Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ከንውሕ ዝዓለመ ወፍሪ ወፍርና ኣይግበሮ!

ገማግም ባሕርና ናይ ሃገርን ህዝብን እዩ ተባሂሉ ንዝኾነ ወጻእተኛ ይኹን ወዲ ሃገር ኣውፋሪ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሓሪምዎ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ንሆቴላት መሬት ክወሃበኩም ስለዝተበሃሉ ኣብ ባጽዕ መሬት ንኽወሃቦም ከምኡ’ውን ኣብ ኣስመራ መሬት ተዋሂቦም ሆቴላት ንኽሰርሑ ዝሓቱን

ገማግም ባሕርና ናይ ሃገርን ህዝብን እዩ ተባሂሉ ንዝኾነ ወጻእተኛ ይኹን ወዲ ሃገር ኣውፋሪ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሓሪምዎ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ንሆቴላት መሬት ክወሃበኩም ስለዝተበሃሉ ኣብ ባጽዕ መሬት ንኽወሃቦም ከምኡ’ውን ኣብ ኣስመራ መሬት ተዋሂቦም ሆቴላት ንኽሰርሑ ዝሓቱን ዝሸባሸቡን ዘለዉ ውሑዳት፡ ኩሎም ተዓሽዮምን ተጋግዮምን ክበሃል ምስተኻእለ፡ ግና ዝበዝሑ ዕሱባት ህግደፍ፡ ብዓብይኡ ኸኣ ናይ ሰብ መዚ ህግደፍን ጀነራላትን ርእሰማል ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘዋፍሩ ዘለዉ እዮም።ናይ ውልቀ ሰባት ዝተሃገረን ዝተመንዝዐን ትካላትን ፋብሪካታትን፡ ንነዊሕ እዋን ብኤርትራውያን ክውነን ዝጸንሐ ሆቴላትን ህንጻታትን ንኽሽየጥ፡ ናይ ደቂ ሃገር ዋንንነት ዘለዎ መሬትን፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዘሎ ናይ ህዝቢ መሬትን፡ ተዓዲጉ ንኽስራሕ ብህግደፍ ተሓንጺጹ ኣሎ።

እዞም ኣብ ደገ ዝነብሩ ናይ ህግደፍ ዕሱባትን ተወከልትን ኣብ ሓጺር እዋን ኣን ኣንጎላ፡ ጁባ፡ ኮንጎን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘጥረይዎ ገንዘብ ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ ከም ቅኑዓትን ንጹሃን ኣውፈርቲ ተመሲሎም ንኸውፍሩ ተበጊሶም ዘለዉ፡ ኣበገስቶምን መወልቶምን ሰበ ስልጣንን ጀነራላትን ዝኾኑ ከም ብዓል እንዳ ቐሺ እዝራ (ልኡኻትን ኣውፈርትን ናይ ጀነራል ተኽላይ ማንጁስ)፡ ምሕረትኣብ ዓዲቐይሕ (ልኡኽ ህግደፍ) ከምኡ’ውን ካልኦት ሓደስቲ ሰብ ርእሰ ማል፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዘይተኣደነ ገንዘብ ህዝቢ ዝመንዝዑ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሓሶት ድራማዊ ወፍሪ ናይ ህግደፍ ንኸምስሉን ንኻልኦት ከጋግዩን፡ ናይ እንዳ’ማቶም ትካላትን፡ ናይ ህዝቢ መሬትን ንኽገዝኡ ይህንደዱ ኣለዉ። ንኸምስሉ ኣብ ኣኼባታት ተኣፈፍቲ ዝመስሉ ግና ጸሓይ ዝወቕዖም ሕቶታት ወስ እንዳበሉ ንግዚኡ ውሑዳት ከጋግዩ ክኢሎም ኣለዉ። በዚ ድራማ ዝተታለሉ፡ ስጋብ ሕጂ ኣስታት 60 ዝጽግዑ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ መሬት ሃቡና ሆቴል ክንሰርሕ፡ ዝስየጥ ፋብሪካ እንተሎ ክንገዝእ እንዳበሉ ናብ ወልዳይ ፍጡርን ሚኒስተር ኢንዱስትሪ እስቲፋኖስን ይመላለሱ ኣለዉ።

ንያላ ሆቴል፣ ኣምባሳደር ሆቴል፣ እንዳ ኣልፋ ፋብሪካ ባኒ፣ ትካል ፍርያት ጸባ (እንዳ ኣቺ) ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ትካላት ብስርዓት ህግደፍ ትካላት ንብሕታውነት ምስግጋር ተባሂሉ ተሸይጠን ከብቅዓ፡ እንደገና ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ዝተሃገራ፡ ብደቂ ሃገር ዝውነን ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝርከብ መሬትን ንኽገዝኡ ዝዋደዱ ዘለዉ ዕሱባት ህግደፍ ጽባሕ ብሕጋውያን ወነንቲን ብህዝብን ብመጻኢ መንግስትን ተሓተቲ ሙኻኖም ክግንዘቡ ይግባእ።

ኣብ’ዚ እዋን ስርዓት ህግደፍ ብቑጠባዊ ምዳያቱ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ወፍሪ ወይ’ውን ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ናይ ህግደፍ ካዝና ዘእተወ ንህግደፍ ሂወት ምስኳዕን ዕድመ ምንዋሕን ስለ ዝኾነ ብስቓይን መከራን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሽካዕለለ ኮይኑ እዩ ዝርአ። ስለዝሖነ ኸኣ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ኣብ’ዚ ወፍሪ ዝተዋስአ፡ ዝባሕ መሬት ምስወግሐ፡ ብህዝብን ብዝመጽእ መንግስትን ተሓታቲ ሙኻኑን፡ ዝኸፈሎ ገንዘብ ድማ መጻኢ መንግስቲ ዘይሕተተሉ ሙኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ መንግስቲ የለን!

ካብ ግዱሳት ተጋደልቲ

ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • weygud May 22, 2013

    They have deaf ears. Let them throw away stolen money to their master chieves. Certainly, they will pay the price at the end of the day.

  • weygud May 22, 2013

    Thieves…notn chieves

  • Meron May 22, 2013

    This is simply funny – no matter how loud the dog barks the comel will never stop walking.

    • Salim May 22, 2013

      As it was in the past so will be in the future. The camel will keep on walking.

      • MightyEmbasoyra May 23, 2013

        No Wonder Eritrea is marching at the speed of camel (I didn’t say which way though).

  • arada May 22, 2013

    eilmka eilma weyna eyo ab gasgasie eritriea hamaq zakona makkti kamzalka kab qadam bozho sab yabloka na weyna na maglgal ba CIA zatmrsa sab kamzkonka gan bozho sab yaflt

  • Mebrahtu Tewelde May 22, 2013

    ኣየዛ “ካብ ግዱሳት ዜጋታታትዶ ግዱሳት..’ እንዳበልኩም ትጽሕፍዋ መስሐቕ ዛንታ እንተትገድፍዋ!
    ካልእ ግን መንግስቲ ኤርትራ ነዘን ውሑዳት መናድቕ ሸይጡ እንታይ ዓይነት ረብሓ ክረክብ ትሓስቡ ከም ዘለኹም ርዱእ ኣይኮነን።
    እምበርከ ብኤነትረታት ተተጻዒኑ ብባሕሪ ዝኸይድ ደሎ ምህርቲ ናይ ቢሻ ውሒዱዎም ድዩ? ኣይፋልካን ኣማኑኤል ኢያሱ! ምለሰሉ ዳኣ። መንግስትና ዶላር በዚሕዎ ክስርነቕ ስለዝደለዬዶ ከይኮነ ንኹሉ ነጻ ገይርዎ ደሎ? በዚ ሕሱር ፕሮፓጋንዳኻ ተመሪዙ ካብ ተበጊሶሞ ደለዉ ናብ ወፍሪ ምረሻ ዝታዓናቐፉ ኤርትራውያን የለዉን። እታ ባቡር ተበጊሳ ኣላ፡ ሎሚ ዝይተሰቐላ ድማ፡ ጽባሕ ታዕሳ ኢያ!! መርሽ ኤርትራዊ ንወፍሪ! ኤርትራ ማእከል ወፍርን መስሕብ ትሩዚምን ትኾነሉ ግዜ ኣኺሉሎ።
    ምስጋና ንመንግስትናን ጽኑዕ ህዝብናን ሓርበኛ ሓይልታት ምክልኻልናን!!

  • Salim May 22, 2013

    “ብመጻኢ መንግስትን ተሓተቲ ሙኻኖም ክግንዘቡ ይግባእ።”

    bWoyane zteTefTefe malet dyu? antum sebat kndey tEshwu, hagerka do aHlifka ywahab ‘yu ? Halayti hager ‘nte koynkum kab Woyane reHaQu:: barayutn gzu’atn knsKum bzaEba ‘ Harnet ‘ ktzarebu ayeTEmelkumn ‘yu:: deHar ke’a seb business kgebr ‘nkelo yserQ alo aybehaln ‘yu:: Obama ‘nte semi’U betri Hizu keyeguayiyekum!!!!

  • bahabala May 23, 2013

    Heray Investment si yebehal alo abbey imo alo iti electric please kabti teshetewo zelekum workis bejakum mejemerta Electricity ekhu aetewu imo dehriu bezeba Investment kenezareb inbe men tesulul alo genzebun machineriun aeteyu zemeret.
    Please before you talk about investment please first facilitate with the electricity for those built by bond houses with electricity inber aynena atfekum ketetaleluna aytefetenu

    • ogbai May 23, 2013

      mejemerya higi yenges dedhriu kullu kebgess.

  • ogbai May 23, 2013

    mejemeria fithi yengess bedhriu hezbi nehager henste kebgess.
    mekero mekero embi enteble mekera yemkeroo. nezzi endasemean
    endaraayen zeqage ketrekbalu eya eta bellah melaste.

  • Salih May 23, 2013

    RESAHAT AGAME. ENTAI FITHI TIFELIT DRNKORO. HZBI RTITREA AB MUWUK HAGERAWI FESTIVAL EYU ZELO.ZEREBAKA KESASI GIZE YEBILUN.

  • abrham May 23, 2013

    ኣየ ኣየ ወፍሪ
    ሕጊ ኣልቦ ኢሰያስ ጽባሕ ዓቅሉ ምስ ጸበቦ ንብረቶምን ነብሶምን ይህግሮም

POST A COMMENT