Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ህዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ከተማ ሎንዶን

  ኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ኣሕዋትና፥   ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዝባዊ ኣኼባና ዝገለጽናዮን፡ ብሕዝቢ ዝተመረቐልናን መሰረት፣  ኣብ ብዙሓት ዓብይቲ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ዑደት ፈጺምና።  ኣብተን ኤርትራውያን ኣሕዋትና ብብዝሒ ዝርከቡለን ከተማታት ሕዝባዊ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ነቲ ኮሚቴ

 

ኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ኣሕዋትና፥

 

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዝባዊ ኣኼባና ዝገለጽናዮን፡ ብሕዝቢ ዝተመረቐልናን መሰረት፣  ኣብ ብዙሓት ዓብይቲ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ዑደት ፈጺምና።  ኣብተን ኤርትራውያን ኣሕዋትና ብብዝሒ ዝርከቡለን ከተማታት ሕዝባዊ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ነቲ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ዘቕረበቶ እማመ ናብ ኣኼበኛታት ኣቕሪብና፡ ተመያዪጥና፥ ኮሚቴታት እውን ኣቑምና ኣለና። እዚኣቶም ብሕዝቢ ዝተመርጹ ኮይኖም፥ ነቲ ዝመዘዞም ሕዝቢ ዝውክሉ ኢዮም።

እዘን ብሕዝቢ ተመሪጸን ዘለዋ ኮሚቴታት ድማ ተጠርኒፈን ሓደ ንኹላትና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንነብር ኤርትራውያን

እትውክል ኣካል ክነቕውም ኢና። ናይ ሕዝቢ ተልእኾ ኣብ ግቡእ ኣብጺሑ፡ ብሕዝባዊ ተሓታትነት ዝንቀሳቐስን ዝቕለስን ኣካል ኣቑምና፥ ንኹላትና ዘዕግብ ኣድላዪን ውሁድን ስራሕ ክሠርሕ ትጽቢት ኣሎና።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝጸዋዕናዮ ሕዝባዊ ኣኼባታት፥ ብደረጃ ሃገር ብሪጣንያ ዝውክለና ኣካል ንሙቛም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንሕዝቢ ዝውክላ ኮሚቴታት ነቑም፡ ኢዩ ዝብል ዝነበረ። ሓደ መዕራፍ ናይቲ መስርሕ ተወዲኡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣኼባና ድማ ብደረጃ ሃገር ዝቐውም ኣካል፥ ኣቃውማኡን፡ ዕላማታቱን፡ ሓላፍነቱን፡ ኣሠራርሓኡን ብዝምልከት እማመ ሒዝና ክንቀርብ ኢና። ኣኼበኛ ድማ ርእይትኡን ምኽሩን ኬቕርብ ብሃንቀውታ ንጽበዮ ኢዩ።

ኣብቶም ዘካየድናዮም ዑደታትን ኣኼባታትን፥ ዝረኸብናዮ ግብረመልሲን፣ ፍናን ዝሃበና እኳ እንተኾነ፥ ሓሓሊፉ ሕልኽልኻትን ውረድ ደይብን ኔሩዎ ኢዩ። ነቶም ዝረኸብናዮም እወንታዊ ጎድንታትን፡ ነቶም ዝገጠሙና ብድሆታትን ገምጊምና ንዝመጽእ ከመይ ጌርና ከምእንቕጽል እዝን ካልእን ኣርእስታት ኣልዕሊና ምስ ሕዝቢ ክንማያየጥ ኢና።

ኣብዚ ሕዝባዊ ኣኼባዚ ኩልኻትኩም ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ብኸመይ ነዚ ብደረጃ ሃገር ብሪጣንያ ዝውክለና ኣካል፣ ደጊፍና ንኹላትና ዝጠቅም ሥራሕ ኣብ ምሥራሕ ንሕግዞን፣ ነደንፍዖን ብኣካል ተረኺብኩም ምኽርኹምን ሓሳባትኩምን ከተበርክቱ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ነቶም ክሳዕ ሕጂ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝሓገዝኩምና ምስጋናና እና ገለጽና፡ ንዝመጽእ ድማ ብዝሓየለ ኣገባብ ንሓድነት ኤርትራውያን ክትሠርሑ ተስፋና ዕዙዝ ኢዩ።

ሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ።

 

ኣኼባ ዝካየደሉ

ዕለት: 04 መስከረም 2016  ..

ሰዓት: ካብ 330 ድ.ቀ. ስጋብ 07:00 ድ.ቀ.

ቦታ:  Abrar House, 45 Crawford Pl, Marylebone, London W1H 4LP, UK

 

Eritrean Unity for Justice                      haddnet@haddnet.org

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT