Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘይተገብረ ‘ምበር ዘይተዘርበ የለን!! ‘ናይ ማይክሮፎንን ተጋደልቲ’ ኴንና እምበር ተሪፍና! – ቃል ኣሰና

ዘይተገብረ ‘ምበር ዘይተዘርበ የለን!! ኣንቱም ሰባት! ናይ ማይክሮፎንን ተጋደልቲ ኴንና እምበር ተሪፍና። ኣብ 1990፣ ኣብቲ ደጀን ሓርነታዊ ቓልስና ዝነበረ ሳሕል፣ ባህሊ ውድብ ተደኵኑሉ ኣብ ዝነበረ ዓራግ ዝብሃል ቦታ ብሓደ ሱዳናዊ ምሁር ድራማ፣ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ፣ ካብ ባህሊ

ዘይተገብረ ‘ምበር ዘይተዘርበ የለን!!

ኣንቱም ሰባት! ናይ ማይክሮፎንን ተጋደልቲ ኴንና እምበር ተሪፍና።

ኣብ 1990፣ ኣብቲ ደጀን ሓርነታዊ ቓልስና ዝነበረ ሳሕል፣ ባህሊ ውድብ ተደኵኑሉ ኣብ ዝነበረ ዓራግ ዝብሃል ቦታ ብሓደ ሱዳናዊ ምሁር ድራማ፣ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ፣ ካብ ባህሊ ውድብን ጉጅለታት ባህሊ ክፍለሰራዊታትን ዝተዋጽኡ ደረስትን ተዋሳእትን ዝተሳተፉዎ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ኣብ ዝተሳተፍኩሉ እዋን፣ ኣብቲ ሑጻ ዓራግ፣ እቲ ሱዳናዊ መምህር ንኤርትራውያን ተጋደልቲ ምስ ፍልስጤማውያን ተጋደልቲ ኣወዳዲሩ ዝተዛረቦ ቓላት ይዝከረኒ።

ሽዑ ከተማ ምጽዋዕ ሓራ ኾይና ናይ መወዳእታ ቅላዕ ንምግባር ሎሚ ጽባሕ ዝበሃለሉ፣ ናጽነት ናጽነት ዝሽትተሉ ዝነበረ ርሱን እዋን እዩ። እቲ ሱዳናዊ፣ በቲ ናይ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ኣጋ ዓወት ዝበጽሐ ገስጋስ ተመሲጡ፣ በንጻሩ በቲ ንልዕሊ 50 ዓመት ፍረ ዘይተርኽቦ ቃልሲ ፍልስጤማውያን ጕህዩ፣ “ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ፍልልይ ኮ፣ ንሳቶም ናይ ማይክሮፎን ተጋደልቲ፣ ንስኻትኩም ከኣ ናይ ተግባር ተጋደልቲ ምዃንኩም እዩ” ክብል ብተመስጦ ተዛረበ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንዓና ተግባራውነት ንቡር ስለዝነበረ፣ ማዕረ’ቲ ንሱ ዝተገረሞ ኣይተሓበናን። ኣቤት ወ! ከመይ ደኣ! ኢልና በቲ ናእዳ ፈንጣሕጣሕ ዘይምባልና ንገዛእ ርእሱ መሊሱ ከየገረሞ ኣይተረፈን። ሕጂ ኤርትራውያን ንርእስና ንቡርና ኣጥፊእና፣ ካብቲ እዋን’ቲ ብዘይንእስ ተግባር ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ መድረኽ ካብ ፍልስጤማውያን ዝገደድና ናይ ማይክሮፎን ተጋደልቲ ምዃንና ግን የተሓሳስብ።

ሎሚ መንቀሊ ዘረባ ዝኾነና ዘሎ እምብኣር፣ ካብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ውልዕ ጥፍእ ዝብል ዘሎ ዕድመ ካልኣይ ዙርያ ኣኼባታት ምሁራትን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት ጻዕቁን ስፍሓቱን ተሳተፍቱን ብዘየገድስ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣኪቡ ዘይተዛረበ ክፋል ሕብረተስብና፣ ዘይተላዕለ ኣርእስቲ ዳርጋ የለን። መራሕቲ ተቓወምቲ፣ ፖለቲከኛታት፣ ምሁራት፣ ጋዜጠኛታት፣ መንእሰያት ተኣኪቦም ንዘረባ ዝገደፉሉ የብሎምን። ኣቐዲሙ ብምሕዝነትን ኪዳንን ዝተገብረ ከይጸብጸብካ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣረባዕተ ዓመታት ንሕና ዘርከብናሉ ጥራይ ‘ኳ፣ ዋዕላ፣ ኣኼባ ምሁራት፣ ጉባኤ፣ ኣኼባ መንእሰያት ተኻይዱ። ሕጂ ደኣ ግብራውነትን ውጽኢትን ናይቲ ቀዳማይ ዙርያ ዘተታት ከይተገምገመ ኣጀንዳ ምድጋም ስለምንታይ ኣድለየ? ትልሚ ተተሊሙ፣ ዘርኢ ተዘሪኡ፣ ጉስያ ተጎስዩ፣ ዓጺድን ዓውድን ክቦክር ከሎ፣ ስለምንታይ ፍረ ከምዘይተረኽበ ብነብሰ ነቐፊታዊ ዓይኒ ከይመርመርካ ተዓሚትካ ናብ ካልኣይ ዙርያ ትልምን ዘርእን ምጕያይ ትርጉም የብሉን። ዝዘራእካዮ እኽሊ እንተዘይፈርዩ፣ ሓዊ ኣንዲድካ ዱኽዒ ከምዝቕየር ብምግባር ግራትካ ኣስቢሕካ ንዓመትኡ ዝበለጸ ምህርቲ ክትረክብ ኢኻ እትዳሎ እምበር ነቲ ዝመኸነ ዘይፈሪ እኽሊ ካልኣይ ሻዕ ትዘርኦ እንተዄንካ በሃም ሓረስታይ ኴንካ ኢኻ እትተርፍ።

ኣኼባ ኣይጽላእን እዩ እንተኾነ እቲ ዘረባ ናብ ግብሪ ክቕየር ኣለዎ። ግዜ ቀዲሙካ፣ ተሪፍካ ክንስኻ “ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ…” እናበልካ ዓመት ኦኣመት ንዘዝሓለፈ ክትግምግም ምንባር ፋይዳ የብሉን።

በዚ መንጽር ክርአ ኸሎ፣ በዚ ኣብታ ከም መቃለሲት ተሪፋትና ‘ላ እንብላ ኢትዮጵያ ዘይሰለጡ ንዘረባና ናብ ስራሕ ክቕይሩ ዝነበሮም ክምለሹ ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ። ብሕጂ ዝግበር ኣኼባታት ከኣ፣ ዝረብረበ ኣጀንዳታት ምድጋም ገዲፉ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ብዕቱብነት ክምልሽ ኣለዎ።

1ይ – ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ተቓወምቲ፣ ነቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዘሎ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰይ ኤርትራ ጎስጕሶም ናብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክቕይሩዎ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

2ይ – ካብ ስደት፣ ካብ እስራኤል ይኹን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ተመሊስካ ናይ ምቅላስ ሽውሃት ዘለዎም ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኢትዮጵያ መርገጺ እግሪ ዘይረኸቡሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

3ይ – እቲ ክልተ ዓመት ዝቖጸረ ባይቶ እንታይ ጭቡጥ ፍረ ኣምጺኡ?

4ይ – ስለምንታይ እዩ እቲ ንናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ድርኺት ክፈጥረሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ዘይሰጎመ፣ በንጻሩ ኣብቲ ዝጸንሐ ቍርቍስ ተጸሚዱ?

ብዙሕ ከየግፋሕና፣ ነዞም ውሑዳት ሕቶታት ጥራይ ብዕቱብነት ምግምጋም፣ ብቐዳምነት ከም ኤርትራውያን ንለውጢ ዘይተዓጠቕናሉ ምኽንያት ነብስና ክንፍትሽ ክሕግዘና፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፣ ከም መበገሲ ቃልሲ ንለውጢ ካብ ኢትዮጵያ ዝነበረና ትጽቢት ዘይሰመረሉ ምኽንያት ጭቡጥ መልስታት ረኺብና፣ ካብ ጣሻ ዘረባ ወጺእና ናብ ግብራዊ ዕማም እንዋፈረሉ ኣንፈት ክንሕዝ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕደም ዘሎ ኣኼባታት ክሳተፉ ዝብገሱ ኤትራውያን እምብኣር፣ ኣብ ክንዲ ነቶም ድሮ ተዘትዩሎም ዝሓለፉ ኣርእስታት ደጊሞም ዘኳማስዑ፣ ነዞም ዝተጠቕሱ ሕቶታት ብዕምቆትን ብቕንዕናን ክምልሱዎም ኣለዎም። እዚ ብህጹጽነት ድሕነት ሃገር እናተማጻደቕካ ሽናዕ ምባል ከብቅዕ ኣለዎ። ዘረባ ቃልሲ ክኸውን፣ ለውጢ ተዛኒኻ ክብጻሕ ኣይክእልን እዩ።

ሰበስልጣንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሶም፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ሰላምን  ንምቅልጣፍ ኤርትራውያን ባዕላቶም ጉዳዮም ንኸስልጡ ብቕንዕና ሕውነታውን ኣድማዕን ምትሕግጋዝ ብምግባር፣ ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ሚዛናዊ ረብሓ ምጽባይን፣ በንጻሩ፣ ንሕግዝ ኣለና እናበልካ ኢድካ ኣጣሚርካ ምርዅማሽ ኤርትራ ተጸቢኻ ዝዓበየ ረብሓ ምእማትን ዘሎ ፍልልይ ብቐሊሉ ከንብቦ ከምዝኽእል ብምግንዛብ፣ ኣብዞም ክልቲኦም መስመራት ንዘሎ ድንግርግር ንምንጻር ዕቱብ መልስታት ከዳልዉ ኣለዎም። እቲ ካብ ፍሽለት ኤርትራ መኽሰብ ክትረክብ ምጽባይ፣ ናይ ሓቂ ረብሓ ክርከቦ ዘይክእል ግጉይ ግምት ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፣ ሕማቕ ትንቢት ብምዃኑ ፈጺሙ ክጽየን ኣለዎ። ጎረቤትካ ሓዊ ክነድድ ከሎ፣ ምሽልባብካ፣ ዕድለኛ እንተዄንካ ድማ ብትክን ቃሬትን ምዕጣንካ ዘይተርፍ እዩ። ነዚ ኣብ መንጎ ቅኑዕን ግጉይን ምርጫታት ዘሎ ፍልልይ ከኣ ኣፍን ግብርን ሰሚሮም ጥራይ እዮም ከነጽሩዎ ዝኽእሉ። ስለዚ እቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሕቶታት ንተቓወምቲ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ‘ውን ይምልከቱዎም እዮም።

ተቓወምቲ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከይዶም መንእሰያት ከንቅሑን ክውድቡን ዘይምክኣሎም ብሕጽረቶም ጥራይ ዝምኽነ ኣይኮነን፣ ናይ ቃልሲ ድሌት ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ኢትዮጵያ መርገጺ እግሪ ምስኣኖም ብዓቢኡ ምስ ሰናይ ድሌት ናይ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር እዩ። ስለዚ፣ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ጽባሕ ዘየድልዮ ንጹር መልስታት የድሊ ‘ሎ።

ብቐንዱ እቲ ካብ ናይ ማይክሮፎን ተጋደልቲ ምዃን ከናግፈና ዝኽእል ግን እቲ ኤርትራውያን ስምረትና ብምርግጋጽ ህዝባዊ ሓይልና ንምድልዳል እንገብሮ ምንቅስቓስ እዩ። እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ብውድባትን ማሕበራትን ናይ ምፍልላይ ዝንባለ ተሪፉ፣ ቀጽሪ ተቓወሞ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ንኹሉ ዝሓቍፍ ደምበ ንምግባሩ ኣብ ወጻኢ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን በብኸተምኡ ተጀሚሩ ዘሎ ካብ ህዝቢ ዝተበገሰ ኣወዳድባ ክዓብን ክሕይልን ምስ ዝኽእል ከኣ’ዩ፣ ናዕታ ዘለዎ ማዕበል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተላዒሉ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክምርሓና ዝኽእል።

ተቓወምቲ ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ንገዛእ ርእሶም ነግፈረግ ምባል ገዲፎምም ነዚ ዕማም ‘ዚ ብምሉእ ልቢ ከም መሓዙት ክጽንበሩዎ፣ ከም ሞቶር ከንቀሳቕሱዎ ይግባእ። እዚ ሓይሊ’ዚ ተበራቢሩ፣ ብዝተፈላለየ ጥበብ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን እንተተራኺቡ ከም ቀደም ኤርትራውያን ናይ ተግባር ተጋደልቲ ዘይንኾነሉ ምኽንያት ዋላ ሓደ የልቦን።

ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንሓርነት ሱዳን ኣፍደገ ቃልሲ ዝነበረት፣ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እንተኾይና፣ ዓወት ዘቀላጥፍ ኣውንታዊ ደገፍ እዩ። እዚ ተፈቲኑ ዛጊት ጭቡጥ ውጽኢት ካብ ዘየምጽአ ግን፣ እቲ ተመክሮ ብርትዓዊ መንገዲ ተገምጊሙ ካልእ ናብ ዓወት ክመርሕ ዝኽእል ኣማራጺ ውጥን ‘ውን ክቕየስ ኣለዎ። ንኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ናይ ሞትን ሕየትን ምርጫ ወሲድና፣ ብኡ ስለዘይሰለጠና ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግባእን። ኩላትና ከም ንፈልጦ፣ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፣ ሃገሮም ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ክትነብር ከምዘይትኽእል ብምእማን፣ ንኤርትራ ኣካሎም ክገብሩዋ ንልዕሊ 40 ዓመታት  ክትግምቶ ዘጸግም ህይወትን ጸጋታትን ኣባኺኖም እዮም። እንተኾነ፣ ኤርትራ ናጽነት ተጓንጺፋ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ተዓጽዎም፣ ሃገሮም ኣይሞተትን። ብዘይፍደገ ባሕሪ ምንባር ክኢሎሞ ጥራይ ዘይኮነ፣ እታ ብኵናትን ድኽነትን እትልለ ዝነበረ ኢትይጵያ ናይ ምዕባለ ኣንፈታት ‘ውን ከተርኢ ጀሚራ ‘ላ። ብተመሳሳሊ ንሕና ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድሕሪ ማዕጸውቲ ሱዳን ንደምበ ተቓውሞ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምምጻእ ንኢትዮጵያ ከም እንኮ ኣፍደገ ቃልሲ ብምርኣይ ኣእምሮና ምዕጻውና ይሃስየና ከምዘሎ ክንግምግሞ ይግባእ። ለውጢ ብቐንዱ ኣብ ውሽጣዊ ልባዊ ድርኺት ደቂ ሃገር፣ ኣብ ተውፋይነትን ቆራጽ ውሳኔን ኤርትራውያን ዜጋታት ዝምርኮስ ዕማም እዩ። ኩሉ እቲ ኻልእ ተወሳኺ እዩ። ስለዚ፣ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ናይ ለውጢ ድሌት ናብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምቕያር ብወጻኢ ሞራላዊ ደገፍ ጌርና ተስፍኡ ምብርባር፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር መርገጺ እግሪ ቃልሲ ኣብ ዝፍጠረሉ ግዜ ኸኣ ብኣካል ክንውፈ ቅሩብነት ምርኣይ፣ ከም ዝዓበየ ናይ ለውጢ ዕላማ ቀዳምነት ሂብና ብዕቱብ ኣቓልቦ ክንሰርሓሉ ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

3 መጋቢት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
67 COMMENTS
  • Tesfu Kbrom March 3, 2014

    ሓው ኣማኑኤል በቲ ትገብሮ ዘለኻ ዘይሕለል ቃልሲ ግቡእካውን እንተ ኾነ ክትምስገን ይግብኣካ። ብዛዕባዞ ተቓወምቲ ውድባት እንተ ኣልዒልካ ግን ክትደክም ኢካ ጥራይ እየ ዝብለካ። መራሕቲ ናይዘን ተቓወምቲ ውድባት ዝብል ስም ዝሓዛ ሰልፍታት ካብ ህግደፍ ፈሊካ ዝረኣያ ኣይኮናን እንተ በልኩ ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡
    1. መራሕተን ከም መራሕቲ ህግደፍ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣብ ስልጣን ኮፍ ዝበሉ ብባህግን ስስዐን ስልታን ዝተጠቕዑ እዮም።
    2. ንዝኾነ ካብ ኣባላቶም ዝቐርብ ነቐፌታ ወይ መኣረምታ ኣይቅበሉን።
    3. ንቡር ኣኼባታት ከካይዱ ድሌት የብሎምን።
    4. መሰል ኣባላቶም ይኹን መሰል ህዝቢ ዝሕልዉ ኣይኮኑን።
    5. ህዝባዊ ስልጣን (ማንደየት) ዘይተዋህቦም ክነሱ ቅዋም ከምዚ ክኸውን ኣለዎ፡ ጕዳይ መሬት ከምዚ ክንገብሮ ኢና፡ ጕዳይ ቋንቋ ድማ ከምዚ እናበሉ ነቲ ድሕሪ ምውዳቕ ህግደፍ ዝምስረት ባይቶ ዝምልከት ጕዳያት ሕጂ ወዳእቲ ኮይኖም ክቐርቡ ይደልዩ።
    6. ብመሰረቱ ንውልቃዊ ረብሓኦም’ምበር ንረብሓ ህዝቢ ስለ ዘይተበገሱ፡ እነሆ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ተቓወምቲ ኢና እናበሉ ክቃለሱ ንዝደልዩ ሰባት ዕድል ከሊኦም ኰለል ከብሉና ንዕዘቦም ኣለና። ከም ሳዕቤን ድማ ብዘይ ሓደ ፍረ ኣብ ዘረባ ጥራይ ተሓጺርና ተሪፍና።
    7. ንህግደፍ ንቃወም ኢና ይብሉ ግን ንዅሉቲ ህግደፍ ዝገብሮ ክደግሙዎ ይረኣዩ። ንጡፍ ቃልሲ ኣብ ክንዲ ምክያድ ድማ ኣብ ርእሲ ከተማታት ኢትዮጵያ ይኹን ሃገራት ኤውሮፓ ላህመም ክብሉ ንርእዮም ኣለና።
    8. ልክዕ ከም ህግደፍ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ስለ ዘይኣምኑ ገና ንህዝቢ ብብሄርን ሃይማኖትን ኣውራጃን ክኸፋፍሉዎ ይረኣዩ ኣለዉ።
    ስለዚ፡ ኣይትድከም ሓው ኣማኒኤል እዚኣቶም ኣይሰምዑኻ’ንዮም። በንጻሩ ነቒፉና ኢሎም ኣንጻርካ ዘመተ ከካይዱ እዮም። ካብኡ በለ ኣጆኻ! ትገብሮ ዘለኻ ቃልሲ መዘና የብሉን ንዅሉ ብደገ ዝመጽእ ተጻብኦታት ድማ ትርጕም ኣይትሃቦ።

    • Nuredin March 3, 2014

      ሓው ተስፉ
      ዘቅረብካዮም ነጠብታተ ካብ በዙሕ በውሕዱ ገሊጸካዮም ኢኻ።
      ለውጢ ክመጽእ አነተኾይኑ እዞም አብ መሪሕነት ተቃወምቲ ውድባት ዘለዉ ኩሎም ተሓጺቦም (ናይ ፖሎቲካ አመለኻኽታኦም ንግዝይኡ ብዘየገድስ)በካልኦት አብ ሓድነት ናይ ተቃወምቲ ብዝአምኑ ክትክኡ አለዎም። እንተዘይኮየኑ ውጮ እነተገልበጥካዮ ውጮ እዩ። ክንደይ ዘይተተስፎና ግና ማይ ዓሚኽና ተሪፍና።
      ጭርሖና ሓድነት ክኸውን አለዎ ተፈላሊኻ ዝመጽእ ዓወት ሰለዘየለ።

  • Zufana March 3, 2014

    Kuburn Futuwn Haw Aman, you are truly “fetaw hageru & fetaw hezbu” indeed. Eritrea is lucky to have such a noble citizen
    like you, i personally thank you for your brave contributions. “The true test in life doesn’t occur when all is going well. The true test takes place when we are faced with challenges”. The true test of our life is now, the current struggle of our choice. If we get hit by setbacks, let’s be strong and resilient. Don’t expect fewer bumps and quick success for there is no shortcut for the battle we are waging. It is all about finding what works, how to bounce, and be flexible enough to meet the challenges. Once again, wishing you all the best, peace be upon you & God bless you with Wedi Vacarro dearest brother Aman.

  • Jim March 3, 2014

    No wonder why Eritreans who fled their country during the 1980s (many of whom are qualified professionals and academicians up to any international standard)have not returned after the so-called liberation of 1991-93. And no wonder why the youth,the old,the healthy the sick and even the blind and the lame as well as the child,the weak and the able-bodied are fleeing Eritrea in their thousands every month as from th date of Liberation!
    There must be something that is abnormal, perhaps in the psyche or the history of this country, that was once a proud provice of Ethiopia, albeit terrible years of war during the cold war era.
    This is a typical real world example of the theory of the prisoners’ dilema in political science. You are telling us that Eritrea have to be engaged in endless conflicts forever by changing bases from Sudan to Ethiopia and vice versa. This is madness. Please try to think otherwise and consider the lives of the ordinary peoples of Ertitrea, Ethiopia, the Sudan and other neighbouring countries in the area. In all honesty, I fail to understand the whole dilema.

  • haki March 3, 2014

    Amanueal, now we are in a position to at least define our faults .

  • McKefa March 3, 2014

    Welsaid Ama ….eti biethio tetahizu zelo medeb teqawemti Akibka zibaliulun zibtenulun ember teternifom siriat kemzeydeliu bgltsi kizarebu jemirom alew..kisab MewedEta hzbi Eritrea kibetaten emo shiU eti zedeliywo kigebru eu..Kulom nay Menieseyat minqizaqasat Bret hzom keyqalesu ethiopeA bwegiE negirom yom..kalie etom ab meAskerat zelew Badly Mengisti Ethio Mekayin tsienu MeteMa afaniu ysedom alo..kalie hji ab measure zelew enieseyat kab higdef bzikefiE atehahza hziwom tebahilu emo Antsertsirom kab Ethio kiwetsu mienti nab qalsi keytsinberu yigber alo..plz geez font gerkum gdusat eza hsabey tsihafwa and sle zeybley..

  • feruz haile March 3, 2014

    ሃው ኣማኒኤ ለውጢ ለውጢ እንተበልካ ዋጋ የብሉ መጀመርታ ካብ ባእልካ ጀምር ኪድ ተቃለስ ኣብ ወጻኢ ኮንካ ምዝራብ ዋጋ የብሉን
    ከይሕን ጸሊምን እንዳበላእካ ሕጂከ ደቒመን ኪሱዉእልካ ደሊካ ቡዙሕ ቲዛረብ!!!!!!!!!!!!!!!

    • Nuredin March 3, 2014

      ፈሩዝ
      አማኑአል ዝገብሮ ዘሎ ቃለሲ ከቢድ ቃለሲ እዩ ካብዚ ዝዓቢ ቃልሲ የለን። ንሙኻኑ እንታይ ዓይነት ቃልሲ ክገብር ኢኺ ደሊኽዮ? አብ አስመራ ከይዱ ከጽሕፍ?
      አማኑአል እንሕበነሉ ጅግና ሃገርና እዩ።

      • Asghedom Woldeghiorghis March 4, 2014

        I agree with you, he want him killed by thecregime in asmara

  • McKefa March 3, 2014

    Welsaid Ama .Bejakum hizi ziblo zeleku haqi u…eti biethio tetahizu zelo medeb teqawemti Akibka zibaliulun zibtenulun ember teternifom siriat kialiu ethio kemzeydeliu bgltsi kizarebu jemirom alew..kisab MewedEta hzbi Eritrea kibetaten emo shiU eti zedeliywo kigebru malet Eritrea nab Ethio ki.iles bhgawi zhazwo medeb sle eu Kalie Amaratsi kea Baelom zizwriwo siriat an eritra kitkel.. sle ziferahna bgltsi kinzareb ember Kulom nay Menieseyat minqizaqasat Bret hzom keyqalesu ethiopeA bwegiE negirom yom..kalie etom ab meAskerat zelew Baelu Mengisti Ethio Mekayin tsienu MeteMa afaniu ysedom alo..kalie hji ab measker zelew enieseyat kab higdef bzikefiE atehahza hziwom tebahilu etom enda ARA Tehabiriwom zeskahkih siqiat enafetsemu emo Antsertsirom kab Ethio kiwetsu mienti nab qalsi keytsinberu yigber alo..plz geez font gerkum gdusat eza hsabey tsihafwa and sle zeybley..

    • robiel March 3, 2014

      Suk bel agame. Men flet iluka

      • hariray March 3, 2014

        ዓባቕስ ከይቅድምዎ ዓባቕ ኢሉ ይጻረፍ እዩ ዓባቕ ዋሒድ

      • Nuredin March 3, 2014

        ሮበል
        ብሰላኻኻን ብክማኻን ዝአምሰሉ ናይ ብደዐን ትምክሕትን አዘራርባ ምኽንያት እቶም ዓጋመ ትበሎም ዘለኻ ብትምሀርትን ምዕባለን ብተዓጻጻፊ በሊጾሙና ንቅድሚት ይግስግሱ አለዉ ይዋእ ንዓና ወግሐ ጸብሐ ከምሽንቲ ግመል ነድሕሪት ንኸይድ ዘለና።

        • Zufana March 3, 2014

          Nuredin
          Well said brother.

      • Asghedom Woldeghiorghis March 4, 2014

        Robel= Denkoro, kedami

  • gebre March 3, 2014

    ብቐንዱ እቲ ካብ ናይ ማይክሮፎን ተጋደልቲ ምዃን ከናግፈና ዝኽእል ግን እቲ ኤርትራውያን ስምረትና ብምርግጋጽ ህዝባዊ ሓይልና ንምድልዳል እንገብሮ ምንቅስቓስ እዩ። እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ብውድባትን ማሕበራትን ናይ ምፍልላይ ዝንባለ ተሪፉ፣ ቀጽሪ ተቓወሞ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ንኹሉ ዝሓቍፍ ደምበ ንምግባሩ ኣብ ወጻኢ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን በብኸተምኡ ተጀሚሩ ዘሎ ካብ ህዝቢ ዝተበገሰ ኣወዳድባ ክዓብን ክሕይልን ምስ ዝኽእል ከኣ’ዩ፣ ናዕታ ዘለዎ ማዕበል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተላዒሉ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክምርሓና ዝኽእል።

  • haile March 3, 2014

    can any one tell me where can i get geez unicode software or where i can download with out getting a virus to my pc. thank you for your information .from london

  • Selamawi March 3, 2014

    I couldn’t agree more Ato Aamanuel.

    All Eritreans groups should be challenged by their constituents to UNITE and Organize under one structure. No if no but! For me UNITY IS THE ONLY TANGIBLE EVIDENCE OF REAL NATIONALISM. The country is in emergency situation.

    The Ethiopian authorities have been implicated in slowing or hampering the armed movements particularly in Tigray. This is sad and very short sighted. One hopes and prays that the Ethiopian authorities play a positive role in providing conducive environment for the CHANGE-SEEKING committed groups and individuals.

    However, the first step is that we need one representative and agreeable structure. That is called UNITY of real nationalists. This is a condition without which we will not be able to bring about any fruition. The best glimmer of hope so far is the ‘Wedi Vaccaro Wedi Tikabo through Assenna movement.’

    God bless all Eritreans

1 2 3 4

POST A COMMENT