Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ በርሚንግሃም

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ንዕለት 6 ግንቦት 2017 ካብ ሰዓት 02:30 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህልው ኩነታት

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ንዕለት 6 ግንቦት 2017 ካብ ሰዓት 02:30 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲ ኢና።  ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል ኢልና ዝቐረብናዮ እማመ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ድማ ክንዝትየሉ ኢና። ኣቐድም ኣቢልና ካብ ብዙሓት ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዋጽኡ ኮሚቴታት ንምሉእ ዓብይ ብሪጣንያ ዝውክል እካል ብወግዒ ከምዘቖምና ዝዝከር እዩ። እዚ ኣብ በርሚንግሃም ተመዲቡ ዘሎ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ከኣ መቐጸልታኡ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ከምዝገለጽናዮ፡ ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንኹላቶም ኤርትራውያን ክእክብን ከተሓባብርን ኢዩ እምበር ንኻልኦት ምንቅስቓሳት ክትክእ ኣይኮነን። ኮሚቴና፥ ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ ሕዝባዊ ተሓታትነትን፡ ሕጋዊ ኣገባባትን ተኸቲልካ ናብ ድሕነት ሕዝቢ ምውፋር፡ ወዓል-ሕደር ዘየድልዮ ህጹጽ ጉዳይ ከምዝኾነ ጽኑዕ እምነት ኣለና። ድሕነት ሕዝቢ ድማ፡ ሓቢርካ ደኣምበር ተበቲንካ ስለዘይርከብ፡ ኩላትና ደቂ ሃገር ክራኸብን ክላዘብን የድለየና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ክትዕድሙልና፥ ብትሕትና ሓላፍነት ነሰክመኩም።

ኣኼባ ዝካየደሉ ኣዳራሽ፦

Zawiya Centre

Jenkins Street, Small Heath, Birmingham, B10 0QH

ኣኼባ ካብ ሰዓት 02:30 ድ.ቀ ክጅምር ኢዩ። ብኽቡራትኩም፥ ሰዓት ክተኽብሩ ነዘክረኩም።

ብደሓን ምጽኡ

ኣሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Merhawi May 6, 2017

    Dear Eritrean brother and sisters, The committee of Eritrean unity foe justice held public meeting here in Birmingham, their message is unity in diversity, bur not only talk talk but there is also a plan to walk the walk. Good meeting, lets support this movement, we can make a quick recivery and quick change. I would like to thank the committee for all their hard work.
    God nless Eritrea

POST A COMMENT