Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ መበል 26 ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን  ደቂ ሃገርና፥ ኩላትና ኤርትራውያን ከም እንፈልጦ፡ ዘለናዮ ዘመን ንሕዝብና እቲ ዝሓሰመን ዝመረረን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓደገኛ`ውን ስለዝኾነ፥ ዘመን ኣፈርክቡ ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ናጽነታ ተጎናጺፋ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ሕዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእትነት፡ ካብ መጠን ዝሓለፈ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን  ደቂ ሃገርና፥ ኩላትና ኤርትራውያን ከም እንፈልጦ፡ ዘለናዮ ዘመን ንሕዝብና እቲ ዝሓሰመን ዝመረረን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓደገኛ`ውን ስለዝኾነ፥ ዘመን ኣፈርክቡ ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ናጽነታ ተጎናጺፋ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ሕዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእትነት፡ ካብ መጠን ዝሓለፈ ከምዝኾነ ኩላትና ንፈልጥ ኢና። እዚ ዝተኸፍለ ሕይወትን ዝባደመ ንብረትን ባጃ ናጽነት፡ ምእንቲ ራህዋን ክብረትን ሕዝብና ተባሂሉ እዩ ዝነበረ። የግዳስ ዕድል ኣይገበርናን፡ ኤርትራ ሃገርና ካብቲ ዝነበረቶ ዝገደደት ኮይና፥ ሕዝባ ተጓሕጒሑ ይጠፍእ ኣሎ።

ኣብዚ ፈታኒ ግዜ`ዚ እምበኣር፥ ነቲ ናይ ገድላዊ ቃልሲ ሕዝብና ዝደምደመ ምዕራፍ ክንዝክር ጥራሕ ዘይኮነ፥ ህልው ኩነታትና ገምጊምና፡ ብዛዕባ ዝመጽእ ዕድልና ክንዝቲ ክንእከብ የድልየና። በዚ መሠረት፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ መበል 26 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብኽብሪ ንምዝካር፥ ሕዝባዊ ኣኼባታት ክነካዪድ መዲብና ኣለና። ኩልኻትኩም ኤርትራውያን፡ ዝዓበኹም ዝነኣስኩም ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ክትሳተፉ፥ ምስ ኣሕዋትኩም ክትመኽሩ፡ ብትሕትና ንዕድመኩም።

ከምቲ ሓቢርና ሃገርና ናጽነታ ዘጎናጸፍናያ፡ ሕጂውን ሓቢርና ጥራይ ኢና ክብርና ክንመልስን፡ ሕዝብና ክነድሕንን እንበቅዕ። እዚ ዘለናዮ ዘመን ኣፈርክቡ ኣዝዩ ተነቃፋይ ግዜ ስለዝኾነ፡ ኩልኻትኩም ቃንዛ ሕዝብና ዝስምዓኩም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሓደ መንፈስ እጃምና ክንዓምም፡ ዝከኣለና ክነበርክት ግዱዳት ኢና። ካልእ ምርጫ ድማ የብልናን። እታ እንኮ መገዲ መገዲ ሓድነት ኢያ። እንተ ተጠሪፍና፡ እንተ ዘቲና፡ ብሓደ እንተ ሠሪሕና፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ግድላት ክንብድሆ ኢና። `ኣሕዋት ምስዝሓብሩ፡ ጸላእቶም የባርሩ` ከምዝበሃል፡ እንተ ሓቢርና ሕሰም ኤርትራውያን ክነቃልል ኢና።

ኣብ ከተማታት ሎንዶን፣ ሊድስን፣ ለስተርን ኣብዚ ዝስዕብ ኣደራሻት ክካየድ እዩ።

  • ሎንዶን፥ Paddington Arts, 32 Woodfield Rd, London, W9 2BE ዕለት 20/05/2017 ካብ ስዓት 15:30 ይጅምር
  • ሊድስ ፥ Horn Africa Cafe,1 Dolly Lane, Leeds, LS9 7SS ዕለት 20/05/2017 ካብ ስዓት 15:00
  • ለስተርShree Sarvodaya Samaj, 39 Highfield St, Leicester, LE2 1AD  ዕለት 20/05/2017 ካብ ስዓት 15:00 ይጅምር 

ኣብ ከተማታት ማንቸስተር፣ ኮቨንትሪን ካርዲፍ ወይ ኒውፖርትን ክግበር ትጽቢት ኣሎ፣ ሙሉእ ሓበሬታ ምስ መጻና ከነስዕበልኩም ኢና።

ለቡ፦ ኣብ ከተማ ሎንዶን እትርከብ፥ ኣሰናዳዊት ኮሚቴ በዓላት ደለይቲ ፍትሒ፡ ኮሚቴና ነዚ ሕዝባዊ ኣኼባዚ ብመሪሕነት ክተዳልዎ ዝመዘዙዋ ክነምስግኖም ንደሊ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ዘልዉ ኣሕዋትና እውን ንዝገበሩልና ሓገዛት ነምስግኖም።

ዝመጽእ ዓመተ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሰላምን ኣብ ራህዋን ክንዝክሮ እናተመነና፥ ንኹልኻትኩም ደቂ ሃገርና፡ ነዚ ወሪዱና ዘሎ መሪር ሓዘንን ስቓይን፡ ጽንዓትን ብቕዓትን ንምነየልኩም።

ኣሕዋትኩም፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ- ዓባይ ብሪያንያ

ግንቦት 2017 ዓ.ም.ፈ.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT