Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዜናታት ካብ ኤርትራ፡ መምርሒ ስርዓት ኢሳይያስ ንሓልታት ምክልኻል – ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊት ተሰነይ – ጉዳይ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት – ሓካይም ኣምሓራ –

ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ዋላ ሓሚሙ ኣብ ዓራት ተደኒሱ ዘሎ ኣባል ከይተረፈ ን 27 ለካቲት ኣብ ኣሃዱኦም ክርከቡ መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ድሕሪ `ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ

ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ዋላ ሓሚሙ ኣብ ዓራት ተደኒሱ ዘሎ ኣባል ከይተረፈ ን 27 ለካቲት ኣብ ኣሃዱኦም ክርከቡ መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ድሕሪ `ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ግልጽና ዘይብሉ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ ሻቕሎት ልኡላውነቱ እናውደቖ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ካብ ኣሃዱታቶም ርሒቖም ኣብ ከም ብዓል ኣስመራ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ማእከላት ተኣኪቦም መምስ ዝሰማምዖም ኣካል ተራኺቦም ተቓውሞ ከየበግሱ ስግኣት ስለዘለዎ፡ ንምቊጽጻሮም ክጥዕሞ ብቐጻሊ ናብ ኣሃዱታቶም ክኸዱ ተደጋጋሚ ጻውዒት ኳ እንተገበረ ኣይሰለጦን።

ብኸምዚ ምኽንያት ከኣ `ዩ፡ ዋላ ኣብ ዓራት ዘሎ ድኑስ ከይተረፈ ኣብ ኣሃድኡ ክርከብ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ኣብ ምውጻእ በጺሑ ዘሎ።

ብዘይካ`ዚ ኣብ ተሰነይ ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ብ 4 ለካቲት ታዕሊም ከምዝጀመሩ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ስርዓት ነቶም ብረቶም ከረክቡ ዝኣዘዞም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ታዕሊም ከምዝጅምሩ ምግባሩ መመርሒታቱ ነንሕድሕዱ ከምዝጋጮን ኣብ ሓሸውየ ከምዝርከብን ዘረጋገጽ ሓደ ኣብነት እዩ።

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ጌርና ኢና ዝብል ዘሎ ስርዓት፡ ነቲ ቀደም ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም ኢና ንርከብ ዘለና ስግኣት ኣለና እናበለ ዘካይዶ ዝነበረ ታዕሊም ውደባን ምቕጻሉ፡ ብቐደሙ ንህዝቢ ንምቊጽጻርን ቅሳነት እናኸላእካ ብዛዕባ ካልኦት ዓበይቲ ነገራት ከምዘይሓስብ ንምግባርን ዝዓለመ ሜላ ምዃኑ ዘረድእ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ብዘይካ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት ሃገር ዘለዉ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ስራሕ ፈቲሖም፡ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳር ዞባታትን ዘሎ ርክብ ላሕሊሑ፡ ህዝቢ ብፍኑው መንገዲ ይኸይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ድማ፡ ድሕሪ ርክብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ፡ ጉዳያት ብፍኑው ክምዕብሉ ስለዝጸንሑ፡ እቶም ኣመሓደርቲ `ውን ስሩዕን ጭቡጥን ሓበሬታ ስለዘይብሎም ዝተፈጥረ ኮይኑ፡ ንርእሶም ከም ማንም ሰብ ፋሕ ኢሎም ገሊኦም ንኢትዮጵያ ምስ ከዱ ይጠፍኡ፡ ገሊኦም ውን ብኡ ኣቢሎም ንወጻኢ ሃገራት ይኸዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ምስ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ስግረዶባዊ ንግድን ምንቅስቓስን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዘሎ ሓላፍ ዘላፍ፡ ኣብ ናይ ምምሕዳር ሰንሰለት ኣጋጢሙ ብዘሎ ምስብባርን ስእነት ስሩዕ ሓበሬታን ዝተኣሳሰር ምዃኑ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ኸኣ፡ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩዎ ዘሎ ርክብ ኣተኲሩ ንውሽጣዊ ምምሕዳር ህዝቢ ኤርትራ ጎሲዩዎ ምህላዉ ዘረድእ እዩ።

ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ንኣምቡላስ ካብ ተሰነይ ናብ ኣስመራ 2400 ናቕፋ፡ ካብ ተሰነይ ንባረንቱ 1200 ናቕፋ እናኸፈለ ክሕከም ኣብ ዝግደደሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኤርትራ ዘምጽኦም ሓካይም፡ ኣብ ብናቱ ወጻኢታት ኣብ ሆቴላት የደቅሶም ካብ ስርሖም ንሆቴሎም ብሚኒባሳት የመላልሶም ምህላዉ ህዝቢ ብቑጥዐ ይዛረበሉ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኮለጃት ከፊተ ሓካይም ኣሰልጢነ እናበለ ክጅሃር ዝስማዕ `ኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ `ቲ ኣብ ሓካይም ኤርትራ ዘለዎ ዘይብቑዕ ኣተሓሕዛ ከም ኩሉ ኻልእ ኤርትራውያን ብዙሓት ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ ።

ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ዓቢ ገስጋስ ከምዝገበረ ቅድሚ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሓንጸጾ ሚልየነም ደቨሎፕመንት ጎልስ ከምዝዓመሞ ፕሮፖጋንዳ ክገብር ኳ እንተተሰምዐ፡ ነዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሽሓት ዶላራት እናኸፈሉ ኣብ ካርቱም ሱዳን ክሕከሙ ከምዝጸንሑ፡ ሕጂ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ንሕክምና ይኸዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Zeregabir Teaghes February 16, 2019

    Poor Eritreans, this was trending from the day Ethiopia left the country in 91.

    Hina sfruyam eglu adrernahu,
    Ajenitna tsmuan eglu adrernahu,
    Hitu hafr ala…hina malakin ekewenahu…… Tigre bela

    • Hilna February 16, 2019

      Dear Zeregabir,
      Ethiopia became a free and independent country in 1991 and Eritrea became a slavery new country in 91, don’t you think so? Ethiopians should be celebrating their independence day in 91.

      • Genet-Original February 19, 2019

        Agame Tigray’s city

  • Hagherawi February 16, 2019

    “እቲ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ጌርና ኢና ዝብል ዘሎ ስርዓት፡ ነቲ ቀደም ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም ኢና ንርከብ ዘለና ስግኣት ኣለና እናበለ ዘካይዶ ዝነበረ ታዕሊም ውደባን ምቕጻሉ፡ ብቐደሙ ንህዝቢ ንምቊጽጻርን ቅሳነት እናኸላእካ ብዛዕባ ካልኦት ዓበይቲ ነገራት ከምዘይሓስብ ንምግባርን ዝዓለመ ሜላ ምዃኑ ዘረድእ እዩ።”

    እቲ ኣብ ላዕሊ ዝባሃል ዘሎ ሓቂ እዩ።

    ህዝቢ ኤሪትራ ኣብ ቀጻሊ ሻቁሎት ከም ዝነብር ምግባር ናይ ህግደፍ ስትራተጂ እዪ።
    እሰያስ ምስ እትዮጵያ ስምምዓት ገይሩ ክንሱ ፥ ምስ ኣሕዋቱ ተጋሩ ጽልኢ ዘለዎ ክመስል ዝደልየሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ፥ ጉዳይ ዶብ ተጨሪሹ ፥ ህዝቢ ሩፍ እሉ ከይሓድር ፥ ከይቀስን ፥ ናብቲ ብክሳዱ ሕዙዎ ዘሎ ኣረመናዊ ስርዓት ገጹ ከይጥምት ፥ ጉዙእ ኮይኑ ንኽነብር ፥ ብሜላ ዝግበር ዝሎ እዪ።

    ኤሪትራዊ ተበራበር ፥ ጸላእኻ ኣለሊ።

  • Hagherawi February 16, 2019

    ኣይተ Cow Face

    እታ እንኮ ብኣወንታ ትግለጽ ዝገበርካያ ሎሚ ፥ ነዛ ናይ ቀደም ሽምካ ምምላስካ እዩ።
    Cow Face ብሓቂ ትሳማማዓካ ስም እያ።
    ነዚ ሩኹስ ሰባኣይ፥ ላም በልካ ፥ እንታይ ዝበደለት ላም ዝብል ይሰምዕ ኣሎኹ፥ ግን ግዲ ኣይብልካን ፥ ንስኻ ብሽምካ ካብ ኾራዕካ ፥ ላም ምብዳል ዝዋሓደ ሓጥያት እዩ።
    ሓቂ ይሓይሽ ፥ ጨና ዕባኻ ምጽዋር ፥ ኣብ ኣሰና ጸግም እንዳኽነ ይምጽእ ኣሎ።
    ከምኡ ካንሱ ኣይትሰከፍ ፥ ዓንቀርካ 180% ከፊትካ ፥ ብምኽንያት ምትካል ሓወልቲ ሃይለስላሴ ፥ እምባሕ፥ እምባሕ !!! በል።

    • Haregot February 16, 2019

      Abdurobo TeraAraA rootless nomad Kurdid, HIRRRRRRRRRRRRRRRR bel, the beautiful and majestic statue of king of kings and lion of Judah Emperor H/slassie is magnificently built/erected in Addis Ababa. The next beautiful and magnificent statue of King Isaias Afeworki the Wedi Tembeinay would be build/erect in your own jihadist Afghanistan or in the Sudan then you’d be HIRRRR in 360%.

      • k.tewolde February 16, 2019

        Haregaf,the day is fast approaching anomalies like you will cease to exist.I can’t wait to bask on that day.Idol worshiping invalids..

      • Genet-Original February 19, 2019

        haregot ,Tsay
        Why change names? are you hiding from something?
        Actually, the midget king looks like some white dude.

  • COW FACE February 17, 2019

    መንግስቲ ንሓካይም ኣምሓራ ብሚኒ ባሳት እናማላለሰ ንህዝብና ግን ብእግሩ ክኸይድ ዝወሰኖ ምኽንያት ገድልና ብዘምጽኦ ጸጋ ህዝብና ፍርቂ ባኒ ንምዓልቲ እናበልዔ ጥዕንኡ ሓልዩ ዝጸንሖ ብምኽንያት ምኽፋት ዶብ ካብ ዓጋመ ዓዲግራት ብዝመጽእ ሐሓደ ባኒ ክበልዕ ስለዝጀመረ ሮጊዱ መታን ከይሓፍስ ኢሉ እዩ
    እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሊሱ ምጽዋዑ ድማ, ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ንግበር እምበር ወያነ ጥራይ ዘይኮነስ መንግስቲ ቱርኪን ቻይናን ሰርብያን ፊንላንድን ካሊፎርንያን ቫቲካንን ክወራና ይዳለዋ ከም ዘለዋ ሓበሬታ ስለዝበጽሖ እዩ መዓንጣና ሸጥ ከነብሎ እዩ ዝግብኣና ሎሚ ዘይዘመተ ዳርጋ ኸም ዝሞተ ,ሎሚ ዘይተደመረ ዳርጋ ኸም ዝተጋዕተ ኢሉ ህዝቢ ክልዓል ይግብኦ

    • Haregot February 17, 2019

      Cow Face, you are the most beautiful and brilliant undisputed champion/commentator ever on assenna ( i,e, along the other beautiful/brilliant champion Mr Teclay).
      Thank you very much for all your super brilliant satire and sense of humor, you really make us laugh with your highly entertaining and educational comments, many thanks for the great laughs.

      • Genet-Original February 19, 2019

        Agame Tigray’s city

    • Genet-Original February 19, 2019

      Agame Tigray’s city

  • COW FACE February 17, 2019

    Haregot,.
    I am highly flattered,”super nationalists like hagherawi/thousand names have no sense of humor just sense of rumor. eh ?
    thanks

    • Genet-Original February 19, 2019

      Agame Tigray’s city

  • Hagherawi February 17, 2019

    ኣንታ ሓዉና Cow Face ነዚ ሓረጎት እዩ ሽምይ ዝል ሓርግጽ ዝሓሸ ሽም ዘይትደልየሉ በጃኻ ?
    ምኽንያቱ ፥ ክሳብ ዘቅስኖ ሽም ዘይረኸበ ዕረፍቲ ክኸልኣና እዪ።
    ክምቲ ንሰምዖ ኣብ ሃገርኩም ፥ ከልቢ ካብ ላም ዘይዉሒድ ክብሪ ኣሎዎ ፥ ስልዚ Dog Face እንተ ጠመቅካዮ ምሓሸ ይመስለኒ።
    ኣነ ሽም ረሳዓይ እየ ፥ ግን ምእንቲ ህድኣት ዝሰፈና ኣሰና ፥ ደስ ይበሎ ፥ እዝጊ ይቀበሎ እምበር ፥ ክዝከሮ ክጽዕር እየ።
    ምስ ሰናይ ትምኒት ።

  • Berhane Haile February 17, 2019

    መደንገጻት ኢኹም ብሓቂ። ኣብ ክንዲ ኣብቲ ጕዳይ ምዝራብ ኣብ ነንሓድሕድኩም ክትጠቓቐኑን ክትወናጀሉን ግዜኹም ብከንቱ ተሕልፉዎ ኣለኹም። ኢሰያስ ደኣ ዘይ ከማኹም ዝኣመሰሉ ሰባትዮም ዘድልዩዎ። በጃኻትኩም ኣብቲ ነጥቢ ተዛረቡ፡ ካውፈይስ፡ ሃረጎት፡ ከይ ተወልደ ወዘተ።

  • COW FACE February 17, 2019

    hagherawi,
    ሽም ሃቦ ንሓረጎት ኢልካኒ ናይ ዓድና መሪጽካ ኢልካኒ, ቀዳማይ ነገር ሓረጎት ጽቡቕ ሽም እዩ ,እቶም ዓድታተይ በዚሖም
    ናይ ብሓቂ
    1)ኣቦኡ ነቦይን ኣዲኣ ነደይን ክልቲኦም ሓማሴን እዮም
    2) ኣቡኣ ነደይ ሰረወታይ እዩ
    3) ኣዲኡ ነቦይ ካብ ዓድዋ እያ…………
    ስለዚ ብሓማሴን ኦሆላይ ሓረጎት,ብሰራየ ደድኸውን ነሩ ሓረጎት ,ብዓድዋ ድማ ሓረጎተፃዲቕ ዲና ኽንብሎ ? ሃ.ሃ
    ከምቲ እስኻ ዝደለኻዮ ብናይ ከልቢ ከነጠምቖ እንተኾንና ድማ ከልቢ ዘይከም ዓዲ ገሊኦም እኮ እሙን እዩ ;ኣንጻር ደርቡሽ ተዋጊኡ እዩ ; ገለ ኸድዓት ግና ሃጸይ ዮውሃንስ ንደርቡሽ ክንዋግኦ ተልዓሉ እንተበሎም “ዋይ ዋይ ወዲ ሃይማኖትና መንግስቲ እላመጸ እላጣቓዕና ነእትዎ እምበይ ልምንታይለ ንዋግኦ” ኢሎም ዝኣበዩ ኣይትዝንግዖምን ኣቦታትካ ሽዑ ናብ ባሕረነጋሽ ኤርትራ ከም ዝመጹ ኣይትኽሕዶን ትኸውን …ድማ, ኣነ ከም ኩሉ ሓማሴናይ 25% ደም ናይ ወያነ ኣለኒ , ኣይተ ሃገራዊ ንሶም ግን ትማልይ ብቕድሚ ትማልይ ኻብ ኣኽሱምይ ሽረይ ለኾኑይ ኤርትራ ልኣተዉ ኣነ ዓድዋዊ ወያናዊ ደም ኣይክሕዶይ ሓማሴን ኻብ ጎንደርይ ትግራይይ ኢና ቦቒልናቲ ንሶም ግን ኣብ ሕቖኦም ውቃጦ ላይ ጥሕሎ እኮ ኣይስኣንይ ኺዱ ግዳይ ሰብ ኸይሰምዓኩም ሳምቡሳ ምስ መሸበኽ ተደሪርካትኩም ሃርሱ .
    all in good humor
    your’s
    COW FACE

    • Genet-Original February 19, 2019

      Agame Tigray’s dirty city

  • Hagherawi February 17, 2019

    ኣይተ Cow Face

    ብጣዕሚ ኣስሒቅካኒ ፥ ግን ካኣ ዝበልካዮ ቅር ከይበለኒ ኣይተረፈን።
    “ሓማሴናይ 25% ደም ናይ ወያነ ኣለኒ” በልካ ? ። ኣነ ጹሩይ ትግራዋይ እየ ፥ ከም እሰያስ ወዲ ሓዉቦይ ፣ መንነተይ ክሓብእ ክብል ፥ ንባዕልይ ክሳቀ ወይ ከም ኣራዊት ሰብ ክበልዕ ክነብር ኣይደልን እየ ፥ ክትብል እየ እጽብ ነይረ።
    እስከ ሓቦ ገርካ ፥ ኣፍካ መሊእካ ፥ ኣነ ትግራዋይ እየ ፥ ብመንነተይ ይሕበን እየ በል ፥ ከነኽብረካ።
    እሰያስ ፥ መንነቱ ስለ ዝጸልእ እዩ ፥ ሕጂ ምስ ኣምሓሩ ኣዝማድ እና ዝብል ዘሎ ።
    ናዓኹም ፥ ነሕዋቱ ፥ ጎረበትና ሙኻንኩምውን ፥ ክሪኢ ይደሊ የለን።
    ነዚ ገበል ፥ ማርያም እክሱም ኣይትምሓሮ እስክ በል።

  • Hagherawi February 17, 2019

    ኣቶ Berhane Haile

    ነቶም ታኣኪብና ቁምነገር ከይንገብር ፥ ዕንክሊል ኣቡሉዎም ተባሂሎም ፥ ኣብ “ስራሕ” ተዋፊሮም ዘለዉ እሕዋትናን ደቂ ጎረበትና ፥ ኣሰና ክትዓግቶም ካብ ዘይደለየት ፥ ቁሩብ ኣእሙሮ እንተ ገበሩ ፥ እስከ ከነዘናጉዖም።
    ዳሓን ፥ ተጻወረና።

POST A COMMENT