Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝሓለፈ ተሞኩሮ ዝዓበየ መመህር እዩ።

ኣብ ዝኾነ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ንዝጎደሎ መሰላት ንምምላእ ናብርኡ ንምምሕያሽ፣ ወትሩ ዘየቓርጽ ናይ ወለዶታት መስርሕ ቃልሲ ስለዘካይድ ብባህርያቱ ሓደ ኣዩ። ፍልልዩ ናይ ሓንቲ ሃገር ፍሉይ ኩነታትን ዓይነት ስርዓትን ጥራይ እዩ። እቲ ሓደ ብቕዋምን ስርዓተ ሕግን ዝምራሕ፣

ኣብ ዝኾነ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ንዝጎደሎ መሰላት ንምምላእ ናብርኡ ንምምሕያሽ፣ ወትሩ ዘየቓርጽ ናይ ወለዶታት መስርሕ ቃልሲ ስለዘካይድ ብባህርያቱ ሓደ ኣዩ። ፍልልዩ ናይ ሓንቲ ሃገር ፍሉይ ኩነታትን ዓይነት ስርዓትን ጥራይ እዩ።

እቲ ሓደ ብቕዋምን ስርዓተ ሕግን ዝምራሕ፣ ልዕልና ሕጊ ዘንግስ፣ ደሞክራስያዊ መንግስቲ እዩ።  ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ የማዕብል። ኣብ ከምዚ ዓይነት መንግስቲ፣ ንልዕልና ሕጊ ዘውሕሱ፣ ንደሞክራሲ ኣብ ምህናጽ ዝዓበየ ተራ ዝጻወቱ ድማ ዝተፈላለዩ ህዝባውን ደሞክራስያውን  ትካላት ብሕጊ ይቖሙ።

ልዕልና ሕጊ ኣብ ምውሓስ ሓደ ካብቶም ዝዓበየ ተራ ዝጻወቱ ደሞክራስያዊ ትካላት መራኸቢ ብዙሓን እዩ። Media ናጻ ማዕከናት ራድዮ ተለቪጅን መጽሔታትን ይቖማ። ናጻ ሓሳባት ኣብ ምግላጽ፣ ናይ ጽሑፍን ምዝራብን ናጽነት ይፍቐድ። ብሞያዊ ስነምግባር Professional Ethics ድማ ይሰርሓ። ካብ ሃገር ናብ ሃገር ኣብ ሕግታቱ ንኣሽቱ ፍልልይ ክህልዎ ይኽእል። ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ መሰል ትጥቀመሉ፣ ናይ ካልኦት መሰልን ውልቓዊ ናጽነትን ዝግህስ ድማ ሕጋዊ ተሓታትነት ኣለዎ። ስለዚ ናጻ መዲያ ከም ትካል ንህዝቢ ሓቐኛ ሓበሬታ ይዝርግሕ። ትምህርታውን ሓደስቲ ምዕባሌታት ትምህርታዊ መደብን ንህዝቢ ይሕብር። ኣብ መንግስታውን ብሕታውን ትካላት ዝርኣዩ ጸገማት በደላትን የቓልዕ። ኣብ ናብራ ህዝቢ ዝርአ ጸገማት በደላት ኣብ ምቕላዕ ዝዓበየ ተራ ይጻወት። መራኸቢ ብዙሓን ምስ ካልኦት ህዝባዊ ትካላት ይሰርሕ።

ሕጊ ዝፈቕዶ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ማሕበራት ይቖሙ። ከም ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሞያ ማሕበራት ይምስረቱ። /ከም ኣብነት ማሕበር ጠበቓታት፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ማሕበር መጋዓዝያን ነጋዶን/ ናይ ሕብረተ ሰብኣዊ መጽናዕታዊ ትካላት፣ ማሕበራዊ ጉጅለ ሕብረተ ሰባት ከም ማሕበር ደቒ ኣንስትዮ፣ ማሕበር መንእሰያት …….ወዘተ ብሕጊ ይቖሙ። መሰላቶም ንምኽባር ሰላማዊ ሰልፊ ፐቲሽን የካይዱ። ናይ ምሕዝነት ደገፎም የረጋግጹ። ንዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይጣበቑ ንገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ጸቕጢ ይገብሩ። ናይ ተቓዉሞ ድምጾም ኣብ ምኽባርን ምውሓስን ፍትሒ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን።

ምኽንያቱ ኩሎም ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን፣ መንግስታዊ ዝኾነን ብሕታዊ ምምሕዳራዊ ትካላት፣ ካብ መራኸቢ ብዙሓንን ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ትካላትን ይጥንቐቑ። ጉድለታቶም ምስዝቓላዕ ኣብ ህዝቢ እምነቶም ይጎድል ተቐባልነቶም  ባይታ ይዘብጥ። ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ድማ ብድምጺ ህዝቢ ይስዓሩ።

ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዓለምና ዝተፈልየ እዩ። ቕዋምን ልዕልና ሕጊ ኣፍሪሱ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘውርዶ ዘሎ ገበንን ግፍዕን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስልጣኑ ንምንዋሕ ሓድነት ህዝብና ብዝተፈላለየ ሜላታት ከፋፊሉ ይገዝእ። ባህልና እምነትና ኣፍሪሱ፣ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያዊ መሰላት ይረግጽ ምህላዉ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ ስለዝኾነ ከም ኣርእስቲ ጥራይ ጠቒሰ ሕልፍ ክብሎ።

ቐንዲ መበገሲ ኣርእስተይ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ቓልሲ እዩ። ንጹቡቕ ተሞኩሮን ኣወንታዊ ውጽኢቱን ክምስገን ይግብኦ። ንኣሉታዊ ውጽኢት ድማ ከም መመሃሪ ክግምገም ይግብኦ። ካብ ገመጋም ተበጊስካ ድማ ሓዲሽ ናይ ቓልሲ መደባት ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡን እስትራተጂ ቀዳምነታት ተውጽእ። ንመደባትካ ቑጽጽር ዘለዎ መካኒስም ትገብር። ዝሓለፈ ተሞኩሮ መምህር ኣዩ ዘብሎ ድማ ንጽቡቕን ሕማቕን ዘጠቓለለ እዩ።

መንእሰያት ካብ ዝሓለፈ እንታይ ንመሃር?

መንእሰያትና  ኣብ ጊዚኦም ዝስከሙዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ተረዲኦም  ሕድሪ ተሰኪሞም ቃልሶም የስምሩ ኣለዉ።፣ ድምጾም ንምሕባር ሓይሎም ኣወሃሂዶም ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ብልዑል መንፈስን ወኒ ናይ ቃልስን ተበጊሶም ምህላዎም ክተባባዕን ክንሕበነሉን ይግባኣና።  ምኽንያቱ ገሊኦም ሂወቶም ወፍዮም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታትት ብማሕበር ተጠርኒፎም ይቓለሱ ኣለዉ። ብግብሪ ድማ ንስርዓት ኤርትራ ይብድህዎ ስለዘለዉ ዓቢ ስግኣት ፈጢሮሙሉ ኣለዉ። ቃልሲ መንእሰያት ብደሞክራስያዊ ብቕዓት ተመሪሑ ዝያዳ ኣፍራዪ ንምግባሩ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኩሉ ዓይነት ደገፍ የድልዮ። ሞራላዊ ምትብባዕ፣ ፋይናንሳውን ተክኒካውን ሓገዝ፣ ናይ ሙኩራትን ሞያውን ሃናጺ ዝኾነ ምኽሪ እናተዋህቦም ክንሕብሕቦም ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነትኩላትና እዩ።

መንእሰያት ምስ ኩሉ ዝነኣድ ኣወንታዊ ምባሌታቶም፣ ጉድለታት ክህልዎም ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ከም ደቒ-ሰብት ኩልና ፍጹማት ስለዘይኮና። ብፍላይ መንእሰይ ድማ ናይ ዕድመ ባህርያትን ሕጽረት ተሞኩሮን ዝፈጥሮ ጌጋታት ክህልዎም መጎታዊ እዩ። ምስ ተሞኩሮን ሃናጺ ምክርን ድማ ክምዕብልን ክበስልን ግድነት እዩ።

ስለዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኤርትራዊ ምንቕስቓስ ደሞክራስን ፍትሕን EMDJ ዘይርዳእ ስለዝነበረ ክልተ ግዜ ምፍንጫላት ከምዝነበረ ካብቶ ሰብ ጉዳይ ሰሚዕናዮ ኢና።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር (EYSNS)  ድማ ኣብ ሞንጎኦም ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዘኸተሎ ሳዕቤን ካብ ክልተ ወገን ሰሚዕና።

ኩሉ ዝተፈጥረ ጸገም ኣብ ምኽንያቱን ሳዕቤናቱን ዝርዝር ምእታው፣ ንዘሎ ቑስሊ ንምጉዳእ ኣይደልን። ፍርዲ ምሃብን ጸግዒ ምውሳድን ተመራጺ ኣገባብ ኣይኮነን ። ብወገነይ ነቶም ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዙ ኣማረጽቲ ሓሳባት ከቕርብ ሕልናይ ደሪኹኒ፣ ከም ዜጋ ድማ ሃገራዊ ግዴታ ክፍጽም ስለዘለኒ እየ ዝጽህፍ ዘለኹ።

ክልተ ኣገባባት ከም ኣማረጽቲ ፍታሓት ይኾኑ እዮም ዝብሎም ከቕርብ፦

ቐዳማይ፦ ብሰንኪ ጉጉይ ኣፈታትሓ ግርጭት ኩሉ ግዜ ጉዳያት መኣዝኖም ከምዝስሕቱ ሕሉፍ ተሞኩሮና ክንምሃረሉ ይግባኣና። ስለዚ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ካብ ዝሕግዙ ገለ ኣገባባት ንምጥቓስ፦

መሪሕነት ኤ. ም.ደ.ፍ ይኹን መሪሕነት ኤርትራዊ መንእሰይ ንስምረት ….. ልዕሊ ኩሉ ንቕዋምን ውሽጣዊ ሕግታትን ምእዙዛት ክኾኑ ይግብኦም። ማእከላይ ባይቶን ፈጸምቲ ኣካላትን ንጠንቕታትን ሳዕቤናት ፍልልያት ብጭቡጥ ክግምግሙ ይግብኦም። ዝካየድ ደሞክራስያዊ ዘተን ገምጋምን ግሉጽነትን ምክብባርን ክህልዎ ይግባእ። ናይ ሓሳብ ፍልልይ ብሃናጺ ሓሳብ ምቕያር፣ ናይ ኣገባብ ፍልልይ ድማ ሓድዳዊ ምጽውዋር ዝሰፈኖ፣ ፍልልያት ንምጽባብ ንመጽናዕቲ እኹል ግዜን ተጻወርነትንን ሕድገትን ባህርያት የድሊ። ምኽንያቱ ኣራምን ሓቓፍን ኣገባብን ሃናጺ ባህርያት ክህልዎ ኣገዳሲ እዩ።

ብስምዒት ጸግዒ ምውሳድ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ፍታሕ ምቕራብ ናብ ሓድሕዳዊ ምውንጃልን ምክሳስን የምርሕ። ኣብ ሓድነትና ዘራጊ ዝኾነ ካብ ኣዕናዊ ኣገባብ ክንጥንቐቕ ይግብኣና። ብውልቐሰባት ዝግበር ጉድለት ብቕዋምን ውሸጣዊ ሕግታትን እቲ ውልቐ ሰብ ይሕተተሉ። ናይ ውልቐሰባት ጉድለት ከም ናይ ብዙሓት ናይ ወገን ጌርካ ምግላጽ ነቲ ጸገም የጋድዶ። ንጉድለት ውልቐሰባት ወይ ገለ ጉጅለ ዘይመልክዑ እንተሒዙ ኣብ ኣፋታትሕኡ ጉጉይ ስለዝገብሮ መኣዝንካ የስሕተካ። ብስምዒትን ጸግዒን ምድጋፍ ዘይሓላፍነታዊ  ባህርያት የማዕብል። ነቲ ሽግር ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ድማ መሊሱ ነዳዲ ይውስከሉ። ካብዚ ዝረብሕ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ወይ ጸረ ምዕባሌን ለውጥን ዝኾነ ኣካል እዩ። ንደላይ ለውጢ ድማ ዓቢ ክሳራ እዩ።

ስለዚ መንእሰያትና ነዚ ቐዳማይ ቕኑዕ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ተኸቲልና፣ ጉድለታትና ኣብ መድረኽ ደሞክራስያዊ ዘተ ክንፈትሕ ምኽረይን ምሕጽንታይን ከቕርብ ኣፍቕዱለይ። ንግርጭታት የባልሕ ወይ ይወራዘ የለኹን። ከም ደላይ ለውጢ ኣካልኩምን ጎንኹምን ስለዝኾንኩ ብቕኑዕ ሕልና ሓሳበይ የቕርብ ከምዘለኹ ክትርድኡለይ እምነተይ ልዑል እዩ።

ካልኣይ ቕኑዕ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት፣ ንሃገራዊ ረብሓ ቐዳምነት ዝሰርዑ’ ሃናጺ ምኽሪ ዝህቡ፣ ካብ ፖለቲካዊ ጸግዕን ወገንን ናጻ ዝኾኑ፣ ካብ ምኩራት ለባማትን፣ ካብ ምሁራትን ናጻ ናይ ሚድያ ኣካላትን ዝተዋጽኤት ሓንቲ ናይ ዕርቒ ኮሚቴ ክትቖውም ብግሉጽነት ጻውዒት ከነቕርብ ንኩሉ ደላይ ለውጢ ዘሓጉስ ኣገባብ እዩ።

ኣብ መደምታ ጽሑፈይ “ ክምብል በለ”ምበር ኣይተደፍኤን”  ከምዝበሃል፣ ጸገማትና ኣለሊና ቕኑዕ ፍታሕ ረኺብና፣ ንደልዮ ዕላማ ንምዕዋት ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን እዩ። ከም መንእሰያት ድማ ሎሚ ንስከሞ ሕድሪ ፍረኡ ንጽባሕ ኣዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ነካይዶ ንጥፈት ብጽቡቕ ውጽኢት ደሞክራስያዊ መሰረት እንተንጺፍና፣ ብዳሕረዋይ ወለዶ ብጽቡቕ ታሪኽ ክንዝከር ክንሙጎስ ኢና። ናይ ሎሚ ኣሉታዊ ውጽኢት ድማ ዳሕረዋይ ወለዶ ዋጋ ከነኽፍሎ ስለዝኾና ብታሪኽ ድማ ክንውቐስን ክንኽሰስን ኢና።

ስለዚ ከም መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ሃገርና ጽቡቕን ሕማቕን እንታይ ንምሃር? ንጽቡቕ ታሪኽና ኣኽቢርና ከመይ ነማዕብሎ? ንሕሉፍ ጌጋ ከመይ ንኣርሞ ብግሉጽነት ብምክብባር ክንዝትየሉ ይግባእ። ዝሓለፈ ተሞኩሮ ዝዓበየ መምህር እዩ።

የቐንየለይ!

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!

ዮሴፍ መንግስተኣብ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Stefanos Temolso May 5, 2013

    What our brother has said is to the point. As the Tigrigna saying: ‘NLEBAM AMTELU NASHA DERGUHALU’ goes, to the wise a word is enough. So, young Eritreans who are striving for the removal of the dictator and the establishment of a just society, must be able to focus at the weak point of the tyrant and not concentrate on trivial or personal issues. You must promise to your people and your country that you will do whatever is needed from you! How long shall we be the laughingstock of bystanders?? No one can say Eritreans are dumb or weaklings because we have already registered in hstory that we are resilient and tempered as steel. All that has become now history because the dictator is dividing us from within our ranks. Mind you brothers! A HGDEF puppet calling an oppsition element AGAME and an opposition member calling the HADE HZBI HADE LBI elements TRAITORS! KORAKUR! WEYTOTAT. But the worst is, the opposition itself who has become its own enemy because we it has a ferocious power struggle that errodes its power base and capacity to fight against the brutal tyrant. Do you ever think that we can achieve our aim in such a way. We must awaken brothers! Wishing you a Happy Easter!!

  • Hazhaz May 5, 2013

    Though this is a well written article, the writer’s assumption for Eritrea’s problem to begin and end with Hgdef’s lack of “constitutional government and rule of law” voids anything written after.
    Eritrea’s problems start and end with Ghedli and what it stands for. Sudan’s problems did not go away with transparent parliamentary elections that brought Sadiq Almahdi nor did Nigeria’s political problems end with by writing many laws and perfect constitutions.
    As long as, Eritreans waste their time to find solutions in “rule of law and quwam” nothing will be resolved.
    All the prescriptions you provided above are fit to a “normal nation” but Eritrea is abnormal.
    I am in a hurry for Fasika lunch and I apologize for not responding in Tigrinia.

    Happy Easter!

    ርሑስ በዓል ፋሲካ።

  • Hazhaz May 5, 2013

    Mighty Emba wrote, “You just used English language to communicate here but does this make you a slave. As you may know, English is not Ethiopian language.”

    I did not define Eritrea in terms of the English language. English is not the constitutionally protected language in Eritrea. I am not advocating for any alien language to be protected by law at the expense Eritrean languages and identity. If one is ready to burn Eritrean languages, then he is ready to burn everything else. It is not me who is defining Eritrea in terms of Arabic language, it is your likes. Ones you do so, there is no coming back as long as you protect it by law and you deny the kunama, Afar and tigre people to do so.
    It is not me who is ashamed and discouraging others to speak, broadcast and learn in Eritrean languages, it is the people who see themselves as Arab appendix. I will give better credit to the Eritrean regime in this regard than some of the Jebha remnants and people like you.

    below is what Milisha recently wrote which is better,

    ato Belay Nega,
    In your Arab screwed little heads, the issue is not Eritrea but “Tigray” while you are being raped and enslaved. Let the Tigrayan worry about Tigray.
    Is that the reason you want to make Arabic language a legally protected language while the Tigre, Kunama, Afar, Bilin languages are not only denied legal protection in their own homes but also burned down?
    Are you telling me that the “good” Arabs and their servants will be protecting Eritrean languages while Arabic is enjoying a legal constitutional protection outside a none Arab nation?
    Is this what “liberation” means according to Sewra? 30 years of none sense so that a self hating can say Arabic is Eritrea’s language? Arabic language to enjoy everything under Eritrean Sun but native Eritrean languages are discarded like a condom? Call it voluntary Arabization or is it Abeedazation as one Darfuri called it.
    People who disrespect their own and hate themselves voluntarily do not deserve and sovereignty except slavery, no wonder the Arabs are raping and enslaving my own Eritreans.
    There are still many in the opposition who will never accept any educational or radio broadcast except Arabic, talk to me about inferiority laced slaves who want to be more Arab than the Arabs.

    Here is what you will see according to wishes:
    History repeated itself again 28 years later after the second organizational conference of the ELF/Jebha in 1975. Educational books, which were prepared in the Tigré language by teachers at the Sawa training center, were ordered to be burned by the Executive Committee, citing the reason that it was a conspiracy directed against the status and prominence of the Arabic language in Eritrea. The leadership of the ELF gave orders not to prepare any more educational texts in the Tigré language henceforth.

    “ኣብ ፕሮግራም ናይቲ ቀዳማይ ጉባኤ፣ ኣብ ሕቶ ቋንቋታት፣ ትግርኛን ዓረብን ወግዓውያን ቋንቋታት ኮይነን፣ ናይ ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ መስልን ማዕርነትን ክሕሎ ዝብል ነጥቢ ነይሩ እዩ። እዚ ነጥቢ’ዚ ድሓር በቶም ዓቃባውያን ወገናት፣ ከም ኣንጻር ዓረብ ዝቐንዐ ውዲት እዩ ተራእዩ። “እዚአን ቋንቋታት ኣይኮናን ዲያለክትስ እየን” ዝብል ምጉት ኣምጺኦም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣመለኻኽታ’ዚ፣ ኩሉ ተጋዳላይ ጀብሃ ከምዝዝከሮ፣ ድሕሪ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ፣ ኣብ 1975 ኣብቲ ውድብ ዝነበረ ንመምሃሪ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ትግረ መጻሕፍቲ ተቓጺሉ እዩ። ኣብ መዓስከር ሳዋ ዝነበሩ መማህራን፣ ካልኣይ ቋንቋ ናይ ኤርትራ ትግረ’ዩ ብዝብል ገርሃዊ ኣተሓሳስባ እዮም ብትግረ መምሃሪ መጻሕፍቲ ኣዳልዮም። እዚ ምስተሰምዐ፣ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ጀብሃ “ናይ ትግረ መጻሕፍቲ ክጸሓፍ የብሉን” ዝብል ውሳነ ሓሊፉ ከምዝቃጸል ተገይሩ። እቲ ውሳነ ኣብ ገለ መራሕቲ ጀብሃ ዝነበረ ናይ መንነት ቅልውላው ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ።” (http://www.ehrea.org/dont_forget_history_01.pdf)

  • NEW HOPE ERITREA May 5, 2013

    Brother Kalighe,

    I truly apologize to not be able to help you that some how I am from Tigray ,Ethiopia.
    I would never compare myself with our saviour Jesus Christ but 2000 years ago all people ,democratically ,decided to kill a son of God.That did not make it right.There are tribes were a man has to cut a man´s penis in order to be considered a real man.In India they used to burn living wifes with a dead husband…that did not make it right.
    I never said to reverse anything..I would be the first one to opppose Eritrea to be re-united with Ethiopia…honestly…I want Ethiopia to be our refuge ,running away place & Higher education sponsor ,until we Eritreans create our own.
    I AM NOT ETHIOPIANIST…I NEVER CLAIMED TO BE.I AM JUST PRESCRIBING THE RECIPE FOR HEALING.
    ..Believe that the 30 year Sewra was futile & the Price does not much the sacrifice..even if Eritrea were to be stable..,
    Now, Saying that we are independent country…We are just confronting reality, we are not trying to reverse anything,It is not easy to accept failure…but to live ¨happily¨outward while knowing the truth makes one suffer..the problem was not only Isaias…It is like saying ..THE WORST THING THAT AIDS CAUSES IS EXTREME LOSS OF WEIGHT….
    Mothers are saying my son died for nothing…just make it educational & assure mothers intentions of the Tegadeltis was to make life better..but the organization they were serving for was a bandit organization..HE WHO WORKS FOR A MAFIA IS A MAFIA….no matter his ,her intention.
    Then as a country we go through national therapy..I know ,I make it sound like crude…BUT ;YOU CAN NOT CALL THEM OUR BROTHERS AND KILL THEM .Because ,those brothers were the one committing atrocites,robbing food from peasant´s kids mouth..robbing peasants kids…destroying the culture.I have no enough space to point out their atrocites.
    Anyways I am speaking the healing part of it..not the politics of it as such.WE DO NOT CHANGEV COUNTRY OR EVEN FLAG.,..WE JUST ACCEPT ISAIAS AS A WAR LORD & HIS BANDITS AS MANIPULATIVELY & STRATEGICALLY DEFEATING DERG…NO MATTER THEY USESD OUR RELATIVES AS A BULLET SHIELD.
    If no Eritrean does not know the difference between evil & decent..I do not have to tailor my true solution to his/her emotional Utopian stand.I LOVE ERITREANS,& I DO NOT HESITATE TO CALL THE BANDITRY THAT HAS DESTROYED It´S FAMILY FABRIC.
    IF I WERE FROM MEKKELE ;I WOULD CARE ABOUT ADDING ANOTHER FACTORY OR YUNIVERSITY.
    ERITREAN PEOPLE ARE SUPERIOR TO BANDITRY.
    I MAY BE AN EXCEPTION TO THE RULE ;BUT WISDOM HAS BEEN MY STRONG SIDE..And I would be happy to be wrong & as you presented it our problem to be only Isaias.
    I really do.
    Bless you & happy Easter.

  • ማሊሻ May 5, 2013

    Malisha resonds, may 5, 2013
    Truly said: “Don´t make the Eritrean situation exceptional!”

    The Eritrean situation is truly exceptional because it is only in Eritrea that some Eritreans burned their own indigenous language, in this case Tigre, to promote Arabic.

    MightyEmbasoyra wrote, “You just used English language to communicate here but does this make you a slave. As you may know, English is not Ethiopian language.”

    Isn’t Eritrean politics strange, whenever an Eritrean is cornered and can not challenge anything, the person with opposing views is a called “weyane, tigrayan, ethiopian or racist …”
    This is how “Truly”, in his untruly state is acting. This will make the Higdefites better than some of the would be oppositions. As far as I know, Hazhaz is not Ethiopian.
    In this case, Hazhaz is right. Saudi Arabia, Ethiopia, Egypt, China use a lot of English language but none of them use it as their legal language as some Eritrean slaves or Abeeds want the Arabic language to be used in Eritrea. None of these nations use any foreign language to replace their own languages or to burn their own languages as the Jabha left overs did.

    Saudi Arabia, Ethiopia, Egypt or China did not prevent their own languages from being used in schools, radio, tv or the courts and to replace it with an alien language, again as some Eritrea Arab slaves want it to do by burning Eritrean languages such as Tigre, Kunama, Afar. It is true the Jabha leadership burned Eritrean text books written in Tigre to give priority to Arabic language.

    As Hazhaz said, in this case, with all its weaknesses and bad human right records, the Eritrean regime even did not stoop to this level as some of the Arab slavish mentality did that is common in the opposition.
    In Eritrea the most popular current local radio program is in Tigre broadcast on Sundays, called Sembet Abay and their Saturday entertainment programs.

    There is even a daily Bilen broadcast as there are in many other languages. On Saturdays, the Bilen program invites guests and the listeners ask phone in questions to lawyers, doctors, psychologists, teachers, elders, sociologists … who speak Bilen language.
    In your little Arab slaved brain this will not be possible. Here, the undemocratic Issaias afewerki beats most of the slavish opposition who hate their own languages so much that they want to burn it or had already burned it down.

  • ahmed saleh May 6, 2013

    After languishing for the last two decades from current system of illegal activity from the government , it
    become clear to the eyes of open-minded people that the country is heading to it’s doom day . The future is
    at stake because of those hoodlums who run the country by chasing intelligence and principled nationals .
    Our youth have an obligation to change the course on bringing a fresh political process which can contribute
    on encouragement to an atmosphere of free spirited involvement and to build progressive forces within our
    society .At this stage the whole situation either it be socially or politically do not sound wright and unless
    somebody saved the country sooner than letter . we might face the risk of forming dysfunctional society . .

  • kabbire May 6, 2013

    A certain ismail Omer-ali writes in awate site with a title, “Yosief’s circular journey in search of Ethiopia”

    And a reader responds with tongue in cheek:

    “The proper title of the article should have been:

    ‘Ghedli’s Circular Journey In Search of Arabs’

    Aren’t we who are burning Eritrea’s languages to walk, talk and pretend as our Arab masters who really do not respect us?”

    Mengistu who used to insult Jebha- Shaebia as “korakur Arab, kedemti nay Gibtsi, barayu Arab” ከደምቲ ናይ ዓረብ ባራዩ ናይ ግብጺ ኮራኩር ዓረብ must be laughing and chuckling to see Eritreans being sold as Arab slaves in Egypt and Sudan; used as the camel-herding-savage Arab’s sex slaves and their organs harvested for the Arab’s kidney and cornea spare parts, and as human land mine sweepers by the Arabs in Libya and as indentured farm laborers in Yemen .
    But still Mengistu is not smart enough because he failed to predict that the savage Arabs also charge the family of each of the enslaved Eritreans US $35,000 dollars for their freedom from the Arab world’s slavery. This will certainly make Mengistu a bit of a lazy thinker.

  • kebbire May 6, 2013

    A certain ismail Omer-ali writes in awate site with a title, “Yosief’s circular journey in search of Ethiopia”

    And a reader responds with tongue in cheek:

    “The proper title of the article should have been:

    ‘Ghedli’s Circular Journey In Search of Arabs’

    Aren’t we who are burning Eritrea’s languages to walk, talk and pretend as our Arab masters who really do not respect us?”

    Mengistu who used to insult Jebha- Shaebia as “korakur Arab, kedemti nay Gibtsi, barayu Arab” ከደምቲ ናይ ዓረብ ባራዩ ናይ ግብጺ ኮራኩር ዓረብ must be laughing and chuckling to see Eritreans being sold as Arab slaves in Egypt and Sudan; used as the camel-herding-savage Arab’s sex slaves and their organs harvested for the Arab’s kidney and cornea spare parts, and as human land mine sweepers by the Arabs in Libya and as indentured farm laborers in Yemen .
    But still Mengistu is not smart enough because he failed to predict that the savage Arabs also charge the family of each of the enslaved Eritreans US $35,000 dollars for their freedom from the Arab world’s slavery. This will certainly make Mengistu a bit of a lazy thinker.

  • NEW HOPE ERITREA May 6, 2013

    ናበይ ደሊኺ ዓሰብ፧

    ምኽንያት ሰውራና ኔርኪ ናይ ቃልስና ታርጋ
    ንሰማያዊት ባንዴራ ንወደባት ህዝበይ ተራጋሪጋ
    81 ዶ ኣቲኺ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ
    ፍረ ገድልና ኮይኑ ናይ ኩነታት ሓደጋ
    ቃጣር መዓረስኪ፣ ሸያጢት ህግደፍ ሙዳዳ
    ኣነስ ቀደም ኣሚረዮ ንሓፋሽ ይግደዳ
    ክስዕሙዋ ቃብያስ ክስሕብዋ ሕራይ__ተገዲዳ
    ኢትዮጵያኛ ክትዛረብ´ያ፣ዓረብን ፋርሲን ኣወጊዳ
    ዓሰቢና_ ምኻድስ ኪዲ፣ ግን ድሃይ ስደዲ ብኣጋ
    ባጽዕ ይባርኸልና፣ ኤረ ኤርትራና ጠጠው ትበል ብቐንዳ
    ከንቱ ሞትና __ቁርስቲን ሸራፍን ሃገር ወሊዳ።

    ምልክነት ብዘይ ገደብ ሃገር ብዘይ ወደብ
    ጽምዋ ድዩ በሊዑዋ፣ንኢትዮጵያ ከይዳ ዓሰብ
    ካብ ቦታኹም ክንወጽእ እንተበሉ ንዑ_ንላዘብ
    ብኩነት ባድመ ባሕርና ሰቲዃ ብዘይ ኣደብ
    ንባጽዕ ክቃለስ´የ__ኣማስይኣ ከይትድረብ።

    ዝካላኸለላ መሲልዋ ዓሰብ ዓሻ
    ረሲዓቶ፣ንኮሎነል ዑስማን ዝነኸሰቶ ተመልሻ
    ህዝቢ እናዓነወ፣ኣዋልድና እናተዓመጻ ኣበየ ቃንጥሻ
    ሲናይ ዘየለዓለትና ክብረት ደቂ ሓበሻ
    ኪዲ ድኣ ወደብና ስብእነት ቀደም´ያ ተሓምሺሻ።

Post a Reply to NEW HOPE ERITREA Cancel Reply