Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝሓሸሽናዮ ዕድል ፈጢርና፣ ንነብስና ካብ ጣዕሳ፣ ንሃገርና ካብ ውድቀት ነድሕን! – ቃል ኣሰና

ጅግና ስዉእ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ከምዚ ትማሊ 21 ጥሪ 2013፣ ምስ ካልኦት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝኾኑ ብጾቱ ኣብ ሕምብርቲ ከተማና ኣስመራ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን፣ ትግባረ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዘካየዱዎ ምንቅስቓስ

ጅግና ስዉእ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ከምዚ ትማሊ 21 ጥሪ 2013፣ ምስ ካልኦት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝኾኑ ብጾቱ ኣብ ሕምብርቲ ከተማና ኣስመራ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን፣ ትግባረ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዘካየዱዎ ምንቅስቓስ ድሮ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ።

ወቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ናይቲ ፍጻሜ ካብቲ ከም ውኻርያ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ብዓቲ ወጺኡ ከም ኣንበሳ ኣብ ቴለቭዥን ኣብ ዘስምዖ ብድዐ እታ ፍሊም በቃ ተወዲኣ ኢሉ ንህዝቢ ከታልል ‘ኳ እንተፈተነ፣ እቲ ምንቅስቓስ ብዝተፈላለዩ መለክዒታት ክርአ ኸሎ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምንቅስቓስ እዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ኣበርክቶኡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዋና መሳርሒ ዓማጺ ምሕደራኡ ገይሩዎ ዝነበረ ሜላ ብራዕዲ ምግዛእ ሰይሩዎ። እታ ንኢሳይያስን ጉጅሊኡን ዕርዲ ኮይናቶም ዝነበረት መጋረጃ ፍርሒ ሽዑ ምስ ተገንጸለት ኣይተዓጽወትን። እቲ ብዛዕባ ‘ቲ ዝወርዶ ዘሎ ዓመጽን ውርደትን ዋላ ምስ ቤተሰቡ ከዕልል ምትእምማን ስኢኑ ዝነበረ ኤርትራዊ፣ ካብ ሽዑ ንደሓር ዋላ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምረቱ ብዓውታ ክዛረበሉ ጀሚሩ። እንሆ ድማ፣ ከምዚ ብዜናታት ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘሎ፣ ዋላ እቲ ብግዲ ብረት ዝዓጠቐ ምልሻ ከይተረፈ በቲ ስርዓት ንዝወሃቦ ትእዛዛት ብቐጻሊ ክነጽጎ ይርአ ኣሎ። ሰለዚ ስምብራት ናይቲ ወዲ ዓሊን ብጾቱን ብመስዋእትን ማእሰርትን ዋጋ ዝኸፈሉሉ ምንቅስቓስ ኣሰሩ እናደመቐ ይመጽእ ኣሎ። ከም ባህግን ታህዲድን ኢሳይያስ እታ ፊልም ኣይተወድአትን፣ እኳ ድኣ መጀመርያ ፊልም ከተመ መግዛእቲ ኢሳይያስ እናኾነት ትቕጽል ኣላ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝርአ ዝዓበየ ኣገዳስነት ናይቲ ምንቅስቓስ ንህዝባዊ ድሌት መላእ ሕብረተሰብና ዘንጸባርቕ ምንባሩ እዩ። ወዲ ዓሊን ብጾቱን “ቅዋም ክትግበር ኣለዎ” ኢሎም ቃል ንቓሉ ካብ ጥርዚ ፎርቶ ብቴሌቭዥን ዘቃልሑዎ ኣዋጅ፣ ጠለብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ መትከል እዩ። እቲ እምነቱ ጥልመት ዝተፈድየ፣ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስ ዒቕ ኢሉዎ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ከጣይስ ካብ ዝተረፉዎ ሒደት ተስፋታት ሓደ ትግባረ ቅዋም እዩ። ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብቲ ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት ዝገበሮ ቃለ መጸየቕ፣ “ቅዋም ሞይቱ እዩ” ኢሉ ብብድዐ ምዝራቡ ድማ፣ ንኻልኣይ ግዜ ኣንጻሩ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መለዓዓሊ ጭርሖ ከይከውን ስለዝፈርሐ እዩ። ልክዕ ከምቲ ርእሰ ምትእምማን ዘይብሎም መንግስታት ይኹኑ መራሕቲ ንዝቐተሉዎ ህቡብ ውልቀሰብ መቓብሩ መለዓዓሊ ኮይኑ መተካእታ ከይፈጥር መታን ብጸላም ተሓቢኦም ዝቐብሩዎ ወይ ኣብ ባሕሪ ዘጥፍኡዎ፣ እቲ ብራዕዲ ተዋሒጡ ዘሎ ኢሳይያስ ‘ውን ህዝቢ ኤርትራ መታን ንቕዋም ክቐብጾ እዩ “ከይተኣወጀ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ዝበሎ። ብቐደሙ ትግባረ ቅዋም ከዐንቅጽ ኢሉ እዩ፣ ኵናት ወሊዑ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘህለቐ። እንተኾነ፣ ቅዋም ዘይኮነ፣ ቆጽሊ ከይወደቖ ዝሞተ መራሒ ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ እዩ። ኢሳይያስ ዋላ ብቐትሪ እንተሓለሞ፣ ብሕግን ፍትሕን ናይ ምንባር ድሌት ካብ ልብን ኣእምሮን ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ክጠፍእ ኣይክእልን እዩ።

እቲ ሜላ ራዕዲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝሰበረ፣ ንህዝባዊ ጠለብ ኤርትራውያን ንግዝኣተ ሕግን ልዑላውነት ህዝብን ዘጕልሐ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወይ ከኣ ስርሒት ፎርቶ እምብኣር ኣሰሩ መመሊሱ ዝደምቕ፣ ዓቢ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻሜ እዩ።

እቲ ስዉእ ወዲ ዓሊ ብጅግንነት ዝገደፎ ኣሰር ተስፋ ሕቖ ውልቀመለኽቲ ኣሰንቢሩ፣ ኣብራኽ ዓንደርቲ ሰይሩ ሓንሳብን ንሓዋሩን ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ክነግስ ግን መቐጸልታ የድልዮ። ኣብ ርእሲ ‘ቲ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ ዘለዎ ዜጋዊ ሓላፍነት እምነ ኩርናዕ ናይዚ ሃገራዊ ተልእኾ ኮይኑ ክዋሳእ ብቐዳምነት ዝስራዕ ተኽእሎ ዘለዎ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዩ።

ቅድሚ 2013 ኣብ ዝነበሩ ልዕሊ 20 ዓመታት ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ዝተዓድየቶ ክሳራ ንጎኒ ገዲፍና፣ ድሕሪ ጥሪ 21 2013 ዝበጽሓ ሰብኣዊ ህልቂትን ሃገራዊ ውድቀትን መዳርግቲ የብሉን። ዋሕዚ ስደትን ህልቂትን ኤርትራውያን ንልብናስ ይትረፍ ንኣሃዛት ኳ ከቢዱዎም ኣሎ። ስርሒት ፎርቶ ዝኸፈቶ ዕድል ስለዝሓሸሽናዮ ከም ህዝቢ ወሪዱና ዘሎ መቕጻዕቲ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ተገንዚብና እምብኣር፣ ክሳብ እንርዅመሽ ከይተጸበና ካልእ ዕድል ክንፈጥር ንቀዳደም። ዝሓሸሽናዮ ዕድል ዳግማይ ፈጥሪና፣ ንነብስና ካብ ጣዕሳ ንሃገርና ድማ ካብ ውድቀት ነድሕን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

21 ጥሪ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Tesfay January 22, 2015

    correction..forto by wedi ali is 2 years old not a 3 years as the article stated.

    • Hagos January 22, 2015

      Tesfay:

      There is no correction! The article doesn’t state 3 yrs. It states going on 3rd year. Which is correct.

  • mahta January 22, 2015

    Atention for every body please don’ t sleep .Did you remember after Wedi Ali more than 2000 people did . More than 75 000 young generation loose from theire country this is non profit for the country.Have you seen the Asmara generally Eritrea changed to bad sitwetion. So be ready to stop our common enemy that is few members and the ‘ hgdef’ system .to substitute by constitution. Then we will see Eritrea is peaseful and integrated country.

  • AHMED SALEH !!! January 22, 2015

    Beleive it or not soon ” FORTO OPERATION 2 ” will take place .
    Do not underestimate their silent comrades within Eritrean army.
    Issayas missed to get the message that the film only started to
    roll and stopped suddenly .
    The show is not over yet , it will start to roll again for the
    final good ending . The righteous always prevail at the end .
    Never give up on good and principled patriots.
    History taught us the ability of few courageous people who
    made difference . Year 1991 will not be forgotten .

    • AHMED SALEH !!! January 22, 2015

      Eritreans heard the loud echo coming from spirit of dissents suffocated
      voices on top of the hill in Asmera called FORTO .
      Their demands for No justice No peace has overshadowed the country’s
      atmosphere . Naturally in life it will not settle until resolved .
      That is the basic facts we can’t keep to ignore , respect matters.

  • Simon G. January 22, 2015

    ኣሰና:
    ጸገምና የዕሪና ንፈልጥ ይመስለኒ ኔሩ: ሕጂ ግን ክጠራጠር ጀሚረ። እዝ ኩሉ ዓመታት ሓሊፉ: ጸገምና ድማ ምስቲ ዓመታት ዛይዱ። ስለዚ: ጸገምና ካብ ኢሳያስ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።
    1. መን ‘ዩ ሓንጎል ኢሳያስ? ኢልና ምሕታት ኣድላዪ ከይኮነ ኣይተርፍን።
    2. መን ‘ዮም ከ ንኢሳያስ ሕቖ ኮይኖሞ ዘለዉ?
    3. ስለምንታይ ምክብባር ኣጥፊእና?

    እወ ስለዘይሓበርና’ዩ ከምዚ ኮይና ተሪፍና ንብል: የግዳስ ጸገም ፍልልይና እንታይ’ዩ። ስጋብ ሕጂ ጸገም ፍልልይና (ማለት:ደገፍቲ ህግደፍን ኣንጻር ህግደፍን)ዝተረደኣኒ ኣይመስለንን።
    ከምዝመስለኒ: “ዓይነት” ዩ ጎዲሉ ዘሎ። ሕጽረት ተቓወምቲ ጥራይ ኣይኮነን። ንኣብነት፥ ከም ኣሰና (ምንኣድ ኣይኮነን): ሓደ ሽሕ ሰባት ተሪሮም ዝቃወሙ ተዝርከቡ (ብዓይነት ማለተይ’ዩ): እቲ መኣዝን ናባና ምዘንበለ ኔሩ።
    ተወሳኺ ድማ: መብዛሕቲኡ ግዜና ኣብ ጸገምና ምንጋር ነሕልፎ ኣለና (ንኣሰና ማለተይ ኣይኮነን፡ ንከምዝ ከማይ ደኣ)።
    ክልተ ነገራት ኣዝየይን ኣገደስቲ: a. ጠንቂ ናይ ጸገምና ብግቡእ ምርዳእን b. መፍትሒ ጸገምናን።
    ቀዳመይቲ ብግቡእ ምስፈለጥና: ዳሕረወይቲ ኣዝያ ዝቐለለት ትመስል። ነዚ ክንገብር ግን: ምክባባር ክህሉ ኣለዎ።

  • Fikre January 22, 2015

    A huge slap on isayas’s ugly face Mr. Amanuel Iyasu once again! Keep it up bro!

  • hjhj January 23, 2015

    Asena please verify the release of 6 Journalist that said made on 21 January,2015

  • semhar January 23, 2015

    ሃየ እንደሞ ንስኻ ጀምረልና፡ ግርም እባ ድሕሪ መስትያት ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢታት ተሓቢእካ ምውርዛይ። እንተዘየሎ ከምቲ ምስላ ዝብሎ፡ እንተ ጸርፊ ዝሓደግናሎም የብልናን፥እንተ እተን ከብቲ እሞ ወሲዶመን። ከይከውን።

  • Dawit January 24, 2015

    ኪኢለዮ ማለት፡ዓቕሚ፡ዝዋሓዶ፡
    ንዕሽነት፡ሓውካ ግድን”ዩ’ክትምዕዶ፡
    ሕሰብ ተማራመር፡መንገዲ፡ትኸዶ፡
    ስራሕ አሳልጦ፡ብወፈራ ጽምዶ፡
    ካብ እንታይ፡ጌሮም፡እንታይ፡ጌሬ፡
    ከምቶም፡ዝሰርሑ ዘይን ዓጥቕ፡ስረ፡
    ይሎሞ ፈጢሮሞ ወረወዲወረ፡ማዓር ከሎ እንታይ አምጾኦ፡ዕረ

POST A COMMENT