Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝለዓለት ኢጣይዊት ሞዴል ቢያንካ ባልቲ ኣብ መድረኽ ጽባቐ ንዝተርእየትሉ ተኸዚኑ ዝነበረ ኩሉ ኣልባሳ ናብ መሸጣ ብምውራድ ስደተኛታት ትሕግዝ።

ዝለዓለት ኢጣልያዊት ሞዴል ቢያንካ ባልቲ፣ ኣቐዲማ ንላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብገንዘብ ንምሕጋዝ ብዝኣተወቶ ምብጽዓ መሰረት ንዝሓለፈ  11 ዓመት በብግዚኡ ኣብ መድረኽ ጽባቐ ንዝተረእየትሉ ተኸዚኑ ዝነበረ ኩሉ ኣልባሳ ናብ መሸጣ ብምውራድ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ከምዘውዓለቶ

ዝለዓለት ኢጣልያዊት ሞዴል ቢያንካ ባልቲ፣ ኣቐዲማ ንላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብገንዘብ ንምሕጋዝ ብዝኣተወቶ ምብጽዓ መሰረት ንዝሓለፈ  11 ዓመት በብግዚኡ ኣብ መድረኽ ጽባቐ ንዝተረእየትሉ ተኸዚኑ ዝነበረ ኩሉ ኣልባሳ ናብ መሸጣ ብምውራድ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ከምዘውዓለቶ Forbes ሓቢሩ።

እታ ጓል 32 ዓመት ሞዴል ‘ንእሽቶ ክፋለይ ንስደተኛታት” ብዝብል ቴማ ትማሊ ንህዝቢ ኣብ ዝኸፈተቶ መሸጣ ክቡራት ኣልባስ፣ ቀዳማይ ዓዳጊ ውልቀሰብ ብኡ ንብኡ 1000 ይሮ ከም ዝኸፈለ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺባ ዓደግቲ እተእንግድ ዝነበረት ኣደ ክልተ ቆልዑ ቢያንካ፣ “ ኣደ ኣብ ዝኾንካሉ እዋን፣ ናይ ህወትካ ቀዳማይ ተልእኾ ውላድካ ምክልኻል እዩ፣ ስለዚ፣ ውልድካ እናበኸየ፣ ናብቲ ኣብ ስግር ዘሎ መሬት ብህይወት ክትሰግር ምዃንካን ዘይምዃንካን ውሕስነት ኣብ ዘይብሉ ባሕሪ ክትኣቱ ከለኻ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይረኣየኒ” ክትብል፣ ስደተኛታት ኣደታት ዓቕለን ጸቢቡወን ምስ ህጻውነተን ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ክፍጽማ ይግደዳ ከምዘለዋ ገሊጻ።

ብፍላይ ነቲ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ኤርትራውያን ብብዝሒ ከምዝጠቀሙሉ፣ ነቲ ብ 2013 ዘጋጠመ ልዕሊ 367 ህይወት ኤርትራውያን ብጅምላ ዝቐዘፈ ትራጀዲ ሓዊስካ ብዙሕ ህይወት ኤርትራውያን ኣብቲ ባሕሪ ከምዝሃለቐ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Teqera April 28, 2016

    Thank you Bianca, your humanitarian work is extraordinary, your heart is as beautiful as your glamorous looks.
    May the greedy and the selfish of this planet learn from your generous and thoughtful heart.

  • Berhe Tensea April 28, 2016

    Bianca, is so beautiful and is doing beautiful things for humanity, and must be thanked.
    Thank you Bianca.

  • k.tewolde April 28, 2016

    Here is a natural beauty with a universal natural mothers instinct relating to the maternal anguish the refugee mothers are going through and there is the HGDEFITE women with fake weaves kissing the hand of the mass murderer who is killing their sisters,brothers,sons and daughters. How do you explain that?

  • Lucia April 29, 2016

    Tutti se erano come Bianca Bati e una unicha mama del mondo perche sai bene la poverita delle mame.Braavisima. Ti ringrazio molto bene.

  • Lucia April 29, 2016

    Tutti se erano come Bianca Balti e una unicha mama del mondo perche sai bene la poverita delle mame.Braavisima. Ti ringrazio molto bene.

  • Teclay April 29, 2016

    ነመስግና ዶ ?
    የቐንየልና,የቐንየልና ብያንካ ጽብቕቲ ፍጥረት ።እንበር እታ ልብኺ እውን ከምታ መልክዕኪ እያ።ብያንካ, ማርያም ኣስመረይቲ ዶ ክብለኪ ።ማርያም ኣስመረይቲ ማለት:ክሳብ ዕለት 24-05-1991 ናይ ኣምላኽ ኣምባሳድር ኮያና ንኣስመራ ብእኡ ኣቢላ ድማ ንሙሉእ ባሕረ ነጋሽ ብጽላላ ትሕሉ ዝነበረት እያ። ገድሊ ዝበሃሉ ኣራዊት ብሰይጣን እናተመርሑ እቲ ንሳ ትነብረሉ ምስ ተቓጻጸርዎ ግን ኣበይ ከም ዝኣተወት ኣይትፍልጥን እያ።ዒራ ዒሮ ድያ፣ ተሰዲዳ ድያ፣ ደስኪላ ድያ ከምቶም ጳጳስ ዝፍለጥ ነገር የለን ።
    ብያንካ ድኻምኪ ኣይትጸብጺቢ ሓግዝና ፣ኣብዚ ንስኺ ክዳውንትኺ ንዕዳጋ ተውርድሉ ዘለኺ ሕማቕ ግዜ ፣ ዘይተረድእን ኣሓትና ነዚ ማዓልቲ ባርነት ንምጽንባል ከበሮን ክራርን የዳልዋ ኣለዎ።ነውሪ እዩ፣ ሕጂ ሽምዓ ወሊዕካ እዩ ዝምህለል ብልልና ፣ንዓኺ ፈረንጂ ስለ ዝኾንኪ ክሰምዓኺ ተስፋ ንገብር፣ንዓና ኣብየናና እየን።
    የቐንየልና ብያንካ,grazie mille Bianka.

  • yonit inri April 29, 2016

    Biyanka Sisi GBU

  • Gobo April 29, 2016

    Well said ato Teclay:

    “ብያንካ ድኻምኪ ኣይትጸብጺቢ ሓግዝና ፣ኣብዚ ንስኺ ክዳውንትኺ ንዕዳጋ ተውርድሉ ዘለኺ ሕማቕ ግዜ ፣ ዘይተረድእን ኣሓትና ነዚ ማዓልቲ ባርነት ንምጽንባል ከበሮን ክራርን የዳልዋ ኣለዎ።ነውሪ እዩ፣ ሕጂ ሽምዓ ወሊዕካ እዩ ዝምህለል ብልልና ፣ንዓኺ ፈረንጂ ስለ ዝኾንኪ ክሰምዓኺ ተስፋ ንገብር፣ንዓና ኣብየናና እየን።
    የቐንየልና ብያንካ,grazie mille Bianka.”

  • hara April 30, 2016

    un pensiero NOBILE con un coure grande
    questo e arrichirsi di buone opere… non
    di materiali.. DIO ti bebedica, Grazie mille BIANCA

  • filmon May 2, 2016

    Grazie bianca sei unica sore mia

Post a Reply to Gobo Cancel Reply