Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ነገራት ተሓቒኑ ዝጽዕየሉ፣ሕቡእ ታሪኽ ብኩሉ'ኳ እንተዘይኮነ ንቃልዕ ዝወጻሉ፣ስርዓት ህግደፍ ጉዱ ተቐሊዑ ብውሽጥን ግዳምን ዝተፈንፈነሉ መደርኽ ኢና በጺሕና። ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ህግደፍ የወጻጸኣኒ፥ተቃውሞ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከውዕሎ ይኽእል ብዝብ ል መምርሒ

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ነገራት ተሓቒኑ ዝጽዕየሉ፣ሕቡእ ታሪኽ ብኩሉኳ እንተዘይኮነ ንቃልዕ ዝወጻሉ፣ስርዓት ህግደፍ ጉዱ ተቐሊዑ ብውሽጥን ግዳምን ዝተፈንፈነሉ መደርኽ ኢና በጺሕና።

ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ህግደፍ የወጻጸኣኒ፥ተቃውሞ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከውዕሎ ይኽእል ብዝብ ል መምርሒ ዝተኸሎ ፖሊሲ እንተኾነ፤ ሳላ ገለ ግዱሳት ዜጋታት ብጻዕሮም ዘሳለጥዎ ምዕቡል ናይ ሳይበር ቴክኖሎጆ፡ሰባት ካብ ጻት ናብ ጻት ኣብ ሓንቲ ደ ቒቕ ተራኺቦም ሓበረታን፡ተመኩሮታት ክለዋወጡ፡ሃናጺ ጽሑፋት ከውጽኡን ክነቓቐፉን ክረዳድኡን ብምኽኣሎምዩ።እዚ ምዕቡል ኣገባብዚ ብቀሊሉ ክጥርነፉን ፍልጠት ሰኒቖም፡ተረዳዲኦም ምጥርጣር ኣርሒቖም ብነጻ ክዛረቡ ኣጀሚሩዎም።ተኣማሚኖም ክዛረቡ ስለዝጀመሩ ከኣ፡መን ከምዝኾነ ጸላኢኦም ኣዳዕዲዖም ፈሊጦም፡ናብዚ ሕጂ ዘሎናዮ መደረኽ ለውጢ ተሰጋጊሮም።

ኩሎም ናይ ቴክኖሎጂ ኣገባባት ማለት ራድዮ፡ዌብሳይት፡ፌስቡክን ካልእን ኣቀላጠፍቲ ለውጢ ጥራሕ ኣይኮኑ ን።ከምቲ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈልጥ ዓለም በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ ከይራኸብን፡እቲ ቴክኖሎጂ ሳይበር ዝህቦ እወንታዊ ከይካፈል፡ከይሰምዕ፡ከይር ኢ፡ከይፈልጥ ሓበረታ ከይረክብ ልክት ዘበሎ ዘይኮነ ናቶም ሃሳይነት ኣለዎም።ኣዚ ሃሳይነትዚ ክእለን ክመሃደርን ዝኽእልዩ።ግን ገለ ዌብሳይት ኣይምስቲ ተቃውሞ ኣስሚዑ ናብ ለውጢ ዚቋመት ኣይምስቲ ዓማጺ ስርዓት ላንጋላንጋ ባህሪ ኣለወን።

ብዛዕባ ፖለቲካዊ መርገጽ ክዛረብ ኣይደለኹን።ብዛዕባ ዘመሓላልፈኦ መልእኽቲዩ።ዝኾነ ይኹን ኣብ መንጎ ህዝብታት ግጭት፡መሰል ሰባት ክሕልዋ፡ዝኾነ ይኹን ኣጸያፊ ተግባራትን ቃላትን ከይጥቀማ ብሕጊ ተቐይደንየን ዚሰርሓ፡ዝኾነ ይኹን ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ከኣ ናቱ ኣገባብን ሕግን ኣለዎ።ኣብ ዘይቶኽታኺ ነጻን ንጹር ዝኾነ ሓበረታ ከስንቓ ዝኽእላሉ ሓላፍነት ተቀቢለንየን ዝሰርሓ።

መስከረም ኔት ግን ዶብ ዝሓለፈ መሰል ሰባት ዝግህስ፡ዘይሓላፍነታዊ ጸለመታት ን ኣንበብቲ ተኣንግድ።ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብ ኣቶ ቀለታ፡ኪዳነ መስከረም ኔት፡ብዘይ ፖለቲካዊ ሻራ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ብምባል ኣሞጊሱን ኣቀናጀው ጽሒፉ ኔሩ።ኣብቲ ዓምዲ መስከረም ኔት ግን፡ፍቓድ ዘይተወሀባ ስእሊ ለጢፋ ” ወልዱ ተኽለ መንዩ ” ዝብል፡ንብሕታዊ መሰል ዜጋ ( privacy ) ዝግህስ ኣቕሪባ።ምናልባት ንገለ ዘሀጉስ ይኸውን።ብዓይኒ ክብርን ምሕላው መሰል ግን መስከረም ኔት፡ዘይውሕሉል፡ዘይእዱብ፡ዘይሞራላዊ ስራሕዩ ሰሪሑ።ንሓደ ሰብ ወላ ተሪር ይኹን ምላሽ ምሃብን፡ካብ ዋን ኡ ፍቓድ ዘይተወሃበካ ስእሊ ምልጣፍ ዝተፈላለዩ፡በዚ ከኣ እቲ ክኽተሎ ዘለዎ መስመር ፕረስ ዝጠሃሰ መስከረም፡ንወልዱ ተኽለ ንሞት ፈሪዱዎ ወይ ንገለ ቀሊል ኣኣምሮ ዘለዎም ኣቃሊዑዎ ማለትዩ።

ከምቱ ተከታታሊ ዘንበብኩዎ ወልዱ ተኽለ መሰረታዊ ለውጢ ዝምነ ኤርትራዊ ወለዶዩ።ቃላቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠሞን ሕጂ ዘጋጥሞ ዘሎ ሕሰም ዘቃልሕዩ።ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝግበሮ ነቲ ሃቂ ኢሉ ዚኣመነሉ፡ሰባት ክብሉኒ ክክዕቡኒ ከይበለ ዘስፍር ነጻ ሰብዩ።እዚ ነጻነትዚ ውቅያኖስን ምደረበዳ ኣቋሪጹ ዝረኸቦ፡ኣብ ነጻ መሬትን ሃገርን ኮይኑ ዘድምጾ ዝኾነ ይኹን ክኽልክሎ ዘይክእልዩ።መስከረምን erigazzetta org ጽሑፍ ወልዱ ከይቅበላ ምእንጋድ ክ ኣብያ ይኽእላየን።ባሕርን ውቅያኖስ ምስ ምድረበዳ ሰጊሩ ዝረኸቦ ብነጻ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽን ምስ ሰባት ናይምእካብ መሰሉ ክምንጥለኦ ኣይክእላን።

ስለዚ ናይዘን ዌብሳይት ኣብ ነጻ ሃገር ርእይቶካ ብነጻ ኣብተፍስሰሉ እናነበሩ፡ነቲ ርእይቶ ወልዱ ክቆጽዩ፡ከካፍ ኡ፡ካብ ሰባት ክንጽሉ ምግባሮም እቲ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ስራሕዮም ተጠቂሞም።ፖለቲካዊ ሳርነቶም ቁልጭ ኣቢሎም ይሕብሩ እንዳ መስከረም ነት።

ካብቲ ሓደ ከም ክሲ ኣቕሪቦምሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ካብትን ካብዝን ኣራርዮም ባውራጃነት ከሲሶም።ግን ወልዱ ክሳብ ክንደይ ፍሉጥን ውሩይን ናይ ፖለቲካ ሰብ ኮይኑዩ ክንድዚ ስግ ኣት ፈጢሩሎምስ ካብ ሎሚ ክርምስዎ ዝጽዕሩ።ንሱ ከም ሃገሩ ተጠርኒፉ ዝቃለሰሉ ባይታ ይህልዎ ይኸውን፡ግን ናየናይ ሰልፊ መራሒ ወይ ኣየናይ ስልጣን ተዋሂቡዎዩ ክንድዚ ጸርፊ።ኣየናይ ህዝባውን ማሕበራውን ሓላፍነት ተዋሂቡዎዩ ባውራጃነት ዝኽሰስ።ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል ቃልሲ ናይ ጀበርቲ ምንቅስቃስ፡ናይ ሳሆ ምንቅስቃስ፡ናይ ኩናማ፡ናይ ዓፋርን…….ካልእን ኣሎ።እዞም ምንቅስቃሳት ኣዚኦም ካብ ብቃላት ሃሊፎም ናብ ወተሃደራዊ ምንቅስቃስ ሰጊሮም።ንባዕሉ እቲ መስከረም ነት ድፋዕ ዝኾነሉ ፖለቲካ ህግደፍውን ወገናዊዩ፡ናቱ ኣራኣእያ ንዘለዎም ጥራሕዩ ዝሕብሕብ፡ናይ ካልእ ሰልፊ ይኹን ኣረኣእያ ኣይጸውርን እዚውን ካብቲ ሃደ ምውጋን)።ብዘይካ ኡ ኣብ ሰራዊት ህግ ዚነበረ ኣውራጃዊ ኣወዳድባ በቲ ውድብ ዝሓለፉ ዝጸሃፍዎ )ኣንቢብና።ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ክውቀሰን ክጽረፍን ዝግበኦ ጸላኢ ፍቕሪ፡ጸላኢ ዲሞክራሲ ጸላኢ ሰላም ህዝብታት ዝኾነ ህግደፍ ገዲፉ ምስ ወልዱ ምጥምጣማ መሪጾም እንዳ መስከረም።

ንምዃኑ ኣውራጃዊ ከመይ ኢዩ።ኣውራጃ ናይ ሃደ ከባቢ ንምምሕዳር ተባሂሉ ዝተሃንጸጸ ከባቢምበር ናይ ዓሌትን ደምን ኣይኮነን።ምናልባት ድሕሪ ግዜ እዚ ሃደ ምምሕዳር ናብ ፍሉይ ባህልን ናብ ጥሙር ዝኾነ ማሕበራዊ ኣሰርርሃ ይቕየርሞ ካብዚ ፍቕሪ ምትእስሳር ክመጽእ ይኽእል። ኣብዞም ዚሓለፉ ዓመታት ቃልሲ፡ብፍላይ ኣብ ውድብ ህግ ንወዲ ኣከለ ጉዛይ ጥራህያ ተዋሂባ ኣውራጃውነት።ገለ ሰባት ከም ኃጢኣት ፈሪሆማ፡ኣውራጃውያን ከይበሃሉ ዘይፈልጡዎ ቃልን ስራሕን፡ምስ መዳምዕቶም ምስ ፈለጦም ከየተረፈ ብማዕዶ ማዕዶ ምጥምማት መሪጾም።ብሓጺሩ ምስ ወዲ ኦኣድኻ ሳሂ ምስታይ፡ምስ ወዲ ከባቢ ምዝዋር፡ገዛካ ምእንጋድ ወይ ገዝ ኡ ምዃድ ኣውራጃነት፡ከምቲ ባህልና ዝጠልቦ ጓል ኦኣደይ መኦኣብይተይ ኢልካ ዝተመርዓካያ ከይተረፈ ኣውራጃዊ ይበሃል።እዚ ዝገበረ ወዲ ኣከለ ጉዛይ ጥራሕዩ ዝጽረፍ።ደቂ ካልእ ከባቢ ኣዚ ምስዝገብሩ ግን ዝወቕሶም የለን።ባህሊ ኮይኑ ዝቐጸለ፡መበገሲኡ እቲ ናቱ ኣረኣኣያ ዘለዎም ዝሕብሕብ ፈላላይ ኣሰራርሃ ዘለዎ መሪሕነት ኢሳያስዩ።ቀጺሉ ንዝተቃወምዎ ኩሎም ባውራጃነትዩ ኣጥፊኡ፡ሰማዒ ከኣ ረኺቡ።እታ ሃደ ግዜ ዘዐወተቶ ኣውራጃነት ግን ክትቅጽል ኣይከኣለትን።እቲ ሕማም ኣብ ዘይምሁርን ናይ ፖለቲካ ኣፍልጦ ዘይብሉ በጺሃ ስለዝነበረት ከኣ፡ኩሎም ተወዲቦም ዝሰርሒ ፈለማ ንወቐሳ ዝጥቀሙላ ኣውራጃዊ፡ሰባት ንምጉጅጃል ዚትቀሙላ ኣውራጃዊ፡ተቃውሞ ዘስምዑ ኣውራጃዊያ።ሃደ ሰብ ህዝባውን ማህበራውን ሃላፍነት ክሳብ ዘይተወሃቦ ድላዩ ዚመሰሎ ክስረሕ መሰሉዩ።ካብ ኣህዋቱ ንዝፈለዮ ይቕርብ ይጎንዕ።ስለዚ ንውልቀሰብ ባውራጃውነት ምክሳስ ካልእ መረዳድ ኢ ቃላት ዝተሳእነካ ምኳን ጣርሕዩ ዘብርህ።

ወልዱ ናይዚ ብዙሕ ሕንትርኽራኽ ተርእዮ ዝረኣየሉ ወለዶ ስለዝኾነ፡ንገሊኡ በቲ ናቱ መረዳእታ ወይ ብመረዳእታ ብዙሓት ጠሚቱ ርእይቶ ክህብ ይኽእል።እዚ ርእይቶዚ ንካልእ ዘይቅቡል ይከውን።ርግጽ ሃሳብን ሰባትን ክራከቡ ክጋጨውን ክረሃሃቁን ይኽእሉ ግን፡ንምርድዳእ ዝሕግዙ ብዙሕ መንገድታት ኣለው።እቲ ግጭት ናብ ህዝቢ ከይልሕም ፡ብህድ ኣት፡ብልዙብ ቃላት ቀስ ኣቢልካ ክመዓደሉ ዝኽእል ገዲፍካ መሸንጎጋ ምድርባይ፡ናበይ ዚወስድዩ።እንተደኣ ርእይቶኡ ንዝጸሓፈ እዚ መሸንጎጋ፡ክሳብ መፈራርሂ ቃላት ዝድርበዮ እንተኾይኑ ደኣ ናብ ዘበን ህግደፍን ናብ ኣሰራርሓኦም ንምለስ ኣሎናምበር ኣየናይ ናይ ነጻ ርእይቶኻ መሰል ዝኽበረሉ ስሮኣት ክንተክል።ለውጥን ምቅይያርን ዝመጽእኮ ብነጻ ርእይቶ ተለዋዊጥካ ንዘየሰማማኦኣካ ብንጹር ገሊጽካ ዘሎ ምጥርጣራት ፈቲሕካ እምነት ምስ ተረኽበዩ ዝመጽእ ለውጢ።መስከረም ግን ናዕቢያ ተኾልኪላ።

ወልዱ ነጻነቱ ተጠቂሙ ርእይቶ ይህብ ኣሎ።መስከርም ግን ከም መርበብ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝቢ ዓዲሙ መጋጨዊ ፕሮፖጋንዳ ይሰርሕ ኣሎ።ከም ዒላማ፡ገለ ሰባት ኣውራጃዊ ምትእኽካብ ኣምጺኦምሞ ንዑ ንሳትኩም ከኣ ተኣካከቡ ወይ ተፈሃነኑ ዝብል እታ ናይ መወዳእታ ስልቲ ህግደፍ ይሰርሕ ኣሎ።እዚ ግን ክከውን ዘይነበሮዩ።

ኣብቲ ሎሚውን ዝስዕርር ዘሎ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዓገብ ምባል …ዝብል ጽሑፍ ካብትን ካብዝን ዚተኣከቡ ዋጋ ዘይብሎምዮም እቶም ሰፊሮም ዘለው ክስታት።ርእሺ ኩሉ ተሓታትነት ዘይብሉዩ እቲ ጽሑፍ።ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ሽም ሰብ ዘይብሉ ጽሑፍ ክእንግድ ኣይግበእን።እዚ ካብቲ ቀዳማይ ግስርጥና መስከረምዩ።ቀጺሉ ከኣ እቲ ጽሑፍ መጋጨውን ቶኽታኽንዩ።ን ኣብነት፡“…… ትማሊ ኣብ ሩዋንዳን ብሩንድን ዝተፈጸመ ክንርስዖ ኣይንኽእልን፡”  ዝብል ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ኣውራጃታት ሓዊ ንኽኣጉድ ስርሔይ አሊ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ዓገብ ክበሃል ዝግባኦ ዜጋ እዩ 

ብሕጽር ዝበለ ዓገብ ክበሃል ዝግበኦ መስከረምዩ።

ወልዱ ኣብ ኤሜሪካ ዝነብር ከም ህዝቡ ሰሪሑ ዝነብርዩ።ኣብ ኤሜሪካ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ግጭት ክመልስ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ዓቕምን መሳርሕ ኣለዎ ኮይኑዩ።

እቲ እኹል ዓቕምን መሳርሕን ዘልዎምበኣር መስከረምዩ።ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ከጋጥም ዘይግበኦ ህልቂት ቀዳሞት ተሃተቲ፡መራከቢ ብዙኃንየን።ካብ ኣን ሓንቲ ራድዮ ሩዋንዳ ኢያ።ራድዮ ሩዋንዳ ነቲ ግጭት ብሃደ ግዜ ናብ ካልእ ምእንቲ ክልሕም ኣቃሊሓ።ብሓደ ግዜ ነቲ ኩሉ ኣረሳሲኑ ከኣ ዘሰንብድ ህልቂት ኣስዒቡ።ስለዚ እታ ራድዮ ሩዋንዳ ተዓጺያ ኔራ እንተዝከውን እቲ ህልቂት ከምዚኢሉ ኣይምገዘፈን፡ሳዕቤን ዘለዎ ኣይምኾነን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ናይ ሃምሳ ኦኣመታት ተመኩሮኡ ንኹሉ ፈቲኑዎ ስለዝኾነ ንዝመጽእ ጸገማት ክፈትሃሉ ዝኽእል ኦኣቕሚ ኣለዎ በሃላይ ኢየ።ግን ስኽፍክፍ ዝብሎም እንተልዮም፡ቀዳመይቲ ከሉ ናይ ምግጫው መሳርሒ ክትከውን ትኽእል ኣደብን ኣገባብን ዘይብላ መስከረም ነት ስለዝኾነት ክትዕጾ ኣለዋ በሃላይየ።

ውጢ ናደለና ንውጢ ኣይዕንቕጽ፡

ተወልደመድህን

16/02/14

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • McKefa February 16, 2014

    Ezi nay Meskerem Sarah Elamiu 2 eu. 1- Kab Hgdef zeytiAdene genzeb Teqwbilu TelEkiU mifTsam…
    2- Netom Kab qalsi Bokirom zelew Deqi-Seraye Deqi-AkeleGuzai Miutat Wfiyat Qeltifom keyewgiHwa Ezra Meriet Bet I qedem eseyas eteteqemelu Fitun Mela GerkaKiwqiU emo Seraye Adey kitberaber eu.

  • Be honest February 16, 2014

    Wey Gud Now I can see from these articles SERAYE AND AKELEGUZAY they are fighting each other for Nothing the worst is AMA is Supporting this meaningless articles Yet will come the other Awrajas like Semhar, Senhit Hamassen and the rest …………that’s why the silent majority are still silent ……….Eritrea is for all Eritrean and lest think for all eritreans not specific and shame thoughts

    • Fetawihaki February 17, 2014

      Not Seraye and Akeleguzay are fighting, but meskerem ppl and and some ppl from Akeleguzay!

  • sara gual eritra February 16, 2014

    haqi agebs nmeskerm dea
    mr T/m….
    mr haile kimiEd kiferd entekoynus
    bmeskerem ygemir
    lelan gulelan migbar aygdin ayfthin

  • haile February 16, 2014

    I dont think so we will stand together and fight our enemies as long as people are still talking about awraja…mendefe… this is the most stupid idea people ever can imAGINE. PEOPLE THEY DONT LEARN FROM IRAQ, RWANDA. YGOSLAVIA, SERBIA AND CHECHNYA. THE BIBLE HZBI ABLILI HZBI KLEAL IYU (TRIBE AGAINST TRIBE OR FAMILY OVER FAMILY) THERE ARE PEOPLE WHO WANTS THAT KIND OF ENEMITY ..

  • Kontetefe February 16, 2014

    ነዞም ኣኻልብ ዕረቅዎም ድኣ

    ሓደ እዋን እዩ ይብልዎ። ከምዚ ከማኹም፡ ኣብ ሓንቲ ቁሸት ሓደ ለባም ሰብኣይ ነበሩ’ሞ፡ ሕልፍ እንክብሉ ክልተ ኣኻልብ ናይ ክልተ ጎረባብቲ ብሓንቲ ዓጽሚ ክካራፈሱ ርእዮም፡ «ኣረ በጃኹም ንዑ ነዞም ኣኻልብ ንዕረቆም። ተዘይኮነ እዚ በኣሲን ጽልእን ካብኦም ሓሊፉ ንኹልና ክልብልበና’ዩ። ዝበዝሕ ግዜ ጽልኢ ካብ ክንየዉ ንእሽቶ ዓጽሚ ክርእዩ ዘይኽእሉ ኣኻልብ’ዩ ዝጅምር። ንዑ ሕደጉ ንዕረቆም» ኢሎም ነቶም ጎረባብቲን በቲ ጎደና ዝሓለፉ ዝነበሩ ሰባትን ይልምንዎም። እቶም ሰባት ግን ነቶም ሽማግለ ሰሓቅዎም። «ክልተ ኣኻልብ ተባኢሶም’ሲ፡ ብኸመይ እዩ እቲ ብኣሲ ናብ ኩሉና ዝልሕም»፤ ጥዕና ዘይብሎም ሰብኣይ’ባ ‘ዚኦምስ ኢሎም ሰሓቅዎም።
    ከምዚ ኾይኑ እንከሎ፡ ሓደ ቆልዓ ካብ ሓደ እቲ ገዛዉቲ ወጺኡ ነቲ ተኣኪቡ ዝርእይ ዝነበረ ህዝቢ ሕዉስ በሎ። እንተርኣይ ድማስ ከልቦም ምስ ከልቢ ጎረቤት ይበኣስ። እቲ ከልቢ ጎረቤት ድማ ዘሕመቀ መሲሉ ተራእዮ’ሞ፡ በትሪ ስሒቡ ነቲ ከልቢ ክድስቆን፡ መሰትኡ ካብቶም ሓደ ገዛ ደበኽ ክብልን ሓደ ኮነ። በዚ ተቆጢዑ ድማ ደንጎላ ኣልዒሉ ነቲ ሓደ ከልቢ ደሰቆ። በዚ ድማ እቲ ባእሲ ካብቶም ኣኻልብ ናብቶም ቆልዑ ሰጊሩ ንሶም ድማ ክከራፈሱ ጀመሩ።
    እቶም ሽማግለ ሕጂ’ዉን ደጊሞም፡ «አረ ንዑ ንዕረቆም፡ ባእሲ ጽቡቅ ኣይኮነን» ኢሎም ለመኑ። እቶም ተኣኪቦም ዝርእዩ ዝነበሩ ግን «ግደፍዎም ደኣ ሓዲኦም የፍልጥ» በሉ። ከምዚ’ሎም እቶም ቆልዑ ፎፎው እናበሉ ድማ፡ ኣደ እቲ ሓደ ድምጺ ሰሚዓ እናጎየየት መጸት። ንወዳ ስሒባ ድማ ነቲ ሓደ ብጽፍዒት ኣላሀየቶ። ብኽያት ወዳ ዝሰምዐት ኣደ እቲ ሓደ ድማ እናበረረት መጽኣት’ሞ፡ እቲ ባእሲ ናብተን ክልተ ኣደታት ለሓመ።
    ሕጂ’ዉን እቶም ለባም ሽማግለ፡ «ኣረ ንዑ በጃኹም ንዕረቀን ስለ ‘ዝግሔር። እዚ በኣሲ ንኩልና ክለኻኽመና’ዩ» ኢሎም ደጊሞም ተማሕጸኑ። ሕጅ’ዉን ካብቶም ኣንስቲ ርእሰን ክናጸጻ ክርእዩ ባህ ኢልዎ ዝነበረ እኩባት ሰብሲ ሓደ እኳ ዝሰምዖም ኣይረኸቡን። ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ነቲ ከቢቡ ዝነበረ ህዝቢ እናገላልሀ ሓደ ሰብኣይ ደበኽ በለ። ነታ ሓንቲ ብዓል ቤታ ሙዃኑ’ዩ። ብዓልቲ ቤቱ ብጸጉራ ክትሰሓብ ርእዩ ድማ ነታ ሓንቲ ጉንድእዝና ሸፈና። ነዚ ዝሰምዐ ሰብኣይ እታ ሓንቲ እናጎየየ መጺኡ፡ ምስቲ ሓደ ተሓናነቀ። ከም ክልተ ዝራብዓት ድማ ሓመድ ተሳሓኑ። እቶም ሽማግለ ሕጂ’ዉን «ኣረ በጃኹም እዚ በኣሲ ዘይመልክዑ ከይሓዘ ዕረቅዎም» ኢሎም ለመኑ። ሰማዒ ግን ሰኣኑ። እቶም ተኣኪቦም ዝርእዩ ዝነበሩ ኣሰብኡት፡ ደቆም ኣብቲ በኣሲ ከይኣትዉ እናተኸታተሉ ጸጸግዖም ሒዞም ብኣሲ ምዕዛብ ቀጸሉ። እቶም ክልተ ሰብኡት ተልሓጺጾም ደም በፍንጫታቶምን ብኣራእሶምን እናፈሰሰ ፈፈዉ ተባሀሉ። ሓደ ካብቶም ዝዕዘብ ዝነበረ፡ ዘመዱ ደኺሙ እቲ ሓደ ዘሕምቕ ዘሎ ኮይኑ ተራእዮሞ፡ ስጋ ቆንጥያቶ ዝዓርቅ መሲሊ ክዘርይ ኣተወ። ነዚ ዝተዓዘቡ ኣዝማድ እቲ ሓደ ነጢሮም ተሓወሱ። ባእሲ እናኸፍኣ ኸደ። እቲ ባእሲ በትሪን ካራን ተሓወሶ። እታ ዓዲ ዓዉደ ባእሲ ኾነት። ካብ ክልቲኡ እንዳታት ድማ ብዙሕ ሰብ ሞተ። ድሕሪ ክንደይ ምሕላፍ ሂወትን ምፍሳስ ደምን እቲ በኣሲ ደዉ በለ። እቶም ሽማግለ ኣዝዮም ሓዘኑ። ንኽልቲኦም እንዳታት ኣብ ምዕራቅ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ድማ፡ እቶም ሽማግለ «እቶም ኣኻልብ ክብኣሱ ተንዓርቆም ኔርና እዚ ኹሉ ደም ኣይምመጽኣን» በልዎም። በቲ ወግዒ እንዳባ ድማ ዕርቆም ገበሩ። ነቲ ዝፈሰሰ ደም ግን ክሓፍስዎ ኣይካኣሉን። ስለዝሲ ነዞም በትሮም ብስም ኣወራጃዉነት ዶ ካልእ ዝዋጣወጡ ዘለዉ ንዕረቆም። ንክልቲኦም ንግንሓዮም። ተዘይኮነ፡ ጸግዒ እናወስደና፡ ነዚ ፈኸም ዝብል ዘሎ ሓዊ ከይነጓሃህሮ። ጽልኢ ኣይነሳዉር። ጽልእን ሓዊንሲ ሸርጣጢኡ’ዉን ኣይፈልጥን ኣይፍልን’ዩ። ኣይምሕርን ድማ። ልቢ ደኣ ንግበር።

  • Hassen February 16, 2014

    We are tired of the fight between Akeleguzay, Seraye and Hamassien. We are sick of them now. Whenever one of their member is criticized, they come out from their caves to defend the evil. Very sad!

  • Mahta February 16, 2014

    Aya Teweldemedhen,lets say if mesekerem was wrong, how on earth can make Woldu Tekele can be right?? for your information, it is not about his respond, it is the way he respond was the problem.I think he has to learn to control his temper. Poletics is tough Tewedmedhen! if you come to spot light, getting attention at some point is natural, because meskereme asked who he is? he doesn`t have to be over heated! and respond like that. But the worst of all is the people like you and your likes, who are tired to defend the defendless. Instead of taking him to anger management session and giving him constructive advice in private, you keep trying to defend him openly and encourage him. I wouldn`t mind if it was for a right reasons, which apparently was not it is simply wegeney wegeneka.. I know you hate that word, but it is the way it went…very sad indeed! Don`t forget that when you creating your own fanatics, you will create another fanatics in the other side too. Therefore choosing the common ground will be best way farword for all of us!

  • tesfa ziseane February 16, 2014

    eritreans will not agree for ever awraja haimanot wezete this things are not our problem I don’t know why people talking more about them

  • Tes February 16, 2014

    Dear T/medhin,

    I think you’re right and articulate very well the nature of Mekerem.net. The owner of Meskerm.net is morally bankrupt and crook to say the least. May be is paid to do that but they way of his engagement is cheap, I would had been fired him long ago. But his employer PFDJ are worse than him or equally useless. His main objective is to wedge division among opposition and people be it religion or by region. He is like a child left with a match and a can full of petrol and allow him to play with it. He owns a website and he thinks he can post anything, without due care or responsibility. To make thing worse he openly display he oppose the regime in Eritrea and claims “The oldest opposition webesite” whereas working very hard to glamorizing HGDEF. It is not that only but to many brave Eritreans who are courageous enough to stand up against the monster in Eritrea,who was the first to jump blackmailing them in the front page of his website. He has no shame to pick up to individuals and insult them. He is very notorious to question identity if you are no ailing with PFDJ. There are many many victims of is deliberate character assassination some of them Redea Mehari, Tesfai Temenewo, William ( paltak, Amche etc. He is silly but very smart to twist things to create mistrust between individuals. The issue raised lately between Weldu and Meshrefet owner is exactly that. Weldu didn’t say any thing about Awraja but Medrek but that idiot Alem twisted it to serve his hidden agenda and accuse the guy as awrajawi and question him who is he. It is appropriate to give him answer. Meskerem is criminal for me as charged but that will be for tomorrow. What amusing me is that Alem he starts to cry foul loudly ( agheb belulay ) to gain sympathy by innocent persons. He tried to have higher moral ground where he has none of it. His track record shows he has been the most divisive individual in diaspora. His website is no different of radio Ruwanda. For time being, I leave that allegation for tomorrow but we are not stupid, it is all documented waiting execution when the time comes.

    He is shame full even prefers HGDEF than the oppositions and the only crime he claim they have committed is that the operate from Ethiopia. If not from Ethiopia then from where? He has no answer for that.This is all recoded. Whether he is mentally unstable or not I don’t know but he act like mad person. An adult but act as a foolish child.

    About awraja, I don’t think there is any highlander who has no blood connection in all awraja. The division is in the head of few individuals and mainly those in diaspora. I am Akeleguzetal by birth but by close friends are from Hamasen and Seraye. My wife is from Tselma. My sister husband is from Areza. My brother wife is from Hamassien.They whole talk of Awraja is none existing fear which is devised to create mistrust between regions by few HGDEF elites. The main aim is to prolong their life in power. There isn’t a single Awraja has been spared from the horror of HGDEF. No awraj even there is no Adi as such has not affected by PFDJ rule of suffering. At least we are equal under the rule of HGDEF. So let fight together hand in hand for justice. end of.

    • ተወልደመድህን February 17, 2014

      የቐንየለይ tes ። ጽሑፍካ ሕጡብ ብሕጡብ ተረዲ አዮ።ብጣዕሚ የምስግነካ።ኣብ ኣውራጃነት ከምዘይ ኣተኹ ተረዲእካዮ ኣለካ ይመስለኒ።ክጽሕፍ ዘገደደኒ፡ሓደ ወልዱ ዝተባህለ ምስ ህልቂት ሩዋንዳ ዚመሳሰል ሁከት ክፈጥር ኢልካ ምዝራብ፡እሞ ከኣ ናይ ሓደ ኢንተርነት ( ብዙሓት ኣኤርትራውያን ዝካፈልሉ መርበብ ወናኒ )ስለዘህዘነኒ ኢዩ።ምኽንያቱ በቲ ሓደ ንሓደ ውልቀሰብ መላሲ ሃዊ ገይሩ የቕርቦ፡ንባዕሉ ብዕድመ ዝበሰለ፡ኩናትን ኩናት ሕድሕድ ኣጸቢቑ ዝተዓዘበ ( ተሓኤ ኢዩ ነይሩ ይመስለኒ )ህዝቢ ዘለኦኣዕል ቃላት ስለዝረከብኩሉ ኢዩ።ብዘይካኡ ናይ ሩዋንዳ ህልቂት ካብ ስመየ፡እቲ ቀዳመይቲ ጠንቒ ህልቂት ሩዋንዳ ደኣ ዘይ ራድዮ ሩዋንዳ’ያ ካብ ዝብል’ምበር ካብ ኣውራጃነት ተበጊሰ ንወልዱ ክከላከል ኣይጸሃፍኩን።ወልዱ ልክዕ ከምቲ ከማይ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ኡፋየ ኢሉ ዘይደቀሰ ሰብ’ዩ ይመስለኒ ( በቲ ዝርእዮ ስእሉ )ኡፋየ ኢሉ ዘይደቀሰ ሰብ ከኣ ብውሽጡ ዝደፍ ኦ ብዙሕ ጓህታት ኣለው።ክጽሕፍ ከሎ እዞም ጓህታት ቅልቅል ይብሉ’ሞ ግድንዩ ተረርቲ ቃላት ክድርቢ።ኣብ ቅድሚ ዝሃረቐ ሰብ ኣይትጽናሕ ኢዩ።ልክዕ እዚ ባህርዚ ኣብ ኩሎም ኣኤርትራውያን ካብ 50 ንታሕቲ ዘለው ዘሎ’ዩ።ምኽንያቱ ኣዚ ኦድመዚ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ’ዩ።ምናልባት ገሊኦም ጉዳይ ሃገር ስለዘይተሰቑሮም ኣብ ብሕታዊ ዋኒን፡ሰበይቶም ፡ውላዶም።ወላዲኦም፡ሃፍቶም፡ሃዎም ካብ ኤርትራ ዘውጽእሉ ጥራሕ ስለዝሃስቡ፤ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ ፖለቲካ ምዝራብ ኃጢኣት መሲሉዎም እቲ ቁጽሪ ክውሕድ ይኽእል’ምበር ኣብ ውሽጡ ነድሪ ዘይብሉ ወዲ 50፡ወዲ 40፡ወዲ 30 የለን ክንብል ኣይክእል።ስለዚ ነዲሩ ዝጸሃፎ ወልዱ፡ቦድመ ዚደፍ አ ኣለም ቅድሚ ኩሉ ከም ወናኒ መስከረም መጠን ጸግዒ ወሲዱ ክዛለፍ ኣይግበኦን፡ምላሽ ክህብ እንተመረጸ ከኣ ብዕድመ ብተመኩሮን ካብ ወልዱ ስለዝሃይሽ ክህቦ ዝግበኦ ምኽሪ ይኹን ከድምጾ ዝግበኦ ም ልዙባት ቃላት ኔሮም’ዮም።…..ሃንቲ ክብለካ ዝደሊ ብዙሕ ሰብ ኣሎ፡(ብፍላይ መናኣሰያት ) ቋንቋ ኣንግሊዝ ኣጸቢቖም ዘይመልኩ’ሞ፡ኩሉ ጽሁፋትኩም ብፊደላት ግእዝ እንተዝከውን ብዙሕ ውጺኢት ምሃለዎ።የቐንየለይ።

    • Mahta February 17, 2014

      Ato Tes, can`t you say anything with out calling names?? even it is your akelguzay duty to defend Woldu, you need to search for a better words! Or may be you need to learn something from Haile how to write an exellent argument…
      If you didn`t learn it at home, you need to learn it somewhere eles….as old proverb said…afe seraye tetemagotelu..afe akele……afe hamasien…can`t be true in 2014, we need to be all sensible people by now….more importantly as your last sentence said, hand in hand together!

      • Tes February 17, 2014

        Mahta Hawey or Haftey,

        Respect should be earned. Adgi zegeberekas Teiqi Gibero. simple. But for your information I don’t support Weldu because he is from Akele. You are a bit out of the top here. This is what I hate when someone express his opinion then others twisted it to Awraja to serve their hidden purpose. I can not say for sure you are one of them but definitely influence by their weird character and started to repeat their method. Challenge the points I raised one by one if you have reservation on those issues. To judge me only based on where I am from by birth it is inappropriate and it shows your immaturity. Because I am from Akele do I have to refrain from expressing my opinion? No way my friend. Not you or any other will stop me from having my view be it against anyone whether seraye or akele or even in defense to you. It is about truth no more no less. I bet you have blood relationship in all part of Eritrea. Be smart don’t stuck on fear of none existing or perceived dominance by one another. My advise to you is try to free yourself from that kind of mentality. Have a good day.

        • Mahta February 17, 2014

          Tes, Eventhough I don`t have Akele blood in my vines, my wife is from Akele, (so my three kids are half akele). The only disagreement in our house is, who is going to wash the dishes? The region never has been an issue, ofcource we both grow up in Asmara so our region is merely our gezaweti…I know sometimes I could be wrong, but I believe am right when it comes Ato woldu. I am glad that he decided to move on! we need stability in the opposition camp not unnecessary tension. Thanks bezekone!

  • fetahawidelina February 16, 2014

    መሰል ወልዱ ወይስ ሃድነት ሃሙሽተ ሚሊዮን ኤርትራውያን? MR.T/medhin
    ኣነ ክበርሃለይ ዝደሊ በቲ ወልዱ ተክለ ዝጸሓፎ ስምዒት ኣውራጃዊነት ዘንጸባረቐ ጽሕፍቶ በገላልጻካ መሰሉዩ ትብል ኣለኻ ንከምዚ ኣይነት ኣውራጃዊን ሃይማኖታዊን ብሄረ ወከልቲ ኢና ብሃልቲ ዘይምትእምማንን ጽልዕን ምልዕዓል ኣህዛብ ኣብልዕሊ ኣህዛብ ደቂ ሓንቲ ሃገር ንዝፈጥሩ ውልቀሰባት ነቲ (ነጻ ናይ ሓሳባትካ ምግላጽ ዝብል ደሞክራሲያዊ መሰል) ክትብል ሰሚኻዮ ኣብ ልዕሊ ጠንቂ ክትዕ ዝኾነ ጽሑፍቶ ወልዱ ተኽለ ዋላ ቅንጣብ ነቐፈታ ከይደርበኻ ሕዉስውስ ብዝበለ ቀሊል ጉዳይ ብምምሳል መሰሉ ዝተገሓሰ ውልቀሰብ ኣምሲልካ ዝደናገጹሉን ዝስዕብዎ ሰባት ንክፍጠሩ ንዝተቃወሙዎ በኣንጻሩ ብመንነቱዮም ጸሊኦሞ ብምባል ከምተመ ሕንዝኻ ብሰላመላሕ ክትነጽግ ሓውቲትካ ኣነ ፍቅርን ልውሃትን ሓድነትን ኣብ ጽንኩር ኩነታት ምስ ካብኩሉ ኣዉራጃታትን ሃይማኖታትን ብሄራትን ዘስተማቀርኩ መትከለይ ሃንትን ደሞክራስያዊት ኤርትራ ኢያ

POST A COMMENT