Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘገምታዊ ዕንወት ሃገር

ነቲ ኣብ ሃገርና ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ኵነታት በብዓመቱ ምስ እንዕዘብ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣሰቃቒ ፍጻሜታት ከመይ ኢሉ ከም ዝተፈጥረ ክንግምግም ኢና ንፍትን። ሽዑ ንድሕሪት ንምለስ’ሞ እዚ ሕጂ ኢሰያስ ዝገብሮ ዘሎ ኢሰብኣውን ጸረ ሃገርን ዝኾነ ነገራት

ነቲ ኣብ ሃገርና ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ኵነታት በብዓመቱ ምስ እንዕዘብ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣሰቃቒ ፍጻሜታት ከመይ ኢሉ ከም ዝተፈጥረ ክንግምግም ኢና ንፍትን። ሽዑ ንድሕሪት ንምለስ’ሞ እዚ ሕጂ ኢሰያስ ዝገብሮ ዘሎ ኢሰብኣውን ጸረ ሃገርን ዝኾነ ነገራት ኣብ 1993 ወይ 1995 ክገብሮ እንተ ዝፍትን እንታይ ምተፈጥረ? ኢልና ንሓትት። ኢሰያስ ወላ’ኳ ናብ ሃዚልነት ዝጽጋዕ ትዕቢት እንተ’ለዎ፡ ክስዕቦ ዝኽእል ጸገም ስለ ዝፈልጥ ነዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና እከይ ተግባራት  ሽዑ ክገብሮ ፈጺሙ ኣይምፈተነን ነይሩ። ምኽንያቱ ይትረፍ ህዝቢ ዝኣክል ዝኾነ ፍጡር ወይ ውልቀሰብ ዘይለመዶን ዘይፈልጦን ነገር ብሃንደበት ከጋጥሞ ከሎ ክቝጣዕን ክግንፍልን፡ ከም ሳዕቤን ድማ ጐነጽ ክፍጽም ከም ዝኽእል ርዱእ ይመስለኒ። ስለዝኾነ፡ እዚ ጋሕታን ኢሰያስ ነቲ ክገብሮ ዝደሊ እከይ ነገራት ብሰላሕታን ብቐስታን ክገብሮ መሪጹ። ኣብ ክንዲ ሓደ ኢሉ ዕስራ ወይ ሰላሳ ዝብል፡ ሓደ ኢሉ ክልተ ወይ ሓሙሽተ እናበለ፡ ክበጽሖ ኣብ ዘይንሓስቦ ደረጃ በጺሑ። ነቲ ጕዳይ በብተራስኪ ንተዓዘቦ።

  • ኣብ 1993 ተጋደልቲ ደሞዝ ይገበረልና ኢሎም ኣድማ ኣብ ዝገበሩሉ ግዜ፡ ሕራይ ንመያየጥ ኢሉ ክሳብ ስታድዩም ኣስመራ ከምስል መኪና ደይብ እናበሉዎ ጋሕተን ጋሕተን እናበለ ብእግሩ ከይዱ። ኣብኡ ዝወዓሉ ከም ዝብሉዎ ድማ ሓቅኻ ዋርድያ ኣይትወጽእ፡ ቍሪ ኣይትህረም ጸገምና ከመይ ኢልካ ክትፈልጦ ምስ በሉዎ፡ “ኣነ ቍሪ ኣይተወቓዕኩን?” ክብል ብነድሪ መሊሱሎም። ብዝኾነ፡ ኣብ ሳልስቱ ምስሉይነት ኣመሉ ስለ ዝኾነ ኣብታ መደበር ሃሶት ዝኾነት ቲቢ ኤረ ቀሪቡ፡ “እዚ ብተጋደልቲ ዝተገብረ ኣድማ ንቡር ናይ ወላድን ውሉድን ተርእዮ እዩ። ኣነ ኣብ ቦታኦም እንተ ዝነበርውን ከምኡ ምገበርኩ፡” ኢሉ መዲሩ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ነቶም ኣብቲ ኣድማ ተሳቲፎም ዝበሎም ግድም ዝበሉ ተጋደልቲ ጥራይ ፈልዩ ሰብዓ ዝኣኽሉ ኣሲሩ። እቲ ጕዳይ ብሰላሕታ ስለ ዝተገብረ ዝበዝሕ ህዝቢ ክፈልጥ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዝፈለጠውን ማዕረ 15 ዓመት ከም ዝተፈርዱ ክፈልጥ ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ወላ’ኳ ከም ዝተኣስሩ እንተ ሰማዕኩ፡ ኣብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ማዕረ 15 ዓመት ከም ምስ ተኣሰርኩ ጥራይ’የ ፈሊጠ።
  • ኣብ 1996 ብብልሽውና ኣሳቢቡ ልዕሊ 100 ተጋደልትን ሲቪልን ብዘይ ፍርዲ ኣሲሩ። ህዝቢ ድማ ገለ እንተ ዘይገብሩ ኣይምኣሰሮምን ዝብል መርገጺ ብምውሳድ፡ ካልእ እንተ ተረፈ፡ “ስለምንታይ ኣብ ፍርዲ ዘይቀርቡ ዝብል ሕቶ ከቕርብ ኣይከኣለን። ይትረፍ ህዝቢ እቶም ንፍትሕን ንሱርበተኻዊ ለውጢ ተቓሊስና ዝብሉ ኣብ መራሕቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከይተረፉ ነቲ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ምእሳር ከም ኣርእስቲ ኣየልዓሉዎን ጥራይ ዘይኮነ ኣይዘከሩዎን’ውን።
  • ኣብ ሓምለ 1994 ኣካለ ስንኵላን ጸገማቶም ዝሰምዕ ኣካል ምስ ሰኣኑ ናብ ኣስመራ ምስ መረሹ፡ ብሪጋዴር ጀነራል ፍጹም (ወዲመምህር) ዝመርሖም ወተሃደራት ብተመልከተለይ ፍርቂ ደርዘን ዝኾኑ ስንኵላን ሞይቶምን ቈሲሎምን። ህዝቢ ይኹን መራሕቲ ብጭቝ ኣይበሉን። ምኽንያቱ ፍርቂ ደርዘን ተጋደልቲ ጥራይ እዮም ሞይቶም። እዚ ድማ ከም ቀሊል’ዩ ዝሕሰብ።
  • ኣብ መጀመርያ 1998 ዓመተ ምህረት ነቲ ምስ ክልል ትግራይ ዝነበረ ውጡር ናይ ዶብ ኵነታት መዝሚዙ፡ ንባይቶ ከይሓበረ ንብሪጋዴር ጀነራል ዓንደማርያም (ውጩ) ብከቢድ ኣጽዋር ዝተደገፈ መጥቃዕቲ ከካይድ ኣዚዙ ናብ ስዑድያ ገይሹ። ሕጂ’ውን ህዝቢ ይኹን ሚኒስተራት ወይ ኣባላት ባይቶ፡ ስለምንታይ ባይቶ ዘይተዛረበሉ ኢሎም ኣይሓተቱን። ኢሰያስ’ውን ብሃገራዊ ትምክሕቲ ሰኺሮም ከም ዘይቃወሙዎ ወይ ነቲ ሕጊ ባይቶ ሸለል ከም ዝብሉዎ ይፈልጥ ነይሩ። ህዝቢ’ውን ከም ዝረኣናዮ ደድሕሪኡ ጨሪሑን ጨዲሩን።
  • ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ሃገር ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ተምርሕ ኣላ ኢሎም ዝሓሰቡ መራሕቲ ናይ ባይቶ ኣኼባ ክግበር ጠሊቦም። ከም ጸረ ሃገር፡ (ሸየጥቲ ሃገር) ተሓሲቦም ብዘይፍርዲ ክእሰሩ ከለዉ፡ ብዘይካ ኣብ ውሱን ኣኼባታት ዝተቓወመ ህዝቢ ዝተቓወመ ህዝቢ ነይሩ ክብሃል ኣይከኣልን። በዝን ወድዝን ዝተተባብዐ ኢሰያስ ካልእ ክገብር ከም ዝኽእል ስለ ዝፈለጠ፡ ንዝኾነ ደስ ዘይበሎ ወይ ጽልዋ ናይ ጕጅለ 15 ኣለዎ ኢሉ ዝሓሰቦ ምእሳር ተተሓሒዙዎ። ህዝቢ ድማ ብውሽጢ ውሽጢ ክሓምን ትሒምሒም ክብል ጀሚሩ። ትርጕም ግን ኣይነበሮን።
  • ኣብ 2005 እቲ ዝዓበየ ጽፍዒት መጺኡ። ንሱ ድማ ኢምፖርት ኤክስፖርት፡ ስራሓት ህንጻእ፡ ናጻ ሸርፊ ባጤራ ተኣጊዱ ዝብል ኣዋጅ ተዘርጊሑ። ምስዚ ተተሓሒዙ ነዳዲ ቅድም ኢሉ ጠሪሹ ክኽልከል ከሎ ድሒሩ ግን ብኮንትሮባንድ ክኣቱ ምስ ጀመረ ዋጋኡ ሰማይ ብምስቃል ከም ዝፍቀድ ተገይሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣዋጅ እዚ፡ ዋጋ ኣቕሑ ከም ሮኬት ሰማይ ክዓርግ ከሎ፡ መካይን ይኹና ምስ ህንጻ ዝተኣሳሰር ስራሓት ደው ስለ ዝበለ ብርክት ዝበለ ናይ ዕለት እንጌራ ስኢኑ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ወዲቑ። ብፍላይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ከም ሚነዋለ እናሰርሑ ናይ ስድራኦም ነዃል ይዓጽዉ ነይሮም። ድሕርቲ ኣዋጅ ግን ስርሖም ናብ ስደት ምምራሕ ኮይኑ። ቍጽሪ ዝዅብልሉ ኣባላት ሰራዊት ድማ ብኣማኢት ተዓጻጺፉ። ህዝቢ ብዘይካ ምምራር ሓሲሙኒ ወይ ስለምንታይ ከምዚ ይግበር ኣሎ ክብል ኣይተሰምዐን። ምኽንያቱ፡ ድሮ ኣካይዳ ናይቲ ኢሰያስ ተረዲኡዎስ፡ ንመታለሊ መብጾኣታቱ እናሰምዐ ክሓልፍ’ዩ ኣብ ምባል ኣትዩ ነይሩ።
  • ምስ ምጅማር ፍርያት ወርቂ ኣብ ተዋስኦታት ኣፍ ህዝቢ ማይ ዝመልእ ተስፋታት’ኳ እንተ ነበረ፡ ፍርያት ወርቂ ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ ደኣ ተረፈ። ካብ ወርቂ ዝኣቱ ግብሪ ብልክዕ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይግበር እዩ። እንተኾነ ሃገር ብባጀት ስለ ዘይትመሓደር ኢሰያስ ጥራይ እዩ ነቲ ገንዘብ ናብ ደምሒት እንተ ደለየ ናብ ኣልሸባብ ዘውዕሎ። ስለዚ፡ ህዝቢ ይትረፍ ገንዘብ ሃገር ኣበይ ከም ዝውዕል ክፈልጥ፡ እታ ሃገር ክንደይ ኣታዊ ወይ ወጻኢ ኣለዋ ኣይፈልጥን እዩ።
  • ኢምፖርት ብኣዋጅ ስለ ዝተኸለከለ ንመእተዊ ዶላር ተባሂሉ ናይ ትራንዚት ንግድ (ንግዳዊ ኣቕሑ ካብ ወጻኢ ብባጽዕ ኣትዩ ትኽ ኢሉ ናብ ሱዳን ዝኸይድ) ጥራይ እዩ ዝፍቀድ ተባሂሉ። እዚ ግን ሓሶት’ዩ። እቲ ሊቸንሳ ወይ ንግዳዊ ፍቓድ ናይ ኤርትራውያን ክነሱ ብስም ሱዳናውያን ኮይኑ፡ ዋና ከም ወኪል ብምዃን ይሰርሓሉ። እቲ ንብረት ድማ ወይ ኣብ ኣስመራ ይራገፍ ወይ ድማ ኣብ ባርካ በጺሑ ሱዳን ኣትዩ ተባሂሉ ኣብ ኣስመራ ይሽየጥ። ሽኮር ከይተረፈ ካብ ባጽዕ ናብ ከሰላ ኣትዩስ ዳግማይ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ብኽቡር ዋጋ ይሽየጥ። ነዚ ስራሕ’ዚ መን ይገብሮ እንተ ተባህለ፡ እቲ ዳርጋ ናብ ሚኒስተር ንግድ ተቕዪሩ ዘሎ ነስረዲን (ወዲበኺት) ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ግን ድሒሩ ዓቢ ነውጺ ክፈጥር ከም ዝኾነ ምስ ዝቕጽል ሕቶ ደሪብና ክንርእዮ ኢና። ኣብ 2007 ገለ ሚኒስተራት ንሓጐስ ክሻ፡ “ትራንዚት ንግድ ተባሂሉ እቲ ንብረት ብክቡር ዋጋ ኣብ ኤርትራ ይሽየጥ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣዋጅ ፈሪሱ ኢምፖርት ምግባር ዘይፍቀድ” ክብሉ ተዛሪቦሞ። ንሱ ድማ ከይሓነኸ ከይሓፈረ፡ “ንሕና ዘገድሰና ዶላር እዩ። ምኽንያቱ ካብ ሓደ ኮንተይነር ናይ ትራንዚት 4000 ዶላር ኢና ንረክብ፡” ክብል መሊሱሎም። ከም ሕጊ ንሓደ ናብ ሃገር ዝኣቱ ኣቕሓ ብናይ ሃገር ባጤራ ኢኻ ተኽፍለሉ፡ ትራንዚት እንተኾይኑ ግን ናብ ካልእ ሃገር ስለ ዝኸይድ ክትእክፍሎ ብዶላር ክተኽፍሎ መሰል ኣሎካ። ህግደፍ ድማ ዶላር መታን ክረክብ ትራንዚት ኢሉ ንህዝቢ ሃሳዪ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ቍጠባዊ ሜላ ይጥቀም ኣሎ። ድሕሪ ውሱን እዋን ግን ብትራንዚት ዝኣተወ ንብረት ኣብ ሃገር ሼጥኩሞ ኢሉ ንገለ ነጋዶ ከም ዝኣስር ክፍለጥ ኣለዎ። ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዘይገበረ ኣይኮነን። ነዚ ድማ ገንዘብ ኣብ ዝጽግሞ ግዜ እዩ ዝትግብሮ።

ህዝቢ መሬት ጤሳ ተዓዲሉ ከብቅዕ ዓቕሚ ዘለዎ ሰሪሑዎ፡ ዘይብሉ ድማ ንፍርቂ ከም ዝስራሕ ክገብር ከሎ፡ ገለ ውሑዳት ድማ መሬት ክሽየጥ ስለ ዘይክእል ገዛ ሰሪሖም ሸይጦሞ። ግንከ፡ ኢሰያስ ትም ኢሉ ኣዝጊቡ ጸኒሑ ኣብ 2006 ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ መሬት ጤሳ ምሻጥ ክልኩል ከም ዝኾነ፡ እቶም ዝዓደጉን ዝሸጡን ድማ ተሓትትቲ እዮም ክብል መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ መታን ትካላት መንግስቲ ጥራይ ኣብ ስራሓት ህንጻ ክነጥፋ ኣብ መጀምርያ 2006 ስራሓት ህንጻ ደው ኢሉ ዝብል ኣዋጅ ተዘርጊሑ። ህዝቢ ግን ብቐትርን ብጸልማትን ይሰርሕ ነይሩ። ኣበይ ነይሩ ደኣ’ሞ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ከምኡ ኢሉ ዝጭድር? ነቲ ገዛውቲ መስርሒ ፍቓድ ዝህብን፡ ስሚንቶ ዝዕድልን መንግስቲዶ ኣይኮነን ነይሩ? ብትራንዚት ዝኣቱ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ቴንዲኖታት ኣብ እንዳ ክርቢት ክራገፍ ከሎ ካበይ መጺኡ? ናበይ እዩኸ? ዝብል ኣካል የሎን ድዩ? ዝብል ሕቶታት ክምለስ ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ ዝጸናሕካ ጸኒሕካ ገዛ ክተፍርስ ምጅማር ኮነ ኢልካ ትዕግስትን ዓቕልን ህዝቢ ምፍትታን ጥራይ እዩ። ህዝቢ ሓሲሙኒ ኢሉ ናዕቢ ምግባር ስለ ዝኣበየ፡ ኣብ ፈተነ ንምእታዉ ዝግበር ዘሎ ይመስል። እምበር ዝኾነ ስርዓት፡ ወላ’ቲ ሕጊ ዝይክተልን’ዩ፡ ሽፍታ ዓይነት መንግስቲ’ዩ ዝብሃል’ውን ንብረት ሃገር ኣየዕኑን’ዩ። እንተ ገደደ ወላ ሕጋዊ ኣይኹን፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክፈሉ ወይ ድማ ተሃጊሩ እዩ ክብል ይኽእል ይኸውን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ንብዙሓት ነጋዶ ብዶላር ክትከፍሉዎ ዝግብኣኩም ናይ ወደብ ክፍሊት ብዶላር ዘይከፈልኩም ኢሉ ዘይተኣደነ ዕዳ ከምጽኣሎም ፈቲኑ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ሓላፊ ኦፐረሽን ወደብ ነበር ነፍስሄር ወልደገርግሽን ሓላፊ ማሪታይም ነበር ንፍስሄር ብርሃነ ወልደሃይማኖትን ዝርከቡዎም ልዕሊ ፍርቂ ደርዘን ሓለፍቲ ማሪታይምን ወደብን ድማ ብወግዓዊ ሸርፊ ሰሪሖም ከለዉ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ገደም ሓይሊ ባሕሪ ሓዪሩዎም ነይሩ።

ኢሰያስ ዘይሓስቦ ተንኰልን፡ ዘይኣልሞ ውዲትን ስለ ዘየሎ ገና ብሕጂ ብዙሕ ክንርኢ ኢና። እዚ ዅሉ ካበይ እዩ መንቀሊኡ ኢልና ምስ እንሓትት፡ ኢሰያስ ዝፍጽሞ ገበናት ብሃንደበት ዘይኮነ፡ ብዘገምታ ይፍጽሞ ስለ ዝነበረ ጥራይ’ዩ። ቀሊል ኣብነት ንምርኣይ ኣብ 2 ዓመት ቍጽሪ ሓደ ረቡዕ 2 መስከረም 1993 ምስ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ህግሓኤ ከም ውድብ ክድምሰስ እዩ፡ ደሞክራሲ ክትከል እዩ፡ ከምኡ እንተ ዘይጌርና ዝኣተናዮ ማሕላ ጠሊምና ማለት’ዩ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ 2012 ግን ደሞክራሲ እንታይ ማለትዩ፡ ደሞክራሲ ዝደሊ ናብ ካልእ ፕላኔት ይኺድ፡ ደሞክራሲ ምናልባት ድሕሪ 30-40 ዓመት ይትግበር ይኸውን ክብል ብብድዐ ተዛሪቡ። ነዚ ዘረባዚ ግን ኣብ 1993 ክዛረቦ ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ። ከታልል ስለ ዝነበሮ ምቍር ቃላት ተዛሪቡ እዩ ሓሊፉዎ። ሽሕጣን ዝብሉኹም ከምዚ እዩ። ሕጂ ድማ ወዮ ዘይቀብጹዎ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ’ምበር፡ ኢሰያስ ገና ብሕጂ’ውን ካብዚ ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦ ዘገደደ፡ ክትኣምኖ  ዘደንጹ ገበናት ክፍጽም ከም ዝኾነ ክንግንዘብ ኣለና።

እቶም ቅኑዓት መራሕቲ ህዝቢ ብመንበሪ ገዛ ከይሽገር ከይደወሱ እዮም ዝሓድሩ። ከም ኢሰያስ ዝኣመሰሉ ኢሰብኣውያን ፍጥረታት ግን ህዝቢ መዕቀሊ ክኾኖ ኢሉ ጨቐቕ ኢሉ ዝሰርሖ መንበሪ ኣባይቲ ብዶዘራት ኣብ ምፍራስ ይዋፈሩ። ካብዚ ዝኸፍእ ገበንን ግፍዕን፡ እሞ ነዚ ቀያሕቲ ደቁ ዝሃበ ሕቡን ህዝቢ ክህሉ ኣይክእልን። ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ካብ መግዛእቲ ሓራ ክነውጽኣካ ኢና እናተባህለ ተቓሊሱ። እቶም ገዛእቲ ዝተባህሉ ንህዝቢ ኤርትራ መሬት ዓዲሎሞምበር ገዛኡ ኣየፍረሱሉን፡ ማይን ኤለትሪክን ኣይከልኡዎን፡ ነዳዲ ኣይዓቀኑሉን፡ ባንን ጸባን ክትረክብ ሪጋ ተሰራዕ ኣይበሉዎን። ምርኡይ ጭፍራ ህግደፍ ግን ብጕልበቱን ረሃጹን ዘስርሖ፡ ገንዘብ ጫሕ ኣቢሉ ብሕጋዊ መንገዲ ዝገዝኦን ብፕላን ከተማ ዝተሰርሐን ቤቱ፡ ባይቶ ብዘይበሎ መምርሒ፡ ሕጋዊ ዝበይኮነ ማለት’ዩ ትእዛዝ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ስለ ዝጠሓሰ ጥራይ ንብረት ሃገር ይዓኑ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተራእየ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ምስ ኢሰያስ ዝፋረደሉ ግዜ ክመጽእ እዩ። እዚ ንክኸውን ግን እቲ እንኮ መፍትሒ፡ ኣብ መንጎና ኣንቺ ምንቺ ምብህሃል ገዲፍና ብሓባር ምቅላስ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ጓል መንገዲ ኣቲና መኘኽ ንብል እንተዄንና ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ መሳርሒ ኢሰያስ ንኸውን ስለ ዘለና ድሲፕሊን ናይ ቃልሲ ተዓጢቕና ሓቢርና ሓወይ ሓውተይ እናተባሃሃልና ክንቃለስ ይግብኣና። ብወጽዓ ህዝቢ ምጽዋት ይኣክል! ክንብል ይግብኣና።

ውድቀት ህግደፍ ግድንዩ!!

እስቲፋኖስ ተመልሶ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • HYPE and CHANGE March 19, 2015

    ክቡር ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ
    ኢሳያስ ንወያነ ኢትዮጵያውያን ኣእትዩ ኤርትራውያን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክ ወቅዕ ከሎ ዓገብ ዘይበሉ ተጋደልቲ ሕጂ ህዝቢ ሱቕ ኢሉ ርእይዎ፣ከም ቅቡል ርእይዎ እንተበልና ፍትሒ ኣይኮነን።ባዕዳዊ ሓይሊ ኣእትዩ ጀመርቲ ሰውራ ዝሓረደን ዘሕረደን ሰብኣይሲ ሕጂ ገዛውቲ ኣፍሪሱ ኢልካ ላዕልን ታሕትን ምባል ኣምሱልነት ጥራይ እዩ ዘመልክት።ምቅላስካ እናኽበርክ ዎ ኢሳያስ ዘዘንግዖ ሰብ የለን ኩሉ ተጋዳላይ እናፈለጦ ፈሪሑ ሱቕ ዝበለ ስለ ዝበዝሔ እዩ።እቲ ህዝቢ ቀያሕቲ ደቁ ሂቡ ኣብ ሜዳ ብመሪሕነት ሻዕብያ ክቕተል ከሎ ኡይ ስለ ዘይበልኩም ኣደ ኽኣ ንዓኹም ኣሚና ሕጂ ኣብ ሓዘን ትርከብ ኣላ። ፍርሕን ጌጋን ኩላትና ናብ ኢሳያስ ጥራይ ምጽጋዕ ካብ ሓላፍነት ምህዳም እዩ።

    • ኣርዓዶም March 19, 2015

      Hype and Change
      ከም`ዚ ዝብለልካዮ ቐደም ዝተቐንጸሉን ዝተጨውዩን ደቒ ህዝቢ ማእለያ ምዅኖም ብዝተፈላለዩ ተረኽቲ ተፈሊጡን ተመዝጊቡን ኢዩ። እቶም ቐንጸልትን ጨወይትን መብዛሕትኦም ዳርጋ ብሂወት የለውን ብዘይካ ገለ ውሑዳት። ንሶም ዝዘርእዎ እሾኽ ግን ክሳብ ሕጂ ይወግኣና ኣሎ፡ ኢሳያስ እቲ ቐዳማይ ናይ ቶንኮል መራሒ ክኸውን ከሎ፡ ምስኡ ኣብ ጎኑ ኮይኖም ተንኮላት ክኣልሙ ዝሓድሩን ዝውዕሉን ምኒስትራቱ`ውን ቐዳሞት ትሓትተቲ ናይ`ዚ ኹሉ ዕንወት ኢዮም።

      በቲ ኾይኑ በቲ፡ ሕጂ ነዚ ዘሎ ጽገም ኣወንዚፍና ናይ ጀብሃ ወይ ሻዕብያ ኣይኮነን ዝዛርበና ዘሎ፡ ጉዳይና ብኸመይ ንፈትሕ፡ ከም ህዝቢ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ጽገም ብከመይ ንኣልዮ ኢልና ክንሓስብ ድኣ እምበር፡ ኣብ ናይ ሕሉፍ ጸግም እንዳ ስቖርቖርካ ህልው ኩነታት ሽግርካ ካብ ምግጣም ምኽኒት ክትፈጥር ኣይግባእን።

      ብዝተኽእለ፡ ውህደት፡ ተወፋይነት፡ ሎሚ ካብ ዝኾነ ግዜ ኣገዳስነቱ ይድለ ስለዘሎ፡ እዞም ናይ ኣዲስ ኣበባ ስመር ዶ ውገር`ዶ ኢሎም ምሉይ ዝኾነ ቓልሲ ዘካይዱ ዘለው መንእሰያት፡ ኣብ ውድባት ለግጊቦም ኣንጻር እዚ ኣረሜናዊ ተግብራት ህግደፍ ብግብሪ ክገጥሙ ግዜ ባዕሉ ይጽውዖም ኣሎ። ስለዝኾነ ንሕና ዓበይቲ ውድባት ኢና፡ ንሕና ውፉያት ኢና፡ ንሕና ብዕላማና ኢና፡ ወዘተ ዝብላ ናይ ቐምሽ ኣደይ ዓንቐፈኒ ምኽንያታት ኣብ`ዚ እዋን እዚ ቦታ ስለዘይብሉ፡ ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ብዝተኻእለ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ፡ ሃገሩ ብግብሪ ንኸድሕን ብህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ዓቢ ቖላሕታ ተነቢርሉ ኣሎ።

      እዞም ኣብ ቕድመ ግንባር ብተግባር እንዳበልና ንዛረብ ዘለና`ኸ ብሓቒ ግቡእና ነሰላስል ኣለና ዲና ወይስ ናይ ርኣዩለይ ኢዩ ! ብውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ “ ብተግባር ኣብ ቕድመ ግንባር“ ንእትብል ጥቕሲ ከም ዓቢ ተስፋ ኣንቢሩላ፣ ውህሉል ሓይሉ ብውልቕን ብእኩብን ጠርኒፉ፡ ብፋይናንስን ብኣካልን ንኽቓለስ ዘወትር ምስ ጠለበን ሓተተን ኢዩ። ግን ከ፡ እቶም ኣብ ቕድመ ግንባር ብተግባር፡ እንዳበልና ብገለ ወገናት ንተሓናኾል ዘለና ደቒ ህዝቢ፡ እቲ ወሳኒ ብረት ምዕጣቕ ወይ ዘይምዕጣቕ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝቢ ትኣማንነት እንድሕሪ ኣልዩና፡ ብዝኾነ ይኹን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንደናገጸሉ ምኽናያት ኣይረኣየንን። ገለ ተቓወምቲ ፖርትታት፡ ናይ ህግደፍ መሳርሒታት ብምዅን ኣንጻር ጥቕመንን ኣጻር ሃገረንን ህዝበንን ዝገጠማ፡ ንቓልሲ ዕንቕፋት ብምዅን፡ ንመንእሰያት ከብኩራ ላዕልን ታሕትን ዝብላ ኣይሳኣናን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዋ። እዚ ግን ብዝኾነ ይኹን መዕቐኒታት ቕቡል ስለዘይኮነ፡ ውዒለን ሓዲረን ከም ህግደፍ ብህዝቢ ተሓተቲ ኢየን።

      እዚ ይኹን እቲ`ሕጅ`ውን ኣለና ዝብላ ትኾይነን፡ እቲ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ቖሎዓ ሰበይቲ ስድራ ኣብ ዕሩቕ ዝባኖም ብዘይመጽለሊ ይሳቐዩ ኣለው። ስለዚ እቲ ጃህራ ኣብ ፋስ ቡክ ወጺካ ስእልታትን ጃሃራን እሞ ንግደፎ፡ እቲ ወሳንን ኣድላይን ዕማም 1 ኢልና ሎሚ ንጀምሮ። ንሱ ድማ ውህደት ዝተደመሮ ተግባር፡ ይኸውን ናይ ህግደፍ ምጽኣተ ኣለም። ስለዝኾነ፡ ኣብ ክንዲ ብምስልዩነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግዜኹም ተሕልፉ ኣብ ግንባር ምስ ብጾትኩም ተጸንቢርኩም`ውን ውህደት ብምፍጣር ዕምሪ ህግደፍ ዝሓጽረሉ ህሞት ምፍጣር እቲ እንኮ ኣማራጺ ህላዌ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

      ዘለፋ፡ ጸለመ፡ ሓሶት፡ ቕንኢ፡ ኩሉ እዚ ናይ ህግደፋውያን ባህሪ ኮይኑ፡ ኣንጻር ቓልሲ ኢዩ። ከም`ዚ ዝገብር ብጻይ ብሓጺሩ ክቕይሮ ዝኽእል ነገር ስለዘይህሉ፡ ከሎ ጌና ኢዶም ኣኪቦም ካብ ቓልሲ ህዝቢ እንተዝእርነብ ንሂወቶም ድሕነት ንቓልሲ`ውን ሓገዝ ስለዝኾነ፡ ኣላሊኻ ምእላዮም ኣቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ኢዩ።
      ስለዚ ኢድ ጸናሒት ሸናሒት እንድዮም ዝብሉ ኣቦታት፡ ሰብ ነናይ ኢዱን ተግባሩን ከልዕል ግቡእ ስለዝኾነ፡ መገድና መገዲ ቕንዕናን ሓልዮትን፡ ፍቕርን ትብዓትን ተወፋይነትን ብጻያውነትን ክኸውን ተስፋ ይገብር።

      ዓወት ንኹሉ ደላይ ሰላም ፍትሒ ሓርነት
      ውድቐት ንባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ

      ኣርዓዶም።

  • HYPE and CHANGE March 19, 2015

    what happened to my comment ?

  • Mesinas March 20, 2015

    ይበል! ጽጽዩን ሓቅታትን ዘንጸባረቐ ትዕዝብቲ ሓው እስቲፋኖስ ገ/ሚካኤል። ስብሓት ንኣኻ ይኹን ክቡር ሓው።

  • Amanuel March 20, 2015

    wwwwwwwwwwww enkae hagosena

Post a Reply to ኣርዓዶም Cancel Reply