Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ነገራት ተሓቒኑ ዝጽዕየሉ፣ሕቡእ ታሪኽ ብኩሉ'ኳ እንተዘይኮነ ንቃልዕ ዝወጻሉ፣ስርዓት ህግደፍ ጉዱ ተቐሊዑ ብውሽጥን ግዳምን ዝተፈንፈነሉ መደርኽ ኢና በጺሕና። ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ህግደፍ የወጻጸኣኒ፥ተቃውሞ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከውዕሎ ይኽእል ብዝብ ል መምርሒ

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ነገራት ተሓቒኑ ዝጽዕየሉ፣ሕቡእ ታሪኽ ብኩሉኳ እንተዘይኮነ ንቃልዕ ዝወጻሉ፣ስርዓት ህግደፍ ጉዱ ተቐሊዑ ብውሽጥን ግዳምን ዝተፈንፈነሉ መደርኽ ኢና በጺሕና።

ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ህግደፍ የወጻጸኣኒ፥ተቃውሞ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከውዕሎ ይኽእል ብዝብ ል መምርሒ ዝተኸሎ ፖሊሲ እንተኾነ፤ ሳላ ገለ ግዱሳት ዜጋታት ብጻዕሮም ዘሳለጥዎ ምዕቡል ናይ ሳይበር ቴክኖሎጆ፡ሰባት ካብ ጻት ናብ ጻት ኣብ ሓንቲ ደ ቒቕ ተራኺቦም ሓበረታን፡ተመኩሮታት ክለዋወጡ፡ሃናጺ ጽሑፋት ከውጽኡን ክነቓቐፉን ክረዳድኡን ብምኽኣሎምዩ።እዚ ምዕቡል ኣገባብዚ ብቀሊሉ ክጥርነፉን ፍልጠት ሰኒቖም፡ተረዳዲኦም ምጥርጣር ኣርሒቖም ብነጻ ክዛረቡ ኣጀሚሩዎም።ተኣማሚኖም ክዛረቡ ስለዝጀመሩ ከኣ፡መን ከምዝኾነ ጸላኢኦም ኣዳዕዲዖም ፈሊጦም፡ናብዚ ሕጂ ዘሎናዮ መደረኽ ለውጢ ተሰጋጊሮም።

ኩሎም ናይ ቴክኖሎጂ ኣገባባት ማለት ራድዮ፡ዌብሳይት፡ፌስቡክን ካልእን ኣቀላጠፍቲ ለውጢ ጥራሕ ኣይኮኑ ን።ከምቲ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈልጥ ዓለም በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ ከይራኸብን፡እቲ ቴክኖሎጂ ሳይበር ዝህቦ እወንታዊ ከይካፈል፡ከይሰምዕ፡ከይር ኢ፡ከይፈልጥ ሓበረታ ከይረክብ ልክት ዘበሎ ዘይኮነ ናቶም ሃሳይነት ኣለዎም።ኣዚ ሃሳይነትዚ ክእለን ክመሃደርን ዝኽእልዩ።ግን ገለ ዌብሳይት ኣይምስቲ ተቃውሞ ኣስሚዑ ናብ ለውጢ ዚቋመት ኣይምስቲ ዓማጺ ስርዓት ላንጋላንጋ ባህሪ ኣለወን።

ብዛዕባ ፖለቲካዊ መርገጽ ክዛረብ ኣይደለኹን።ብዛዕባ ዘመሓላልፈኦ መልእኽቲዩ።ዝኾነ ይኹን ኣብ መንጎ ህዝብታት ግጭት፡መሰል ሰባት ክሕልዋ፡ዝኾነ ይኹን ኣጸያፊ ተግባራትን ቃላትን ከይጥቀማ ብሕጊ ተቐይደንየን ዚሰርሓ፡ዝኾነ ይኹን ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ከኣ ናቱ ኣገባብን ሕግን ኣለዎ።ኣብ ዘይቶኽታኺ ነጻን ንጹር ዝኾነ ሓበረታ ከስንቓ ዝኽእላሉ ሓላፍነት ተቀቢለንየን ዝሰርሓ።

መስከረም ኔት ግን ዶብ ዝሓለፈ መሰል ሰባት ዝግህስ፡ዘይሓላፍነታዊ ጸለመታት ን ኣንበብቲ ተኣንግድ።ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብ ኣቶ ቀለታ፡ኪዳነ መስከረም ኔት፡ብዘይ ፖለቲካዊ ሻራ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ብምባል ኣሞጊሱን ኣቀናጀው ጽሒፉ ኔሩ።ኣብቲ ዓምዲ መስከረም ኔት ግን፡ፍቓድ ዘይተወሀባ ስእሊ ለጢፋ ” ወልዱ ተኽለ መንዩ ” ዝብል፡ንብሕታዊ መሰል ዜጋ ( privacy ) ዝግህስ ኣቕሪባ።ምናልባት ንገለ ዘሀጉስ ይኸውን።ብዓይኒ ክብርን ምሕላው መሰል ግን መስከረም ኔት፡ዘይውሕሉል፡ዘይእዱብ፡ዘይሞራላዊ ስራሕዩ ሰሪሑ።ንሓደ ሰብ ወላ ተሪር ይኹን ምላሽ ምሃብን፡ካብ ዋን ኡ ፍቓድ ዘይተወሃበካ ስእሊ ምልጣፍ ዝተፈላለዩ፡በዚ ከኣ እቲ ክኽተሎ ዘለዎ መስመር ፕረስ ዝጠሃሰ መስከረም፡ንወልዱ ተኽለ ንሞት ፈሪዱዎ ወይ ንገለ ቀሊል ኣኣምሮ ዘለዎም ኣቃሊዑዎ ማለትዩ።

ከምቱ ተከታታሊ ዘንበብኩዎ ወልዱ ተኽለ መሰረታዊ ለውጢ ዝምነ ኤርትራዊ ወለዶዩ።ቃላቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠሞን ሕጂ ዘጋጥሞ ዘሎ ሕሰም ዘቃልሕዩ።ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝግበሮ ነቲ ሃቂ ኢሉ ዚኣመነሉ፡ሰባት ክብሉኒ ክክዕቡኒ ከይበለ ዘስፍር ነጻ ሰብዩ።እዚ ነጻነትዚ ውቅያኖስን ምደረበዳ ኣቋሪጹ ዝረኸቦ፡ኣብ ነጻ መሬትን ሃገርን ኮይኑ ዘድምጾ ዝኾነ ይኹን ክኽልክሎ ዘይክእልዩ።መስከረምን erigazzetta org ጽሑፍ ወልዱ ከይቅበላ ምእንጋድ ክ ኣብያ ይኽእላየን።ባሕርን ውቅያኖስ ምስ ምድረበዳ ሰጊሩ ዝረኸቦ ብነጻ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽን ምስ ሰባት ናይምእካብ መሰሉ ክምንጥለኦ ኣይክእላን።

ስለዚ ናይዘን ዌብሳይት ኣብ ነጻ ሃገር ርእይቶካ ብነጻ ኣብተፍስሰሉ እናነበሩ፡ነቲ ርእይቶ ወልዱ ክቆጽዩ፡ከካፍ ኡ፡ካብ ሰባት ክንጽሉ ምግባሮም እቲ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ስራሕዮም ተጠቂሞም።ፖለቲካዊ ሳርነቶም ቁልጭ ኣቢሎም ይሕብሩ እንዳ መስከረም ነት።

ካብቲ ሓደ ከም ክሲ ኣቕሪቦምሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ካብትን ካብዝን ኣራርዮም ባውራጃነት ከሲሶም።ግን ወልዱ ክሳብ ክንደይ ፍሉጥን ውሩይን ናይ ፖለቲካ ሰብ ኮይኑዩ ክንድዚ ስግ ኣት ፈጢሩሎምስ ካብ ሎሚ ክርምስዎ ዝጽዕሩ።ንሱ ከም ሃገሩ ተጠርኒፉ ዝቃለሰሉ ባይታ ይህልዎ ይኸውን፡ግን ናየናይ ሰልፊ መራሒ ወይ ኣየናይ ስልጣን ተዋሂቡዎዩ ክንድዚ ጸርፊ።ኣየናይ ህዝባውን ማሕበራውን ሓላፍነት ተዋሂቡዎዩ ባውራጃነት ዝኽሰስ።ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል ቃልሲ ናይ ጀበርቲ ምንቅስቃስ፡ናይ ሳሆ ምንቅስቃስ፡ናይ ኩናማ፡ናይ ዓፋርን…….ካልእን ኣሎ።እዞም ምንቅስቃሳት ኣዚኦም ካብ ብቃላት ሃሊፎም ናብ ወተሃደራዊ ምንቅስቃስ ሰጊሮም።ንባዕሉ እቲ መስከረም ነት ድፋዕ ዝኾነሉ ፖለቲካ ህግደፍውን ወገናዊዩ፡ናቱ ኣራኣእያ ንዘለዎም ጥራሕዩ ዝሕብሕብ፡ናይ ካልእ ሰልፊ ይኹን ኣረኣእያ ኣይጸውርን እዚውን ካብቲ ሃደ ምውጋን)።ብዘይካ ኡ ኣብ ሰራዊት ህግ ዚነበረ ኣውራጃዊ ኣወዳድባ በቲ ውድብ ዝሓለፉ ዝጸሃፍዎ )ኣንቢብና።ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ክውቀሰን ክጽረፍን ዝግበኦ ጸላኢ ፍቕሪ፡ጸላኢ ዲሞክራሲ ጸላኢ ሰላም ህዝብታት ዝኾነ ህግደፍ ገዲፉ ምስ ወልዱ ምጥምጣማ መሪጾም እንዳ መስከረም።

ንምዃኑ ኣውራጃዊ ከመይ ኢዩ።ኣውራጃ ናይ ሃደ ከባቢ ንምምሕዳር ተባሂሉ ዝተሃንጸጸ ከባቢምበር ናይ ዓሌትን ደምን ኣይኮነን።ምናልባት ድሕሪ ግዜ እዚ ሃደ ምምሕዳር ናብ ፍሉይ ባህልን ናብ ጥሙር ዝኾነ ማሕበራዊ ኣሰርርሃ ይቕየርሞ ካብዚ ፍቕሪ ምትእስሳር ክመጽእ ይኽእል። ኣብዞም ዚሓለፉ ዓመታት ቃልሲ፡ብፍላይ ኣብ ውድብ ህግ ንወዲ ኣከለ ጉዛይ ጥራህያ ተዋሂባ ኣውራጃውነት።ገለ ሰባት ከም ኃጢኣት ፈሪሆማ፡ኣውራጃውያን ከይበሃሉ ዘይፈልጡዎ ቃልን ስራሕን፡ምስ መዳምዕቶም ምስ ፈለጦም ከየተረፈ ብማዕዶ ማዕዶ ምጥምማት መሪጾም።ብሓጺሩ ምስ ወዲ ኦኣድኻ ሳሂ ምስታይ፡ምስ ወዲ ከባቢ ምዝዋር፡ገዛካ ምእንጋድ ወይ ገዝ ኡ ምዃድ ኣውራጃነት፡ከምቲ ባህልና ዝጠልቦ ጓል ኦኣደይ መኦኣብይተይ ኢልካ ዝተመርዓካያ ከይተረፈ ኣውራጃዊ ይበሃል።እዚ ዝገበረ ወዲ ኣከለ ጉዛይ ጥራሕዩ ዝጽረፍ።ደቂ ካልእ ከባቢ ኣዚ ምስዝገብሩ ግን ዝወቕሶም የለን።ባህሊ ኮይኑ ዝቐጸለ፡መበገሲኡ እቲ ናቱ ኣረኣኣያ ዘለዎም ዝሕብሕብ ፈላላይ ኣሰራርሃ ዘለዎ መሪሕነት ኢሳያስዩ።ቀጺሉ ንዝተቃወምዎ ኩሎም ባውራጃነትዩ ኣጥፊኡ፡ሰማዒ ከኣ ረኺቡ።እታ ሃደ ግዜ ዘዐወተቶ ኣውራጃነት ግን ክትቅጽል ኣይከኣለትን።እቲ ሕማም ኣብ ዘይምሁርን ናይ ፖለቲካ ኣፍልጦ ዘይብሉ በጺሃ ስለዝነበረት ከኣ፡ኩሎም ተወዲቦም ዝሰርሒ ፈለማ ንወቐሳ ዝጥቀሙላ ኣውራጃዊ፡ሰባት ንምጉጅጃል ዚትቀሙላ ኣውራጃዊ፡ተቃውሞ ዘስምዑ ኣውራጃዊያ።ሃደ ሰብ ህዝባውን ማህበራውን ሃላፍነት ክሳብ ዘይተወሃቦ ድላዩ ዚመሰሎ ክስረሕ መሰሉዩ።ካብ ኣህዋቱ ንዝፈለዮ ይቕርብ ይጎንዕ።ስለዚ ንውልቀሰብ ባውራጃውነት ምክሳስ ካልእ መረዳድ ኢ ቃላት ዝተሳእነካ ምኳን ጣርሕዩ ዘብርህ።

ወልዱ ናይዚ ብዙሕ ሕንትርኽራኽ ተርእዮ ዝረኣየሉ ወለዶ ስለዝኾነ፡ንገሊኡ በቲ ናቱ መረዳእታ ወይ ብመረዳእታ ብዙሓት ጠሚቱ ርእይቶ ክህብ ይኽእል።እዚ ርእይቶዚ ንካልእ ዘይቅቡል ይከውን።ርግጽ ሃሳብን ሰባትን ክራከቡ ክጋጨውን ክረሃሃቁን ይኽእሉ ግን፡ንምርድዳእ ዝሕግዙ ብዙሕ መንገድታት ኣለው።እቲ ግጭት ናብ ህዝቢ ከይልሕም ፡ብህድ ኣት፡ብልዙብ ቃላት ቀስ ኣቢልካ ክመዓደሉ ዝኽእል ገዲፍካ መሸንጎጋ ምድርባይ፡ናበይ ዚወስድዩ።እንተደኣ ርእይቶኡ ንዝጸሓፈ እዚ መሸንጎጋ፡ክሳብ መፈራርሂ ቃላት ዝድርበዮ እንተኾይኑ ደኣ ናብ ዘበን ህግደፍን ናብ ኣሰራርሓኦም ንምለስ ኣሎናምበር ኣየናይ ናይ ነጻ ርእይቶኻ መሰል ዝኽበረሉ ስሮኣት ክንተክል።ለውጥን ምቅይያርን ዝመጽእኮ ብነጻ ርእይቶ ተለዋዊጥካ ንዘየሰማማኦኣካ ብንጹር ገሊጽካ ዘሎ ምጥርጣራት ፈቲሕካ እምነት ምስ ተረኽበዩ ዝመጽእ ለውጢ።መስከረም ግን ናዕቢያ ተኾልኪላ።

ወልዱ ነጻነቱ ተጠቂሙ ርእይቶ ይህብ ኣሎ።መስከርም ግን ከም መርበብ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝቢ ዓዲሙ መጋጨዊ ፕሮፖጋንዳ ይሰርሕ ኣሎ።ከም ዒላማ፡ገለ ሰባት ኣውራጃዊ ምትእኽካብ ኣምጺኦምሞ ንዑ ንሳትኩም ከኣ ተኣካከቡ ወይ ተፈሃነኑ ዝብል እታ ናይ መወዳእታ ስልቲ ህግደፍ ይሰርሕ ኣሎ።እዚ ግን ክከውን ዘይነበሮዩ።

ኣብቲ ሎሚውን ዝስዕርር ዘሎ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዓገብ ምባል …ዝብል ጽሑፍ ካብትን ካብዝን ዚተኣከቡ ዋጋ ዘይብሎምዮም እቶም ሰፊሮም ዘለው ክስታት።ርእሺ ኩሉ ተሓታትነት ዘይብሉዩ እቲ ጽሑፍ።ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ሽም ሰብ ዘይብሉ ጽሑፍ ክእንግድ ኣይግበእን።እዚ ካብቲ ቀዳማይ ግስርጥና መስከረምዩ።ቀጺሉ ከኣ እቲ ጽሑፍ መጋጨውን ቶኽታኽንዩ።ን ኣብነት፡“…… ትማሊ ኣብ ሩዋንዳን ብሩንድን ዝተፈጸመ ክንርስዖ ኣይንኽእልን፡”  ዝብል ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ኣውራጃታት ሓዊ ንኽኣጉድ ስርሔይ አሊ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ዓገብ ክበሃል ዝግባኦ ዜጋ እዩ 

ብሕጽር ዝበለ ዓገብ ክበሃል ዝግበኦ መስከረምዩ።

ወልዱ ኣብ ኤሜሪካ ዝነብር ከም ህዝቡ ሰሪሑ ዝነብርዩ።ኣብ ኤሜሪካ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ግጭት ክመልስ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ዓቕምን መሳርሕ ኣለዎ ኮይኑዩ።

እቲ እኹል ዓቕምን መሳርሕን ዘልዎምበኣር መስከረምዩ።ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ከጋጥም ዘይግበኦ ህልቂት ቀዳሞት ተሃተቲ፡መራከቢ ብዙኃንየን።ካብ ኣን ሓንቲ ራድዮ ሩዋንዳ ኢያ።ራድዮ ሩዋንዳ ነቲ ግጭት ብሃደ ግዜ ናብ ካልእ ምእንቲ ክልሕም ኣቃሊሓ።ብሓደ ግዜ ነቲ ኩሉ ኣረሳሲኑ ከኣ ዘሰንብድ ህልቂት ኣስዒቡ።ስለዚ እታ ራድዮ ሩዋንዳ ተዓጺያ ኔራ እንተዝከውን እቲ ህልቂት ከምዚኢሉ ኣይምገዘፈን፡ሳዕቤን ዘለዎ ኣይምኾነን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ናይ ሃምሳ ኦኣመታት ተመኩሮኡ ንኹሉ ፈቲኑዎ ስለዝኾነ ንዝመጽእ ጸገማት ክፈትሃሉ ዝኽእል ኦኣቕሚ ኣለዎ በሃላይ ኢየ።ግን ስኽፍክፍ ዝብሎም እንተልዮም፡ቀዳመይቲ ከሉ ናይ ምግጫው መሳርሒ ክትከውን ትኽእል ኣደብን ኣገባብን ዘይብላ መስከረም ነት ስለዝኾነት ክትዕጾ ኣለዋ በሃላይየ።

ውጢ ናደለና ንውጢ ኣይዕንቕጽ፡

ተወልደመድህን

16/02/14

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • fetahawidelina February 17, 2014

    መሰል ወልዱ ወይስ ሃድነት ሃሙሽተ ሚሊዮን ኤርትራውያን? MR.T/medhin
    ኣነ ክበርሃለይ ዝደሊ በቲ ወልዱ ተክለ ዝጸሓፎ ስምዒት ኣውራጃዊነት ዘንጸባረቐ ጽሕፍቶ በገላልጻካ መሰሉዩ ትብል ኣለኻ ንከምዚ ኣይነት ኣውራጃዊን ሃይማኖታዊን ብሄረ ወከልቲ ኢና ብሃልቲ ዘይምትእምማንን ጽልዕን ምልዕዓል ኣህዛብ ኣብልዕሊ ኣህዛብ ደቂ ሓንቲ ሃገር ንዝፈጥሩ ውልቀሰባት ነቲ (ነጻ ናይ ሓሳባትካ ምግላጽ ዝብል ደሞክራሲያዊ መሰል) ክትብል ሰሚኻዮ ኣብ ልዕሊ ጠንቂ ክትዕ ዝኾነ ጽሑፍቶ ወልዱ ተኽለ ዋላ ቅንጣብ ነቐፈታ ከይደርበኻ ሕዉስውስ ብዝበለ ቀሊል ጉዳይ ብምምሳል መሰሉ ዝተገሓሰ ውልቀሰብ ኣምሲልካ ዝደናገጹሉን ዝስዕብዎ ሰባት ንክፍጠሩ ንዝተቃወሙዎ በኣንጻሩ ብመንነቱዮም ጸሊኦሞ ብምባል ከምተመ ሕንዝኻ ብሰላመላሕ ክትነጽግ ሓውቲትካ ኣነ ፍቅርን ልውሃትን ሓድነትን ኣብ ጽንኩር ኩነታት ምስ ካብኩሉ ኣዉራጃታትን ሃይማኖታትን ብሄራትን ዘስተማቀርኩ መትከለይ ሃንትን ደሞክራስያዊት ኤርትራ ኢያ

    መሰል ወልዱ ወይስ ሃድነት ሃሙሽተ ሚሊዮን ኤርትራውያን? MR.T/medhin
    ኣነ ክበርሃለይ ዝደሊ በቲ ወልዱ ተክለ ዝጸሓፎ ስምዒት ኣውራጃዊነት ዘንጸባረቐ ጽሕፍቶ በገላልጻካ መሰሉዩ ትብል ኣለኻ ንከምዚ ኣይነት ኣውራጃዊን ሃይማኖታዊን ብሄረ ወከልቲ ኢና ብሃልቲ ዘይምትእምማንን ጽልዕን ምልዕዓል ኣህዛብ ኣብልዕሊ ኣህዛብ ደቂ ሓንቲ ሃገር ንዝፈጥሩ ውልቀሰባት ነቲ (ነጻ ናይ ሓሳባትካ ምግላጽ ዝብል ደሞክራሲያዊ መሰል) ክትብል ሰሚኻዮ ኣብ ልዕሊ ጠንቂ ክትዕ ዝኾነ ጽሑፍቶ ወልዱ ተኽለ ዋላ ቅንጣብ ነቐፈታ ከይደርበኻ ሕዉስውስ ብዝበለ ቀሊል ጉዳይ ብምምሳል መሰሉ ዝተገሓሰ ውልቀሰብ ኣምሲልካ ዝደናገጹሉን ዝስዕብዎ ሰባት ንክፍጠሩ ንዝተቃወሙዎ በኣንጻሩ ብመንነቱዮም ጸሊኦሞ ብምባል ከምተመ ሕንዝኻ ብሰላመላሕ ክትነጽግ ሓውቲትካ ኣነ ፍቅርን ልውሃትን ሓድነትን ኣብ ጽንኩር ኩነታት ምስ ካብኩሉ ኣዉራጃታትን ሃይማኖታትን ብሄራትን ዘስተማቀርኩ መትከለይ ሃንትን ደሞክራስያዊት ኤርትራ ኢያ

    • ተወልደመድህን February 17, 2014

      ግርም ከመይ ውዒልካ fetahawidelina ተስፋ ይገብር ምስዝርዳእ፡ቅሩብ ኅልና ዘለዎን ካብ ሕሉፍ ጌጋ ተማሂሩ ንቕድሚት ዝከይድ ሰብ ክትከውን።…….ቅድሚ ኩሉ ወልዱ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝዓበየ ሰብ’ዩ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ከኣ ብፍላይ ኣብ ገጠራትን ሓረስቶት ኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገም ሕይወትን ትእዛዝ ገድሊ ክፍጽሙን ካልእ ተወሲኹ ተመሊስካ ክትርእዮ ዘህዝን’ዩ።ሕራይ ሃሊፉ ሎሚ እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ መንጎ ክልተ ዝሳቐ ዝነበረ ሃረስታይን ኦኣድታትን ሰብ ገዲፉዎ ዑና ኮይኑ ተሪፉ።ኣብቲ ሕማቕ ኣዋን ዞኣበየ ነዚ ኩነታትዚ ዚረኣየ ሰብ፡ዘይከውን ክሰምዕ ይንህር፡ይሃርቕ’ሞ ገለገለ ክጽሕፍ ክዛረብ ከሎ ይነጥር ወይ ሸተት ይብል።ኣዚ ንወልዱ ጥራሕ ኣይኮንኩን ዝብሎ ዘለኹ ንባዕለይን ኣብ ካልእ ቦታታ ይኹን ኣውራጃ ዘለውን ወለዶ’ውን ከምኡ።……ቀጺለ፡ሓደ ወለዶ ብነጻ ናይ ምዝራብ ነጻነት ዘይጸንሖ፡ክዛረብ ይኹን ክዋሳኣ ምስጀመረ ግድን’ዩ ዘይተደለ ቃላት ክሰቱኽ።ምኽንያቱ ዝኾነ ይኹን ተረሃሒቁ ዝጸንሃ ክራኸብ ከሎ ቀልጢፉ በቲ ጽቡቕ ኣይጅምርን።……ወልዱ ናይ ኣውራጃዊ ስሚዒት ዘለዎ ኣንተኾነ ወይ ኢዩ እንተበልካ፡ዘወጻጽኦ ወይ ዘክስቦ እንተኾይኑ ስቕ ዘይትብሎ ህዝቢ ባዕሉ ክፈርዶ።ኣብ ኦኣዲ ጢልያን lega nord ዝብሉዎም ኣብ ከባቢ ሮማ መንደቕ ነዲቕና ሰሜን ካብ ደቡብ ክንፈልዮን ነናቱ ምምሕዳር ይተኸል ዝብሉ ኣለው።ኣብ ፈለማ ብዙሕ ሰብ’ዩ ተቃዊሙዎም።ኣብ መወዳኣታ ግን ንርእይቶም ህዝቢ ፈሪዱ ይሶኣቦም ወይ ይርሓቐሎም።እቲ ሓሳብ ዘይፍቶ እንተኾነ ርእይቶም ብሓይሊ ምጉዕጻጽ ካብ ዲሞክራሲ ንወጽእ ኣሎና ማለትዩ ብዝብል ሰልፊ ኮይኖም ይከዱ ኣለው።ምስ ገለ ሰልፍታት ተላፊኖም ኣብ ምርጫ ተዓዊቶም ስልጣን ሒዞም።ዘይፍቶ እንተኾነ መምሪሒኦም ከም ኩሎም መዛኑኦም ንሃገሮም ኣገልጊሎም።…..ኣዚ ኣብነትዚ ክትርዳእ ትኽእል ስብ እንተኾንካ።…….ሕጂ ከኣ ኤርትራ ሃራ ወጺ አ ሎሚ መሰልካ ትገልጸሉ ክፉት ተሳትፎ ክርከብ ከሎ፡ንስካ እዚ ተዛረብ ኣዚ ኣይትዛረብ ኣይትብሎን ኢካ።ጉዳይ ኣኤርትራ ውሱናት ሰባት ክዝትዩሉ ኢዮም ጸኒሖም።ንሕና ዜጋታት፡ካብ ዝተበሃልናዮ ካብ ምግባር ሃሊፍና መሰል ዘይነበረና ዝኑባት፡ኣፍና ተሎጊሙ’ዩ ጸኒሑ።ሕጂ ንተኣካከብ ኣሎና ወላ ከምቲ ዝድለዮ ኣንተዘይኮነ።ሎሚ ነጻ ንዋሳኣሉ መርበባት ረኺብና ኣሎና።ካብዚ ኩነታትዚ ኣረኣኣያ ሰባት እናተቀራረበ’ዩ ዝመጽእ።ክቀራረብ ከሎ ተኣዊድና ዘይኮነ እቲ ንኩላትና ዝሓይሽ ኩላትና ንፈልጦ ኢና።እታ ኤርትራ ናይ ኩላትና፡እንተተሳኒና ተከባቢርና ብሰላም ክነብረላ ንኽእል፡ኣንተዘይተሳኒና ከኣ ከምዚ ሕጂ ዘሎናዮ ከም ደቂ ፍልስጤም ስደተናታት ኮይና ከምንነብር ኣጸቢቅና ስለንፈልጥ፡ካብዚ ሕጂ ዝውህዝ ዘሎ ቃላት’ዩ ምርድዳኣ ዝፍጠር።ካብ ጌጋ ኣዘራርባ’ዩ ቅኑዕ ክመጽእ ዝኽእል።ስለዚ ኣዚ በበይኑ ከከም ኣረኣእያኡ ዝዝረብ ቃላት ምእንቲ ባዕሉ ተረዲኡ ኣስተውዒሉ ክጥርነፍ ጌጋኡን ጽቡቑን ባዕሉ ከስተባህል ነጻ ምግዳፉ።……ቀጺለ ወልዱ ኣንታይ ሃይልን፡ኣየናይ ውድብ ወይ ኣየናይ ስልጣን ሰለዘለዎ’ዩ ህዝቢ ከለኦኣዕል።ሰማይ ሃገርካ ወልዱስ ኣውራጃ ኣዕጢቑ ምስካልእ ኣውራጃ ከጋጩ ኢልካ ትሃስብ።ሃደ ነገር ኣሎ።ንስካ ከም ኡ ክገብር ይኻል’የ ኢልካ ትሃስብ ይመስለኒ።መብዛሕቱ ግዜ’ኮ ወዲ ሰብ ንርእሱ ቀሊል ጉዳይ ኮይኑ ስለዝስመዕ’ዩ እቲ ካልእ ክገብሮ ይኽእል ኢሉ ዝግምግሞ።ህዝቢ ኣኤርትራ ዓሻ ድዩ።ኩናት ሕድሕድ’ኮ ብሰንኪ ስኽራን መኦኣል ኢሳያስ’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ክዓርቆም ከምዝፈተነ ፍለጥ።ህዝቢ ኣኤርትራ ብቀሊሉ ናብ ግጭት ክ ኣቱ ኣይክእልን።እቶም ናይ ሽዑ ጸገም፡ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮኑን።ንህዝቢ ኣኤርትራ ዘይፈልጡ በጋሚንዶ ኣስመራ ዝደለዩዎ ውግእ’ዩ።….እዚ ኣብ ኣኤርትራ ዘሎ ዘይምትእምማን ከኣ ወልዱን ኣውራጃ ወልዱን ኣይፈጠሮን።እቲ ኣይትዛረብ እዚ ኣይትበል፡ስቕ በል ዝብል ሃድጊ መኦኣል ኢሳያስ ዝኾነ ኣረኣእያ ኢዩ።ነዚ ምትእምማንዚ ከርሕቕ ዝኽእል ብነጻ ክንዛረብ ምስጀመርና ጥራሕ’ዩ።ካልእ ዝኾነ ይኹን መፍትሕ የብሉን።…ኣብ ዝሃለፈ ግዜ ቃልሲ ” ጌጋ ውልቀሰባት፡ነቲ ውድብ ኣይጸልዎን’ዩ ” ዝብል ቃላት ይውህዝ ኔሩ።እዚ ማለት ወልዱ ውልቀሰብ ይሕመቕ ይጸብቕ ርእይቶ ሂቡ።እቲ ርእይቶ ከኣ ርእይቶን ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ዘሎ ዝድርበ።ቃላት እንተኾነውን ዝርሳዕ’ዩ።ኣብ ኤርትራ’ኮ ብኤርትራውያን ዝተቀትሉ ንጹሃት ዜጋታት ኣለው።ካብዞም ንጹሃት ዜጋታት ዝቐንጸሉ ገሊኦም ሕጊ ህግደፍ ተከላኺሉሎም ስልጣን ሒዞም ይነብሩ ኣለው።ስለዚሰብ ዚቐተለ ድዩ ነውሪ ስራሕ ዝሰርሃ ክልተ ሰለስተ ቃላት ዘስተከ።እብቲ ን ኣለም ዝሃቦ ጽሑፍ ትርር ዝበለ ኣሎ፡እወ ኣየድልን ምበልኩ።ግን ከኣ ኣለም ናይ ኣኤርትራዊ ክብሪ ደልዩ ዝምጉትን ዝቃለስ ዘሎ ሰብ መንዩ ኢል ከቆናጽቦ።እንድሕሪ ክብረይ ዘይሃሊካ ክብርካ’ውን ሕሉው ኣይኮነን።ስለዚ ተዛሪቡ ኢልካ ዝኽሰስን፡ነቲ ትብሎ ዘሎካ ክገብር ሃይልን ክእለትን ዘለዎ ሰብ ኮይኑ ክቶኣግቶ ምጾኣር በበይኑ’ዩ።እቲ ሕቶ ህን ካልእ’ዩ።ንሱ ከኣ እቶም ትማሊ ብሽም ኣውራጃ ሰብ ምውራድን ምጽራፍን ደስ ዝበሎም’ሞ ኣብ ገለ ዕድል ረኺቦም ክሳብ ሎሚ ንኤርትራ ኦኣለል ክብሉላ ዝጸንሑ ሰባት ዝገብሩዎ ናይ ምብኣስን ጸገማት ናይ ምንስናስ ሸርሒ ኢዩ።ፈቲኻ ጸሊኢካ ባዕላትኩም ኣጋፊሕኩሞ ወይ ጸላኢ ደሊኹም ክትጻል ኡ’ምበር ርእይቶ ሃደ ውልቀሰብ ማዕረ ክንድዚ ንኤርትራ ጸገም ዘምጽእ ሰልዘይኮነ፡ርእይቶኡ’ዩን ተዛሪቡ።ንሰብ ርእይቶኡ ምኹላፍ ከኣ መሰሉን ህላውነቱን ዘይምእማን ማለት’ዩ።ንሳትኩም ወልዱ ኣንተተላዒሉስ ኣኺሉዋያ ኣዛ ሃገር ባርዕ ኣትዩዋ።ኣከለጉዛይ ከኣ ኣውራጃውያን ኢዮም……ኣዚ ናይ ድኹማትን ንእስትዮ ኣኣምሮ ዘዎም ኣተሃሳስባ’ዩ።ስለዚ ነዚ ነዊሕ ጽሑፈይ ቀስ ኢልካ ኣንብቦ።ግን ክትርደኦ ከምዘይትደሊ ይፈልጥ’የ።ኣዚ ወድሃንካ….

      • fetahawidelina February 18, 2014

        ሰላም ተወልደመድህን
        ዝኮነ ኮይኑሎ ንዝመጽዕ ንኩሉ ኣሉታዊ ኣንፈት ዝፈጥር ጌጋታት ንከይፍጠርን እንተጋጢሙውን ብቅልጡፍ ነብሰነቀፌታ ብምግባር ብሕውነታዊ ናይ ምርድዳእን ምክእኣል መንፈስ ኣብዚ ሃዱሽ ወለዶ ክንፈጥር ከምዝግባእ እምነተይዩ። ሰማእታትና ይዘከሩ!

  • Kalighe February 17, 2014

    Does Medrek has anything to do with “awraja” issues being raised these days ?

    Please let’s take care of our national unity . Regardless of region, religion, ethnicity ..etc.
    we are the same people. If there are a few who feel it’s better to join hands with Hidgef
    for their safety and temporary interests, let them try it. That type of marriage won’t
    last long. Unless there is fundamental change and justice for all, thing will remain
    much the same for years to come. There are no short cuts that work here.

  • GOJAM February 17, 2014

    WELDU TEKLE, GET LOWEYR AND SUE MESHEREFT.COM AND YOU WILL SEE WHAT HAPPE TO HEM WE ARE IN THE FRIDOM LAND WE ARE NOT IN HIGDEF LAND IF YOU NEED MONY COME AND LETS US NOW PEROID.

Post a Reply to fetahawidelina Cancel Reply