Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓቕሊዶ ጸበበ ላዕልን ታሕትንዶ ኮነ

ኣንታ እንታይ ተረኽበ ኣዬ ዓቕሊዶ ጸበበ ላዕልን ታሕትንዶ ኮነ መሸንቆቓ ዶ ጸቢባ ዘድምዕ ጊዜ ምስባኸነ ህዝቢ ምስ ምስተበታተነ ለባማት ደቂ ሃገርና ድጋጊሞም ሚዒዶም ዝሰምዕ ምስተሳእነ እዋይ ሕማቕ ዕድል ኣየ ህዝብና እዚዶ ትፍደ ከም ብደው ዝዓወነ ብገርማዕ ወዲ ገርማዕ ምስተማሓደረት

ኣንታ እንታይ ተረኽበ ኣዬ ዓቕሊዶ ጸበበ ላዕልን ታሕትንዶ ኮነ

መሸንቆቓ ዶ ጸቢባ ዘድምዕ ጊዜ ምስባኸነ ህዝቢ ምስ ምስተበታተነ

ለባማት ደቂ ሃገርና ድጋጊሞም ሚዒዶም ዝሰምዕ ምስተሳእነ

እዋይ ሕማቕ ዕድል ኣየ ህዝብና እዚዶ ትፍደ ከም ብደው ዝዓወነ

ብገርማዕ ወዲ ገርማዕ ምስተማሓደረት ሃገር ክህሎቶም ዝበነነ

ዓለም ካባና ትማሃር ኣላ አንዳበሉ ዝጭድሩ ከም ሰብ ማእከላይ ዘበነ

ድሕረቶም ዶብ ዝይብሉ ፈኸረኦም ካብ ዓለም ንማሃሮ የልቦን ካብ ኮነ

ንሶምስ ይርከብዋ ድኣ ገደደ አምበረ ጻማ ህዝብና ብኽፍኣቶም ዝባኸነ

ኣብ ናይ ህግደፍ ዓለም ድኣ ዘይተነግረ ከፋእ አምበር የለን ዘይተገብረ ዘይተፈተነ

ቀደም ኔሩ ምሕሳብ ምምርማር ምልባም ካብ ሕጂ ገልጠምጠም ገጹ ከምዝተደወነ

ሕጂስ ተላዒሉ ህዝቢ ኤሪትራ ይኣክል ይብል ኣሎ ብዝለዓለ ፍናን ወ ሕራነ

 

ይኣክል ሕጂስ ጎበዝ ተታሊሉ፤ ክኢላ ተባሪሩ፤ ህዝቢ ተማሪሩ

ናይ ኣፍሪቃ ጃንዳ ውልቀመላኺ ስርዓት ካን ሕሉፍ ዓንዲሩ

እቲ ዓቃል ህዝብና  ብቕጻሊ ይብል ኣሎ መሪሩና ይኣክል ምጻሩ

ሃዬ ኢደይ ኢድካ ንበል ነድሕና ነዛ ሃገር ክትነብረልና ንወትሩ

ይሕተት ኣሎ ኩሉ ኤሪትራዊ ኣርሒቑ ዝሓስብ ነታ ሓላል ሃገሩ

ዓለምና ትሐምበብያ ዘላ ከይንኸውን ጊልያ ኣብ ዓደቡኡ ዝነብር ሓሲሩ

ከምቶእ ቀያሕቲ ህንዲ ክምቶም ኣብሩጂን ከይንኸውን ቀደም ከምዚ ነበሩ

ጸጋ ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ዘይወነነ ዜጋ ይነብር ኣብ ገዛእ ሃገር ተሸቚሪሩ

ሳላ ህግደፍ ኣዬጥርን ኣሎ ክእለትን ሃብትን ዝገብሮ ዘድምዕ ተዋዳዳሩ

ምስቲ ወጻእተኛ ናብ ሃገር ዝመጽእ ክነብር ብሉጽ ሃብቱን ክእለቱን ኣዋፊሩ

እቲ ዝጽበዮ ዕጫ ፍሉጥ ንኽተስምዖውን ዘሰቅቕ ንኹሉ ፈታዊ ሃገሩ

ንሕሰበሉድኣ ንቃለስ እዚ እዩ ክኽውን እቲ ዕድልና ንኹልንና ንሓዋሩ

ሕማቕ ሓድጊ የንጾላሉሎ ንጸላኢኻኳ ዘይትትምነዬሉ ርእስኻ ዘድንን ንወትሩ

ኔው ንበሎ ነዚ ዝገዝእ ዘሎ አደንቊሩ ኣጥምዩ፤ ቀቲሉ፤ ኣዋሪዱ፤ ኣሲሩ

እወ ከይንርዕሞ እዚ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ ነብጻሓዮድኣ ናብ መፈጸምታ ዕምሩ

ብዘይካና ኤሪትራ ኣይክትነብርን እያ እንዳበለ ህዝቢ ከይነብር ሰሚሩ

መንደፍ ኮይንኖም ህግደፍ ንህዝብና ንበሎም ድኣ ዓንዲ ሕቖኦም ክስበሩ

ህዝብና ታሪኽ ኣለዎ ብደሆ አንዳበለ ዝሰርሖ ቅያታት ብኹሉ ተግባሩ

ህዝብና ክነብር ኣለዎ ብራህዋ ከምዓለሙ ተኸቢሩ ተሓቢኑ ተሓፊሩ

 

ኣወ ኤሪትራና ትሓተናላ ከነውጽኣ ካብ ምንጋጋ ሕሱማት ኣራዊት

ተዋረድናዶ ኣብ መጋበአያታት ዓለም ብድንቁርና አዞም ድሑራት

ባርባራዊያን ጨካናት ዝነብሩ ብናይ ማእከላይ ዘመን ሕገ ግዝኣት

ካብዚ ንላዕሊሞ እንታይ አዩ ክመጽኣና ንርኣዮን ንገምግሞን ብህድኣት

ንቐልጥፍ ነልግሶም ንኤሪትራና ብኹሉ ሓይልና ከኖሰጉማ ንቕድሚት

ዕዳ ናይ ኤሪትራ አዮም ንቡር  ኩነተ ኣእምሮ ዝይብሎም ንዱያት

ቁርዲድ እዮም ኣባይ ናይ ድሕረትን ድንቁርናን መሃንድሳት

ብትሪ ንግጠሞም ኤሪትራና ወሊዳ ደይኮነትን ጀጋኑ ሓዬታት

ነልግሶም ድኣ ተኸፊሉዋ እዩ ሃገርና ደም ጀጋኑ ምዑታት ፈላጣት

ዕድል ኣይንሃቦም ወሰንድኣ ነትሕዞም ነዞም ሕሱማት ተንኮለኛታት

ንኣርባዓ ዓመት ዝተጨማለቑ ከዳዓት ብፈላሊኻ ግዛእ ሽርሕታት

ህላዌ ሰናይ

7/3/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT