Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝመረረ ተመክሮ ህይወት: መሰረት ጽኑዕ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!!

ዝመረረ ተመክሮ ህይወት መሰረት ጽኑዕ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!! ዑቕባይ ገብረመድህን ( ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.) 28 ሕዳር፡ 2013 ----------------------------- “ባህሪ ኣብ ጣዕሚን ህድኣትን ኪምዕብል ኣይኽእልን’ዩ። ብናይ ፈተነን ስቓይን ተመክሮ ጥራይ ኢዩ ነፍሲ ኪሕይል፣ ድልየት ኪበራበር፣ ዓወት ኪርከብ ዝከኣል።”-- (ሀለን ከለር፡-ኣዒንታ ዓዊራ፣ ኣእዛና ጸሚማ፣ ኣፋ

ዝመረረ ተመክሮ ህይወት

መሰረት ጽኑዕ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!!

ዑቕባይ ገብረመድህን ( ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)

28 ሕዳር፡ 2013

—————————–

ባህሪ ኣብ ጣዕሚን ህድኣትን ኪምዕብል ኣይኽእልንዩ።

ብናይ ፈተነን ስቓይን ተመክሮ ጥራይ ኢዩ ነፍሲ ኪሕይል፣

ድልየት ኪበራበር፣ ዓወት ኪርከብ ዝከኣል።”– (ሀለን ከለር፡-ኣዒንታ ዓዊራ፣

ኣእዛና ጸሚማ፣ ኣፋ ተዓቢሳ፡ ካብ ሓሙሽተ ህዋሳት ሰለስተ ወሰንቲ

ስኢና ዝተወልደት ኣመሪካዊት ክነሳ፡ ተኣምር ጥራይ ኪበሃል ዚከኣል

ሓድጊ ገዲፋ ዝሓለፈት ኣብነታዊት ሰብ ኢያ ኔራ።)

 

(“Character cannot be developed in ease and quiet.

Only through experience of trial and suffering

can the soul be strengthened, ambition inspired,

and success achieved.” Helen Keller)

————————-

     ባዕዳዊ ሓይሊ ጨቊኑ ብምግዛእ ደም ከንብዓካ’ምበር ጠስሚ ኪለኽየካ ኣይመጽእን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተረዲኡ፡ ዘይነጽፍ ኒሕን ዘይነቅዕ ጽንዓትን ተዓጢቑ፡ ብውሑድ ሓቕሚ ሰብን ንኡስ ንዋትን መሪር መስዋእቲ ከፊሉ፡ ንዓለም ብዘገረመ ሰንሰለት መግዛእቲ በንጢሱ ካብ መዓሙቕ ጸልማት መግዛእቲ ናብ እምባ ብርሃን ናጽነት ቦሎኽ ኢሉ። እንኮ ሓጢኣቱ ናጽነተይ ንዝበለ ከም ኤርትራ ንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ህዝብን፡ ምስ ብዕስራ ኢድ ዝገዝፎ ሓይሊ መግዛእቲ፡ ዝርያ ሓያላን መንግስታት ተሓዊሱዎ ናጽነቱ ኪንፈጎ ኸሎ፡ እዛ ሓላል መሬት (EARTH) በታ  ሓይሊዩ ቅኑዕ (Might is Right) ዝብል ሓደገኛ ዕላማ ሒዛ እትጐዓዝ ሰብ-ዝሰርሓ ፍትሒ ዝሓረማ ዓለም ተዓብሊላ ከም ዘላ’ዩ ዘረጋግጸልካ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ንልዕሊ ሓደ ወለዶ ኣብ መስዋእትን ዕንወትን ተሸኺሉ፡ ብብዝሑ ከይስስን ብምዕባለ ከይስጕም ዝተኸልከለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ርእሲ ኹሉ እፎይታ ሰላም ረኺቡ ናብ ብሩህ መጻኢ ኪጥምት ምተገብኦ።

ኣይኮነሉን ግን። ዘይተጸበዮ ሕሱም ኣጋጢሙዎ። እዋን ናጽነት ካብቲ እዋን መግዛእቲ ዝጸልመተን ዚመረረን ኪኸውን መን ይጽበዮ! ኣብ ዝባን መሬትን ህዝብን ዚረአ ዘሎ ናይ መሪር ዝመረረ ሓቂ ግን ንሱ ኢዩ። ክትዝርዝሮ ምፍታን እውን ካብ ባሕሪ ብርብዒት ምቕዳሕ ኮይኑ’ዩ ዚተርፍ። እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤት ዚኣተወ ዕምቈትን ስፍሓትን ሃገራዊ ማህሰይቲ ብግቡእ ንምግምጋም መዳርግቲ ዘይብሉ ልዕሊ ዓቕሚ ቃላት ኢዩ እንተ በልኩ ምግናን ኣይከውንን። ብጽንዓት ንልዕሊ ሓደ ወለዶ ተቓሊሱ ብርእሰ ሓያላን ንዝተደገፈ ገዚፍ ሓይሊ መግዛእቲ የዕኒዩ ብዓወት መሰስ ዝበለ ህዝቢ፡ ናጻ ምስ ኮነ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ወለዶ  ዕድመ  ብዝተዓጻጸፈ ኣብ ክንዲ ዚስስን ኣብ ፍጹም ጥፍኣት ናይ ምግምጋሙ ሕንቅልሕንቅሊተይ ብኸመይ ክትርድኦ ይከኣል? ምስ ዘይትርድኦኸ ክትገልጾ ይከኣልዶ?

ዕርቃን ሽፍታዊ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢስያስ ምሉእ ተቓሊዑ ሓቀኛ መንነቱን ዕላማኡን ስጡሕ እኽሊ ካብ ዚኾነና ዓመታት ሓሊፉዎ ኢዩ። ንዕኡ ኣብ ምኽሳስን ምርጋምን ተሓጺርና፡ ጐሲናዮ ክንሓልፎ ዝጸናሕና መሰረታዊ ሕቶ ግን ኣሎ። ከመይ ኢልና ናብዚ ደልሃመት ክንወድቕ ክኢልና?  እቲ ምስጢር መልሲ ንግዳም ብምጥማት ዘይኮነ ናብ ውሽጥና ብምጥማትን ብኽፉት መንፈስ ብምፍታሽን ጥራይ ዚርከብ ምዃኑ ምግንዛብ የድልየና። ኣብዚ ናይ ሞትን ህይወትን፡ ናይ ጥፍኣትን ድሕነትን ህሞትና ኸኣ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ከም ህዝቢ ንሓዋሩ ኣደልዲልና ክንረግጽ እንተ ኾይኑ፡ ብሓባር ውሽጥና ፈቲሽና  ነቲ ጠንቂ ጥፍኣትና ብግቡእ ክንርዳእን መፍትሒ ክንረኽበሉን የድልየና። እስከ ንሕሰብ፡ ሓረስታይ ግራቱ ብግቡእ ሓሪሱ ኣብ እዋኑ ዘሪኡ ምስ ኣብቈለ፡ ብጻህያይ ኪጕበጥን ኪሕነቕን እናረኣዮ ትም እንተበለ ጻማ ጻዕሩ ምህርቲ ዚሓፍስዶ ይመስለኩም? ጻህያይ ክርዳድን ሓርኢ-እኽልን ኣብ ግራቱ ገና ውልዶ ከሎ እንተ ዘይተጻህዩን ተማሒዉን፡ ኣብ እዋን ዓጺድ ይኹን ኣብ ዓውዲ ምስ ወደቐ ኪእለ ዝከኣል ኣይኮነን።

ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዚሓለማን –ሓዳስ – ኢሉ ዝሰመያን እዛ እንርያ ዘለና ምርኣይ ምግጋይ ዝኾነት ኤርትራ ኢያ። ብተኻታታሊ ኲናታት ሓይሊ ሰባ ዝደኸመ፣ ምእንቲ ህዝቦም ዚሰንከሉ ጀጋኑ ደቃ ብጥይት ኪረግፉ ኸለዉ ረዳት ዚሰኣኑላ፣መሰልና ዝበሉ ተመሃሮ ዩኒበርሲቲ ናብ ህይወት ዘይሰፍሮ ንመቕጻዕቲ ተጓሪቶም ንሞት ዝተፈርዱላ፣ ፍቕሪ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን፡ ናይ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ባህላ ዝተበከላ፣ ህዝባ ካብ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ንላዕሊ ብድሑር ኣተሓሳስባን ስምዒትን ዝተፈላለየላ፣ መልክዓ ዝተደወነ፡ ትብዓታ ዝተዳህለ፡ ኒሓ ዝዓበረ፣ደቃ ኣብ ክንዲ መኣዲ ትምህርቲ ንወፍሪ ባርነት ተፈሪዶም ግደ ስደትን ጥፍኣትን፡ ቀለብ ጸሓይ ምድረ በዳ ሰሓራን ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን፡ ቀለብ መሸጣ ባርነት ዕዳጋ ኰላሊት ሲናይን ዝኾኑላ፣ ብኹሉ ዝጸልመታ ኤርትራ ሓሊሙን ኣተግቢሩን እነሆ። እቶም ብኣፍና ንዀርዓልኪ እንብላ ዜጋታታ እዚ ኹሉ ኣበሳ ኪፍጸም ኣበይ ኔርና?! ብሓባር ክንምልሶ ዝግባኣና ከቢድ ሕቶ’ዩ።

ብኽቡር ኣዕጽምትን ንጹህ ደምን ላህመት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝመጸ ናጽነትና ጻህያይ ዘርኢ ክርዳድ ከይዕብልሎን ከይዕፍኖን ካብ ንጕሆኡ ንምጽሃዩን ንምጽራዩን ኣይተዓጠቕናሉን። ከምቲ ሕማቕ ሓረስታይ ዘሪኡ ንዘብቈሎ ብጻህያይን ምጕያን ኪዕበጥን ኪሕነቕን ዚሓድጎ፡ ናጽነትና በቶም ሕድሪ ስዉኣት ጠሊሞም ባህጊ ህዝቢ ዘጸልመቱ ቖንጠጠፈ ኪሕነቕ ትም ኢልና ርኢናዮ። ሳዕቤኑ ኸኣ እነሆ፡ ኣብ እዋን ተኻታተልቲ መግዛእቲታት ዘይተራእየ ጥፍኣትን ጸልማትን ኣብ ልዕሊ እዛ ሓላል መሬትና ይዝምቢ። እቲ ክንጥምቶ ዘይከኣልና ሓቂ፡ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ብዝራሕራሕናሉ ህዝባዊ ስልጣንና ይረግጸናን የጽንተናን ምህላዉ ኢዩ ። መፍትሒኡ ኸኣ ስልጣንና ምምላስ ጥራይ ኢዩ።

ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ፣ ንዘልዓለም ዚቕጽል ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ዕርበትን ጸልማትን ስለ ዘየሎ ኸኣ፡ እነሆ ሎሚ እቲ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብነድሪ ማዕበል ድምጹ-ይኣክል! ይኣክል ውርደትን ጥፍኣትን! –ይብል ኣሎ። ደጊም እዚ ዝተወሃሃደ ህዝባዊ ነድሪ’ዚ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልን ስልጣንን ዘይብሉ ከይሲ፡ ዝረገጾ ሃደሽ ኣቢሉ ናብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ናይ ምጕሓፉ ጊዜኡ ዝኣኸለ ይመስል። እቲ ዚዓበየ ዕማም ኣብ ዝባንና ዚህሉ ግን፡ ነዚ ዛጊት ብድሑርን ኣዕናውን ተግባሩ ቦዅቢኹ ዘሎ ሽፍታዊ ስርዓት ምእላይ ኣይኮነን፤ ኣብ ዑናኡ ከመይ ዝበለት ኤርትራ ንሃንጽ ኢዩ።

እታ ክቡር ኣዕጽምትን ንጹህ ደምን ላህመት ደቃ ኣብ ከብዳ ዘእተወት፡  ራኢ ሓርነት ህዝቦም ልዕሊታ መተካእታ ዘይብላ ህይወት ብምስራዕ ዝወደቑላ ሓላል መሬት፡ ሕድሮም ህያው ዝኾነላ ሃገር ንምህናጽ ዚለዓለን እንኮን ዕላማና እንተ ኾይኑ፡ ጕዕዞ ፓለቲካዊ ርጋጽና መርማርን ጽጹይን ኪኸውን ግድን፤ ካልእ ምርጫ የብልናን። ቀሊል ጕዕዞ ከም ዘይኮነ፡ ኣብዚ መንነት ሽፍትነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብኣረሜናዊ ተግባሩ ዕርቃኑ ወጺኡ  ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም ኣዳዕዲዖም ዝድግፉዎ ንጐኒ ገዲፍና፡ ዋላ ካብቶም ከም ተቓወምቲ ዝፍለጡ ዜጋታት እውን ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ከም ዝተቓለሰ ዝርእዩን ዝከራኸሩሉን ኣይተሳእኑን። ኣብዚ ዕስራን ክልተን ዓመታት፡ ብፍላይ ግን ካብቲ ኢሳያስ ካብ 2001 ጀሚሩ ምልካዊ ስርዓቱ ዚኣወጀሉን፡ ኣዳዕዲዑ እንታይ ማለትዩ ደሞክራሲ? . . . ምርጫ ዝበሃል ኣይክህሉን  ኢዩ . . .ምናልባት ድሕሪ ሳላሳ -ኣርባዓ ዓመታት” – ብምባል ዘባጨወሉ፡  ብስም ቃልሲ ንደሞክራሲ ኣብ ደምበ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብተን መሰረት ደሞክርሲያዊ ሓይሊ ህዝቢ ኪኾና ትጽቢት ዝግበረለን ሲቪክ ማሕበራት፡ ኣብቲ ልዕሊ ኹሉ ዝተወጽዐ ደምበ መንእሰያት በብዓይነቱ ዘልሓጥሓጥን ምፍንጫልን ኪረአ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይኣቱ፡ ንጹህ ድልየት ናይቲ መብዛሕትኡ ተቓላሲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ኢዩ። ግን ዕምቈት ኣተሓሳስባ ዘይሓትት ጉዳይ እንተ ኣሊዩ፡ ኣብ መንጎ ሽሕ ዓሰርተ ዝተወደቡ ዘረግቲ ከድምዑ ከም ዝኽእሉ ዚከሓድ ኣይኮነን። እዚ ኢዩ ኸኣ ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኣዚዩ ሓያልን ጽንኩርን ዝገብሮ። ኣብዚ እዋን’ዚ ውዕዉዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጢ ጀሚሩ’ሎ። ኣብ መንጎ’ዚ ንጹህ ህዝባዊ ጻውዒት ንመሰረታዊ ለውጢ፡ ሕቡእ ኣጀንዳ ሒዞም ዝጐዓዙ ከም ዚህልዉ ክንህመለሉ ዘይግባእ ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ዓለም ብጸቢብ ረብሓ ዚጐዓዙ፡ ምውህሃድን ሰላምን ህዝቢ ዘይወሓጠሎም ፍጥረት ሰባት እንተ ዘይህልዉ፡ ዓለም ብዘየቋርጽ ኲናታትን ምጽናት ንጹሃትን ኣይምጸልመተትን፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳግማይ ጸልማት ህይወት ኣይምተሸመመን። ስለዚ፡ ነባሪ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን፡ ራህዋን ሰላምን ህያው ዚገብር ትርጉም ዘሎዎ ቃልሲ ከነካይድ እንተ ድኣ ዓጢቕና፡ ኣብ ክንዲ ሚሐ ጸቢብ መንፊት ክንጥቀም፡ ሓሙሻይ መስርዓት ከይሳዕረሩ ጐሊልና ከነውጽእ ክንክእል ይግብኣና። እዚ ሓደጋዚ ጐሊሑ ዝረአ ኣብቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ኣብ ስደት ኣብ ዝርከብ ህዝቢ ምዃኑ ጋህዲ ነገር ኢዩ። ርእሲ ኹሉ ካብ ህቡባት ንጠንቀቕ፣ ካብ ኢሳያስ ንመሃር፤ ንምልኪ ብኻባ ህቡብነትዶ ከይኮነ ኣቲዩዋ። ናይ መወዳእታ ግን ኣይኮነን፣ ከምኡ ወትሩ ኪህልዉ ኢዮም፤ምዕዋቶምን ዘይምዕዋቶምን ግን ደረጃ ንቕሓትናን ድሉውነትናን ኢዩ ዝውስኖ።

ብሰሪ ካብ ታሪኻዊ ተመክሮታትና ዘይምምሃር፡ ዚሃሰዩና ጌጋታት ዝደጋገምናሉ ጊዜ ውሑድ፡ ዝሓለፍናዮ መዋእል ሓጺር ኣይኮነን። ነዚ መሪር ትምህርቲ’ዚ ብግቡእ ነቒሕናሉ ብሕጂ ንእንተኽሎ ህይወት ሓርነት ብሸለልትነትናን ብጸቢብ ፍልልያትናን ንፋስ ከይነእትወሉ ከም ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ብስም ስዉኣትናን ብኸንቱ ዝጠፍኡ ደቅናን ዘይገሃስ ቃል ክንኣቱ የድልየና። ሓርነት ብጓይላን ዳንኬራን ውሕስነታ ከም ዘይረጋገጽ ብመሪር ተመክሮ ተማሂርናዮ ኣለና። ሓርነት ትኩር ዘለዓለማዊ ሓለዋ ዘድልያ ምኽንያት እቶም ደቂሶም ዘይሓድሩን ኣድቢዮም ዝጽበዩን ናይ ውሽጢ ጸላእታ ሓሙሻይ መስርዕ ብቐሊል ኪልለዩ ስለ ዘይከኣል ኢዩ። ንግሉጽነትን ተሓታትነትን ዚጣበቕ ሓያል ናጻ ፕረስ ብምትካልን ናጻ ሲቪካዊ ማሕበራት ብምምዕባልን ጥራይ ኢዩ ኸኣ፡ ነቶም ነቐዝ ርግኣትን ሰላምን፡ መርዚ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዝኾኑ ክርዳድ ሃገር ብውልዶ እናጸሀኻ ውሕስነት ሓርነት ዚራጋገጽ።

ኣብዚ ካብ ዝኾነ እዋን -ፍጹም ይኣክል! – ብምባል ናይ ሞትን ህይወትን ቃልሲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ ታሪኻዊ ሓላፍነት፡ ኣብ ኣተሓሳስባን ግብርን መሰረታዊ ለውጢ ዚሓተና፡ ካብ ንህሉው ኩነታት ንዚሓለፈ ዘመጕስ ተርእዮ ኣሎና። –ዓሚ ይሓይሽ! – ዝብል ብሂልና፡ ኣንፈት ጕዕዞ ታሪኽና ኣብ ክንዲ ናብ መጻኢ ብተስፋ፡ ናብ ሕሉፍ ብናፍቝት ክጥምት ከም ዚጸንሐ ኢዩ ዚሕብረና። ነጸብራቕ ናይ ዘይባህሪያዊ ኩነታት ዘይባህሪያዊ ኣጠማምታ ምዃኑ ኣየካትዕን፤ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንቅይሮ ኸኣ ይግብኣና። ንምቕያሩ ክንክእል ግን –መረዳእታ መጀመርያ ሓርነትዩ – ከም ዝበሃል፡ ስለምንታይ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት፡ ማለት – እቲ ሓጺር ዕድመ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ፈደረሽን ብመግዛእቲ ሃይለስላሴ ምስ ተወርሰ ዓሚ ይሓይሽ ተባሂሉ፣ ስርዓት ሃይለስላሴ ብደርጊ ተገምጢሉ መግዛእቲ ምስ ከረረን ምስ መረረን ዳግም ዓሚ ይሓይሽ  ተባሂሉ፣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈሪሱ ኣብ ዑናኡ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኪትከል ትጽቢት እናተገብረሉ፡ ኣብ ታሪኽ መዳርግቲ ዘይብሉ ዕንወትን ምጽናትን፡ ድሕረትን ምጽልማትን ስዒቡ – እቲ ዓሚ ዝብሃል ኣዚዩ ርሒቑ፡ እቲ መሰነይታኡ  ይሓይሽ ዝብል ቃል ተረሲዑ ነእምሮ ፍጹም ዘደንዘዘ ህይወት ይሕለፍ ምህላዉ ኣዕሚቝና ምስ እንርዳኦ ቀዳማይ ሓርነትና ይኸውን። እቲ ዓሚ ይሓይሽ ዝብል ብሂል ጭብጢ ኣይነበሮን ወይ የብሉን ኣይኮነን እቲ መጎተይ፣ ባህሪያዊ ኣይኮነን ኢዩ። እቲ ባህሪያዊ ኣንፈት ጕዕዞ ህይወት ብርእሰ ምትእምማን ሎም ዘመን ካብ ዓሚ ይሓይሽ፡ ንዓመታ ኸኣ ካብ ሎሚ ዝበለጸ ኪኸውን ኢዩ ኪበሃል ከሎ ኢዩ። እምበኣር ቃልስና ኣንፈት ታሪኽና ካብ ዕጉብ ሎሚ ናብ ትስፉው ጽባሕ ንምቕያሩ ኪኸውን ይግባእ።

 

እዚ ባይታ’ዚ ምስ ተረጋገጸ ኢዩ ኸኣ፡ እቲ እንዀርዓሉ ሰፊሕ ኤርትራዊ ባህልና፡ ንዝወረዶ ብከላ ከም ዕፋፈት ደርቢዩ፡ ብዝማዕበለ ደረጃ ተሓዲሱ ህያው ኪኸውን ዚኽእል። ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጀሚሩ፡ ብኹሉ መኣዝናት ብዝኸፍአ ደረጃ ተሃሲዩ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕባለ ረጊጽና እፎይ ክሳብ እንብል ኣብ ዝባንና ዘሎ ብድሆ ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ስምዒታት ኣወጊድና ብዕትበት ክንግዘቦ ይግባእ። ብጽሞና’ሞ ነቲ ብናይ ጥርጣረን ፍርሃትን፡ ሸለልትነትን ምስሉይነትን ዝቐበርናዮ ሕልናዊ ሓቂ ንመርምሮ፡ እቲ ፍታሕ ኩሉ ጊዜ ኣብ ኢድና ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ክንርዳእ ኢና። ዘይብድሁ ንዝመስሉ ዝነበሩ ባዕዳዊ ሓይሊታት ብርእሰ ምትእምማንን ዘይጽንቀቕ ተስፋን ርእስና ዓቕኒዕና ብምቅላስ ዝተዓወትና ህዝቢ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ርእስና ምድናንና ዘይባህሪያዊ ምዃኑ ምስ ተረዳእና፣ ህዝባዊ ስልጣንና ንጐሓላሉ ብምርሕራሕ ባዕልና ንዝፈጠርናዮ ግመ ብምግላህ ሓቂ ጥራይ ሓራ ከም ተውጽኣና ከም ብርሃን ወጋሕታ ኪበርሃልና ኢዩ። ባይታ ዝተነፍጎ ህርኩትናና ካብ መቝሕ ድስካለን ስደትን ናጻ ኮይኑ ኣብ መሬቱ ኣደልዲሉ ምስ ረገጸ ኣኽራናት ኪደፍእ ከም ዝኽእል ኸኣ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ኩሉ ኣብ ኢድና ምዃኑ ክሳብ ዘይዘንጋዕና፡ ደረት ዓወት ጕዕዞና ሰማይ ትራይ ኢዩ። ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ምስ ተፈተነ ዝፍለጥ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ብመሪር ተመክሮ ዝተፈተነ ብምዃኑ፡ ኩሉ ዓይነት ድሑሩ ኣተሓሳስባታት ከም ዕፋፈት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ኣብ ነባሪ ጽኑዕ ሓድነት ደው ከም ዝብል ኣየጣራጥርን። ወነንቲ ህይወትና፡ ጎይቶቶ መጻኢና፡ ሃነጽቲ ታሪኽና ክንከውን ምስ በቓዕና፡ እታ ቐለቤት ምልእቲ ኮይና ማለት ኢዩ። ከም ንበጽሖ ኸኣ ሓያል እምነት ኣለኒ።

 

ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጸጋ ሓርነትን ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!!

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Events November 29, 2013

    Quoting.. ባዕዳዊ ሓይሊ ጨቊኑ ብምግዛእ ደም ከንብዓካ’ምበር ጠስሚ ኪለኽየካ ኣይመጽእን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተረዲኡ፡ ዘይነጽፍ ኒሕን ዘይነቅዕ ጽንዓትን ተዓጢቑ፡ ብውሑድ ሓቕሚ ሰብን ንኡስ ንዋትን መሪር መስዋእቲ ከፊሉ፡ ንዓለም ብዘገረመ ሰንሰለት መግዛእቲ በንጢሱ ካብ መዓሙቕ ጸልማት መግዛእቲ ናብ እምባ ብርሃን ናጽነት ቦሎኽ ኢሉ።
    Our problem lies with the quoted mentality..Who was colonizer ?What makes the qualifications of a colonizer ?Can Ethiopia almost all it´s private riches was owned by Eritreans qualify as a colonizer ?
    Our problem is we have twisted logic ..maybe that originated from Italian colony mentality..What kind of Freedom did we Eritreans achieve ,was it based on our agenda or the fighters´ heads agenda ? We need to evaluate things in a real manner ,not repeat what we have been fed for years.

  • Truly Truly i say to you November 30, 2013

    Ato Okbay G/ Medhin, if i not misinterpreted or wrong understand you; from your massage you seem have certain skepticism about Wodi Vacaro mission. Well, many times in previous time because we all experienced a lot disappointment, from useless so called oppositions party group leaders, your skepticism i would say it is reasonable. But this time Wodi Vacaro i don´t think that he may disappoint us because of many reasons. First of all his his mission is nothing to criticize since he calling people for unity to challenge the common enemy dictator. Second i don´t think he is strangling for having power like others, even it be, i don´t think he has a little knowledge or less intelegence about politic than others, even he; as civil successful highly educated and experienced businessman, Eritrea needs such kind of person, not with Jebeha Shabia sickness syndrome affected people, or people with military background. So Ato Okbay, let us agree with this word; “Trust is good, control is better!” We can not living all time with doubt, in my view if not the dictator son, let alone the reliable Wodi vacaro, after Isayas even Monkey or who ever be from PFDJ hold power,i don´t believe they will be worse. The most important thing is we have to trust in Rule of Law and constitution, until the single man power has no meaning (relevance)or sphere, but collectively.

  • Ogbai GhebreMedhin November 30, 2013

    MR -TRULY TRULY- FIRST IN THIS AGE WHERE TRANSPARENCY IS OF THE UTMOST IMPORTANCE, I IMPLORE YOU TO WRITE IN YOUR TRUE NAME -ALTHOUGH I RECOGNIZE IT IS YOUR RIGHT TO WRITE IN WHATEVER PEN NAME YOU CHOOSE.
    TO COME TO YOUR POINT, I DO NOT THINK I HAVE MENTIONED WEDI VACARO – AND I CANNOT UNDERSTAND HOW YOU CAME TO THAT. MY POINT IS WARNING AGAINST OUR BEING GULLIBLE WHICH IS REPEATEDLY SEEN IN OUR HISTORY. ALL I AM SAYING IS WHILE WE MUST BE OPEN MINDED AND POSITIVE, WE SHOULD BE CRITICAL OF WHOEVER WANTS TO GET TO POWER.I SAID POWER IS THE LEGITIMATE TERRITORY OF THE PEOPLE. YOU SAID EXACTLY MY POINT – BELIEVE IN THE RULE OF LAW AND NOT IN THE RULE OF PEOPLE. BE CAREFUL OF POPULISM AND POPULISTS. SINCE YOU MENTIONED WEDI VACARO – I ASSURE YOU I HAVE VERY HIGH RESPECT FOR HIM AND I APPLAUD HIS UNTIRING EFFORT TO BUILD UNITED FRONT AGAINST THE TYRANNICAL REGIME.
    yOURS SINCERELY,OGBAI

  • Truly Truly i say to you November 30, 2013

    Ato Okbay your opinion is well accepted. Thanks for verifying! Acctually even in what ever form i misunderstood your message, from the beginning i didn´t take it or see it as evil. In contrary! because i found it very useful was that i said, “Trust is good, control is better!” to anybody who involves in Eritrean politic. For instance in my personal point of view, after Wodi vacro i believe Ambassador Haile Menkerios can play a constructive positive role for accelerating the down fall of the regime, for contacting with US regime etc reconsidering his diplomatic experience internationally. However, because i didn´t know his political point of view and agenda,it was better if clearly he able to share us his stand like Wodi vacaro actively and openly doing. Otherwise, it will not be easy anyone to trust without transparency.

Post a Reply to Events Cancel Reply