Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዜናታት ካብ ኤርትራ፡ መምርሒ ስርዓት ኢሳይያስ ንሓልታት ምክልኻል – ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊት ተሰነይ – ጉዳይ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት – ሓካይም ኣምሓራ –

ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ዋላ ሓሚሙ ኣብ ዓራት ተደኒሱ ዘሎ ኣባል ከይተረፈ ን 27 ለካቲት ኣብ ኣሃዱኦም ክርከቡ መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ድሕሪ `ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ

ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ዋላ ሓሚሙ ኣብ ዓራት ተደኒሱ ዘሎ ኣባል ከይተረፈ ን 27 ለካቲት ኣብ ኣሃዱኦም ክርከቡ መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ድሕሪ `ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ግልጽና ዘይብሉ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ ሻቕሎት ልኡላውነቱ እናውደቖ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ካብ ኣሃዱታቶም ርሒቖም ኣብ ከም ብዓል ኣስመራ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ማእከላት ተኣኪቦም መምስ ዝሰማምዖም ኣካል ተራኺቦም ተቓውሞ ከየበግሱ ስግኣት ስለዘለዎ፡ ንምቊጽጻሮም ክጥዕሞ ብቐጻሊ ናብ ኣሃዱታቶም ክኸዱ ተደጋጋሚ ጻውዒት ኳ እንተገበረ ኣይሰለጦን።

ብኸምዚ ምኽንያት ከኣ `ዩ፡ ዋላ ኣብ ዓራት ዘሎ ድኑስ ከይተረፈ ኣብ ኣሃድኡ ክርከብ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ኣብ ምውጻእ በጺሑ ዘሎ።

ብዘይካ`ዚ ኣብ ተሰነይ ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ብ 4 ለካቲት ታዕሊም ከምዝጀመሩ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ስርዓት ነቶም ብረቶም ከረክቡ ዝኣዘዞም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ታዕሊም ከምዝጅምሩ ምግባሩ መመርሒታቱ ነንሕድሕዱ ከምዝጋጮን ኣብ ሓሸውየ ከምዝርከብን ዘረጋገጽ ሓደ ኣብነት እዩ።

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ጌርና ኢና ዝብል ዘሎ ስርዓት፡ ነቲ ቀደም ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም ኢና ንርከብ ዘለና ስግኣት ኣለና እናበለ ዘካይዶ ዝነበረ ታዕሊም ውደባን ምቕጻሉ፡ ብቐደሙ ንህዝቢ ንምቊጽጻርን ቅሳነት እናኸላእካ ብዛዕባ ካልኦት ዓበይቲ ነገራት ከምዘይሓስብ ንምግባርን ዝዓለመ ሜላ ምዃኑ ዘረድእ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ብዘይካ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት ሃገር ዘለዉ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ስራሕ ፈቲሖም፡ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳር ዞባታትን ዘሎ ርክብ ላሕሊሑ፡ ህዝቢ ብፍኑው መንገዲ ይኸይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ድማ፡ ድሕሪ ርክብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ፡ ጉዳያት ብፍኑው ክምዕብሉ ስለዝጸንሑ፡ እቶም ኣመሓደርቲ `ውን ስሩዕን ጭቡጥን ሓበሬታ ስለዘይብሎም ዝተፈጥረ ኮይኑ፡ ንርእሶም ከም ማንም ሰብ ፋሕ ኢሎም ገሊኦም ንኢትዮጵያ ምስ ከዱ ይጠፍኡ፡ ገሊኦም ውን ብኡ ኣቢሎም ንወጻኢ ሃገራት ይኸዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ምስ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ስግረዶባዊ ንግድን ምንቅስቓስን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዘሎ ሓላፍ ዘላፍ፡ ኣብ ናይ ምምሕዳር ሰንሰለት ኣጋጢሙ ብዘሎ ምስብባርን ስእነት ስሩዕ ሓበሬታን ዝተኣሳሰር ምዃኑ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ኸኣ፡ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩዎ ዘሎ ርክብ ኣተኲሩ ንውሽጣዊ ምምሕዳር ህዝቢ ኤርትራ ጎሲዩዎ ምህላዉ ዘረድእ እዩ።

ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ንኣምቡላስ ካብ ተሰነይ ናብ ኣስመራ 2400 ናቕፋ፡ ካብ ተሰነይ ንባረንቱ 1200 ናቕፋ እናኸፈለ ክሕከም ኣብ ዝግደደሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኤርትራ ዘምጽኦም ሓካይም፡ ኣብ ብናቱ ወጻኢታት ኣብ ሆቴላት የደቅሶም ካብ ስርሖም ንሆቴሎም ብሚኒባሳት የመላልሶም ምህላዉ ህዝቢ ብቑጥዐ ይዛረበሉ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኮለጃት ከፊተ ሓካይም ኣሰልጢነ እናበለ ክጅሃር ዝስማዕ `ኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ `ቲ ኣብ ሓካይም ኤርትራ ዘለዎ ዘይብቑዕ ኣተሓሕዛ ከም ኩሉ ኻልእ ኤርትራውያን ብዙሓት ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ ።

ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ዓቢ ገስጋስ ከምዝገበረ ቅድሚ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሓንጸጾ ሚልየነም ደቨሎፕመንት ጎልስ ከምዝዓመሞ ፕሮፖጋንዳ ክገብር ኳ እንተተሰምዐ፡ ነዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሽሓት ዶላራት እናኸፈሉ ኣብ ካርቱም ሱዳን ክሕከሙ ከምዝጸንሑ፡ ሕጂ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ንሕክምና ይኸዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Genet-Original February 19, 2019

    Assenna, time to clean house. We are being distracted by two faces and crooked neighbors. Those crooked people who are the same as DIA’s camps are in their last breath. Change is coming and it is starting with the noble question of “Where in Eritrea are you from?” “Can you tell me where your father and your mother’s villages are? Naming a city in Eritrea is not going to cut any longer.
    We are Eritreans first and most!!!
    ERITREA FIRST!!!!!

POST A COMMENT