Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዓይነትን ኣባልነትን ሕቡኣን ሰልፍታት”

“ዓይነትን ኣባልነትን ሕቡኣን ሰልፍታት”                    02.12.15፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣጀማምራን እጃምን ናይታ ብርሱን ሃገራውነት ብምስጢር ዝተጀመረት ሃግራዊት ሰልፊ ጠቒሰ ነይረ። ምስ ግዜ ግና ብቕዓት ግንባር ልዕሊ ዓቕሚ ሰልፊ ስለዝተወንጨፈ ወያ ሕብእቲ ኣብ ውሽጢ ግንባር ተዋሕ ጠት’ሞ

“ዓይነትን ኣባልነትን ሕቡኣን ሰልፍታት”                    02.12.15፡

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣጀማምራን እጃምን ናይታ ብርሱን ሃገራውነት ብምስጢር ዝተጀመረት ሃግራዊት ሰልፊ ጠቒሰ ነይረ። ምስ ግዜ ግና ብቕዓት ግንባር ልዕሊ ዓቕሚ ሰልፊ ስለዝተወንጨፈ ወያ ሕብእቲ ኣብ ውሽጢ ግንባር ተዋሕ ጠት’ሞ ንኣገዳስነታ ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ኣቦ መንበራን ላዕለዎት ሓለፍታን ርሱን ክትዕ ከምተገብረ ኣብሪሀ ነበርኩ። እቲ ንብዛዕባ ቁምነገር ሰልፍታት ዝምልከት ከም ኣብነት ዝጠቐስኩዎ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ሎሚ ኣብዛ ሕብእትና ከድህብ’የ።

ሀ.  ዓይነት ኣባላት፡

ኣብ ወሽጢ’ቲ ንናጽነትን ንሓርነትን ዝዓጠቐ ውድብ፡ ኣብ ወሽጢ’ቲ ሃገራዊ ራኢ ወኒኑ ንሰላምን ምዕባለን ዝገስገሰ ውድብ ዝተሰለፉ ኣባላት ናይ ደረጃ ፍልልይ ስለዝነበሮም ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይኹን ካልእ ፈተና ክገጥሙ ናብ ተመሳሳሊ ብራኸ ንምምጻእ ኣባላቱ ከሰልጥን ኣካዳሚያውን ፖለቲካውን ቤት ትምህርትታት (ከም ካድር) ምኽፋቱ ምንም ዝተፈለየ ስምዒት ኣይፈጠረን። እኳድኣ ንፖለቲካ ንዝምልከት ምእንቲ ክድርና ዘይኮነስ ምእንቲ ሃገር ክበሃል መምዘኒታት ክድርና ተማሊኡ ነበረ። ሓደ ሓቂ ክጠቅስ፡ ቤት ትምህርቲ ካድር ናይ በረኻ ዩኒቨሪሲቲ ከምዝነበረት መጠን፡ መልክዕን ትሕዝቶን ናይ ጽባሕ ሃገርና ኣብኡ ተኾሊዓ ትርአ ምንባራ ከይተጠራጠርኩ ክብሎ እደፍር። ግና ካልእ ሓቂ ድማ ኣሎ። ወያ ቤት-ት ትምህርቲስ ከምቲ ዝዓለመቶ ንእወታ ጥራይ ዶኾን ተወፍያ ትነብር ወይስ ነሳ’ውን ተሰሪቓ? ንኺድ ጥራይ!

ንኺድ’ሞ፡ “ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድብ ዝተሰወረት ሰልፊኸ ዓላማኣ እንታይ ነይሩ? ወዮም ንኣባልነት ዝሕረዩ ከድኣ ካብቶም ብጾቶም ዘሕረዮም ከመይ ዝኣመሰለ ብልጸት ስለዝነበሮም?” ኢልና እንተንጅምር ምቐለለ። ግናስ ሓደ ተጋ ዳላይ ብምንታይ መምዘኒ ‘ተመሪጹ’ ዩ ኣባል ሕቡኣን ዝኸውን ዝነበረ ብዘይካ ንሱ’ቲ መራጺ፡ ተመራጺ’ሞ ምናዳ ብውዑዩ ከምተወደሰ’ምበር ብምንታዩ ከምተናእድ ዝርድኦ ኣይነበሮን’ሞ መልሲ የለን። ዝኾነ ኮይኑ ቤት ሰልፊ ክንኣቱ እንተብሂግና እስከ ብድርኩዂት ንጀምር፦

ብቕርጺ ደረጃ፡ ካብቲ ናይ ኣብ ውሽጢ ቀዳማይ ጸላኢ ዝነበረ ኣቃውማ ወዳበ ውሽጣዊ ስርሒት ዝተፈለየ ኣይነበሮን። ማለት ድሕሪ ውልቀ-ሰብ ትቕጽል እታ ብዝሓ ከም ኩነታቱ ትቐውም ዝነኣሰት ኣሃዱ “ዋህዮ” ወይ “ጉጅለ” ከምትበሃል ፈሊጥኩሞ ኢኹም። ብታሕቲ ብውልቀ-ሰብ ዝጀመረ ጥንንግ ሰንሰለታዊ ደረጃታት፡ ኣብ ላዕሊ’ውን ብውልቀ-ስብ ማለት ብኣቦ-ወንበር ሰልፊ ይዛዘም። ከምኡ ድማ ልክዕ ከምተን ወተሃደራውያን ሽማግለታት ወይ ካልኦት ኮሚተታት፡ ሕብእትና’ ውን ናይ ግምባርን ደጀንን ሽማግለታት ሰልፊ ነይረንኣ። ኣብ ወሽጠን ሓጸይቲ፡ መልመልትን ኣጽደቕትን ዝባሃል ጉጅለታት ከምዝነበራ’ውን ምዝካር ሓጋዚ’ዩ።

ብመትከል ደረጃ፡ መቸም እቲ ግንባር ንዓላማ ሰልፊ ከምተዓሰበ ከይቅላዕ ዘይተገብረ ኣይነበረን። ግናስ ዓላማ ሰልፊ እዚ ሎሚ ዝተጋህደ ከምዝነበረ ብዘይካ’ቶም ናይ ሽዑ ‘ዝንቡላት’ካልእ ዝተረድኦ ኣይነበረን ይኸውን። ኣብቲ ፕሮግራሞም ከ ምተመልከተ’ውን ዝኾነ ኣባል ወይ ሓድሽ ተመራጺ ብቀንዱ ኪኖ ናጽነት ንዝጠመተ ማሕበርነትን ዴስነት ዝቕበል ክኸውን ከምዝነበሮ ይሕብር። ናብኡ ንምብጻሕ ከም ዓበይትን ንኣሽቱን ቡርጁዋታትን ሰንሰለት መስፍንነትን ክዋሰኑ ነይርዎም። ስለዚ ነበረ እምባኣር  ኣባልንት ግምባር ሓባራዊ ክኸውን እንከሎ ኣባልነት ሰልፊ ግና ግንዖ ዝተጸብጸበ። ብኡ መጠን’ውን ነበረ ግምባር ኣብ ትሕቲ ሰልፊ፡ ኣባል ግምባር ድማ ኣብ ትሕቲ ኣባል ሰልፊ ክቕየድ ዝተገብረ። ብዘይ ሰውራዊ ሰልፊ ሰ ውራውን ሃገራውን ምንቅስቓስ ኣይነበረን ያኢ!

ንኣባልነት ብዝምልከት ናብታ ዋህዮ ክምለስ። ማንም ኣባል’ዛ ጉጅለ’ዚኣ ሓድሽ ኣባል ክሓጺ ይኽእል። ሕጸ ብጉጅለ እንተጸዲቑ ጉጅለ ንሙሉእ ኣባልነት ዝምልከት ጸብጻብ ሓድሽ ሕጹይ ናብ ንኡስ ጭንፈር፡ ብኡ ኣቢሉ ናብ ጨንፈርን ልዕሊኡን ይስደድ። ኣባልነት ዘጽድቕ ከኣ ግድን ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ’ዩ። ኣባልነት ብጸቢብ መንፊት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ሓሊፉ እንተጸዲቑ ናይ ብስራት ትእዛዝ ንቑልቁል ናብ ዋህዮ ይወርድ። ኣብዚ ጎሊሑ ከምዝተራእየ ኣብ ሞንጎ መልመልትን ኣጽደቕትን ከቢድ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ስለዝነበረ መብዛሕትኡ እዋን ምግርጫው ይርአ ነይሩ። ብዝኾነ ሕጹይ መሕረይኡ ምኽንያት ንሱ ካብ ካልኦት ዝተፈለየ ብሉጽ ምዃኑ’ኳ እንተተነግረ፡ ብየናይ ቁምነገሩ ተመሪጹ ኣባል ከምዝኾነ ግን ብተግባሩ ዝድምደም ክኸውን ይኽእል። ማለት ኣቐዲመ ሰብ ብባህሪኡ ይምረጽ ከምዝነበረ ከብርህ ከምዝፈተንኩዎ ብዙሕ ዓይነት ሰብ ከምዘሎ መጠን ድማ ብፍላይ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ብዘይካ ነቶም ክቕየዱ ዘእትዎም ሙሁራት ኮኑ ካልኦት ተጠመትቲ፡ ንካልኦት ከከም ሞያኦም ክጥቀመሎም ምእንቲ ብኣፉ መሳርሕቱ ንሰልፎም ከም ዝጀልሑዋ እናኸሰሰ ብውሽጡ ግን ከም ብኦኦም ተጠቃሚ መጠን ኣባልነቶም ይጸልኦ ነይሩ ማለት ከይመስለና። ናይ ቅሉ ዕ ቤት ማእሰርቲ ቅዩድ’ኮ ካልእ ኣማራጺ እንተደሪቕዎ ብክቱር ስግኣት ኣብ ዝገደፍካዮ’ዩ ከቑላሕልሕ’ዩ ዝጸንሓካ!

በጅኦም’ቶም መሳርሕቱ’ምበር ኣቦ ወንበር’ሞ ነታ ሃገር ስለዝማረኻ ምእንታኣ ንዝዓጠቑ ከከም ዓይነቶም ክጥቀም ውሕሉ ል ነበረ። ደቂ ሰባት ክንደይ ዓይነት ዲና? ከምኡ ድማ ሰብ ካብ መፈጠሩን ሓርኮትኮቱን ብዘጥረዮ ሞያታት ክዓይ ስለዝ ድለ ካብ ኩሉ ዓይነት ይምረጽ ምንባሩ ተረዲእና። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብታ ሰልፊ ብደረጃ ሓላፍነት ኮነ ከሳብ ተራ ኣባላት፡ ብኣዝዩ ተመራጺ ባህርያቶምን ጀግንነቶምን ተሓርዮም ዝኣተዉ ከምዝነበሩ ብቐዳምነት ምግላጹ ኣድላይ ኢዩ። ብደርባዊ ቦታኦም’ውን ቀዳምነት ሸቃሎ፡ ካብ ካልኦት ደርብታትን ክኢላታትን ድማ ብጸቢብ መኹባዕቲ ይሕውሱ ነይሮም። እንተ’ቲ ምስጢር ናይቶም “ከምኣድላይነቱ” እናተባህለ ዝኣተዉ ሰብ ‘ፍሉይ ሞያ’ ከም ኦፐረይተራት፡ ምራሕቲ ምካይን (ኣወራ ናይ ናኣሽቱ) ኣባላት ቤት ጽሕፈታት፡ ክሳብ ድማ ከም ኣመሓደርቲ ምግብናን  ካልኦትን፡ ከምቲ ዝበሉዎ ከም ኣድላይነቶም ካብ ሕጸን ምልመላን ዋህዮታት ወጻኢ ተመሪጾም ይሕወሱ ነይሮም። ከምኡ ካብ ነበረ ኩሉ ኣብ ኣባልነ ት ሰልፊ ዝኣቱ ብባህሉን ሞያኡን ዝተመስገነ እመስለኩም ከይህሉ። ምናልባሽ ክገርመኩም ይኽእል፡ ግናስ ብን ዝበሉ ዓዋሉ ከም ሓሰውቲ፡ ሰረቕቲ፡ መደናገርቲ፡ መቀባብልቲ፡ ኣቃጠርቲ፡ መምሰልቲ፡ ዘመውቲ ወዘተ ዝባህርያቶም፡ ክሳብ ብከመይነቱ ከይተፈለጠ ኣሳለጥቲ ኣባላት ተባሂሎም ይጽንበሩ ነበሩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት ኣባልነት ዝፈልዮ ነገር እንተነይሩ ህግደፍ ከም መተካእታ ህ.ግንባር ኣብ ዝተመረቐትሉ እዋን፡ እታ ኣባላታ ሸዑ በቢልቦም ዝመረቑዋ ሰልፎም ድማ መተ ካእታ ናይታ ነይራ ከምዝተገደፈት ዝተዘርበላ ሰልፊ ከምተተክአት ርዱእ ነበረ። 90% ኣባላት’ዛ ሓዳስ ሰልፊ ብርግጽ ሓደ ስቲ ነይሮም። መብዛሕትኦም ከኣ ‘ተጣይሶም’ ተባሂሎም እንደገና ኣብ ትካላት ህግደፍ ብደሞዞም ዝተቖጽሩ ወይ ብጉል ባብ ሓገዝ ቤተ-ሰብ ነቲ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ሓቢኡ ዘዋፈሮ ገንዘብ ዘዋፍሩ ነበሩ። ህግደፍ ለባም፡ ‘ናይመን ገንዘብ’ እን ተዘይልኩም ያኢድማ ንመንግስቲ ኤርትራስ ልዕሊ 300 ሚሊዮን ዶላር ኣለቂሑ ህግደፍ ተባሂሉ ነበረ!!

ለ፡ ብስራት ኣባልነት፡

መቸም መልመልቲ ኣቐዲሞም ብዘይ ሰውራዊት ሰልፊ ዓወት ከምዘየለ ኣምሲሎም ከም ናይ ቬትናም፡ ቻይና ወዘተ ዝተራ እየ ዓወታት ብዘይ ንዕዑ ዝመርሐት ሰልፊ ከምዘይተዓወተ ከስተምህሩ እንከለዉ፡ ተመሃራይ ብመንጽር ትምኒት ናጽነት ዝያዳ ባህጊ ኣባልነት ከምዝሓድሮ ይገብሩ’ሞ ብዉሑዱስ ንዝቕጽሉዎ ሓሳቦም (ዴሳዊ ኣባልነት) ከምዘይቃወሞም ምስ ኣረጋገጹን፡ ብኣውራኡ ድማ ንምስጢራውነት ምስኣውሓሱን (ምስጢር ክትፈልጥን ክትነግርን ህርድግ ዘይምባል ባህሊ ሰልፊ ነይሩ) ነበረ ናብ ኣጽደቕቲ (ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ) ዘስግርዎ ዝነበሩ። ሕሩይ ከኣ ምንም ዝፈለጦ ነገር ከይነበረ ተጸዊዑ ናብ ሓላፊኡ ወይ ዝተጸውዓሉ ቦታ ምስከደ ኣብኡ ሓደ ወይ ዝያዳ ሰባት ይጸንሕዎ። ዓደምቲ ብዘይ ንቡር መልክ ዕ ብልዑል ኣድናቖትን ፍሕሹው ገጽን ድሕሪ ምምርሓብ ጎድኒ ጎድኑ ክሸብዎ ጸኒሖም ንፍሉይ ስራሕ ከምተደለየ ብዘምስል ንብቕዓቱ ካብ ነዊሕ ምክትታል ከምተገብረሉ ድሕሪ ምምስጋን ናብ ቁምነገር ኣትዮም ብመልክዕ ምስጢራዊ ጥበብ ኣብ ውሸጢ ውድብ ስውርቲ ሰልፊ ከምዘላ፡ ዕዱም ድማ ንኣባልነት ሰልፊ ተሓጽዩ ከምዝነበረን ሽዑ ግን ድሕሪ ነዊሕ ትዕዝብቲ ሙሉእ ኣባል ክኸውን ከምተመረጸን የበስርዎ። ተበሳሪኸ እንታይ ይስምዖ?

ተበሳሪኸ እንታይ ይስምዖ” ኢልካ ዘረባኸ ኣሎ ዲዩ? ከም ዓይነት ሰብ!

መቸም ኩሉ ናብቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ዝኣቱ ብወለንታኡ ከምዘይነበረ ክስመረሉ ኣለዎ። እቲ ክኣቱ ዝዕደም’ውን ‘ዝተደለየ’ ጥራይ ኣይነበረን።  ብሓጺሩ ክልተ ዓይነት ኣተኣታትዋ ነይሩ። እቲ ሓደ ዓይነት ብዘይጥርጥር ዝተሓረየ ነበረ። እቲ ካልኣይ ግና ከምቲ ኣቐዲመ “ምስጢር ብ’ኣይትንገር’ ኢያ ትንገር” ዝበልኩዎ፡ ብጋህዲ፡ ብወዝቢ፡ ወይ ብገለ ኣጋጣሚ ከም ብመስ ዋእቲ ኣባላት ዝቕላዕ ጽሑፋት ህላወ ሰልፊ ከምዝፈለጠ ዝተፈልጠ፡ ወይ ድማ ከይተደልየ ግን ምእንቲ ክቕየድ ተዓሊሙ ዝኣቱ ከም ዝነበረ ክጥቀስ ይግባእ። ንተቐባልነት ብዝምልከት ድማ ዋላኳ ምንጻጉ ሓደገኛ እንተኾነ ግሊኦም ቆራጻት ግዳ  ብናይባዕሎም ምኽንያት ዕጭ ዝነቖቱ ከምዝነበሩ ምዝካር ይግባእ። ብዛዕባ ዝሰዓበ መጻኢ ዕድሎም ከመይ ከምተዛዘመ  ንዝምልከት’ውን ብዙሕ መጽናዕቲ ከምዘየድሊ ዘይምዝንጋዕ። ብገርህኻ ክንድኡ ብሽራት ክዘንበካኸ ናበይ ገጹ ይንውንወካ?

ዋእ! መቸም ኣይኣዝዝ እንድዩ፡ ግናስ ዋላ’ውን ሰብ ብዙሕ እንተኾነ ዓይነቱ ክንድኡ ዝኣክል “ተሓሪኻ” ዝብል ወደቓ ክወ ድቆሲ ብፍላይ ኤርትራዊ ከምቲ ዝበሃል ሓቂ እንተኾይኑ ናእዳ ስለዝፈቱ ፍዝዝ፡ ዕንዝዝ፡ ወረ እንታይከ ዘይስምዖ! ግናስ ከም ኣብ ባህልና እምነት ብኣስማታ ተራዓሚት’ኳ እንተኾነት ምናዳ’ቲ ዝዛረበካ ዘሎ ሓላፊ ትሕቲ ግምትካ እንተጸኒሑ ክትቅበሎ ኣዚዩ ከቢድ። እታ ሃገራዊት ልቢ ክንዲ ትረግእ ክትነፍር ትስማዓካ። ሓቃ! እሞ ብፍላይ እቲ “ኣብ ወሽጥና ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር ዝንባሌታት ኣሎ” ንዝብል ትምህርቲ ክከታተል ዝጸንሐ ቀልጢፉ ኣይእመንን ኮይኑስ ከረጋግጽ ቅጽበት ካብ ወጥሪ ተናጊፉ ሓዳስ መዋጽኦ ሓሳብ ስለትረኣዮ “መን’ዩኸ ናይዛ ሰልፊ ኣቦ ወንበር?” ኢሉ ክሓትት ኢዩ ዝመርጽ።

ዓዳሚ ብኩርዓት “ወዲ ኣፎም” ምስ በለ፡ ባቃ ዝበዝሑ እቲ ዘሰፍለሎም ነገረ ከምዝፈኹሶም ብተመኩሮ ምዝጉብ ኢዩ።  እንተኾነስ ነገር ተሞክሮ ካብ ተላዕለ ገና ሽዑ’ውን ብልቦም ተቓውሞ ዘስምዑ ተጋደልቲ ከምዝነበሩ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ሓደ ካብኦም ግዲ ነይረ ከምኡ ዓይነት ምጥንናግ እንተኣልዩስ ኣብ ከም ምፍናው ክፍሊ ታዕሊም ኮነ ኣብ ኣኼባታትን ቤት ትምህርቲ ካድርን መሰሉን “ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ” ዝዓይነቱ ክሳብ እናነብዑ ብዛዕባ መንካዕዶ የሚነ-በቢዓይነቶ ም ሕብራውያን ድኽመታት ዝቑዝሙ ክስምዑስ ከይመንካዕኩን ክይዘንበልኩን ብጻልጣይ ክጽልኡኒ ዝነበሩ!

መቸም ተመስጦ ድማ ከም ዓቕምኻን ድሕረ-ባይታኻን ብምኳኑ፡ ዝበዝሐ ብዓቢ ደስታ ከምዝቕበል ኣጽኒዖም ስለዝገብርዎ ማዕረ ትጽቢቶም ዝዳረግ ታሕጓስ ክርእዩ ይኽእሉ። ግናኸ እዚ ዓይነት ተምሳጥ ንርእሶም’ውን ነቲ ካልእ ብድሆ ከምዘይዕዘ ቡ ኢዩ ዝገብሮም ዝነበረ። እምበር እቲ ሓደ ዓይነት ሙልሙልሲ እናተነግረ’ዩ ብልቡ ቅጽበት ዝሽፍት ዝነበረ። ኣሸበሸብ ኮይኑ ነቲ ብሽራት ድንገት እንተዘይተቐበሎኸ?

ሕሩይ ድሮ ምስጢር ስለዝተነግሮ ምርጫኡ ሓንቲ ጥራይ ክትከውን ኢያ ትጽቢቶም። ክሰማማዕ ባቃ። ዘዕጠጢ ኣንተኾይኑ ዝስዕቦ ነገር ከምዘሎ ድሮ ኣብ ኣመላምላ እንተ ብምህሮ ተመኩሮ፡ እንተ ብጋህዲ ወይ እንድዒ ተነጊርዎ ስለዘ ሎ ኣይኣብን ግዲ። ኣይፋልታ ዓይነት ነገር እንተኣርእዩ ዋላ’ኳ ምስጢሩ ክዓቁር ተነጊርዎ እንተኾነ ከይተሰውአ ስለዘይእመ ን ዓረር ተቐሪባትሉ ከምዘላ ድሮ ብብዙሕ ጥበብ ከምዝነገርዎ ተኸሲትሉ ገጹ ተደዊኑ ሓንቲ መዓልቲ ከይሰሓቐ ብዒሕታ ጥራይ ሕልፈቱ በቲ ጉቡእ ክኾነሉ ዝተቐዳደመ ከምዝነበረ መን ይንገር? ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ እምበርከ ጸገሙን ኣተሓላልፋ ኡን መን ኣጻርይሉን ተሪኽሉን?

ኩሉ ይጽናሕ’ሞ ንሕጂ ናብቲ ሓድሽ ኣባል ንመለስ። በዓል ሓድሽ መተርኣስ ክልተ ዓይነት ነበረ። እቲ ሓደ፣ ኣባላት ናይታ ብኣቦ-ወንበርነት ኢሳይያስ ትምራሕ ሰልፊ ብጋህዲ ምስ ረኣየ፡ ብመንጽር ውገና ናይቶም ኣብኡ ክጸንሕዎ ዝተጸበዮምን መንነት ናይቶም ብኣካል ዝረኸቦም ደቂ ዋህዮኡ ‘መቃልስቱን’ እነጻጺሩ ቡኡ-ንቡኡ ልቡ ትሽፍት ከምዝነበረት ነጊረ ኢየ። እንታይ ከምዝገብርን ከምዝስዕቦን ኣገናዚበ ድማ መጻኢኡ ማሪያም ኢዳ ከተንብረሉ እጽልየሉ ምንባረይ ዘክሩለይ።

እቲ ካልኣይ ዓይነት፣ ኣባል ሕብእቲ ሰልፎም ኮይኑ ከይኣክል እሞ ድማ ኪኖ ንነብሱ ዝነበሮ ግምት፡ ግምት ተዋሂብዎስ ኪኖ’ቶም ብጠመተኡ ሰብ ዓቕሚ ዝግምቶም ሙሁራትን ላዕለዎት ሓለፍትን  ከይተረፈ ጸብሊሉ ተሓርዩስ፡ ኣብቲ ክንድኡ ዝኣክል ምስጢራዊ መኣዲ ሕቡኣን ክጽንበር በቒዑ። ክሳብ ድማ ብሓለፋታትን ከበሬታን ምስተኸበበ፡ ዝሰድዐት ልቡ ክትሓብጥ እንታይ ከጸግማ! ንኼር ይግበሮ!!!!

ብምኽንያት ናይቲ ሕቡእ ግንዖ ጉዳም ደስታን ሕቡእ እልልታን! ምናዳ “ንስኻ’ኮ ውጹዕ ደርቢ ኢኻ። ኩሉ ድማ ድሕሬኻ’ ዩ ዝስራዕ” ክበሃል፡ ወዮ ብሳላ ንሱ (ኢሳይያስ) ዓንቲሩ ነታ ነብሱ ናይ ንሱ ዝጸብጸባን ኣብቲ ጸሓይ ሕጊ ብኣስማታ ዝዓረ በቱሉን ጎልጎል ዝዕንድር ዝራብዕ መን ይዕገቶ? ዝተባህሎ ሰማያዊ ትኣዛዝ ክፍጽም’ውን ድሕር የለን!  ደጊመ ንኼር ክገብረ ልና እናተመነኹ ነቲ ተመኩሮ ዘርኣየና ግን ብስም ‘ተኣዚዘ’ ዘይተገብረ ዓገብ ኣይነበረን። ንኣብነት፦

ወረታ 03 ክትነዝሕሲ—-‘ተኣዚዘ’።                                                                                                             ጉቦ ክትበልዕሲ———–‘ተኣዚዘ’።                                                                                            ሃገራውነት ዘዕኑ ተግባራት ክትሰርሕሲ—-‘ተኣዚዘ’።                                                                     ግንባሩ ንዓረር ንዝገተረ ብጻዩ ብመአከብ ሓመዱ ዓረር ክድርግመሉስ—-‘ተኣኣዚዘ’።                                          ንብጻዩ ልቡ ዘዘልሕጦ ነገር ክነስዖስ—-‘ተኣዚዘ’።                                                                             ብሙሉኡን ኮላሊቱ ኣምሊቑን ክሸጦስ—- ተኣዚዘ፣ ተኣዚዘ . . . ወዘተ ከምተባህለ ሰምዐት እዝኒ። መን ኣዘዘን ፈጸመን?

ዒራ ኣባላት ሰልፊ ግዳይ ግናይ ውዕሎኦም ብምዃን ኣብ ዝተቐፈዱሉን ዝኾለሰት ኣፎም ኣብ ዝተለኾኾትሉን መድረኽ መን ከይምስክር!! ነቶም ንኩሉ ማሕለኻታት ፈንጢሶም ዝመስከሩ ድማ መን ከይሰምዖምን ከይኣምኖምን? መንከ ከየር ድእን ከይቀብርን!! ኢልካ’ዩ እዚ ኩሉ ህግደፋዊ ሓርኮትኮት። ዎይ ፖለቲከኛ ምዃንን ዘይምዃንን ክሓስም!

ክፉእ ኣይተስማዓናን ኣይተረእየናን ፈጣሪ ኩሉ ኣለም!!

“ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይነጥር”፡ መጻኢት ኣርእስትና ክትከውን እናሓሰብኩ ድሓን ክትቅንዩ እትስፎ።

ጎደፋ፡

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ኣርዓዶም December 2, 2015

    ዘገርም ኢዩ ክቡር ጎደፋ፡ ኣበይ ድኣ ሓቢእካዮ ነርካ እዚ ኩሉ ዓመታት !!
    ገድሊ እኮ ኣይኮነን ዝጽረፍ፡ ኢሳያስን ሕቡኣት ጉጅልኡ እምበር፡ ብዝኾነ ዕድመ ነዞም ከማኻ ተብዓት፡ ዝርኣይዎ ከይሓብኡ ነዚ ወለዶ ዝምህሩ ዘለዉ። የቀንየልና ኣቶ ጎደፋ፡ ኣምላኽ ይሓልኹም።

  • koreri December 2, 2015

    አርዓዶም አትሕዘለይ ድአበር ከም ድፍረት ውን አይትውሰዶ “ንስኻበር አበይ ኔርካ” ። እዚስ ሽሕን ሚእትን ግዜ ተነጊሩን ተጻሒፉን እዩ።
    እቲ እዋናዊ አርእስቲ፣ ከመይ ከም ዝመስረትዎ ዘይኮነስ፣ ነቲ መስራትን አቶም ተሪፎም ዘለው ናቱ ሰዓብትን ጭራታትን ከመይ ጌርካ ካብ እንግድዓ ህዝቢ ይእለዩ እዩ ክኸውን ዝግብኦ።

  • Hagherawi December 2, 2015

    Brother Godefa,

    The secret party is nothing but a bunch secret intelligence organizations that protect Iseyas’ regime. They are not into politics as such, nor do they have an ideology that guides them, simply said, they are a huge security apparatus that keeps a tight control on every aspect of citizens. This “gestapo” institution of the regime should be the first thing to remove, and bring all its members to justice, if Eritreans want live in peace in their country.

POST A COMMENT