Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘይተገብረ ‘ምበር ዘይተዘርበ የለን!! ‘ናይ ማይክሮፎንን ተጋደልቲ’ ኴንና እምበር ተሪፍና! – ቃል ኣሰና

ዘይተገብረ ‘ምበር ዘይተዘርበ የለን!! ኣንቱም ሰባት! ናይ ማይክሮፎንን ተጋደልቲ ኴንና እምበር ተሪፍና። ኣብ 1990፣ ኣብቲ ደጀን ሓርነታዊ ቓልስና ዝነበረ ሳሕል፣ ባህሊ ውድብ ተደኵኑሉ ኣብ ዝነበረ ዓራግ ዝብሃል ቦታ ብሓደ ሱዳናዊ ምሁር ድራማ፣ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ፣ ካብ ባህሊ

ዘይተገብረ ‘ምበር ዘይተዘርበ የለን!!

ኣንቱም ሰባት! ናይ ማይክሮፎንን ተጋደልቲ ኴንና እምበር ተሪፍና።

ኣብ 1990፣ ኣብቲ ደጀን ሓርነታዊ ቓልስና ዝነበረ ሳሕል፣ ባህሊ ውድብ ተደኵኑሉ ኣብ ዝነበረ ዓራግ ዝብሃል ቦታ ብሓደ ሱዳናዊ ምሁር ድራማ፣ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ፣ ካብ ባህሊ ውድብን ጉጅለታት ባህሊ ክፍለሰራዊታትን ዝተዋጽኡ ደረስትን ተዋሳእትን ዝተሳተፉዎ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ኣብ ዝተሳተፍኩሉ እዋን፣ ኣብቲ ሑጻ ዓራግ፣ እቲ ሱዳናዊ መምህር ንኤርትራውያን ተጋደልቲ ምስ ፍልስጤማውያን ተጋደልቲ ኣወዳዲሩ ዝተዛረቦ ቓላት ይዝከረኒ።

ሽዑ ከተማ ምጽዋዕ ሓራ ኾይና ናይ መወዳእታ ቅላዕ ንምግባር ሎሚ ጽባሕ ዝበሃለሉ፣ ናጽነት ናጽነት ዝሽትተሉ ዝነበረ ርሱን እዋን እዩ። እቲ ሱዳናዊ፣ በቲ ናይ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ኣጋ ዓወት ዝበጽሐ ገስጋስ ተመሲጡ፣ በንጻሩ በቲ ንልዕሊ 50 ዓመት ፍረ ዘይተርኽቦ ቃልሲ ፍልስጤማውያን ጕህዩ፣ “ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ፍልልይ ኮ፣ ንሳቶም ናይ ማይክሮፎን ተጋደልቲ፣ ንስኻትኩም ከኣ ናይ ተግባር ተጋደልቲ ምዃንኩም እዩ” ክብል ብተመስጦ ተዛረበ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንዓና ተግባራውነት ንቡር ስለዝነበረ፣ ማዕረ’ቲ ንሱ ዝተገረሞ ኣይተሓበናን። ኣቤት ወ! ከመይ ደኣ! ኢልና በቲ ናእዳ ፈንጣሕጣሕ ዘይምባልና ንገዛእ ርእሱ መሊሱ ከየገረሞ ኣይተረፈን። ሕጂ ኤርትራውያን ንርእስና ንቡርና ኣጥፊእና፣ ካብቲ እዋን’ቲ ብዘይንእስ ተግባር ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ መድረኽ ካብ ፍልስጤማውያን ዝገደድና ናይ ማይክሮፎን ተጋደልቲ ምዃንና ግን የተሓሳስብ።

ሎሚ መንቀሊ ዘረባ ዝኾነና ዘሎ እምብኣር፣ ካብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ውልዕ ጥፍእ ዝብል ዘሎ ዕድመ ካልኣይ ዙርያ ኣኼባታት ምሁራትን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት ጻዕቁን ስፍሓቱን ተሳተፍቱን ብዘየገድስ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣኪቡ ዘይተዛረበ ክፋል ሕብረተስብና፣ ዘይተላዕለ ኣርእስቲ ዳርጋ የለን። መራሕቲ ተቓወምቲ፣ ፖለቲከኛታት፣ ምሁራት፣ ጋዜጠኛታት፣ መንእሰያት ተኣኪቦም ንዘረባ ዝገደፉሉ የብሎምን። ኣቐዲሙ ብምሕዝነትን ኪዳንን ዝተገብረ ከይጸብጸብካ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣረባዕተ ዓመታት ንሕና ዘርከብናሉ ጥራይ ‘ኳ፣ ዋዕላ፣ ኣኼባ ምሁራት፣ ጉባኤ፣ ኣኼባ መንእሰያት ተኻይዱ። ሕጂ ደኣ ግብራውነትን ውጽኢትን ናይቲ ቀዳማይ ዙርያ ዘተታት ከይተገምገመ ኣጀንዳ ምድጋም ስለምንታይ ኣድለየ? ትልሚ ተተሊሙ፣ ዘርኢ ተዘሪኡ፣ ጉስያ ተጎስዩ፣ ዓጺድን ዓውድን ክቦክር ከሎ፣ ስለምንታይ ፍረ ከምዘይተረኽበ ብነብሰ ነቐፊታዊ ዓይኒ ከይመርመርካ ተዓሚትካ ናብ ካልኣይ ዙርያ ትልምን ዘርእን ምጕያይ ትርጉም የብሉን። ዝዘራእካዮ እኽሊ እንተዘይፈርዩ፣ ሓዊ ኣንዲድካ ዱኽዒ ከምዝቕየር ብምግባር ግራትካ ኣስቢሕካ ንዓመትኡ ዝበለጸ ምህርቲ ክትረክብ ኢኻ እትዳሎ እምበር ነቲ ዝመኸነ ዘይፈሪ እኽሊ ካልኣይ ሻዕ ትዘርኦ እንተዄንካ በሃም ሓረስታይ ኴንካ ኢኻ እትተርፍ።

ኣኼባ ኣይጽላእን እዩ እንተኾነ እቲ ዘረባ ናብ ግብሪ ክቕየር ኣለዎ። ግዜ ቀዲሙካ፣ ተሪፍካ ክንስኻ “ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ…” እናበልካ ዓመት ኦኣመት ንዘዝሓለፈ ክትግምግም ምንባር ፋይዳ የብሉን።

በዚ መንጽር ክርአ ኸሎ፣ በዚ ኣብታ ከም መቃለሲት ተሪፋትና ‘ላ እንብላ ኢትዮጵያ ዘይሰለጡ ንዘረባና ናብ ስራሕ ክቕይሩ ዝነበሮም ክምለሹ ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ። ብሕጂ ዝግበር ኣኼባታት ከኣ፣ ዝረብረበ ኣጀንዳታት ምድጋም ገዲፉ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ብዕቱብነት ክምልሽ ኣለዎ።

1ይ – ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ተቓወምቲ፣ ነቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዘሎ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰይ ኤርትራ ጎስጕሶም ናብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክቕይሩዎ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

2ይ – ካብ ስደት፣ ካብ እስራኤል ይኹን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ተመሊስካ ናይ ምቅላስ ሽውሃት ዘለዎም ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኢትዮጵያ መርገጺ እግሪ ዘይረኸቡሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

3ይ – እቲ ክልተ ዓመት ዝቖጸረ ባይቶ እንታይ ጭቡጥ ፍረ ኣምጺኡ?

4ይ – ስለምንታይ እዩ እቲ ንናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ድርኺት ክፈጥረሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ዘይሰጎመ፣ በንጻሩ ኣብቲ ዝጸንሐ ቍርቍስ ተጸሚዱ?

ብዙሕ ከየግፋሕና፣ ነዞም ውሑዳት ሕቶታት ጥራይ ብዕቱብነት ምግምጋም፣ ብቐዳምነት ከም ኤርትራውያን ንለውጢ ዘይተዓጠቕናሉ ምኽንያት ነብስና ክንፍትሽ ክሕግዘና፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፣ ከም መበገሲ ቃልሲ ንለውጢ ካብ ኢትዮጵያ ዝነበረና ትጽቢት ዘይሰመረሉ ምኽንያት ጭቡጥ መልስታት ረኺብና፣ ካብ ጣሻ ዘረባ ወጺእና ናብ ግብራዊ ዕማም እንዋፈረሉ ኣንፈት ክንሕዝ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕደም ዘሎ ኣኼባታት ክሳተፉ ዝብገሱ ኤትራውያን እምብኣር፣ ኣብ ክንዲ ነቶም ድሮ ተዘትዩሎም ዝሓለፉ ኣርእስታት ደጊሞም ዘኳማስዑ፣ ነዞም ዝተጠቕሱ ሕቶታት ብዕምቆትን ብቕንዕናን ክምልሱዎም ኣለዎም። እዚ ብህጹጽነት ድሕነት ሃገር እናተማጻደቕካ ሽናዕ ምባል ከብቅዕ ኣለዎ። ዘረባ ቃልሲ ክኸውን፣ ለውጢ ተዛኒኻ ክብጻሕ ኣይክእልን እዩ።

ሰበስልጣንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሶም፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ሰላምን  ንምቅልጣፍ ኤርትራውያን ባዕላቶም ጉዳዮም ንኸስልጡ ብቕንዕና ሕውነታውን ኣድማዕን ምትሕግጋዝ ብምግባር፣ ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ሚዛናዊ ረብሓ ምጽባይን፣ በንጻሩ፣ ንሕግዝ ኣለና እናበልካ ኢድካ ኣጣሚርካ ምርዅማሽ ኤርትራ ተጸቢኻ ዝዓበየ ረብሓ ምእማትን ዘሎ ፍልልይ ብቐሊሉ ከንብቦ ከምዝኽእል ብምግንዛብ፣ ኣብዞም ክልቲኦም መስመራት ንዘሎ ድንግርግር ንምንጻር ዕቱብ መልስታት ከዳልዉ ኣለዎም። እቲ ካብ ፍሽለት ኤርትራ መኽሰብ ክትረክብ ምጽባይ፣ ናይ ሓቂ ረብሓ ክርከቦ ዘይክእል ግጉይ ግምት ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፣ ሕማቕ ትንቢት ብምዃኑ ፈጺሙ ክጽየን ኣለዎ። ጎረቤትካ ሓዊ ክነድድ ከሎ፣ ምሽልባብካ፣ ዕድለኛ እንተዄንካ ድማ ብትክን ቃሬትን ምዕጣንካ ዘይተርፍ እዩ። ነዚ ኣብ መንጎ ቅኑዕን ግጉይን ምርጫታት ዘሎ ፍልልይ ከኣ ኣፍን ግብርን ሰሚሮም ጥራይ እዮም ከነጽሩዎ ዝኽእሉ። ስለዚ እቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሕቶታት ንተቓወምቲ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ‘ውን ይምልከቱዎም እዮም።

ተቓወምቲ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከይዶም መንእሰያት ከንቅሑን ክውድቡን ዘይምክኣሎም ብሕጽረቶም ጥራይ ዝምኽነ ኣይኮነን፣ ናይ ቃልሲ ድሌት ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ኢትዮጵያ መርገጺ እግሪ ምስኣኖም ብዓቢኡ ምስ ሰናይ ድሌት ናይ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር እዩ። ስለዚ፣ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ጽባሕ ዘየድልዮ ንጹር መልስታት የድሊ ‘ሎ።

ብቐንዱ እቲ ካብ ናይ ማይክሮፎን ተጋደልቲ ምዃን ከናግፈና ዝኽእል ግን እቲ ኤርትራውያን ስምረትና ብምርግጋጽ ህዝባዊ ሓይልና ንምድልዳል እንገብሮ ምንቅስቓስ እዩ። እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ብውድባትን ማሕበራትን ናይ ምፍልላይ ዝንባለ ተሪፉ፣ ቀጽሪ ተቓወሞ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ንኹሉ ዝሓቍፍ ደምበ ንምግባሩ ኣብ ወጻኢ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን በብኸተምኡ ተጀሚሩ ዘሎ ካብ ህዝቢ ዝተበገሰ ኣወዳድባ ክዓብን ክሕይልን ምስ ዝኽእል ከኣ’ዩ፣ ናዕታ ዘለዎ ማዕበል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተላዒሉ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክምርሓና ዝኽእል።

ተቓወምቲ ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ንገዛእ ርእሶም ነግፈረግ ምባል ገዲፎምም ነዚ ዕማም ‘ዚ ብምሉእ ልቢ ከም መሓዙት ክጽንበሩዎ፣ ከም ሞቶር ከንቀሳቕሱዎ ይግባእ። እዚ ሓይሊ’ዚ ተበራቢሩ፣ ብዝተፈላለየ ጥበብ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን እንተተራኺቡ ከም ቀደም ኤርትራውያን ናይ ተግባር ተጋደልቲ ዘይንኾነሉ ምኽንያት ዋላ ሓደ የልቦን።

ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንሓርነት ሱዳን ኣፍደገ ቃልሲ ዝነበረት፣ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እንተኾይና፣ ዓወት ዘቀላጥፍ ኣውንታዊ ደገፍ እዩ። እዚ ተፈቲኑ ዛጊት ጭቡጥ ውጽኢት ካብ ዘየምጽአ ግን፣ እቲ ተመክሮ ብርትዓዊ መንገዲ ተገምጊሙ ካልእ ናብ ዓወት ክመርሕ ዝኽእል ኣማራጺ ውጥን ‘ውን ክቕየስ ኣለዎ። ንኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ናይ ሞትን ሕየትን ምርጫ ወሲድና፣ ብኡ ስለዘይሰለጠና ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግባእን። ኩላትና ከም ንፈልጦ፣ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፣ ሃገሮም ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ክትነብር ከምዘይትኽእል ብምእማን፣ ንኤርትራ ኣካሎም ክገብሩዋ ንልዕሊ 40 ዓመታት  ክትግምቶ ዘጸግም ህይወትን ጸጋታትን ኣባኺኖም እዮም። እንተኾነ፣ ኤርትራ ናጽነት ተጓንጺፋ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ተዓጽዎም፣ ሃገሮም ኣይሞተትን። ብዘይፍደገ ባሕሪ ምንባር ክኢሎሞ ጥራይ ዘይኮነ፣ እታ ብኵናትን ድኽነትን እትልለ ዝነበረ ኢትይጵያ ናይ ምዕባለ ኣንፈታት ‘ውን ከተርኢ ጀሚራ ‘ላ። ብተመሳሳሊ ንሕና ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድሕሪ ማዕጸውቲ ሱዳን ንደምበ ተቓውሞ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምምጻእ ንኢትዮጵያ ከም እንኮ ኣፍደገ ቃልሲ ብምርኣይ ኣእምሮና ምዕጻውና ይሃስየና ከምዘሎ ክንግምግሞ ይግባእ። ለውጢ ብቐንዱ ኣብ ውሽጣዊ ልባዊ ድርኺት ደቂ ሃገር፣ ኣብ ተውፋይነትን ቆራጽ ውሳኔን ኤርትራውያን ዜጋታት ዝምርኮስ ዕማም እዩ። ኩሉ እቲ ኻልእ ተወሳኺ እዩ። ስለዚ፣ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ናይ ለውጢ ድሌት ናብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምቕያር ብወጻኢ ሞራላዊ ደገፍ ጌርና ተስፍኡ ምብርባር፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር መርገጺ እግሪ ቃልሲ ኣብ ዝፍጠረሉ ግዜ ኸኣ ብኣካል ክንውፈ ቅሩብነት ምርኣይ፣ ከም ዝዓበየ ናይ ለውጢ ዕላማ ቀዳምነት ሂብና ብዕቱብ ኣቓልቦ ክንሰርሓሉ ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

3 መጋቢት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
67 COMMENTS
  • abyssinia March 3, 2014

    ዝገርም ነገር እኮ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ መቃለሲ ባይታ ሂባትኩም። ዋዕላታትኩም ክትገብሩ መሳለጥያ ን ቦታን ሂባትኩም። ህግደፍ ሓደ ጊዜ መድረኽ፡ ዳግማይ ቦለኛ፡ተሓድሶ(reform): ሰለማዊ ዘተ ንስልጣን ምስግጋር፡ ዝኸሓነ ቅርሕንቲ ኣባላት ጀብሃ ነበር፡፡ ህርፋን ስልጣን ዉልቀ ሰባትን፡ ሓደ ስጉምቲ ፍሒት ከብለኩም ኣይከኣለን። ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ኣሰናን ኣዝማሪኖን ኣትዮም ሓበረታ ሰሪቖም ቖራሪጾም ብሓሶት ለዋዊሶም ኣብ መስከረም ክጥቅዎ ንርኢ ኣሎና። ስለዚ መጀመርያ ዉሻተኹም ኣጽርዩ፡ ወደሓንኩም።

  • ahmed saleh March 3, 2014

    Lebam seb kab haqi zeybulu zereba tebeghisu
    bihabar shim kebelashu newri iyu .
    If you want to attack somebody try to be specific
    instead offending the whole ofcourse unless there is not sinister agenda on your side.

    • ahmed saleh March 4, 2014

      Sorry , my objection is directed to Abysinnia comments not to the article in discussion .

  • Zereba Seb March 3, 2014

    Amanuel assenna, entay dea kindizi glbT glbT? ethiopia eten n satellite radio promise zgeberulka abyomka eyom mesleni. tsihufka zeygeTemnayo diu mesiluka? genzeb ms semaEka nab medrek kedka. genzeb ms abeyoka kea msiom tebaeska. eji kea Ethiopia genzeb ms abeyuka enehelka n teqawemtin ethiopian tzilf. flip flopper koynka terifka.

    • fithawi March 4, 2014

      Zreba seb,
      SHIMKA ZEREBA SEB, ZEREBAKKA ZEREBA WEKKARIA.. Seb abti rease-neger wey areasti eyu zizate… Kabey zibokkolkum Hulkussat eya eza hager akiba zela? Kabti weriduna zelo tsegem. Zigezefe natkum nayzom Hulkussat risahat mitsray nay metsaeet Eritrea zikkebede shigira kemzikkewun eyu zirayeka.
      Shuyut Hilina…

      • Daniel Tewelde March 4, 2014

        Kab meas eya dea wekaria kitizareb jemira

        • Zufana March 4, 2014

          Daniel Tewelde
          Good one. Ab enda jungle polotica wekaria’wun twerazey’eya.

  • FitHawi March 3, 2014

    Amanuel,
    kemey daHan eto, libi kulu kelbi zelewo zitinkif Hasab eyu.
    Great job. May God bless you. Keep it up!

    • belay nega March 5, 2014

      fithawi,

      “kemey daHan eto, libi kulu kelbi zelewo zitinkif Hasab eyu.”

      If you can be happy that easy, do not worry,because Eritrea is full of those who make sign to the left, and turn to the right,or vice versa.

  • ahmed saleh March 4, 2014

    Sorry , my objection is directed to Abysinnia comments not to the article in discussion .

    • Zufana March 4, 2014

      ahmed saleh
      Do you have to object to everyone having their say/view!!

  • selam March 4, 2014

    girm gerka eti haki dahdihkayo aloka amaniel nay Ethiopia diliyet ykun nay tekawemti sinfina.

  • kalsi nfthi March 4, 2014

    Nlebam amtelu nasha kae derguhelu tanks amanual 100kab100 zdgef hasab :

  • fkadugebreab March 4, 2014

    ኣማኒኤል ኢያሱ ኣጆካ ኣብ ጎድንኻ ኣሎና እቲ ሓቂ ንሱ እዩ በዘይ ሽፍንፍን ቀጽሎ

  • hmibasha March 4, 2014

    ናይ ማይክሮፎን ተቓልስቲ ክይንና ኣሎና ኢዚ ድኻም ኢዚ ግን ድኻምና ኢዩ ስለዚ ኢትዮጵያ ኣይንውቀስ

    • Zufana March 4, 2014

      hmibasha

      Very well said brother/sister. Nay bhaki hmibasha shukor.

  • honest March 4, 2014

    great article

POST A COMMENT