Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

23 ኤርትራውያን ኣብ ቤትማእሰርቲ ፖርት ሱዳን ሰንፈላል ኮይኖም ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብ 7 ሰነ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ ብሰሜናዊ ቀይሕባሕሪ ብሰዋኪን ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእንታዎም ናብ ፖሊስ ሱዳን ዘረከቡዎም 23 ኤርትራውያን ኣብ ቤትማእሰርቲ ፖርት ሱዳን ሰንፈላል ኮይኖም ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ግዳይ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት ፣

ብ 7 ሰነ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ ብሰሜናዊ ቀይሕባሕሪ ብሰዋኪን ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእንታዎም ናብ ፖሊስ ሱዳን ዘረከቡዎም 23 ኤርትራውያን ኣብ ቤትማእሰርቲ ፖርት ሱዳን ሰንፈላል ኮይኖም ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ግዳይ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት ፣ 3 ህጻናት ዝርከቡዎም 13 ደቀንስትዮን 10 ደቂ ተባዕትዮን እዮም።

እቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ገንዘቦም ምስ ተረከቡ ናብ ፖሊስ ሱዳን ብምስትላም፣ ከም ሓይለይቲ ነቶም ስደተኛታት፣ “ነቶም ፖሊስ ናይ ፖለቲካ ዑቑባት ኣይኮነን በሉዎም መታን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ከይትኸዱ፣ ገንዘብ እንተምጺእኩም ድማ ተዋሒስና ካብ ማእሰርቲ ብምውጻእ ናብ ሊብያ ከነስግረኩም ኢና” እናበሉ ተወሳኺ ገንዘብ ንምግሓጥን ኣብ ሓደጋ ንምእታዎምን የደናግሩዎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቶም ኣብ መደበር ፖሊስ ሰዋኪን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ቤትማእሰርቲ ፖርት ሱዳን ምስ ተሰጋገሩ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ማሕበረ ሰብ ኤርትራውያን ንኡድ ምትሕግጋዝ ኳ ክገብሩዎም እንተፈተኑ፣ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ምድንጋር ግን ጉዳዮም ሰንፈላል ኮይኑ ኣጎላጕል ተሪፎም ከምዘለዉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ግዳይ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳን ፖሊስ ሱዳንን ኮይኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ መወዳእታ ናይቶም ካብ ሱዳንን መንገዲ ሊብያን ተለቒሞም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዘለዉ ኤርትራውያን ዕድል ከጋጥሞም ከምዝኽእል ‘ውን እቶም ምንጭታት ይእምቱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Qantsha June 18, 2016

    Everyone is leaving – zfenfenet – Eritrea.
    “እቶም ግዳይ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት ፣ 3 ህጻናት ዝርከቡዎም 13 ደቀንስትዮን 10 ደቂ ተባዕትዮን እዮም።”

  • Qantsha June 18, 2016

    Everyone is leaving – ztenfenet – Eritrea.
    “እቶም ግዳይ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት ፣ 3 ህጻናት ዝርከቡዎም 13 ደቀንስትዮን 10 ደቂ ተባዕትዮን እዮም።”

  • Wedi Keren June 18, 2016

    Poor Christian highland Eritreans are leaving Eritrea in large numbers while large number of Muslim lowlanders are staying behind to take over Eritrea completely and then declare their evil sharia law and make Eritrea a backward and a savage Islamic Arab country like the north African countries.. This is all the game plan of Esayas the slave of Arabs and the evil Muslim Arabs.

POST A COMMENT