Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕንወት ከም መደብ (The Eritrean Trojan Horse)

ብ ኣማኑአል ሳህለ ሰስኑ ሴፍን ዋልታን ኩኑ፡ ዝዓድና ከይኣትዎ ጓና፡ እትብል ጥንታዊትን ያታዊትን ከምኡውን ፍቕሪ ሃገር እትቕስቅስን ደርፊ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብተደጋጋሚ ክትድረፍ ኣገዳሲ እዩ፣ ይኹንምበር፡ እቲ ቓላታ ተለዊጡ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዚኸውን ኣብዚ ግዜናዚ ዝያዳ

ብ ኣማኑአል ሳህለ

ሰስኑ ሴፍን ዋልታን ኩኑ፡ ዝዓድና ከይኣትዎ ጓና፡ እትብል ጥንታዊትን ያታዊትን ከምኡውን ፍቕሪ ሃገር እትቕስቅስን ደርፊ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብተደጋጋሚ ክትድረፍ ኣገዳሲ እዩ፣ ይኹንምበር፡ እቲ ቓላታ ተለዊጡ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዚኸውን ኣብዚ ግዜናዚ ዝያዳ ኣድማዒት ምኾነት ነይራ፥ ማለት፡ ሰስኑ ንቑሓት ኩኑ፡ ኣእምሮና ከይኣትዎ ጓና።

ኣብዛ ዓለምና፡ ብዙሕ ዘይተፈትሑን ዘይተገልጹን ምስጢራት ኣለዉ። ገሊኣቶም ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ገሊኣቶም ድማ ኣብ ርሑቕ ግዜ ምፍታሖም ኣይተርፍን። ካብዞም ምስጢራት እዚኣቶም፡ እቲ ንሓደ ኤርትራዊ ብቐረባ ኪብድሆ ዚኽእል፡ እቲ ናይ ሃገርና ጉዳይ እዩ።

ክልተ ከም ሉላት ዚጥቀሳ ወደባትን፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎመትር ዝምንዋሑ ገምገም ባሕርን፡ ዓሳን ውጽኢት ባሕርን፡ ወርቅን ነሓስን ካልኦት ክቡራት ሜታላትን እትውንን እኹል ትሕተ ቅርጺ ዘለዋ ሃገር፡ ኣብ ርእሲዚ ኸኣ፡ ምእዙዝን ናይ ስራሕ ተመክሮ ዘለዎን ብሃይማኖትን ባህልን ቀቢላን ዘይፋላለ ህዝቢ ዝሓቖፈት፡ ናጽነታ ዘይጸገበት ሓዳስ ውልዶ ሃገር፡ ብደቃን ዜጋታታን ከምዚ ዝበለ ግፍዒ ኪወርዳን፡ ቕድሚ ሰብ ከም ዘይነበረት፡ ደኽያን ደንቍራን ኮይና ክትነብር፡ ህዝባ ኣብ ኩሉ ዓለም ተሰዲዱ ፋሕ ኪብልን ኪዋረድን፡ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ኪጠፍእ…..እዚ ኹሉስ ብምንታይ ስነመጎት አዩ ምኽኑይ ኪኸውን ዚኽእል?

እታ ቅርጻ ኣብ ጥቓ ፒራሚድ ዘሎ፡ ኣካላታ ኣንበሳ፡ ርእሳ ግን ሰብ ዝኾነ ስፊንክስ እትብሃል ያታዊት ፍጥረት፡ ብጥንቲ ንኹሉ ሓላፍ መገዲ ሕንቅሊተይ ብምቕራብ ኪፈትሖ ትጽበዮ ነይራ ይብሃል። እቲ ሓላፍ መገዲ ነቲ ሕንቅሊተይ ምስ ዘይፈትሖ ድማ ቀቲላ ትበልዖ ነይራ። ንሳ ሎሚ ነይራ እንተ ትኸውን፡ ነዚ ናትና ሕንቂሊተይ እናኣቕረበት፡ ብዙሕ ሓላፍ መገዲ ቀቲላ ምበልዐት ነይራ። ከመይሲ ነዚ ናትና ምስጢር ዚፈትሖ ፍጡር ስለ ዘየልቦ።

ኣእምሮ ናይቲ ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና፡ ዘይናቱ፡ ሰሚዑዎ ዘይፈልጥ፡ ጓና ዝኾነ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን እዩ ኣትዩዎ ዘሎ። ከምቲ ሓደ ናይ ኮምፕዩተር ቫይረስ ኣብ ኮምፕዩተር ምስ ኣተወ፡ ነቲ ናይታ ኮምፕዩተር ኣካይዳን ኣተገባብራን ዚልውጦን ዘበላሽዎን፣ ምስ ባህርያትን ባህልን ታሪኽን ኤርትራ ዘይቃዶ ጓና ዝኾነ ኣተሓሳስባ ድማ፡ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ኣካይዳን ባህርያትን ስነስርዓትን ክብርታትን ይልውጦን የባላሽዎን እዩ። ገለ ካብቶም ሓደስቲ እታዋት ኣተሓሳስባታት ወይ ባህርያት ድማ፡ ፍልልይነት፡ ጉድለት ርእሰ-ተኣማንነት፡ ፋሉልነት፡ ተገዛእነት፡ ሕማቕ ርኢኻ ዓገብ ዘይምባል ወዘተ. ይርከቡዎም።

ናይ ውሑዳት ግን ከኣ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ግጉይን እኩይን ኣፍራስን ኣተሓሳስባ፡ ነታ ሃገርን ንህዝባን ዘይዕረ ጸገማት ኣምጺኡላ ኣሎ። እቲ ንኤርትራ ኣብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ንኽትሽመም ዝገበረ ናይ ግጉይን ኣዕናውን ኣተሓሳባ ቫይረስ ካበይ መጺኡ? መንከ እምጺኡዎ? ብኸመይ መገዲኸ ኣብዛ ሃገር ኪኣቱ ኽኢሉ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ።

ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ንምርካብ፡ ናይቶም ኣብዚ እዋንዚ ነዛ ሃገር ኣብ ናይ ድኽነትን ስቓይን ጸበባን ረግረግ ሸሚሞምዋ ዘለዉ ናይቲ መሪሕነት ባእታታት፡ ብፍላይ ድማ ናይቲ ውልቀመላኺ ስዉር ዕላማን ኣጀንዳን፡ ብዕምቆት ምምርማር የድሊ። ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ዚካየድ ዘሎ ናይ ዕንወት ወራር፡ እቲ ናይቲ ውልቀመላኺ ትሕተ-ውኖ (sub-conscious mind)፡ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ፡ ይጻወትውን ኣሎ።  ትሕተ-ውኖ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ወድሰብ ኪቆጻጸሮ ዘይክእል ናይ ኣእምሮ ውሻጠታት እዩ። ወድሰብ ነዚ ጸልማት ዝኾነ ውሻጠ ኣእምሮ ኪቆጻጸሮ ኣይክእልን ይኸውን፡ ንኺሰርሕ ኣቐዲሙን ከይተፈለጦን ሓበሬታታትን መምዘኒታትን ዚህቦ ግን ባዕሉ እቲ ወናኒ ኣእምሮ እዩ። እምበኣር፡ እቲ ውልቀመላኺ፡ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ህይወቱን ተመክሮኡን ባዕሉ ኣብ ትሕተ-ውኖኡ ከይተፈለጦ ዘቐመጦ ተንኮላትን እኩይ መደባትን ተመሪሑ እዩ ነቲ ኣዕናዊ ሃገራዊ መደባትን ፖሊሲታትን ዘተግብሮ ዘሎ።

ዝኾነኾይኑ፡ ብዛዕባ ዕንወት ክንዛረብ ከሎና ብኽልተ መዳያቱ ክንርእዮ ንኽእል፥ ብሓደ ወገን ኣብ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ሰብ ዚካየድ ዘሎ ሲስተማቲካዊ ዕንወት፣ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብቲ ናይታ ሃገር ተፈጥሮኣውን ቁጠባውን ሃብቲ፡ ኣብ ዓቕሚ ሰብን፡ ኣብ ኣቃውማ ሕብረተሰብን ኣብ ስድራቤትን ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ትካላትን ዚካየድ ዘሎ ናብ ቀረባን ናብ ርሑቕን ዝዓለመ ናይ ምፍራስን ምብራስን  መደባት እዩ።

እዞም ናይዚ እኩይ ዕላማ ፈልሰፍትን ኣተግበርትን ከመይ ጌሮም ንኤርትራዊ ኣእምሮ ኪወሩዎ ክኢሎም? ገለ ኣጀንዳ ነይሩዎም ዲዩ? ሓደ መራሒ ምስ ሰዓብቱ ኾይኑ ንሓንቲ ሃገር ከምዚ ገይሩ ከዕኑዋ ምድላዩስ፡ ብዘይካ ሕቡእ ኣጀንዳ፡ እንታይ ካልእ ምኽንያት ኪህሉዎ ይኽእል?

ውልቀመላኽያን ኣብ ዘዘመኑ ዚፍጠሩ፡ ኣብ ኣእምሮኦም ገለ ጸገም ዘለዎም ጸረ-ማሕበረሰብ እዮም። ሰብ ብምግፋዕን ብምቕታልን ኣይጸግቡን። ኣብ መንጎ ህዝቦምን ኣብ ባዕዳዊ ህዝብን ዘሎ ፍልልይ ድማ ጎሊሑ ኣይረኣዮምን እዩ፡ ከመይሲ፡ እቲ ናይ ምግፋዕን ምቕታልን ሕማም፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈታውን ጸላእን ዘሎ ፍልልያት የህስሶ እዩ። ብሓቂ ድማ፡ ሓደ ውልቀመላኺ፡ ነቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ህዝቢ እዩ ዝያዳ ዚጸልኦ፡ ከመይሲ፡ እቲ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ እዩ ዝያዳ ዘጥቅዓካ ዚብል ግጉይ ርድኢት ስለ ዘለዎ። ውልቀመላኽያን ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ዘመን ናብ ዘመን ይፈላለዩ እዮም። ይኹንምበር፡ እቲ ናይ ጭከናኦም ደረጃ እንተ ዚዕቀን፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ውልቀመላኺ ዝለዓለ ነጥቢ ምረኸበ ነይሩ።

እሞኸ፡ ከምዚ ዝበለ ግፍዕን ጭከናን ዘካይድ መራሕን ስርዓቱን፡ ነቲ ታሪኹ ከም ፊልም ሪዋይንድ (rewind)ጌርና ናብቲ መጀመርታ መደባቱን ንጥፈታቱ እንተ ንኸይድ፡ እንታይ ምረኸብና ኔርና?

እቲ ፊልም ነዊሕ ስለ ዝኾነ፡ እስከ ብገለ ምሳሌ ገይረ ክገልጾ። ኣብዛ ዓለምና፡ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ ነገር የልቦን። እዚ ከም ምሳሌ ከምጽኦ ደልየ ዘለኹ ያታዊ ዛንታ፡ ሽሕኳ ምስቲ ከረጋግጾ ደልየ ዘለኹ ኩነታት፡ ካብ መንጎ ሚልዮናት ተኽእሎታት፡ ሓንሳእ ጥራይ ዘጋጥም ተኽእሎ ዘለዎ እንተ ኾነ፡ ፈጺሙ ዘይከውን ሕልሚ ግን ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ እዚ ዚስዕብ ግሪኻዊ ያታ፡ ብስእላዊ (figuratively) መገዲ እንተ ወሲድናዮ፡ ነቲ ከቕርቦ ደልየ ዘለኹ ሓሳብ ከብርሆ ይኽእል እዩ።

ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን፡ ወትሃደራት ግሪኽ ብመራኽቦም ገይሮም ኣብ ገማግም ናይታ ትሮይ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ከተማ ይበጽሑ። ዕላማኦም ድማ ብሓጺሩ ንኣኣ ንምሓዝ ነበረ። ትሮይ፡ ሓውሲ ዕርድን ከተማን ብምንባራ፡ ናብኣ ንኽትኣቱ፡ መጀመርያ ነቲ ኩሉ ግዜ ዕጹው ዝኾነ ነታ ከተማ ውሕስነታ ዘረጋግጸላ ዓቢ ብረታዊ ማዕጾ ክትከፍቶ ወይ ክትሰብሮ ኣድላዪ አዩ ነይሩ። ፈተነ ግሪኻውያን ግን ኣይተዓወተን። ብድሕርዚ ሓደ ኡሊሰ እተባህለ ተባላሓታይ ግሪኻዊ፡ ግሩም ዝኾነ ስልቲ የቕርብ። ንሱ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፥ ብኣዕጻው እተሰርሐ ኣብ ውሽጡ ምኩራት ውትሃደራት ዘቐምጥ ዓቢ ናይ ፈረስ ተምሳል (ባምቡላ) ኪሰርሑ፡ ደሓር ንኣኡ ኣብ ጥቓ ናይታ ከተማ ዕጹው ማዕጾ ገዲፎምዎ፡ ንዓዶም ከም ዚምለሱ መሲሎም ኣብ ክዉል ቦታ ተሓቢኦም ኪጸንሑ ዚብል እዩ። ከምኡ ድማ ገይሮም።

ብድሕርዚ፡ ደቂ ትሮይ ነቲ ፈረስ ምስ ረኣዩዎ፡ ግሪኻውያን ከም ዘንሰሓቡ ድማ ምስ ኣረጋገጹ፡ ነቲ ፈረስ፡ ማዕጾ ከፊቶም ጎቲቶም ኣብታ ከተማ ኣእትዮምዎ። ካብ ግሪኻውያን እተዋህበ ገጸበረከት እዩ መሲሉዎም። ከውታ ለይቲ ምስ ኮነ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ፈረስ ዝነበሩ ወትሃደራት ግሪኽ በብሓደ ወጺኦም ነቲ ናይታ ከተማ ማዕጾ ከፊቶምዎ። አቶም ኣብ ደገ ኪጽበዩ ዝጸንሑ ወትሃደራት ግሪኽ ድማ ሳቮያ ብምእታው ነታ ከተማ ወሪሮምዋ። ዝቕተል ቀቲሎም፡ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣብ ትሕቲኦም ኣእትዮምዎ።

ኣብ 60ታት፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ኩሉ ገዲፉ ንናጽነቱ ዝሃረፈን፡ ልኡላውነቱን መሰላቱን ንኽጎናጸፋ ድማ ኩሉ ንብረቱን ህይወቱን ኪስውእ ድሉው ዝነበረን ህዝቢ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ኣይተራእየን። ግን እቲ ከም መምጽእ ናጽነት ኮይኑ ኣብ ልቢ ህዝቢ ዝኣተወን፡ ህዝቢ ድማ ልቡን ኣእምሮኡን ከፊቱ እተቐበሎ መሪሕነት፡ ተመሊሱ ነቲ ብእምነት እተቐበሎ ገርሂ ህዝቢ፡ ከሳቕዮን ኪገፍዖን ግዜ ኣይወሰደሉን።

ትሮጃን ሆርስ ዚብሃል ናይ ኮምፕዩተር ቫይረስ ተመሳሳሊ ብልሃት እዩ ዚጥቀም። ንኺኣቱ የዐሽወካ እሞ፡ ምስ ኣተወ፡ ነቲ ብብዙሕ ድኻምን ጥበብን ዘጥረኻዮ ናይ ፍልጠት መዛግብቲ የዕንወልካ።

ህግደፋዊ ትሮጃን ሆርስ፡ ነቲ ናይ ዕንወት መደባቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ነቲ ኣእምሮኡን ልቡን ህይወቱን ዝወፈየሉ ህዝቢ፡ ምስ ሃብቱ ከም ዚደኪ፡ ምስ ልቦናኡ ድማ ከም ዝዕሹ ገይሩዎ። ነቲ ድልዱልን ትቱዕን ፈትልታት ስድራቤት በታቲኹዎ። ነቲ ጎረቤትን ጓናን ዘኽብር ህዝቢ፡ ምስ ኩሉ ከም ዚጻላእን፡ እምነት ከም ዘጥፍእን ገይሩዎ። ኣብ ኣእምሮ መንእሰያት ባንዴራ ፋሉልነትን ስድነትን ተኺሉ። ኣብ ኣብያተትምህርቲ፡ ድንቍርና ዘርጊሑ። ጥበብ ምሁራትን ሽማግለታትን ብምንዓቕ፡ ኣብ መንእሰያት ተመሳሳሊ ስምዒት ከም ዚሰርጽ ገይሩ።

ካብዚ ዚኸፍእ ቫይረስ ድማ የልቦን። ብመዓር እተሸፈነ መርዚ!!

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfai May 15, 2018

    Well said. Need more elaboration by going deeper on Eritrean history since 1960s. You don’t need to be afraid; we only live once “daHdHayo”.
    “ናይ ውሑዳት ግን ከኣ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ግጉይን እኩይን ኣፍራስን ኣተሓሳስባ፡ ነታ ሃገርን ንህዝባን ዘይዕረ ጸገማት ኣምጺኡላ ኣሎ። እቲ ንኤርትራ ኣብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ንኽትሽመም ዝገበረ ናይ ግጉይን ኣዕናውን ኣተሓሳባ ቫይረስ ካበይ መጺኡ? መንከ እምጺኡዎ? ብኸመይ መገዲኸ ኣብዛ ሃገር ኪኣቱ ኽኢሉ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ።

    ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ንምርካብ፡ ናይቶም ኣብዚ እዋንዚ ነዛ ሃገር ኣብ ናይ ድኽነትን ስቓይን ጸበባን ረግረግ ሸሚሞምዋ ዘለዉ ናይቲ መሪሕነት ባእታታት፡ ብፍላይ ድማ ናይቲ ውልቀመላኺ ስዉር ዕላማን ኣጀንዳን፡ ብዕምቆት ምምርማር የድሊ። ኣ”

  • k.tewolde May 15, 2018

    “ህግደፋዊ ትሮጃን ሆርስ፡ ነቲ ናይ ዕንወት መደባቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ነቲ ኣእምሮኡን ልቡን ህይወቱን ዝወፈየሉ ህዝቢ፡ ምስ ሃብቱ ከም ዚደኪ፡ ምስ ልቦናኡ ድማ ከም ዝዕሹ ገይሩዎ።”………….Yes indeed he slithered through our backyard and put on his charm and stood up like a king cobra and conquered the weak at heart.I coined this deadly virulence “hgdefatitis”,the cure is costly and sometimes it requires the victim to die as witnessed everyday.Next time we need to fortify our firewall and fend off impostor viruses like the tyrant.Let the debugging of the mind begin with this gem article of Mr.Sahle and our nation feeling like itself again.

POST A COMMENT