Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሐጉስ ዜና ንደለይቲ ለውጢ።

 ዘሐጉስ ዜና ንደለይቲ ለውጢ።                          19-03-14፡ ንህግደፍ ትትክእ ሓዳስ ሳልሰይቲ ሕብእቲ ሰልፊ ተመስሪታ! መቸም ብምኽንያት ዘይወግዓውነቱ ንዝኾነ ሓቀኛ ዛንታ ብልቢ-ወለድ፡ንዝኾነ ክበሃል ዝተደልየ ነገር ብመልክዕ ቤላቤሎ እ ናተመሰለ፡ ረቀቕቲ ኣካወንቱ ድማ ክሳብሕጂ ብባዶ ሰለስተ እናተጠመቑ ከምዝጸንሑ መጠን ኣማስያኦምስ እቲ

 ዘሐጉስ ዜና ንደለይቲ ለውጢ።                          19-03-14፡

ንህግደፍ ትትክእ ሓዳስ ሳልሰይቲ ሕብእቲ ሰልፊ ተመስሪታ!

መቸም ብምኽንያት ዘይወግዓውነቱ ንዝኾነ ሓቀኛ ዛንታ ብልቢ-ወለድ፡ንዝኾነ ክበሃል ዝተደልየ ነገር ብመልክዕ ቤላቤሎ እ ናተመሰለ፡ ረቀቕቲ ኣካወንቱ ድማ ክሳብሕጂ ብባዶ ሰለስተ እናተጠመቑ ከምዝጸንሑ መጠን ኣማስያኦምስ እቲ ሓቀኛ ስራሓ ቶም ክፍለጥ ከምዝተኻእለ ይፍለጥ። እሞ ሃየ በሉ ሎሚ ድማ ሓቀኛ ዛንታ ብመልክዕ ዜና ባዶ-ሰለስተ እነሀልኩም።

ዋላ ብወግዒ እንተዘይተኣወጀ ህግደፍ ከምቆፎ እንተዘይኮይኑ ከምሰልፊ ካብትድምሰስ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ። እዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቅጥዒ ኣመራርሓ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ውልቀ-ምልኪ ይሰመ ስርዓት ኣልቦ ክፋኡ ብሰልፊ ህግደፍ ክሽፍን ከምዝጸንሐ ኩሉና ተረዲእናዮ ኣለና። ከምቲ ግዜ ዝቐልዖ እታ ቀዳመይቲ ሰልፊ ክሳብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኢያ ኣገልጊላ። ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተራእየ ድማ እቶም ብረቂቕ ጥበብ ተቖሚዖም ኣባልነትን ስልጣንን ዝተዓደሉ ሓደስቲን ነባራት ኣባላትን ብጉርሕን ገርህን ክፋጠጡ ከምዝቐነዩ ኣብታሪኻት ርኢኹሞ ኢኹም። እናወዓለ እናሓደረ ሓይሊ ሓደስቲ ኣብ ልዕ ሊ ብላያት ኣባላት ሰሊፊ ክስውድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዳንኬራ ናጽነት ተጎልቢቡ ተዳቀቐ’ሞ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ከ ምዛዋዛ ንሰማዒ ክሳብ ዝጨንቆ ዝነበረት ሰልፊ ከምዝተደምሰሰትን ድሕሪ ሽዑ ካልእ ሓዳስ ምትካእ ከምዘየድልን ተገልጸ።

ሽዑ ንኩሎም ተጋደልቲ ዝወረዶም ቅልውላው ኣየርኢኹም። እቲ ብገርሁ ነብሱ ንሞት ዘወፈየ ተጋዳላይ ነዚ ምስሰምዐ ብዛ ዕባ ሓለፋዊ ውዕሎ ኣባላት ናይታ ኣብውሽጥና ዝነበረት ሕብእቲ ሰልፍስ እንታይ ከምዝገበረት ክትንትን፡ መዋእሉ ሙሉእ ከ ይተኣመነ ክሕሎ ከምዘሕለፎ ተሰዊጥዎ ከቕሎሉን ተራእየ። እቲ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ነበር’ውን ክልተ ፈተና ኣዋጠሮ። በቲ ሓደ ተራሰብ ኮይኑ ስራሕ ከምዘይረክብ ኣረጋገጸ። ኣውራ ድማ በቲ ኣጸልሚቱ ዝገብሮ ዝነበረ ገበን ተጋሊጹ ተሓታቲ ከይኸ ውን ተሸቑረረ። ንስኹምከ ካብዞም ክልተ ብተግባራቶም ዘይራኸቡ ተጋደልቲስ ኣየናዮም መሕዘነኩም?

ኣይደንጎየን፡ ዕሉም ነቶም ክሳብ ብትውልዶም ዘጻረዮም ፈጸምቲ ኣካላት ህግደፍ ስልጣን ኣዕቲሩ ምስወድአ ንኩላቶም ኣባላ ት ሰልፊ ነበር ልባቶም ዘረስርስ ሓድሽ ሕቡእ ዜና ኣስሎኸ። ህ.ግ.ደ.ፍ “ማለት’ኮ ሓዳስ መተካእታ ናይታ ዝነበረት ሰልፊ ኢ ያ” ዝብል ወረ። እዚ ማለት በቲ ካልእ ድማ ንሳ ኩሉ ነገር ከም ሓዳር፡ ስድራ” ንብረት፡ ቤት ኮታ ኩሉ ናብራ ምዃና ዝሕብ ር ነበረ። ተጋዳላይ ፈተና ናብራ ሓሊፉ ናብ ንቡር ሂወት ክምለስ እንተኾይኑ ዋሕሱ ኣባልነት ህግደፍ ጥራይ ነበረት። ነቶም ሓደስቲ ምሩቓት ንምኽዋል ከኣ ብዘይ ዝኾነ ኣማራጽን ፍቓድን ኩሎም ተጋደልቲ ነበር ኣባላት ህግደፍ ምዃኖም ተኣወጀ።

ከምዝረኣኹሞ ዘወርቲ ትካል ሓዳስ ሰልፊ (ህግደፍ) ብዘይካ ኢሳይያስ፡ መስፍንን ኣልኣሚን ካልኦት እቶም ሕቡኣን ነበር ዕ ፋፈት ቀይሮም ንሓዳስ ‘ኤርትራዊት ሰልፊ’ ብሑጋ ተደርገሙዋ። ሃገራዊ እናተመሰለ ዝለሓመ ብሕትውና ንመርኣያ ውሑዳ ት ኣባይቲ ጨሪሑ ብምዕዳል ንኩሉ ‘ውፉይ’ ከምዝምጥዎ እናኣተስፈወ ኣረጋጊኡ ብሙሉኡ ንብረት ህ.ግምባርን ንብረት ህ ዝብን ገበተ’ሞ ከምውዕልና ኣብ ክንዲ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ናብ ኲናት ጃምላዊ ህልቂት ተደርገመ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ርኡይ ቅዝፈት ናይቶም ብተግባሮም ዝተገደዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ነበር’ውን ርኢኹሞ ኣለኹም።

ሎሚኸ? ሎሚ’ውን ብሕሹኽታስ ድሕሪ 13 ዓመታት ጉዕዞ ጎብየ ከምብሓድሽ ምስረታ ሳልሳይ ዙርያ ሓዳስ ሰልፊ ንሰምዕ ኣለና። ድሮ ድማ ከምተንዝሓለፋ ብጉልባብ ሃገር ክትዃሸም ትርአ ኣላ። እንተኾነ ናይ ሎሚ ፍልይቲ ዝገብራ ነገር ኣለዋ።

እቲ ቀደምሲ “ምእንቲ ጉዕዞ ናጽነት ክሰልጠና ዕንቅፋት ንዝኾኑና ሰባት ክንኣልዮም ኣለና” ንዝብል ተንኮለኛ ጎስጓስ ዝተቓወ መ ኣባል ኣይነብርን። እንተነበረ ድማ ዕጫኡ ወይ ንጸጋም (መንካዕ) ወይ ንየማን ምጥማቓ ፍልጥቲ ነበረት። ስለዚ እቶም ምስረታ ሰልፊ ከይሰማዕና ፍርሰታ ዝተበሰርና ሰባት ኣባላታ ካብ ኩሎም ተቓለስቲ ዝያዳ ውፉያት ዝነበሩ ይመሰለና ይነብር ። እናሓደረ እቶም ዝእሰሩን ዝጠፍኡን ምስተፈልጡ ስዉር ኣመራርጻ ኣባልነት ካልኣይቲ ዙርያ ሰልፊ ንመንቀኛዊ ስራሓት ዝዓለመ ከምዝነበረ እናሓደረስ ንርእሶም ከይተረፈ ተጋህደሎም ድኣ። እንታይ’ሞ ክገብሩ ኣማራጺ’ኮ ኣይነበሮምን። ንስኹም ከ “ኣባል ሰልፊ ኢኻ’ሞ ንከለ ወግኖ ግን ኣነ ኣይበልኩኻን” ዝብል ትእዛዝ እንተዝመጸኩም እንታይ ምኾነ ምርጫኹም? ከም ዚሕጂ ብነገር ትውልዲ ክሓሳስዩና ካብተራእዩ ኣመራርጻ ኣባልነት ናይ ሳልሰይቲ ዙርያ ሰልፊኸ ከመይ ክኸውን ትግምትዎ?

ብቀዳምነት ሃለዋትና እንታይ ይመስል እስከ ብጽሞና ንሕሰበሉ። መራሒና ብብኽነት ተቓወምቱ ብዝሓፍሶ ዓወቱ ሃገር ትን ፋስ ከምዝሓጸራ ኣጸቢቑ ኣብዘረጋገጸሉ እዋን ሓድሽ ዘመተ ሒዙ ተቐልቂሉ እንሆ። ሎሚ ናብታ ናይ መጨረሽታ መንጠሪት ባይታ ረጊጹ ክዘልል ይደናናዕ ኣብዘለዎሉ እዋን ክነጥራ ዲዩ ክሰቱኽ እንድዕሉ ከተዋጽኦ ተመሪጻ ዘላ ሓዳስ ብልሓት ግዳ ብጉልባብ ዕማም ስርርዕ ቅርጺ መንግስቲ ምቛም ሓዳስ ሰልፊ ኢያ።

ሓራይ’ንዶ፡ ግን’ስከ ብመሰረት ሕሉፍ ተመኩሮ ንበል ንኣብነት ንኣባልነት ሓዳሽን ስውርትን ሰልፊ ዘድልዩ ሮቓሕትስ ከመይ ዝኣመሰሉ ኮይኖም ይረኣይኹም? ብወገነይ ነገር ሕቡኣን ካብ ኣልዓልና፡ ንኣሳልጦ ስራሕ ንጉሰ-ነገስትነት ክበሃል ቀዘፍቲ፡ ሓ ንኮልቲ፡ ሓንፈሽቲ፡ ሓንፈጽቲ…….ክኾኑ ኣለዎም። ንሱ’ሞ ቀቀሊሉ፡ “ቀጻሊ ረብሓ’ምበር ቀጻሊ ዝምድና የለን” ድማ ተባሂል ና እንዲና፡ ካብቶም ሃገራውያን ተስፋ ካብተሳእኖስ ወያ ሓዳስን ሳልሰይቲ ዙርያን ‘ሰልፍና’ ብስም ሓደስቲ ሰብ ረብሓን ተቓ ላስነትን ብኣባላት ደምሒት ዝተጎብአት ክትከውን እንታይ የጸግም። ብስም ሓለዋ ኣስመራ ቤተ-መንግስትን ናይ ጸጥታ ትካላ ትን ካብበሓቱ፡ ፍቐዶ ኩርናዕ ኣዝጊቦም ንህዝቢ “መንቀሻቀሻ” ካብ ሓተቱ፡ ኣብማእከል መንደፈራ መጋርያ ጓይላ ኣጒዶም (ፉሉይ ትርጉም ከምዘለዎ ኣይትረስዑ) ካብተቖጻጸዩ፡ ንኣባልነት ሓዳስ ሰልፊ ዘየሕጺኸ እንታይ ኣለዎም? ሓዳስ ሳልሰይቲ ሰ ልፊና ካብተመስረተትሲ እምበኣር ብደምሒት ዝተጎብአት ከምዘይምዃና’ኮ መረጋገጺ የብልናን። ዓላማኣኸ?…….

ነቲ ብግዝያውነት ተታሒዙ ዝነበረ መንግስትን መሳርዓቱን ናብ ነባርነት ምቕያሩ ገለ ካብቲ እዋናዊ ዓላማ ኢዩ። ስለዚ ምስ ምብዋዝ መራሕቲ ዝመጽእ ዓጃይብ ድማ ክንዕዘብ ኢና። ከምእኒ ርእሲ ምራኻት ኮኑ ርእሲ ኣእዱግ ከምቲ ናይ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ዓቲረሞ ዝመጹ መኾስተር /ስኮባ/ ዓይነቱን ዓላማኡን እናፈለጥናዮ ጽባሕ ብጊሓቱ ክርአ ስለዝኾነ ኣይንህወኸሉን።

ግዜ ከምሃገራዊ መንነት፡ ፓስፖርትን ንርእሱ’ቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝብልን ብቀዋሚ ምትክኡ ኣእሚኑ ናብታ ቀንዲ ሸቶኡ ክበጽሕ ተበላሒቱ’ሎ። ኣብዚ ክስትውዓለሉ ዘለዎ ጉዳይ እታ ቀንዲ መዐሸዊት ጥበብ ተመሪጻ ዘላ ናብ ነባርነት ምስግ ጋር፡ ኣብ ውሽጣ ክሳብ ሕጂ ንሃገርና ካብ ዘጓነፋ ፈተነታት ኣዝዩ ዝኸበደን ወሳንን መድረኽ ተበጺሑ ምህላዉ ርኡይ ክንሱ ተሃሚልናኑ ንህሉ።ከምቲ ፍሉጥ እዚ ፍቐዶ ፓልቶካት ዝተባርዐ ግምባር መንነት ምንጩ ንሳቶም ምዃኖም ዘይምዝንጋዕ።

ምጽራይ ዘርኢ ዜግነት፡– ከምቲ ብውሽጢ ውሽቲ ነቲ ዕረ ምዓር ብምልካይ ዜግነታዊ ጉዳይ ከምቀሊልን ንኩሉ ዝምልከትን ብምዃኑ ንኩሉ ከምዘይቃወሙ ኣምሲሎም ዝዛረቡሉ ዘለዉ እንተኾይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ታሴራ ክቕይር ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ዝ ሕተቶ ነገር ግን ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ቲ ንርእሱ ከም ምንጪ ኣታዊ መጠን ዝስላዓሉ ገንዘብ፡ ኩሉ ጠያቒ ብውሑዱ ክሳብ ኣርባ ዕተ ሓረገ-ትውልዲ ዘርኡ ከምዝሕተት’ውን ይዝረብ ኣሎ። ምስቲ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ሕግታት ዜግነት ብምግንዛብ “እዝስ ን ምንታይ ኣድለየ”? ኢልኩም ትኾኑ።

እወ ንምንታይ ኣድለየ። ህግደፍ ንርእሱ ብተግባራቱ ሃገራዊ ዲዩ ንሃገራውያን ሃገራውነቶም ዝሓትት? ኣቐድም ኣቢሉ ዜግነት ብሰለስተ መልክዑ ከምዝዕድል ክዛረብ ከምዝጸንሐ ኣይንስሕቶን ኢና። እዚ ማለት ብሙሉእ ትውልዲ፡ ብሓደ ወገንን ብም ርጫን ኤርትራዊ ከምዝኽወን፡ ብተወሳኺ ከምቲ ናይ ካልእ ዓለም ክልተ ዜግነት ከምዝርዕም ንሰምዕ ነበርና። ሕጂ እዚ ምጽ ራይ ናበይ ገጹ ከብል ስለዝተደለየ ድኣሉ? መንግስቲ መሬት ብምውናኑ እንታይ ክገብር ወጢኑኮን ኮይኑ?

ዓድታት ናይ ባዕለን ኣሰራርሓ ዜግነትን ዕደላ ጤሳን ኣለወን። ጤሳ ንመን ከምዝግባእን ኣብሞንጎ ዉሉዳት ንመን ቀዳምነት ከምዝዕድላን ባዕላተን እናፈለጥኦ፡ መንግስቲ ድማ ንሰለስቲኡ ዓይነት ዜግነት ዝቕበል እንተኾይኑ ኣብሎሚ በጺሑ እቲ ምስ ጢር ሕሉፍ ምጽራይ ንምንታይ ተደልዩ ኣሎ? ምናልባሽ ዶኾን ኤርትራውነት ግድን ብሕዋስ ዘርኢ ክትወሃብ ተደልያ?

እቲ ኣውራ ሕቡእ ስራሕ ኣብ ወጻኢ ኣብዘሎ ህዝብና ኢዩ ኣነጻጺሩ ዘሎ። ከምርዱእ ኣብስግር ዝነብር ህዝቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስም ምቕያር ዝውቱር ነገር ኮይኑ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ ኢዩ። ህግደፍ ድማ ብጉልባብ 2%ዊት ሃገራዊ ጉቡእ ቀት ረ-ቀትሪ ምእንቲ ሕፍሶ ባጤራ ንህዝብና ከምዝከላኸለሉ ክምሕል ክጥሕል እናውዓለ፡ ለይተ-ለይቲ ድማ ምእንቲ ፖለቲካዊ መኽሰብ ማለት ንሱ ተቓዋሚ ዝበሃል ከምዘየብሉ ከምስል ነቲ ምስጢራት ህዝቢ ንዝነብረሉ ሃገር ከረክቦ ከምዝሓድር ንዝ ወረደ ክሳራ ህዝብና ሎሚስ ኩሉ ፈሊጥዎ ኣሎ። እቲ ኣውራ ዝገርም ማንም ካብዞም መንእሰያት ነታ ዝነብሩላ ሃገር ህግደፍ ንህዝቢ ጅሆ ከምዝሓዘን፡ ናብ ኤምባሲ ሃገርካ ምኻድ ማለት ዘይተቓዋሚነት ከምዘየስምዕን ከረድእ ዝኻኣለ ዘይምህላዉ ኢ ዩ። እሞ ስም ምቕያር ምስቲ ንይምሰል “ንዓናስ ሓቀኛ መንነትኩም ድኣ ንገሩና ዋላ ኣብ ኣስመራ ጋዜጣ ከነውጻኣልኩም” እና ተባህለ ዝውረን ድሕሪኡ ዝመጽእ ፖለቲካዊ ምንዝርና ህግደፍን እዚ ዝበሃል ምጽራይ መንነት ብኸመይ ክጸልዎ ይኸውን?

ካብዚ ዝሰግአ ዜጋ ኣብኣዝዩ ተኣፋፊ መድረኽ ከምዘሎ ተበጺሑ እንሆ። እቲ ኣውራ ከፊኡ ዘሎ፡ ብስም ሓዳስ ሰልፊ ዝግበር ዘሎ ምግምማዕ ኢዩ። ከምርዱእ ድሕሪ ናጽነት ኣብሰውራ ሕብእቲ ሰልፊ ከምዝነበረት ዝፈለጠ ዘበለ ወይ ካብኩሉ ዝኣምኖ ሰብ ስኢኑ ወይ “ተረፍኩ!” ካብዝብል ንሕሉፍ ክሳራኡ ክትክእን፡ ኣባል ነይሩ ደስኪሉ ዝጸንሐ’ውን ኣባልነቱ ከሐድስ ብምሕ ላን፡ ህግደፍ ነቶም ኣቐዲሙ ዝተጠቕመሎም እናቐረመ ከሕቅቖም እናረኣየ ዘዘሊሉ ኣባል ዘዝሓደሰት ሕብእቲ ሰልፊ ክኸው ን ዝወናወን ኣይወሓደን። እንታይ ኢዩ ዓዚምና ዘሎ?

ኣቃውማ ጉጅለ ሰልፊ ሎሚ ኣይከምቀደምን። ንበል እታ ዝተሓተት ጥርናፈ ሰልፊ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ወይ ዋህዮ እንተነይ ራ እቲ ዝዓበየ ስራሕ ድማ ትዓምም ነበረት። ሽዑ ዋህዮ ትፋለጥን ትእከብን ነበረት። ሎሚዘመን ክልተ መልክዕ ሒዙ ኣሎ። ማለት ብዘይካ መራሒኡ ንካልኦት ኣባላት ደቂ ዋህዮኡ ዘይፈልጠሉ ኣወዳድባ’ውን ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ ዝኾነ ኣባል ኩሉ ሰብ ‘ቀጣፊ’ ኮይኑ ስለዝስምዖ ብዘይምፍላጥ ወይ ሓቂ ንክመስል ስለዝድለ ክሳብ ምስደቂ ጉጅልኡ ክናደፍ ከምዝውዕል ስለ ዝተገብረ ሰብ ምእማን ከምዝተርፍ ይጸዓረሉ ኣሎ። ስለዚ ቀደም ትፈልጥዎም እንተማሕደግኹም ምናልባሽ ተረኺቦም ክኾ ኑ ስለዝኽእሉ ኣይትተሃመሉ። ብተሌፎን እናደወልካ ዘሎ ሕሹኽሹኽ ብተገዳስነት ኣስተብህሉሉ። ዝኾነ ኣባል ሓዳስ ሰልፊ ብዘይካ’ታ ንሱ ክፈልጣ ዝተነግረቶ ጉጅለ ወይ ውልቀ-ሰብ ምስማንም ከይራኸብ፡ ከይተሓጋገዝ፡ ከይበጻጻሕ ከምኡ ድማ ከ ይተኣማመነ ክጠራጠር ክነብር ምእንቲ ክቱር መጠንቀቕታ ከምዝተዋህበ፡ ቅሩብ ናብ ልቡ ንዝምለስ ዘበለ ድማ ክሳብ ኣብ ሓዳሩ ኣትዮም ከምዝጽይቑሉ ኣስተውዕሉ። እቶም ሰብ ሓዳር’ሞ ኣስተብህልሎም። ወይ ውጹኣት ተቓወምቲ መይድማ ው ጹኣት ደገፍቲ ህግደፍ ምዃኖም ኣይተረዳኣኩምን? እንዳ መሰረት ሃገር ብምዃና’ኮ ኢዩ ሓድሽ ፖለቲካ ዝጻብኣ ዘሎ።

ከንቲባይ’ዃ ሓደ ግዜ መሊቑዎ፡ “ቆልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተሓሚቑ’ውን ብሰንኪ ኤርትራ ክብሉ ኢዮም” ክብል ተለፋ ሊፉ ነበረ። ካብኡስ ከምኡ ከምዘይገብር ከምስል ክብል ኢዩ። ወለድና “ምስ መዕበይኻ ጥፋእ” ምባሎም ተደፊንዎ ይመስል ። ከምኡ ከይመስለኩም። መንግስቲ ንርእሱ ቀንዲ ተሓታቲ ክሳራ ባዶነት መንእሰያት ምዃኑ መን ይስሕቶ?

ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ሓበሬታ ንዘይበጽሓኩም ክበጽሓኩም ዝወጸ ምልክታ ዘሐጉስ ዜና ንደለይቲ ለውጢ ኢዩ።  ብዛዕባ ፎር ምጣዕሳ ጽባሕ ብዓይንኹም ጻዕዳ ታሴራ ምስተዓደልኩም ከተርክቡሉ ስለዝኾንኩም ብዛዕባኡ ገለ ዘይምባል መሪጸ ኣለኹ። ህግደፍ እምባኣር ለውጢ ብለውጢ ኮይና ኣላ። ናይ ሰባት (ብዘይፕረሲደንት) ለውጢ፡ ናይ ዓላማ ለውጢ፡ናይ ዶብ ሃገራ ውነት ለውጢ፡ ናይ ተቓለስቲ ለውጢ፡ ናይ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ለውጢ፡…… ለውጢ ብለውጢ ባቃ!!!!!!!!!

ሙሉእ ለውጢ ይግበረልና!!

ሚሳኤል፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT