Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕላማ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ ፡ ጽግዕተኛዶ ንምልሓቕ ናብ ኢትዮጵያ?

ዕላማ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ ጽግዕተኛዶ ንምልሓቕ ናብ ኢትዮጵያ?   በትሪ-ስልጣን መንግስቲ ሓደ ሃገር ምጭባጥ ወይ ኣብ ቦታ መሪሕነት ድርጅታት ምቕማጥ ብሓላፍነት ዘሕትት ረዚን ሕጋውን ሞራላውን ታሪኻውን ግዴታ ዘስዕብ ጉዳይ እዩ። ከም ክብደት እቲ መዝነት ወይ ስልጣን ብጽሑፍ ዝሰፈረን

ዕላማ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ

ጽግዕተኛዶ ንምልሓቕ ናብ ኢትዮጵያ?

 

በትሪ-ስልጣን መንግስቲ ሓደ ሃገር ምጭባጥ ወይ ኣብ ቦታ መሪሕነት ድርጅታት ምቕማጥ ብሓላፍነት ዘሕትት ረዚን ሕጋውን ሞራላውን ታሪኻውን ግዴታ ዘስዕብ ጉዳይ እዩ። ከም ክብደት እቲ መዝነት ወይ ስልጣን ብጽሑፍ ዝሰፈረን ዘይሰፈረን ብማሕላ ዝተሰነየ፡ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ወይ ውዕል ብትኽክል፡ ብስርዓት ክትፍጽም ሞራላዊን ሕጋውን ሓልፍነት የሰክመካ። ብዓምጽ ይኹን በጋባብ ብምርጫ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ብዓል መዚ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ካብ ተሓታትነት ክምልጥ ኣይግብኦን እዩ።

 

ሰብ-መዚ ድርጅታትን ሃገራትን ዝኽተልዎም ዝተፈላለዩ ቅዲ-ስልጣን ኣልዉ።  ገሊኦም መራሕቲ ስርሖም እንዳሰርሑ ንኻልኦት ብግቡእ ክሰርሑ ዘተባብዑን ዋጋ ድኻም ትጉሃት ሰራሕተኛታት ብግቡእ ዝኸፍሉን እዮም። ካልኦት ድማ ብኣርኣያነቶም ፍቱዋትን ህቡባትን፡ ራኢዮም ብቐሊል ናብ ስዓብቶምን መሳርሕቶም ዘስርጹ ክኾኑ ከልዉ፣ገና ካልኦት መራሕቲ ድማ ርእይቶን ድልየትን ህዝቢ መርሚሮምን ኣጽኒዖምን ዘተግብሩ ኣሳተፍቲ ሰብ-መዚ እዮም። በንጻር ናይዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ግን፡ ውልቀ-መለኽቲ መራሕቲ፡ ፍጹም ስልጣን ጨቢጦም ንገዛእ-ርእሶም ናይ ኩሉ መዳይ ክኢላታት ቆጺሮም፡ እንታይን ምዓስን ብኸመይን ክትግበሩ ኣለዎም ዝገልጹ ምምርሒታት እዮም ንስዓብቶ ዝዝርግሑ። ክመዚኦም ዝኣምሰሉ መራሕቲ ካብ ካልኦት ርእይቶ ከይተጸበዩ በይኖም ወሰንትን ገበርትን ሓደግትን እዮም። መራሕ ሃገርና ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣበየናይ ጉጅለ ከምዘሎ ሓበሬታ ዘድልዮ ኣይመስለንን።

 

ዘወትር ስልጣን ከም ቁርዲድ ነኺሱ፡ ኣቶ ኢሳያስ ዝተኸተሎ ፍጹም ዘይቅየር መይላን መስመርን ፈላሊኻ ግዛእ፡ ኣደስክል፡ ካብ ስራሕ ኣባርር፡ ቀፍድ፡ ረሽን፡ ምስ’ቲ ኣብ ዝሕለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ዝተኸስተ ምስ ጠ/ሚ ኢትዮጵያ ዶክ ኣቢይ ሕግብግብ ወሲኽካ፣ ብልጽግቲን ናጻን ልዑላዊት ሃገር ኤርትራ ንምህናጽን ንምውሓሰን ከምዘይኮነ ተረጋጋጹ እዩ።፡ እቲ ዛጊት ዘይተቐልዐ እዋናዊ ዓቢይን ዓሚቕን ምስጢር ኣቶ ኢሳያስ ግን፡ እንታይ ዓይነት መጻኢ ህልውና (status) እትውንን፡ ሃገረ ኤርትራ ዝእምትን ዝሕብርን ዘይሕጋዊ ሰነድ እዩ ኣብ ሳንጥኡ ሎጒሙ ሒዝዎ ዘሎ ዝብል ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ። እዚ ኮይኑ እቲ፡ ካብ ክሊ እዞም ዝስዕቡ ክለተ ነገራት 1) ድኽምቲ ጽግዕተኛ ሃገር 2) ልዕላውነት ኤርትራ ግሂስካ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ምልሓቕ እንተዘይኮይኑ ካብዚ ወጻኢ፡ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ። ስለምንታይ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ግዜ ሃገራዊ ናጽነታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ዝኽተሎ ዘሎ መይላን ዕላማን ፈጺሙ ዘይተቐየረ ሓደን ቀጻልን እዩ። ንሱ ክኣ ነቶም ብወግዒ ዘይኣወጆም ምስጢራውያን መይላታትን መደባትን፡ ኤርትራ ከም ሃገር ከባድማ ከጠፊሻ ፡ ህዝባ ክኣ ድኻ በተኽ፡ ተጸባይ ምጽወታን ጽግዕተኛን ከምዝኸውን ንምግባርን እዩ። እምባር እቲ ዝልዓል ሕቶ፡ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምልሓቓዶ (Annexation)ወይስ ድኽምቲ ጽግዕተኛ(Satellite state)ብኢትዮጵያ ትዝወር ሃገር ንምውዳድ ዝብል እዩ?

 

ካብ እዋን ገድሊ ጀሜሩ ኢሳያስ ኣትኪሉ ስልጣን ማእከል ዝገበረ ዘከኣይዶ ዝነበረን ዘሎን ውልቃዊ ቃልሲ፡ ስልጣን ጨቢጡ ልጓም ዓትዒቱ ምኣዝንን ኣንፈትን ጉዕዞ ሃገርና ከም ዊንትኡ ንምቁጽጻርን ናብ ዝደለዮ ምኣዝን ንምዝዋርን ንምምራሕን እዩ።  እቲ እከይ መቓቓሊ መይላኡ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝጀመሮ ዝተማህሩ ንኡስ ቡርጇ፡ ጨጓር ዳንጋ፡ መንካዕ፡ የሚን፡ ዝንቡላት ውፉያት፡ ኣባላት ሕቡእ ሰልፊ፡ ዘይኣባላት ሰልፊ፡ ብዕሉጋት መራሕትኹም ወዘት ዝብል ነይሩ። በዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ዝዘርኦ ዝነበረ ምርዚ ዘይምትእምማንን ምትፍናን ፈጢሩ፡ ከምዝምችኦ ጌሩ በብግዜኡ ደረጃ ብደረጃ ኣብ ስልጣን ንምድያብን፡ ስልጣኑ ንምድልዳልን ከምኡ’ውን ስልጣኑ ንምሕላውን ከምዝተጠቕመሉ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ።

 

ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ነቲ ኣብ መዋል ሰውራ ዝጀመሮ ፈላላዪ መላ ብምቕጻል፡ ተጋዳላይ ገባር፡ ይክኣሎ ዋርሳይ፡ ኣገልግሎት ዝፈጸሙን ዘይፈጸሙን፡ ኣባል ህግደፍ ዘይኣባል ህግደፍ፡ ዝብሉ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ፍልልያት ኣተኣታትዩ። ጎኒ-ጎኒ ምስ’ዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ መእመናን ኦርቶዶክስያዊት ተዋህዶን፡ ሓደስቲ ሃይማኖታት ዝበሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ጴንጠቆስጠን ሓዊ ኣጒዱ ማሕበራዊ ጽልኢ ፈጢሩ። ካብኡ ብዘይፍለ ድማ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክፍለ-ሰራዊት ምክልኻል ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማንን ምትፍናንን ፈጢሩ፡ ብውህደት ከምዘይሰርሑ ገይሩ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ትደላዲሉ ኣስተርሕዩ ይነብር ኣሎ። ልጓም ስልጣን ኣብ ኢዱ ስለዘሎ ድማ ገባርን ሓድግን ኮይኑ ብውሑዳት ኮራኩሩ ትሓጊዙ ባህላውን ማሕበራውን ፍልልያትን ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማንን፡ ስድራቤታዊ ምብራስን ፈጢሩ ንህዝብና ኣልሚሱን ዘራሪጉን፡ ኣብዚ እዋንዚ ሃገርና ብኹሉ መዳይ ንሓደጋ ተቓሊዓ ትርከብ። ደገፍትን ተደናገጽትን ስርዓት ህግደፍ ብሸርሒ መራሒና ሃገር ኣብ ሓድጋ ወዲቓ ከምዘላ ተገንዘቡ።

 

ወልቀ-መላኺ ኢሳያስ በትሪ-ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ቅድም ቀዳዳም ንስልጣኑን ዕላምኡን ዝበድሁ ዜጋታት ፖለቲካዊ ሰበ-ስልጣን ነበር ጉጅለ 15ን፡ ሞያውያን ጋዜጠኛታትን፡ ዝኣደሙ ተማህሮ ዩኒቨርሲቲን፡ ድሕሪ ምውጋንን ሙቕጻይን፣ ዓንቃፊ ዘይብሉ ጽጹይ መንገዲ ፈጢሩ፡ ተማጓትን ዘቃልዕን ዝቃወምን ኣካል ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ፈጢሩ። ካብዚ ንድሓር ኩሉ ከምድልየቱ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከይተኣታተዉ፡ ዱልዱላት ትካላት ከይፍጠራ፡ ተንዲፉ ዝጸደቐ ቅዋም ከይትግበር፡ ፈጻምን ሕጋጋን ፈራድን ትካላት ከይድልድሉ፡ ብፍላጥ ዝትዓንቀፉ ኣብ ውሽጢ ክሊ’ቲ ኣብ ቁጽሪ ሓደን ክልተን ሰፊሩ ዘሎ ዕላማ ውልቀ-መላኺ ክርአ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህራታት ከይበዝሑ ዩኒቨርሲታት ከይስስኑ፡ ናጻን ዱልዱል ማዕከን ዜናታት ከይህልዉ፡ መሰል ሰላማዊ ሰልፍታት ዘይምፍቃድ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣግለግሎት፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ምትብባዕ ስደት መንእሰያት፡ ካብቲ ኣብ ቁጽሪ ሓደን ክልተን ሰፊሩ ዘሎ ሽርሐኛ ዕላማ ጠላም ኢሳያስ ተፈልዩ ክርአ የብሉን። ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ብምስምስ ርእሰ-ምኽኣል(self-reliance) ናይ ወጻኢ ወፍሪ ብምኽልካል፡ ዘቤታዊ ቁጠባዊ ወፍሪ ዝጻብኡ ፖሊሲታት ኣዊጁ ናይ ንግድን ካልእ ዋኒናትን ፍቓድ ብምኽልካል፡ ሸርፊ ወጻኢ ባጤራ ተሳኢኑ፡ እቲ ዝርካቡ ዕዳጋ ብህግደፋዊት ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ ተባሒቱ ህዝቢ ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ፡ ቁጠባ ሃገር ክኣ መሬት ዘቢጡ። ብተኸታተሊ በብዓይነቶም ቅልውላዋት ጻሕቲሩ፡ ንመላእ ህዝቢ ቅሳነት ዝኸልእ ሃዋህው ፈጢሩ፡ ሰባት ብሞያኦም ሰሪሖም ከይነብሩ፡ ስድራቤታትን ማሕበራዊ ኣሃዱታትን ከምዝዘራረጉን ዝበርሱን ብመደብ ተገይሩ። እዚ ኩሉ ኣደራዕ ኣብምንታይ ንምብጻሕዩ ፡ ጽግዕተኛ ሃገር ንምውዳድ ድዩ ወይስ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ንምልሓቕ?  እዚ ሕቶ’ዚ ካብ ክውንነት ዝርሓቐ ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዘሎ ስክፍታ እዩ። ንኣብነት ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መጽሓፉ ቁጽሪ 2 ገጽ 13 ከምዚ ይብል፡ ” ኣቶ ኢሳያስ ……….ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምጋሽ ንትዮጵያውያን ፈተውቱ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣካይዱሎም። ኣብቲ ዋዕላ፡’ኣነ ዘይከም ካልኦት ሰባት፡ ኣብ ህላወ ዶባት ናይ ሃገራት ኣይኣምንን እየ፡ ሓቢርና እንሰርእሖ ብዙሕ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ ይብል። ቀጺሉ ውርድ ኢሉ ብርሃነ  ከምዚ ይብል፡ ከዳዕ ኣቶ ኢሳያስ ብፍላይ ንኤርትራ ካብ ዋናታታ(ህዝባ) ብዘገምታዊ ምስርሕ ከርሕቓን ምስ ኢትዮጵያ ክጽንብራን(integrate ክገብራ) ክሰርሕ ምዃንኑ ገሊጹ”ሓርበኛ መስፍን ሓጎስ’ውን ቅድሚ ቁሩብ ግዜ ይገብር ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት፡ ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ነዊሕ ከጸነሐ ንገለ ውሑዳት ካድራት ፈልዩ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ መራሕቲ ኢትዮጲያ ኮይና ብሓባር ከነመሓድርን ንሓስብ ኣሎናክብለና እዝክር ኢሉ ሓቢሩ። ብተውሳኺ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ እውን፡ ነባር ተገዳላይ ሕውሓት ኣቶ ስብሓት ነጋ ኣብ ኢትዮ-ፎርም ዝቐረብሉ ሕቶ (ቃለ-መሕትት)፡ ‘ኣቶ ኢሳያስ መራሕ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ክትከውን እንተኺኢልካ ቃልሲ ኤርትራ ከተቋርጾ ፍቓደኛ ዲኻ’ ኢሉ ተሓቲቱስ፡ ወኪል ሲ.ኣይ.ኤ. ን ወተሃደራዊ ብዓል-ስልጣን ሱዳን ኣብ ዝነበርሉ ኣኼባ፣ ተሓጒሱ ግን”ሕጅስ ደንጒዩ” ክብል መልሲ ከምዝሃበ ኣረጋጊጹ።

 

ንወጻኢ ዝምድና ዝምልከት ድማ፡ ናይ ሓቂን ዘየልዉ ጸላእቲን ፈብሪኹ፡ ዓመት መጸ፡ መጹና ከበቡና ዘርዮሙና ዓሊቖሙና ዝብሉ መደረታት ውልቀ-መላኺ፡ ብፍላጥን መደብን ካብ ጎረባብትናን ከባቢናን መላእ ዓለምን፡ ሃገርናን ህዝብናን ንምንጻል ዝተገብረ ጎስጓስ፡ ንሃገርና ንምድኻም ዝተኣልመ ምስቲ ኣብ ቁጽሪ ሓደን ክልተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ተዛሚዱ ክርአ ይክኣል

 

እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ሰላም ዝሰፈኖ ኲነት ክነብር ከምዘይክእል ስለዝፈልጥን፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኮነ ኢሉ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት-ምልልስ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተና እዩ፡ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኣይንርእን ኢና ኢሉ ኣፍልቡ ነፊሑ ብምምዳር ነገር ጻሕቲሩ። ብምቕጻል፡ 1) ጸቢብ መሪሕነት ጃንዳ ወያነ ዝዕብልሎ ኣካል፡ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ተደፋፊኡ፡ ህዝቢ ንምብትታን ተባሂሉ ዝወጸ  ፈደራልዊ ቁዋም ኣዊጆም እንሆ ኢትዮጲያ ብቢሄራውን ሕብረ-ቢሄራውን ምንቛትን ምትፍናን ትሕመስ ኣላ ኢሉ ፈሊጣዊ ትንታኒኡ ሂቡ፡ 2) ኣብ ኢትዮጵያ ምብኳር ሃገራዊ ህንጸት(National Building) ዝዓበየ ኣስያ ኣስዒቡ ኢሉ፡ 3) ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብምርጫ ንምንታይ ምትፍናን(Polarization)ኣድለየ ኢሉ ምዕዶዶ ዘለፋ ክንብሎ ደርጒሕሎም ። 4) ኣብ ኤርትራ ዝለምዶ ንዕቀት፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ደጊምዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚን ተመኩሮን ዘሎዎም መራሕቲን፡ ቅኑዕ ናይ ፖለቲካ ሕርያ ብስለትን መርሓ ጎደና ከምዘየሎ ገሊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ክኣ፡ ዶር ኣቢዩ ጥራይ በይኑ ተባዕን፡ ኣራሚን፡ ውሳኔታትን ስጉምትን ይወስድ ከምዘሎን ርእይቶኡ ኣቃሊሑ። “ጽንብላሊዕሲ ማዓኮራ ዘይከደነት መሬር ከደነት” ዝብል ምስላ ኣቦታትና እዩ ዘዘክርካ።

 

ከም ግብረ-መልሲ ናይዚ ጻሕታር ጽልኢ ቃለ-መሕትት፡ ዛጊት ካብ ክልላታ ትግራይ ኦሮሞ ኣምሓራ ዝርከብዎም፡ ኣብ ዘተፈላለዩ ምደረኻትን ኣጋጣሚታትን፡ ብህዝባዊ መግለጽን፡ ቃለ-መጠይቕ-ምልልስ ከምኡ’ውን ዝርዝር ኣስማቶምን ክታሞምን ኣስፊሮም ቅሉዕ ደብዳበ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ዝልኣኩ ምሁራት ኦሮሞ ደሚርካ ብርክት ዝበሉ ርእይቶታትን ወቐሳታትን መጠንቀቕታትን ትዋሂቦም ኣለዉ።  ትሕዝትኦም ተጸሚቑ ብሓፈሻ ክርአ ከሎ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጲያ ኢድካ ኣይተእቱ ዝብል እዩ ዝበዝሕ። ከምቲ ምስላ ቀዳሞት ዝብሎ፡” ኣብዘይ መንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን” ዝመስል ናይ ወራዙ መልሲ ነይሮም። ገሊኦም ድማ፡ ብቑጥዓ ኣብ ጉዳይና ኢድካ ኣይተእቱ፡ ኣእዳውካ ከይቅርሰማ ክብሉ ኣጠንቂቖም። ከምቲ ብሂል ኤሮጳውያን ዝብሎ፡ “እቶም ኣብ ብመስትያት ዝተሰርሐ ገዛ ዝነብሩ፡ ኣእማንን ክድርብዩ የብሎም” ስለዝኾነ፡ ገሊኦም ክኣ፡ ንስኻ ድኣ ብዘይቅዋም ሃገር እትመርሕ ዘለኻ ወልቀ-መላኺ ብዛዕባ ቅዋም እንታይ ኣፍለጠካ እንታይከ ኣሃውተተካ ኢሎሞ። ኣስደሚሙዎም ድማ፡ ኣድጊ ዘይብሉስ ፈርስ ይንዕቕ ” ከምዝብሃል ህዝብኻን እንዳዳህኽካ ሃገር ኣባዲምካ(Ruining Nation)ናብ ገህነመ-እሳት ኣጥሒልካስ፡ ብዛዕባ ሃስያ ምብኳር ህንጸት ሃገር ኢትዮጵያ(Nation Building) ክትዛረብ መን ሞራላዊ መሰል ሃበካ ዘስምዕ ዘልፋ ዝተሓዎሶ ምኽሪ ለጊሶምሉ።  ኣማን ብማን ርትዓዊ መጎተ እዩ፡ ኢሳያስ ብዛዕባ ህንጸት ሃገር ንኢትዮጵያውያን ክወራዘየሎም ኣየምሕረሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ምስሉይነት ሓሊፉ ድፍረት እዩ ዝቚጸር።

 

ኮይኑ ግን፡ ብዶር ኣቢይ ዝምራሕ ንሂወድግ ዝተክአ ብልጽግና ፓርቲ ማእከላይ መንግስቲ፡ ነቲ ኢሳያስ ከም መራሕ-መንግስቲ ጎረቤት ሃገረ ኤርትራ ዝገበሮ ቅሉዕ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ምትእትታው፡ ዛጊት መልሲ ዘይምሃቡ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣቖጢዕዎምን ኣስደሚምዎምን ኣሎ። ኣብ መሪሕነት ክልል ትግራይ’ውን፡ ማእከላይ መንግስቲ ዶር ኣቢይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት(ብኢሳያስ ዝምራሕ ህግደፍ) ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊ ሕውሓትን ክልል ህዝቢ ትግራይን ጸቕጢ ወይ ወጥሪ ክፈጥር ይፍትን ኣሎ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሑ’ሎ ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መሪሕነት ሕውሓትን ክልል ትግራይን ኣነጻጺሩ ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ኢድ ምትእትታው፡ ኣብ ጉዳይ ልዑላዊት ሃገር ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ስለዝኾነ፡ ብሃገር ደርጃ፡ ፈጻሚ ኣካልን ላዕለዋይ ባይቶ ኢትዮጵያን ብወግዒ ስለዘየወገዝዎን መልሲ ዘይሃቡሉን ንመሪሕነትን ሕውሓትን ህዝቢ ክልል ትግራይን ኣዝዩ ኣቖጢዕዎምን ኣቐይምዎን ይርከብ ።

 

ነቲ ኢሳይስ ብዛዕባ ዶብን ባድመን ኣመልኪቱ፡ እቲ ውሳኔ ከይትግበር ሕውሓት ኣንቂፎሙና ዝበሎ ሃጠውቀጦው፡ ምኽትል ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶር ደብረጺዮን ሓሶት እዩ ዝብል መልሲ ሂብሉ። ንሕና ምምልካት ዶብ ኣይተግበር፡ ባድመ ኣይንህብን ኣይበልናን፡ እኳድኣ ንላዕለዋይ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝምልከት፡ ሕጋዊ መደምደምታ ይገብረሉ፡ ኢልና ሓቲትና ኢና። ሓለውቲ ዶብ ካብ ጎዳጉዲ ወጺኦም ናብ ልምዓት ክምለሱ፡ ኣጽዋርን ፈደራልዊ ሰራዊትን ኣብ ትግራይ ትኣኪቡ ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠዓሞን ኢለ፡ ን ጠ/ሚ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ባዕለይ ኣዘኻኺረዮ ነይረ እየ ይብል። ጉዳይ ዶብን ባድመን፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ምሳና ኮፍ ኢሎም ብዓመጽን ጎንጽን ዘይኮነ፡ ብሕግን በገባብን ክውዳእ ዝኽእል ቀሊል ጉዳይ እዩ ዝብል መልሲ ሂብሉ።

 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቃለ-መሕትት ኣቶ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ባዕሉ ቅልውላው ፈጢሩ፡ ጽልኢ ጻሕቲሩ፡ ከም ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ቅሳነት ዝኸልእ ሃዋሁው ኣስፊኑ’ሎ ። ብዶር ኣቢይ ዓብይ ዕድል ሰላምን ዝምድናን ከምዝተኸፍተ፡ ብወገን ትግራይ ክኣ በንጻሩ ዕንቅፋት ከምዘሎ ኣምሲሉ ብዛዕባ ዕድልን ብድሆን ሰሚናራት ከካይዱ ይኢ ላዕለዎት ናይ ህግደፍ ሰበስልጣናትን ካድራትን ኮራኩሩ ልኢኹ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ከም ኣመሉ ቀልቢ ህዝቢ ንምድህላልን ካብ ኢዱ ክትወጽእ ቀሪባ ዘሎ ልጓም ከይተምልጦ ስለዝሰግአ ሸበድበድ ክብል ይርአ’ሎ። ህዝቢ ኤርትራ በዚ ሽጣራታት’ዚ ኣይትትሃመል

 

ኣብ መደምደምታ ንምጽሟቑ ዝኣክል፡ እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ኲውንነትን ሓቅን ኣገናዚበ ክብሎ ዝደሊ ብግምታይ፥ እቲ ቀንዲ ክንግንዘቦ ዘለና ሓቂ፡ ኢሳያስ ህርፋነስልጣን ወይ ህንጸትን ምዕባለን ሃገር ስለዘግድሶ ዘይኮነስ፡ ንስልጣኑ ከም መጋበርያ/መሳርሒ (his power is a means to an end)ክጥቀመሉ እሞ፡ ንኤርትራ ኣድኪሙን ኣድኪዩን ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ማለት –ጽግዕታኛ ሃገር ክገብራ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ከልሕቓ እዩ ሕልሙ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ብተወሳኺ ኩሉ ይፍሽሎ ስለዘሎ፡ ሃገራዊ ክድዓቱን ጥልመቱን ዕርቃኑን ስለዝተቓልዐ፡ ካብ ቁጥዓ ህዝቢ ከምልጥን ክሳዱ ካብ ገምድ ክድሕንን መጸግዒ ንርእሱ እንተረኸበ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ናብ ጠ/ሚ ኣቢይ ጉያ ጉያ ከብዝሕ ይርአ’ሎ።

 

ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ክድዓት ኢሳያስ ተረዲኡዎ ስለዘሎ፣ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ፡ ጸጋታቱ ኣወሃሂዱ፡ ኢደይ-ኢድካ ኢሉ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንሰበ-ስልጣን ህግደፍ ሓግሒጉ ከባርሮም ሓቢሩ ክምክት ይግባእ።

 

ውድቀት ንከዳዓት ሃገር

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት

ዕድመ ንልዕላውነት ኤርትራ

 

ገ. ወልደሚካኤል

ካብ ሕ.መ. ኣ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Hilna March 23, 2020

    Brutal DIA diablos, summarised in short, in order to eradicate the fishes you’ve to dry the bloody sea!

  • Abrham Yohannes March 24, 2020

    Ditto. Any Eritrean who thinks the psychopath has the interest of Eritreans must be out of his mind. Didn’t he say only their corpses is coming back home to the Eritreans in diaspora. Some corpses are not even allowed to be buried in their home country. This guy is acting “God”. My Ethiopian friends hated, Melles Zenawi, but regardless he told them come hime build houses, this is your home. Quite a few of them did and now they can go home. Eritreans who trusted the mafia boss and wanted to build a house were hood winked and sent their money to never see it again. Those who are under his spell are still sending for the phantom house. The ego of this charlatan is boundless, Eritrea and Eritreans are too minuscule to satisfy him, and he wants Eritrea and it’s people as a stepping stone for ecclesiastical supreme power all over Africa. A parasite doesn’t kill right away but keeps you barely alive and kills you piece by piece until you are no more. God save Eritrea.
    Abrham.

    • k.tewolde March 25, 2020

      ‘ Any Eritrean who thinks the psychopath has the interest of Eritreans must be out of his mind. ‘ indeed, he addresses the people ‘IZI HIZBI’, to the nation ‘ IZI AADI’,he looks down at his followers with hatred and disdain,he slaps them with the back of his hand, and calls them ‘LAHASTI SHAHANI’,he despises anything that is Eritrean by putting an exclamation mark on the millennium podium pounding his chest and blowing kisses to his people and shaking his head from side to side with deep empathy uncharacteristic display of affection back in the land which molded him and highlights it with a double whammy,turns to his smiling new pal and offers him our nation like a father giving away his daughter,’from now on you are our leader, take it away..’ what does it take! He is egging us on,daring us to do something and all we can say is YIAAKIL!! where do the mavericks of yesteryear go.

POST A COMMENT