Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዘይትረኽቦ ዘይብላ”

ሎሚ ቅነ ስልጣን ብኣቃራጺ መገዲ ኣስመራ ዝኣተወት መሲሉዎ ዝተሓጎሱ ምናልባት ናይ ቀደም ናይ ሱሳታትን ሰብዓታትን ተጋደልቲ ክህልው ይኽእል ይኸውን። ቁሩብ ዝን ኢሎም ምስ ዝሓሰቡ ግና እቶም ብሰማንያታትን ተሰዓታትን ዝተወልዱ ደቆምን ደቂ ደቆም ግን ፈጺሙ ከምዘይ

ሎሚ ቅነ ስልጣን ብኣቃራጺ መገዲ ኣስመራ ዝኣተወት መሲሉዎ ዝተሓጎሱ ምናልባት ናይ ቀደም ናይ ሱሳታትን ሰብዓታትን ተጋደልቲ ክህልው ይኽእል ይኸውን። ቁሩብ ዝን ኢሎም ምስ ዝሓሰቡ ግና እቶም ብሰማንያታትን ተሰዓታትን ዝተወልዱ ደቆምን ደቂ ደቆም ግን ፈጺሙ ከምዘይ ስዕቡዎም ምስ ፈለጡ እንታይ ተሰሚዕዎም ይኾውን። ናበይ ኢዩ እቲ ጉያ ጉያ ኢሎም ንነብሶም ሓቲቶም ዶ ይኸውን? ናብ ስልጣን ዶ ከም ቀደምና? ወይ ናብ ፍትሓዊ ዝሰፈና ሃገር ክንገብራ ኢና ንህወኽ ዘለና ኢሎም ምስ ዝሓቱ፣ እቲ ቅኑዕ መልሲ ስለ ዘሸግሮም ናብ ሃጠው ቀጠው ዘረባን ሓዲስ ምዕባለ ሚህዝና ኢሎም ንጸውዓዮ ናብ ዝብል ዘይብላዕ ዘይስተ ሓሳባት  ንከቆማጥዑ ይመርጽ። ምኽንያቱም እቲ ካብ ሃገሩ ብሰንኪ ዘሎ ስርዓት ነፊጹ ብቐረባ እዋን ናብ ስደት ዘምርሐ መንእሰይ እታ ሓጻር መገዲ ባዕሉ ይፈልጣ’ዩ።

ህዝቢ ናብ ሃገሩ ክምለስ እንተኾይኑ ከአ በታ ዝወጽኣላ መገዲ ሱዳን ትኹን፣ መገዲ ኢትዮጵያ ዝሓጸረት ምኻና ኣዳዕዲዑ ይፍልጣ ስለዝኾነ፣ ንዓ ድአ ንጠር ካብ ናይሮቢ እንተበልካዮ፣ ብንጹር ኣወዳድቑ ከም ዘይጽብቕ ይርድኦ ኢዩ። መዕለብእዩ ከአ እቲ ሃህ ኢሉ ዝጽበዮ ዘሎ ኣፍ ሓርገጽ ህግደፍ ምኻኑ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ጥራይ ከይኮነስ፣ ካብኡ ሃዲሙ ዝወጽአ መንእሰይ ብዝኾነ ዓይነት ኣረጊት መጠበርታ ሽጣራ ንኡስ ህግደፍ ክዕሸ ኢልካ ምጽባይ ንነፍስኻ ምፍካስ ጥራይ ኢዩ።

እንተኾነ ሐደ ናይ ለዘበን ፖለቲካ ንባዕልና ክንሕስቦ ከለና ዝድንጽወና አሎ። ንኻልኦት ብቐሊሉ ተስፋ ብምሃብ ክቕበሉዎን ክስዕቡናን ንጽበ። ወላ እቲ መንእሰይ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይ ሃገሩ ምኻኑ ገይርና ኣይንሕሰቦን። ስለምንታይ እንተበልና ከአ ኩሉ ኣተሓሳስባና በቲ ናይ ሱሳታትን ሰብዓታትን ተበኪሉ፣ ናይ ገድሊ ተመኩሮን ዝተኸፍሎ ዋጋን እንዳ ዘከርና፣ ንዓና ጥራይ ኢዩ ጉዳይ ናይዛ ሃገር ዝምልከተና ዝብል ጽኑዕ እምነትም ኣሕዲራና ስለ ዘሎ’ዩ። ነቲ ናይ ካልኦት ዜጋ መሰል ዓይቢ ምስ ንእሽቶ ማዕረ ምኻኑ ኣብ ግምት ከይእተና ስለንድምስሶ፣ ኩሉ ጊዜና ኣብ ኣንነት ክነባኽኖ መሪጽና ነቲ ቀንዲ ዕላማ ብናትና ድሌት ጥራይ ክንመርሖ ንውስን። ንኻልእት ከይንሰምዕ ጸሚምና። ሓቢርና ከይንሰርሕ ብትዕቢት ተወጢርና ምህላውና ስለንዝግዕ፣ እቲ ኣረጊትን ድኹሙን ምስ ጊዜ ዘይቅየር ናይ ገድሊ ኣተሓሳስባ ክንክልስ ዕድሜና ወዲናስ ናይ መንእሰያት ዕድመ ንቃጸጽ ከምዘለና ኣይርድኣናን ኢዩ። እቲ ሳዕቤኑ ከአ ንቕድሚት ከይኮነ ንጋዓዝ ዘለና ንድሕሪት ምኻኑን፣ ግብራዊነቱ እንዳረኣና ክንክሕዶ ዝመረጽና ሃገራውያን ኢና።

እቲ ካብ ናይሮቢ ክነጥር’ሞ ኣብ ኣስመራ ብሰላም ክዓልብ ትጽበይዎ መንእሰይ እንተሎ? እንታይ ኢዩ እቱይ ውሕስና ትህብዎ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ መድረኽ በቲ ንእሽቶይ ርኽክብ አለና ኣብ ውሽጢ ዝብሎም ጸጥታ ሓለውቲ ህግደፍ እንተኾይኖም? ከነጽርዎ አለዎም። ወይ ከአ ሓለፍቲ ላዕለዎት መራሕቲ ወተሃደራዊ ክፍለ ሰራዊት እንተኾይኖም? ሕጂ’ውን ብዕሊ ከነጽርዎ አለዎ እምበር፤ ርኽክብ አለና ምባል ባዕሉ እኹል ኣይኮነን። ርኽክብ ድልድል መድረኽ ከአ ከምዚ ንሪኦ ዘለና ነተን ኣብ ናይሮቢ ዝተኣከባ ውድባት ንባዕሉ ዝጻወር ኣይመስለንን።

ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ዝነበርና፣ ካብ መጀመሪያ ካብቲ እተመስረተሉ እዋን ጀሚሩ፣ እዚይ ርኽክብ ኣብ ውሽጢ አለናን፣ ካልእ ዝበሃል ዝነበረ ጽውጽዋይ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። ወዮ ሰልፊ ደሞክራሲ ካብ ዝምስረት ሽም ክቐያይርን ላዕሎዎት ኣባላት መርሒነት ከም ሕማቕ ሰብ ሓዳር ክፋትሑን ክዕረቁን ካብ 13 ዓመት ንላዕሊ ከም ዘቑጸሩ ንሳቶም’ውን ኣይዝንግዕዎን ኢዮም። ምስቲ ስርዓት ግን ናይ ሰላማዊ ዘተ ኣይተጸንቀቀን፣ ገና ብዘረባ ከነበርክኾ ንኽእል ኢና ዘብል የዋህነት ወይ ከአ ናይ ጊዜ መምጠጢ ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመሉ የስምዕ። መጀመርያ ዝኾነ ዘተ ክትገብር እቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ተቓዋሚ ምኻንካ ብዕሊ ክፈልጠልካን ክዛረብ ድልው ምኻኑ ክቅበሎ አለዎ። ኣብ መዛተዪ ዘይብልካ ጣውላ ግን፡ ዝጅመር ኮነ ዝጽንቀቕ ናይ ዘተ መደብ ክትሕንጽጽ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣሳኣላጢ ድልድል ክትኸውን እንተደሊኻ ከአ ብኽልቲኡ ወገን ክዘራረቡ ድልዋት ዝኾኑ ዓሚላት ክትሕዝ ናይ ግድን ኢዩ። ናይ ኩላህና ሕቶ ሕጂ መድረኽ ክምልሶ ዘለዎ እዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ቀዳማይ ሕቶ፤ ኣብዚ እዋን ህግደፍ ከም ተቓወምቲ ዝፈልጠንን ዝተቐበለንን ውድባት ወይ ሰልፊ አለዋ ድየን?

ካልኣይ ሕቶ፣ ነዘን ውድባት ወይ ሰልፊ ተቐቢሊወን፣ ምስአን ዝርርብ ንምግባር ድልው ኮይኑ ዝሓበሮ መግለጺ ክሳብ ሎሚ ስለዘየለ፣ ህግደፍ ዕላዊ መግላጺ ንህዝቢ ከቕርብ ሓልፊነት አልዎ። ስለዚ ንሰላምዊ ዝርርብ ዝኣምነሉ ባይታታት ኣዳልዩ ቅድመ ኩነታት ዘይብሉ ሃገራዊ ጻዊዒት ክእውጅ ይኽእል’ዶ?

ሳልሳይ ሕቶ፣ ሓፋሽ ህዝቢ ዘይሳትፍ ናይ ውድባት ምትእኽኻብ ናይ ህዝብን ሃገርን ሽግር ክፈትሕ  ኢልኩም ከም መድረኽ መጠን ትእምኑ’ዶ?

ኣባላት መሳለጥቲ ድልድል መድረኽ፤ ነቶም ሓደስቲ መሳርሕትና ዝብልዎም ናይ ቀደም ዓባይ ጀብሃ ኣባላት ከአ፣ ንባዕሎም ጥራይ ከይኮነ ናይ ውድቦም ፍንጫል ዝኾና ብዙሓት ዝጫጭሕዎን ሰልፍታት ክንደይ ሳዕ ብሽም ሓዲስ ውድብ ዘጠመቑ ምኻኖም ብሓቂ ዝዘንግዕዎ ኣይመስለንን። እንታይ ደአ ነቲ ሓቂ ኩንነት ንጎኒ ገዲፍካ፣ ነቲ ዓቕለ ጽበታዊ ዘበገሶ ምሕዝነት ክፈጥሩን ክብትኑን ጊዚኦም ከምዘባኸኑ ንባዕላቶም እንተዘይተሰቆሮም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ግን ዝተሓብአ ምስጢር ኣይኮነን። ሎሚ ከአ ሓዊ ምስ ማይ ክዛመድ ይኽል’ዩ ዝብል ሓዲሽ መርሆ እምነት እንተሒድሮም ጽቡቕ ንብል እምበር ኣበይ ከይንበጽሕ።

እንተኾነ ሐደ ንሐደ ከጥፍእ ዓመታት ዝተሳወረ ቅርሕንታ ብቀሊሉ ብቃላት ዝዕወትን፣ ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ንኹሉ መፍትሒ’ዩ ዝብሉ ካብ ኮነ የስልጠሎም። እነሀ ፈረስ፣ እነሀ ጎልጎል ከም ዝብልዎ፣ ተዓዘብቲ ካብ ምኻን ንገብሮ የለን። ብሰንኪ እዚይ ዘይቃደው ምሕዝነት ግን ሽግር ህዝብና ክናዋሕ ኣይንደልን።

ሕጂ ከአ ኩለን ኣብቲ ዋዕላ ናይሮቢ ዝተሳተፋ ውድባት ብተመኩሮ ከም ንፈልጠን ሐደ መገዲ ሒዘን ዘይከዳ ምኻነን ሕሉፍ ሓቂ ኢዩ። ለዘበን ግን ኩሉ ሓይልናን ጉዑዘናን ናብ ድልድል መድረኽ ኢና ንምርሽ ኢለን ሚሒለን እንተኾይነን እግዛብሄር ዋናአን እምበር፣ መብዛሕትና ከምንፈልጠን ተዋሳእቲ ፍልልይ እምበር ጥርናፈ ኮይነን ኣይመስለንን። ናይ ቀደም ብዝነበረ ብጊዜ ገድሊ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘለኹ ኣንበብቲ ክትፈልጡለይ ዝደሊ። ብዛዕባ ገድሊ’ውን ብቐጥታ ዝፈልጦ የብለይን። እቲ ዝፈልጦ ዓይቢ ሽግረን ግን ናይ ትማሊ ሓጺር ህይወተን ድሕሪ ናጽነት ክንምርምሮ እንከለና ምባለይ ኣይትዘንግዑ። ስለ ምንታይ ከምዝኾነ ኣይርድኣንን እንተበልኩ ኣይተጋገኹን። ከምንፈልጦ ድሕሪ ናጽነት መብዛሕቲኤን ደቂሰን፣ ቁሩባት ከአ ኣብ ውስን ምንቅስቃስን ኣባልተንን ተሓጺረንን ተደሪተንን ዝነበራ እምበር ካልእ ምስ ህዝቢ ዝነበረን ርኽክብ ድኹም ወይ ኣይነብረን እንተበላና ታሪኽ ምስክር ኢዩ።

ሎሚ ግና ድሕሪ እቲ ካልኣይ ውግእ ኣመንጎ ኢትዮጵያን ኤረትራን ብ1998 ምውላዕ ተቐልቂለን ናብ ህዝቢ ቀሪበን ብግልጺ ክዛተያ ተራእየን። ኣብዘን ውሽጢ 17 ዓመታት ከአ፣ ብሓጺሩ ብዙሕ ምትእኽካብን ምብትታንን ዝተኻፈልኦ ጉዕዞ ፖለቲካአን ዘይከሓድ  ሓቂ ኢዩ። ሓንቲ ጎቦ ክትሓኩር ትደሊ ካላይቲ ሕሉምን ሰናጭሮን መገዲ ጉዕዞ ትመርጽ፣ እተን ንደቡብ፣ ንሰሜን፣ ንምብራቕ ከምእውን ንምዕራብ ገጸን ጥራይ ኣተኩረን ክጋዓዛ ዝመረጻ፣ ምስተን ብብሄር፣ ብሃይማኖት፣ ካብ ኤርትራ ንምንጻል ዝቃለሳ ዝነበራ ሰልፍታት ሓቢረን ክሰርሓ ዘይፈተና ኣይኮነን። ሎሚ ደአ ማይ ናይሮቢ ጸበል ኮይኑ ፈዊሱወን ከይከውን ኢለ ንነፍሰይ ክጠራጠር ጀመርኩ። እቶም ኣዳለውቲን ተሳተፍትን ኢቲ ዋዕላ ጥራይ እቲ መልሲ ስለ ዝፈልጥዎ፣ እቲ ሓቂ ክሕብሩና ንጽበ። ንኹልና ዘገድሰና ግን ሰላምን ራህዋን ህዝብና ኣብ ቲሕቲ ሓንቲ ሃገር ደሞክራሳዊ መንግስቲ ምቓም ስለዝኾነ፣ ነዚ ዕላማ ዘይጻረር ክኸውን አለዎ።

በቲ ኮይኑ በቲ ኩሎም ናብታ ድልድል መድረኽ ብሓበራ እንተቕንዖም ውን ኣይምተጸልአን ነይሩ። እዚ ባዕሉ ሐደ ናይ ፖለቲካ ምዕባለ ምኾነ ንህዝብና። ምኽንያቱም ኣመንጎ ደለይቲ ጽገና ብመድረኽ ዝተወሃሀደን፣ ካልኦት ደለይቲ ሱር ነቀል ስርዓት ህግደፍ ክንጸር ዘኽእል መገዲ ንህዝብና ከለሊ ዕድል ምኽፋቶም ከም ዓወት ይተሓሰበሎም። ከም እቲ ናይ ቀደም ኣሰራርሕኦም ናይ ጸላኢኻ ጸላኢ ጊዛዊ መሓዛይን ዓርከይ መሳርሕተይ ዝብል ናይ ድኹም ኣተሓስስባ መትከል ዘይብሉ ምጥርናፍ ግን ሳዕቤኑ ከቢድ ኢዩ። ካብ ህዝቢ ደገፍ ዝርከቦ ሽጣራ ናይ ገድሊ እንተኾይኑ፣ ህዝቢ ካብዚ ድኹም ኣሰራርሓ ነቒሑስ ወሰኑ ሒዙ አሎ። ግዳስ ነቶም ገና ኣብ ሃይማኖትን ኣውራጃዊ ስምዒት ዝግዝኡ ድሑራት ምናልባት ንግዚኡ ከደናግር ይኽእል እምበር፣ ከምቲ “ንዓይ ነጭዋስ ኣብ ሎቖታ” ዝበለቶ ምስላ አሎ።

ሕጂ እቲ ቀንዲ ዕዮ ዝጽበየና ዘሎ ንጹሩን ዘየወላውልን ናይ ህዝቢ ቃልሲ ንምክያድ ባይታ ተፈጢሪ ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሓርነትን ተላዒሉ ክሰምር ግደ ናቱ ተሪፉ አሎ። እቲ ስርዓት ብስሩ ክጎሓፍ አለዎ ዝብል ባይታ ናይ ድሌት ህዝቢ ዘማልእ ባእታ ክለዓል አለዎ። እዞም ምስ ህግደፍ ስልጣን ክማቐሉ ዝጋየዩ ባእታት ንምስዓር ካልእ ተወሳኺ ቃልሲ ምኻኑ ከይዘንጋዕና ንሕብረትን ድሌትን ህዝብና ንቑም።

“ዘይትረኽቦ ዘይብላ”

 

ከደት በሉ ከደት

ራህዋ ከይመጽአት ከይተረኽበት

ፍትሒ ከይተጣዕመት ከይመቀረት

ሕጊ ከይመጸጸት ከይከሓነት

ሓርነት ከይተበልዐት ከይተጸግበት

ናጽነት ኤረትራ ሓረረት

ብሰላም ንህዝቢ ከይዕገበት

ከም ጥጥቖ ቑራዕ

ኩሉ እኽሊ ሓዋዊሳ

ከደት ናብ ባርነት ተደቑሳ

ቀልጢፋ ቀሃመት ነጻነት ተረጊጻ።

 

ከይወዓለት ከይሕደረት ቀሲና

ናብ እኩብ ባርነት ተደርዒማ

ቁሩባት ክሽቅጡ ብሽማ

ምስ ኮነ ብዘይ ቆጽሊ ሹመት

ሓረረት ቀልጢፋ ማዕርነት

ብድሌት ውልቀሰባት ማንነት

ፍትሒ ሃገር ከይማዕበለት

ንታሕቲ ከደት ኣንቆልቆለት

ብድሑራት ብስሱዓት እምነት

ኣመንትን ዘይአመንትን ምስበልዐት

ዝተጋደሉን ዘይተጋደሉን ከይበለት

ብውልቀ ሰብ ምስዓብቱ ተጨውየት

ናጽነት ኤርትራስ ከይመጸት ከደት።

 

ከደት በሉ ከደት

ገና ብዕሸላ ምስተወልደት

ከይዓበየት ከይደልደለት

ፍረ ጻምኣ ከይረኸበት

ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሕጹኖት

ስንኩላን ተጋደልቲ ምስረሸነት

ምክልኻል ምንስተር ኣጽቂጡ

ዓቃቢ ሕግም ኣፉ ረጊጡ

ብጾቶም ብጠያይት ክሽርጠጡ

መን ዶ ሓቲቱ ብስዓቱ?

መን ዶ ሓቲቱ ብስዓቱ።

 

ሎሚ እነሀ ህዝቢ ተበቲኑ ኩሉ

ፈቐዶ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ

ሃገር ተዓቢሳ ተጨውያ ብግሓላሉ

ነቲ ዘየለ ምዕባለ አሎ ዝብሉ

ፍትሒ መሰል ህዝቢ ጥሒሉ

ሕጊ ፍርዲ ሓርነት ተአሲሩ

መብጽዓ ስውኣት ተቐቢሩ

ድሌት ህዝብና ብውልድኡ ሓሪሩ።

 

ቀሃመት ናጽነት ኤርትራ

ዓርዑት መግዛእቲ ሰቢራ

ተንኮል ኣደላሕቕቲ ተጻዊራ

ብዓርዑት ባርነት ተቐይራ

ንውልቀ መላኺ ምሕደራ

እንታይ’ዶ ይኸውን በደላ

ህዝባ ዝገደደ ክርገጽ ብሓበራ

ስኣን ስኒት ሕብረት ቦኺራ

ውሑዳት ክዕንድሩ ብሻራ

ህዝቢ ኣፈላላይ ድሕርነት ዘይነበራ

ሳላ መግዛእቲ ህግደፍ ዕንደራ

ድሕርነት ወሪሱዋ መሽክነይቲ ኤረትራ።

 

ሳላ መግዛእቲ ህግደፍ ዕንደራ

መንእሰይ ተበተነ ናብ ሰሃራ

ንመሸጣ ኩሊት ተረፍ ካራ

ማእከላይ ባሕሪ’ውን ወሰደት ኣጥሒላ

ዝተረፈ ገደፍቶ ንሰንፈላል ናብራ

አደ ኤርትራዊት ዘይትረኽቦ ዘይብላ

ሓዘንን ጋሂ ጭንቂ ኮሚራ

ጨኒቑዋ አደ ብህይወታ ኣምሪራ

ዝገደደ መጺዋ ካብ መግዛእቲ ኣምሓራ

ብደቃ ብዝዕበየቶም ብዙሕ ተጻዊራ

ማሕጸና ዘፍረዮም ስሱዓት ተዓዲላ።

 

 

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብና

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና፤

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

 

“ሕልና 12/10/2015”

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Yemane December 12, 2015

    በብግዚኡ ዝተቐልቐል ተርእዮታት ከም ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ሃገራው፡ባይቶ፡ኣኬባ ደብረዘይቲን ምሁራትን ወዘተ ኣብ ግዚኦም ኣዛሪቦም ኢዮም፡ ሕጂዉን ኣብ ከንያ ይገበር ኣብ ካልእ ይገበር መዛረቢ ኮይኑ ዝተፈላለይ ትርጉም ይዋሃቦ ኣሎ። ናይ ኩላትና ድልየት ኣብሃገርና ነባሪ ፍታሕ ብሕጊን ስርዓትን ትምራኣሕ ቑዋማዊት ሃገርዩ ድልየትና፡፡ ኣዚ ዝካየድ ዘሎ ክሳብ ንሃገር ጎዳኢ ዘይኮነ አቲ ብአኼባ ዝሓልፍ ዉሳኔ፡ለበዋ፡ግብራዉነቱ ብምርአይ ክንድግፎን ክንቃዎማን ምተገበኣ ይምስለኒ። ወይ ኩሉ ዓቅሚ ዘለዎ ማሕበራርት ወይ ዉድባት ተመሳሳሊ ርክባት ብምኽያድ መፍትሕ ከናድያ ኣብቲ ዘራኽቦም ኣገደስቲ ኣርእስቲ ብሓባር ዝዛተይሉ መስርሕ ክፈጥሩ እንተዝኽእሉ ብካልእ ወገን ኣንታይ ከምዘጋጥሞም ምፈልጡ። ብዘረባን ብምንህሃር ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክሳብ ትደክም ምዝራብ ዝርከብ ፍታሕ የለን። ኣዚ ክቡር ግዜኻ ከፊልካ ዓቅምኻን ጉልበትካን ኣበርኪትካ ንጹር ራኢ ወኒንካ ከሰራሕካ ዝመጽእ ሰላም ፍትሒ የለን።

    • bereket December 12, 2015

      thank you yemane

  • Berhe Tenesea December 12, 2015

    Excellent piece of writing keep up the good work.

  • Dawit kflezghi December 12, 2015

    ኣንቱም ሰባት!!
    ይሓይሸ ተበልና ዝገደደ፡
    በኹሩ ሕሳስ”ልደ ኩሉ ኾይኑ ሓደ፡
    ትሓደ የስምር ትሓደ እንዳኹደደ፡
    ገንኢ!ከብድኻ ኣይባአስካ ከፊእዋ ነደ፡

    ኣንቱም ሰባት ወረ ስጋብ ማዓስ ኣብ ጸለመ፡
    ይአኽለና ድኽመት ዝቐደመ፡ ህዝብና ዘሕመመ፡
    ዕድመ ስልጣን ምልኪ ነዊሕ ዘሰጎመ፡

    በቲ ይኹን በቲ ኩሉ ወዮ፡የለን ኣጻውዮ፡
    እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ጎዮ፡ይንአሶ ይዕበዮ፡
    ብሰንኪ ዉህደትና ዓወትና ኑጎስዮ፡
    ጋሪድና ግዛዕ ኣሪሒቕና ንሪእዮ
    ምሕረት ካብ ፈጣሪ ልቢ ነጸጽዮ፡
    ማዓትና ክቖርር ካብቲ ዝቐነዮ፡

    ኣይኒ ተሃዋወኽ ኣይኒ ዛናጠል እንዶ፡
    ኢሂን ቢሂን መንገዲ ንኸዶ፡
    ምቅርራብ ካብ ሩሑቕ፡ብማዕዶ፡
    ምክብባር ሕልናዊ እንዶ፡
    ዕሽሽ ኣይንበሎ ናይ ለባማት ሙዑዶ፡

    እዚ!ወዳሓንኩም ወዳሓና፡
    ቅራና ቅራና፡ንጹቡቕ፡ይምራሓና፡
    ሲኑት ሓድነትና እቲ ቀንዲ ዋና፡
    ብልፍንቲ ጹሙዶ ዉራይና ባዕልና፡
    ኪኖ ሎሚ ጽባሕ ብርሃን ኣማዕዲና፡

    ብዳሓን ትረፉ ኣይንታሃዋወኽ!!
    ንኹሉ ግዜ ሎዎ ንሃቦ፡ንመድረኽ፡

    ንወሃሃድ ብውሽጢ ሕልና!!
    ፍረጻማ፡ዓስቢ ሱዋአትና”

    ዳዊት፡ክፍለዝጊ
    12/12/15

POST A COMMENT