Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕጡቕ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዝንገረሉ ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ሓደ ካብ መስራቲ ናይቲ ግንቦት 7 ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ስጉምቱ ኣብ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ዝተፈላለየ ግብረመልስታት ኣለዓዒሉ።

ዕጡቕ ተቓውሞ ኣምጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዝንገረሉ ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ሓደ ካብ መስራቲ ናይቲ ግንቦት ሰባት ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስጉምቱ ኣብ መንጎ ‘ቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ

ዕጡቕ ተቓውሞ ኣምጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዝንገረሉ ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ሓደ ካብ መስራቲ ናይቲ ግንቦት ሰባት ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስጉምቱ ኣብ መንጎ ‘ቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ዝተፈላለየ ግብረመልስታት ኣለዓዒሉ።

ገሊኦም እህወደግ 100 ካብ ሚእቲ ኣብ ምርጫ ተዓዊተ ኢሉ ምእዋጁ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ከይተርፈና ብምባል ንስጉምቱ ክድግፉዎ ኸለሉ፣ ገሊኦም በንጻሩ ብመሰረቱ ብዕጡቕ ምንቅስቓስ ኣብ ዝመጽእ ለውጢ ዕቃበታቶም ክገልጹ ይስምዑ። ኢሳይያስ ከም ኣሸባብ ንዝኣመሰሉ ጥሩፋት እስላማውያን ጉጅለታት ሶማል ምድጋፉ ባህ ‘ኳ እንተዘይበሎም፣ ኢሳይያስ ናይ ኤርትራ ሓልዮት እንተልዩዎ፣ ንሓዋሩ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ምሃብ እቲ ዝነኣሰ ክኸፍሎ ዘለዎ ዋጋ ምዃኑ ይገልጹ።

ነዚ ናይ ዓሰብ ሕቶ ማእከል ብምግባር ከኣ፣ ብዘይካ ‘ቲ ኣንጻር መንግስቲ ኢህወደግ ዘለዎም ናይ ሓባር ጽልኢ፣ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያን ስርዓት ኢሳይያስን ናብ ዓወት ዘብጽሕ ጠማሪ ኣጀንዳ ምህላዉን ዘይምህላዉን ይማትኡ። እቲ መንእሰያቱ መመሊቖም ናብ ስደት ይጠፍኡ ስለዘለዉ ኣዝዩ ተዳኺሙ ዘሎ ኢሳይያስ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብሮ ኵናት መዝሓሊ ጥይት ከይገብሮም ከኣ ምጥርጣሮም ይገልጹ።

ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ክልተ ጎሓላሉ ውዲት እምብኣር፣ እቲ መጣልዒ ፖለቲካዊ ምንዝርና ኢሳይያስን ስሱዓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ኮይኑ ደኒኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ እዋናዊ መጻእን ሕሳቡ ክገብር፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጀንዳ ከዋድድ ኣለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Semhar July 26, 2015

    ሃየ በጃኻትኩም ኢደይ ኢድካ ኢልና ነቃብጾ ነዚ ናይ በጋሚንዶ ስርዓት ኢሳያስ ።
    ሓቢርና እንተ ሰሪሕና መዓልታት ኣይጸንሕን እዩ ይትረፍ ዓመታት። ዓነውነው ክብል ምዃኑ ርግጸኛ እየ።

  • Marbati Amren July 27, 2015

    Dear Semhar,

    You have forgotten one bell, the bell which is loudly ringing in Gash & Setit. So,
    Let freedom ring in Gash & Setit as well.

  • mehari haile August 5, 2015

    ኣምኒኣል አያሱ መጅመርያ ስለ ተሳትፎካ ትገብሮ ዘለካ ጽዕሪ ኣዚየ የመስግነካ ክባይ ብዙሕ መስጋና ኣይ ትጽበ መክንያቱ አቲ ዉጽዕ ህዝብካ ኣብ ጎኑ ኮንካ ተገብሮ ዘልካ ምስጋናካ ንሱ ስለ ዝኮነ ኣነ ከብለካ ደልየ ዘለኩ ኣነ ሓደ ካብ ተካታታሊ መደብካ አየ ኣዚየ አየ ሕጉስ ስልዚ ነዚ ንመስስኒ አዚ መደብ ዓቅመይ ከወፊ ደልየ በየን ከም ዝሰደልካ ገን ከትንግረኒ ደልየ። ንመልስካ ይጽበ ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኣርትራ ወድቀት ንስርዓት ህግደፍ

Post a Reply to Semhar Cancel Reply