Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሕጉስ ዜና ጽማቕ ኣኼባ ጨንፈር ሽማግለ – በይ ኤርያ ካሊፎርነያ

ዘሕጉስ  ዜና ጽማቕ ኣኼባ ጨንፈር    በይ ኤርያ ካሊፎርነያ ዘሕጉስ ዜና ሰፈር ተቓለስቲ በይ ኤርያ ብቐዳም ዕለት 23-11-2013 ብሽማግለ ጨንፈር ሃገራዊ ባይቶ በይ ኤርያ’ን ብ’ ክልተ ኣባላት  ሃገራዊ ባይቶ  ኣቶ ወልዴሱስ ዓንደማርያም’ን ኣቶ ኢሳቕ ይሕደጎን ዝተመርሔ ኣኼባ

ዘሕጉስ  ዜና ጽማቕ ኣኼባ ጨንፈር

   በይ ኤርያ ካሊፎርነያ

ዘሕጉስ ዜና ሰፈር ተቓለስቲ በይ ኤርያ ብቐዳም ዕለት 23-11-2013 ብሽማግለ ጨንፈር ሃገራዊ ባይቶ በይ ኤርያ’ን ብ’ ክልተ ኣባላት  ሃገራዊ ባይቶ  ኣቶ ወልዴሱስ ዓንደማርያም’ን ኣቶ ኢሳቕ ይሕደጎን ዝተመርሔ ኣኼባ ንኻላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት በቲ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዝተኸሰተ ምዕብልናታት ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ጠፈጥሩ ዝነበረ ኣሉታዊ ጎንታት ብንጹር ድሕሪ ምቕማጥ ናይዚ ሃሰያታትን በሰላታትን ድማ ኣብ ህዝቢ ኣልታዊ ጽልዋታት የሕዲሩ ከምቲ ዝድለን ዝባሃግን ዝነበረ ሓያል ጻዕሪ ዝተኻየዶ ሃገራዊ ባይቶ ንቕድሚት ናብ ስራሕ ክስጉም ኣይ ካኣለን፡ ነዚ ድሕሪ ምር’ይ ሰፈር ሓርበኛታት ተቐማጦ በይ ኤርያ ኣብዚ ኣኼባዚ  ሓላፍነታዊ  ዝመል’ኦ ኣብ  ጌጋ ሞራል ምትንካፍ  ፍታሕ ስለ ዘየምጽእ ንጌጋ ተት ካብ ኣለለናዮም ናብ  መፍትሒ እንታይ ንግበር ዝብል ብሓላፍነት ዝመል’ኦ ዕውት   ኣኸባ ተኻይዱ።

ብሓቂ ብልጫ ዝነበሮ ምስ ህድኣቱን ምስ መጻኢ ራኢ ዝነበሮ ኣኼባ ብምንባሩ ዝቀርብ ዝነበረ ሓሳባትን ሪኢቶታትን ንኻላኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት መስጢ ብምንባሩ ከይ ጠቀስናዮ ክንሓልፍ ኣይ ንደልን።

ብሙሉ’ኡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ምርጫ ዘይብሉ ንኹሉ ክሓቁፍ  ጽላል መቃለሲ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኢዩ እቲ ምስሊ ስእሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓቚፉ ክጓዓዝ ዘለዎ  ባይቶ ምኻኑ ነቶም ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ኣብ ባይቶ ንምእታው ምሳኦም ናይ ኢሂን ሚሂን ባይቶ መርሁኡ ክፉት ክሳብ ዝኾነ ንምዕዋት ካላኣይ ጉባኤ ሃገራዊ  ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ካባና ዝጥለብ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ብምዃና ኣስሚርናሉ። ኣኬባታት ክሳብ ካላኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ  ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተኻታተሊ ህዝባዊ ጎስጋስን ኣኼባታትን ክንገብር ከም ምኻና ድማ ብዚ ኣጋጣሚ እና ሓበርና፤ ንኻላኦት ኣብ ኩሉ ዓለምና ዘለዋ ናይ ዞባታት ጨነፍር ሃገራዊ ባይቶ ባይቶ ህዝቢ ክንገብሮ ኣበርትዕና ንሰርሕ ኢድን ጓንትን ኴና ክንሰርሕ ኣጆኹም ኣጆና ንብል።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ቤት/ጽሕፈት ዞባ ሰምየን ኣመርካ

ጨንፈር ሽማግለ በይ ኤርያ ካሊፎርነያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Paradiso November 24, 2013

    ዶእ! ረኣዩ እሞ ” ዘሕጉስ ዜና ” እኳ እዩ ዝብል ዘሎ:: ዋእ መርድእ ናይ ኢሳያስ ዶ ኾን ተረኺቡ እየ ዝበልኩ እምበር፣ ብኸምዚ ዓይነት ባዶ መብጽዓ ደኣ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ጸሚምና። ናይዞም ባይቶ ሃዋሳ ትበሃሉ እኳ በዚሕና፣ ሓንሳብ ትእከቡ ሓንሳብ ትፍንጥሑ፣ ሓንሳብ ትንእዱ ሓንሳብ ትጻረፉ፣ ሓንሳብ ናይ ምዝራብ መሰል ኣሎ ትብሉ ሓንሳብ ንብሄረ ኩናማ ኣፍ ሓዙ ኢልኩም ተባርሩ፣ ሃንሳብ ናይ ምእካብ መሰል ተፍቅዱ ሓንሳብ ንመንእሰይ ዳኒኤል ተወልደ ጃሱስ ኢልኩም ኣባሳቢስኩም ተባርሩ።
    መብዛሕትኹም ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ከም ተጻባእቲ ህዝባዊ ግምባር ሞያ ዘጥረኹም ኢኹም፣ ግናኸ ካብቲ እተንብርዎ ምዕቡል ዓለም ይትረፍ ንኤርትራ ንንእሽቶ ከተማ ከማሓድር ዝኽእል ብቕዓት ገና ኣይጥረኹምን። እቲ ዝሓሸ ከም ስርዓት ህግደፍ ንስኹም ውን ካብዚ ሞያ እዚ እልይ ኢልኩም፣ ነቲ መንእሰይ ወለዶ እንተገድፍኩሞ ይሓይሽ። ምኽንያቱ እዚ ናትኩም ወለዶ ካብ ዝ ሃነጾ ዘፍረሶ ይበዝሕ።

  • waEro November 24, 2013

    Change the title to zeHzn zena or
    Good news for Isayas.

  • waEro November 24, 2013

    Ezgi azaeabeka Paradizo. These organizations are already dead. Let’s try wedi Vacaro our only hope.

  • ahmed saleh November 24, 2013

    Bay Area Eritrean residents reported the outcome of their satisfactory meetings . And they proved
    themselves the strong nationalism they posses in that region after years of political resistance in
    that region . If we are indeed true believers for democratic change , we should show them a full
    support than alienating ourselves . We can not say that I am pro opposition and turn back recklessly
    to renounce or destroy the reputation of any change seekers movement . We need to be honest with our
    selves to see things ahead of us and the challenges our country face . Unless we prefer to play a
    irresponsible childish game or if there is hidden agenda to divide and weaken the movement .

    • ERITRAWIT November 25, 2013

      ahmed saleh,
      You are positive person, kulu kemaka entezkewn kemey tebeuk nerw I mean it.

  • jaber ali hummad November 25, 2013

    Yes,we believe in democracy,but not only by the name of democracy,real actions has to prove the real democracy.PFDJ.Itself took the name Democracy and Justice,but if we see in PFDJ political arena,we can not put PFDJ in that category.

  • W.gaim November 25, 2013

    Ato weldeyesus Amar pls leave us alone no moree
    political game learn from your past History!!

    • Nahom November 25, 2013

      W. Gaim

      Are you mad with W. Ammar, read well, the mentioned name is W. Andemariam.

      FYI W. Ammar is no more member of BAYTO.

  • Zeray November 25, 2013

    Any movement or group that does not make strides to win over even those who oppose you (including PFDJ) is not democracy and is not unifying.

  • Zeray November 25, 2013

    ዝኾነ ድርጅት ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ወሲዱ፡ ክንቀሳቐስ እንተደኣ ኮይኑ ንኹሉ ዝጥርንፍ ኣጀንዳ ሒዙ፡ ዋላ ነቶም ዝቃወምዎ ናብቲ ዝኣምኖ ከምጽኦም እንተዘይኮኢሉ ደሞክራሲ ምንቅስቓስ ክበሃል ኣይክእልን፡ ህዝቢ ውን ኣሚኑ ንክስዕቦ ከሸግሮ እዩ።

  • TSBUK_WEDI November 25, 2013

    እባላት መሪሕነት ባይቶ ሰሜን እመሪካ

    ምፍታንኩም ኣለና መበሊ ክከውን ዳኣ’ምበር ፍሑኽ ከጀመረ ስኑን ኮራርምቱን ዝወድኤ ባይቶ ዳኣ ሕጂ በየናይ ሻንብቆ ኢኹም ትንፋስ ክትሰኽዑሉ። ዓቕምን ግዜን ተለኩም ካባኻትኩም ተስፋ ሲኢኑ በብከተሙኡ ኮሚቴ መሪጹ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ሓደ ከተማ ነብሱ ከላግብ ፍሕት-ሕት ዝብል ዘሎ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዓቕሙኹም ተትገብሩ ዝያዳ ክብረት ምሃበኩም። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ክገብር ዝብሎ’ምበር ክገብረልካ ተዓዘበኒ ንዝብል ሸውሃት የብሉን። ነየናይ መጻወድያ ከምትሰግሩ ነብስኹም ክትመዝኑ ኣብ ህዝቢ ቀሪብኩም ሚዛንኩምን ሚዛን ባይቶኹምን ተትግምግሙ ማሓሸ መስለኒ። ላምፓዱሳ ከይዱ ጽንዓት ይሃብኩም ዘይብል ባይቶ ኣይንታይናን ዝብል ህዝቢ እንታይካ’የ ክትብሎ ሃየንታ ከምዘለዎ ተገንዘቡ.

  • waEro November 25, 2013

    “Bay Area Eritrean residents reported the outcome of their satisfactory meetings”

    How many people were in the meeting?
    This is the organization that spent three days in addis Ababa discusing only about what Qernelios said was right or wrong while our brothers and sisters are suffuring in Sinai.

    Ethiopia might have spent hundreds of thousands dollars for that meeting.

    Let’s give a support to wedi Vacaro.

POST A COMMENT