Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ)

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ) ‘ሰላም ኣቦ ከመይ ውዒልኩም?’ በልኩዎም ነቶም ኣብ ጎድኒ’ታ ብጫ ዝሕብራ፡ ኦፐል ኣስትራ ዝዓይነታ ማኪናኦም ተጸጊዖም፡ ኣስናኖም ዝምውጹ ዝነበሩ እቤር (ኣረጊት ሰብኣይ) ቅርብ ኢለ። “መዓልካ ዝወደይ” በሉኒ ሓንሳብ ናባይ፡ ሓንሳብ ድማ ናብታ

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ)
‘ሰላም ኣቦ ከመይ ውዒልኩም?’ በልኩዎም ነቶም ኣብ ጎድኒ’ታ ብጫ ዝሕብራ፡ ኦፐል ኣስትራ ዝዓይነታ ማኪናኦም ተጸጊዖም፡ ኣስናኖም ዝምውጹ ዝነበሩ እቤር (ኣረጊት ሰብኣይ) ቅርብ ኢለ። “መዓልካ ዝወደይ” በሉኒ ሓንሳብ ናባይ፡ ሓንሳብ ድማ ናብታ ሕቖኦም ሂቦማ ዝነበሩ ማኪናኦም እናጠመቱ። ‘ኣብዛ ሹቕዶ ከተብጽሑኒ ምኸኣልኩም ኣቦ?’ ሓተትኩዎም ብየማናይ ኢደይ ናብ ሹቕ ገጸይ እናኣመልከትኩ። “ሕራይ ንዓናይ ዝወደይ” ምስ በሉኒ ቅልጥፍ ኢሎም ከኣ፡ “ክንደይ ኢኹም እሞ ተኽፍሉኒ ኣቦ?’ በልኩዎም ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትኩ። “ሚእቲ ቅርሺ ክገብረልካ’የ ዝወደይ” በሉኒ መፍትሕ ማኪናኦም ካብ ጁባኦም እናውጽኡ። “እዋእ! ሚእቲ ደኣ ከቢሩ ኣንቱም ኣቦ! ሹቕ ኣብዚኣ’ንድያ!” በልኩዎም ደጊመ፡ ብኢደይ ሹቕ ካብቲ ዝነበርናዮ ቦታ ርሑቕ ከምዘይኮነት እናኣመትኩ።
“እወ ሓቕኻ ዝወደይ ቀረባ’ያ። ርሕቕትስ ኣይኮነትን። እንተኾነ ጊን “ግዜ ርኢኻ ሕለበኒ” ድያ ዝበለት ላም ሃኪክ (ክፉእ ዘመን)፡ ኣነውን ግዜ ርእየ እየ ሚእቲ ዝብለካ ዘለኹ ዝወደይ። ሚእቲ ቅርሺ’ኮ ሎሚ ሓደ ቈልዓ ኣይተቁርስን’ያ!” ብምባል፡ ትኩር ኢሎም ምስ ጠመቱኒ፡ ኣብቲ ጥራዝ ሕማቕ ተማሃራይ ዚመስል ገጾም፡ ሰለስተ ዓይነት ጽሑፋት ኣንበብኩ። ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ፡ ሓያል እልበት (ሓሳረ መከራ)፣ ኣብቲ ካልኣይ ገጽ፡ ሓያል ሃይስ (ጓህን ሓዘንን)፣ ኣብቲ ሳልሳይ ገጽ ድማ ዘይክማህ ሓቦን ጽንዓትን ምስ ኣንበብኩ፡ ‘ሕራይ በሉ ንኺድ ኣቦ’ ብምባል፡ ማዕጾ ታክሲ ክኸፍት የማናይ ኢደይ ወስ ኣበልኩ’ሞ፡ “ጽናሕ ደኣ ዝወደይ” ብምባል፡ ቀዲሞም ማዕጾ ማኪናኦም ብምኽፋት፡ “እቶ” ምስ በሉኒ፡ እቲ ከም ሱር ደም ኣብ መላእ ሰብነትና፡ ሰብነት ኤርትራውያን ዝርከብ ንወለድን ዓበይትን ናይ ምኽባር ባህልን ልምድን ቀሲቡኒ፡ ‘እዋእ! ከፊትኩም ከተእትዉኒ! ባዕለይ ዘይኣቱ’ ብምባል፡ ክገላገሎም ምስ ጀመርኩ፡ “ኣይፋልካን ዝወደይ እቶ ደኣ ደሓን፡ ጠባይ ናይዛ ማዕጾ ባዕለይ እየ ዝፈልጦ” ምስ በሉኒ ከኣ ሓሳባቶም ተረዲኡኒ፡ ማዕጾኦም ባዕሎም ከፊቶም፡ ባዕሎም ቀስ ጌሮም ክዓጽዉዋ ከም ዝደለዩ ተገዚበ፡ ‘የቐንየለይ በሉ’ ኢለ ኣተኹ።
እቶም ኣቦ ኣብ ቅድሚ መምርሒ ማኪና ኮፍ ምስ በሉ፡ ክሳዶም ብኤስከዴሬ (ብፍኒስትራ) ማኪናኦም ናብ ደገ ብምቕልቃል፡ ፍኖት ካብ ተሽከርከርትን ካልኦት ተንቀሳቐስትን ናጻ ምዃኑ ኣረጋገጹ’ሞ፡ ጸጋማይ ሓባሪ ምልክት (ፍራቻ) ብምውላዕ ተበገሱ። ምስቲ ኣነ ብምልምዲ ዝገብሮ ማለት ቅድሚ ምርኣየይ ፍራቻ ከም ዝውልዕ ዘኪረ ከኣ እዞም ብግቡእ ዝተበገሱ ኣቦ፡ በሃር ኣውቲስታ ምዃኖም ተገንዘብኩ። ኣነ ናብቲ ብየማናይ ጎድንና ጠጥሒስናዮ ንሓልፍ ዝነበርና፡ ትኪ ዝተኸድነ መናድቕ ጎደናታት ኣስመራን ነቲ ብድርቀት ኣቑጽልቱ ዝበጨጨ ሽባኻታታትን እናተዓዘብኩ፡ ትም ኢልና ብዘይዕላል ጉዕዞና ንሱቕ ገጽና ቀጸልና። ኣብ መንጎ መብራህቲ ዘይብሉ፡ ቀይሕን ብጫን ዝሕብሩ፡ ዝተቀላለጠን ኣዝዩ ዝኣረገን ዓንዲ ሳማፎሮ ርእየ ድማ ናብቶም ንየማነ ጸጋም ከይጠመቱ፡ ጥሒሰሞ ዝሓለፉ ኣቦ ክጥምት ጀመርኩ። ኣብቲ ሰራውር ኣብ ወሰን ሩባ ዝበቘለት ገረብ ክመስል ኣብቲ ጽሙእ ገጾም ካብ መትልሖም ናብ ክሳዶም ገጹ ብኣርባዕተ መኣዝን ዝወረደ መትንታቶም፡ ክዕጸፍን ክግተርን ምስ ረኣኹዎ ኸኣ ኣብ ዓምዩቕ ሓሳብ ጥሒሎም ከም ዝነበሩ ኣስተውዓልኩ። ብምረቶምን ብምረት እታ ዓሰርተ ደቃ ዝቐበረት ወላዲት ኣደ ክትመስል፡ ብሓዘን ትኪ ተኸዲና፡ ማድያ ዝነበረት ውቅብቲ ከተማና ኣስመራን ድማ ብልቢ ጐሃኹ።
በቲ ዝረኣኹዎ ዕንወትን ሕሰምን እታ ቅድሚ 25  ዓመት ዝፈልጣ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራን ህዝባን፡ ብሓሳብ ደኒነ እናስተንተንኩ ከለኹ ኸኣ ብሃንደበት እታ ተሳፊረያ ዝነበርኩ ታክሲ፡ ካብ ጽርግያ ተኣልያ፡ ናብቲ ብየማናይ ጎድነይ ዝነበረ ቈልዓ ዝገሃጾ ዕፉን ክመስል ዝተጨላለፈን ዝተፈሓሓረን መገዲ ኣጋር ብምስቃላ፡ ብስንባደ ናብቶም ዝመርሑዋ ዝነበሩ ኣቦ ጠመትኩ’ሞ፡ “ሓዊ መብራትከ! ዋይ! ኣንታ ሰብ ኣጥፊአ ነረ” ብምባል ቀልጢፎም ናብ ጽርግያ ገጾም ክመልሱዋ ተዓዘብኩዎም። ሽዑ’ቶም ብቕጽበት መገዶም ዝሓዙ ኣቦ፡ ቅልጥፍ ኢሎም፡ “ኣሰንቢደካዶ ዝወደይ?” ክብሉ ብጎቦ ዓይኖም እናጠመቱ ተወከሱኒ። ‘ደሓን’የ ኣቦ፡ ንስኹምከ ደሓን ዲኹም?’ ክብል ምስ ሓተትኩዎም ከኣ፡ “ኣነስ ደሓን’የ ዝወደይ! ንኣኻ ጊን ለኪመካ ነረ! ይቕሬታ ግበረለይ? ትማሊ ዋርድያ ሓዲረ ስለ ዘይደቀስኩ እንድያ እዛ ርግምቲ ድቃስ ቊሩብ ሰለም ኣቢላትኒ ነራ!” ምስ በሉኒ፡ ‘እዋእ! ናይምንታይ ዋርድያ ደኣ ሓዲርኩም?’ በልኩዎም ተገሪመ። “መራሒና ክንሕሉ ዝወደይ!” በሉኒ። ርእሶም ብምስትንታን እናነቕነቑ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ወለዶም ክጥውሩ ዝግብኦም ደቆም፡ ብሓይሊ መንዚዑ ኣብ በረኻ ዘስፈሮም ከይኣክል፡ ነቶም በታ ዘላቶም ንእሽቶ ዓቕሚ ምስ ናብራ እናተቓለሱ ንምንባር፡ ሓዀት ዝብሉ ወለዲውን ቀሲኖም ከይነብሩ ምእንቲ፡ በስገዳድ ብረት ብምሕንጋጥ፡ ብስም ‘ሓለዋ ኣከባቢ’ ኣብ ግዳም የሕድሮም ከም ዘሎ ሰሚዐ ስለ ዝነበርኩ፡ ደጊመ ብዛዕባኡ ክሓቶም ኣይመረጽኩን። ሓቂ ይሓይሽ ስድራይውን ናብ ኣስመራ እቱው ምስ በልኩ፡ ‘በል ኣብ ከተማ ወጺእካ ጽቡቕን ሕማቕን ብዛዕባ’ዚ መንግስቲ ከይትዛረብ ተጠንቀቕ! ኣውራ ድማ ምስ ወነንቲ ታክስታትን ኣባላት ፓርኪንን! መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ጥፍኣት’ዮም!’ ኢሎሙኒ ስለ ዝነበሩ ትም ክብል’የ መሪጸ።
“ወዲ ክንደይ ዓመት ኢልካ ትግምተኒ ዝወደይ?” በሉኒ እቶም ነቲ ስድራይ ዝሃቡኒ መጠንቀቕታ ዘኪረ ክሓስብ ዝረኣዩኒ ኣቦ ፍሽኽ ኢሎም ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱ። “እዋእ! እንድዒ! ሰብዓዶ ትገብሩ?’ ተመሊሰ ሓተትኩዎም። “ክልተ ኣርባዓ ንኽመልእ፡ ክልተ ዓመት ተሪፈናኒ ኣለዋ ዝወደይ። ኣብዛ ትሪኣ ዘለኻ መርዓዊኣ ከም ዝመታ መርዓት፡ ሕርድ ኩምትር ኢላ ዘላ ከተማና ኣስመራ ከኣ 52 ዓመታት ታክሲ እናዘወርኩ ሽዱሽተ ደቀይ የዕብየ እየ። እዛ ታክሲ እዚኣ ከኣ ሻድሸይተይ እያ” ምስ በሉኒ፡ ‘እሞ ወዲ ሰማንያ ዓመት ቀሪብኩምሲ ገና ትሰርሑ ኣለኹም!? እቶም ደቅኹም እንታይ ኮይኖም ዘየብርዩኹም?’ በልኩዎም ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ከየመዛዘንኩ ህውኽ ኢለ። “እህምምምምም!” ኢሎም ኣዕሚቖም ድሕሪ ምትንፋስ ከኣ ብኸምዚ ዚስዕብ ሃለዋት ደቆም ከዕልሉኒ ጀመሩ።
ኣብ 2ይ ክፋል ይቕጽል…
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 26-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Mesinas February 26, 2014

    ሓው ሸብሎሎም፡ ንእርማትካ ኣዝየ እየ ዘመስግነካ። ብልቢ’የ ዝብለካ፡ ከም ጉድለታት ኣጠቓቅማ ቋንቋይ ኣሪሙ ዝምህረኒ ሰብ ጌሩ ዘሐጉሰኒ ነገር የለን። ብሓቂ ጽቡቕ ኣለኻ ‘ኣረጊት’ ምባል ላዛ ዘይብሉ፡ ናይ ዘለፋ ቋንቋ’ዩ። ኣብዘይ ቦታኡ እየ ኣእቲየዮ። ንቐጻሊ ምክትታልካ ከይፍለየኒ ብትሕትና እሓትት። የቐንየለይ።

  • Morroso February 27, 2014

    eretrawit
    You never been to asmara do ilkiny, I guess you want to say Eritrea gega yik’la’aley imber buzuh gerka Asmera ayra’kayan ktbli deliki mesleni but correction Eritrea tetbli mihashe neru let me give you Homework what is 1+1 is =?

POST A COMMENT