Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓወት ጀኔቫ መጀመርያ ናይቲ መወዳእታ ምእንቲ ክኸውን፣ ዐዕዮ ገዛና ንወድን።

እዚ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ፣ 23 ሰነ 2016 ጎደናታት ከተማ ጀኔቫ ሰንጢቑ ብምውሓዝ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ካብ መላእ ኤውሮጳ፣ ካብ ካናዳን ኣመሪካን ከይተረፈ ኣሽሓት ማይላት ተጓዒዞም ዝመጽኡ ልዕሊ

እዚ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ፣ 23 ሰነ 2016 ጎደናታት ከተማ ጀኔቫ ሰንጢቑ ብምውሓዝ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ካብ መላእ ኤውሮጳ፣ ካብ ካናዳን ኣመሪካን ከይተረፈ ኣሽሓት ማይላት ተጓዒዞም ዝመጽኡ ልዕሊ 12 ሽሕ ውፉያት ዝተዋስኡሉ ደርማስ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽን ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ።

ነዚ ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ካብ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝተሰደዱ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተሳተፉዎ፣ ምድረበዳ ሰሃራ ሰንጢቑ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ኤውሮጳ ዝረገጸ መሓወር ዝመረሸሉ፣ ንወጽዓን ስቅያትን ናይቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓፊኑ ዘሎ ድምጺ ውጹዕ ህዝብና ብልክዕ ዘቃልሐ ሰላማዊ ሰልፊ ታሪኻዊ ዝገብሮ ኸኣ፣ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዝሃቦ ምስክርነት በቶም ኣውራ ግዳያት ናይቲ ዓመጽ ዝኾኑ መንእሰያት ብዘየማትእ ምድጋፉ ጥራይ ኣይኮነን። ካብቲ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት ዝዓቢ መልእኽቲ ኣለዎ።

ቀዳማይ – እቲ ምልካዊ ስርዓት ብጊላዊ ኣገልግሎት ሓኒቑ ከይፈተወ ዓዱ ገዲፉ ክስደድ ዘገደዶ መንእሰይ ኤርትራ፣ “እንቋዕ ጥራይ ነብሰይ ኣውጻእኩ ‘ምበር እንታይ ገደሰኒ” ኢሉ ፍቕሪ ሃገሩን ህዝቡን ዘይምርስዑ፣ ኣካሉ እንተረሓቐ ፍቕሪ ሃገሩን ህዝቡን ምዕቃቡ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ፍሽለት፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ድማ ጸጋ እዩ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት፣ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ጸሚዱ ኣብ ርእሲ ዝገብረሉ ጽኑዕ ምቍጽጻር፣ ብናይ ‘እዝኒ’ እናተጸናጸነ፣ ብዛዕባ ሃገሩ ከይዛረብ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ሃገሩ ከይሓስብ ዓብዒቡ ምሓዙ ከይኣክል፣ ናብ ስደት ምስ ወጸ ‘ውን ናብ ሃገር ቁሊሕ ከይብል፣ ዝተፈላለዩ ሃሱሳቱ ልኢኹ፣ “ንየው በሎ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት፣ ውራይ ናብራኻ ጥራይ ግበር” እናበለ፣ መንእሰያት ኤርትራ ሃገሮም ከምዝርስዑ ንምግባር ካብ ምጽዓር ኣየዕረፈን። እዚ ናይ ትማሊ ውዕሎ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ግን ብኣንጻሩ፣ መንእሰይ ኤርትራ ብኣካል እምበር ብልብን ብኣእምሮን ካብ ሃገሩ ከምዘይተሰደ ዘመስከረሉ ዕለት እዩ።

ንህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ’ቲ መንእሰያት ኤርትራ ንመርማሪ ኮምሽን “ሓቂ ብሓቂ እዚ ስርዓት ገበነኛ ‘ዩ” ብምባል ብዛዕባ ሕሉፍ ገበናት ናይቲ ስርዓት ካብ ዝሃቡዎ ምስክርነት ንላዕሊ፣ እቶም ንመጻእን ቀጻልነትን ኤርትራ ዘድልዩዎ ደቁ ከምዘይጠፍኡዎ፣ እቲ ኣዴታት ኤርትራ ብመንገዲ ‘ተን ናብ ዮርሳሌም ክነግዳ ዝገሻ ኣዴታት፣ ደቀን ክይጠፍኡወን ንኣምላኽ ብምህለላአን ዘምሓላለፋኦ መልእኽቲ፣ መንእሰያት ብኣግኡ ባዕላቶም ከምዝሰምዑዎ፣ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ግዝያዊ መገሻ ምህላዎም መረጋገጺ ምርካቡ እቲ ዝዓበየ ዓወት።

እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ዓወት፣ እቲ ንርኽበታት መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምንእኣስ፣ ብፍላይ ኣብቲ መርዚ ዝተለኽየ ኣጽፋሩ ከረኻኽበሉ ዝኽእል ከም ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ተሰዲዶም ንዝርከቡ መሳኪን ኤርትራውያን ብጸቕጥን ምፍርራሕን ክእክቦ ዝፈተነ ፌርማታት ምእካል ኣብዩዎ፣ ብልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣባላት ግንቦት 7 ፌርማታት ብኢዶም ክቶዅብሉ ዝገበሮ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ቃልዕ ዝወጽአ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስጉምቲ፣ ኣብቲ ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ መሓውሮም ጸንቢሮም ከምዝውዕሉ ምግባሩ፣ እቲ ስርዓት በቲኹ ምህላዉ ዘረጋግጽ ክኸውን ከሎ፣ በንጻሩ እቲ ብህዝቢ ተበጊሱ፣ ብህዝቢ ተመዊሉ ብህዝቢ ዝተኻየደ ብውሑዱ ሓሙሽተ ዕጽፊ ናይቲ ጉራማይለ ሰላማዊ ሰልፊ ህግደፍ ኮይኑ ዝገንፈለ ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ፣ በንጻር ‘ቲ ኢሳይያስን መሓዮታቱን ን 25 ዓመታት መንፈስን ሃገራውነትን ኤርትራዊ ንምቕታል ዘካየዱዎ ህልኽ፣ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ መንፈስ ተበራቢሩ ሓመድ ድበ ምልኪ ኮይኑ ምውዓሉ እዩ።

እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ስእነቱን ምረቱን እዋን ረኺቡዎ ዘሎ፣ ስደት ዘይመንጠሎ ጸጋ ሃገራዊ ፍቕሪ መንእሰያት ደቁ፣ ንህልኽ ተጻባእቲ ህዝቢ ኤርትራ ስዒሩ ዳግማይ ዝበራበር ዘሎ ናይ ቃልስን ተወፋይነትን መንፈስ፣ ቀጻልነት ረኺቡ ምእንቲ ዓወት ክጓናጸፍ ግን፣ ኤርትራውያን እዚ ታሪኻዊ ዓወት ንዘሰክመና ታሪኻዊ ሓላፍነት ክንጸውር ድሉዋት ክንከውን ኣለና።

እዚ መርማሪ ኮምሽን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዘርጊሑዎ ዘሎ ጸብጻብ፣ ነቲ ድሮ ክዳኑ ኣውጺኡ ዓበድበድ ክብል ዝጸንሐ ስርዓት ‘ኮስትምኡ’ ከም ምውጻእ እዩ ዝቝጸር። እቲ በሰላታት ጸይሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ገበናት ናይቲ ስርዓት ዓለም ‘ውን ክትፈልጦ ምቅልዑ ድማ ዓቢ ቁምነገር እዩ። እንተኾነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዋላ ጥራይ ነብሱ ዓበድበድ ምባል ዘየሕንኾ ጽዩፍ ስርዓት ስለዝኾነ፣ ብጽኑዕ ክእሰር ኣለዎ። ዝኣስሮ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ እዩ። እምበር፣ እቲ ክሳብ ዝጸድቕን ዝትግበርን ክንደይ መሳልል ዘለዎ፣ ምስናይ’ቲ ኣንፈቱ ክትፈልጦ ዘይከኣል ጂኦ-ፖለቲካ ዓለም ተኣማሚንካ ምድቃስ፣ እቲ ዝዓበደ ስርዓት ክዳንካ ከንጢጡ ክለብሶን፣ ጥዑይ መሲሉ ትልኽ ክብልን ዕድል ምሃብን ምዝንጋዕ እዩ።

ነዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ብመርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ተዘርጊሑ ዘሎ ወጽዓን ስቅያትን ህዝቢ ኤርትራ ብልክዕ ዝሰነደ ኣውንታዊ ጸብጻብ፣ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በጺሑ ውሳኔ ክረክብ መስርሑ እናቐጸለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ኣልዩ፣ ሃገሩ ከድሕን ብዝለዓለ ድርኺትን ናህርን ክጽዕት ኣለዎ።

ብቐንዱ እቲ ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽን ዕማም ግብራዊ ዝኸውን ለውጢ ምስ ዝረጋገጽ እዩ። ስለዚ፣ እቲ ርኽበታት መርማሪ ኮምሽን ይኹን ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትጽቢት ዝገረሉ ውሳኔን፣ ጸቕጢ ፈጢሩ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ዘለዎ እጃም ደኣ ‘ዩ ክረአ ዘለዎ እምበር፣ ብውሽጢ ይኹን ብደገ ከም እንኮ ናይ ቃልሲ መንገዲ ተራእዩ ናይ ትጽቢት መንፈስ ከሕድር የብሉን። ብቐንዱ፣ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ገበነኛታት ዝከላኸል፣ እንተመለቝ ድማ ዝሓትት ስርዓተ ሕጊ ክንተክል ስለዘለና፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እንርከብ ኤርትራውያን እዚ ኣብ ጀነቫ ተጕናጺፍናዮ ዘለና ዓወት፣ ብሓደ ዓቢ ቢንቶ ከምዝሓለፈ ብርቱዕ ውሕጅ ኮይኑ ከይተርፍ፣ መጀመርያ መወዳእታ ውልቀምልኪ መታን ክኸውን፣ ዕዮ ገዛታትና ክንውድን ከነተግብርን ኣለና።

እቶም ኣብ ወጻኢ እንነበር ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ነቲ ምእንቲ ዝዓበየ ዕላማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን እነማዕበሎ ዘለና ምጽውዋር ቀጺልና፣ በብዘለናዮ ከተማ ኣብ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ውዳበ ተሰሪዕና ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ሓደ ግሎባዊ ኣካል ብምቛም ነዚ ፍኑው ናይ ሓርነት ድሌት ዝጥርፍ ሓደ ቅጥዕን ሕግን ዘለዎ ውዱን መድረኽ ቃልሲ ናይ ምምስራት ጻዕርና ከነቀላጥፎ ይግባእ። ከምዚ ዘለዎ መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ምዃን እንተቐጺሉ፣ ግዳይ ተበለጽቲ ኮይኑ ምልኪ ኣብ ምስዓር ዘለዎ ተራ ክደክም እዩ። ዓመት ዓመት ከም ንግደት ተራኺብካ ምፍንጣሕ ትርጉም የብሉን። ጀነቫ መሰጋገሪት/ትራንዚት  ናብ ኣስመራ ደኣምበር ኣስመራ ክትኮነልና ኣይትኽእልን እያ።

ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና፣ ነዚ ኣብ ደገ ዘሎ ምንቅስቓሳት ከም ደገፍ ርእዩ ኣብ ውሽጢ ወሳኒ ግንባር ብምፍጣር፣ ቃልሱ ምስኡ ተኣሳሲሩ ለውጢ ከቃላጥፈሉ ዝኽእል ብልሓት ክምህዝ ኣለዎ። እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ካብ ውድብ ብሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ድማ ኣብ ስደት ካብ ዘሎ ወገኑ ጥራይ ክጽበ የብሉን። ኩሉ እእጃሙ እንተገይሩ ጥራይ እዩ፣ እቲ ውህሉል ጻዕሪ ኣጠቓላሊ ዓወት ከረጋግጽ ዝኽእል። ስለዚ፣ ነዚ ኣብ ጀኔቫ ዝተራእየ ደበስ ህዝብናን መቕጻዕቲ ውልቀምልክን፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ናብ እንገብሮ ኣድማዒ ቃልሲ መንጠሪ ክንገብሮ ኩልና ብሓድሽ ሃገራዊ መንፈስ ማዕሪኡ ድማ ብርቀትን ጽፉፍ ኣወዳድባን ንበገስ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

25 ሰነ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Asmeret June 26, 2016

    Indeed, the balance has tipped towards change long ago and Geneva has just confirmed the trend. Nonetheless, we will hardly make strides unless we get organised to depose the failing regime. Although the regime is fading, we can’t deny the fact that it has a better organised machine. Unfortunately, that is our main weakness, lack leadership. It is hard to bring change that affects a nation though Ad hoc entity’s. A timely reminder Emmanuel as usual.

  • PH June 26, 2016

    It seems now! The ball is on the hands of politicians. Since the true politics and national harmony with no hidden interest exist,many could do miracles as has been done on the era of GEDLI.

  • Robi abr June 26, 2016

    Lets go together to realise our dream

  • k.tewolde June 26, 2016

    The warhead is ready to be deployed, we just have to orient it in the right direction.

  • ደላይ ፍትሒ June 26, 2016

    አማኒኤል ኢያሱ ታሪኽ ትሰርሕ አለኻ አጆኻ ህዝቢ መንእሰይ አሎ አብ ጎድንኻ
    «አማኒኤል ኢያሱ ጉዶም ቀላዕካዬም ዞም ዓያሹ »
    ዓቅሎም ጸቢባቶም ፚጹም ተረበሹ
    ዓለም ፈንፏናቶ ኢንዲዒ ናበይ ከምዝገሹ
    ህዝብና ይብል አሎ ባዕዳውያ ይሕሹ
    ጀኔቫ መስኪራ እቲ ሐቂ
    ዳኛ ኾ ሳአኑ ተጣባቒ
    ሎሚ ቦታ የብሉን አብ ዓለም ጨፍላቒ

  • Simon G. June 26, 2016

    Thanks Emma and the rest of the huge demonstrators.
    I was just wondering if some one could be able to organize this huge crowd, why can’t those same persons lead a political organization? This tells us we have more in common (one enemy) than some trivial differences. If we can just focus on the common denominators, HGDF will be over in a very short time.

  • ካብ ልቡ እንተዘይኮይኑ__ ዘይልዓል ንርኣዩለይ
    ሽፍታ ሻዕብያ ኔሩስ ሎሚ ኮኾብ ህዝቢ ዝኾነለይ
    ጅግናን ብዓል ሕልናን_ወዲ ኢያሱ ኣማኑኤለይ
    ዋላ እቲ ከዛብ ሃገር ኤርትራ እንተዘይተዋሕጠለይ
    ንዕኡስ ይኽተሎ __ህዝበይ ከድሕን እንተኾነለይ
    ብስጋ እውን ወዲ ኣኮይ ምዃኑ ስለ ዝተገልጸለይ !!!

    ምስ መሪሕነት ኣማኑኤል ኢያሱ ንቕድሚት !!!

  • meg June 29, 2016

    Thank you brother Amanueal for everything you do, and to those all who demonstrate for our helpless people. Hege yenguse melki yefrse!

  • Eseyas Afewerki July 5, 2016

    Amaniel ab zhsheka koinka kum neger zeyblun n kolea zeyeimn aflto poletikaka mo n Eritrean hzbie Eritrean zwkln zxelun ksab zeykone ente zeydekemka tray yhsheka ye zbleka.

  • simona dawit July 5, 2016

    any way thanks ema hawena maere kendey asha mekanka sele zenegerkana

POST A COMMENT