Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓቢይ በዓል ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ

ብዕለት 28.01.2012 ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ብክብ ዝበለ ድምቀት ናይ ሓድሽ ዓመት በዓል ኣብዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይን ካብ ሃገረ ሽወደንን ዝመጹ ኣጋይሽ ዝተጸንበርዎ በዓል’ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርወይ ናይ መጀመርታን

ብዕለት 28.01.2012 ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ብክብ ዝበለ ድምቀት ናይ ሓድሽ ዓመት በዓል ኣብዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይን ካብ ሃገረ ሽወደንን ዝመጹ ኣጋይሽ ዝተጸንበርዎ በዓል’ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርወይ ናይ መጀመርታን ፍሉይን ኢዩ ኔሩ፡ ከመይ ማሕለኻ ህግደፍ ዝበጠሰ ብምዃኑ። ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን፡ ነቲ ብህግደፍ ዝተጨውየ ናይ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኦስሎን ከባቢኣን ማሕበረሰብ ናብ ዋናታቱ ከምልስ ዝተስአ፡ ንኤርትራዊ ወዲ-ማእከልን ወዲ-ወሰንን እናበለ ዘይፈላሊ፡ ናይ ህዝቢ ማሕበር ኢዩ። ኤርትራዊ ዜጋ ናብዚ ማሕበር’ዚ ከይጽንበር’ሞ እቲ ማሕበር ከይዓኩኽ፡ ኣሎ ዝበሃል ናይ ምፍርራህ  ዘመተታት ብቐጻሊ ክግበር ጸኒሑን ይግበር ኣሎን። ይኹን’ምበር ናይ ወድሰብ ባህርያዊ ናጽነት ክምንዝዕ ዝኽእል ፍጡር የለን። ምእንቲ’ዚ ከኣ እዚ ማሕበር’ዚ ንነዊሕ ስለ ዝጥምትን ብራእያቱ ስለዝምራሕን፡ ክዓግቶ ዝኽእል የለን። ምስ ጊዜ ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ዝጽንበሮን እናሓድረ ዝዓቢን ዝሕይልን ኢዩ። እቶም ክንዮው ስድሪ ክጥምቱ ዘይክእሉን፡ ብጊዜኣዊ ረብሓ ዝተዓሸዉን ደቂ ሃገር’ውን ከይተረፈ፡ ጽባሕ ንግሆ እናሓፈሩ ናብዚ ናይ ህዝቢ ማሕበረሰብ’ዚ ከም ዝጽንበሩስ ጥርጥር የለን።

እዚ ስለዝኾነ ኢዩ’ምበኣር ካብ ዝምስረት ኣብ 6 ወርሑ፡ ልዕሊ 250 ዝቑጽሮም ኣጋይሽ ብምቕባል፡ ኣዚዩ ዘደንቕ በዓል ከሕልፍ ዝበቕዐ። እዚ በዓል’ዚ ጊዜኦምን፡ ንዋቶምን ዘይበቐቑ ውፉያት ኣባላት ማሕበረሰብ እንተዘይነብሩ፡ ክዕወት ኣይምተኻእለን። ልዕሊ ኩሉ ክስመረሉ ዝግባእ ከኣ፡ ህቡባት ስነጥበባውያን፡ ግርማይ ጥዩስ፣ ተመስገን ተስፋሚካኤልን ወዲ-ኪዳነን ምስ ተሓባበርቶም ዘበርከትዎ ልዑል ኣስተዋጽኦ መወዳድርቲ ኣይርከቦን ኢዩ። ኣጋይሽ ብሓቂ ተዘናጊዖምን ዓጊቦምን። ”ዓመት ንዓመት የድግመና!” ኢሎም ከኣ መሪቖም።

ኣካየዲት ሽማግለ፡

ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS

POST A COMMENT