Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ግላስጎ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ግላስጎን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ግላስጎ ንዕለት 30 ሓምለ 2016 ካብ ሰዓት 12:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ግላስጎን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ግላስጎ ንዕለት 30 ሓምለ 2016 ካብ ሰዓት 12:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲን፥ ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል እማመ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክንማኻኸረሉን ኢና። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማት ኬድና ሕዝባዊ ኣኼባታት ከምዘካየድና ዝዝከር`ዩ። እዚ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ኣገዳስነቱ መዚንኩም ዕዙዝ ኣቓልቦ ሂብኩም ኣብቲ ኣኼባ ክትጽንበሩና ብኽብሪ ንጽውዕ።

ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ክእክብ እምበር፡ ንኻልኦት ምንቅስቓሳት ክትእክእ ኣይኮነን። ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ ሕዝባዊ ተሓታትነትን፡ ሕጋዊ ኣገባባትን ተኸቲልካ ናብ ድሕነት ሕዝቢ ውፈር ዝብል ኣተሓሳስባ ግን ኣጸቢቕና እነስምረሉ እዩ። ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ክትፈልጡ እንተደሊኹም ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ተመልከቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ክትዕድሙልና፥ ብትሕትና ሓላፍነት ነሰክመኩም።

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ፦

National Piping Centre Ltd, 32/34 McPhater Street, Glasgow G4 0HW

ካብ ሰዓት 12:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 04:00 ድ.ቀ

ብደሓን ምጽኡ!

አሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

 

ሓጺር ጽሑፍ ብዛዕባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

 

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣቦና ነፍሰኄር ዶር. ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)ኣብ ዘካየዱዎ ሕዝባዊ ኣኼባ፡ ብምርጫ ሕዝቢ ቆይማ፡ ናይ ሓድነት ዕማም ክተሳልጥ ዝተመዘዘት እያ።

 

ዕላማ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ሓድነቶም ዓቂቦም፡ ብፍቕሪን ብስኒትን ብምጽውዋርን፡ ብሕግን ብሥነ-ምግባርን ተመሪሖም ክነብሩ ምጽዓር ኢዩ። ንጉዳይ ሃገር ብዝምልከት ኩላቶም ኤርትራውያን ብሓደ ኮይኖም ብምዝታይ፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ካብ`ዚ ወሪዱዎ ዘሎ መሪር ስቓይ ድሒኑ ናብ ሰላምን ራህዋን ክወስደና ዝኽእል እንኮ ኣማራጺ መገዲ ሓድነት ጥራሕ እዩ፡ ዝብል እምነት ኣለና። በዚ መሠረት መደብ ኮሚቴና፥ ኩሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብር ኤርትራዊ  ኣብ ከከባቢኡ ናይ ሓድነት ኮሚቴ ብምርጫ ሕዝቢ ከቕውም`ሞ፥ እተን ዝተመርጻ ኮሚቴታት ተጠርኒፈን ከኣ ንኹላትና ኤርትራውያን ነባሮ ዓባይ ብሪጣንያ እትውክል ሓንቲ ድልድልቲ ናይ ሓድነት ኣካል ክነቕውም`ዩ። እዛ ንኹሉ ተቐማጣይ ዓባይ ብሪጣንያ እትውክል ዓባይ ኮሚቴ እዚኣ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ዕማማት ከተሳላስለልና፦

 

  1. ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ስኒትን ፍቕርን ኮስኲሳ፥ ሕጋዊን ግሉጽን ኣሠራርሓ ብምትእትታውን ብምኽታልን፥ ኣብ ሕብረተሰብና ዕርቅን ምትእምማንን ክትፈጥር።
  2. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኹላትና ኤርትራውያን ወኪላ፥ ምስ መንግሥትውያንን ዘይመንግሥታውያንን ኣካላት ብምርኻብ፣ ንዲፕሎማትን ሰበ-ሥልጣናትን ኩነታት ሃገርና ብጥርኑፍ መገዲ ክተቕርብን ክተረድእን።
  3. ፖለቲካዊ ንጥፈታት ሃገርና፡ ንኹላትና ኤርትራውያን ዝጠቅም ምእንቲ ኪኸውን፥ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኣካላት ብምርኻብ፥ ሓቢሮም ሓደ ዓለምለኻዊ ናይ ኤርትራውያን ምትእኽኻብ ክፍጠር ድፍኢት ክትገብር።
  4. ክእለት ዘለዎም ደቂ ሃገርና ኮነ ካልኦት ጉዳይ ሕዝብና ዘደንግጾም ኣካላት ኣወሃሂዳ፥ መሰል ኤርትራውያን ብዝለዓለ ደረጃ ክኽበር፡ ክትጽዕር።
  5. ኤርትራውያን ኣብ ከባቢታትና ኣብ ትሕቲ እዚ ሃገራዊ ኣካል ዝማሓደር ማሕበረሰብ ኣቑምና፡ ሓድነትና ክነደልድል፡ ጸገማትና ክነቃልል፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዝለዓለ ደረጃ ክትዋሳእ።
  6. ምሁራንን ምኩራትን ኣኪባ፡ ኩነታት ኤርትራውያን ኣዕሚቑ ዘረድእ፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መወከሲ ዝኸውን ሰነድ ክትቅርብ። ብተወሳኺ እዚ ናይ ምሁራት ኣካል፡ ነታ ኮሚቴ ከም ኣማኸርቲ ኮይኖም ክሕግዙዋ።
  7. ነቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዓብዪ በደል ዘውርዱ ዘለዉ ሰባት/ኣካላት ዝረቍሕን ዝገንሕን ኣካል ኣቚማ፥ ነቶም በደለኛታት ንገሊኦም ክትገንሖም፡ ንገሊኦም ድማ ብሕጊ ዝሕተቱሉ መርትዖ ክትቅርብን ክትስንድን ወዘተርፈ።

ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጸገም ይርከብ። ሃገርና ኣብ ኣፈርክቡ እያ ዘላ። ብሓባር ፍታሕ ከይነምጽእ መብዛሕትኡ ዜጋ ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ብሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ዓሌት/ቀቢላ/ቆላ/ከበሳ/ውድብት ወዘተ. ተፈላልዩ፥ ንቕድሚት ከይንስጒም ሓንኲሉና ጸንሑ እዩ። ሕጂ ግን ሕዝቢ፡ እዚ ጸገማት`ዚ ተሪዲኡዎ፡ ኪነዉ ክሓስብ ጀሚሩ ምህላዉ ዘተባብዕ እዩ፥ ዝለዓለ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምጭባጥ ግን ብርቱዕ ጻዕሪ ይሓትት።

  • ብዙሓት ዜጋታት ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ይሳቐዩ ኣሎዉ፣ ልዕሊ 360 ኣብያተማእሰርቲኣሎይበሃል።ዳርጋኩላቶምመናእሰይሃገርናኣብግዱድ፥ዘይውዳእውትህድርናይበልዩኣለዉ።
  • ኣብ ወርሒ ክሳብ 5,000 ዝግመቱ ዜጋታት ሃገር ገዲፎም ይስደዱ ኣሎዉ። ኣብ ዝኸዱዎ ድማ ኣደዳ ስቓይን ሞትን ይኾኑ። ኣብ ኢድ ራሻይዳ ኣትዮም ዝተሳቐዩን ዝሞቱን ብዙሓት እዮም። ኣብ ባሕሪን ኣብ ምድረበዳ ሰሃራን ዝሞቱ ብዙሓት እዮም።
  • ኣብ ሊብያ ብዙሓት ገበን ዘይብሎም ኤርትራውያን ክርስትያን ብኻራሩ መሸብራን ዳዕሽ ተሓሪዶም። ቁጽሮም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን ገና ኣብ ቀይዲ መሸብራን ዳዕሽ ይሳቐዩ ኣለዉ። ገለ ካብ ዜጋታትና ድማ ኣባላት ዳዕሽ ምዃኖም ዘሰንብድ ነገር ኢዩ።
  • ስደተኛታት ዜጋታትና ኣብ ሱዳን፣ ግብጺን/ሲናይን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከቢድ ጸገም የሕልፉ ኣሎዉ።
  • ኣብ እስራኤል ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ `ሖሎት` ዝተባሃህለ ቤት-ማሕዩርተዳጒኖምይርከቡ።ንጹሓንኤርትራውያን፡ዘራይስኢኖም፡ኣብዝኸዱዎይሳቐዩኣለዉ።
  • ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓሲሙዎ`ኳ እንተሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ዝኸፍኤ ኢዩ።

ዘለናዮ እዋን ዘብን ኣፈርክቡ እዩ፣ መፍትሒኡ ድማ ሓድነት ሕዝቢ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ኩላትና ንሓድነት ሕዝብና፣ ኤእጃምና ከነበርክት ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT