Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘመነ ስድነትን ሞራል-ኣልቦነትን – ኣማኑኤል ሳህለ

ዘመነ ስድነትን ሞራል-ኣልቦነትን ኣማኑኤል ሳህለ ኣብዛ ዓለም ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብ ሓድሽ ነገር የልቦን፡ ሓድሽ ኣገባብ ግን ኣሎ። ኩሉ ኣቐዲሙ ዝነበረ እዩ፡ ኪደጋገም ድማ ይነብር፡ ኪደጋገም ከሎ ግን እናማዕበለ እዩ ዚኸይድ (spiraling upward)። መንግስታትን ግዝኣታትን በቝለን ዓብየን ኣሪገን

ዘመነ ስድነትን ሞራል-ኣልቦነትን

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብዛ ዓለም ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብ ሓድሽ ነገር የልቦን፡ ሓድሽ ኣገባብ ግን ኣሎ። ኩሉ ኣቐዲሙ ዝነበረ እዩ፡ ኪደጋገም ድማ ይነብር፡ ኪደጋገም ከሎ ግን እናማዕበለ እዩ ዚኸይድ (spiraling upward)። መንግስታትን ግዝኣታትን በቝለን ዓብየን ኣሪገን ጠፊአን። እተፈላለዩ ህዝብታት ተንሲኦም ኣስፋሕፊሖም ጨቍኖም፡ ከም ሰቦም ድማ ሓሊፎምን።

 

ኣብ ኩሉ ዘበናት፡ ጨቆንትን ሓረድትን መራሕቲ ነይሮም እዮም። ኣብ ግዜ መንግስቲ ሮማ፡ ኔሮን ካሊጉላን ብሰብ ተላጊጾም ሓሊፎም። ኣብዚ ግዜና ድማ ከም ሂትለርን ሙሶሊንን ዝመሰሉ ውልቀመለኽቲ፡ ብሃገርን ብህዝብን ተጻዊቶም ከይዶም።

 

ግዝኣት እንግሊዝ፡ ንህዝብታትን ሃገራትን ሓማሚሱ ሓሊፉ። ግዝኣት ኣመሪካ ድማ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም፡ ናዕብን ሽበራን የስፍን ኣሎ። ከምቲ ቀደም፡ ጸሓይ ኣብ ግዝኣት እንግሊዝ ኣይትዓርብን እያ ዚብሃል ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራት ኣመሪካ ኣይትዓርብን እያ ይብሃል ኣሎ። ኣብ ኩሉ ጉዳያት እንዳማቶም ጠብሎቕሎቕን ትሙስሙስን ኪብሉ ስለ ዚውዕሉ።

 

ኣብዚ ጽሑፍዚ፡ ሕማቕ ዘመን ክብል ከሎኹ፡ ናይ ሞራልን ጭውነትን ርዝነትን ምውዳቕ ማለተይ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘመናትዚ ድማ ምስቲ ስድነትን ጭውነት-ኣልቦነትን ዝወሃሃዱ መራሕቲ መንግስታትን፡ መራሕቲ ሃይማኖታትን ይፍጠሩ እዮም። ሕማቕ ዘመንሲ በዓል ጋዕሳ ኣለዋ ተባሂሉ እዩ።

 

ቅድሚ ምቕጻለይ ግን ሓደ ነገር ኣሎ ኪጥቀስ ዘለዎ፡ ንሱ ድማ፡ እቲ ናይ ሞራልን ጭውነትን ውድቀት፡ ናይቶም መራሕቲ ዘይኮነስ ናይቲ ህዝቢ ጌርካ ምርኣዩ ሓቅን ኣገዳስን ከም ዝኾነ ምእማን እዩ። ሰራሕቲ ቀተልትና፡ መልመልቲ መዋረድትና፡ ሃነጽቲ ኣጥፋእትና፡ ደኮንቲ ሸየጥትና፡ ንሕና ባዕልና ኢና። ኣብ ሕማቕ መሬት፡ እሾኽን ተኾርባን ይበቍል። ኣብ ጽቡቕ መሬት ግን ሳግላን ሽላንን ይበቍል።

 

ቀደም፡ እቲ ስድነት ብኣዚዩ ውሑድ መጠን ኣብ ገጠራት፡ እናበዝሐ ኣብ ከተማታት፡ እናወሰኸ ኣብ ዞባታት ጥራይ እዩ ዚረአ ነይሩ። ኣብዚ ዘመንና፡ ማለት፡ ኣብዚ ዓለም ከም ቁሸት ተጠቕሊላትሉ ዘላ ዘመን ግን፡ እቲ ሞራላውን ስነምግባራውን ውድቀት ንዓለምና ዓትዒቱ ዝሓዛ ይመስል (democratisation of immorality)።

 

ኣብዚ እዋንዚ፡ ወድሰብ ብዛዕባ ግሎባላዊ ሙቐት፡ ብዛዕባ ኣየራውን ማያውን ብከላ፡ ብዛዕባ ምጥፋእ እንሳታት ዘገዳም፡ ብዛዕባ ምስፋን እተፈላለዩ ባልዓትን ባክተርያታትን ቫይሩሳትን ይዛረብን ይጭነቕን ኣሎ። ብዛዕባ ስነምግባራዊ ውድቀት፡ ብዛዕባ ክልተ-መልሓስነት፡ ብዛዕባ’ቲ ግሎባላዊ ሃርገፍገፍን ንዓይ ይጥዓመንን ሒዙ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ሕማም ግን፡ ገና ኪዛረብ ኣይጀመረን።

 

እቲ ንዓለም ከብርሳ ተቐሪቡን ኣብ ልዕሊኣ ዚዝምቢ ዘሎን መዓት ግን፡ ናይ ኣየር ለውጢ ወይ ናይ እንስሳታት ምጥፋእን ብከላን ዘይኮነስ፡ ናይ ወድሰብ ገደብ ዘይብሉ ብልሽውናን፡ ኢሞራላዊ ኣተሓሳስባን ስዲ ኣካይዳን እዩ።

 

ኣብ ገጠር ዚቕመጡ ህዝቢ፡ ብዙሕ ምሕሳውን ምስራቕን ዝሙትን ካልእ ስድነትን ኣየዘውትሩን እዮም። ነቲ ሃይማኖትውን ብግሩህ ልብን ብፈሪሃ እግዚኣብሄርን ብቕኑዕ መንፈስን እዮም ዚኽተሉዎ። እቲ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዚልወጠሉ ግዜ ግን፡ ሰረቕቲ ይቕልቀሉ፡ ሓሰውቲ ኪህብትሙ ይጅምሩ፡ ስድታት ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ይውጥሑ፡ ዕዋላታት ሃገር የካይዱ፡ ሃይማኖት ድማ ናይ ኣምሰሉነት መንፈሳዊ ካባ ለቢሱ ምስቶም ሰረቕትን ሓሰውትን ናይ ስልጣን ህሩፋትን ኪጎዓዝ ይጅምር።

 

ካብኡ ሓሊፉ፡ እቲ ከተማ ናብ መትሮፖሊታን (ናብቲ ኩሉ ናይቲ ሃገር ብሄርን ወጻአተኛታትን ዚቕመጦ ከተማ) ምስ ተለወጠ፣ ሰረቕቲ፡ ቀንዲ መራሕቲ፣ ሓሰውቲ፡ ወነንቲ ዘይተኣደነ ሃብቲ፣ ዘመውትን ቀጠፍትን ድማ ሓለፍቲ ሃገራትን ዞባታትን ይኾኑ። ሃይማኖት ድማ ምስ ማፍያታት መንግስትን ምስ ሰለይቲ ትካላትን ብምትሕብባርን ምስ ኣስፋሕፋሕቲ መደባት ብምምሽጣርን ኣዕናዊ መደባቱ የካይድ።

 

ብድሕርዚ፡ ዓለም ብግሎባላውነት ኣብ ሓደ ቁጠባዊ ዞባ ኣብ እትልወጠሉ ግዜ፡ እቲ ስነምግባራውን ጭውነታውን ድራኸታት ብኣሉታዊ ባህርያት ተዓብሊሉ ፈጺሙ ይጠፍእ እሞ፡ ነቲ ሓቂ ኣበይ ከም እትረኽቦ ይጠፍኣካ። ስነምግባር ብእተፈላለየ መገድታት ይትርጎም (moral relativism)፡ ናይ መንግስታት ፖሊሲታት፡ ብመጠን ናይቲ ዝኸስቦ ረብሓታት ይምዘን። ንግዲ፡ ብስርቅን ብብልሽውናን ይዕብለል። ጀዮፖለቲካዊ ፖሊሲታት ንምውናን ሓይልን ንዋትን እምበር ንስቓይን ንውርደትን ወድሰብ ኣብ ግምት ከየእተወ ንጥፈታቱ ይቕጽል። ኣብ ልዕል’ዚ፡ ሃይማኖት መሳርሒ ፖለቲካን መጋበሪ መስፋሕፋሕትን ብምዃን፡ ንሰውራዊ ኣተሓሳስባ ይቐትሎ፡ ንህየሳዊ ስነመጎት የዕንዎ፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ናይ ተምበርካኽነትን ናይ ድንቍርናን ናይ ማሪታዊ ኣምልኾን ሕልክስናን ብምስፋን ንሓርነት ህዝብን ንምዕባለ ሃገርን ይሃስዮን ይጎድኦን።

 

ኣብዚ ሞራላዊ ተዛማድነት (moral relativism) ሰፊኑሉ ዘሎ ዘመን፡ ስርቂ ከም ንግዳዊ ክኢላነት፡ ቅትለት ከም ጸጥታዊ ግዴታ፡ ብልሽውና ከም ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ፡ ሓሶት ከም ፖለቲካዊ ሜላ፡ ወረራ ከም ምድሓን ሃገር፡ ሃገር ምሻጥ ከም ዞባዊ ምትሕብባር፡ ጥልመት ከም ሃገራዊ ረብሓን ዲፕሎማስያዊ ሽጣራን ወዘተ. ኮይኑ ይውሰድ ስለ ዘሎ፡ ዓለም ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን።

 

እቲ ሕማም፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ኪፈርድን ኪዳንይን ተባሂሉ እተመስረት ዓለምለኻዊ ትካል ከይተረፈ ኣትዩ ኣሎ። ው.ሕ.መ፡ ከተዓርቕ ዝግባኦ፡ ኪሸፋፍን፣ ዓገብ ኪብል ዚግባኦ፡ ስቕ ኪብል፣ ንህዝቢ ዓለም ኣብ ክንዲ ዘገልግል፡ ንሓያላን ሃገራት ኪምብርከኽ፣ ኣባላቱ ንውጹዓት ኣብ ክንዲ ዚረድኡ፡ ኪዕምጹን ኪዘርፉን ይረኣዩ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ነተን ንህዝበን ዚገፍዓን፡ ነተን ንህዝበን ዚሕብሕባን ንኹለን ከም ሓደ ጌርካ ናይ ምውሳድ ኣገባባት ኪተኣታቶ ይረአ ኣሎ። ኣብዚ፡ እቲ እኩይ ካብቲ ጥዑይ፡ እቲ ዘራፊ ካብቲ ወሃቢ፡ እቲ ዓማጺ ካብቲ ሓብሓቢ ተፈልዩ ዘይረኣየሉ ግዜዚ፡ ዓለምና ኣብቲ ናይ ፋሉላዊ መድረኽ (anarchy or nihilism) ትኣቱ ዘላ ትመስል።

 

ብሓጺሩ፡ ናይ ሞራል ቡሶላ ወይ ኮምፓስ ዘይብላ ዓለም፡ ናብ ናይ ምጽናት ጕዕዞ ትኸይድ ከም ዘላ ክንግረሃሉ ዘይብልና ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ዘመንዚ፡ ሃገራት ዘይኮናስ፡ ዓለም ብምልእታ እውን ምድሓን ዘድልያ ግዳይ እያ ኮይና ዘላ። እቲ ምድሓና ግን ካብ ልዕለ-ተፈጥሮኣውን ማሪታውን ሕልማውን ሸነኽ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ናይ ምሕሳብን ምትንታንን ኣእምሮ እተዓደለ ሰብ እዩ ኪመጽእ ዚኽእል።

 

እምበኣር፡ ኣብዛ ከምዚኣ ዝበለት ዓለም እያ ኤርትራ ሃገራና ኣብዚ እዋንዚ ትርከብ ዘላ። ክንረድኣ እንኽእል ድማ ካልኦት ዘይኮኑስ ንሕና ዜጋታታ ጥራይ ኢና። እቲ ዕድል ተዋሂቡና ኣሎ። ሓንሳእ ምስ ሓለፈ ድማ ካልኣይ ግዜ ኪመጽእ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ጸቢብ እዩ።

 

መርገም ነይሩና እዩ፡ ምጾታት እዩ፡ ተጻሒፉና እዩ ወዘተ. ምባል፡ ናይ ሰነፋትን ተስፋ ቆረጽትን ሓለምትን ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን እዩ።

 

ኩሉ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ በብዓቕሙ እንተ ደኣ ተቓሊሱ፡ ኣብ ሰልፍታትን ኣብ ንፍትሒ ዚምልከት ጥርዓንን ኣብ ናይ ዘተ ዓውድታትን ብምስታፍ ድማ ገንዘቡን ጉልበቱን እንተ ደኣ ወፊዩ፡ እቲ ሃገር ናይ ምድሓን ዕድላት እናዓበየ ኪኸይድ ይኽእል እዩ።

 

ገለ ሕማም ኣሎ፡ ደረጃታት ዘለዎ። ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃኡ ኸሎ እንተ ዘይሓከምካዮ፡ ኣብቲ ካልኣይ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ እቲ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎታት እናማህመነ እዩ ዚኸይድ። ኣብቲ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ደረጃ ምስ በጽሐ ግን፡ ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት ሂብካዮ ወይ ዝኾነ ዓይነት መጥባሕቲ ጌርካሉ፡ ኣይሰምዕን እዩ።

 

ብድሕሪኡ ምንም ዚግበር የልቦን። ብዛዕባ’ቲ ብምድንጓይካ ምኽንያት፡ ንኸንቱ ዘጥፋእካዮ ገንዘብን፡ ብዛዕባ’ቲ ንብላሽ ዘህለኽካዮ ጉልበትን እናሓሰብካ ኢኻ ደኒንካ ከተስቆርቍር እትጅምር!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde October 19, 2018

    “ኣብቲ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ደረጃ ምስ በጽሐ ግን፡ ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት ሂብካዮ ወይ ዝኾነ ዓይነት መጥባሕቲ ጌርካሉ፡ ኣይሰምዕን እዩ።”..I wonder which stage we are given the span of time it took to figure out the damage the tyrant did to our society.Example,there are 3 stages of shock,compensated,decompensated,and irreversible shock.Our nation has been bleeding for awhile and us the clinicians were standing with our arms folded while it was going down the tubes,crash cart anyone! that where we are. Thanks Memhir, another stellar article.

    • AHMED SALEH !!! October 19, 2018

      Eritreans selfishness and luck of consciousness played a role on our
      weakness to challenge critical issues . The most frustrating scenario
      in ERITREAN sociopolitical adventure lies at silent majority atmosphere .
      Does Issaias single handedly has full control inside ERITREA ?
      Do high rank officials betrayed the promise ?
      Does Eritreanism pride effected our dream for new beginning ?
      Too many questions come in our mind and everyone has his
      way to interpret facts . Reality of life difficult to comprehend .

  • Robiel Gebrehiwet Kasa October 19, 2018

    Thank you, Memher Amanuel.

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply