Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘማች ህግደፍ፡ ቀባሮ ድዮም ኮማሮ ?

እቶም ትማሊ ሰንበት 25 መስከረም ንመላኺ ኢሳይያስ ክውድሱ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ዝነበሩ 3 ሽሕ ኤርትራውያን: ‘ዘማች’ ምዃኖምስ ኣረጋጊጽና ኣለና። ‘ቀባሮ’ ድዮም ‘ኮማሮ’ ንምጽራይ ግን ገለ ሕጡበ-ጽሑፋት ከድልየና እዩ። ‘ዘማች’ በቲ ንቡር ትርጉሙ፡ ‘ወፋሪ’ ማለት ስለዝኾነ ዘጕሂ ኣይኮነን።

እቶም ትማሊ ሰንበት 25 መስከረም ንመላኺ ኢሳይያስ ክውድሱ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ዝነበሩ 3 ሽሕ ኤርትራውያን: ‘ዘማች’ ምዃኖምስ ኣረጋጊጽና ኣለና። ‘ቀባሮ’ ድዮም ‘ኮማሮ’ ንምጽራይ ግን ገለ ሕጡበ-ጽሑፋት ከድልየና እዩ።

‘ዘማች’ በቲ ንቡር ትርጉሙ፡ ‘ወፋሪ’ ማለት ስለዝኾነ ዘጕሂ ኣይኮነን። ጥቁው ወፍሪ ‘ሎ እኩይ ወፍሪ ሎ። ‘ዘማች’ በቲ ናይ ሳሕል ቋንቋ ግን መግለጺ ናይ ሓደ ብግዴታ ዝወፍር፡ ብድሕሪት ብጠበንጃ ብጾቱ ምዅብኳብ ብቕድሚት ብጥይት ጸላእቱ ምቝላብ ዝተቐበለ፡ ንሱ ጠበንጃ ሒዙ፡ ህይወቱ ድማ ብኻልኦት ተታሒዙ፡ ዝተባህሎ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዕድሉ ክውስን ዘይኽእል ኣብዲ፡ መወዳእትኡ ሞት ምዃኑ እናፈለጠ ካብ ሞት ፈሪሑ ሰንፈላል ኮይኑ ዝነብር ምህሙን ወታሃደር ደርግ እዩ።

ካብዚ ዝተላዕለ፡ በቲ ንደቀንስትዮ ኣትሒቱ ዝርኢ ድሕረት ዘበገሶ ኣበሃህላና፡ ወድን ጓልን፡ ከምሰበይቲ፡ ‘እታ ዘማች’ እናተባህለ ‘ውን እዩ ዝጽዋዕ። እዞም ካብ ሓደ ገዛ ሰለስተ ሒዝኩም ንቐሉ፡ እንተዘየለ መሳፈሪ ካልኦት ክፈሉ ተባሂሎም፡ ‘ናበይ’ ከይበሉ፡ ናብ ዲሲ ዶ ናብ ኒውዮርክ ከየጻረዩ፡ ከምዘማች ተገዲዶም ካበየ ክፍለሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ዝተኾብኮቡ ኤርትራውያን ከኣ፡ ካብ ዘማች ዝገደዱ እዮም። መሳኪን ማች ‘ሲ ኣብ ውሽጢ ቁጽጽር ናይቲ  ስርዓት  ብጠበንጃ እዮም ዝስግደዱ ነይሮም። እዚኣቶም ግን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ነቲ ህዝብና ኣብ ገዛእ መሬቱ ተሰዊኡ ዘምጽኦ ናጽነት መሰል ስኢኑሉ ክንሱ ዝረኸቡዎ ሓርነትን ደሞክራስን ንዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣሕሊፎም ብምሃብ፡ በቲ ብገዛእ ህዝቡ ተፈንፊኑ ኣብ ጎደናታት ኒውዮርክ ከይተረፈ ከም ማንቲለ ክህደን ዝቐነየ፡ ርእሰምትእምማን ኣጥፊኡ ዘሎ ስርዓት ክግደዱ ፍቓደኛታት ምዃኖም ክሳብ ክንደይ ሕሱራት ከምዝኾኑ ዘርድእ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሰባት ጽቡቕ ነገር ክገብሩ ክግደዱ ከለዉ ንግዚኡ ቀጨውጨው ይብሎም  ‘ሞ፡ ነቲ ዕማም ሰናይ ውጽኢት እንተረኺቦምሉ ቀጨውጨዎም ረሲዖም ዋናታቱ ክኾኑ ዝደናደኑሉ እዋናት ኣሎ። እዞም ናይ 21 ክፍለዘበን ዘማች ግን፡ መቛሒ፡ ሓራዲ፡ በታኒ ሃገርን ህዝብን ክውድሱ ንዝቐረበሎም ግዴታ ርዒሞም ብምኻዶም፡ ንሓዋሩ ዘይርስዑዎ ሓጥያት እዮም ተሰኪሞም ዘለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጫካን መራሒ ዝተረፈ ከይልክመልካ ብኡ ኣቢሉ ክዓርብ ደኣ ትጽልን ትምህለልን እምበር፡ ዝያዳ ከጥፍእ ሞራል ንምሃብ ከም ጠለበጊዕ ተኼብኵብካ ምዕሳሉ ካብቲ ናይ ዘማች ብዝኸፍአ፡ ንኣጉል ዕላማ ኣብ ክንድኡ ምማት ‘ዩ ‘ሞ እቶም ሰብኣውነቶም ዝሸጡ ኣሃዛት ብውሽጢ ልቢ መላኺ ኢሳይያስ ከይተረፈ ተኻዒቦም ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ።

ንሱ፡ ሎምስ ነዚ ገዛ እዚ ዝመልኡ ዓያሹ ክንደየናይ ከይርከቡ ኢሉ መጠነኛ ኣዳራሽ ኳ እንተተኻረየሎም፡ እቶም ዓያሹ ካብቲ ቁጽሪ ሰድያታት ናይቲ ኣዳራሽ ስለዝበዝሑ፡ እቶም ተገዲዶም ዝመጽኡ፡ ኣብ ስታትስቲክስ ኢሳይያስ ድሕሪ ምስፋሮም፡ ፍርቆም ከም ኣመጻጽኣኦም ተገዲዶም ከም ለማኖ ኣብ ደገ እዮም ጭንን ክብሉ ኣምሲዮም። ስለምንታይ ኢሎም ‘ውን ኣይሓተቱን። ካብዚ ዝኸፍእ ውርደት ከኣ የልቦን። ብዝሒ ክንበል ከለና፡ ምስ ትጽቢት ቁጽሪ ዓያሹ ኢሳይያስ ደኣ ኢና ነወዳድሮ ዘለና ‘ምበር ብመጠን ብዝሒ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣመሪካ ክንዛረብ ከለና፡ 3 ሽሕ ማለት 3 ሚእታዊት ማለት እዩ። “ እቲ ንዓሰርተ ዓመት ኳ እንተተፈላለና፡ ልበይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ምሳኹም እያ ነይራ” ዝበሎም መላኺ ኢሳይያስ፡ ካብ ልቢ 97 ሚእታዊት ኤርትራውያን ወጺኡ ከምዘሎ ኸኣ ጽቡቕ ገይሩ ተረዲኡዎ ‘ሎ።

እቶም ነዚ ነዚ ምስ ረፈረንደም ኣመሳሲሎም ክገልጹዎ ዝፈተኑ ኣቃጠርቲ ህግደፍ፡ እቶም ኣብ እዋን ረፈረንደም ዘየድመጹን ኣይፋል ዝበሉን፡ ምስቲ ነጥቢ ገለ ኣሃዛት ዝተጸብጸቡ ክኾኑ ኣለዎም። ከመይ ደኣ፡ እቲ ሽዑ እወ ንናጽነት ዝበለ፡ ሕጂ ‘ውን እወ ንለውጢ እዩ ዝብል ዘሎ። እቲ ቁጽሪ ብፍሩዩ ኣብ መንደቕ ዘይተጻሕፈ፡ እቲ እወ ዝበሉሉ ናጽነት ብሓርነት ክዛረበ ስለዘይተፈቅደሉ ጥራይ እዩ። ሕጂ እንደሞ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ኢሳይያስ ነጻ ረፈረንደም ኣይግበርን። ኢሳይያስ፡ ከምቲ ባዕሉ ዘረጋገጾ ብዘይ ህዝባዊ ኩንትራት ኣብ ስልጣን ክነብር ናይ ቀትሪ ሕልሚ ዘሳስየሉ ዘሎ ምኽንያት ደኣ ምስጢሩ እንታይ ዲዩ? እንተዝተኣማመን፡ ዘይፈታተን!

ኣብ ሓደ ንቡር ስርዓት፡ ሰብ ኣብ ናይ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ኣኼባ ተረኺቡ ዝተባህለ ከዋህልልን መጕቱ ከስምዕን ንቡር እዩ። እዚ ናይ እሳይያስ ኣኼባ ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ ዝነበሮ ኣይኮነን። ስለዚ እቶም፡ እዚ መደብ’ዚ ነቲ ብዓድን ግዳምን ተቐባልነቱ ማህሚኑ ዘሎ ስርዓት፡ ደገፍቲ ዘለዉዎ ኣምሲልካ ንምርኣይ ዝተማህዘ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ድራማ ምዃኑ እናፈለጡ መምልኢ ፍሬም ተለቭዥን ክኾኑ ተቐሰቡን ዝተቐረቡን፡ ኣብዚ ምኽንያት’ዚ ክሕብኡ ኣይክእሉን እዮም።

ብዝኾነ ዘማች ምዃኖም ኣየጠራጠረናን፡ ግን ብሓደ ወገን ከኣ ቀባሮ መሲሎም። ከምቲ ባዕሉ ‘ውን ኣብ ቃለመጠየቕ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝመለቖ፡ እዚ ናይ ግብጽን ቱኒዝያን ሊብያን ህቦብላ ለውጢ፡ ኣብኡ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ ክቕጽል እዩ። ሕስብ ውዒልካ ሕስብ እንተሓደርካ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓብደላ ሳላሕ ናይ የመን፡ እቲ ማዕጺድ ሓርነት ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ግራት የብሉን።

እዚ ዝተፈለጠን ክኾና ኣለወን እተን ኣብ ማእከል ኣዳራሽ ንብዓተን ዝጸርጋ ዝነበራ ወይዘራዝር ኢሳይያስ ንምወዳእታ ግዜ ክፋነዋኦ ኣብኡ ዝተረኽባ። መቸም፡ ንፉዕ ሓታታይ እንተዝረክብ ነይሩ ኢሳይያስ ብዙሕ ሓቅታት መምለቜ ነይሩ። ብዛዕባ እሱራት ተሓቲቱ፡ ብዛዕባ ኣምኒስቲ፡ ሁማን ራይትስ ዎች ምህውታቱ፡ ኣእምሮኡ ስሒቱ ከምዘሎ እዩ ዝእምት። ዝሓተትካዮ ‘ባ መልስ ዝብሎ ርጡብ እንተዝረክብ ከኣ፡ እታ ከምዘየላ ብሰለስተ ማንካ ሽኮር ክምስክረላ ዝፈተነ  ሽኮርያኡ ምተጋህደት ነይራ። ብዝኾነ፡ እቲ ሽዑ ዘምለቖ ነጥብን ወልደፍደፉ ‘ውን ሒደት ኣይነበረን ‘ሞ ንኻልእ መዓልቲ ይኹነና።

ንጸይቂ ዝገብር፡ ምእንቲ ምውርዛይ ክትብል ክትሕሱ እንተዘይደሊኻ ናብ ጸይቂ ብዝቐረበ ቃላት ጥራይ ኢኻ ብልክዕ ክትገልጾ እትኽእል። ነቶም ዘማች ህግደፍ፡ ካብቲ ተማሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ቅጽል ነቲ ዝሓሸ ሓሪና ‘ኮማሮ’ እንተበልናዮም ከኣ ኣየተጋገናን። ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ‘ሞ ኸኣ ብዙሕ ምኽንያታት እዩ ዘለዎ። መጀመርያ ካብ ልቦም ኣይኮኑን ዘፍቅሩዎ። ልክዕ ከምተን ምእንቲ ግዝያዊ ረብሓ ክብላ ‘ምዓረይ፡ ሽኮረይ’ እናበላ ብዋጋ ክብረተን ዝዋስኣ ኮማሮ፡ ጓሎም ወዶም ተዋሳእቲ እዮም። እምበር፡ በዚ ሎሚ፡ ንኢሳይያስ ብክፋእ-ግብሩ ዘይሓምዮ የልቦን። ካብዞም ኣብኡ ተኣጕሮም ዝነበሩ ዓዲ በጺሑ መረረ ህዝቢ ዘይሰምዐን ንርእሱ ዘየማረረን ‘ሞ መን’ዩ? ኣብዚ እዋናት’ዚ፡ ኩሎም እቶም ንድግፈካ ዝብሉዎ መቃጠርቲ ጸሓፍቱ ብናይ ብርዒ ስም ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ምኽንያት ከ እንታይ ዲዩ? ዝጽሕፉዎን ዝገብሩዎን ንስለ ምንዝርና እምበር ኣሚኖምሉ ስለዘይገብሩዎ፡ ርእሰ ምትእምማን ስለዘይብሎም፡ ኣንጻር ፍትሒ ምህላዎም ተገንዚቦም ካብ ህዝቢ ክሕብኡ ደልዮም ዶ ኣይኮኑን። እዚ ሓቂ እዚ ኸኣ ንኢሳይያስ ‘ውን ኣይጠፍኦን እዩ። ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝወዓሉ ብልቦም ዘፍቅሩዎ እንተነይሮም ቁንጣሮ እዮም።

እቲ ዝያዳ ኮማሮ ንምባሎም ዘድፍር፡ ኮማሮ ምባል ኳ ቀሊሉዎም ዘብል ግን፡ ልክዕ ከምተን ኣብ ቅድሚ ደቀን ክብረተን ዝሸጣ፡ ህይወት ኣሕዋቶምን ደቆምን ዝበልዐ ኣረሜን ምዃኑ እናፈለጡ፡ ረሲዖሞ እንተኾይኖም ‘ውን፡ ተረፍ ኣሕዋቶምን ደቆምን፡ ኣብ ፊቶም ተገቲሮም ብድምጽን ታቤላን እናዘኻኸሩዎም፡ ኣብ ቅድሚኦም ክብረቶም ክሸጡ ምድፋሮም እዩ።

ብቐሊሉ ክንጅምሮ፡ እቲ ኣብ ኒውዮርክ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ገዛ ጥራይ ዘይኮነ ሃገር ገርገር ዝበለ ከክልተ ገዛ ኣብ ከበሳን ኣብ ገምገም ባሕርን ከስርሓሉ እየ እናበለ ዘላግጽ ዝነበረ ኢሳይያስ፡ ካብ ኣስመራ ክብገስ ከሎ ነታ ጀኔኔተር ሴዳው ኣጥፊኡዋ (off) ገይሩዋ ስለዝመጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸልሚቱዎ ከምዝቐነየ፡ ንሱ ካብ ኒውዮርክ ተመሊሱ ክውልዓ (on) ክብላ ትጽበ ከምዘላ ዘይፈልጡ ኣይኮኑን። እቲ ንዓኣቶም ኣብቲ ዕጹው ኣዳራሽ ዝተዛረቦን ዝተወዳደሱዎን፡ ስለምንታይ ህዝቢ ክሳብ ሕጂ ከይሰመዖ ሓደ ሰሙን ከምዝገበረ ኸ ኣይሓቱን ዲዮም? ኤለትሪክ ዝውልዕን ዘጥፍእን ንሱ፡ ቡምባ ማይ ዝኸፍትን ዝዓጹን ንሱ፡ ቴለቪዥን ሰንሱር ዝገብርን ዝዝርግሕን ንሱ እንተኾይኑ፡ ነቲ ኻልእ ዓበይቲ ጉዳያት ኣሕሊፉ ከምዘይህብ፡ ነቲ ስልጣን ብዘይኩነትራት ዝደልየሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ዘይስቆሮም እንተኾይኖም መቸም ብጥዕናኦም የለዉን፡ ካብ ኢሳይያስ ንላዕሊ ገዲዱዎም ኣሎ ጥራይ ኢና ክንብል ንኽእል።

ናይቶም ትማሊ ኢሳይያስ ኣብ ገዛእ መሬቶም ቅሳነት ከሊኡዎም በርጊጎም ምስተሰዱ፡ ኣብ ሲናይ ኮላሊቶም ተመዝሒቑ ዝጠፍኡ ኣማኢት ኤርትራውያን፡ ኣብ ማያት ሊብያ ብሓደ እዋን ኣብ ባሕሪ ዝሃለቑ 400  መንእሰያት፡ ኣብቲ ብውርደት ዝተጻሕፈ ታሪኽ ኤርትራ እናሃለዉ፡ ሽዑ ንሳቶም ኣብ ኒውዮርክ ንኢሳይያስ እናታቕዑሉ፡ ብሰንኪ ኢሳይያስ ካብ ኤርትራ ነፊጾም፡ ኣብ ሸገራብ (ሱዳን) ተዓቝቦም ዝነበሩ ነብሰ ጾር ዘላተን 94 ደቂኣንስትዮ፡  10 ቆልዑ ዝርከብዎም፡ 365 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብቶኽሲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ሱዳን ኣትዮም ናብ ገሃነበ-ኢሳይያስ ከይምለሱ ከብዶም ሓቝፎም ይሳቐዩ፡ ዓለማዊ ረዲኤት ይሓቱ ኣለዉ። ንሳቶም እቶም ደቂ ሰብዓን ደቂ ዒስራን ብማዕረ ኣብቲ ውሽጢ ኣዳራሽ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምንዝርና ተጸሚዶም ንኢሳይያስ ክውድሱዎን ‘ንፈትወካ ንመተልካ’ እናበሉ ከም ባሪስታ እናእኽመስመሱሉ ከለዉ፡ እታ ኣቦኣን ኣዲኣን ብህሉዋቶም ብሰንኪ ኢሳይያስ ዘኽቲማ ዘላ ጓል 14 ዓመት መኣዛ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ መልክዕ ናይቲ ብኢሳይያስ ን10 ዓመት ተኣሲሩ ዘሎ ኣቦኣ ከምዘይትዝክሮ፡ ንሕይርቲ ኣዲኣ ኣስቴር ዮሃንስ፡ ረኺባ፡ ‘ማሚ ናፊቐኪ፡ እፈትወኪ እየ’ ክትብላ ከም እትደሊ ዘስተንፈሰቶ በሊሕ ቃላት ልቢ ርህሩሃት ይወግእ፡ ዓይኒ ለዋሃት የንብዕ ነይሩ።

እቶም መትከልን ቅንዕናን ዝጠንጠኑ፡ ወጽዓን መከራን ህዝቦም ዕሽሽ ኢሎም ምስ ኢሳይያስ ናይ ሓሶት ፍቕሪ ዝመረጹ፡ ናይ ቦንድን ሓለፋን በለጽን ግዙኣት፡ ናይ ወገንነትን ድሕረትን ግዳያት፡ ኣብ ቅድሚ ‘ቶም ውርደቶም ዘዘኻኽሩዎም ዝነበሩ ውሑዳትን ርቡሓትን ሰልፈኛታት፡ ብዙሓትን ጥምዙሓትን ኮይኖም፡ ብሕፍረት ደው ምባል ስኢኖም እናተዓንቀፉ ናብቲ ኣዳራሽ ዝጠነኑ ኸኣ ሞራላዊ ልምስና ዘሰነፎም ድኹማት ፍጥረት ብምዃኖም እዩ።

እዞም ልቦም ብዘይ ዋጋ ኣባኺኖም ዝተረፈ ነብሶም ክሸጡ ናብ ኒውዮርክ ንዕዳጋ ዝወረዱ መሳሰይቲ ውልቀምልኪ፡ ብሓቂ መትከላዊ ትሕዝቶ ከምዘይብሎም ደጊሙ ዘረጋግጽ፡ ሓደ ድምጺ ተቓውሞ ካብ ዘስምዑ ዝነበሩ ሕቡናት መንሰያት ወዲ ስዉእ ተጋዳላይ ቶማስ ሰለሙን ዝጠቐሶ ኣብነት እዩ። ንሱ፡ ንሓደ ኣብቲ ውዳሰ ኢሳይያስ ዝተሳተፈ መተዓብይቱ፡ እዝን እዝን ኣይትሓትትን ዲኻ ኢሉ ብዛዕባ ቁምነገር ናይቲ ኣኼባ ምስ ተወከሶ፡ ‘እቲ ኣዳራሽ ሰብ ምምልኡ ጥራይ እዩ ዘገድሰኒ’ ክብል ከምዝመለሰሉ ጠቒሱ። ከም ድሌት ናይቲ መሂተኖ፡ ስለ ኢሳይያስ እቲ ናይ ማንሃታን ኣዳራሽ ብሰለስተ ሽሕ ዘማች መሊኡስ ሓደ ሽሕ ኳ ሰፈር ስኢኖም ኣብ ደገ ዓዲ ውዒል ኮይኖም ከም ለማኖ ተጸጢሖም ውዒሎም እዮም። ኤርትራ ግን ብሰሪ ኢሳይያስ ብኣርባዕተ ሽሕ መንእሰይ ንወርሒ ትጎድል ኣላ።

ስለዚ፡ እዞም ምእካብ ከም ዘማች ናይ ዝተኣጎሩ ሰባት ሓይሊ ዝፈጥረሎም ኢሳይያስን መጣቓዕቱን፡ ምጕዳል ህዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ዘይኮነ ምምላእ ኣዳራሽ ንሓደ መዓልቲ እዩ ዘገድሶም። እዚ ናይ ኣሃዛት ባህጊ ‘ዚ ካብቲ ናይቲ ብሃም ሰዓቢ ንላዕሊ ንድሌት ኢሳይያስ ኢዩ ዝያዳ ዝገልጽ። ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበር፡ መግዛእቱ ፍጊዕ ኢሉዎ ዘሎ ህዝቢ ብናይ ቴለቭዝን ስእሊ ደገፍቲ ዘለዉዎ መሲሉ ተስፋ ከቝርጾን ከታልሎን ኢሉ እዩ ነዚ ዑደት’ዚ ፈጺሙዎ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ’ዩ፡ ነቶም ኣገዲዱ ዘምጽኦም ተረፍ ኣዳራሽ፡ ስእሎም ጥራይ ወሲዱ ዝሰጎጎም። ባዕሉ ኣብቲ ኣዳራሽ ‘ውን ከምዝበሎም፡ ካብቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ንላዕሊ ኣኼባ ናይቶም ብሃማት እዩ ኣገዲሱዎ። ኢሳይያስን ሰዓብቱን ግን፡ ካብቲ ኣዳራሽ ናብ ደገ ምስ ወጹ፡ ቀሲኖም ኳ ኣብ እንዳ ፒሳ ክምገቡ፡ ኣብ እንዳባር ክዛነዩ ኣይከኣሉን። ብመንእሰያት ተሸዲዶም፡ ከም ረጋቢት ኣብ ሆቴላቶም እዮም ተዓጽዮም ቀንዮም። ቀደም ክጋብዙዎም ዝቀዳደሙሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ክጸርፉዎም እዮም ተቓዳዲሞም። ድሕሪ ደጊም፡ ዘማችን ኮማሮን ከምዘየድሕኑዎም ከኣ ምስናይ ውርደቱ ጽቡቕ ጌይሮም ተገንዚቦሞ ኣለዉ። ነቲ ናይ ኣዳራሽ ስእሊ ደጊሞም ከይረኣዩዎ ከለዉ፡ ውርደቶም ብኢንተርነት ኣብ ዓዲ ኹሉ በጺሑ ስለዘሎ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዳራሽ ስእሎም፡ ሕብሩ ተጋኒኑ፡ ቁጽሩ ተባዚሑ፡ ዓሰርተ ግዜ ተጸባቢቑ እንተወጸ ሰብ ኣይከታልልን እዩ።  እንተ’ቶም ቀባሮ ኸኣ፡ እቲ ባዕሉ ገና ክቅጽል እዩ ዝበሎ ወፍሪ ሓርነት ከረኻኽበሎም ስለዝኾነ፡ ንምወዳእታ ግዜ ምስ ኢሳያስ ተፋንዮም ሕሳቦም ዓጽዮም ኣለዉ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም፡ ኣብ ዓድን ወጻእን ናይ ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ወፍሪ ሓርነት ጥራይ እዩ። ምእንቲ ‘ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘቕስን ሃገር ዘድሕን ቅዱስ ዕላማ ኸኣ፡ መሸንቦባ ሓርነት በዚ ተጀሚሩዎ ዘሎ ናህሪ ክቕጽል ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
ኣማኑኤል ኢያሱ
29 መስከረም 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
172 COMMENTS
  • bisha October 8, 2011

    ata wedi golometa gazetejna ye tibel zeleka bishim Eritrea enda gheberka ayitelaghets .Eritrea ko adi jeghanu ia .kemakan kem merahika meles kab kilite teweledti merghetsikum tefikum zelo afkumn idkumn akubulna. Eritrea antum agametat kindi za taff aytimilketekumn ya.Wela azeraribakum akayidakum mis nahna zemasil yebilkumn. Weqaeti simber timeslu netsela teatikum Eritrawian kitiblu kurub aitihafrun bealeghetat ateababiya zibedelekum deki sebeyti iye zblekum.

  • filimon tsegay October 26, 2011

    ATI KABEYE EKI MESIKENA GUALTA HIMAKE ERITREAWIT SIMERET DEYOME ZEBLUKI AYSMERELKI DEA GUALZA BETANALA YEHWATKI EYEN ABE SINA z EMESA zelwa yehwatki 40,000 dolare kifelu tebhilome yeketketu aleu neski kea tetakelome alki nezi deme jeganu setyu mesgabe senu zelo iseyase gelata gembi hager entay bete sebki keykune gin aytetaleli iseyase wela ne bata sebu kemzereher felti . jana hamli eti hangolki chika deyu meliu zewlo eske kurube ankasaksyo

  • makada October 30, 2011

    I like the crate program I have intrest with crate there is no time for us to go to our country

1 7 8 9

Post a Reply to aman Cancel Reply