልን ሓሳረ መከራ ክትጻወርን ዘድልየካ ምኽንያት የለን። ስለዚ እዞም ኣብ ሆላንድ ንመንግስትና ኣይትተንክፉልና ኢሎም ፈኸራታት ዘስምዑ፡ ወዮ ድኣ እብድታት ኮይኖም እምበር፡ ንነብሶም’ዮም ጸሪፎምን ኣዋሪዶምን። ኣብ ሆላንድን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ሰብ ክቡር ምዃኑን ናይ ምዝራብን ምእካብን መሰል ከምዘለዎ’ዮም ምሂሮሞም። ኣብ ኤርትራ ግን ኣሽምባዶ ንስርዓት ህግደፍ ክትነቅፍ፡ ሕሳብካ ክትገልጽን ክትእከብን፡ ንኽትምጉስ’ውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ስደት ዝሞተ ሰብ ኣብ መበቆል ዓዱ ክቅበር’ውን ክልተ ካብ ሚእቲ ክፈል መምነት ወረቀት ኣውጽእ’ዩ ዝብሃል። ብስነሓሳብ ስርዓት ህግደፍ ዝተመረዙ ገለ ኤርትራውያን፡ ንዓመታት ካብ መንግስታት ኤውሮጳ ረዲኤትን ማሕበራዊ ውሕስነትን እናተቀበሉ ንመንግስቲ ሆላንድ ዓገብ ክብሉን ንስርዓት ህግደፍ ክጣበቁን ሃየንታን ምጾተ ዓለምን’ዩ። ሓቅነት እንተሃልይዎም ስለምንታይ ነቲ ኣብ እስራኤል ንኤርትራውያን ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕታት ክጣበቁ ዘይክእሉ? ነቲ ሓጥያተኛ እንከሎ ጻድቅ ከምስልዎ ዝደልዩ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ቅዋም ዘየለ፡ ምርጫ ዘይተገብረ፡ መሰል ምዝራብን ምእካብን ዘይፍቀድ፡ እሱራት ስለምንታይ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ይእሰሩ” ኢሎም ዘይሓቱ? እታ ንሳቶም መሰል ኢሎም መጽረይ ኣፎም ገይሮማ ዘለው ቃል፡ ኣብ ኤርትራ ቦታ የብላን። ከምቲ፡ “ንዓሻ ጥዒምዎ’ሎ ዘመድ ዓሻ ግን ከፊእዎ’ሎ” ዝብሃል፡ ኣብ ኤውሮጳ ጸሊምን ጻዕዳን እናተኸደንካ ድላይካ ክትዛረብ ጸገም የብሉን። እቶም ብደይ መደይን ብዘይፍላጥን ስቃይ ህዝብና ዘናውሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ክርድእዋን ክውሕጥዎን  ዘለዎም መሪር ሓቂ ግን ኣሎ። ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ነባሪ ኣይኮነን፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ምስ ረሳሕን ጽዩፉን ተግባራቱ ነበር ክኽውን’ዩ። ወይልኦም ድኣ እቶም ረብሓ ዘይብሎም ምስ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ዝጉተቱ ዘለዉን፡ ዓለም ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ምዃና ዘይተገንዘቡን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 16 መጋቢት 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde March 19, 2018

    “ስለዚ እዞም ኣብ ሆላንድ ንመንግስትና ኣይትተንክፉልና ኢሎም ፈኸራታት ዘስምዑ፡ ወዮ ድኣ እብድታት ኮይኖም እምበር፡ ንነብሶም’ዮም ጸሪፎምን ኣዋሪዶምን”. These holy words which were mustered from the lips of the precious son of God seconds before He took his last breath on the cross sums it up..”forgive them Father for they don’t know what they are doing..” Tsilal it is deja vu, only this time around The messiah is missing.

POST A COMMENT