Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ከንውሕ ዝዓለመ ወፍሪ ወፍርና ኣይግበሮ!

ገማግም ባሕርና ናይ ሃገርን ህዝብን እዩ ተባሂሉ ንዝኾነ ወጻእተኛ ይኹን ወዲ ሃገር ኣውፋሪ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሓሪምዎ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ንሆቴላት መሬት ክወሃበኩም ስለዝተበሃሉ ኣብ ባጽዕ መሬት ንኽወሃቦም ከምኡ’ውን ኣብ ኣስመራ መሬት ተዋሂቦም ሆቴላት ንኽሰርሑ ዝሓቱን

ገማግም ባሕርና ናይ ሃገርን ህዝብን እዩ ተባሂሉ ንዝኾነ ወጻእተኛ ይኹን ወዲ ሃገር ኣውፋሪ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሓሪምዎ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ንሆቴላት መሬት ክወሃበኩም ስለዝተበሃሉ ኣብ ባጽዕ መሬት ንኽወሃቦም ከምኡ’ውን ኣብ ኣስመራ መሬት ተዋሂቦም ሆቴላት ንኽሰርሑ ዝሓቱን ዝሸባሸቡን ዘለዉ ውሑዳት፡ ኩሎም ተዓሽዮምን ተጋግዮምን ክበሃል ምስተኻእለ፡ ግና ዝበዝሑ ዕሱባት ህግደፍ፡ ብዓብይኡ ኸኣ ናይ ሰብ መዚ ህግደፍን ጀነራላትን ርእሰማል ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘዋፍሩ ዘለዉ እዮም።ናይ ውልቀ ሰባት ዝተሃገረን ዝተመንዝዐን ትካላትን ፋብሪካታትን፡ ንነዊሕ እዋን ብኤርትራውያን ክውነን ዝጸንሐ ሆቴላትን ህንጻታትን ንኽሽየጥ፡ ናይ ደቂ ሃገር ዋንንነት ዘለዎ መሬትን፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዘሎ ናይ ህዝቢ መሬትን፡ ተዓዲጉ ንኽስራሕ ብህግደፍ ተሓንጺጹ ኣሎ።

እዞም ኣብ ደገ ዝነብሩ ናይ ህግደፍ ዕሱባትን ተወከልትን ኣብ ሓጺር እዋን ኣን ኣንጎላ፡ ጁባ፡ ኮንጎን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘጥረይዎ ገንዘብ ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ ከም ቅኑዓትን ንጹሃን ኣውፈርቲ ተመሲሎም ንኸውፍሩ ተበጊሶም ዘለዉ፡ ኣበገስቶምን መወልቶምን ሰበ ስልጣንን ጀነራላትን ዝኾኑ ከም ብዓል እንዳ ቐሺ እዝራ (ልኡኻትን ኣውፈርትን ናይ ጀነራል ተኽላይ ማንጁስ)፡ ምሕረትኣብ ዓዲቐይሕ (ልኡኽ ህግደፍ) ከምኡ’ውን ካልኦት ሓደስቲ ሰብ ርእሰ ማል፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዘይተኣደነ ገንዘብ ህዝቢ ዝመንዝዑ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሓሶት ድራማዊ ወፍሪ ናይ ህግደፍ ንኸምስሉን ንኻልኦት ከጋግዩን፡ ናይ እንዳ’ማቶም ትካላትን፡ ናይ ህዝቢ መሬትን ንኽገዝኡ ይህንደዱ ኣለዉ። ንኸምስሉ ኣብ ኣኼባታት ተኣፈፍቲ ዝመስሉ ግና ጸሓይ ዝወቕዖም ሕቶታት ወስ እንዳበሉ ንግዚኡ ውሑዳት ከጋግዩ ክኢሎም ኣለዉ። በዚ ድራማ ዝተታለሉ፡ ስጋብ ሕጂ ኣስታት 60 ዝጽግዑ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ መሬት ሃቡና ሆቴል ክንሰርሕ፡ ዝስየጥ ፋብሪካ እንተሎ ክንገዝእ እንዳበሉ ናብ ወልዳይ ፍጡርን ሚኒስተር ኢንዱስትሪ እስቲፋኖስን ይመላለሱ ኣለዉ።

ንያላ ሆቴል፣ ኣምባሳደር ሆቴል፣ እንዳ ኣልፋ ፋብሪካ ባኒ፣ ትካል ፍርያት ጸባ (እንዳ ኣቺ) ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ትካላት ብስርዓት ህግደፍ ትካላት ንብሕታውነት ምስግጋር ተባሂሉ ተሸይጠን ከብቅዓ፡ እንደገና ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ዝተሃገራ፡ ብደቂ ሃገር ዝውነን ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝርከብ መሬትን ንኽገዝኡ ዝዋደዱ ዘለዉ ዕሱባት ህግደፍ ጽባሕ ብሕጋውያን ወነንቲን ብህዝብን ብመጻኢ መንግስትን ተሓተቲ ሙኻኖም ክግንዘቡ ይግባእ።

ኣብ’ዚ እዋን ስርዓት ህግደፍ ብቑጠባዊ ምዳያቱ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ወፍሪ ወይ’ውን ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ናይ ህግደፍ ካዝና ዘእተወ ንህግደፍ ሂወት ምስኳዕን ዕድመ ምንዋሕን ስለ ዝኾነ ብስቓይን መከራን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሽካዕለለ ኮይኑ እዩ ዝርአ። ስለዝሖነ ኸኣ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ኣብ’ዚ ወፍሪ ዝተዋስአ፡ ዝባሕ መሬት ምስወግሐ፡ ብህዝብን ብዝመጽእ መንግስትን ተሓታቲ ሙኻኑን፡ ዝኸፈሎ ገንዘብ ድማ መጻኢ መንግስቲ ዘይሕተተሉ ሙኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ መንግስቲ የለን!

ካብ ግዱሳት ተጋደልቲ

ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • abel andom May 24, 2013

    HATERS. Eritreans are jealous among each other. Why you hatibg on the investors now. Its there money. There is funny habesha saying ‘INTE DEKIKA HANIKU INTA HABTIMKA SERIKU’ and you just justified the saying

  • asmea May 24, 2013

    Those of you who do not want to understand the current problem our country has faced either you are not Eritreans or you are in a different planet.
    PFDJ is talking about investment i have so many question for them
    1. With which policy or constitution are you going to be governed
    2. you are making every youngster and scholar to leave his lovely country so do investors will get qualified work power
    3. You people make our country dark, which electric power is going to be used let alone for the new one you did not mange to provide regular power to the people.
    4. the other thing is you do not crate a conducive peaceful environment with the neighboring country so where are these investors going to sale their products unless they manufacture a very competent and quality product.
    if i am going to mention the problems i am going to use all the space and west ur readers time so I just want to say before shabeya stapes down Eritreans will not enjoy life. They will not peacefully stay and invest in their country.
    let us look back to those investors who came after independence like wedi vacaro, asbeco a virus called HIGDEF intruded to the name of share and knocked them out. so how can the other investors forget these tricks of HIGDEF.
    HIGDEF has AWAJ not constitution so any time they want AWAJ be AWAJ YSRZEWO.

POST A COMMENT